ጁባይ ምሉእ
ቆፎይ ንኽኑኽ
ዝባነይ ክዱን
ክነሱ…
ኣፈይ ዮግሮምርም
ልበይ ዘይዕሩፍ
በቲ ዘሎኒ ዘይዓግብ
ስለምንታይ?
እቲ ጐነይ ዘሎ ብጻየይ
ቤቱ ገረውረውረው እናበለ
ሳንቲም እኳ ዘይብሉ
ዝባኑ ብዕሩቑ
ተመስገን ቋንቁኡ
ሽዑ ኣነ ይግረም
ሚስጥሩ ክፈልጥ ይህወኽ
ነቲ በዓል ተመስገን ብጻየይ
ተረዲኦ’ዩ መስለኒ ቁጻረይ
ነቲ ንጉስ
ውሽጥኻ ይምልኮ’ሞ
ድሕሪዚ ልብካ
ተመስገን ክጭንጉዕ’ዩ
ምስ በለኒ ብጻየይ
ለካ ምውናነይ ኣይኰነን ሚስጥሩ
ነቲ ልዕል ምሓዝ’ዩ ቁም ነገሩ!!!
እቲ ቑም ነገሩ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode