08
Mon, Sep
0 New Articles

እቲ ቑም ነገሩ

Literature
Typography

ጁባይ ምሉእ
ቆፎይ ንኽኑኽ
ዝባነይ ክዱን
ክነሱ…
ኣፈይ ዮግሮምርም
ልበይ ዘይዕሩፍ
በቲ ዘሎኒ ዘይዓግብ



ስለምንታይ?
እቲ ጐነይ ዘሎ ብጻየይ
ቤቱ ገረውረውረው እናበለ
ሳንቲም እኳ ዘይብሉ
ዝባኑ ብዕሩቑ
ተመስገን ቋንቁኡ
ሽዑ ኣነ ይግረም
ሚስጥሩ ክፈልጥ ይህወኽ
ነቲ በዓል ተመስገን ብጻየይ
ተረዲኦ’ዩ መስለኒ ቁጻረይ
ነቲ ንጉስ
ውሽጥኻ ይምልኮ’ሞ
ድሕሪዚ ልብካ
ተመስገን ክጭንጉዕ’ዩ
ምስ በለኒ ብጻየይ
ለካ ምውናነይ ኣይኰነን ሚስጥሩ
ነቲ ልዕል ምሓዝ’ዩ ቁም ነገሩ!!!