08
Mon, Sep
0 New Articles

ዓስቢ እቲ ግዳም ሓደር

Literature
Typography

“እንታይ እያ ትመስል ወደይ፣ ምሉቑልቕ ትብል፣ ፍሉጥ እዩ ብጣዕምን ምቸቶን ተባዒጣ እያ” በለ እቲ ግዳም ሓደር ሰብኣይ ናብታ ናብኡ እናሰጐመት ትመጽእ ዘላ ሰበይቲ እናርርኣየ “ወረግ እንታይ ክትገብር እያ ናባይ ትመጽእ ዘላ? እዚኦም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት እንትርፎ ምሕጫጭን ምጽራፍን እንታይ ዶ ይፈልጡ እዮም” ኢሉ ዘረብኡ ከይወድኣ ከሎ እታ ምዕርግቲ ሰበይቲ ኣብቲ ዘለዎ ደበኸ በለት።


 

“ኣንቲ ሰበይቲ እንታይ ኢኺ ደሊኺ እስከ ርሓቕለይ” ኢሉ ኣምሪሩ ተዛረባ። እቲ ዘገርም እታ ሰበይቲ ዘረብኡ ቕጭጭ ከይበላ ኣብ ቅድሚኡ ከም ዓንዲ ደው ኢላ ተገተረት።

ፍሽኽ እናበለት ብፍሕሹው ገጽ “ጠሚኻ ዶ ኣሎኻ? ሓቐይ” በለቶ

“ኣይጠመቑን” በላ እናሓጨጨ ወሲኹ “ክገርመኪ ሕጂ ምስ ፕሬዝደንት ተደሪረ እየ መጺኤ ስለዚ ሕጂ ረሓቕለይ” በላ። እታ ሰበይቲ ፍሽኽትኣ ናብ ሰሓቕ ተለወጠ።

እታ ሰበይቲ በቲ ልምሉም ኣእዳዋ ነቲ ሰብኣይ ካብቲ ኰፍ ኢልዎ ዘሎ ከተተስኦ ፈተነት።

“ኣንቲ ሰበይቲ እንታይ ኢኺ ትገብሪ ዘሎኺ፣ በጃኺ እንዶ ሕደግኒ ኣይትተንኪይኒ” በላ ከምዚ ኢሎም እናተዘራረቡ ከለዉ ፖሊስ መጺዩ “ዝተፈጥረ ጸገም ኣሎ ድዩ? ደሓን ዲኹም ክንድዚ ዋዕዋዕ” በሎም

“ጸገም የሎን” በለቶ እታ ሰበይቲ “ነዚ ሰብኣይ እየ ሓፍ ዘብሎ ዘለኹ እሞ፣ ትሕግዘኒ ዶ?” በለቶ

እቲ ፖሊስ ድማ “ጸገም የሎን ግና ነዚ ኣርጊት ጃክ ካብዚ ንዓመታት ዝተቐመጠሉ ደገ ናበይ ኢኺ ክትውስድዮ ዘሎኺ? እንታይ ኢኺ ደሊኺዮ?” በላ

“ናብቲ ፊትና ዘሎ ቤት መግቢ ትርእዮ ዶ ኣሎኻ? ናብኡ ወሲደ ከቑርሶ ንቑሩብ ግዜ ድማ ካብዚ ዛሕሊ ክገላግሎ ስለ ዝደለኹ እየ” በለቶ

“ኣብኡስ ኣይኣትወልክን እዩ፣ ናይ ቀደም ስርሑ እንድዩ ኔሩ፣ ብዙሕ ነገር እዩ ዝረኣዮ መስለኒ” በላ እቲ ፖሊስ

“ኣንቲ ሰበይቲ ተጸልልኪ ዲኺ? ናብቲ ቤት ምግቢ ክኸይድ ኣይደልን እየ?” በላ እቲ ግዳም ሓደር ሰብኣይ።እቲ ፖሊስ ምስታ ሰበይቲ ተሓጋጊዞም ብሓይሊ ኣተስእዎ

“በጃኻ ኣንታ ፖሊስ ኣነ ፈጺመ ዝበደልክዎ ሕማቕ ነገር የለን ሕደገኒ ክኸይድ” በሎ እቲ ግዳም ሓደር ሰብኣይ

“ጃክ እዚ እሞ ንዓኻ ዓቢ ዕድል እዩ፣ ተወሓደ ጥዑም በሊዕካ እኳ ንገለ ሰዓታት ካብ ቀዝሒ ትድሕን” በሎ

ኣብ መወዳእታ ብኽንደይ ሓይሊ ንጃክ ናብቲ ቤት ምግቢ ኣእተውዎ፣ ኣብ ጫፍ እቲ ቤት መግቢ ድማ ኰፍ በሉ። ዳርጋ እታ መዓልቲ ትውዳእ ስለ ዝነበረት፣ እቲ ቦታ ብዙሕ ሰብ ኣይነበሮን፣ እቶም ዋናታት ድማ ንምሳሕ ዝኸውን ምድላዋት ይገብሩ ነበሩ።

“ደሓን ዲኹም እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ ፖሊስ” በሎ እቲ ማናጀር እቲ ዋና ምግቢ

“እዛ ትርእያ ዘለኻ ሰበይቲ ነዚ ሰብኣይ ከተቑርሶ ደልያ” በሎ እቲ ፖሊስ

“ኣብዚ ፈጺሙ ኣይከውንን እዩ” በል እቲ ማናጀር እናነደርን እናጨደረን። “ከምዚ ዓይነት ሰብ ኣብዚ ገዛ ኰፍ ክብል የብሉን። እዚ ንዓማዊለይ ካብዚ ገዛ ክህድመለይ እዩ፣ በጃኹም ኣውጽእዎ” በሎም እናነደረ

እቲ ግዳም ሓደር ጃክ እናሰሓቐ “ርኣዪ መጀመርያ እውን እኰ ነጊረኪ እየ፣ ካብ መጀመርታ እውን ኣብዚ ቦታ ክመጽእ ኣይደለኹን” በላ

እታ ሰበይቲ ናብቲ ዋና ቤት ምግቢ ኣማሓዳሪ እናመልከተት “ብዛዕባ እቲ ኢዲ ዝተባህለ ማሕበር ወናኒ ባንኪ ኣፍልጦ ኣሎካ ዶ” በለቶ

“ብርግጽ እምበር፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋን፣ ኣብዚ ቤት መግብና ክፍሊ ተኻርዮም ኣኬባ ኣካይዶም ኔሮም” በላ

“ኣብቲ እዋን እቲ በቲ ዘዳለኹምሎም ምግቢ ማእለያ ዘይብሉ መኽሰብ ከም ዝረኸብኩም ትፈልጥ ዶ?” በለቶ

“ብርግጽ እምበር እቲ ትካል ናትኪ ድዩ? በላ

“እወ ኣነ ፔንሎፕ ኢዲዪ ፕሪዝደንት ናይቲ ባንኪ እየ” በለቶ

እቲ ማናጀር ብስንባደ “ኣይኣምንን እየ” በለ

እታ ሰበይቲ ፍሽኽ ኢላ “ምናልባት ከምዚ ምባለይ ለውጢ የምጽእ እዩ፣ ብምባል እየ ነጊረካ” በለቶ

እቲ ፖሊስ ብምግራም ተኪሩ ክጥምቶም ከሎ ትዕዘቦ ነበረት። “እሞ ምሳና ደኣ ሻሂ ቡን ዘይትሰቲ” በለቶ

“ኣይፋል ሕጂ ኣብ ስራሕ እየ ዘለኹ” በላ እቲ ፖሊስ

“እሞ በቃ ቡን ሒዝካ ኺድ” በለቶ

“ጹቡቕ ሓሳብ” ኢሉ እቲ ፖሊስ ቡኑ ሒዙ ሓዲግዎም ከደ።

እቲ ዋና ድማ ነቲ ዝተኣዘዞ ከም ጻሎም ክደ። እታ ጥቓ እቲ ጃክ ኮፍ ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ፣ ነቲ ጋን ኣትይዎ ዝንበረ ግዳም ሓደር ሰብኣይ “ጃክ ቁሩብ ትዝክረኒ ዶ ንዓይ?” ኢላ ሓተተቶ

ጃካ ቁሩብ ድሕሪ ምሕሳብ “ኣወ ኣይሰሓትኩኽን ምስልኺ ክመጸኒ ጀሚሩ ኣሎ።” በላ

“ምናልባት ተለዊጠካ ይኸውን እየ፣ ዕድመ ኣሎ ከምኡ ድማ ገጂፈ ኣለኹ፣ ኣብዚ ቦታ እናሰራሕካ ከሎኻ፣ ሓደ ግዜ ብጥሜት ተሰኒፈ፣ ብቐዝሒ ቐብቂበ በዛ ማዕጾ ክኣቱ ከለኹ ትዝክረኒ ድ?” በለቶ

እዛ ከምዚ ዝኣመሰልት ሰበይቲ ኣብ ህይወታ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ጠምያ ትፈልጥ ኣይትመስልን እያ።

“ካብ ኮለጅ ምስ ተመርቕኩ፣ ናብ ከተማ ስራሕ ክደሊ መጻኹ፣ ግና ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣብ መጨረሻ ዝነበረኒ ገንዘብ ስለ ዝወዳእኩ ንኽራይ ዝኸፍሎ ሲኢነ ካብቲ ዝነበርክዎ ገዛ ሰጎጉኒ። ኣብቲ ጽርግያ ድማ ግድማ ሓዳር ኰይነ ንብዙሕ መዓልታት ከርተት በልኩ። የካቲት ስለ ዝነበረ ኣዚዩ ቆራሪ እዩ ኔሩ። ኣብቲ እዋን ኣዝየ ጠምየ ነበርኩ፣ ነዚ ቦታ እዚ ድማ ብማዕዶ ረኣኽዋ እሞ፣ ገለ ዝብላዕ ተረኸብኩ መጻኹ።”

 

 

ጃክ ክሉ ክዝከሮ ስለ ዝጀመረ ፍሽኽ ክብል ጀመረ። “ሕጂ ኩሉ ዘኪረዮ” በላ “ኣነ ሽዑ ካሳ እየ ዝሕዝ ዝነብርኩ፣ሽዑ ናባይ መጺኺ፣ በጃኻ እባ ኣነ ክሰርሕ ንስኹም ድማ ምግቢ ትህብኒ ኢልክኒ። ኣነ ድማ ከምዚ እዚ ስራሕና ኣይፍቅድን እየ ኢለኪ” ኢሉ ተዘክርኡ ኣካፈላ።

“እወ ይፈልጥ” በለቶ እታ ሰበይቲ ዛንትኣ ብምቕጻል “ሽዑ ይዝከረኒ ከመይ ዝበለ ደርሆ ኣዚዝካለይ፣ እዚ ነገር ኣብቲ እዋን ንዓይ ዓቢ እዩ፣ ምስኡ ድማ ቡን ሂብካ ኣብቲ ጫፍ ዘሎ ሰድያ ኮፍ ኢለ እናተሓጐስኩ ክበልዖ ነጊርካኒ። ኣብቲ እዋን ካብቶም ሓለፍትኻ ጸገም ከይመጸካ ሰጊኤ ኔረ ግና ኣብቲ መቐመጢ ፒያቲ ዋግኡ ገንዘብ ኣቐሚጥካለይ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ዝገበርካለይ ፍፈጺመ ክርስዖ ኣይክእልን እየ” በለቶ

“ኣሞ ድሕሪኡ ኸ ደኣ ናትኪ ትካል ከፊትኪ ማለት ድዩ?” በላ ታሪኻ ክሰምዕ እናተሃንጠየ

“ክገርመካ ካባኻ ምስ ወጻኹ ስራሕ ረኺበ። ኣዚየ ድማ ይጽዕር ኔረ። ናተይ ትካል ድማ ጀሚረ። ኣምላኽ ድማ ኣዕዚዙ ባረኸንን ኣጸገወንን። ቦርስኣ ከፊታ ድማ ናይቲ ትካላ ኣድራሻ ሃብቶ “ምስ ቆረስካ ናብ ኣቶ ሊዮን ኪድ ኢኻ፣ ንሱ ናይቲ ትካለይ ዳይረክተር እዩ። ብዛዕባኻ ክነግሮ እየ፣ እቲ ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ክገብረልካ እዩ። ኣብቲ ቤት ጽሕፈትና ስራሕ ክህበካ እዩ። ንኽዳውንትኻ መቐየሪ ዝኸውን ገንዘብ ክህበካ እዩ፣ ንዝኸነ ነገር እንተ ደሊኻ ቤት ጽሕፈተይ ንዓኻ ኩሉሳዕ ኩፉት እዩ” በለቶ

ካብ የዒንቲ እቲ ሰብኣይ ንብዓት ወረር ወርር ክብል ጀመረ። “ከመይ ጌረ እየ ከመስግነኪ ቃላት ከማን የብለይን” በላ

“ንዓይ ኣይተመስግነኒ ነቲ ናባኻ ዝመርሓኒ ኣምላኽ ክብሪ ሃቦ፣” በለቶ “ተመስገን የሱስይ ናብ ጃክ ስለ ዝመራሕካኒ” ኢላ ንኣምላኻ ኣመስገነት

ካብቲ ቤት መግቢ ምስ ወጸተ ነቲ ዝሓገዛ ፖሊስ ረኸበቶ። “ስለ ዝሓገዝካኒ ኣዚየ እየ ዘመስግንካ” በለቶ

እቲ ፖሊስ ድማ “ወይዘሮ ኢዲ ኣነ እምበር ከምስግነኪ፣ ሎሚ ኣብ ህይወተይ ክርስዖ ዘይክእል ተኣምራት እየ ርእየ፣ ስለ እቲ ቡን ድማ የቐንየለይ በላ።

ካብዚ ዛንታ ሓደ ቑም ነገር ኢና ንመሃር ነቶም ኣብ እዋን ጸገምን ሽግርን ዘለዉ ሰባት ምሕግዝና ዳሕራይ በረኸቱ ተመሊሱ ብዙሕ ከም ዝኸውን ዘጥራጥር የብሉን። መዝ 142 ኣንብብ