08
Mon, Sep
0 New Articles

ክትዕ ብዛዕባ ህላወ ኣምላኽ

Literature
Typography
ሓደ ብህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምን ፕሮፌሰር ናይ ፍልስፍና ን ተመሃሮኡ ስለምንታይ ንህላወ እግዚኣብሄር ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ከተረጋግጾ ከም ዘይከኣል ይገልጸሎም ነበረ:: ንሓደ ካብቶም ተማሃሮኡ ድማ ደው ክብል ኣዚዙ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ሓተቶ:
 
ፕሮፌሰር: ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ትኣምን ዶ?
 
ተመሃራይ: ብርግጽ: መምህር::
 
ፕሮፌሰር: ኣምላኽ ሰናይ ድዩ?
 
ተመሃራይ: ብዘይጥርጥር::
 
ፕሮፌሰር: ኣምላኽ ኩሉ ዝኽእል ድዩ?
 
ተመሃራይ: እወ::
 
ፕሮፌሰር: ሓወይ ሽሕኳ ናብ ኣምላኽ ከሕውዮ እንተጸለየ, ብሕማም ካንሰር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ:: መብዛሕትና ሰባት ንዝሓመሙ ክንሕግዝ ንፍትን: እግዚኣብሄር ግና ነዚ ሕሙም ኣይሓገዞን:: ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ኣምላኽ ሰናይ ዝኸውን?
 
ተመሃራይ ኣይመለሰን::
 
 
ፕሮፌሰር: ክትምልስ ኣይከኣልካን, ሓቀይ? እንደገና ክሓተካ ንእዝሽቶ ዓርከይ: ኣምላኽ ሰናይ ድዩ?
 
ተመሃራይ: እወ::
 
ፕሮፌሰር: ሰይጣን ከሰናይ ድዩ?
 
ተመሃራይ: አይኮነን::
 
ፕሮፌሰር: ሰይጣን ካበይ መጽዩ?
 
ተመሃራይ: ካብ...እግዚአብሄር...!
 
ፕሮፌሰር: ብሓቂ: ኣብዛ ዓለም ክፉእ ኣሎ ዶ?
 
ተመሃራይ: እወ::
 
ፕሮፌሰር: ክፍኣት ኣብ ኩሉ ኣሎ: ኣይኮነን ድዩ? ኣምላኽ እዩ ድማ ንኹሉ ዝፈጠረ: ሓቀይ?
 
ተመሃራይ: እወ::
 
ፕሮፌሰር: ስለዚ መን እዩ ንእከይ ዝፈጠረ?
 
ተመሃራይ: ኣይመለሰን::
 
ፕሮፌሰር: ብመሰረት ስነፍልጠት, ንስኻ ሓሙሽተ ህዋሳት አለዋኻ: ብአን ጌርካ ድማ ንአብ ከባቢኻ ዘሎ ከተለሊን ክትዕዘብን ትኽእል:: ንገረኒ ወደይ: ንኣምላኽ ርኢኻዮ ትፈልጥ ዶ?
 
ተመሃራይ: ኣይፋል, መምህር::
 
ፕሮፈሰር: ድምጺ ኣምላኽካኸ ሰሚዕካ ትፈልጥዶ?
 
ተመሃራይ: ኣይመስለንን, መምህር::
 
ፕሮፌሰር: ከምዚ እናኾነ ከሎ ግና ትኣምኖ?
 
ተመሃራይ: እወ::
 
ፕሮፌሰር: ብመሰረት ስነፍልጠት ህላውነት ሓደ ነገር ንምርግጋጽ ብትዕዝብቲ: ብፈተነ ከምኡ ውን ክጭበጥ ብዝከኣል መርትዖ እዩ ዝከኣል:: በዚ መምርሒ መሰረት ውን ስነፍልጠት ኣምላኽ የለን ይብል:: እንታይ ትብል ብዛዕባ እዚ?
 
ተመሃራይ: ወልሓደ: ኣነ እምነት ጥራሕ እዩ ዘለኒ::
 
ፕሮፌሰር: እወ: እምነት: እዚ እዩ ድማ ስነፍልጠት ዘይሰማማዓሉ::
 
ተመሃራይ: ፕሮፌሰር: ዋዒ ዝበሃል ኣሎ ዶ?
 
ፕሮፌሰር: እወ::
 
ተመሃራይ: ዛሕሊ ኸ አሎ ዶ?
 
ፕሮፌሰር: እወ::
 
ተመሃራይ: ኖእ መምህር: ዛሕሊ ዝበሃል የለን::
 
 
(ክላስ ኣብ ጸጥታ አተወት)
 
ተመሃራይ: መምህር, ብዙሕ ዝዓይነቱ ዋዒ ክህልወካ ይኽእል እዩ:: ውሑድ ዋዒ: ብዙሕ ዋዒ: አዝዩ ብዙሕ ዋዒ: ወይ ከኣ ወልሓደ ዋዒ ክህልወካ ይኽእል እዩ:: ግናኸ ዛሕሊ ዝበሃል የለን:: 458 ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና: ዋዒ አይኮነን ግና ትሕቲ እዚ ክንከይድ ኣይንኽእልን:: ዛሕሊ ዝበሃል የለን:: ዛሕሊ ዘይህላውነት ናይ ዋዒ ንምግላጽ ጥራሕ ኢና ንጥቀመሉ:: ዛሕሊ ክንዕቅኖ ኣይንኽእልን ኢና:: ዋዒ ኤነርጂ እዩ:: ዛሕሊ ኣንጻር ዋዒ ኣይኮነን: መምህር:: ዛሕሊ ዘይህላወ ዋዒ ጥራሕ እዩ::
 
(አብቲ ክላስ ከቢድ ጸጥታ ሰፈነ)
 
ተመሃራይ ቀጺሉ: ጸልማት ከ መምሃር: ጸልማት ዝበሃል ነገር ኣሎ ዶ?
 
ፕሮፈሰር: ኣሎ ወ:: እንተዘይህሉ ምሸት እንታይ እዩ?
 
ተመሃራይ: መምህር ኣብ ህላውነት ናይ ሓደ ነገር ኣንጻር ተወኪልካ ትዛረብ ኣለኻ:: ህይወት ካብ ሃለወ ሞት ውን ኣሎ, ሰናይ ኣምልኽ, ክፉእ ኣምላኽ ኢልካ ትካታዕ አለኻ:: ንህላውነት ኣምላኽ ከም ሓደ ውሱን ነገር ጌርካ ርድኦ ኣለኻ:: ከም ክንዕቅኖ ንኽእል ጌርካ ትወስዶ አለኻ:: መምሃር: ን ኣብነት: ሳይንስ ሓሳባት ከማን ኽገልጽ ይክእልን እዩ:: ሳይንስ ኤለክትሪክ ከምኡ ውን ማግኔት ይጥቀም: ግናኸ ንሓዲኦም እኳ ርእዮም ወይ ከአ ብምልኣት ረዲኦሞ አይፈልጡን:: ንሞት ከም ኣንጻር ናይ ህይወት ጌርካ ምግላጽ ማለት: ሞት ከም ተጨባጢ ነገር ኮይኑ ንበይኑ ክህሉ ከም ዘይክእል ዘይምፍላጥ እዩ:: ሞት ማለት ኣንጻር ህይወት ማለት አይኮነን: ሞት ዘይምህላዉ ናይ ህይወት ጥራሕ እዩ:: ሕጂ ፕሮፈሰር መልሰለይ: ንተማሃሮኻ ሰብ ካብ ህበይ ከም ዝመጸ ትምህሮም ዶ?
 
ፕሮፈሰር: ብዛዕባ እቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኢቮልሽን መስርሕ እንተ ደአ ኮይንካ ትዛረብ ዘለኻ: እወ, ብርግጽ ከምኡ ኢለ ይምህር እየ::
 
ተመሃራይ: ነዚ ትምህሮ ዘለካ ኢቮልሽናዊ መስርሕ ብዓይንኻ ተዓዚብካዮ ትፈልጥ ዶ?
 
ፕሮፌሰር: (ርእሱ የነቓንቕ ብምግራም: እቲ ክትዕ ናበይ ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ እንዳስተባሃለ)
 
ተመሃራይ: እምበኣርከስ: ነዚ ናይ ኢቮልሽነ መስርሕ ዝረኣየ ወይ ውን እዚ ናይ ኢቮልሽን መስርሕ ገና ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ሙኻኑን ዘይሙኻኑን ከረጋግጾ ዝኽእል ሰብ ስለ ዘየለ: ናትካ ርእይቶ ዶ አይኮንካን ትምህር ዘለካ: መምህር? ናይ ስነፍልጠት ምሁር ግና ኸ ሰባኻይ ዶ አይኮንካን መምህር?  (ክላስ ዋዕዋዕ ይብሉ)
 
ተመሃራይ: ካባኹም: ክላስ: ዋላ ሓደ ን ናይ ፕሮፌሰርና ሓንጎል ዝረአዮ ኣሎ ዶ?
 
 (ክላስ ብሰሓቕ ትጭደድ)
 
ተመሃራይ: ካባኻትኩም ዋላ ሓደ ን ናይ ፕሮፌሰርና ሓንጎል ዝረአያ: ዝጨበጣ: ዝጨነዋ ወይ ውን ዝዳህሰሳ አሎ ዶ? ...ዋላ ሓደ የለን:: ስለዚ: ብመሰረት እቲ ዓንተወይ ዝገለጽካለይ ህላውነት ሓደ ነገር ንምርግጋጽ ብትዕዝብቲ: ብ ፈተነ ከምኡ ውን ክጭበጥ ብዝከኣል መርትዖ እዩ ዝከኣል ዝብል ስነፍልጠታዊ ኣገባብ: ስነፍልጠት ሓንጎል የብልካን ይብል:: ስለዚ, መምህር: ምስ ምሉእ ኣኽብሮት ከመይ ኢልና ነቲ ትምህረና ንኣምኖ?
 
(ክላስ አብ ጸጥታ አተወት: እቲ ፕሮፈሰር ናብቲ ተማሃራይ ገጹ የቋምት: ገጹ ክትገልጾ የጸግም)
 
ፕሮፈሰር: ከም ዝመስለኒ: ወደይ: ብእምነት ክትወስዶ አለካ::
 
ተመሃራይ: ንሱ እዩ መምህር:: ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መራኸቢ እምነት እዩ:: እምነት ድማ እዩ ንኹሉ ነገር ከም ዝነብርን ህያውን ዝገብሮ:: 
 
እዚ ንእሽቶ ተመሃራይ መን ሙኻኑ ትፈልጡ ዶ?
 
ኣልበርት ኣንስታይን::