ሓደ ብህላውነት ኣምላኽ ዘይኣምን ፕሮፌሰር ናይ ፍልስፍና ን ተመሃሮኡ ስለምንታይ ንህላወ እግዚኣብሄር ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ከተረጋግጾ ከም ዘይከኣል ይገልጸሎም ነበረ:: ንሓደ ካብቶም ተማሃሮኡ ድማ ደው ክብል ኣዚዙ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ሓተቶ:
ፕሮፌሰር: ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ትኣምን ዶ?
ተመሃራይ: ብርግጽ: መምህር::
ፕሮፌሰር: ኣምላኽ ሰናይ ድዩ?
ተመሃራይ: ብዘይጥርጥር::
ፕሮፌሰር: ኣምላኽ ኩሉ ዝኽእል ድዩ?
ተመሃራይ: እወ::
ፕሮፌሰር: ሓወይ ሽሕኳ ናብ ኣምላኽ ከሕውዮ እንተጸለየ, ብሕማም ካንሰር ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ:: መብዛሕትና ሰባት ንዝሓመሙ ክንሕግዝ ንፍትን: እግዚኣብሄር ግና ነዚ ሕሙም ኣይሓገዞን:: ከመይ ኢሉ እዩ እዚ ኣምላኽ ሰናይ ዝኸውን?
ተመሃራይ ኣይመለሰን::
ፕሮፌሰር: ክትምልስ ኣይከኣልካን, ሓቀይ? እንደገና ክሓተካ ንእዝሽቶ ዓርከይ: ኣምላኽ ሰናይ ድዩ?
ተመሃራይ: እወ::
ፕሮፌሰር: ሰይጣን ከሰናይ ድዩ?
ተመሃራይ: አይኮነን::
ፕሮፌሰር: ሰይጣን ካበይ መጽዩ?
ተመሃራይ: ካብ...እግዚአብሄር...!
ፕሮፌሰር: ብሓቂ: ኣብዛ ዓለም ክፉእ ኣሎ ዶ?
ተመሃራይ: እወ::
ፕሮፌሰር: ክፍኣት ኣብ ኩሉ ኣሎ: ኣይኮነን ድዩ? ኣምላኽ እዩ ድማ ንኹሉ ዝፈጠረ: ሓቀይ?
ተመሃራይ: እወ::
ፕሮፌሰር: ስለዚ መን እዩ ንእከይ ዝፈጠረ?
ተመሃራይ: ኣይመለሰን::
ፕሮፌሰር: ብመሰረት ስነፍልጠት, ንስኻ ሓሙሽተ ህዋሳት አለዋኻ: ብአን ጌርካ ድማ ንአብ ከባቢኻ ዘሎ ከተለሊን ክትዕዘብን ትኽእል:: ንገረኒ ወደይ: ንኣምላኽ ርኢኻዮ ትፈልጥ ዶ?
ተመሃራይ: ኣይፋል, መምህር::
ፕሮፈሰር: ድምጺ ኣምላኽካኸ ሰሚዕካ ትፈልጥዶ?
ተመሃራይ: ኣይመስለንን, መምህር::
ፕሮፌሰር: ከምዚ እናኾነ ከሎ ግና ትኣምኖ?
ተመሃራይ: እወ::
ፕሮፌሰር: ብመሰረት ስነፍልጠት ህላውነት ሓደ ነገር ንምርግጋጽ ብትዕዝብቲ: ብፈተነ ከምኡ ውን ክጭበጥ ብዝከኣል መርትዖ እዩ ዝከኣል:: በዚ መምርሒ መሰረት ውን ስነፍልጠት ኣምላኽ የለን ይብል:: እንታይ ትብል ብዛዕባ እዚ?
ተመሃራይ: ወልሓደ: ኣነ እምነት ጥራሕ እዩ ዘለኒ::
ፕሮፌሰር: እወ: እምነት: እዚ እዩ ድማ ስነፍልጠት ዘይሰማማዓሉ::
ተመሃራይ: ፕሮፌሰር: ዋዒ ዝበሃል ኣሎ ዶ?
ፕሮፌሰር: እወ::
ተመሃራይ: ዛሕሊ ኸ አሎ ዶ?
ፕሮፌሰር: እወ::
ተመሃራይ: ኖእ መምህር: ዛሕሊ ዝበሃል የለን::
(ክላስ ኣብ ጸጥታ አተወት)
ተመሃራይ: መምህር, ብዙሕ ዝዓይነቱ ዋዒ ክህልወካ ይኽእል እዩ:: ውሑድ ዋዒ: ብዙሕ ዋዒ: አዝዩ ብዙሕ ዋዒ: ወይ ከኣ ወልሓደ ዋዒ ክህልወካ ይኽእል እዩ:: ግናኸ ዛሕሊ ዝበሃል የለን:: 458 ዲግሪ ትሕቲ ዜሮ ክንበጽሕ ንኽእል ኢና: ዋዒ አይኮነን ግና ትሕቲ እዚ ክንከይድ ኣይንኽእልን:: ዛሕሊ ዝበሃል የለን:: ዛሕሊ ዘይህላውነት ናይ ዋዒ ንምግላጽ ጥራሕ ኢና ንጥቀመሉ:: ዛሕሊ ክንዕቅኖ ኣይንኽእልን ኢና:: ዋዒ ኤነርጂ እዩ:: ዛሕሊ ኣንጻር ዋዒ ኣይኮነን: መምህር:: ዛሕሊ ዘይህላወ ዋዒ ጥራሕ እዩ::
(አብቲ ክላስ ከቢድ ጸጥታ ሰፈነ)
ተመሃራይ ቀጺሉ: ጸልማት ከ መምሃር: ጸልማት ዝበሃል ነገር ኣሎ ዶ?
ፕሮፈሰር: ኣሎ ወ:: እንተዘይህሉ ምሸት እንታይ እዩ?
ተመሃራይ: መምህር ኣብ ህላውነት ናይ ሓደ ነገር ኣንጻር ተወኪልካ ትዛረብ ኣለኻ:: ህይወት ካብ ሃለወ ሞት ውን ኣሎ, ሰናይ ኣምልኽ, ክፉእ ኣምላኽ ኢልካ ትካታዕ አለኻ:: ንህላውነት ኣምላኽ ከም ሓደ ውሱን ነገር ጌርካ ርድኦ ኣለኻ:: ከም ክንዕቅኖ ንኽእል ጌርካ ትወስዶ አለኻ:: መምሃር: ን ኣብነት: ሳይንስ ሓሳባት ከማን ኽገልጽ ይክእልን እዩ:: ሳይንስ ኤለክትሪክ ከምኡ ውን ማግኔት ይጥቀም: ግናኸ ንሓዲኦም እኳ ርእዮም ወይ ከአ ብምልኣት ረዲኦሞ አይፈልጡን:: ንሞት ከም ኣንጻር ናይ ህይወት ጌርካ ምግላጽ ማለት: ሞት ከም ተጨባጢ ነገር ኮይኑ ንበይኑ ክህሉ ከም ዘይክእል ዘይምፍላጥ እዩ:: ሞት ማለት ኣንጻር ህይወት ማለት አይኮነን: ሞት ዘይምህላዉ ናይ ህይወት ጥራሕ እዩ:: ሕጂ ፕሮፈሰር መልሰለይ: ንተማሃሮኻ ሰብ ካብ ህበይ ከም ዝመጸ ትምህሮም ዶ?
ፕሮፈሰር: ብዛዕባ እቲ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኢቮልሽን መስርሕ እንተ ደአ ኮይንካ ትዛረብ ዘለኻ: እወ, ብርግጽ ከምኡ ኢለ ይምህር እየ::
ተመሃራይ: ነዚ ትምህሮ ዘለካ ኢቮልሽናዊ መስርሕ ብዓይንኻ ተዓዚብካዮ ትፈልጥ ዶ?
ፕሮፌሰር: (ርእሱ የነቓንቕ ብምግራም: እቲ ክትዕ ናበይ ገጹ የምርሕ ከም ዘሎ እንዳስተባሃለ)
ተመሃራይ: እምበኣርከስ: ነዚ ናይ ኢቮልሽነ መስርሕ ዝረኣየ ወይ ውን እዚ ናይ ኢቮልሽን መስርሕ ገና ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ ሙኻኑን ዘይሙኻኑን ከረጋግጾ ዝኽእል ሰብ ስለ ዘየለ: ናትካ ርእይቶ ዶ አይኮንካን ትምህር ዘለካ: መምህር? ናይ ስነፍልጠት ምሁር ግና ኸ ሰባኻይ ዶ አይኮንካን መምህር? (ክላስ ዋዕዋዕ ይብሉ)
ተመሃራይ: ካባኹም: ክላስ: ዋላ ሓደ ን ናይ ፕሮፌሰርና ሓንጎል ዝረአዮ ኣሎ ዶ?
(ክላስ ብሰሓቕ ትጭደድ)
ተመሃራይ: ካባኻትኩም ዋላ ሓደ ን ናይ ፕሮፌሰርና ሓንጎል ዝረአያ: ዝጨበጣ: ዝጨነዋ ወይ ውን ዝዳህሰሳ አሎ ዶ? ...ዋላ ሓደ የለን:: ስለዚ: ብመሰረት እቲ ዓንተወይ ዝገለጽካለይ ህላውነት ሓደ ነገር ንምርግጋጽ ብትዕዝብቲ: ብ ፈተነ ከምኡ ውን ክጭበጥ ብዝከኣል መርትዖ እዩ ዝከኣል ዝብል ስነፍልጠታዊ ኣገባብ: ስነፍልጠት ሓንጎል የብልካን ይብል:: ስለዚ, መምህር: ምስ ምሉእ ኣኽብሮት ከመይ ኢልና ነቲ ትምህረና ንኣምኖ?
(ክላስ አብ ጸጥታ አተወት: እቲ ፕሮፈሰር ናብቲ ተማሃራይ ገጹ የቋምት: ገጹ ክትገልጾ የጸግም)
ፕሮፈሰር: ከም ዝመስለኒ: ወደይ: ብእምነት ክትወስዶ አለካ::
ተመሃራይ: ንሱ እዩ መምህር:: ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መራኸቢ እምነት እዩ:: እምነት ድማ እዩ ንኹሉ ነገር ከም ዝነብርን ህያውን ዝገብሮ::
እዚ ንእሽቶ ተመሃራይ መን ሙኻኑ ትፈልጡ ዶ?
ኣልበርት ኣንስታይን::