08
Mon, Sep
0 New Articles

ቃል መሕተት ምስ ሮቤል ነጸረኣብ "መዝሙር ኣብ ማሕበር ኣምላኽ" (Part 1)

Literature
Typography

ምስ ገዛእ ርእሰይ ከላልየኩም። ስመይ ሮቤል ነጸረኣብ፡ ስም በዓልቲ ቤተይ ሓቂ፡ ስም ወደይ ማርኽ፡ ስም ጋለይ ድማ ኡሪም እብሃል። ነቲ እንኮ መገዲ፡እንኮ ሓቂ፡ እንኮ ህይወት ዝኾነ ጎይታ ካብ ዝረክብ ድማ ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ጀርመን እቅመጥ ኣሎኹ። ጎይታ ብዝኸፈተለይ ኣፈደጌታትን ብዘብዝሓለይ ጸጋን ምሕረትን ድማ የገልግል ኣሎኹ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ስለቲ ዝሃበኒ ናይ ቃለ-ምልልስ ዕድል ከመስግኖ እፈቱ። ነቲ ዝቐርበለይ ዘሎ ሕቶታት ከምቲ ዝበጽሓክዎን እተረዳእክዎ ክምልሶ ክፍትን እየ። ስለዚ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ቃለ-ምልልስ ከምታ ዝበጽሓክዋ እተረዳእክዎ፡ ጎይታ እዉን ከምዝደገፈኒ እየ ክምልስ እሞ፡ እቲ ዝብሎ ኩሉ ናይ ምንም ነገር መዓቐኒ ወይ መምዘኒ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓደ ዉልቐ ሰብ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ከምዝኾነ ኩሉ ኣንባቢ በዚ ነገር ርዱእ ክኸዉን እላቦ። ንዝኾነ ሕቶ ዝፈጥር ነገር፡ ብቃል ኣምላኽ ንምምላስ ወይ ንምብርህራህ፡ በዚ ኢመይል ክትዉከሱኒ ትኽእሉ ኢኹም  (lightmejesus@yahoo.com)

ኣብ ናይ መዝሙር ድርሰት፤ እቲ ዋና መልእኽቲ እንታይ ክኸዉን ኣለዎ?
 
  ዋና መልእኽቲ ናይ ሓደ መዝሙር፡ እቲ  እግዚኣብሄር ኣምላኽ በታ ዘይቅድመ-ኹነታዊት ፍቅሩ (ኣጋፔ)፡ብበጃ-ምሕላፍ ወዱ ገይሩ፤ ኣብ መስቀል ስለ ሰብ ኢሉ ዝገበሮ ዓቢ ዉዕለትን ምድሓንን ዘብስር ብስራት እንተኾነ ዝበለጸ እዩ በሃሊ እየ። ማለት ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ ፍቅሪ እዩ። እታ ንሰብ ዘላቶ ፍቅሪ ድማ፡ ገና ኩላትና ጸላእቱ እንከሎና ፡ ኣብ መስቀል ስለ ኩላትና ብሙማቱ፡ እታ ንኩላትና ዘላቶ ፍቅሪ በዚ መገዲ ገሊጹ ኣሎ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ ህዝቅኤል 34:12፤1ጴጥ.2:25፣የሃ.10፡11 ``ከምቲ ጋሳ፡ በታ እተን መጋሲኡ ፋሕ ዚብላላ መዓልቲ ኣብ መኣከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዚደልይን፡ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዔይ ክደልየን፡ ካብ ኩሉ እቲ ብመዓልቲ ደበናን
ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ።`` ``ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጋሳኹምን ሓላዉ ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም`` ``እቲ ሕያዋይ ጋሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጋሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።`` ከምዝብል፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ በቲ ሓደ ወዱ ኣሚንና ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ክንረክብ እምበር፡ ከይንጠፍሲ ንወዲ በጃ ክሳዕ ዝህብ እዩ ንኩላትና ብዘይ ቅድመ-ኹነታዊት ፍቅሪ ኣፍቂሩ እዩ ኣናዲዩ ረኺቡና። እዚ ትኹል ሓቂ ድማ ኣዉራ ወይ ሕመረት መልእኽቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስለዝኾነ፡ እቲ መዝሙር ዝብሃል ነገር እዉን፡ ነዛ ናይ እግዚኣብሄር ኣጋፔያዊ ፍቅሪ ብዝተፈላለ መገዲ ዝትርኽ ወይ ዘመልክት ወይ ዘማእኽል ክኸዉን ይግባእ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ማእከላዊ ናይ ኩሉ ነገር ክርስቶስ እዩ እሞ፡ መዛሙራትና ድማ ንክርስቶስ ኣማእኺሎም፡ እግዚኣብሄር ኣቦ ብክርስቶስ ገይሩ ዝገለጾ ፍቅሩ፤ ምሕረቱ፤ ለዉሃቱ…ወ.ዘ.ተ ኣጉሊሖም ከዉርዩን ከዘንትዉን ኣለዎም ዝብል ኣረኣእያ ኣሎኒ።
 
ነዚ ኣዉራ መልእኽቲ ከመሓላልፍዎ እንታይ ክጥንቀቁ ኣለዎም ዘመርቲ?
ዘመርቲ ንመልእኸቶም ኣብ እዝኒ ሰማዕቲ ብግቡእ ከመሓላልፉ ከምዝግብኦም ልቢ ክብሉ ጽቡቅ እዩ በሃላይ እየ። እቲ ዘማሪ ክብሎ ደልዩ ዘሎ መልእኸቲ፡ ብዉሕሉል መገዲ ሰሩዑ ንሰማዕቱ ብዝርድኦም ዓይነት ኣሰናድኣ ቃላት ወይ ቃንቃ ከመሓላልፎ ኣገዳሲ እዩ። መዝሙር ብሰብ ዝስማዕ ጥራይ ዘይኮነስ ብሰብ ክዝመር እዉን ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ እቲ ዘማሪ ነቲ መዝሙር ብዝበለጸ መገዲ ምእንቲ ክዝምሮ፡ ምስቲ ዋሃቢ መዝሙር ኾይኑ ነቲ መዝሙር ብዉሕሉል መገዲ ክሰርዖ የድልዮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ወሓለ ኣምላኽ እዩ። ኣየናይ ቅድም ይመጽእ፤ ኣየናይኸ ይስዓቦ፤ እንታይከ ይወሰኮ፤ ኣበይከ የብቅዕ ንዝብሉ ነገራት ጽቡቅ ገይሩ ዝፈልጥ ኣምላኽ ሙኻኑ ኣብ ተግባር ኣእዳዉ ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ነቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝገበሮ ስርሑ ድማ ተመሊሱ ዝርእይ፡ ክሳዕ ብዙሕ ጽቡቅ ዝኸዉን ድማ ዳግመ-ድህሰሳ ዝገብር ፡ግሩም  ኣምላኽ እዩ (ዘፍ.1:31 ተመልከት)። 

ነዚ ዉሕለነቱ ድማ ብብዙሕ መልክዑ ንሰብ ኣካፊልዎ ኣሎ። እንተኾነ ግና፡ ገለ መዝሙራት ከምዚ እንብሎ ዘሎና መሎኮታዊ መስርዕ ካብ ምስኣን ዝተላዕለ፡ ክትሰምዖም እትጅምሮም ግናኸ ተኸታቲልካ ዘይትዉድኦም እኾኑ። ከምኡዉን ኣብ ህይወትካ ገለ ዝተርፈልካ ነገር  ዘይሓድጉልካ፤ ወይ ድማ እግዚኣብሄር ክዛረበኒ ጸኒሑ ዘይቡሉኻ ክኾኑ ኣይግባእን እዮ። ስለምንታይሲ፡ ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ መዝ.30:12 ``ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፡ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፡ ከለይ ፈቲሕካስ፡ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንዘለኣለም ክዉድሰካ እየ።`` ከምዝብል መዛሙራትናስ መጀመሪያ ንጎይታ ዝግብኦ ኽብሪ ዝህቡ፡ ነቶም ዝበኽዩ ሰሓቅ፤ ነቶም ስቅ ዝበሉ መዝሙር፤ ነቶም ብዝተፈላለዩ ከበድቲ ነገራት፡ ነፍሶም ካብ ምምስጋን ዝተኣስረት ሰባት ድማ ንምምስጋን ዝፈትሕ፤ ኣብ ልቢ ሕዙናት ድማ ባህታን ደስታን ክሳዕ ዝገብር ክቓነ፤ክስራዕን ክዝመርን ድኣምበር ሓላፍ ዘላፍ ዝኾነ መስርዕን ቅኒትን ክህልዎ የብሉን።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ገለ ዘመርቲ ንመዝሙራቶም ካብ ምኽባድ ቃላትን ግጥምታትን ክደልይዎ የብሎምን። ገለ እዉን ካብ ሙዚቃ። እዚ እሞ ምድራዊ ጥበብ እዩ። ካብ ምድራዊ ጥበብ ድማ እታ ሰማያዊት ማለት መንፈስ-ቅዱሳዊት ትበልጽ። 

እምብኣር፡ እቶም ዘመርቲ ልቢ ክገብሩለን ዘለዎም ክልተ ኣገደስቲ ነገራት ብምዝራብ እታ ሕቶኻ ክዛዝማ ደስ ይብለኒ፡- 
ቐዳማይ ነገር፡-ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘሎኹ፤ መዝሙር በቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ ዘማሪን መዝሙርን ዘንበሮ ቅብኣትን መስርዕን ድኣምበር፤ ብኸበድቲ ቃላትን ጥዑም ሙዚቃን ኣይኮነን ዝጥዕም ወይ እዉን ኣብ ልቢ ሰብ ዝተርፍን፤መቅይሮ ዘምጽእን። ስለዚ ዘመርቲ ዘበልና ንኹሎም መዛሙራትና ካብቲ ቅዱይ ቅብኣቱን ዉህበቱን ንድለዮ እብል። 

ካልኣይ ነገር ድማ፡- መዝሙር፤ ነፍሲ ወከፎም በብእንኽፎሎም ተለጋጊቦም ዝንደቁ ቁጽርታት ክህልዎ ይግባእ። እዚ ድማ ናይቲ መዝሙር መልእኽቲ ብምልኣት ንምትሕልላፍ ጠቃሚ እዩ። እዚ ነገር ድማ ካብ ሓደ ዘማሪ ምልኣት ቃል-ኣምላኽ ይጠልብ እዩ። እቲ ዘማሪ ነቲ ክዝምሮ ዝጀመሮ ወይ ኣርእስቲ ዝሃቦ መዝሙር፡ ጠሊቁ ብምልኣት ንኽዝምሮ፤ እቲ ኣብ ህይወቱ ዘሎ ምልኣት ቃል-ኣምላኽ እዩ ዝዉስኖ ወይ ዝድርቶ። ንኣብነት ሓደ ዘማራይ ምሕረት ኢሉ ኣርእስቲ ንዝሃባ መዝሙሩ፡ ምልኣት ቃል-ኣምላኽ እንተዘይብሎ፡ ነታ ኣርእስቲ መዝሙሩ ኣብታ ቀዳመይቲ ፍቅዲ ጥራይ ዘሚሩ ኽዉድኣ እዩ ዝርኣ። እተን ዝተረፋ ፍቅድታት ናይታ መዝሙር ድማ፡ በቃ ብፍጽም ምስ ኣርእስቲ ናይታ መዝሙር ምትሕሓዝ ዘይብለን ይኾና። ከምዚ ገለ ሰበኽቲ ካብ ኣርእስቶም እንዳወጹ ኮለል ዘብሉኻ እሞ፡ እትሕዞም እትርምስሶን ዝጠፍኡልካ፤ ገለ ዘመርቲ እዉን ከምኡ ክኾኑ እርእይን እዕዘብን እየ። እዚ ድማ ነቲ ኣርእስቲ ዘለዎም ደረጃ ምልኣት ቃል-ኣምላኽ ወይ ፍልጠት ምኻኑ ጎሊሑ ይርኣየካ እዩ። 

ዘመርትስ፡ ሰበኽትን መምሃራንን ነብያትንን ወንጌላዊያን ከም ሙኻኖም መጠን፡ ብቃል-እግዚኣብሄር ዝተነኽነኹ ይኹኑ እብል። ማለት ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ 1ዜና.25:1 ``ዳዊት ድማ ምስ ሹማምቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ንደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎት፡ ብበገናን ብመሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ኪነግሩ ፈለዮም።`` ከምዝብል፡ ዘመርቲ ንዓይ፡ ብሙዚቃ ተሰንዮም ዝሰብኩ ሰበኽቲ፤ ዝምህሩ መምሃራን፤ ዘጸናንዑ ኣጸናናዕቲ፤ ብስራት ዘበስሩ ወንጌላዊያን፤ ዝንበዩ ነብያት እዮም። ስለዚ፤ ኣምላኽ ብዘብዝሓሎም ጸጋ፤ ብቃል-ኣምላኽ መሊኦም ካብ ቅብኣቱ ዝተላዕለ ክዝምሩ በዚ ኣጋጣሚ ለወባይ ይልግሰሎም። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ 1ዜና.25:7 ``….ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ……`` ከምዝብል ስለምዝማር ከይዝምሩ፤ ስለ መድረኽ ምድያብ እዉን ከይድይቡ፤ ነቲ ዝዝምሮዎ መዛሙራትሲ፡ ብቅብኣትን ብምልኣት ቃሉን ክዝምርዎ ጸዓት ክገብሩን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ኣዘዉቲሮም ከድልዩ እላቦ። እግዚኣብሄር በቶም ንእኡ ምዝማር ብእተማህሩ ዘመርቲ ኣዝዩ እዩ ዝኸብር። ስለዚ ኣቱም ዘመርቲ ኣሕዋተይ ``ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሀብዎ.`` 1ዜና.16:29.
 
መዝሙር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ክብሃል እንታይ ዝሓቆፈ ክኸዉን ኣለዎ ትብል?

ነዛ ሕቶኻ ብሓደ መብራርሂ ሓሳብ ክምልሳ ፍቐደለይ። ዝኾነ ዓይነት ዜማ፡ መዝሙር ወይ ድማ ደርፊ እዩ ክኸዉን ዝኽእል። ኣብ መንጎ እዚ ክልተ ዓይነት ዜማታት ዘሎ ፍልልይ ድማ፡ ካብ ትሕዝቶኦምን ምንጮምን ዝተላዕለ እዩ። ከምቲ ኩላትና እንፈልጦ፡ ደርፊ ብቀዳምነት ካብ ሰብ እዩ፡ ብዛዕባ ሰብን ንሰብን ድማ እዩ፡ ካብኡ ሓሊፉ ንኣምላኽ ተብሂሉ ዝግበር ኣይኮነን። ማለት ኩሉ ምንጩን ትሕዝትኡን  ሰብኣዊ ኮይኑ፡ ንሰብ ናብ ሰብ ዘመልክት ወይ ድማ ንሰብ ምስ ሰብ ዘራኽብ ዜማ እዩ። መዝሙር ግና፡ ካብ ኣምላኽ ብዜማ ተሰንዩ ኣብ ልቢ ዘመርቲ ዝቅመጥ ቃል-ኣምላኽ ወይ ሓሳብ ኣምላኽ እዩ። 
ብሕልፊ ናብ ብሉይ ኪዳን ምልስ ኢልና እቲ ኣብኡ መዝሙር ተብሂሉ ዝስመ ነገር እንትድኣ መርሚርናዮ፡ እቲ መዝሙር ዝብሃል ነገር፡ እቲ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ነቲ ኣምላኹ ዝሃቦ ሕግን ስርዓትን፡ ማለት ቃል-ተስፋ ወይ ትእዛዝት ምእንቲ  ከይርስዖ፤ ወይ ብነገድ ወይ ብማይ ቤት ወይ ድማ ከም ሓደ ዓቢ ኣኼባ ተወሃሂዶም፡ ነቲ ቃል ብምድግጋም ከም ብሓደ ድምጺ ብዓዉታ ይብልዎ ወይ ይዛረብዎ ነይሮም። እዚ ነገርዚ እዩ እምብኣር ኣብ መንጎ እስራኤል ከም መዝሙር ዝፍለጥ ዝነበረ። ድሒሩ ድማ፡ ብዝበለጸ ኣብ ጊዜ በዓል ዳዊት ብጸናጽል ፤ብኸበሮ፤ ብመሰንቆ፤ ብበገና ከምኡዉን ብመለኸታትን እንዳተሰነዩ ንዕብየት ኣምላኽን ቃል-ተስፋኡን ትእዛዛቱን ክዝምርዎ ዝጀመሩ። ዳዊት ሓውና ቐጺሉ ካብ ህዝቢ ሒደት ሰባት ከም በዓል ኣሳፍ ወዲ በራኪያ፤ ሄማን ወዲ ዩኤል፤ ወዲ ኤልቃና፤ ወዲ ዮሮሓም….ወ.ዘ.ተ ሓርዩ ብምዉጻእ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ብመዝሙር ዝመርሑ ኣገልግልቲ ክሰርዕ ንርእዮ። ዳዊት ሓዉና ኣብ ኣገልግሎት መዝሙር ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ። ስለዚ መዝሙር ዝብሃል ነገር ፡ካብ ኣምላኽ ኣብ ልቢ ሰብ ዝምጩ ቃል-ኣምላኽ ወይ ሓሳብ-ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሰብዉን ናብ ኣምላኽ ዘቅርቦ ምስጋና ወይ ጸሎት ክኸዉን ንርእዩ። 

እምብኣር ሕጂ ነዚ ኹሉ ክብሃል ዝጸነሓ ኩሉ ሰረት ብምግባር፡ መዝሙር በዓሉ ኣብ ቃል-ኣምላኽ ዝተሰረተ ስለዝኾነ እዩ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኸዉን። ኣብቶም ዝዝመሩ ዘለዉ መዝሙራት ኣቲና ግና፡ እዚኣ ናይ ኣምላኽ መዝሙር እያ፡ እዚኣ ድማ ናይ ሰብ መዝሙር እያ ኢልና ክንደፍር ዘድልየና ኣይመስለንን። ንኹሎም ዝዝመሩ ዘለዉ መዝሙራት ግና ብቃል-ኣምላኽ ክንፍትሾም፤ ምእራም ንዘድልዮም እዉን ብቃል እግዚኣብሄር ክንእርሞም ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ። ጎይታ፡ነቶም ሰማዕቲ ዝኾንና፡ ብጾትካ ናይ ምቅናዕን ምህናጽን ዝኸዉን ጥበብ፡ ነቶም ዘመርቲ ድማ መአረምታ፡ ምኽርን ዝቅበል ሰፊሕ ልቢ ይሃበና እብል። መጽሓፍ ቅዱስና መዝሙር ዝብሎ ግን ኣብ ላዕሊ ብብሩህ መገዲ ከቅርቦ ፈቲነ ኣሎኹ።
 
Part 2 !! {fshare}

Source www.mezmur.org

ምስ ገዛእ ርእሰይ ከላልየኩም። ስመይ ሮቤል ነጸረኣብ፡ ስም በዓልቲ ቤተይ ሓቂ፡ ስም ወደይ ማርኽ፡ ስም ጋለይ ድማ ኡሪም እብሃል። ነቲ እንኮ መገዲ፡እንኮ ሓቂ፡ እንኮ ህይወት ዝኾነ ጎይታ ካብ ዝረክብ ድማ ዓመታት ገይሩ ኣሎ። ሕጂ ኣብ ሃገረ ጀርመን እቅመጥ ኣሎኹ። ጎይታ ብዝኸፈተለይ ኣፈደጌታትን ብዘብዝሓለይ ጸጋን ምሕረትን ድማ የገልግል ኣሎኹ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ፡ ንኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ስለቲ ዝሃበኒ ናይ ቃለ-ምልልስ ዕድል ከመስግኖ እፈቱ። ነቲ ዝቐርበለይ ዘሎ ሕቶታት ከምቲ ዝበጽሓክዎን እተረዳእክዎ ክምልሶ ክፍትን እየ። ስለዚ ኣብቲ ኩሉ ዝግበር ቃለ-ምልልስ ከምታ ዝበጽሓክዋ እተረዳእክዎ፡ ጎይታ እዉን ከምዝደገፈኒ እየ ክምልስ እሞ፡ እቲ ዝብሎ ኩሉ ናይ ምንም ነገር መዓቐኒ ወይ መምዘኒ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓደ ዉልቐ ሰብ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ከምዝኾነ ኩሉ ኣንባቢ በዚ ነገር ርዱእ ክኸዉን እላቦ። ንዝኾነ ሕቶ ዝፈጥር ነገር፡ ብቃል ኣምላኽ ንምምላስ ወይ ንምብርህራህ፡ በዚ ኢመይል ክትዉከሱኒ ትኽእሉ ኢኹም  (This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)