አሪ-ወንጌል : ኣዉራኼ ኣምንታይ ከድህቡ ኣለዎም ኢልካ መልእኽቲ ተመሓላልፈሎም?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ቀንዲ መንፈሳውነት እዩ። እዚ ብርግጽ ምስ ስነ ጽሑፍ ምትእስሳር ዘለዎ መሲሉ ዘይክርአ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምዕሩግ፣ ኣድማዒን ነባሪን ኣገልግሎት ክህልወካ እንተኾይኑ ብርግጽ እዚ ነገር እዚ ክህልወካ ኣለዎ። ቋንቋ ስለ ዝፈለጥካ ናብ ናይ ስነ ጽሑፍ ኣገልግሎት ክትኣቱ ኣለካ ማለት ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ካልእ ህይወትና ምርሒት መንፈስ ቅዱስ ዘድልየና ጽሑፋት ክንጽሕፍውን ናይ መንፈስ ቅዱስ ምርሒት የድልየና እዩ።
ካልኣይ ትግሃት እዩ። ብዘይ ትግሃት ዝዕየ መንፈሳዊ ይኹን ዓለማዊ ጽሑፋት የልቦን ስለዚ ሕጊ ሰዋስው ዝፈልጥ፣ ኣወዳድቓ ቓላትን ኣመራርጻ ሓሳባትን ዝፈልጥ ክኸውን ኣለዎ ነዚ ክኸውን ከኣ ንፉዕ ኣንባቢ ኪኸውን ይግባእ። ዘየንብብ ሰብ ኪጽሕፍ ኣይክእልን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣጋ ሞቱ ንጢሞቴዎስ "እተን ብራናታት" ቅድሚ ምባሉ "እተን መጻሕፍቲ ተማልኣለይ" ከም ዝበሎ ምፍላጡ ኣገዳሲ እዩ። 2 ጢሞ 4.12 (1ይ ክፋል ንምንባብ ኣብዚ ጠውቁ >>)
አሪ-ወንጌል : ሓደ ሓዉ 60% መስሓፍ ቁዱስካ ኣንብብ፣ 25% መንፈሳዊ ጹሑፋት ኣንብብ? 15% መንፈሳዊ መልእኽትን መዝሙርን ስማዕ። ተድልየ ድማ እተን ዝተረፋ 5% መነፍሳዊ መልእኽቲ መዝሙርን ብቪድዮ ርኤ ኢሉ። እንታይ ትብል ነዚ ሕሳብ። ኣንጻር ናይ ቪድዮን ስእልን ይመስል። ካብ ምንታይ ዝነቀለ ይመስለካ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ብኣሃዝ ዝግለጽ መንፈሳዊ ሕጊ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን እየ። ሓደ ሰብ ንመጽሓፍ ቅዱሱ ብግቡእ ኣንቢቡ ከይወደአን መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ከይፈለጠን ናብ ካልእ ጽሑፍ ክሰግር ኣይግባእን ኣየድልዮንውን። ይኹን እምበር ክርስትያናዊ ጽሑፋት፣ ዋላ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉውን ከይተረፈ፣ ብርእሱ መወዳእታ ኣይኮነን። ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እንዳፈለጡ ክጠፍኡ ይኽእሉ እዮም ብዙሓት ድማ ኮይኖምዎ እዮም። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት እዚ ሕጂ መጽሓፍ ቅዱስ ኢልና ጠርኒፍናዮ ዘለና መጽሓፍ ዘይብሎም ክነሶም እዮም ዘበረቕርቕ ግሩም ክርስትያናዊ ህይወት ዝውንኑ ነይሮም። በቲ እዋን እቲ ገሊኡ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ኣይተጻሕፈን እንተ ተጻሒፉ ድማ ኣይተጠርነፈን ኔይሩ። ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ኣምላኽ ዝወስደና መገዲ እምበር ንሱ ንባዕሉ ናይ መወዳእታ ዓላማና ኣይኮነን ኪኸውን ዘለዎ። መጽሓፍ ቅዱሶም ካብ ጻት ን ጻት ኣዳቒቖም ፈሊጦም ርእሶም ከቢዱዎም ነነይ ዝብሉ ሰባት ቁጽሪ የብሎምን። ክርስትያናዊ ህይወት ግና ክንደይ ፍልጠት ከዚንካ ዘይኮነስ ክንደይ ተኣዚዝካ ክንደይከ ተለማሚድካ እዩ! ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ወይ መዝሙር ምዝማር ወይ ብቪድዮ ዝተቐርጸ መልእኽቲ ምስማዕ እንተ በቲ እንተ በዚ እቲ ትገብሮ ዘለኻ ነገር ናብ ኣምላኽ ዝያዳ ዘቕርበካ ናብ ኣምላኾን ናብ መንፈሳውነት ዝመርሓካ ካብ ሓጢኣት ካብ ፍትወት ርእስኻን ካብ ዓለምን ዘርሕቐካ እንተ ኾይኑ እቲ ነገር እቲ እዩ ቐዳማይ ኪስራዕ ዘለዎ።
አሪ-ወንጌል : መንፈሳዊ ስንጽሑፍ ካብቲ ዓለማዊ ጹሑፋት ብምንታይ ይፍለ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ዓለማዊ ጽሑፋት ስሞም ከም ዝነጽሮ ኣብዛ ዘለናያ ዓለም ዝተሓጽሩ እዮም፣ ልበ ወለዳዊ፣ ፍልስፍናዊ ይኩን ኣካዳምያዊ ጽሑፋት ወይ ግጥምታት ኮታ በብዓይነቱ ጽሑፋት ናይዛ ዓለም እዚኣ ኣብዛ ዘለናያ ህይወት ዝተሓጽሩ እዮም። ስለዚ ድማ ብግዜን ብቦታን ድሩታት እዮም። ኣብ ዘመን ስልጣነ ግሪኽን ሮሜን ዝነበሩ ብሉጻት ፍልስፍናዊ ይኹን ሕጋዊ ትሕዝቶ ዝነበሮም ጽሑፋት ንኣብነት ሎሚ ዕለቶም ዘሕለፉ እዩም። ኣብ መዛግብቲ ቅርሲ እምበር እዋናዊ ጥቕሚ ዘለዎም ኮይኖም ኣይንረኽቦምን ኢና። ኮታ ኩሎም ዓለማዊ ጽሑፋት ድሩትነት ኣለዎም። መንፈሳዊ ጽሑፋት ግና ብኣንጻሩ ኣብ ኣምላኽን መንፈሳዊ ዓለምን ስለ ዘተኩሩ ኣድማሳዊን ዘለኣለማዊን ኣገዳስነት ኣለዎም። ግዜ ኣልቦን ቦታ ኣልቦን እዮም። ዓለማዊ ጽሑፋት ናይ ላዕለ ላዕሊ ሕቶ ደቂ ሰብ ክምልሱ ዝፍትኑ ክኾኑ ከለዉ፣ መንፈሳዊ ጽሑፋት ግና ጥልቂን ዓሚቑን ሕቶ ልቢ ሰብ ዝምልሱ እዮም።
አሪ-ወንጌል : መጽሓፍ ቁዱስና፡ ብዓይኒ ስነጽሑፍ ክርኤ ከሎ፡ Iእንታይን እንታይን ዝሓዘ እዩ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : መጽሓፍ ቅዱስና ብዓይኒ ስነ ጽሑፍ ክረአ ከሎ ነዚ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ሕቶ ዝምልስ እዩ። ሰብ ብኸመይ ምስ ፈጣሪኡ ቕኑዕ ሕብረት ክገብር ይኽእል ንዝብል ሕቶ ዝምልስ ግሩም መጽሓፍ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ከምቲ ኦገስጢኖስ ዝበሎ፣ ሰብ ብኣምላኽ ከይዓረፈ ዕረፍቲ የብሉን! መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ናብዚ ዕረፍቲ እዚ ዝመርሕ እንኮ ሓባሪ እዩ!
አሪ-ወንጌል : ኣገዳስነት ኣፍልጦ ናይ ስነጽሑፍ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቁዱስ ኣድላይነት ኣለዎ ድዩ? ኣለዎ ንብል እንተ ዀይና ብኸመይ ንገልጾ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ካብ ኣዝዮም ብልጻት መጻሕፍቲ ናይ ዓለምና እዩ። ሕግን ስርዓትን ስነ ጽሑፍ ተኸቲሉ ብቛንቛ ሰብ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ከም ምዃኑ መጠን ኣንበብቱ ድማ ነዚ ሕጊ እዚ ተኸቲሎም ምስ ዘንብቡ ዝያዳ ጥቕሚ ይረኽብሉ እዮም።
አሪ-ወንጌል : ኣብ መንፈሳዊ ስነ ጹሑፉ እቲ ቐንዲ ኣተኩሮ ተዋሂብዎ ማእከላይ ወይ ሕምብርቲ መልእኽቲ እንታይ ክኸውን ኣለዎ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዝመጹ ልዕሊ 40 ሰባት ዝተሳተፍሉ፣ ተጻሒፉ ክውዳእ ልዕሊ 1500 ዓመታት ዝወሰደ ክነሱ ብዘገርም መገዲ መልእኽቱ ኣዝዩ ውሁድን ዝተኣሳሰረን እዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ዓላማ ናይ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ምኽሩ ንምብራህ እዩ። ናይ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ምኽሪ ድማ ኣብ ክርስቶስ ዝምእከልን ዝጥቕለልን ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። ከምቲ ሓደ ሓው ንመጽሓፍ ቅዱስ ክርስቶስ እንተ ወሲድካሉ እንታይ ይተርፎ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ "እተን ክልተ ጸለምቲ ገበር ጥራይ" ኢሉ ዝመለሶ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዙርያ ክርስቶስ ዝዘውርን ብክርስቶስን ዝተመልአን ኮይኑ ኢና እንረኽቦ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብና፣ ታሪኻዊ ፍጻሜታት፣ ኣስማት ሰባት፣ ዕለታት፣ ቁጽርታት ወይ ቦታታት ጥራይ ርእስና መሊእና እንተ ኼድና ከሲርና ኬድና ማለት እዩ። ከም ልኡኽ ሓሊቦ ናብቲ ቦታ ኬድና ነቲ ሰብ ግና ከይረኸብና ተመሊስና ኣሎና ማለት እዩ!
አሪ-ወንጌል : ገለ መነፍሳዊ ጽሑፋት ብፉሉጣት ሰበኽትን ጸሓፍትን ዝተጻሕፈ ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ከይተረፈ ብብዝሒ ክሽየጥን፡ ኣብ ናይ ሓቤሬታ መርበብ ድማ ተጠቂዒሉ ይርኤ። እዚ ዓይነት ዝና ዝሓዘ መጽሑፍ፡ እቶም ጽሓፍቲ ነቲ ወንገል ብቀሊል ስለ ዝገልጽዎ ድዩ ወይስ ነቲ ሰብ ደስ ዘብል ድሌቶም ዘማልእ ስለ ዝጽሕፍሎም እዮም?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ህቡብነት መለክዒ ዝና እምበር መልክዒ ቅንዕና ኣይኮነን። ህቡብ ስለ ዝኾነ ጥራይ ቅኑዕ እዩ ወይ ጌጋ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። መብዛሕትኦም እዞም ከምዚ ዓይነት ህቡብነት ዝረኽቡ ጽሑፋት ብህቡብነት ጥራይ ኣድማሳዊ ተቐባልነት ክረኽቡ ይረኣዩ እዮም። ይኹን እምበር ኩሉ ነገር ብሚዛን ቃል ኣምላኽ ተፈቲሹ እዩ ኪሓልፍ ዘለዎ።
አሪ-ወንጌል : ኣብ መጽሄት ኤበን ኤዘር ዝጽሓፍካያ ጽሕፍቲ "ሰብ እንታይ እዩ?" ትብል ዘርእስታ፡ ንሓድሽ ፍልስፍና ናይ ዘመና፡ ትብድህ እያ ነይራ። ካብ ዘንበብዋ እንታይ ግብሪ መልሲ ረኺብካ? ኣብ ገለ ገለ ማሕበራትዉን ብሰንኪ እዛ ኣርእስቲ መጽሄት ኤበን ኤዘር ንኸይትሽየጥ ተኸሊኪላ ነይራ ነይራ መስለኒ።
ኣማኑኤል ጠዓመ : ኣብ መጽሄት ኤብን ኤዘር ዝጸሓፍኩዋ ጽሕፍቲ "ሰብ እንታይ እዩ?" ትብል ንኣቃውማን ትሕዝቶን ሰብ ክትምርምር እትፍትሽ ጽሕፍቲ እያ። ከም ዝኾነ ይኹን ጽሑፍ ተቐበልቲን ተቓወምቲን ኔሮምዋ እዮም። ምናልባትውን ክሳብ ሕጂ ኣለዉ። እዚ ዘለናዮ ዘመን ብኹሉ ነገር ተነቃፊ እዋን እዩ። እቲ ሽግር ከምቲ ኣብቲ ጽሑፍውን ዝበልኩዎ ንመንፈሳዊ ሕቶታት ዝምልስ ሰብ ስለ ዝተሳእነ ዘይኮነስ መለስቲ ምብዛሖም እዩ። እታ ጽሕፍቲ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ናይ ሽመልባ ማሕበር ዝተራእየ ገለ ገለ ሕቶታት ንምምላስ ዝተዳለወት እያ ኔራ፣ ክንዮኡ ሓሊፋ ግና ንብዙሓት ሰባት ንበረኽት ክትከውን ክኢላ እያ። ኣብ ገለ ገለ ማሕበራትውን ምኽልካላ ሰሚዔ ኣለኹ፣ እዚ ብርግጽ ዘገርም ኣይኮነን። ኣብዚ ኸምዚ ጫውጫው ዝበዝሓሉ ዘመን በቲ ዘሎ ማዕበል ከይተደፋእናን ከይተሰናበድናን ናብቲ ንዓርፈሉ ወደብ ክንበጽሕ እንተኾይና ንኸምዚ ዓይነት ተርእዮታት ዘይንጻወር ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። እዛ ጽሕፍቲ፣ ሰባት ነቲ ቐጻሊ ዝሰምዕዎ ትምህርቲ ብግሩህ ልቢ ሃንደፍ ኢሎም ዘይኮነስ ተጠንቒቖም ክሰምዑን እንታይነቱ ክምርምሩን ስለ ዝገበረቶም ኣነ ሕጉስ እዩ። እቲ ብገለ ገለ ማሕበራት ምኽልካላ ኸኣ ሓይላ እምበር ድኻማ ኣይኮነን ዝገልጽ።
አሪ-ወንጌል : መንፈሳዊ ስነ ጽሑፍና ነቶም ኣብ እምነት ዘየለዉ ናብ ምንታይ ከብጽሖም ኣለዎ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ናብ ንስሓ፣ ናብ እምነት፣ ናብ ህይወት!
አሪ-ወንጌል : ዝንቡዕ ዝዀነ ጹሑፍ ከየነቕርብ Eንታይ ዝዓይነቱ ጥንቃቐ ክንገብር ኣሎና?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ንርእስኻን ትምህርትኻን ተጠንቀቕ እዚ እንተ ጌርካ ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድሕን ኢካ ዚብል ማዕዳ ጳውሎስ እዝክር። ዝንቡዕ ትምህርቲ ካብ ምምሕልላፍ ዝኸፍእ ተርእዮ የልቦን። ብፍርሃትን ብምንቕጥቃጥን ኣገልግሎትን ክንመልእ ኣሎና። ተጠንቐቕ ማለት ተጠንቀቕ ማለት እዩ። ብሸለልትነት ብዙሕ ምብልሻው እዩ ዝረአ። ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ካብ ኣዕነውቲ ሰባት ንላዕሊ ኣዕነውቲ ጽሑፋት ዝዕነውዎ ዕንወት ይዓቢ። ብፍርሃት ኣምላኽ ዝተመልአ ልቢን ንናይ ኣምላኽ ምርሒት ቀዳምነት ዝሃበ ህይወትን ግና ኣምላኽ ካብዚ ይባልሆ እዩ።
አሪ-ወንጌል : እቲ ኣለና ዝብህላ ንዓበይቲ ዝዓለመ እዩ ዘለና። ንቆልዓ ናይ መጽሃፍ ቁዱስ መምሃሪ፡ ባዕላቶም ዘንብብዎ፡ ስእላዊ መገለጺ ዝሓዘ የብልናን። እሞ እዞም ናኣሽቱ ብዕደመ ዝኾኑ ደቅናን ኣሕዋትናን ከይጉሰዩከ Iንታይ ጎስጋሳት ክግበር ኣለዎም?
ኣማኑኤል ጠዓመ : እዚ ብርግዚ ናይ ኩላትና ድኻም እዩ። ሓደ ሓው ናይ ንህጻናት ዝኸውን መግለጺ ዝሓዘ መጽሓፍ ኣዳልዩ ምህላዉ ግና እፈልጥ። ኣብ ሕትመት ምብጻሑን ዘይምብጻሑን ግና ዛጊት ኣይፈለጥኩን። ኣብዚ መዳይዚ ርኡይ ጉድለት ኣሎ፣ እዞም ኣብዚ ዙርያ እዚ እንነጥፍ ሰባት ተኣኪብና ክንፈትሖ ዝግበኣና ነገር እመስለኒ።
አሪ-ወንጌል : እስከ ብዘይቀለዓለም ካብ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ካብ መራሕቲ ነዚ ዝሓዝክሞ ኣድካሚ ስራሕ፡ ምትብባዕዶ ትረኽቡ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ካብ ህዝብ ኣምላኽ ኮነ ካብ መራሕቱ ንኸምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ምትብባዕ ኣይትጽበን ኣይትረክብን ድማ ኢኻ። ምናልባት ናተይ ጥራይ ኣረኣእያ ኪኸውን ይኸእል እዩ ግን፣ ብዘይ ብእኡውን ኪንበር ዚከኣል እዩ ዚብል እምነት እዩ ዘሎኒ! "ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፣ ነቲ ገንዘብ ሕድሪ ... ምሕላዉ ከም ዝከኣሎ ተረዲአዮ ኣሎኹ ....." "ኣቱም ሰብ፣ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ከም ዚኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ ስለዚ ኣጆኹም" ዚብል ቃላት ጳውሎስ ልዕሊ ናእዳን ምጥፍጣፍ መንኩብን ናይ ሰባት ኮይኑ ምንጪ ነባሪ ሰላምን ደራኺ ሓይልን ይኾነካ እዩ። ምስዚ ኹሉ ግና ናይ ሕብረት የማናይ ኢዶም ዝህቡ ገለ ገለ ውልቀ ክርስትያናት ኣመንቲ ኣለዉ፣ ኣምላኽ ዓሌቶም የብዝሕ!
አሪ-ወንጌል : ንስነ ሙጉት ዝሕጉዙ ጹሑፋት ኣብዚ ናይ ስሕተት ዶክትሪን ዝነፍሰሉ ዘሎኸ ምድላዉ፡ ንህዝቢ ድማ ምስቲ ማEበል ከይጋልብ ምዝርጋሕ ኣገዳሲዶ ይመስለካ? ወይስ ናይ ሰበት ስብከት ይኣኽሎ እዩ ትብል?
ኣማኑኤል ጠዓመ : የድሊ እዩ። ግን ንስለ ምጉት ተባሂሉ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ህዝቢ ኣምላኽ ብዛዕባ ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ ዘለዎ ኣፍልጦ ክዓቢ እዩ ዘለዎ። ነገራት እንታይ ከም ዘይኮኑ ዘይኮነስ እንታይ ከም ዝኾኑ እዩ ክንነግር ዘሎና። ኣብዚ ዘመንና ዝረኣዩ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ኣዝዮም ዝተራቐቑን ምስጢራውያንን እዮም። ተኸተልቲ ራስል ኮነ እቶም ንነፍሶም "ናይ ሃዋርያት ቤተክርስትያን" ኢሎም ዝሰምይዋ ብ "የሱስ ጥራይ" ዝፍለጡ ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ብመንጽር እዞም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ዝተራቐቑ መስሓትቲ ኣዝዩ ድሩት ጥበብ እዩ ዘለዎም። ስለዚ ንሕና ካብዚ ክንሞሉቕ እንተ ኾይንና ኣብ ዓቢ መንፈሳዊ ውግእ ተጸሚድና ምህላውና ፈሊጥና ኪንዮ ሓጸርቲ በረርቲ ጽሑፋት ምድላው ክንሓስብ ኣሎና። ንዓይ ኣብ ሓያል ርብርብ ዘድልዮ መንፈሳዊ ኩናት ዝተጸመድና ኮይኑ እዩ ዝረኣየኒ!
አሪ-ወንጌል : ኣብ ምዝርጋሕ ናይ ስነ ጽሁሑፍ ሓደ ካብቲ ኣሸጋሪ ናይ መሕተሚ ገንዘብ፡ ምጥርናፍ ናይ ዝተሸጠ መጽሓፍ፡ ይብሃል። ስለዚስ ቀንዲ በዳሂ ጽሕፈት ዘይኮነስ ገንዘብ Eዩ ይብሉ። እዚ እንታይ ሓቅነት ኣለዎ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ዝኮነ መንፈሳዊ ጽሑፍ ብትግርኛ ከዳሉ ዝሓስብ ሰብ ብፋይናንሳዊ መለክዒ "ክሳራ" እምበር "መኽሰብ" ከም ዘይብሉ ኩሉ ሰብ ክፈልጦ ዘለዎ እዩ። በዚ ጥርጥር የልቦን። እቲ ጾር ኣብ እንግድዓ ጸሓፍቲ ጥራይ ኪኸውን ፍትሓዊ ኣይኮነን። ማሕበር ኣምላኽ ኣዒንታ ተኸፊቱ ኣገዳስነት ናይዚ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ክትርኢ ክትክእል ኣለዋ። ኣነ ብወገነይ እዚ ጾር እዚ ማሕበር ክትስከሞ እዩ ዘለዋ። ንሳ እንተ ዘይገበረቶ ግና ኣምላኽ ዕዮኡ ዝገብሩ "ተረፍ" ኩሉ ግዜ ኣለዉዎ።
ኣማኑኤል ጠዓመ : ኣቐዲመ መሊሰዮ እየ መስለኒ ነዚ ሕቶ እዚ።
አሪ-ወንጌል : ኣብ መረበብ ሓቤሬታ ከመይ ጌርና ስነጽሑፍ ንምዝርጋሕ ክንጥቀመሉ ንኽእል ይመስለካ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ዌብ ሳይታት ብምኽፋት ከም በዓል ኤሪ ወንጌል፣ ናይ ስብከት ፎሩም ብምድላዉ ብ ፓልቶክ ድዩ ካልእ ኣገባብ፣ ወ ዘ ተ. ወ.ዘ.ተ.
አሪ-ወንጌል : ኣብ መረበብ ሓቤሬታ ዘይ ቃል ኣምላኻዊ ንዝዝርጋሕ፡ ሓደ ኣማኒ ከለልየሉ ዝኽኽል ምኽርታት ኣለካዶ? ከለልዮ ዘይክኣል እንተኾይኑኸ እንታይ ክገብር ትመኽሮ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ናይቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ እዩ መስለኒ፣ እዚ ዘመን እዚ መለስቲ ዝበዝሕሉ ዘመን እዩ። ይዝከረኒ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ብጐይታ ንእሽቶ ሓው ናባይ መጺኡ ብዛዕባ ገለ መንፈሳዊ ሕቶ ሓተተኒ እሞ ኣነ ድማ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ንዓይ ዝበርሃለይ ነገርኩዎ። ንጽባሒቱ ሰንበት እዩ ነይሩ፣ ኣርእስቲ ናይቲ ብቓል ዘገልገለ ሓው እዛ ሕቶ ናይዚ ሓው እያ ኔራ፣ እቲ ቓል ዘምጸአ ፍቁር ሓው ድማ ነታ ሕቶ ናይቲ ኣነ ዝበልኩዎ ኣንጻር ገይሩ መሊሱዋ። እቲ ዘገርም ንሱውን እቲ ኣነ ዝተጠቀምኩሉ መጽሓፍ እዩ ተጠቂሙ። መጽሓፍ ቅዱስ! ሽዑ እቲ ሕቶ ዝሓተተኒ ሓው ፕሮግራም ምስ ኣብቀዐ፣ ናባይ መጺኡ "ኣቱም ኣገልገልቲ ትብሉና እምበር ጠፊኡኩም" በለኒ። ሓቁ እዩ! ንህዝቢ ኣምላኽ ንብሎም እዩ ጠፊኡና ዘሎ! ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንረኽቦ ሓበሬታ ድማ ተመሳሳሊ ጸገም ዘለዎ እዩ፣ ኣብኡ ሰባት ዝብሉና እዩ ዝጠፍኦም! ሽዑ ንሕና ሓንቲ ሕቶ ሒዝና ዝመጻእና ካብኣ ዝገድዳ 30 ሕቶታት ወሲኽና ንምለስ! እሞኸ እንታይ ንግበር? እንተ ኣነ ኣምላኽ እዩ ካብ ውድቀት ዘበለ ክሕሉ ዝኽእል ዝብል እምነት ኣሎኒ፣ ነዚ ምኽንያት እመስለኒ ሓውና ቶዘር ንኹሉ ዓይነት ዘንብቦ ዝነበረ ጽሑፍ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ሃይማኖታዊ ወይ ልበ ወለዳዊ ናይ ሼክስፔር ጽሑፋት ተንበርኪኹ እዩ ዘንብቦም ዝነበረ። ኣብ ኣምላኽ ብምውካል ገጹ ብምድላይ ንመንፈስ ቅዱስ ጐይትነት ሂብና ብትሕትና ምስ እንምርምሮ፣ ጥበብን ምስትውዓልን ናቱ እየን እሞ ካብ ውድቀት ዘበለ ኩሉ ኪሕልወና ይከኣሎ እዩ!
አሪ-ወንጌል : እዚ ጽፍሒ ናይ ቴክኖሎጂ መርገምዶ ምርቃ ኢኻ ትብሎ? ጥቅሙዶ ወይስ ጉድኣቱ በዚሒዋ ኣሎ ንኣካል ክርስቶስ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ኣገላልጻ ሓደ ሓው ክልቃሕ እንተ ኾይነ፣ ኣነ "ኣወንታዊ መርገም" ወይ "ኣሉታዊ በረኸት"እየ ዝብሎ። ከመይሲ ብሰንኩ እኳ ብዙሕ ጽቡቕ ነገር እንተ ረኸብና ኣብ እጠቓቕማ ሽግር ስለ ዘሎና ግና ጸገም ይዓቢ። ሒደት እዮም ነቲ ተክኖሎጂ ዘምጽኣሎም በረኸት ተጠቂሞም ብእኡ ከይተጎድኡ ቤቶም ዝምለሱ!
አሪ-ወንጌል : ኣብ ምወዳእታ ንኣብስነስሑፍ ዝዋስእ እንታይ መልእኽትን ለበዋ ኣለካ? ንኣንበብቲኸ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ነዞም ኣብ ዙርያ ናይ ምድላው መንፈሳዊ ጽሑፋት ትግርኛ እንነጥፍ ሰባት ሓደ ዝተማእከለ ሕብረት እንተ ዝህልወና ጽቡቕ ነይሩ ኢለ እሓስብ። እዚ ዝብል ዘለኹ ንብዙሕ ምኽንያት እየ። ቅድም ቀዳድም፣ ንሓድሕድና ተራኺብና ተመኩሮ ሓድሕድና ምተለዋወጥና እሞ ንሓድሕድና ምተበራታታዕና። ካልኣይ ምድርራብ ናይ ዕዮን ምብኻን ናይ ጸዓትን ምተወገደ። ንኣብነት እታ ፐርፐዝ ድሪቭን ላይፍ ትብል ናይ ሪክ ዋረን መጽሓፍ ካብ 4 ዝበዝሑ ሰባት ናብ ትግርኛ ከም ዝተርጐምዋ እፈልጥ! ካብዚ ዝኸፍእ ምብኻን ናይ ጸዓት የልቦን! ሳልሳይ ዝተማእከለ ጥርኑፍ መልእኽቲ ንማሕበር ኣምላኽ ክንውፊ ምኸኣልና!
አሪ-ወንጌል : ኣብ ምወዳእታ ንኣንበብቲን ንኣብ ስነስሑፍ ዝዋስኡን መልእኽቲ ወይ ለበዋ ኣለካዶ?
ኣማኑኤል ጠዓመ : ንኣንበብቲ ዝላበዎም ድማ ከንብቡ እዩ! "ናብ ምንባብ..... ኣቕልብ" 1 ጢሞ 4.13
"ስነ ጹሑፍ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም" ቃል ምልልስ ምስ ኣ. ኣማኑኤል ጠዓመ (Part 2)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode