ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መዝሙር ዘለዎ ኣመለኻኽታ ብከመይ ትግምግሞ?ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ህዝቢ ኣምላኽ ብጣዕሚ መዝሙር ይፈቱ እዩ። መዓረ ገሌና መዝሙር ካብ ምፍታዉ ዝተላዕለ ናብ ጎይታ ዝመጻና ክንህልዉ ንኽእል ኢና በሃላይ እየ። ምልስ ኢለ ክሓስቦ እንከሎኾ ድማ፡ ምድርና ብመዝሙር ዕድልቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድርና ዘፍሰሶም መዛሙራትን፡ እቶም መዛሙራት ድማ ኣብታ ምድሪ ንምዝርጋሕ ወንጌል ዝተጻወትዎ ተራን ብቀሊሉ ዝርኣ ኣይኮነን። ኣብ ምድርና እግዚኣብሄር ገና ብመዝሙራቱ ገይሩ ዝገብሮ ምጽንናዕን፡ ዝገብሮን ፈዉስን ምድሓንን መዳርግቲ ዘይብሉ ምኻኑ ንኣምላኸይ ይኣምኖ እየ።በዚ ኣጋጣሚ ኩሉኹም ዘመርቲ ንጎይታ ብዓብይ ዉህበት ተጸባበይዎ። ስለምንታይሲ እታ ምድሪ ሕጂ ብብዙሕ ነገር ትሓልፍ ኣላ፡ ሕጂ ግና በቃ ጊዜ መዝሙራ ይኾነላ ኢሉ ጎይታ ዝድብሰላ ጊዜ ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ መሃለይ 2፡11-13 ``እንሆ፡ ክረምቲ ሐሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ፡ ተወዲኡ። ዕምባባታት ኣብ ምድሪ ተራእየ፡ ጊዜ መዝሙር በጽሔ፡ ድምጺ ባሬቶ ኸኣ ኣብ ምድርና ተሰምዔ። በለስ ፍሬኡ ጐጐበ፡ ተኽሊ ወይኒ ዐምቢቡስ መኣዝኡ የዉጽእ ኣሎ……..ድምጽኺ ጥዑም፡ ገጽኪዉን ጽቡቅ እዩ እሞ፡ ገጽኪ ኣርእይኒ፡ ድምጽኺ ኣስምዕኒ።`` ከምዝብል፡ ክረምትና እንዳሓለፈ እንከሎ ከምቲ ጎይታ በዓሉ ብደብረዘይቲ ገይሩ ናብ ጎልጎልታ እንዳኸደ፡ ንደቂ መዛሙርቱ መዝሙር ምስጋን ዘዘመሮም፡ ኣንሕና እዉን ከም ኣምባቖም፡ ነቲ ጎይታ ኣብ ምድርናን ህዝብናን ዝገብሮ ዓቢ ምብጻሕ ብእምነት እንዳረኤና፡ ሕጂ ገና ከይኮነ እንከሎ መዝሙር ምስጋና ንዝምር ኣሎና። ክረምትና ጠቅላላ ምስ ሓለፈ፡ ጊዜ መዝሙርና ምስ በጽሔ ግና ልብና ዘይሓሰቦ፡ ኣዒንትና ዘይርኣዮ ነገር ክኸዉን እዩ። ደርፊ ዓወት ናይቶም ጨካናት፡ እግዚኣብሄር ብዘመርቱ ዘዝሕለሉ፡ ነታ ምድርን ሰባን ድማ ዝድብሰላ ጊዜ ኣብ ቀረባ ኣሎ። ማለት ከምቲ እቲ ጹሑፍ ኣብ መሳፍንቲ 5:12 ``ተንስኢ፡ ተንስኢ ዴቦራ፡ ተንስኢ፡ ተንስኢ፡ መዝሙር ዘምሪ። ባራቅዉን ተንስእ፡ ኣታ ወዲ ኣብኖዓም፡ ምሩኻትካ ማርኽ።`` ከምዝብል፡ ኣብ ምድርና ብሓያል ቅብኣት ዝዝመሩ መዝሙራት ዴቦራ ክህልዉን፡ ንሕዙናት ኣባይቲ ድማ ክድቡሱ እዮም። እተን ጽብብ ዝብላና ዘለዋ መዓልታት ድማ ብናይ መዝሙር ደበስ ክትክኣ፡ ምርኮ ዘበለ ኩሉ ድማ ክንማርኽ ኢና። ንምድርና መሊስና ንበረኸት ክንኸዉን እርእይ።
ናብ ሕቶኻ ምልስ ክብል። እዚ ኩሉ ንእግሪ መገደይ ክብሎ ደልየ ዝበልክዎ ኩሉ ኣብ ቦትኡ እንከሎ ግና፡ እቲ ሕጂ ንመዝሙር ዝምልከት፡ ዘሎና ርድኢትን ተሳትፎን ግና ድፍረት ኣይቆጸረኒ እምበር ኣነ ብወገነይ ኣይንእዶን እየ። ኣብቲ መዝሙር ኣሰማምዓና፡ ንመዝሙር እንህቦ ኣኽብሮት፡ ንመዝሙር ዘሎና ምትብባዕን ተሳትፍሮን፡ከምኡ ድማ ንመዝሙር እንህቦ ግብረ-መልሲ ክርእዮ እንከሎኹ፡ ይዉሕደኒ እዩ።ብቀዳማይ ደረጃ፡ እቶም ኣብ መድረኽ ደይቦም እንተ ብግሊ እንተ ብሕብረት ዝዝምሩ ክርእይ እንከሎኹ፡ እቲ መዝሙር እንዳተዘመረ እንከሎ፡ ከምኡዉን ድሕሪ እቲ መዝሙር ዝኸዉን ናይ ጎይታ ነገር ርእየ፡ እቶም ዘመርቲ ናብቲ መድረኽ ጎይታ ቅድሚ ምድያቦም፡ ዝገብርዎ ኩሉ መንፈሳዊ ይኹን ስጋዊ ምድላዋት ጎሊሑ ይርኣየኒ። ከምቲ ሙሴ ገጽ ጎይታ ርእዩን ካብ ጎይታ ዝኾነ ነገር ሒዙ ናብቲ ህዝቢ ዝወረዶ ምውራድ ኣይኮነንን። ማለት ከመዮ እቲ ጽሑፍ ``እግዚኣብሄር ይመጽእ ስቅ ድማ ኣይብልን….ዓስቢ ድማ ኣብ ኢዱ ኣሎ።`` መሊሱ ድማ ``ንእስራኤል ከዕርፎ እኸይድ ኣሎኹ።`` ከምዝብል፡ ንጎይታን ንሓይሉን ቅብኣቱን ኣዘዉትርና ብምድላይ፡ ብቅድስና ህይወትናን ምስክርነትናን ሓሊና፡ ምስ መገላግልትና ሓደ ሓሳብ ብምሕሳብን፡ ብዘይተሃዋኽ፡ እነገልግሎም ኩሎም ኣገልግሎታት፡ እግዚኣብሄር ዝግለጸሎም ኣገልግሎታት እዮም ዝኾኑ። እግዚኣብሄር ብኽብሪ ክግለጽ እንከሎ ድማ፡ ሕዙናት ይጸናንዑ፡ ልቦም ዝተሰብሩ ይፍወሱ፡ ኣርዑት ጸላኢ ዝኸበዶም ነጻ ይወጹ፡ ሓጢኣት ዝገበሩ ብርትዒ ይንስሑ፡ ብኡሳት ይትዓረቁ……..ወ.ዘ.ተ እዩ ዝኸዉን። ጎይታ ብኽብሩ ክግለጽሞ፡ ስርሑ ምእንቲ ክሰርሕ፡ ዘመርቲ ዘበልና ኩላትና እኹል ዝኾነ ምድላዋት ክንገብር ይላቦ።ብኻልኣይ ደረጃ፡ ህዝቢ ኣምላኽ መዝሙር ይፈቱ እካ እንተኾነ፡ ንመዝሙር ዘሎና ኣኽብሮትን ግብረ መልስን፡ ኸምኡዉን ኣብ መዝሙር ዘሎና ተሳትፎ ከምቲ ዝግባእ ኣይኮነን። ንኣብነት ሰንበት መዓልቲ ጽንብል ንእግዚኣብሄር እያ። ኣብዛ መዓልቲ መጺና ምስ ዘመርቲ እንዝምሮ ዓይነት ኣዘማምራ ክርእዮ እንከሎኹ ምድላዉ ይኹን ርድኢት ዝዉሓዶ እዩ። ማለት ከምቲ ንጽንብል ኢሉ ካብ ገዝኡ ዝብገስ ዓይነት ሰብ ኣይኮነን ኣበጋግሳና።ብመዓልቲ ሰንበት እኮ መጀመሪያ ንእግዚኣብሄር ስለ እግዚኣብሄርነቱን ዕቤቱን ፍቅሩን፡ ከምኡዉን ስለቲ ኣብ ህይወትና ካብ መስቀል ቀራንዮ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ዝገበሮ ዘሎ ኩሉ ስራሕ፡ ግብረ-መልሲ እንዳሃብና እንዳኣድመቅናን፤ ንእግዚኣብሄር እነጸንብለሉ መዓልቲ እያ። ናብ ቤት እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጽንብል መጺና ክነብቅዕ፡ መዝሙር እንዳተዘመረ፡ ቀባሕባሓይ ሙኻን፡ ዉጽእ እትዉ ምባል፡ ከምዛ ሓንቲ ዘይተገብረሉ ተጨቢጥካ ኮፍ ምባል ወይ ድማ ድዉ ኢልካ ዓንዲ ምኻን፡ መን እንታይ ይገብር እንታይ ይኸዉን ኣሎ ኢልካ ምዕዛብን ነንሓድሕድካ ምርእኣይንሲ ምስ ምንታይ ይቁጸር?፡ ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ 1ዜና 15:28 ``ሽዑ ኹሎም እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን እናድመቑ ኣደየብዎ።`` ከምዝብል፡ ኣብ ብሉይ ኪዳን እካ ነቲ ጽላሎት ከምዚ ገይሮም ኣድሚቆም ካብ ኣጸንበልዎ፡ ሕጂኸ ኣንሕና ከም ህያዉ ኣኼባ እግዚኣብሄር መጠን፡ ነቲ ምሳናን ኣብ መንጎናን ዝነብር እግዚኣብሄር ከመይ ከነድምቆን ከነጸንብሎን ዘይግባኣና።ብተወሳኺ ድማ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ንዘመርቲ እንገብሮ ምትብባዕ ድማ ዉሑድ እዩ። ኣጆኻ ከምዚ ግበር፡ ኣነ ብወገነይ ድማ እዚኣ ክሕግዘካ፡ ካልእ እንታይ ሓገዝ የድልየካ….ወ.ዘ.ተ ምባል ዝዉሕድ ኾይኑ ይስምዓኒ። ከምዚ ፍጹም ዝገብሩ የለዉን ማለተይ ግን ኣይኮነን። ከምኡዉን ተኣኪብካ እንዳኣዕለልካ መዝሙር ምዉላዕ፡ ጋሻ ኣብ ገዛኻ መጺኡ፡ ኣብ ዕላል እንከሎኻ ድማ ስምዓዮ ኣይትስምዓዮ መዝሙር ምዉላዕ….ወ.ዘ.ተ ክረኣ እንከሎ፡ ንመዝሙር ዘሎና ኣኽብሮትን ርድኢትን እዩ ዝገልጽ።ብሳልሳይ ደረጃ ድማ፡ መራሕ ኾይኑ ከምቲ ሓዉና ዳዊት ንዘመርቲ ዝነበሮ ስፍሓት ልቢ፡ ንዘመርቲ ሰፊሕ ዝልቦም መራሕቲ ጎይታ ከብዝሖም ተስፋ እገብር። ዳዊት ነቶም ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ከገልግሉ ኢሎም ዝተፈለዩ ሰባት ኣብቲ ቀዳማይ መስርዕ ብምስራዕ፡ ዘድልዮም ዘበለ ኹሉ ብምድላዉ፡ ዝነበሮ ኣተሓሕዛ፡ ኣብዚ ዘመን ካብ መራሕቲ እዉን ክዉሕድ የብሉን። ኣብ 1ዜና 15:16``ዳዊት ድማ ነቶም ሓላቑ ሌዋዉያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳሪያ ሙዚክ፤ ብመሰንቆን ብበገናን ብጸናጽልን ተሓጉሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓዉ እናበሉን ኣብኡ ኬቁምዎም ተዛረቦም።`` ይብል። ኣብ 1ዜና 15:29 ድማ ``ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጋል ሳኦል መስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።`` ይብል። ስለዚ ዳዊት ነቶም ንኣምላኽ መዝሙር ዝዝሙሩ ዘመርቲ ኣቐዲሙ ብኹሉ ዝርከበሎም፡ ንኪዳን ታቦት እግዚኣብሄር ክዝምሩ እንከለዉ ድማ ሰብ እንታይ ክብለኒ እዩ ከይበለ፡ ከመይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ ዝቀልልን ፍስስ ዝብልን ሰብ ሙኻኑ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። መራሒ ክነስኻ እዚ ዓይነቲ ንእግዚኣብሄር ቅልል ፍስስ ምባልንስ ናይ ብሓቂ ዕድሎት እዩ። መዝሙር ንኣምላኽ እንዳተዘመረ እንከሎ፡ መራሒ ክነስኻ፡ ቅልዕ እንዳበልካ ናብ ድሕሪት ናብቲ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ቀልባዕባዕ እንብል፡ ወይ እዉን ከም ዓንዲ ደዉ እንብል ወይ ድማ ፍጹም ካብታ ኮፍ ዝበልናያ ኩርሲ እካ ንምትንሳእ እንሽገር መራሕቲ ከይንኸዉን ክንጥንቀቅ ይላቦ። ነቲ እነገልግሎን ኣብ ኣገልግሎቱ ዝሾሞናን ኣምላኽሲ፡ ብልብናን ነፍስናን ቅልል ፍስስ ክንብለሉስ፡ መንፈስ ቅዱስ ይደግፍ እብል!እምብኣር እዞም ኩሎም ብዛዕባ ዘመርቲ ጀሚርካ ክሳዕ መራሒ ክገልጾም ዝፈተንኩ ነገራት ድማ ነቲ ንመዝሙር ዘሎና ኣረዳድኣን ኣረኣእያን ኣጉሊሖም ዝገልጹ ኾይኖም ይስሙዕኒ።እምብኣርከ መዝሙር ንሰብ ድዩ ወይስ ንኣምላኽ?ብመንጽር ቃል-ኣምላኽ እንተሪኢናዮ፡ ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ ሮሜ 11:36 `` ኩሉ ኻብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።`` ከምዝብል፡ መዝሙር ድማ ካብ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣምላኽ ድማ እዩ። ማለት ኣብ ልቢ ሰብ እንተ ብመዓልቲ እንተ ብለይቲ መዝሙር ዘቐምጥ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ። እቲ መዝሙር ድማ ብዛዕባ እግዚኣብሄርን ንእግዚኣብሄር እዩ። እግዚኣብሄር ኣብ ልቢ ዘመርቲ ዘቅምጦ መዝሙር ንእኡ ስለዝኾነ፡ እቶም ዘመርቲ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልዎ ሰሪሖም ኣጸቢቆም፤ ከቶ ከም ልቢ ወሃቢኡ ነቲ መዝሙር ሰሪሖም ንኣምላኽ ክህብዎ እንከልዎ እግዚኣብሄር ብስራሕ ኣእዳው ይኸብርን ይሕጎስን እዩ። ከመዮ እቲ ጽሑፍ ኣብ ዘፍ.2:15 ``እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ።`` ከምዝብል፡ ከም ኡ ዉን ኣብ ኤፈ.5:19 ``..ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጎይታ እንተቐኔኹምሉን እንዳድረስኩምሉን…..መንፈስ ይምላእኩም።`` ከምዝብል፡ ዘማራይዉን ነቲ እግዚኣብሄር ንእኡ ክዝመር ዝሃቦ መዝሙር ጽቡቅ ገይሩ ክሰርሖን ክዓዮን ክቓንዮን ክደርሶን ዝተቐመጠ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ።ነዚ ኣብ ላዕሊ ክብሎ ዝጸናሕኩ ሓሳብ ድማ ቅሩብ ኣስፊሐ ክብሎ እንተድኣ ኾይነ ነዘን ዝስዕባ ክልተ ነገራት ክዛረበን ይፈቱ፡-መዝሙር ካብ ኣምላኽን ንኣምላኽን ኮይኑ፡ ግናኸ ንሰብ ዘዋስእ ወይ ዘሳትፍ እዩ። ዘማሪ ዝዝምሮ፡ሰማዒ ድማ ሰሚዑ ግብረ-መልሲ ዝህበሉ እዩ። ነቲ መዝሙር ሰብ ምስ ሰብ ኾይኑ እዩ ንኣምላኽ ዘቅርቦ። ስለዚ መዝሙር ብሰብ ንኣምላኸ ዝዝመር፡ ብሰብ ዝስማዕ፡ ሰብ ድማ በቲ ዝሰሞዖ ንኣምላኽ ግብረ-መልሲ ዝህበሉ ነገር እዩ።መዝሙር ብትሕዝቶ መልክዕ ዝፈላለ እንተኾነ፡ ኩሉ ግና ንእግዚኣብሄር እዩ ዝቐርብ። ማለት ገለ መዝሙር ትሕትኡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኾይኑ ንእግዚኣብሄር ብቐጥታ ይቀርብ። እዚ ዓይነት መዝሙር ንእግዚኣብሄር ስለ ኣምላኽነቱ፤ቅድስናኡ፤ፍቅሩ፤ምሕረቱ፤ትዕግስቱ፤ኩሉኸኣልነቱ፡-ንስኻ ዓቢ፡ ከመይ ዝበለ ፍቅሪ እዩ ዘሎካ……ወ.ዘ.ተ እንዳበሉ ብቐጥታ ንእግዚኣብሄር ይዝመሩ። ገለ መዝሙር ድማ፡ ትሕዝትኡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኾይኑ፡ ሰብ ምስ ሰብ ብዛዕባ እግዚኣብሄር እንዳተዘራረበሉ ዓይነት ኾይኑ ይቀርብ። እቲ ዝዝምር ነቲ ሰማዒ ወይ ድማ እቶም ዝዝምሩ ሰባት ነንሓድሕዶም ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ፤ፈቃር፤ምሕረተኛ….ወ.ዘ.ተ መን ኣሎ?ኣበይ ይርከብ? እንዳተባህለ ዝዝመር መዝሙር እዩ። ንኣብነት ኣብ ራእይ 4:10-11``እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጎይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካዉን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምዉሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እንዳበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያዉ ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ ኣለዉ።`´ ክብል እንከሎ ኣብ ኢሰ. 6:1-3 ድማ እቶም ሱራፌልን ድማ ነንሓድሕዶም ``እቲ ሓደ ኸኣ ነቲ ሓደ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት፡ ኩላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሀየ።`` ይብል። ኣብ ራእይ 4:8 ድማ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ``ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ክንፊ ኣለዎም፡…ለይትን መዓልትን ከየቃረጹ ድማ፡ እቲ ዝነብረን ዘሎን ዚመጽእን ኩሉ ዚከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ ይብሉ።`` ይብል።ስለዚ ብሓጺሩ መዝሙር ካብ ኣምላኽ ኾይኑ፡ ሰብን መላእኽትን ድማ ንኣምላኽ እንተ ብቐጥታ ``ንስኻ`` እንዳበሉ ንእግዚኣብሄር ስለ እግዚኣብሄርነቱን ኣምላኽነቱን ይዝምሩ፤ ወይ ድማ ነንሓድሕዶም እግዚኣብሄር ከምዚ እዩ እንዳተበሃሃሉ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ንእግዚኣብሄር ይዝምሩ። ኣነ ግና ናብታ ብቐጥታ ``ንስኻ`` እንዳተባህለ ዝዝመር መዝሙር ብብዝሒ ይዝምብል።ይቅጽል !! {fshare}
ቃል መሕተት ምስ ሮቤል ነጸረኣብ "መዝሙር ኣብ ማሕበር ኣምላኽ" (Part 2)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode