08
Mon, Sep
0 New Articles

ኣብ ኢድካ እንዲኻ ወቂጥካኒ

Literature
Typography

. . . ኣብ ኢድካ እንዲኻ ወቂጥካኒ . . .

. . . ኣብ ቤትካ እንዲኻ ሰሪትካኒ . . .

ብሓቂ እወ ብሓቂ

እዚ 'ተዘይኸውንሲ

ነፍሰይ ኣምበይ ምረኸብክዋ


 

ከናፍረይከ ንምስጋና'ዶ ምተኸፍታ?

ግናኸ ሳላኻ ኣለኹ

ገና ስሌኻ'ውን ክህሉ

ፍቕርኻ ክነግረሉ

ምሕረትካ ምብዝሑ

ስምካ ዓብዪ'ዩ

ግብርኻ'ውን ከምኡ

ሓጎሰይ ብኣኻ'ዩ

ዕጋበተይ ኩሉ

ዘመነይ ክበረሉ

ጎይታይ ተረኣየሉ

"እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።" (ት.ኢሳይያስ 49:16)

{youtube}1yJ8ztTHekU{/youtube}


"እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።" (ት.ኢሳይያስ 49:16)

by Ermias Tzegai Etb