08
Mon, Sep
0 New Articles

ዝርርብ ብዛዕባ ረዲኤት

Literature
Typography

ሓታታይ :"ብመዓልቲ ቕጽዓትን ህቦብላን ኻብ ርሑቕ ምስ ዚመጽእን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም? ረዲኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሃድሙ። (መዝ 10፡3) ኢሉ ሓተተ።

መላሳይ:"ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።" (መዝ 124:8) ስለዚ..."ረዲኤት ሰብ ከንቱ እዩ እሞ፡ ካብቲ ተጻራሪ ርድኣና።" (መዝ 108፡12) ኢልና ንምህለል። "ንረዲኤትና ተንስእ፡ ምእንቲ ሳህልኻውን ኣድሕነና።" (መዝ 44: 26) ድማ ኢልና ንጽሊ በለ።


 

ሓታታይ: ካብ ናይ ደቂ እዮብ ዛንታ ጠቒሱ፡ "ደቁ ኻብ ረዲኤት ርሒቖም እዮም እሞ ኣብ ደገ ይርገጹ፡ ዜናግፎም ከኣ የልቦን።" (እዮብ 5: 4) ዚብል ንረክብ። እዮብ እውን ምስ ጸበቦ: "ረዲኤት ዜብለይዶ ኣይኰንኩን? መውጽኢ ዜብለይዶ ተዐጽዩኒ ኣይኰነን?" (እዮብ 6: 13) ይብል። መሓዙት እዮብ ንምረታዊ ሕቶኡ "ንጹህን ጻድቕን እንተ ዄንካ፡ ብርግጽ ንሱ ንረዲኤትካ ኺትንስእ፡ ነታ ማሕደር ጽድቅኻውን ኬልምዓ እዩ። (እዮብ 8: 6) ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ "እንሆ፡ ተዐሚጸ ኢለ እጠርዕ ኣሎኹ፡ ኣይስማዕን ድማ እየ፡ ረዲኤት ደልየ ኤእዊ ኣሎኹ፡ ፍትሒ ዜውጽኣለይ ከኣ የልቦን።" ኢሉ ኣምረረ። (እዮብ 30:13) ብዛዕባ መሓዙቱ ግን: "ንመገደይ የፍርስዋ ኣለው፡ ንርእሶም እኳ ረዲኤት ዜብሎምስ፡ ንጥፍኣተይ ይተሓጋገዙ።" ብምባል ወንጀሎም።

ንስኻትኩም'ከ ብምረትኩም "ፍትሒ ደልየ" ኢልኩም ምስ እተእውዩ እሞ: መሓዙትኩም ብዓይኒ ፍርድን ኩነኔን: ጽድቅኹምን ሓጢኣትኩምን: በብዚመሰሎም ሓተታ እነተ ዘቕርብልኩም እንታይ ኮን ይኸውን እቲ ምላሽኩም?

መላሳይ: ኣነ ከምዚ ምበልኩ: "እንተ ኽኢልኩም እግዚኣብሄር ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፡ ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።" (መዝ 20:2) ኢልኩም ጸሎት ኣዕርጉለይ።"

"እንተ ዘይኾነ ግን ምኽንያት ምረተይ ኣይትመራመሩለይ ወይ እውን ንኣምላኽ ንሰብ ፍርዲ ክትህቡ ኣይመርጸልኩምን እየ።"

ሓታታይ: ረዲኤት ብኻልእ መገዲ ኣይርከብን ድዩ? ብዘይ እግዚኣብሄር'ከ ካልእ ኣማራጺ የልቦን ድዩ?

መላሳይ: ንሕቶኻ እስራኤላውያን ካብ ተሞክሮኦም ካብ ተሞክሮኦም "ብሓቂ ኻብ ኲርባታት ረዲኤት ምጽባይና ኸንቱ እዩ፡ ኣኽራንሲ ጥቕሚ ዜብሉ ደሃይ ደኣ ሀቡና። ብሓቂ ምድሓን እስራኤል ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ ዚርከብ።" (ኤር 3: 23) እዮም ዝበሉ። ከምኡ ድማ "እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዚወርዱ፡ እምንቶኦም በፍራስ ዚገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታት፡ ብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዚውከሉ ወይለኦም..." (ኢሳ 31:1) ኢሉ ነብይ እግዚኣብሄር ኣጠንቂቑዎም እዩ። ኣነ እውን ከም እዮብ "ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡ ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኼውጽእ ኢለ፡ ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ።" (እዮብ 16፡20-21) ምበልኩ። ንነፍሰይ እንተኾነ "ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዝመጸኒ?" ኢለ እኳ ሓቲተያ እየ። ብድሕሪኡ "ኣታ ኣብ ሰማያት እትነብር፡ ኣዒንተይ ናባኻ ኤልዕል ኣሎኹ። (መዝ 123:1) ኢለ ምስ ኣምላኽ ቃል ኣትየ እየ።

ሓታታይ: ብመልስታትኩም ዓጊበ እየ። ግን ነቶም ኣብ ፈተና ዘየለና ምዕዶ ከመሓላልፍ ኣፍቅዱለይ። "ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቅበል፡ ብጊዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዚኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።"(እብ 4፡16) በሎም። ዝርርብ ተወድአ። ኣንጨብጨቡ። "ረዲኤትና ብስም እቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ።" (መዝ 124: 8) እትብል ጥቕሲ ኣንቢቦም። መዕጸዊ ጸሎት ገበሩ።

ፓስቶር ብንያም ገብረንጉስ

13.11.2013