08
Mon, Sep
0 New Articles

ህያብ ንቲ ንጉስ

Literature
Typography

እዚ ዛንታ እዚ ናይ ጥንቲ ዛንታ እዩ ብዝተፈላለየ ኣዘንተውቲ ኣብ ዝተፈላለይ ጊዜን ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣዘንትዮሞ ኣለዉ። እቶም ብሉጻት ኣዘንተውቲ ግና እቶም ረሳዕቲ ሰባት ዘይኮኑስ እቶም ዝሰምዑን ዝረኣዩን እዮም። ኣብ ሓደ ምሸት ናይ ሓንቲ ዓመት እቲ ንፋስ ይዛረብ እቶም ኣኻውሕን ኣግራብን ከኣ ይምልሱ ነዚ ዝስዕብ ዛንታ ኸኣ የዘንትዉ።

ብዙሕ ጊዜ እቲ ንእሽቶይ ወዲ ሕጉስ ኣይኮነን። ነዚ ኸኣ እሞ ብፍጹም ኣይፈልጦን እዩ። ኣብታ ኸተማን ወርግ ኣብዘላ እታ ኸተማ ካብቶም ኣዝዩም ዝኸፍኦምን ዝደኸየን ቆልዓ እዩ። ዘመን ህይወቱ ብምሉኡ እናተኸትከተን ናብትን ናብትን ከልበትበት እናበለን ሕሱም ትእዛዝ እናተቐበለን እዩ የሕሊፎዎ።


{jcomments on} ከም ሓደ ኣዚዩ ንእሱ ኣቕሃ እዩ ዝቑጸር ዝነበረ። እዚ ሕጂ ኣብዚ ዝሰርሓሉ ዘሎ መቕበሊ ኣጋይሽ ዘሎ ሓለቕኡ እሞ ኸኣ ኣዚዩ ሕሱምን ጨካንን እዩ። ስርሕኡ ኸኣ ነቶም ኣዚዮም ረሰሓት ዝኾኑ ኣጋይሽ ብዝኾነ ተኣምር ኣጻቢቡ ቦታ ከዳልዎሎምን ገንዘብ ንኸኻዕብት ከኣ ነቶም ዓያሹ መስተ ክቕርበሎም ናይ ግድን ነበረ። ዓማዊል ናይቲ ዋና መሕደሪ ኣጋይስ ብሙሉኣቶም ተስፋ ዝቖሮጹን ሰኽርማትን ስለ ዝኾኑ ነቲ ቖልዓ ከካላብትዎ ክጸፍሕዎ ኮታ ኣብልዕሊኡ ሕሱም ትእዛዝ እናኣዘዙ ከከላብትዎ ባህተኦም ነበረ።

ገለ ተመክሮ ዘለዎም ተጋዓዝቲ ጋና ብዛዕባ እቲ ስጊንጥር ዝዀነ ኣቀባብላን እንግዶትን ስለ ዝፈልጡ ንብቲ ኣብቲ ኸተማ ዘሎ ካልኣ መሕደሪ ብምኻድ እዮም ዘዕርፉ ገለ ሰክራማት ግና ብዘሎ ገንዘቦም ክሳብ ዝውድኡ ክሰትዩ ይሓድሩ እሞ ገዛ ተመሊሶም ከኣ ንደቆምን ነንስቶም ክርብሹ ይሓድሩ።

እዚ ንእሽቶይ ወዲ እምበኣር ኣካል ናይዚ እዩ ኔሩ። እቲ ዋና መዕረፊ ኣጋይሽን እቶም ዓማዊልን ከኣ ሕርቃኖም ብምሉኡ ኣብኡ እዮም ዘውርድዎን ዘውጽዎን ዝነበሩ። ከምይሲ ናቱ ህላውነት ኣብኡ ንኸምኡ እዩ ዝነበረ። እዚ ቖልዓ እዚ እዚ ኹሉ ኣድራሕ እኳ እናወረዶ ክነሱ ኣብዘን ሓጸሪ ዕድመ ንእስነቱ ሓንቲ ቓል እኳ በጨቕ ኣቢሉ ኣይፈልትን እዩ። ኣብቲ ዝግፋዓሉን ዝፈርሓሉን ጊዜ ንገዛእ ርእሱ እካ ኩነታቱ ከፍልጣ እንተ ተገዳለ ካብቲ ዑሩፍ ዘይኮነ ውሽጡ እንትርፎ ዘይስማዕ እህህታን ካልእ ዝርድኦ ነገር ኣይነበረን። ካብ ውርደቱ ዝተላዕለ መጸዊዒ ስም እኳ ኣይነበሮን። እቶም ኣገልግለቱ ዝጽበዩ ሰባት እንታ ቖልዓ ወይ ፉጡር ኢሎም እዮም ዝጽዎዎ። ነዚ ወዲ ትሾኣተ ዓመት ቆልዓ እዚ ዝግደሰሉ ማንም ፉጡር ኣይነበረን። ካበይ ከም ዝመጸ እውን ዝፈልጥ ኣይነበረን። እቲ ዋና መዕረፊ ኣጋይሽ ሓደ ንግሆ ኣብ ኩርናዕ እቲ መደቀሲ እንስሳታ ሃንቲ ኣረጊት ኮቦርታ ተኸዲኑ ተዓኩሊሉ ደቂሱ ከሎ እዩ ረኺብዎ። ስቕ ኢሉ እውን ሸለል ኢሉ ክሃልፎ ኣይደለየን ጽድቂ እንተተ ቆጽረሉ ኢሉ ነቲ ሕጻን ኣብ ኣዚዩ ኩቱር ዝኾነ ስራሕ ጸሚዱ ኣገልጋሊኡ ገበሮ። ብዛዕባ እዚ ቖልዓ እዚ ዝግደስ የለን እንታይ ትገብር ኣለኻ ኢሉ እውን ዝሃትት ኣይክርከብን እዩ ኣብኡ ኸሎ ብዘይዶሞዝ ተሰረሓ ጸገም የብሉን ኢሉ ዋና መዕረፊ ኣጋይሽ ደምደመ። ስራሕ ናይቲ ዓልዓ ከኣ ጣውላ ምጽራግ መሳኹትን ብያትታ ምሕጻብን ምኹስታርን ነበረ።

ካብቲ ኽሽነ ዝተጋሕፈ ምግቢ ኣብ መጉሓፊኡ መሊኡ ናብቲ እናዳጓሓፍ ክወስድ ከሎ እዩ ካብኡ ምግቡ ዝበልዕ። እሱ ነዚ ዝተጋህፈ ምግቢ ምስ ዱኽዒ ሓዊሱ ነቶም እብ በረዃዘለዉ ኣኽላባት ምግቢ ክኾኖም ናይ ግድን ናብቲ ክንዮ ስግር ኢት መዕረፊ ኣጋይሽ ዘሎ እንዳጓሓፍ ክወስዶ ኣለዎ።

ሓደ ሓደ ጊዜ ኸኣ እቲ ንግዲ ምስ ዓመረ ነቲ ወይኒ ዘለዎ ጠራሙስ ካብቲ መኽዘን ተተሰኪሙ ኣብ ጥቓ እቶም ዓማዊሉ ብቑልጡፍ ከንብሮ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ቆልዓ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እውና እዩ ። ኣብዚ እዋን እዚ እዚ ኣብልዕሊኡ በቶም ሰኽራማት ዝወርድ ኣደራኦኣ ማእለያ ዘይብሉ ዓቢ እዩ ይኹን እምበር ምንም ክገብር ኣይክእልን እዩ።

<<ኣታ ቖልዓ ተንስእ ኣብቲ ጣውላ ደው በል እሞ ድረፈልና>> ይብሎ ሓደ ዝሰኸረ ዓሚል ገለ ኸኣ እናደረፉ ቐልትፍ ተስእ ድረፈልና እናበሉ ይትኹትኽዎ። እቲ ኣዚዩ ዝኸፍኦ ቖልዓ ድሌቶም ንምምላእ ክደርፍ ይጅምር እሞ ደርፉ የሖጊስዎም ዘይኮነስስ ድምጹ ኣስሒቕዎም ክሳብ ዝነብዑ ብሰሓቕ ትዋህ ይብሉ። ኣብዚ ግዚ እዚ ክሳብ እቲ ናይ መጨረሻ ክፍኣቶም ብዘሎ ጸርፊ እናውረዱ ገሊኦም ኣብ ልዕሊኡ ምራቖም እናተፍኡ ገለኸኣ ክፉእ ጸርፊ እናስምዕዎን እናተራገሙን የዋርድዎ። እቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ምስ ተዓጽወ ኸኣ እቲ ዋና ብዛዕባ እቲ ቖሎዓ ዝወዓሎ ከይሓሰብ ኣብ ወጻኢ እቲ ደገ የሕድሮ። እቲ ቖልዓ ኸኣ ናብሩኡ ኹሉ ብስቓይ የሕልፎ።

ሓደ ፉሉይ ቆራሪ ምሸት ከኣ እቲ መዕረፊ ኣኣጋይሽ ካብ ንቡር ንላዕሉ መሊኡ ኸሎ ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን መጽኡ። እቲ ቖልዓ ብሓይሊ ተደፊኡ ካብቲ ገዛ ወጸ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ዋና መዕረፊ ኣጋYሽ እንታይ ከም ዝበሎ እኳ እንተ ዘይሰምዖ እቲ መልሲ ግና ዓው ዝበለን ኣብቲ ኩሉ እኩብ ሰብ ዝስማዕ ናይ ነድሪ ግብረ መልሲ ነበረ። << ኣነ ቦታ የብልይን ካልእ ምንም ክገብረልካ ኣይክእልን እየ እቲ ዓልዓ ዋላ ኣብ ጽርግያ ይወለድ ንዓይ ኣይግድሰንን እዩ>> እቲ ዋና ነቲ ማዕጾ ኣብ ገጽ እቶም ሓተቲ ስበኣይን ሰበይትን ረጊጦ እንተመልሰ ከሎ ኸኣ እታ እቲ ሕጻን ዝድቅሰላ መብልዕ ማል ረኣያ ተመሊሱ ኸኣ ናብቶም ኣጋይሽ ፈቲኹም ጸሊእኩም ሓደ ኩፉእ ፍትረት ቆልዓ ዝድቅሳ መብልዕ ማል ኣላ ክትይሓድሩ እንተ ደሊኹም ክልተ ዲናር ክፈሉ በሎም። ካብ ነቶም ኣጋይሽ ሰጊጉ መክሰቡ ዝጎድል ነቲ ቖልዓ ካብቲ ክፍሊ ክሰጎ ወሰነ።

እቲ ቖልዓ ድሕር እዚ ዝከውን ነገር ክርኢ ኣይደለየን ክሃድም ጥራይ ደለየ። ብፍርሕን ራዕድን ከኣ ከም መንገፍገፈ ዘለዎ ናብቲ ካብቲ ኸተማ ወጻኢ ዘሎ ኣኻውሕን ጎቦታትን ሃደመ። እታ እንኮ ካብ ቁሪ ትከላከለሉ ዝነበረት ኣረጊት ኮበርታ ትራይ እያ ንብረቱ። እንትርፎ እታ ሓንቲ ሓደ ጊዜ እቲ ዋና መዕረፊ ኣጋይሽ ንዕርቃኑ ክሽፍነላ ዝሃቦ ቁራጽ ዓለባ እንተ ዘይኮይና ካልእ ክዳን የብሉን። እዛ ኽዳን እዚ ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ እቲ ዝነበሮ ስራሕ እያ ተዘክሮ። ኣብዚ ጊዜ እዚ እዚ ቖልዓ ንመጀመርያ ጊዜ ሰሓቐ ከመይሲ እኒ ንፋስ ከውሒ ከምኡ ድማ ኣግራብ ዝበሃሉ ኣዕሩኽ ስለ ዝረኸበ። ኣብቲ ጽምዋ ጊዜ ከኣ ካብ ደቂ ሰባት ዘይረኸቦ ምጽንናዕ ካብዞም ሓደስቲ ኣዕርኽቱ እኒ ንፋስ ኣኻውህን ኣግራብን ረኸበ እሳቶም ከኣ ይዛረብዎን የጸናኖዎን ነበሩ።

እቲ ድምጺ ንፋስ ኣዚዩ ህዱእን ጥዑምን ነበረ ኣብ ኣእዛኑ ኸኣ ጉሩም ነበረ ብዛIዕባ እቲ ዓቢ ኣምላኽ ዝገበሮ ኩሉ ነገርን ዘደንቕ ግብሩን ከኣ የዝይም ነበረ። ነቲ ሕጻን ከኣ ምንም እኳ ኩሉ ፉጡር ወዲ ሰብ እንተረስዕ ኣምላክ ግና ምስኡ ምካኑ በቲ ጥዑም ቃና ደሃዩ እቲ ንፋስ ይዝምረሉ ነበረ። እቶም ኣግራብ ከኣ ትቕብል ኣቢሎም ብርግጽ እሉ ብምምላስ ነቲ ቖልዓ ብዛዕባ ፍቕሪ ኣምላኽን ከምኡ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ነቶም ንኣምላኽ እስራኤል ዘገልግሉ ከም ዝህልዎም ስለዚ እቲ ቖልዓ ተስፋ ክቖርጽ ከም ዘይብሉ ተዛረብዎ። እቶም ኣካውሕ ኸኣ ብትሑት ድምጺ ግና ሓያልን ንጹርን ብዝኾነ ቓል ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኸኣ ብዕድመ ካብቲ ቖሎኣ ካብቶም ኣግራብን ንፋስን ንላዕሊ ስለ ዝገበሩ ከምዚ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ እስራኤል ብዛዕባ እቲ ሓጥያት ሰባት ከርሕቕን ነቲ ጠዋይ ከኣ ቁኑዕ ክገብር መታን ብዛ)ዕባ እቲ ዝመጽእ መሲሕ ኣዘከርዎም። እቶም ብርቱኦኣት ኣካውህ ኸኣ ንቲ ቖልዓ እንተ ደኣ እምነቲ ኣብ ምድሃን ኣምላኽ ጌሩ ሓደ ጊዜ ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ከም ዝትንስእን ንዘልኣለም ከኣ ኣብ ሰማይ ከም ዝነብረን ብዓውታ ዘመርሉ። ካባታቶም ካብቶም ኣኻውህ ንላዕሊ ኸኣ ከምዝነብር ኣረጋገጽሉ።

እዚ ቖልዓ ብቲ ንዓኣቶም ዝርድኦም ቋንቅቋ እኳ ክዛረቦም እንተ ዘይከኣለ ከምዚኣቶም ዝብለ መሃዙት ምርካቡ ግና ኣዚዩ ተሓጎሰ። እዛ ምሸት እዚኣ ንዕኡ ፍልይቲ ምሸት እያ ከምይሲ ነቲ ዝነበሮ ናይ ውሽቱ ቃንዝኡ ዝርዳኣሉ ኣኦርኹ ስለ ዝረኸበ። ንሳቶም ኣይወቐስዎን ኣይጎድእዎን ኣየናኣእስዎን እካ ደኣ እቲ ዘለዎ ሓጥያትን ክፍኣትን ከይዘከሩ ብዛዕባ እቲ ዝብህጎ ዝነበረ ሓለዋ ኣምላኽን ፍቕሩን እዮም ኣበሲረዎ። ኣብ መወዳእታ እቲ ቖሎዓ ኣብ ሕቑፊ ኣኦርኹቱን መሓዙቱን ብዘይ ፍርህን ጭንቀን ሩፍ ኢሉ ደቂሰ።

እዛ ምሸት እዚኣ ካብተን ካልኦት ምሸት ኣዚያ ፍልይቲ ምሸት እያ ኔራ። ሓደ ዘሕጉስ ድምጺ ኣብ መንጎ እቶም ኣዃውሕ ተሰምዐ ገለ ወረ ኸኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣግራብ የሕሾኽሹኽ ነበረ ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ንፋስ ብዓውታ ነቲ ሓቂ ኣቓልሖ <<ሎሚ ምሸት ክርስቶስ ተወሊዱ ሕጂ ኣብዛ እዋን እዚኣ ኣብቲ መብልዕ ማል ኣሎ። እቲ መሲሕ መጺኡ ኣሎ ኣምላኽ እሙን ንገዛእር እሱ እሙን ምዃኑ ኣረጋጊጹ። ብድሕርኢ እቶም ኣጋራብ ንፋስን ኣኻውሕን ሓቢሮም ብሓንሳብ ንኣምላኽ ኣመሰገኑን ክብሪ ሃቡን። ብድሕሪ እዚ ግና ኩሎም ዝን በሉን ከምይሲ ናብቲ መብልዕ ማል ከይዶም ስለዘየምለኽዎን ንክርስቶስ ነቲ ጎትይታን መድሓንን ንጉስ ዝኸውን ብቑዕ ህያብ ድማ ስለ ዘይብሎም ሓዘኑ። ከምዚ ኢሎም ከኣ ንነዊሕ ጊዜ ስቕ በሉ ነቲ ካብእቶም ኣዝዩ ሩሑቕ ዘለ መድሓኒ እንታይ ዓይነት ህያብ ከም ዝህብዎ ተማኸሩ ንሓድሕዶም ከኣ ተዛተዩ። ምንም እካ ንኣምላኽ ክሳብ ዝከኣሎም ኩሉ ክብሪ እንተ ሃቡ ናብቲ ዘለዎ ቦታ ዝተውልደሉ ንቡር ዘይኮነ ቦታ ኸይዶም ክርእይዎ ኣይከኣሉን። ኣብ መወዳእታ ግና ንኹሎም ዘዕገቦም ኣብ ሓደ ስምምዕ በጽሑ እታ ምሸት ከኣ ኣዚያ ሃድኣት።

እቲ ወዲ ካብ ድቃሱ ተበራበረ። እቲ ኩነት ከም ናይ ቀደም ልሙድ ኣይነበረን። ብምዕራብ ገጹ ኸኣ ኣብ ሰማይ ሓደ ፉሉይ ብርሃን ረኣየ ኣእዛኑ ካብ ርሑቕ ብንፋስ ተጸይሩ ዝመጸ ሓደ ፉሉይ ድምጺ ሰምዐ እቶም ኣካውህ ግና ጸጥ ኢሎም ነበሩ እቲ ንፋስ እውን ስቕ ኢሉ ነገረ እቶም ኣጋራብ ተኾኑ እውን ምንም ቃል ኣየተንፈሱሉን። እዚ ዓይነት ስቕታ ንዕኡ ሓድሽን ዘይልሙዱን ነገር እዩ። እዚ ጉዳይ እምብዛ ኣስንበዶ ኣብቲ ኣዚዩ ካብ ኩሉ ዝተፈለየ ቦታ ኸኣ ጽምዋ ተሰምዖ እንቲ ናይ ቀደም ናይ በይንነት ሰዓት ከይምለሶ ኸኣ እምብዛ ሰገኣ ናብ ናይ ቀደም በቱኡ ክምለስ ከኣ ወሰነ። ምናልባት እቲ ጋሻ ንበትኡ ሒዝዎ ዘሎ ኣብዚ ጊዜ እዚ ኣብኡ ደቂሱ ይህሉ ይኸውን ብድኻም ተሰኒፉ ካብቲ ጎቦ ወሪዱ ናብቲ ናይ ቀደም ዝነበሮ እንዳ መዕረፊ ኣጋይሽ ተመልሰ።ኡ ዝነበረ መብልዕ ማል ምስኣተወ ሓደ ዘንጸባርቕ ብርሃን ረኣየ ሓደ ኣድጊ ኸኣ ብሩፍታ ደቂሱ ተዓዘበ ሓደ ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ኣብኡ ነበሩ። እዞም ኣጋይሽ እዚኣቶም ኣብቲ ማዕጾ መሕደሪ ደልዮም ደው ኢሎም ከም ዝነበሩ ዘከሮም ኣብቲ ሓሰር ደቂሶም ከኣ ናብ ገለ ነገር ይጥምቱ ከም ዘለዉ ኣስተዎዓለ። እናዳፈርሕን እንዳ ረዕደን ነቲ ሓድሽ ኩነት ክርኢ ቀስ ኢሉ ቐረበ ኣብቲ ንሱ ዝድቅሰሉ ቦታ ሓደ ቖልዓ ደቂሱ ረኣየ። ንነዊሕ ሰዓታት ደው በለ ናብቲ ናይ ንእሽቶይ ቆልዓ ገጽ ከኣ ብኣተክሮ ጠመተ ማንም ከኣ ኣይተንቀሳቐሰን። ከምዚ ኢሉ እናተዓዘበ ኸሎ ኸኣ ካብ ደገ ሓደ ብርቱዕ ጫውጫውታን ወኻዕታን ናይ ጓሶት ተሰምዐ። ብሓንሳብ ከኣ ናብቲ ሕጻን ዘለዎ ቦታ ድው በሉ እሞ ሓቢሮም ኣብ ቅድሚኡ ናይ ሓጎስ ንብዓት ነብዑ። ገዛእ ርእሶም ምስ ኣተሃዳድኡ ኸኣ ናብ ወለዶም ቐሪቦም እቶም መልኣኽቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ መብላዕ ማል ዝተውልደ ክርስቶስ መሲሕ ምዃኑ ከም ዝገልጽሎም ኣዝንተውሎም ንዕኡ ኸኣ ከምልኽዎ ከም ዝመጹ ነገርዎም። እቶም ወለዱ እዚ ነገር ምስ ሰምዑ ዝፈልጥዎ ሓቂ ስለ ዝነበረ ናብቲ ህጻን ኣተኩሮኦም ጌሮም ርእሶም ብምንቕናቕ መለስሎም። እቶም ጓሶት ከአ ኣብት ኢደቂስዎ ዝነበረ ሓሰር ብምቕራብ ሰገድሉን ኣምለኽዎን ንኣምላኽ ኸኣ ስለእቲ ምስተንክር ስርሑን ግብሩን ኣመስግንዎ።

ከምዚ እናገበሩ ከለዉ ኸኣ እቲ ዝተበታተኸ ክዳን ዝገበረ ወዲ ብምሉኡ ኣቓልብኡ ናብቲ ብንእሽቶይ ዓለባ ዝተጠቕለለ ህጻን ኮነ። እቲ ህጻን ኣዒንቱ ከፊቱ ነቲ ወዲ ኣቶኪሩ ጠመቶ። ንነዊህ ጊዜ ዝኾነ ድምጺ ኣይነበረን ማንም ከኣ ኣይተንቀሳቐሰን። እንተኾነ እቲ ህጻን ነቲ ወዲ ኣቶኪሩ ምስ ጠመቶ እቶም ጓሶት ዝተዛረብዎን ሓቂ ምዃኑ ፈለጠ ነቲ ኣግራብን ንፋስን ኣካውሕን ዝመሃርዎ ትምህርቲ ኸኣ ኩሉ በብሃደ ዘከሮ። እሶ ሕጻን እዚ መድሓኒኡ ምዃኑ ኣርጊጹ ፈለጠ። ኣብዛ ምሸት እዚኣ ኸኣ ንዘልኣለም ንዕኦ ክኸውንን ከምልኽን ልቡ ነዚ ህጻን ሃቦ። ብድሕሪ እዚ ኸኣ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ሓሰበ። ንገዛእ ርእሱ ከይሃሰብ ኸኣ እታ ዝውንና ዘላቶ ሓንቲ ኮፖርታን እታ ዋና መዕረፊ ኣጋይስ ዝደርበየሉ ቑራጽ ኦኣለባን ነታ ኮፖርቱ ኣልዒሉ ነቲ ህጻን ከደኖ። ከምዚ ክገብር ውሽጡ ደሪኽዎ እዩ ኣፉ ኸፊቱ እካ ክዛረብ እንተደለየ እንትርፎ ሕሽኹሹኽታ ካልእ ክዛረብ ኣይከኣለን ብህዱእ ድምጺ ከኣ ገዛእ ርእሱ ከምዚ ኢላ ክትዛረብ ሰሞዓ

<<ጎይታይ እታ ዘላትኒ ኮፖርታ ከተማምቐካ ውሰዳ>> ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ድንቂ ናይ ድንቅታት ትብል መዝሙር ዘመረሉ። ድምጹ ከም ናይ ከውሒ ዓሚቕ ከም ናይ ንፋስ ጥዑም ከም ናይ ኣግራብ ሓሸሽ ዝብል ነበረ እዚ ናታቶም መዝሙርን ኣሞልኾን ነት ኢዓቢ ኣምላኽን ነቲ ንነዊህ ዘመናት ዝመሃሮም ኣምላኽ እዩ ዝነበረ። እቶም ኣግራብን ንፋስን ኣካውሕን በት ኢዝነበሮም ጥበብን ፍልጠን ንኣምላኽ ከምልኽን ከገልግልን ነቲ ወዲ ሚህሮሞ እዮም።

ሽሕ እኳ እዚ ወዲ ዓብዩ ኣርጉ እካ እንተ ሞተ ድምጹ ግና ምስ ኣካውሕን ገረብን ንፋስን ኮይኑ ንኻልኦይት ከምኡ ሕጻናት ነዚ ድምጺ ምስጋናን ኣምልኾን ምድሓንን ከመሓላልፈሎም እዩ።