08
Mon, Sep
0 New Articles

"ስነ ጹሑፍ ኣብ መንፈሳዊ ዓለም" ቃል ምልልስ ምስ ኣ. ኣማኑኤል ጠዓመ Part 1

Literature
Typography

አሪ-ወንጌል : መጀመርታ ምስ  ገዛእ ርእስኻዶ ነንበብትና ምስ ኣለላኸልና?

ኣማኑኤል ጠዓመ : ኣማኑኤል ጠዓመ እበሃል በዓል ሓዳርን ኣቦን ክልተ ቖልዓን እየ። ብ 1987 ወዲ 9 ዓመት ከይመላእኩ እየ ንጐይታ ረኺበዮ። 

አሪ-ወንጌል : ሓዉና ኣማኑኤል  ኣብዚ ናይ ስነጽሑፍ ጽሑፍ ኣገልግሎት ማለት ኣብ ምትርጋም፡ ኣብ ምጽሓፍ ከምእዉን ከም  መጽሄት ኣዋሃሃዲ፡ ሓጸርቲ መልኽትታት ብምድላዉ ትሳተፍ ኢኻ። ከመይ ኢልካ ናብዚ ኣገልግሎት ኣቲኻ?


 

ኣማኑኤል ጠዓመ :  ናብ ናይ መንፈሳዊ ስነ ጽሑፍ ኣገልግሎት ዝኣተኹሉ እዋን ብ 1998 እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ብዙሕ ሕቶታትን ገድልን ስለ ዝነበረኒ ኣብ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ግድል ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፣ ሓንቲ በራርቲ ጽሕፍቲ ኣብ ላይብረሪ ናይ ሕብረት ክርስትያናት ዩኒቨርስቲ ኣስመራ “ኣጋጣሚ” ብዝመስል ኩነት ጸኒሓትኒ፣ እታ ጽሕፍቲ “ሰዓሪ ህይወት” ካብ እትብል ናይ ዎችማን ኒይ መጽሓፍ ዝተጸምቆት እያ።” እቲ ጽሑፍ “ክርስትያናዊ ህይወት ትልውጦ ዘይኮነስ ትለዋወጦ እዩ፣ ትበጽሖ ዘይኮነስ ትቕበሎ እዩ” ብዝብል ሓሳባት እዩ ዚጅምር፣ በቲ ጽሑፍ እቲ ውሽጠይ ስለ ዝተተንከፈን ስለ ዝሞቐን ድማ እየ ንኸምዚ ከማይ ኣብ መንፈሳዊ ቕልስ ዝርከቡ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ናብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት “ከይተፈለጠኒ” ኣትየ።  እቲ ኣነ ዝረኸብክዎ መንፈሳዊ ማና ተሓቢአ ክበልዖ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይተራእየንን! በዚ ኸምዚ ናብዚ ኣገልግሎት እዚ ተጸንቢረ።

አሪ-ወንጌል : እተን ንስኻ ዝጽሓፍካየንዶ ሕጽር ብዝበለ ምስገለጽካየን? ስለምንታይከ መሪጽካየን? ኣየናይ ዕላማ ነይሩካ ክትጽሕፈን ኮለኻ?

ኣማኑኤል ጠዓመ : ዛጊት ዝተርጐምኩወን መጻሕፍቲ ጠቕላላ 9 እየን።

“ምቕማጥ ምምልላስ ደው ምባል” ብዎችማን ኒይ ዝተጻሕፈት እያ። ክርስትያናዊ ህይወት ኣብቲ ውዱእ ዕዮ ሞትን ትንሳኤን ዕርገትን ክርስቶስ ዝምርኮስ መለኮታዊ ህይወት ምዃኑ እተገልጽ ንእሽቶ ግን ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፍ እያ፣ ንዓይን ንብዙሓት ካልኦት ኣሕዋትን ካብ መንፈሳዊ ገድልን ዘይድሊ ከንቱ ጻዕርን ዘናገፈት ብልጽቲ መጽሓፍ እያ።

“ናብ ብጽሕና ንሕለፍ”  እዚኣውን ናይ ዎችማን ኒይ ኮይና ካብ ብዙሓት ናይ ዎችማን ኒው መጻሕፍቲ ኣዋጺአ ዘዳለኹዋ እያ። መለኮታዊ ፈውሲ፣ ሬማን ሎጎስን፣ መንፈሳዊ ውህበት፣ ምንጣቕን ካልኣይ ምጽኣትን፣ ደም የሱስ እዚን ከምዚ ዝኣመሰሉ 12 ኣገደስቲ ኣርእስትታትን ዝሓቐፈት እያ።

“ድጉል ሓይሊ ነፍሲ” እዛ መጽሓፍ እዚኣውን ናይ ዎችማን ኒይ ኮይና ኣብ መንጎ ነፍሳዊን መንፈሳዊን ኣገልግሎት ዘሎ ፍልልይ እትገልጽ ኣዝያ በዳሂት መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዙሓት ሰባት ኣገልግሎቶም ንምፍታሽን ንምጽራይን ክትከውን ከላ ብገለ ኻልኦት ድማ ኣዝዩ ተሪር ተቓውሞ ዝገጠማ እያ።

“ፍልጠት እቲ ቕዱስ” እዚኣ ብ ዶ/ር ኣይደን ዊልሶን ቶዘር ዝተጻሕፈት ኣዝያ ኣዝያ ኣገዳሲት መጽሓፍ እያ። ዶ/ር ቶዘር  ኣብ ባህሪ ናይቲ መለኮታዊ ኣምላኽ ዝገበሮ ቕቡእ መጽናዕትታት ዝጠርነፈት እያ። ኣብ ዙርያ ኣምላኽ ስለ ትዛረብ፣ ቃላታ ረዚን፣ ሓሳባታ ጥልቒ፣ ሰዋስዋዊ ኣቀማምጣኣ ድማ ቁርብ ክብድ ዚብል እዩ፣ ግን ነቲ ሃዲኡ ተጠንቂቑ ዘንብብ ሰብ ከም ኣብ ምድረ በዳ ዘሎ ዓይኒ ማይ እያ፣ ብኣረኣእያይ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ክሳብ ሕጂ ዝረኸብክዋ ዝበልጸት መጽሓፍ እያ።

“ንኣምላኽ ምኽታል” እዚኣ ድማ ናይ ቶዘር እያ። ንኣምላኽ ብኸመይ ክንረኽቦ ከም እንኽእል እተገልጽ ኣዝያ ብልጽቲ መጽሓፍ እያ። ኩሉ ንኣምላኽ ክፈልጥን መቐረት ሓቀኛ ክርስትያናዊ ህይወት ክለማመድ ዝደሊን ዘበለ ኩሉ ድማ ግድን ከንብባ ዘለዎ መጽሓፍ እያ።

“ምስጢር ፍቓዱ” እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብሓውና ፕሮፌሶር ክርስትያን ቸን ዝተጻሕፈት እያ። እዚ ፍረ ናይ ኣገልግሎት ዎችማን ኒይ ዝኾነ ሓው ብዛዕባ “ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ” እዩ ገሊጹ ዝዛረብ።  ኣብ ኤፌሶን ዘማእከልት ኮይና። ዘለኣለማዊ ምኽሪ ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስን ማሕበሩን ዝጥቕለል ምዃኑ እያ ተስተምህር።

“እስራኤል” እዛ መጻሕፍ እዚ ካብ ብዙሓት ጽሕፋትን ኣገልግሎታትን ኣዋጺአ ዘዳለኹዋ እያ። ክርስትያን ኣማኒ ብዛዕባ እስራኤል ዘለዎ ፍልጠት ድሩት፣ ዝተበታተነን ዝንቡዕን ብምዃኑ ነዚ ኣረኣእያ እዚ ንምእራምን ሃገረ እስራኤል ኣብ ምኽሪ ኣምላኽ ዘለዋ ተራን ንምግላጽን ተባሂላ ዝተዳለወት እያ

“ዳሕሮት ግዝያት” እዚእ ድማ ካብ ስብከታት ክርስትያን ቸን ዘዳለኹዋ እያ። ትንቢታዊ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስን ተራኦም ኣብ ዳሕሮት ግዝያትን ዘርዚራ እትገልጽ እያ።

“መኣዲ ጐይታ” እዛ መጽሓፍ እዚኣ ካብ መገላግልቲ ዎችማን ኒይ ዝነበረ ሓውና ስተፌን ካውን ዝወሰድኩዋ እያ። ብዝዕባ መኣዲ ጐይታ ወይ ብናይ ልሙድ ኣጸዋውዓኡ “ቅዱስ ቁርባን” እያ እትዛረብ። ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ዘሎ ንድራር ጐይታ ዝምልከት ዝተዛናበዐ ኣመለኻኽታ ንምእራም ተባሂላ ዝተዳለወት እያ።

አሪ-ወንጌል : ኣገዳስነት ስነጹሑፍ ብፍላይ ኣብ ዘመና ከመይ ትግምግሞ?

ኣማኑኤል ጠዓመ :   ኣብ ዘመንና ኣብዚ ዘለናዮ ዳሕሮይ ዘመን ኣገዳስነት ስነ ጽሑፍ ብዘይ መጠን ዓቢ እዩ።  እዛ ሕጂ ኣብኣ ንነብር ዘለና ዓለም ብስነ ጽሑፍ  እያ እትዝወር እንተ በልና በቲ ሓደ ወገን ምግናን ኣይኮነን። ስነ ጽሑፍ ክብል ከለኹ ብ ወረቐት ተደብቲሩ ዝተዳለወ ጽሑፋት ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ብፍኲስ ቕዳሕ ብመገዲ ኢንተርነት ካልእ መራኸቢታትን ዝዝራጋሕ ዘጠቓልል እዩ። ታራ ስነ ጽሑፍ ኣብ ምቅላልን ምቅልጣፍን ርክባት፣  ምቅርራብን ምምእካልን ሓሳባት፣ ምቕያስን ምምእዛንን ርእዮተ ዓለም፣ ኮታ ንሕብረት ሰብ ዓለም ናብ ድሌትካ ክትዝውረሉ እትኽእለሉ ሓደ መሳርሒ እዩ። እቲ ስልጡን ኣምላኽ ነቲ ዘለኣለማዊ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ኪጽሓፍ ምፍቃዱ ድማ ኣገዳስነት ናይ ስነ ጽሑፍ ዘርኢ እዩ።

አሪ-ወንጌል : ብወገንካከ ስነ ጽሑፍ ኣብ ዓንኬል ተዛረብቲ ትግርኛ ከመይ ትግምግሞ?

ኣማኑኤል ጠዓመ : ኣብ ተዛረብቲ ቋንቃ ትግርኛ ዘሎ ቀረብ ስነ ጽሑፍ ድሩት እዩ። ብእኡ መጠን ድማ እቶም ተጠቐምቲ ድሩታት እዮም። ይኹን እምበር እዚ  ተርእዮ እዚ ካብ ግዚ ናብ ግዜ እንዳ ተማሓየሸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።

አሪ-ወንጌል : ኣብ ናትና ዓንኬል ንኽምዕብል ይኹን ኣድማዒ ዊጺኢት ንዒዮ ወንጌል ክርከበሉ፡ ኣብ ስነ ጽሑፍ ዘገልግሉ ሰባት እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ትብል?

ኣማኑኤል ጠዓመ :  ኣብዚ ዓውዲ ኣገልግሎት እዚ ዝነጥፉ ኣሕዋት፣ ክኾንዎ ዘለዎም ብዙሕ ነገር ኣሎ። ቀዳማይ ዝሰርዖ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ እዩ። ምድላው መንፈሳዊ ስነ ጽሑፍ ካብ ዝኾነ ዓይነት ካልእ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝፍለ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ዝያዳ ሓላፍነትን ተዋፍይነትን ይሓትት እዩ። ከመይሲ ስነ ጽሑፍ  ሓንሳእ ምስ ተዘርገሐ፣ እንተ ንጽቡቕ እንተ ንኹፉእ ክትቆጻጸሮ ብዙሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ ኩሉ ኢዱ ናብዚ ኣገልግሎት እዚ ከዋፍር ዝደፍር ኣማኒ መንፈሳውነት ዝፈልጥ ሰብ ኪኸውን ኣለዎ እብል። ደሓር ስነ ጽሑፍ ናይ ገዛእ ርእሱ ሕጊን ኣገባብን ስለ ዘለዎ፣ እቲ ኣብዚ ዝነጥፍ ሰብ ትጉህ፣ ኣንባቢ፣ ናይ ተማሃሪ ልቢን እዝኒን ዘለዎ ምቕሉል ሰብ እዩ ክኸውን ዘለዎ።  ብፍላይ ድማ መቐረት መንፈስ ቅዱስ ዝፈልጥን ዝተለማመደን  ሰብ እንተ ኾይኑ ኣገልግሎቱ ብዘይ መቐረት ኪኸውን ፍጹም ኣይክእልን እዩ።

 

 

(2ይ ክፋል ንምንባብ ኣብዚ ጠውቁ >>)