እቲ ናይ ዓለም ዝበለጸ ክብረ ወሰን ዝምዝግብ መጽሓፍ ጊኒስ ኦፍ ሪከርድ ዝተባህለ ካብ 1815 ክሳብ 1975 ዓም ጥራይ ኣስታት 2.5 ቢሊዮን ቅድሓት መጽሓፍ ቁድስ ተሸይጡ፣ እዚ ኣብዚ ውሽጢ 30 ዓመት ዝተሸጠ ከይደመርካ እዩ።። ኣብ ዓለም ብዝርግሓ ዛጊት ንመጽሓድፍ ቁዱስ ዘረከበ የለን።። ካብ 1976 ጀሚሩ ሓደ ቱዳይ'ስ ኢንግሊሽ ቨርዥን ዝተባለ መጽሓፍ ቁዱስ ዛጊት ክሳብ 118 ሚልዮን ቅድሓት ተሸይጡ ከምዘሎ ጊኒስ ኦፍ ቡክስ ይገልጽ።
እዚ ዘርኣየን መጽሕፍ ቁዱስ ጊዜኡ ዝሓለፎ መጽሓፍ ዘይኮነስ ገና ህያው ኮይኑ ይነብር ከምዘሎ መርኣያ እዩ።። ገና ድማ ዝርጋሔኡ መዘና ኣልቦ ከይኑ ኣሎ።። ስለዚ እዚ መጽሓፍ እዚ ናይ ቀደም እና መሰለካ ጥራይ ኣብ ከብሕኻ ኣቐሚጥካዮ ዘለኻ እዚ ተረዲእካ ከተንብቦ ጀምር።።
መጽሓፍ ቁዱስ ኣገዳሲ ድዩ?
መጽሓፍ ቁዱስ ካብ ኩሉ ዝተጻሕፈ መጽሓፍቲ ንላዕሊ መጥቓዕቲ ዝወረዶ መጽሓፍ እዩ። ከም መጽሓፍ ቁድስ ዝብለ መጥቃዕቲ ዝወረዶ መጽሓፍ ድማ ብፍጹም የሎን። እንተ ኾነ ኣብ ዓለም ንዘለዉ ብሚሊዮናት ንዝቑጸሩ ሰባት ኣገልጊሉን የገልግልን ኣሎ። ንኣሽሃት ዓመታት ድማ ከምኡ እንገበረ ይቕጽል ኣሎ። ባህሪ እዚ መጽሓፍ እዝን እቲ ዘገርም ጽልዉኡ ኣብ ደቅሰባት ንምፍላጥን ንምርዳእን ናይ ኣወዳትን ኣዋልድን ምስትውዓል ይሓትት እዩ። ሰር ዋልተር ስኮት ክመቱ ኣብ ዝተዳለዉሉ እዋን ንሎክሃርት ዝተባህለ ስበ መጽሓፍ ከንብበሎም ኣዘዝዎ። ንሱ ድማ ኣብቲ ብስር ዋልተር ስኮት ዝተጻሕፉ ኣብ ከብሒ መጽሓፍቲ ተደርዲሮም ዘለዉ መጽሕፍቲ ብምኻድ ኣየናይ መጽሓፍ ከንብበልኩም? ኢሉ ሓተቶም። ስር ዋልተር ድማ „ስለምንታይ ትሓተኒ ሓደ መጽሓፍ ጥራይ እዩ ዘሎ መጽሓፍ ቁዱስ ኣመጻኣለይ" እወ እቲ እንኮ መጽሓፍ ናይ ህያዋንን ናብ ሞት ገጾም ዘምርሑ ዘለዉ ሰባት ተስፋ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዩ።። ብዝሓት ሰባት ክሳብ ኣብ ናይ ሞት ዓራት ተሰቒሎም ካብ ዓለም ንምስንባት ዝቃረቡላ እዋን ወይ ድማ ኣብ ብርቱዕ ጸገም ክሳብ ዝኣትዉ ጊዜ ንመጽሃፍ ቁዱስ ኣቓልቦ ኣይህብሉን እዮም። መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ ጊዜ ጭንቅኽእን መከራኻን ዓቢ መጸናኒዒ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዘመን ዕድሜኻ ድማ ብዓወትን ህይወትን ከመላለሰካ እዩ። ስለዚ ነዚ መጽሓፍ ጨብጦ። እዚ መጽሓፍ እዚ ጥራይ እዩ ንሎሚ ክትጋፈጣ ዘኽእለካን ኣብዛ ዓለም ከምይ ጌራካ ክትመላለስ እናሓበረ ድማ ብዛዕባ ጽባሕ ርግጽነት ህይወት ዝህበካ።። እዚ መጽሓፍ እዚ ጥራይ እዩ ነቲ ኣብ ህይወትና ዝመጽእ ሓደጋን ሓዘንን መጸናንዕን መውጽእን ክህበናን ክሕብረናን ዝኽእል። መጽሃፍ ቁዱስ ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ዝተፈልየ መጽሓፍ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ኦኣቢ ጽልዋ ዝገደፉ ዓበይቲ ሰባት ህይወቶም ዝቐየረ መጽሓፍ እዩ። እስከ ገለ ገለ እዞም ሰባት ዝተዛረብዎ ክጠቕስ።
ሓደ ናይ ኣፍርቃ ልዕሉ ንንግስቲ ቪክቶሪያ ህያብ ክህባ ናብ ሃገረ ኢንግሊዝ መጸ። እቲ ልዕል ድማ ነታ ንግስቲ ሓደ ኣገዳሲ ሕቶ ሓተታ „ ሚስጥር ዕቤት ሃገረ ኢንግሊዝ እንታይ እዩ" እታ ንግስቲ ሓደ ጽቡቕ ዝተጠቕለለ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ ነቲ ልዑል ከም ህያብ ብምሃብ ከምዚ በለቶ „ እዚ እዩ ሚስጥር ዕቤት ሃገረ ኢንግሊዝ" ሃገረ ኢግሊዝ ካብ ላዕላዋይ ደረጃ ዕቤት ናብ ኣዚዩ ዝኸፈኣ ታሕታዋይ ደረጃ እንተ ወዲቓ እቲ ሚስጥር ፍሉጥ እዩ ንሱ ድማ ካብ ኣምላኽ እንተ ሪሒቓ ጥራይ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ግላድስቶን ሓደ ካብቶም ዓዲ እንግሊዝ ዘፍረየቶም በሊሕ መራሒ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ። „ ብዛዕባ ናይዚ ጊዜ እዚ ሕቶ ተዛረቡ ሓደ ሕቶ እወ እንኮ ሕቶ ብዛዕባ ወንጌል ጥራይ እዩ። እሱ ጥራይ እዩ ክገብርን ንኹል ክልውጥን ዝኽእል። ኣብ ጽፍሒ መሪሒነት ዓዲ እንግሊዝ ዘለዎ ሰብ ስልጣን ክርስትያናት ስለ ዝኾኑ ኣየ እየ ዝሕጎስ። ኣነ ንሓምሳን ሾመንተን ዓመታት ኣብ ህዝባዊ ሓልፍነታት ካብኣተን ድማ ዓሰርተው ሕደ ዓመታት ኣብ ናይ ዓዲ እንግሊዝ ካቢኔ ጸኒሔ እየ። ኣብዘን ኣርባዓን ሸውዓተን ዓመታት ድማ ምስቶም ኣለዉ ዝባሃሉ ሱሳ ሰባት ተራኺበን ብሓንሳብ ሰሪሔን እየ እንትርፎ እቶም ሓሙሽተ እቶም ዝተረፉ ሓሙሳን ሓሙሽተን ክርስትያናት እዮም ኔሮም"። ኣነ ብግለይ ክሓስብ ከለኹ እቲ ሎሚ ኣብ ዓለምን ብግልናን ዘጋጥመና ዘሎ ጸገም ምኽንያቱ እንታይ እዩ እንተ ተባህለ ኣብቲ ዕላዋይ ጽፍሒ መሪሒነት ዉሑዳት ክርስትያናን ዉሑድታ ንቓል ኣምላኽ ዝፈልጡ ሰባት ስለ ዘለዉ ጥራይ እዩ።
ሚካኤል ፈራዳይ እቲ ኣብ 1800 ዓቢ ሳይንትስቲ ዝነበረ ሰብ ስለምንታይ እዮም ሰባት ፋልል ዝኸዱ እዚ ቡሩክ ዝተቐደስ መጽሓፍ ከለዎም? ክብል ተዛሪቡ። እቲ ብድሕሪኡ ዝመጸ ፍሉጥ ሳይንትስት ዝነበር ኣይሳኽ ኒውተን ብወገኑ „መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ስለ ዝኾነ ሰባት ኣብ ሰዓት ሓሙሳ ማይልስ ዝጓዓዙል ጊዜ ክመጽእ እዩ" ክብል ተዛሪቡ።
ብዛዕባ እቶም ናይ ቀዳሞት ናይ ኣሚሪካ ፕሬዝደንትታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቁዱስ ዝተዛረብዎ መሳቲ ዝኾነ ነጥብታት እስከ ክንሪኢ። ጆን ኣዳምስ እቲ ካልኣይ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝደንት ከምዚ ኢሎም ፕሬስደንት ኪንሲይ ኣዳምስ ድማ „እነ ከም ሰብ ንሰባት ይዛረብ ኣለኹ ይብለኩም ድማ ኣለ ኹ ብጹሑፋት መጽሓፍ ቁዱስ ፈትሽዎም መጽሃፍ ቁዱስ ካብ መጽሓፍቲ እቲ ዝበለጸ መጽሓፍ ኣብ ዘመናት ኩሉ ኣብ ኩሉ ኩነታት ደቂ ሰባት ሓንሳብ ወይ ክልተ ሳዕ ዘይኮነስ መዓልታዊ ክንበብ ዝግብኦ መጽሓፍ እዩ" ክብሉ ተዛሪቦም። እቶም ናይ ቀደም ናይ ኣሚርካ መራሕትና ይብል እዚ ጸሓፋይ ንሃገርና ኣሜሪካ ዓባይ ሃገር ዝገበርዎ ጸገምና ክፈትሑ ንዓና ኣብ ናይ ካልኣ ሃገር ኩናት ኣይሸሞምናን። ገለ ገለ እዚ ዘሎና ጸገም ምስቲ ቀደም ዝነበር ፈጺሙ ኣይመዛዘንን እዩ። ናይ ቀደም መራሕትና ዝነበሮም ጸገም ሒደት እዩ እናበሉ ይካትዑ። ከምኡ ኣይኮነን እቲ ሚስትር ሃገር ኣሜርካ ኮነት ኢንግላንድ ካብ እቲ ብሩኹ ናይ መድሓኒና ቃል ኣምላኽ ስለ ዝተኣልያ ጥራይ እዩ። ብመጠን ካብኡ ዝረሓቕና ድማ እንሆ ሽግርና እምብዛ እናተሓላለኸ ይኸይድ ኣሎ።። ኣብዚ እዋን እዚ ብዝሓት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸገም መፍቲሒ የብሉን ክብሉ ይስምዑ ኣለዉ። ስለዚ ድማ እየ መጽሓፍ ቁዱስ ዝምህር ዘለኹ። እቲ እንኮ መፍቲሒ ድማ መጽሓፍ ቁዱስ እዩ። እቲ ክንገብሮ ዘሎና ኣማራጺ ናብ ቃል ኣምላኽ ምምላስ ጥራይ እዩ። ካልእ ፕሬስደንት ቶማስ ጀፈርሰን ክዛረቡ ከለዉ ድማ „ ከምቲ ዝበልክዎ ኩሉ ጊዜ ድማ ዝብል እቲ ዝበለጸ ዜጋ ዝበለጸ ሰብኣይ ዝበለጸ ኣቦ ዝገብር እዚ ህያው ዝኾነ መጽሓፍ ቁዱስ ጥራይ እዩ" ሎሚ ኣዚና ክንሓስብ ይግባኣን ኣብዚ ሃገራት ብዜጋታተን ዞዓንዋሉን ፍትሕን ርኽሰትን ድማ ዝበዝሃሉን ዘሎ እዋን ሚስትሩ እዚ ቃል እዚ ኣቃልቦ ስለ ዘይረኸበ ጥራይ እዩ። ዳኔል ወኢብስተር ክዛረብ ከሎ „ ብዛዕባ ዘሎኒ ኣተሓሳስባን ፍልጠትን ክብሪ ክወስድ ዝግብኦ እቶም ካብ ንእስነተይ ጀሚሮም ፍቕሪ መጽሓፍ ቁዱስ ክሓድረኒ ዝደረኹኒ ወለደይ እዮም" ይብል። ሎሚ ኸ ንስካትኩም ክርስትያን ወለዲ? ኣብ ገዛኹም ከም ዳኔል ዌብስተር ዝበለ ሰብ ዶ ተፍርዩ ወይ ዓማጺ ሰብ? ዌብስተር ብምቕጻል „ ንመጽሓፍ ቁድስ ደጋጊመ ኣንቢበዮ እየ ኣብ ዓመት ሓንሳብ ከንብቦ ድማ ከም ልማድ ተታሓሒዘዮ ኣለኹ እዚ መጽሃፍ እዚ ንኹሎም ሙሁራትን ጠበቓታትን ዝጠቅም እዩ ኣቶም ካብዚ ኣብዚ መጽሓፍ ዘሎ ሃብታም ሓሳባትን ናይ ህይወት መምሪሒን ዘይወስዱ ሰባት ኣዝዮም እዮም ዘደንጉጽኒ" ይብል።
ኣብ ምብራቕ ተወሊዱ ዘንጸባርቕን ዜጌጸን ቅርጽን መልክዕን ለቢሱ መጽሓፍ ቁዱስ ብፍሉጣት ኣእጋር ናብ ሙሉእ ዓለም ይሕንበብ ኣሎ ኣብዘላ መሬት እናዞረ ድማ ነቶም ናቱ ይረኽቦም ኣሎ። ብኣሽሓት ቃንቃታት ድማ ንብዘሎ ልቢ ፍጥረት ይዛረብ ኣሎ። ናብ ቤተ መንግስቲ ኣትዩ ንነገስታት ባሮት ኣምላኽ ምኻኖም ይነግር ኣሎ። ናብ ታሕትዎት ብምውራድ ድማ ውሉድ ኣምላኽ ውኻኖም የበስሮም ኣሎ። ሕጻናት ንታሪኹ ብሓጎስን ምግራምን ይሰምዕዎ ኣለዉ። መስተውዓልቲ ናይ ህይውቶም መሪሒ ምኻኑ ፈሊጦም ይስዕብዎ ኣለዉ። እዚ ቃል እዚ ኣብ ጊዜ ሓደጋ ናይ ሰላም ቃል እዩ። ኣብ ጊዜ ጸልማት ናይ ብርሃን ቃል እዩ። ምኽርታቱ ኣብ ኣኼባ ብዙሓት እዩ ዝድገም። ምጽንንዕ ኣብ ኣእዛን እቲ በይኑ ዘሎ ሰብ ይበጽሕ። ልቢ እቲ ሓመጸኛን ትዕቢተኛን የርዕድ። ንቶም ትሑታትን ልቦም ንዝተሰብረን ግና ከም ናይ ኣደ ድምጺ እዩ።። እቲ ኣጻምእን ምድረበዳን ብእኡ ይሕጐስን ይሰራሰርን። ምግላጽ ቃሉ ንልቢ የብርሆ። ኣብ ሕልምና ጉሁድ ይኸምን ምሕዝነትን ምጽንናዕን ተውፋይነትን ተስፋን ዝተሓንገጠ እዩ። ሄነርይ ቫን ድይክ
በየናይ መንገድታት እዩ መጽሓፍ ቁዱስ ፉሉይ ዝኾነ?
ብብዙሑ መገድታትን መዐቀኒታትን መጽሓፍ ቁዱስ ፍሉይ መጽሓፍ እዩ። ንኣብነት ክልተ ወይ ድርብ ጸሓፍቲ እዮም ዘለዉዎ። ኣምላኽ ጸሓፊ ናይ መጽሓፍ ቕዱስ እዩ። ብኻልእ መንገዲ ድማ ሰብ ጸሓፊ ናይ መጽሓፍ ቁዱስ እዩ። ኣርብዓ ዝኮነ ጸሓፍቲ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 1500 ዓመታት ንመጽሓፍ ቁዱስ ጺሒፈውዎ። ገለ ካብዞም ጸሓፍቲ ብዛዕባ ካልኦት ሰሚዖምን ርእዮሞምን ኣይፈልጡን እዮም። ኣብ መንጎ እዞም ኣርብዓ ድማ ምንም ዓይነት ምግጫው የሎን። ክልተ ወይ ሰለስተ ብሓንሳብ ዝተራኸቡ ክህልዉ ይክእሉ እዮም ካልኦት ግና ብፍጹም ኣይፋለጡን እዮም። እንተ ኾነ ኣብ ዓለም መዘና ኣልቦ ዝኮነን ንሓድሁዱ ድማ ዘይጋጮን መጽሓፍ ኣረኪቦም ሓሊፎም። ነፍሲ ወከፍ ጸሓፈ ኣብ ዘዘመኑን ትውሉዱን ናቱ መግለጺታትን ስሚዒታትን ኔርዎ እዩ። ነፍስ ወከፎም ድማ ሕጽረታት ኔርዎም ጊጋ ድማ ይፍጹሙ ኔሮም። ንባዕሉ ሙሴ ጌጋ ፈጺሙ እዩ ግና ነተን ሓሙሽተ ናይ ሕጊ መጽሓፍ ክጽሕፈን ከሎ ዝኾነ ዓይነት ጌጋ ወይ ድማ ዘይከውን ኣይጸሓፈን። ትርእዩ ዘለኹም ብሰባት ዝተጻሕፈ እዩ ግና ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ እዩ።
ሰብኣዊ መጽሓፍ እዩ ብዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ዓወዲ ጽፍሒ ዘለዎ ሰባት ዝተጻሕፈ ገሊኣቶም ዓቢ ቦታን ክብርን ዝነበሮም ልዑላን ሙሁራት እዮም ገለ ድማ ዘይተማህሩ ሰባት እዮም። ንኣብነት ሉቃስ ኣብቲ ቋንቋ ግሪኽ ህቡብ ዝነበረሉ እዋን ብቛንቋግሪኽ ዝጸሓፈ ግሪኻዊ እዩ። ዝነበሮ ናይ ግሪኽ ፍልጠት ድማ ኣዚዩ ዘገርምዩ። ጴጥሮስ ግና ገፋፊ ዓሳ እዩ ኩሩብ ግሪኽ ጺሒፉ ይኽእል እዩ። ንፉዕ ኣይኮነን። ይኹን እምበር እቲ ኣምላኽ ዝኾነ መንፈስ ቁዱስ ንኽልቲኣቶም ተጠቂሙሎም። ንሱ ብልክዕ ሓሳባቶም ስሚዒታቶም ክገልጹ ፈቒድሎም እዩ። ይኹን እምበር በዚ መስርሕ እዚ መንፈስ ኣምላኽ ላዕላዋይ ኢድ ብምጭባጥ እቲ ኣምላኽ ክዛረቦ ዘለዎ ኩሉ ብዘይገዶሎ ክጽሕፍዎ ጌሩ። እዚ ድማ እዩ ኣገራምነት ናይዚ መጽሓፍ እዚ።
መጽሓፍ ቁዱስ
እዚ መጽሓፍ እዚ ናይ ኣምላኽ መጽሓፍ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ 2500 ጊዜ „ኣምላኽ ከምዚ ይብል ጎይታ ከምዚ በለ ወዘተ" ዝብል ተጠቒሱ ኣሎ። ኣምላኽ በዚ ቓል እዚ ከም ዝተዛረበ ንጹር ጌርዎ ኣሎ።። እዚ መጽሓፍ እዚ ንዓኻ ህይወት ዘመሓላልፍ መንገዲ እዩ። ንስኻ ዉሉድ ኣምላኽ ክትከውንን ዳግማይ ክትውለዱ ትኽእል ኢኻ። „ብህያውን ንዘልኣለም ብዚነብር ካብ ዘይጠፍእ ዘሪ እምበር ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን እተወለድኩም" ። ኣምላኽ ምስ ሰባት ዝራኸበሉ መጽሓፍ እዩ። ኣምላኽ ካብ ሰማይ እንተ ዝዛረብ ተመሊሱ ነቲ ሓንሳብ ኣብ ቃሉ ዝተዛረቦ እዩ ዝደግሞ ከምይሲ ንሱ ነቲ ክዛረቦ ዝደለየ ኩሉ ኣብ ቃሉ ተዛሪብዎ ስለ ዘሎ። ንእግረ መገድና ሰብ መዓልታዊ ጋዜጣ ኣንቢቡ ሓድሽ ነገር ኣይተማህረን። ወዲ ሰብ ናብ ወርሒ ምስ ከደ እውን ኣምላኽ ዘይፈልጦን ኣቀድም ኣብሉ ድማ ብቓሉ ዘይነገሮን ነገር ኣይረኸበን እቲ ቐደም ሰማያትን ኣብእን ኣብ ትሕቲኡን ዘሎ ዝፈጠረ ሎሚ እውን ንሱ እዩ ኣይተለወጠን። መጽሓፍ ቁዱስ እምበኣር መሎኮታውን ሰብኣውን እዩ። ጎይታና ከም ሰብ ድኺሙ ጸሚኡ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ንምስታይ ደው ኢሉ። ንሱ ኣምላኽ እዩ ከምኡ እውን ሰብ። ምስ ሰባት ተዛራሪቡን ሓሳቡ ኩሉ ድማ ገሊጹ። እዚ መጽሓፍ እዚ እምበኣር መራኸቢ ድልድል እዩ።። ኣብዚ እዋን እዚ ንደቂ ሰባት ይዛረብ ኣሎ።። ንመጽሓፍ ቁዱስ ካብ ኣምላኽ ንሰባት ዝተዋህበ ቡሉጽ ህያብ እዩ።
መጽሓፍ ቁዱስ መራኸቢ ድልድል ናይ ክልተ ዘልኣለማውነት ናይቲ ኣምላኽ ዝኮነ ክርስቶስ እዩ። እቲ ዘይርኣ ድምጹ ብብሉይ ኪዳን ተቓሊሑ። ግና እዚ መጽሓፍ እዚ ንኽርስቶስ ገጽ ንገጽ ኣብቲ ናይ ክብሪ ስፋራ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኣርእዩኒ። ብኡ ድማ እየ ክርስቶስ በይኑ ከም ዝተሰቕለለይ ፈሊጠ ዘለኣለማ ህይወትን ሕድገት ሓጥያት ዝረኸብኩ። መጽሓፍ ቡሉይ ኪዳን ኣብቲ ክርስቶስ ዝብል ቃል ክጠቓለል ከሎ ሓድሽ ኪዳን ድማ ኣብ የሱስ ዝብል ቃል ተጠቕሊሉ ኣሎ። ሕመረት መጽሓፍ ቁዱስ ብምሉእ እምበር የሱስ ክርስቶስ እዩ ዝብል እዩ። ቐሺ ፖሎክ
ከመይ ጌራን ኢና መጽሓፍ ቁዱስ ካብ ኣምላኽ ምኻኑ ንፈልጥ?
እዚ ሕቶ እዚ ኣዚዩ ግሩም ሕቶ እዩ። ክሕተትን ክምለስን ዘለዎ ድማ እዩ።
1 ንዘመናት ዝተዓቀበ መጽሓፍ።- ካብቲ ሓደ ግሩም መረጋገጺን ደጋዊ መረጋገጺን እቲ ኣዚዩ ዘገርም ናይ መጽሓፈ ቁዱስ ዕቃብ ወይ ፕረሰርቨሽን እዩ።። ኣብ ትንቢት ኢርምያን እነንብቦ ሓደ ንጉስ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ናብኡ ተላእከሉ እሞ ነቲ ጽሑፍ ቀዳዲዱ ኣቃጺልዎ። እንተኾነ ዳግማይ ተጻሒፉስ እንሆ እኳሎሚ ኣብ ኢድና ኣሎ። ካብ ዘመናት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ማእለያ ዘይብሉ መጽሓፍ ቁዱስ ተቓጺሉን ይቃጸልን ኣሎ። ኣንጻር መጽሓፍ ቁድስ ዝትስኡ ሰባት ማእለያ የብሎውምን። ንኣብነት ኣብ ሃገርና ኣሜሪካ ይብል እዚ ጸሓፋይ መጽሓፍ ቁዱስ ኣይቃጸልን እዩ ከመይሲ ብተሓሳስባ ኣዚና ማዕቢልና ስለ ዘሎና ይኹን እምበር ጸላኢ ካልእ ሜላ ኣምጺኡ ኣብ ስራሕናን ቢትምህርትን ከይንበብ ሕጊ ሓጊጉ ከይሓፈርና ድማ መሰል ሃይማኖት ኣሎ ኢልና ንዛረብ። እቲ ዘገርም ግና መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እዚ ኩሉ ዝወርዶ መጥቃዕትታ ገና ሎሚ እውን ህያው ኮይኑ ይነብር ኣሎ ኣብ ዓለም ድማ እቲ ብሉጽ ዝሽየጥ መጽሕፍ ኮይኑ ይርከብ።። ከምዚ ኽብል እኳ ኣዚዩ ዝስማኦኒ እንተ ኾነ ግና ክዛረቦ እየ ቀደም መጽሓፍ ቁዱስ እቲ ኣብ ዓለም ዝበለጸ ዝሽየጥ ዝነበረ መጽሓፍ እዩ ሕጂ ግና ኣብ ሃገርና ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ሕብረተሰብና ቦታ ሲኢኑ ኣሎ። እቲ ዘሕግሶኒ ግና መጽሓፍ ቁዱስ ብዝገርም ተዓቂቡ ኣሎ። እዚ ድማ እቲ ዘለኦው ቡሉጽ ክብሪ እዩ ዘርኢ።
2 ኣርኬሎጂካዊ መረጋገጺታት ካልእ መጽሓፍ ቁድስ ናይ ኣምላኽ ቃል ምኻኑ ነረጋግጸሉ ካልእ መንገድ ብመንገዲ ኣርኬሎጂ ወይ ብናይ ስነ መሬት ምርምር ኢና። ናይ ስነ መሬት ተመራመርቲ ወይ ኣርኬሎጂስት ብዝገበርዎ ዳህሳስ መጽሕፍ ቁዱስ ናይ ኣምላኽ ቃል ምኻኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ንኣብነት ብዙሃት ሰባት ንብዙሕ ዓመታት ነቲ ሙሴ ዝጸሓፈን ናይ ሕጊ መጽሓፍቲ ኣይቅበልዎንን እዮም ኔርዎም ዘምጽዎ ምኽንያት ድማ ኣብ ዘመን ሙሴ ናይ ስነ ጽሕፈት ኣምር ብፍጹም ኣይነበረን እናበሉ እዮም ዝካትዑ ዝንበሩ። እዚ ኽትዕ እዚ ሕጂ ፈጺምካ ኣይትሰሞኦን ኢኻ? ኣይኮነን ድዩ። ንዓመታት ተመራመርቲ ስነ መሬት ወይ ኣርኬሎጂስት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዘይተሓለል ጻዕሪ ብምክያድ ጭብጥታት ድማ ብምቕራብ መጽሕፍ ቁዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ከተማ ያሪኮን ዝወደቐ መናድቓን ሓደ ምሳሌ እዩ። ሎሚ ኣብ መንጎ ውይዘሮ ካተሊን ኬንዮንን ሲር ቻርለስ ማርድሰንን ሓደ ክትዕ ኣሎ እሱ ድማ ብዛዕባ ጊዜ ዝምለከት ኡዩ። ግና ያሪቾ ትበሃል ከተማ ከምዝነበረትን መናድቓ ድማ ከምዝፈረስን ኣዝዩ ብጩቡጥ መንገድ ተርጋጊጹ እዩ። መጽሓፍ ቁዱስ ብዙሕ መረጋግጺ ረኺቡ እዩ። ብዝተፈላለይ ምንገዲ ምርምራት ናይ ኣርኬሎጂስት ድማ መጽሕፍ ቁዱስ ብንጹር ቃል ኣምላክ ምኻኑን ገለ ኣበር ድማ ከዘይብሉን ተርጋጊጹ ኣሎ። እቶም ዝተረኽቡ ብዙሃት ጹሑፋት ድማ ነዚ ክውን ጌሮሞ እዮም። እቲ ኣዚዩ ዘገርም ንይ ትንቢት ኢሰያስ ጹሑፍ ብራና ኣብ ምዉት ቀላይ ምስ ተረኽበ እቶም ኣንጻር መጽሓፍ ቁዱስ ዝኾኑ ሰባት ዘሊሎም እዮም ከመይሲ ሕጂ ኢና ምስቲ ዘሎ ዘሎ ጽሑፋት ብምዝማድ ጌግ ክንረኽበሉ እንኽእል ኢሎም። እንተ ተኾነ እቲ ዝተረኽበ ጽሑፍ ንሓቅነት መጽሕፍ ቁዱስ ኣዚዩ ኣራጎዶ እቶም ተጻባእቲ ድማ ሓፊሮም ተሪፎም። ብዛዕባ እዚ ብዕምቀት ክንዛረብ ጊዜ የብልናን ባዕልካትኩም ግና ናይ ኣርኪሎጂስት ውጺት ምርምራት ክትርእዩ ትክእሉ ኢኹም።
ኣብ ዓለም እቲ ዝብለጸ ዝተሸጠ መጽሓፍ (Part 1)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode