3. ዝተፈጸመ ትንቢታት
ሎም መጽሓፍ ቁዱስ ሓቂ ምዃኑ ሓደ ጩቡጥ መረጋገጺ ወይ መርትዖ ኣቕርብ እንተዝባሃል ኔረ እንታይ ከምዘቐብ ምስ ፈለጥኩም ዶ? ብዛዕባ እቶም ዝተፈጸሙ ትንቢታት እየ ዘቕርብ። ዝተፈጸሙ ትንቢታት እቶም ናብ ዝኾነ ክንሀድመሎምን ክንካታዓሎምን ዘይንኽእል መረጋገጺ ወይ ከኣ መርቶዖታት እዮም። መጽሓፍ ቁዱስ ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ዝተፈጸሙ ትንቢታት ዝሓዘ እዩ።
ሓደ ርብዒ ትሕዝቶ ጽሑፋት መጽሃፍ ቁዱስ ትንቢታት እዮም። እዚኣቶም ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝመጽእ ዝፍጸም ነገራት ዘተንብሁ ትንቢታት እዮም። ካብኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ካብ ዝበጽህዎ ንላዕሊ ተፈጺሞምን ይፍጸሙን ኣለዉ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብምፍታሽ ከኣ ነቶም ብልክዕ ዝተፈጸሙ ትንቢታት ክንረኽቦም ይከኣል እዩ። ኣብ ጊዜ እቶም ትንቢት ዝተነበዩ ሰባት ከይተረፍ ዝትፈጸሙ ብዙሓት ትንቢታት ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ምክያስ እቲ ነብዪ ንኣክኣብ ናብ ውግእ እንተ ኸይዱ ከም ዝመውትን ኣብ ውግእ ከኣ ከምዝሰዓርን ነገሮ እንተኾነ እቶም ሓሰውቲ ነብያት ንኣክኣብ ከም ዝይመውት ብኣንጻሩ ኣብ ውግእ ሲኦኢሩ ከም ዝምለስ ተነበይሉ። ኣካኣብ ከኣ እቲ ምክያስ ዝብሎ ስለ ዘይፈትዎ ክኣስርዎን እንጀራ መከራ ኸኣ ክቕልብዎ ኣዘዝ። ምክያስ ከኣ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ቃል ተዛረቦ „እንተ ደኣ ብህይወት ተመሊስካ ኣምላኽ ብኣይ ኣይተዛረብን ማለት እዩ" በሎ እንተኾነ ኣምላኽ ብሚክያስ ስለ ዝተዛረብ ኣክኣብ ብህይወት ኣይተመልሰን። ኣብቲ ውግኣ ተቐቲሉ። ሰራዊቱ ኸኣ ኣብቲ ዓውደ ኩናት ተሳዕሩ። ኣካኣብ ሃደጋ ከይወርዶ መታን ገዛእ ርእሱ እካ ካልእ ኣምሲሉ ኣብቲ ኩናት እንተ ኣተወ እቲ ቕዱስ ጽሑፍ ከም ዝብለና „ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠም ድርዒ ወግኦ" ይብለና እዚ ሰብኣይ እዚ ኣካኣብ ኣባአይ ከምዘሎ ኣይፈልጥን እዩ ብኣጋጣሚ ድማ እዩ ሰዲድዋ ይኹን እምበር ኣብታ ቐስቲ ሽም ኣካኣብ ኔርዋ ረኺባቶ ድማ። ሸቶኣ ኸኣ ብዝግባኣ ወቒዓ። ስለምንታይ? ምኽንያቱ ሚክያስ ንጹር ዝኾነ ትንቢት እዩ ኣመሓላሊፉ። እዚ ኣብ 1ነገ 22 ንረክቦ።
ኣብ ካልእ ኣገጣሚ ኸኣ ነብዪ እሰያስ ኣብ 2ነገ 19።31 „ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከዚ ይብል ኣሎ ንሱ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣትዋን እዩ ኣብኡ ድማ ፍለጻ ኣይውርውርን ዋልታውን ኣይምክተላን ድልድል ከ ኣይኩምረላን" ኢሉ ይንበ። ኣቢ እሞ ንርኣ ናይ ምክያስ ትንቢት ሓደ ወተሃደር ብኣጛጣሚ ቀስቲ ብምውርዋር እቲ ትንቢት ተፈጸመ። እስከ ሕስበ ኣብ ማእከል ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ሰራዊት እዚ ኣዚዩ ዓቢ ፅፍራ እዩ ሓደ ካብ ሓጎስ ዝተላዕለ ጥራይ ናብ መንደቕ ዮርሳሌም ቐስቲ ክውርውር ኣይክእልን ዶ? ብፍጹም ኣይክእልን እዩ። እንተ ደኣ እቶም ጸላእቲ ናብታ ኸተማ ቐስቲ ወርዊሮም ብርግጽ ናይ ኢሰያስ ትንቢት ካብ ኣምላኽ ኣይኮነን። ግና እቲ ዘገርም ኢሰያስ ዝተነበዮ ትንቢት ካብ ኣምላኽ እዩ ኔሩ። እቲ ትንቢት ከኣ ምሉእ ብምሉእ ተፈጸመ። ካልእ ኸኣ ኢሰያስ ቅድሚ ሸውዓተ ሚኢቲ ዓመት ኣቢሉ ድንግል ከምእትጠንስን ወዲ ኸኣ ከም እትወልድን ተዛሪቡ። እዚ ትንቢት እዚ ኸኣ ብግልጺ ከምዘለዎ የሱስ ክርስቶስ ብምውላዱ ተፈጸመ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተንሸንኪሩ ጻዕረ ሞት ሒዝዎ ከለ ኸኣ ሓደ ዘይተፈጸመ ናይ ቡሉይ ኪዳን ትንቢት ኔሩ። እሱ ኸኣ ከምዚ ዝብል እዩ „ኣብ መብልዔይ ሓሞት ገበሩ ንጽምኤይውን መጽጽ ኣስተዩኒ" መዝ 69።21 እንተኾነ የሱስ „ጸማእኩ" በለ። እቶም ጸላእቱ ከኣ ነቲ ትንቢት ባዕሎም ፈጸምዎ። ዮው 19።28-30። እዚ ዘገርም ነገር እዩ። ስበ እኮ ክሳብ ክንድዚ ክግምት ኣይክእልን እዩ።
ብዛዕባ እቶም ብዛዕባ ኩነታት ኣየር ዝነበዩ ክትርኢ ከሎኻ ትግረም ኢኻ። ኣብቲ ጊዜ ሓጋይ ኩነታት ኣየር ድሓን ክከውን እዩ እቲ ኩነታት ኣየር ምስ ተቐየር ኸኣ ኣንጻር እቲ ደሓን ክኸውን እዩ። እዚ ጹቡቕ ግምታዊ ትንተና እዩ። ኣብ ሃገረ እስራኤል ግና እቶም ነብያት ንጹራትን ሓቀናታትን ክኾኑ ኣለዎም። ሓሳዊ ነብዪ እንተ ኾይኑ ክመውት ጥራይ እዩ ዘለዎ። ኣምላኽ ንህዝቡ ነቲ ሓሳዊ ነቢ ከመይ ጌሮም ካብቲ ሓቐኛ ነቢዩ ክፈልይዎ ከም ዝክእሉ መምርሂ ሂብዎም ኣሎ። ሓቐኛ ነቢዩ ከምቲ ኢሰያስ ዝገበሮ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት እዩ ዝንበ እንተ ደኣ እቲ ትንቢት ተፈጺሙ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዝተነበየ ነቢ ማለት ከም ኢሰያስ ነቲ ትንቢ ይኣምንዎ ማለት እዩ። ሕጂ ንድህሪት ተመሊሳና ብዛዕባ እቶም ዝተፈጸሙ ብዙሓት ትንቢታት ክንሪኢ ኢና።
ብዙሓት ትንቢታት ኣለዉ ዝተፈጸሙ። ብዛዕባ ሲዶንን ትየርን ቅድሚ 2500 ዝተነበየ ትንቢት ልኽዕ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዝብሎ ተፈጺሙ። እዛ ሕጂ ግብጺ ዘላቶ ሃዋህው ቀምቲ ኣምላኽ ኣቅዲሙ ዝተዛረቦ ልክዕ እያ ዘላ። እዚ ኣዚዩ ዘገርም ነገር እዩ። እዚ ዝተፈጸመ ትንቢታት እዚ ኸኣ ካብቲ ሓደ መጽሓፍ ቁዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ መረጋገጺ እዩ። ሰብ ብፍጹም ንጹርን ሓቀናን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ሰብ ከኣ ከዚ ኢሉ ክግምት ኣይክእልን እዩ። ዋላ እቲ ብዛዕባ ኩነታት ኣየር ዝንበ ከይተረፈ ይጋገ እዩ።
እስከ ሕጂ ብመሰረት ናይ ስነ ቑጽሪ ቀመር ጌረ ሰብ ብፍጹም ቁኑዕ ትንቢት ከመሓላልፍ ከም ዘይክእል ከረጋግጸልኩም። ንኣብነት ሕጂ ብዛዕባ ሓደ ነገር ክንበ እየ። እስከ ሓደ ምሳሌ ከቕርብ። ጽባሕ ማይ ክሃርም እዩ ኢለ ተዛሪበ። ኣብዚ 50% ዕድል ኣሎኒ ምኽንያቱ ካብ ክልተ ሐደ ዕድል ኣሎኒ። ግና ጽባሕ ልክዕ ሰዓት 9 ናይ ንግሆ ማይ ክሃርም እዩ እንተ ኢለ። እዚ ሓደ ዘይጭበጥ ነገር ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ። ኣብቲ መጀመርያ 50% ዕድል ኔሩኒ ከመይሲ ክሃርም ይኽእል ከይሃርም ከኣ ስለ ዝኽእል። ሕጂ ግና 25% ዕድል ጥራይ እዩ ዘሎኒ። ብመሰረት ናይ ስነ ቑጽሪ ናይ ግድል ሕሳብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘረባይ 50% እናጎደለ እዩ ዝኸይድ። ሕጂ ኸኣ ንህሰብ ኣነ ሰዓት 9 ጥራይ ዘይኮነ ክሃርምሲ ልክዕ ሰኦኣት 2 ኸኣ ማይ ድወ ከብል እዩ ኢለ ይዛረብ። እዚ ከኣ ነቲ ዘሎኒ ዕድል ብ50% የግድሎ እሞ እቲ ዝበልክዎ ናይ ምፍጻም ዕድል 12.5% ጥራይ ይኸውን። ንርኢ ዘሎና ዘሎኒ ዕድል ከመይ ኣዚዩ ጸቢብ ከም ዝኾነ። ዋላ ክሳብ ሰለተ ሚእቲ ዝኣኹሉ ግምታት እንተ ዝውሰኸሎም ንጹሩ ዝኾነ ትንቢት ከመሃላልፍ ብፉጹም ኣይክእልን እየ። እዚ ኸኣ ክኸውን ብፉጹም ዘይከኣል እዩ። ቃል ኣምላኽ ግና ፍጹም እዩ ከምኡ ኸኣ ንጹር እዩ። መጽሓፍ ቁዱስ ኣብቲ ኣዚዩ ብፍጹም ኣይከኣልን እዩ ዝበሃል ክውን ይኸውን እዚ ከኣ እዩ እቲ ሓደን ዓብን መረጋገጺ መጽሓስድ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዝነግር። ምስ መጽሓፍ ቁዱስ ክወዳደር ዝኽእል ዝኸነ ይኹነ ነገር የልቦን። ኣነ ኣዚዩ ውሑድ ዝኾነ ንና መጽሓፍ ቁዱስ ዝተፈጸሙ ትንቢታት እየ ሂበኩም ዘለኹ። መጽሓፍ ቁዱስ ግና ምእለያ ዘይብሎም ትንቢታትን ፍጻሜታቶምን እዩ ሒዙልና ዘሎ። ብዛዕባ ንም,አጻኢ ዝፍጸሙ ትንቢታት ከኣ ኣብ ውሽጢ መጽሃፍ ቁዱስ ማእለያ ዘልይብሎውም ኣለዉ።
4 ዝተለውጡ ህይወት ወይ ሰባት
መጽሓፍ ቁዱስ ናይ ኣምላኽ ቃል ምዃኖም ዘረጋግጹ ክልተ ናይ መጨረሻ መረጋገጺ ክህብ እየ. እቲ ሓደ ህይወት እቶም ዝተለወጡ ኣመንቲ እዩ። ኣነ ቓል ኣምላኽ ኣብ ህይወት ኣዋልድን ኣወዳትን ክሰርህ ከሎ ርኢየ ኣለኹ። ኣብዚ ግዚ ኢዚ ሓደ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርኒ ዝነብር ሰብኣይ ነቲ ዝህቦ ዝነበርኩ ናይ መጽሓፍ ቁድስ ትምህርቲ ብሬድዮ ዝከታተል ዝነበረ ሰብ ትዝ በለኒ። ከምዚ ዓይነት ሰብ እዚ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ጸገም ዝተወጠረን ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ሓጥእያት ዝተጨማለቐን ሰብ ርእየ ኣይፈልጥን። እዚ ሰብ እዚ ነቲ ዝነበርኒ ናይ ራድዮ መደብ ክከታተል ጀመረ። ሰባት ሓንሳብ ወንጌል ሰሚዖም ክልወጡ ከለዉ ርእየ ኣለኩ። እዚ ይከኣል እዩ ኣዚዩ ግሩም ድማ እዩ። እዚ ሰብ ግና ስሙን ሰሙን ኣብ ዝሰምዓሉ ጊዝያት ብኡ መጠን ኣንጻር ቃል ኣምላኽ እና ኾነ ኸደ። ኣዚዩ ኸኣ ይቑጣዕ ነበረ። ዳሕራይ ከም ዝነገረኒ „ ኣብቲ መልእክቲ ሮሜ ኣናመሃርካ ከሎኻ እሞ ኸኣ ኣብት ሓትያተኛ ኢኻ እናበልካ ክትምህር ከለኻ ብኣካል ተትረኽበካ ኔረ ብርግጽ ምቐተልኩኻ ኔረ „ በለኒ ብርግጽ እዚ ሰብኣይ ከምኡ ከም ዝገብር ብፍጹም ኣይጠራተርን እየ። ካባይ ኣዚዩ ብሓይሊ ይበልጽ እዩ። ስለ ዘይረኸበኒ ኸኣ ኣዚየ ይሕጎስ። ኣብ መወዳእታ ግና እዚ ሰብ ናብ ክርስቶስ መጺኡ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ዘገርም ነገር ምርኣየይ ኣዚዩ ባህ ይበልኒ። እዚ ከመዚ ዝዓይነቱ ምስክርነታትን ፍጻሜታትን ማእለያ ዘይብሉ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። መንእሰያትን ዓበይትን ኣብ ህይወቶም ዓላማን ዕጋበትን ረኺቦም ሓዳሮም ካብ ሓደጋ ዲሒኑ ቤተሰባት ተሓቛቕፈን ግለ ሰባት ካብ ሓሽስን ወልፍን መስተን ነጻ ወጺኦም። ሰባት ናብ ክርስቶስ ብምምጻእ ህይወቶም ተለዊጡ። መጽሓፍ ቁዱስ ጥራይ እዩ ንሓጢኣተኛ ናብ ቁዱስ ሰብ ዝልውጥ።
5 መንፈስ ኣምላኽ ሓቂ ምኻኑ ኣረጋጊጽዎ
ካልኣ መጽሓፍ ቁዱስ ሓቂ ከም ዝኾነ ዝኻታዕ ዘለኹ ኣብ ገዛእ ህይወተይ ስለ ዝረኣኽዎ ጥራይ እዩ። ኣነ ሎሚ መጽሓፍ ቁዱስ ቃል ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ዘይኮነ ዝኣምን ዘለኹስ መጽሓፍ ቁዱስ ቃል ኣምላኽ ምኻኑ ፈሊጠ ኣለኹ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ክፈልት ዝኽኣልኩ ኸኣ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ልበይን ህይወተይን ስለ ዘረጋገጸለይ እዩ። እዚ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሎሴ ዝተዛረቦም። „በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብኹሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም" ኣነ ኸኣ ነዚ እደሊ እየ። ከመይሲ መንፈስ ኣምላኽ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ውሽጥኹም እንተ ሓቲምዎን መሊእዎን መጽሃፍ ቁዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንምርግጋጽን ንምእማንን ተወሳኺ ናይ ኣርኪሎጂስት መረጋገጺታ ኣይድልየኩምን እዩ።
ሓደ መንእሰይ ሰባኺ ሓደ ጊዜ ከምዚ ኢሉ ሓተተኒ „ዶክተር ማጊ እዚ ከምዚ ዓይነት ነገር ምርካቦምሲ ኣዚዩ ዘገርም ዘይኮነን? ብዛዕባ ሓዳ ቅድሚ ቑርቡ ጊዜ ዝተረኽበ ነገር እዩ ዘዕልለኒ ኔሩ።
ኣነ ድማ ጽቡቕ „ንዓይ ግና እምብዛ ብዙሕ ኣይገርመንን እዩ በልክዎ"
ንሱ ግና ብስሚዒት ተገሪመ ዘይምምላሰይ እምብዛ ኣቖጥዖ „ስለምንታይ እንታይ ማለትካ እዩ" ኢሉ ሓተተኒ „እዚ ነገር እዚ ከገርመካ ዶ ኣይግብኦን እዩ"
ኣነ ኸኣ ከምዚ ኢለ መለስክሉ „ እዚ ነገር እዚ ቅድሚ ኣርኬሎጂስት ተመራሚሮም ምርካቦም ኣነ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ኣቀዲመ ይፈልት ኔረ እየ" ንሱ ኸኣ ከምይ ጊርካ ፈሊጥካ ኢሉ ሓተተኒ „መንፈስ ኣምላኽ ንውሽጢ ልበይ ሓቂ ምኻኑ ኣረጋጊጹለይ" በልክዎ መንፈስ ኣምላኽ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልብኻ ህያው ምኻኑ ጥራይ ዘይኮነ ዘረጋግጸልካስ ምስ ንናራኻ ከም ዝወሃህጃድ እዩ ዝገብሮ። ብተወሳኺ ከኣ ኣነ ቃል ኣምላኽ ህያው ምኻኑ ፈሊጠዮ ኣለኹ" ክትብል ከኣ የኽእለካ።
ምግላጽ ምኽሳት ምብራህ ምትርጓም እንታይ እዩ?
ምግላጽ ማለት ኣምላኽ ዝተዛረቦን ምስ ሰባት ሕብረት ዝገብረሉ መስርሕ እዩ። ምኽሳት ከኣ ነቲ ምግላጽ ውሕስነት ይህብ። ምብራህ ኸኣ ምስ መንፈስ ኣምላኽ ዘብርህልካ ክአም መምህር ኮይኑ ክምህረካ ከሎ ማለት እዩ። ምትርጋም ከኣ እቲ ንስኻን ኣነን ንቓል ኣምላኽ እንህቦ ትርጉም እዩ።
ምግላጽ
ምግላጽ ማለት እቲ ኣምላኽ ዝተዛረቦ ማለት እዩ። „ኣምላኽ ከምዚ ይብል" ዝብል ምስኣ ዝመሳሰል ቃልን ልዕሎ 2500 ሳዕ ተጠቂሰ ኣሎ። ኣምላኽ ነቲ ንሱ ዝበሎ ክንርድኦ እዩ ዝደሊ ኣብ እብ 1።1-2 „ኣምላኽ ብብዙሕ ሰዓን ብብዙህ መንገድን ቐደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኩሉ ዝገበሮ ብእኡውን ኦኣለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና" ክልተ ዝተፈላለዩ ሰባት ሓደ ዓይነት ፍልጠት ስሚዒትን ድሌትን ዘለዎም እንተ ብውሕዱ ወይ ብብዝሑ ነሓድህዶም ዝደላለዩ ሰባት እንተ ረኪብኩም ኣብ ሓድሕዶም ርክብ ኣለዎም። እቶም ዝተፈላለየ ስብእና ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ርክብ ክገብሩ ይደልዩን ይሕጎሱን እቲ ውሽጣዊ ባህሪ ናይ ልቢ ልክዕ ከም እንዳ ቴለፎንን ፖሰ ኦፊስን ቴልግራምን ይምስለ። የዕሩኹ ምስ ኣዕሩኽ ይራኸቡ። እቲ ካብ ገዛእ ርሑቕ መገሳ ዝከደ ሰብኣይ ንሰበይቱ ይጽሕፈላ። እቶም ኣብ ትምህርቲ ካብ ወለዶም ወጻኢ ዘለዉ ኣወዳትን ኣዋልድን ንውሉዶም ይጽሕፍሎም እዚ ኹሉ ርክብ ወይ ኮምኒኬሽን ይብሃል። ብዛዕባ ሄለን ከለር ክዝክር ከለኹ ኣዚየ እየ ዝግረም። እዛ ሰብ እዚኣ ዓይነስውርቲ ጸማም እያ ካብ ጉዑዝ ዓለም ተዓጽያ እያ እንተ ኾነ ካባና ንላዕሊ መስርሕ ርክብ ወይ ኮምኒኬሽን ኔርዋ።
ሕጂ እምበኣር ሓደ ምኽኑይ ዝኾነን ምስትውዓል ከኣ ዘለዎ ሕቶ ክሓተኩም ኣምላኽ ምስቶም ንሱ ከም መልክዑ ዝፈጠሮ እሞ ኸኣ ዉሱን ምስትውዓልን ምርዳእን ምስ ዝሃቦ ፍጥረቱ ክራኸብ ኣይክእልን ድዩ? ኣብዚ እዋን እዚ ምግላጽ እንተ ዘይረኺብና ኣነ ንስኻትኩምን ንኣምላኽ ክንጽበዮ ኣሎና ምኽንያቱ ኣምላኽ ክዛረበና ስለ ዝኽእል። ከምቲ ዝረኣናዮ ናይ እብራውያን ጸሓፊ ኣምላኽ ኣብ ቡሉይ ኪዳን ብነቢያት ጌሩ ከምዝተዛረቦም ይነግረና ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ግዘ እዚ ብክርስቶስ ጌሩ ይዛረበና ኣሎ። እቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ብምግላጽ ጌሩ ንነብያት ዝተዛረቦምን ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብክርስትስ ጌር ዝዛረበና ዘሎ ምግላጽን ኩሉ ኣብ ቃል ኣምላክ ኣሎ። እቲ እንኮ ምስ ኣምላኽ ክንራኸበሉ እንኽእል መንገዲ ሓደ እዩ። ንሱ ከኣ እቲ ኣምላኽ ንነፍስወከፎም ዝተዛረቦ ቓል ሒዙ ዘሎ እቲ ሱሳን ሹድሸትን መጽሃፍት ኢዘለዎ መጽሓፍ ቁዱስ ጥራይ እዩ።
መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳብ ኣምላኽ ዘለዎ ኩነታት ሰብ ዝገልጽ መንገዲ ምድሓን ጥፍኣት ሓጥኣንን ሓጎስ ኣመንትን እዩ። መሰርት እምነቱ ቕዱስ ሕግታቱ ጽኑዕ ታሪኹ ሓቂ ውሳኔኡ ዘይቅየር. ክጠብብ ኣንብቦ ክትሕሎ እመኖ ክትቅደስ ተለማመዶ። ንመገድኻ ብርሃን እዩ። ንኽሕግዘካ ምግብኻ እዩ ንኽትሕጎስ መጸናኒዕኻ እዩ። ናይ ተጓዓዛይ ካርታ እዩ ናይ ምንገደኛ በትሪ እዩ ሃባሪ ኮምፓስ እዩ ስይፊ ወታሃደር እዩ ባህሪ ክርስትያን እዩ. ገንት ተኸፊቱ ኣሎ ገሃንም ተዓጽዩ ኣሎ። ክርስቶስ ሕመረቱ እዩ። ሰንያና ኣብኡ ኣሎ ክብርና ኣብኡ እዩ። ንኣእምሮና ይመልኦ ንልብምና ይገዝኦ ንኣጋርና ይመርሖ። ቀስ ኢልካ መኦኣልታዊ ብጸሎት ኣንብቦ። ህይውት ክህበካ እዩ። ኣብ ጊዜ ፍርዲ ክኽፈት እዩ ንዘልኣለም ከኣ ክዝከር እዩ። ዓቢ ሓላፍነት ኣለዎ ዓስቡ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። ንኹሎም ሓጥኣን ኽኹንን እዩ። ንዘልኣለም ጸኒዑ ክነብር እዩ።
ምኽሳት
እዚ ናብቲ ካልኣይ ዓቢ ኣርእስቲ ናብ ምኽሳት ወይ ኢንስፓይረሽን እዩ ዝመርሓና። ኣነ ብግለይ ዝኣምኖ ሓደ ነገር ኣሎ እቲ ደረት ኣልቦ ዝኮነ ምኽሳት ናይ ቃል ኣምላኽ ማለት ነፍስ ወከፍ ቃላት ናይቲ ስልጣን ዘለዎ መጽሓፍ ቁዱስ ንዓና ንኩላትናን ኣብ መዓልታዊ ናብራና ዘገልግል ቃል ኣምላኽ እዩ ምኽሳት ንናይ ምግላጽ ኣምላኽ ውህስነት ዝህብ እዩ። ነዚ ከኣ እዩ እቲ መጽሓፍ ብኽልተ ሰብ ጌሩ ነዚ ዘረጋገጽ ሃዋራያ ቓውሎስ ንጢሞጦስ ዝጸሓፎን ሃዋርያ ጴጥሮስ ኣብታ ናይ መጨረሻ መልእኽቱን ብዛዕባ መጽሓፍ ቁድስ ከኣ ከምዚ ይብል „እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ መንፈስ ኣምላክ ዝነፈሶ ዘበለ ጹሑፍ ንትምህርቲ ንተግጻጽ ንምቕናዕ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ> 2ጢሞ 3።16-17። ኣብዚ ነስተውዕል ክሎም ጹሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እዩ። እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዝብል ቃል „ ትንፋስ ኣምላኽ" ዘለዎ ቓል ማለት እዩ። ኣምላኽ ልኽዕ ከምቲ ብጳውሎስ ዝተዛረቦ ብኻልኦት ሰባት ጌሩ ኸኣ ተዛሪቡ እዞም ሰባት ካብቲ ኣምላኽ ዝተዛረቦ ወጻኢ ምንም ኣትዘራቡን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ክዛረብ ከሎ „ትንቢትሲ ቁዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቁዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን" 2ጴጥ 1።21። ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣሎ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም እዮም ጺሒፎም። ዶክቶር ኬፔር ዝተባህሉ ክዛረቡ ከለዉ „ብዘይ ኖታ ሙዚቃ ክትጻወት ትኽእል ኢኻ ብዘይ ስእሊ እውን ሕሳብ ክትገብር ይከኣል እዩ ብዘይቃላት እውን ሓሳባት ከተዋድድ ትክእል ኢኻ" ኢሎም። እቲ ሓሳብ ኣይኮነን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ እቲ ቓላት እዩ መንፈስ ኣምላኽ ወይ ትንፋስ ኣምላኽ ዘለዎ።
ብዛዕባ ሓንቲ ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ካብ ሓደ ፉሉጡ መመህር ዝተማህረት ጓል ዝሰማዕክዎ ዛንታ ኣሎ። እቲ መምህራ ኣብቲ ንሳ ትስዕሳኦሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ተረኽበ እሞ እቲ ኩነት ምስ ተወደኣ እቲ መምህራ ብዛዕባ እቲ ዝነበረ ምርኢት ርእይትኡ እንታይ ከም ዝኾነ ንምፍላት ኣዚያ ተሃንጠየት። እቲ መምህ እንቝዕ ሓጎሰኪ ክብላ ኣይመጸን። ነቲ ብጻያ ኸኣ እንታይ ኢሉ ኢላ ሓተተቶ?
እቲ እሙን ብጻያ ኸኣ ከምዚ በላ „ንክዕ ናይ ሰማይ መዝሙር ዘሚርኪ" ኢሉኪ በላ።
ንሳ መምህራ ከምዚ ብምባሉ ኣዚዩ ስለ ዝገረማ ካብ ሓጎስ ዝተላዕለ „ብርግጽ ከምዚ ድዩ ኢሉ „ ኢላ ሓተተቶ
„ብርግጽ ከምኡ ኣይኮነን ኢሉ ግና ከምኡ ማለቱ እዩ"
እታ ጓል ከኣ „በጃካ እንታይ ከምዝበለ ብልክዕ ንገረኒ ኢላ" ጨቕጨቐቶ
„እቲ ዝብሎ ቓል እዚ ናይ ምድሪ ድምጺ ኣይኮነን እዩ ኢሉ"
ኣብዚ ብንጹር ኣብ መንጎ ሰማያውን ናይ ምድሪ ዘይኮነን ዝብል ቃል ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። እቶም ልኾኣት ቃላት ኣዚዮም ኣገደስቲ እዮም። ብርግጽ እቶ ቃላት ናይቲ ቑዱስ ጽሑፋት መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶም። ንኣብነት ሰይጣን ሓሶት ክዛረብ መንፈስ ኣምላኽ ኣይኮነን ደሪኽዎ መጽሓፍ ቁዱስ ግና ሰይጣን ሓሳዊ ምኳኑ ይነግረና። እቲ ቓል እዩ ናይ መንፈስ ኣምላኽ ድርኺት ዘለዎ። የሱስ ክርስቶስ ካብ ቡሉይ ኪዳን እናጠቐሰ ጹሁፍ እዩ ይብል ነበረ እዚ ድማ የሱስ ካብቶም እቶም ሰባት ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ጹሑፍ ብምጥቃስ ይዛረብ ኔሩ ማለት እዩ። ኣብ ዘጻ 20።1 ሙሴ ክጽሕፍ ከሎ „እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ኹሉ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ" ኣብዚ ኣምላኽ እዩ ኩሉ ዝዛረብ ዘሎ ሙሴ ኸኣ ነቲ ዝተባህሎ ይጽሕፎ ነበረ።
ኣብ ዓለም እቲ ዝብለጸ ዝተሸጠ መጽሓፍ (Part 2)
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode