ኤሪ ወንገል፡ መጀመርታ ሬድዮ ድምጺ ተስፋ መኣስ ተጀሚሩ? ዕላማ መበገሲኡ እንታይ እዩ ነይሩ?
ሬድዮ ተስፋ፡ ብፈለማ ብዛዕባ ሬድዮ ተስፋ ክገልጽ እዚ ዕድል ስለ ዝሃብኩምኒ፡ ንኣገልገልቲ ኤሪወንጌል ብስም ኩሎም መተዓይይቲ ሬድዮ ተስፋ ጐይታ ይባርኽኩም እናበልኩ ከመስግነኩም እፈቱ። ብዛዕባ እዚ ኣገልግሎት እንዛረብ ዘለና ብኹሉ እግዚኣብሄር ኤበን-ዔዘር ኮይኑ ስለ ዝረድኣና እዩ እሞ፡ ልዕሊ ኹሉ ድማ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እፈቱ።
ኣመሰራርታ ሬድዮ ተስፋ ቅድሚ ምዝራበይ፡ ብዛዕባ ሬድዮ ተስፋ ብሕጽር ዝበለ መገዲ ከላሊ ደስ እብለኒ። ሬድዮ ተስፋ ኩሉ ጊዜ ቀዳም ብኣቆጻጽራ ዋሽንግቶን ካብ ሰዓት 12፡30-1፡00 ድቀ ብ1120 AM መደባታ ተመሓላልፍ። እዛ ሬድዮ ኣብቲ ብሜትሮ ፖሊተን ዝፍለጥ ቦታታት፡ ዲስን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ስቴታት ቨርጂንያን ሜሪላንድ ንገለ ክፋላተን ዝሽፍን ዝርግሐ ዘለዋ ፈነወ ወንጌል እያ። እዚ ፈነወ'ዚ ብዘይካ እቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ብሬድዮ ዝከታተለና ሰማዒና፡ ኣብ ካልእ ስቴታት ኣሜሪካ ይኹን ኣብ ካልእ ክፍለ ዓለም ዘሎውን ልክዕ ኣብዚ ዝተጥቅሰ ሰዓት ብቑጽሪ ቴሌፎን 832-225-5330 ደዊሉ ብቀጥታ ክሰምዓና ይኽእል እዩ። እንተዘይኮይኑ ግና ኣብ መርበብ ሓበሬታና (Internet) www.ebenezerdc.org ኣብ ሬድዮ ተስፋ ብምእታው ነቲ በብዕለቱ ተሰኒዱ ዘሎ ኩሉ መደባትና ክከታተሉ በዚ ኣጋጣሚ ንዕድም።
ሬድዮ ተስፋ ጥሪ 9፡ 2011 አያ ፈላሚ መደባ ኣሃዱ ኢላ ጀሚራ። ዕላማ ሬድዮ ተስፋ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ኪዱ ንኹሎም ኣህዛብ ወንጌል ስበኹ ኢሉ ዝእዝዘና፡ ንጉሳዊ ትእዛዝ ንምኽባር እዩ። ነዚ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ብምብሳር ድማ፡ ነቲ ኣብ ማእሰርትን ጸልማትን ዝነብር ህዝብና፡ ካብ መግዛእቲ ሰይጣን ንምምላጥን ኣብ መንግስቲ ክርስቶስ ንምጽንባርን እዩ እቲ ቀዳማይ ዕላማና። ብኻልኣይ ድማ ነቲ ድሮ ኣብቲ መጓሰ ኣምላኽ ዘጽለለ ህዝቢ ኣምላኽ ጻውዒቱን ሕሬቱን ፈሊጡ፡ ኣብ እምነቱ ንኽጸንዕ ንምብርታዕ እዩ።
ኤሪ ወንገል፡ ኣብ ኣገልግሎት ሬድዮ ተስፋ ዘገልግሉ ዶ ከተላልየና?
ሬድዮ ተስፋ፡ ኣብ ኣገልግሎት ሬድዮ ድምጺ ተስፋ ከም ኣዳለውቲ ኰይና እነገልግል ዘሎና ኣነ ጳውሎስ ባህታ፡ ከምኡውን ኤርምያስ በርሀን ሳምሶን ክንድያን ኣለና። ብተወሳኺ ክልተ ኣሓት ሜሪ ተወልደን ኣስመረት ጸጋይን ኣለዋ። ኣብ ቴክኒክ ዝዓዪ ዘሎ ሓውና ድማ ሳሙኤል ዑቕባኣብ ይብሃል። ብዘይካ እዚ ምሳና ኣብ ቴክኒክ ዝነበረ ብስራሕ ምኽንያት ግና ናብ ካልእ ስቴት ዝተፈለየና ሓውና ሄኖክ ተስፋዝጊ ኣሎ። ሽሕኳ ሓውና ሄኖክ ይፈለየና ድኣ እምበር፡ ኣብቲ ዘለዎ ዓዲ ኰይኑ ነቲ ዝተመሓላለፈ መደባት ኣብ መርበበ ሓበሬታ (እንተርነት) እናኣእተወን ከምኡ ውን ብኻልእን ዘገልግል ዘሎ ሓው እዩ።
ኤሪ ወንገል፡ ሬድዮ ተስፋ ኣበጋግስኣ ከመይ ይመስል ነይሩ? ንኽትብገስ ዝተገብረ ምድላዋት ከመይ ነይሩ?
ሬድዮ ተስፋ፡ ምጅማር ፈነወ ሬድዮ ሽሕ'ኳ ናይ ነዊሕ ጊዜ ሓሳብን መደብን ቤተከረሰታያን እንተነበረ፡ ንምብጋሳ ዝነበረ ምድላው ኣዝዩ ድሩት እዩ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ ዘይምግዳስ ዘይኮነስ፡ እቲ ሽዑ ዝረኸብናዮ ናይ ኣየር ፈነወ ከይንኸስሮ ብምባል እዩ።
ኤሪ ወንገል፡ ነዚ ኣገልግሎት ክትብገሱ ከለኹም ዘጋጠሙ ጸገማት ነይሮም ዶ? ብኸመይ በዲህኩሞም?
ሬድዮ ተስፋ፡ እዚ ኣገልግሎት ክንጅምር ከሎና ብውሑዳት ሰባት፡ ብውሑድ ዓቅምን ብውሑድ መሳልጥያን እዩ ተጀሚሩ። ነገራት ኣብ መጀመርታኡ ክብድሃካ ባህርያዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግና ብሓይልን ጸጋን እግዚኣብሄር ዘይስገር የለን። ብረዲኤት እግዚኣብሄር ውን ክሳዕ ሕጂ ኣሎና።
እዚ ኣገልግሎት ክንጅምር ከሎና እነመሓላልፈሉ ዝነበርና መዓልቲ፡ ሰንበት ሰዓት 10፡30 ቅ-ቀ፡ እዩ ነይሩ። እዚ ጊዜ እዚ መብዛሕትኡ ሰብ ቤተክርስትያን ዝኸደሉ ወይ ዝድቅሰሉ ብምዃኑ ምቹእ ኣይነበረን። ብዘይካ እዚ እቲ ንጥቀመሉ ዝነበርና ስተሽን 1930 AM ብዙሕ ዕንቀፋ (Interferrence) ነበሮ ንጹርነት ዝጎደሎ'ዩ ነይሩ። ሓሓሊፉ ውን ኣብ ሰዓታት ምድንጓይ ነይርዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ድማ እቲ ዝነበርናሉ ስትሽን፡ ብቅድሜናን ድሕሬናን፡ ዳርጋ መብዛሕትአን ኣብኡ ዝነበራ ሬድዮታት፡ብቋንቋ ስፓኒሽ ዘመሓላልፋ እየን ነይረን። ኣብ ከምዚ ሰማዒ ክትረክብ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ እዚ ዝኣመሰለ ጸገማኣት ነይሩና። እዚ ሕጂ ዘለናዮ ግና ሽሕ'ኳ ዋጋኡ ክቡር እንተኾነ፡ ሓደ እጢ እነመሓላልፈሉ ዘለና መዓልቲ ቀዳም ቀዳም ካብ ሰዓት 12፡30- 1፡00 ድ-ቀ እዩ። ብዓይነ መዓልትን ሰዓትን ክትርእዮ ከሎኻ ኣዝዩ ተመራጺ ጊዜ እዩ። ብዘይካ እዚ ንጹርነት ዘለዎ ስቴሽን እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ቅድሜናናይ ወንጌል ናይ ኣምሓርኛ መደብ ኣሎ። ብድሕሬና ድማ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ሬድዮ ኣሎ። ስለዚ ብኹሉ መለኪዕታቱ ብዙሕ ሰማዒ ክትከስበሉ ትኽእል ፈነወ ኣየር ኢና ሕዝና ዘሎና ክብሃል ይከኣል። ኣብዚ ሓድሽ ፈነወ ካብ እንጅምር ዝመጽእ ሓምለ ካልኣይ ዓመትና ክኸውን እዩ።
ኤሪ ወንገል፡ እዚ ወይ እቲ ነይሩና እንተዝኸውን እዝን እትን ምገበርና ኢልኩም መዓልታዊ ኣብ ኣገልግሎትኩም ትሓስብዎ ነገር ኣለኩም'ዶ?
ሬድዮ ተስፋ፡ ብርግጽ ኣብ ሬድዮና ከነተኣታትዎ እንደሊ መደባት ብዙሕ ኣሎ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓቅሚ ሰብና ንእኡ ዝፈቅድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩላትና ኣብ ስራሕን ትምህርትን ካልእ መነባብሮና እናገበርና ብትርፊ ጊዜና ኢና ነገልግል ዘለና። ይኹን ደኣ እምበር ጐይታ ብዘብዝሓልና ጸጋ እቲ ዝግብኣና ክንገብር ክንጽዕት ኢና። ጐይታ ድማ ኣብ ጊዜኡን ሰዓቱን ንኹሉ ራእይናን ሕልምናን ክዉን ከም ዝገብሮ ድማ ንኣምን።
ኤሪ ወንገል፡ ኣብ መንጐ ሬድዮ ድምጺ ተስፋን ማሕበር ኤበንዔዘርን ዘሎ ርክብ ከመይ ይመስል?
ሬድዮ ተስፋ፡ ኣብ መንጐ ሬድዮ ድምጺ ተስፋን ኣብታ ማሕበርን ዘሎ ርክብ ጥቡቕ እዩ። እታ ማሕበር ክንብል ከሎና ካብ ፓስተር ጀሚርካ ኩሎም ሽማግሌታትን ክሳብ ኩሉ ምእመንን ዝሓቑፍ እዩ። ፓስተርን ኩሎም ሽማግሌታትን ንኣገልግሎት ዘድልየና ዘበለ ኩሉ፡ ኣብ ጊዜኡ እናማልኡ ብኹሉ ምትብብዖም ኣይተፈለየናን። ከምኡ ውን ኩሎም ምእመናን እዛ ሬድዮ ካብታ እግሪ ዝተኸለትላ ክሳዕ ሕጂ ብቐጻሊ እናደገፉና እዮም። ስለዚ ብሓፈሻ እዛ ሬድዮ ክሳዕ ሕጂ ደው ክትብል ዝኸኣለት፡ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሄር እዛ ማሕበር ብጸሎትን ምኽርን ፋይናንስን እናደገፈት የማናይ እዳ ስለ ዝሃበታ እዩ። ከም ኣብነት እንተርኢና ኣብዚ ዝሓለፈ ድሮ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝገበርናዮ ምውጻእ ገንዘብ፡ ( fund raising) ጥራይ ልዕሊ 20 ሽሕ ዶላር ተኣኪቡ። እዚ ሰናይ ልግሲ ድማ፡ እታ ሬድዮ ኣብ ልቢ ማሕበር ኣምላኽ ዘለዋ ቦታ ዓቢ ምዃኑ እዩ ዘርኢ።
ኤሪ ወንገል፡ ኣብ ምዝርጋሕ ወንጌል ፈነወ ሬድዮን ፈነወ ኢንተርነትን ከተመዛዝኖ ከሎኻ ኣየናይ የድምዕ?
ሬድዮ ተስፋ፡ ነናቱ ብልጫታት ኣለዎ እብል። ሬድዮ ኣብ ነብስወከፍ ቤት ናይ ምእታው ተኽእሎ ኣለዎ። ሰብ ብኣጋጣሚ ኣብ መኪናኡ ኰይኑ ክሰምዓካ ይኽእል እዩ። እቲ ኣብ ሬድዮ ቀሊል ዝገብሮ መስርሕ፡ መርበብ ኢንተርነት ኣየድልየካን እዩ። ኢንተርነት ሓደ ካብቲ ኣድማዕነቱ ኣብ ኩሉ ሃገራት ናይ ምብጻሕ ተኽእሎ ክህልዎ ከሎ፡ ብዝተፈልላለየ ምኽንያታት ከይሰማዕካዮ ዝሓለፈካ ድማ ኣብቲ መዛግብቲ (Archive) ተሰኒዱ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እቲ ንሕና ንዓየሉ ዘሎና ኣሰራርሓ ብሬድዮ ኰይኑ፡ እቲ መደብ ምስ ተመሓላለፈ ድማ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት ኣብ መርበብ ሓበሬታ (ኢንተርነት) ከም ዝኣቱ ንገብሮ። ስለዚ ኣብ ጊዜኡ ብስራሕ ይኹን ብኻልእ ካልእ ምኽንያታት መደባትና ዝሓለፎ ሰማዒ፡ በቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ መርበብ ሓበሬታና ኣትዩ መደባትና ክሰምዖ ይኽእል። ስለዚ እንተተኻኢሉ ወንጌል ኣብ ምዝርጋሕ፡ ክልቲኡ መገዲ ክትጥቀም ውጺኢቱ ኣድማዒ ይኸውን።
ኤሪ ወንገል፡ መጻኢ ራእይ ሬድዮ ተስፋ ከመይ ይመስል? ኣብ ዝሓጸረ'ኸ ዝሓንጸጽኩሞ ኣሎ'ዶ?
ሬድዮ ተስፋ፡ ሬድዮ ተስፋ ናይ ቀረባን ርሑቕን ብዙሕ መጻኢ መደባት ኣሎና። ፈለማ ኣብ ትሕዝቶታት ሬድዮና ለውጥን ምምሕያሽን ምግባር፡ ከምኡውን ዓቅሚ ሰብና ብዓይነትን ብዝሕን ንምዕባይ ሓደ ካብቲ ናይ ሓጺር ጊዜ መደባትና እዩ። ብተወሳኺ ሬድዮ ተስፋ ናብ ኤርትራ ንምብጻሕ ራእይ ኣሎና። ብዘይካ'ዚ ፈነወ ቲቪ ተስፋ ንምጅማር ውን ሓሳባት ኣሎ። እግዚኣብሄር ኣብ ጊዜኡ ከም ዝገብሮ ድማ ንኣምን።
ይቕጽል!!!
ቃል ምልልስ ምስ ሬድዮ ተስፋ (Radio Tesfa) / Part 1
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode