08
Mon, Sep
0 New Articles

መንከ ደቒቕ ከብል ሰተት?

Literature
Typography

ሰብ ንብረት ከይጠፍኦ ንንብረቱ ሓላዊ ይገብረሉ
ሰብ ገዝኡ ከይስረቕ ንገዝኡ ዋርድያ ይቖጽረሉ
ሰብ ትካሉ ከይብዝበዝ ንትካሉ ሓለዋ የዳልወሉ
ሰብ ኣቑሑቱ ከይጠፍእ ንኣቑሑቱ መፍትሕ ይገዝኣሉ

...

ሰብ ንብረቱ ክዕቅብ ንንብረቱ ገንዘብ ይኸፍለሉ
ሰብ ገዝኡ ከይድፈር ንገዝኡ ወርቂ የሕልፈሉ
ሰብ ትካሉ ከይበርስ ንትካሉ ክቡር ይህበሉ
ሰብ ኣቑሑቱ ከይጠፍእ ንኣቑሑቱ ዋጋ ይትምነሉ

ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ፡ ክኸፍል እንተ ዝሕተት
እዋን እንተ ዝፍለየሉ፡ ሰዓት እንተ ዝስልዓሉ
መን ከፊሉ፡ መን ኣይከፈለን መዝገብ እንተ ዝኽፈት?
ኩሉ ጠበቕ ምበለ፡ ኩሉ ዝኽፈል ምኸፈለ
መንከ ደቒቕ ከብል ሰተት?

ኣብርሃለይ ሃብተ
09 ሰነ 2015