ሰብ ንብረት ከይጠፍኦ ንንብረቱ ሓላዊ ይገብረሉ
...
ሰብ ገዝኡ ከይስረቕ ንገዝኡ ዋርድያ ይቖጽረሉ
ሰብ ትካሉ ከይብዝበዝ ንትካሉ ሓለዋ የዳልወሉ
ሰብ ኣቑሑቱ ከይጠፍእ ንኣቑሑቱ መፍትሕ ይገዝኣሉሰብ ንብረቱ ክዕቅብ ንንብረቱ ገንዘብ ይኸፍለሉ
ሰብ ገዝኡ ከይድፈር ንገዝኡ ወርቂ የሕልፈሉ
ሰብ ትካሉ ከይበርስ ንትካሉ ክቡር ይህበሉ
ሰብ ኣቑሑቱ ከይጠፍእ ንኣቑሑቱ ዋጋ ይትምነሉሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ፡ ክኸፍል እንተ ዝሕተት
እዋን እንተ ዝፍለየሉ፡ ሰዓት እንተ ዝስልዓሉ
መን ከፊሉ፡ መን ኣይከፈለን መዝገብ እንተ ዝኽፈት?
ኩሉ ጠበቕ ምበለ፡ ኩሉ ዝኽፈል ምኸፈለ
መንከ ደቒቕ ከብል ሰተት?ኣብርሃለይ ሃብተ
09 ሰነ 2015
መንከ ደቒቕ ከብል ሰተት?
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode