08
Mon, Sep
0 New Articles

ዘመና እንተ ተሕውያ by Kidane T Yitbarek

Literature
Typography

ብሕብረት ተጀሚሩ

ናብ ዝርገት ተቐይሩ
ምንዓዓቕ ዓሪጉ
ምክብባር ተዘሪጉ
ዘመን ተቐይሩ

ብሕሜት ምቁንጻብ
ብጉሩብ ምውድዳብ
ንነገር ምስዋር
ንሓድሕድና ምክስሳር
ዘመን ምዕግርጋር

ብጸሎት ተበጊሱ
ናብ ቆይቂ ተለጊሱ
እቲ በምልኾ ዝልለ
ከመይ ተበለለ፧
ዘመን ተጸለለ

ብመንፈስ ተላዒሉ
ብጸጋ ተሳጊሩ
ናብ ስጋ ዘቢሉ
ብሕጊ ተኣሲሩ
ዘመን ተቐይሩ

ሰላም ፍቕሪ ዓዲ ኣርሒቖም
ድንጋጽ ሓልዮት ተሰዲዶም
ጽልኢን ቂምን ዓዲ ኣትዮም
ካን'ዶ የሎን እዩ ዝሶጎም፧
ዘመን ይምጻኣሎም

ኩሉ ጻድቕ ብዘይ ምንሳሕ
ደገ ጽሩይ ውሽጢ ረሳሕ
ስቕ ኢሉ ዝቕጽል ኣብ ጌጋ
ብህይወት ብናይ ዘላለም ዋጋ
ዘመን ላንግላንጋ

ከም ቃልካ ንኹን ፍላደልፍያ
ይኣኽለና ምዃን ገላትያ
ኣየ ንቤተክርትያን ኤርትርያ
ዘመና እንተ ተሕውያ

Kidane T Yitbarek
01/05/2016