ብሕብረት ተጀሚሩ
ናብ ዝርገት ተቐይሩ
ምንዓዓቕ ዓሪጉ
ምክብባር ተዘሪጉ
ዘመን ተቐይሩብሕሜት ምቁንጻብ
ብጉሩብ ምውድዳብ
ንነገር ምስዋር
ንሓድሕድና ምክስሳር
ዘመን ምዕግርጋርብጸሎት ተበጊሱ
ናብ ቆይቂ ተለጊሱ
እቲ በምልኾ ዝልለ
ከመይ ተበለለ፧
ዘመን ተጸለለብመንፈስ ተላዒሉ
ብጸጋ ተሳጊሩ
ናብ ስጋ ዘቢሉ
ብሕጊ ተኣሲሩ
ዘመን ተቐይሩሰላም ፍቕሪ ዓዲ ኣርሒቖም
ድንጋጽ ሓልዮት ተሰዲዶም
ጽልኢን ቂምን ዓዲ ኣትዮም
ካን'ዶ የሎን እዩ ዝሶጎም፧
ዘመን ይምጻኣሎምኩሉ ጻድቕ ብዘይ ምንሳሕ
ደገ ጽሩይ ውሽጢ ረሳሕ
ስቕ ኢሉ ዝቕጽል ኣብ ጌጋ
ብህይወት ብናይ ዘላለም ዋጋ
ዘመን ላንግላንጋከም ቃልካ ንኹን ፍላደልፍያ
ይኣኽለና ምዃን ገላትያ
ኣየ ንቤተክርትያን ኤርትርያ
ዘመና እንተ ተሕውያKidane T Yitbarek
01/05/2016
ዘመና እንተ ተሕውያ by Kidane T Yitbarek
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode