08
Mon, Sep
0 New Articles

ፈውሰይ

Literature
Typography

ስለ ምንባር እየ ዝነብር ኔረ እምበር ንዓይ ምንባር ማለት ትርጉም የብሉን። ልዕሊ ምውታት ትሕቲ ህያውን ኰይነ ጉዕዞይ ኩሉ ዝመረሕ ዝነብረኩ። ካብ ወለደይን ፈተውተይን  ንጹል ብምንባረይ ዝስማዓኒ ዝነበረ ጭንቀትን ስቓይን ብቓላት ክገልጾ ዘይክእል ከም ሕጻ ባሕሪ ዝምርዛኑ እምብዛ ከቢድ እዩ። ኣሽንካይ ኣብ ማእከል ሰብ  ከም ሰብ ክመላለስ ይትረፍ ሰባት ካብ ማዕዶ ክመጽእ ክርእዩኒ ከሎዉ ሩኹስ ሩኹስ እናበኡ እዮም ኣንፈት መንገዶም ዝቕይሩ። ኣነን ከምዚ ኸማይ ዚበሉ ሰባት ወጻኢ ካብታ ኸተማ ኢና እንቕመጥን እንነብርን። ኣእምሮይ ካብ ጭንቀት ሓንቲ መዓልቲ እኳ እፍይ ዝበለሉ መዓልቲ ፈጺሙ ኣይርድኣንን እዩ።

እቶም ቀረባይ ናተይ ዝብሎም ወለደይን ኣሕዋተይ እኳ እምብዛ ስለ ዝፈንፈኑኒ ገጸይ ካብ ዘይርእዩ ነዊሕ እዮም ጌሮም። ነዛ ናይ ዕለት ምግበይ ዝምእርረላ ስራሕ እኳ ኣይነበረንን። ተረኸብኩ እብለዕ እንተ ዘይከይኑ ኸኣ ጾምካ ምሕዳር ከም ንቡር ወሲደዮ እየ። ነቲ ኣምላኽ እስራኤል ዝዀነ ፈጣሪ ንዓይ ኣብዛ ምድሪ ብምፍጣሩ ጌጋ ከም ዝገበረ መዓልታዊ እየ ዝወቕሶ።

ስለምንታይ ዝብል ዘይተመለሰ ሕቶ ኸኣ ካብ ኣእምሮይ ሓሊፉ ናብ ደም ሰራውረይ ዘሪቑ ኣትዩ እዩ። ንሕቶይ መልሲ ዝኸውን ኣይተረኽበን። ንዝነበረኒ ሕማም መድሃኒት ኣለዎም ወይ ይፍውሱ እዮም ናብ ዝተባህሉ ሰባት ከይደ እየ ግና ምንም ለውጢ ኣይረኣኹን። ገዛእ ርእስካ ባዕልኻ ምሕላፍ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝኸነ እምበር። ካብቲ ዝነበረኒ ስቓይ ንምግልጋል ንህይወተይ ባዕለይ መደምደምታ ክገብረላ ክንደይ ሳዕ ዘይፈተንኩ።

ኣሕዋተይ ክሳብ ክንድዚ ዘምርሮ ዘሎ እንታይ ዓይነት ሕማም ሒዝዎ ኢልኩም ትሻቐሉ ከም ዘለኹም ኣይጠፋኣንን። ሕማመይ ሕማም ለምጺ እዩ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ሃገርይ ኣዚዩ ኣጸያፊ ሕማም እዩ። በዚ ሕማም እዚ እንተ ተለኺፍካ ካብቲ ኸተማ ወጺኢኻ በይንኻ ምንባር እዩ እቲ እንኰ ኣምራጺ። ምስ ሰባት ክትቀርብ። ክትንኪ ኣይፍቀደልካን እዩ። ሰባት ብሩሕቕ ርኤሙኻ እዮም ዝሃድሙ። ርኢሙኻ እንተ ዝሃድሙ ጹቡቕ ኔሩ። እናጨደሩ ርኹስ ሩኹስ እንበኡ እዮም ንኹሉ ህዝቢ ዝነግሩልካ። ዝነበረኒ ስቓይ እምበር ከመይ ዓቢን ከብዲን ምዃኑ ንስኻትኩም እኳ ባዕልኹም ክትግምትዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ካብ ዝነበረኒ ኹቱር ሓዘን ዝተላዕለ ተወሳኺ  ብጓሂ ዘጥረኽዎ ሕማማት ቡዙሕ እዩ።ነፍሰ ስጋይ ኩሉ ተወዲኡ። ምንባር ተስፋይ እሮማይ ኰይኑ። እህህ መዓልታዊ ቅርሲ ድራረይ ኰነ። ኣብዚ ኸምዚ ኩነት እንከለኹ እየ ሓደ ንእዝነይ ጋን ዝዀነኒ ንምእማኑ ኸኣ ዘጸግም ወረ ዝሰማዕኩ። ኣብቲ መጀመርያ ጽውጽዋይ ከይከውን ኢሉ ንቑሩብ መዓልታት ንኽኣምኖ ተሸገርኩ። ግና እቲ ዝሰማዕክዎ ወረ እምብዛ ክዝርጋሕ ጀመረ።

ኣብ ሃገርና ሓደ ገጽ ሰብ ርእዩ ዘየዳሉ ከምቶም ካህናትና ኸኣ ትዕቢትን ኣምሰሉነትን ዘይብሉ። ቃልት ኣፉ መስተንክር። ትምህርቱ ህይወት ዝህብ።  ተኣምራትን ምሕዋይ ሕሙማትን ከኣ ዝገብር መመህር መጽዩ ኣሎ። ስሙ ኸኣ የሱሱ ይበሃል። ዝብል ሓደ ተስፋ ዝህብ ዜና ሰማዕኩ። እዚ የሱስ እዚ የዒንቲ ዕውራት ከም ዝኸፈተ። ሓንካሳት ከም ዘዝለለ ሚስጥር ኣምላኽ ከም ዝመሃረ ሰማዕኩ። ካልእ ዝገረመኒ ኸኣ እዚ የሱስ ዝብሃል ምስ እቶም ሰባት ዝፈንፈንዎን ዝትጸየንዎን ሰባት ኰይኑ ሓቢሩ መኣዲ ይበልዕን ይሰትን ይምህሮምን ከም ዘሎ ምስ ሰማዕኩ ኣዚይ ተገረምኩ እዚ ኸምዚ ዓይነት ነገረ ኣብ ሃገርና ኣይተለምደን ጥራይ ዘይኰነ ንኽስማዕ እውን ተኣምር እዩ።

 ውሽጠይ ከኣ ተስፋ ከምዘሎ ዲጉ ዲግ ክብለኒ ጀመረ። ነዚ ነገር እዚ ኸኣ ብኣካል ከይደ ክዕዘቦ ወስንኩ። ምንም እኳ ነዚ ውሳኒ ክውስን እንተ ደለኹ ብኸመይ ከም ዝገብሮ ግና ጨነቐኒ። ከመይሲ ኣነ ምስቲ ዘሎኒ ሕማም ኣብ ማእከል ሰባት ክኸውን ኣይክእልን እየ። ኣብ ማእከል ሰባት እንተ ተረኺበ ኸኣ ከምቲ ሕጊ ብዳርባ እምኒ ተጨፍሊቐ ክመወት እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኣምራጺ የሎን። እዚ ኸምዚ ዓይነት ነገር ብዓይነይ ስለ ዝረኣኹ ኣባይ ዝመጸኒ ዘሎ ስለ ዝመሰለኒ ነፍሰ ስጋይ ግንብብንብ ክብለኒ ጀምረ።

ምንም እኳ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይ እዚ ግሩም ወረ ተሰማዕኩ። ባዕለይ ከይደ ክሳብ ዘረጋግጾ ምሉእ ብምሉእ ኣይኣመንኩን ስለዚ እዚ ሰብኣይ እዚ ነዚ ከምዚ ኸማይ ዝበለ ሰብ ክቐርቦ ፍቓደኛ ድዩ ዝብል ኣብ ኣእምሮይ ብልጭ ዝብል ሕቶ መጸኒ? ንክምልሶ ኸኣ ጸገመኒ። ኣብ መወዳእታ ግና እንተ ሞትኩ ይሙት ብምባል ክኸይድ ወሰንኩ። ሰብ ከይረእየኒ ኸኣ ብዝከኣል ኩሉ ተሸፋፊነ መንገደይ ቀጸልኩ ሰባት ኣጣይቐ ከኣ ናብቲ ንሱ ዘለዎ ቦታ መጻኹ። ኣምላኽ እስራኤል ኣሎኻ ስለ ዝበለኒ እዩ እምበር ሰባት ከጣይቕ ከለኹ ዳርጋ ለምጻም ምዃናይ ተፈሊጠ ነበርኩ።

ናብቲ ብወረ ጥራይ ዝሰማዕክዎ የሱስ ዝብሃል ብዓይነይ ረኣኽዋ። ኣሽሓት ሰባት ዓበይትን ናእሽቱን ሰብኡትን ኣንስትን ከቢቦም ነበሩ። ንሱ ኸኣ ኣብ ከረን ኰይኑ ተቐሚጡ ክምህሮም ይዳሎ ነበረ። ዕድለይ ጸቢቑለይ ከኣ ሽዑ’ዩ ኣስተመህሩ ዝጅምር ዝነበረ። ከም ስልጣን ዘለዎ እምበር ኣስተምህሩ ከምቶም ካብ ካህናትና እንሰምዖ ተራ ኣስትምህሮ ኣይነበረን። ኣፉ ኸፈተ። ኣነ ካብታ ንዕኡ ዝረኣኹሉን ዝሰማዕኩላን ሰዓት ጀሚረ ልበይ ብፍቕሩ ተማሪኹ እዩ። ናብኡ ክቐርብን ከይቀርብን ኣይፈለጥኩን ዋላ ብዳርባ እምኒ ይጨፍሉቑኒ እምበር ትምህርቱ ምስ ወደኣ ክኸዶ እየ ኢለ ብልበይ ወዲኤዮ ነበርኩ።

የሱሱ ኣብቲ ኸረን ተቐሚጡ ክምህር ጀመረ። እቶም ብመንፈስ ድኻታት መንግስተ ሰማይ ናታትቶም እያ እሞ ቡጹኣን እዮም ብምባል ኣፉ ኸፈተ። ንነዊሕ ሰዓታት ከኣ መሃረና ንዓይ ግና እምብዛ ወሓደኒ። ኣነ ኣብ መንግስተ ሰማይ ድየ ኣብ ምድሪ ዘለኹ ኣይተፈለጠንን ኩለምናይ መኢስጥዎ።ንመፈሰይ ዘሪፍዎ። ኣዒንተይ ብንባዓት ትሓጺበን እቲ ንዓመታት ዝሞተ ተስፋይ። እቲ ንዘመናት ዝጸልመተ ብርሃነይ። እንሆ ሕጂ ፍኒሕኒህ ክብል ጀመረ።  ኣስትምህርኡ ወድኡ ካብ ከረን ምስ ወረደ ከመይ ጌረ ናብኡ በጽሒ ኣይተፈለጠንን። ኣብ ጥቕኡ ከም ዝበጻሕኩ ዝፈለጥኩ ገለ ናይ ተቓውሞ ጭድርታትታን ዘረባታትን ምስ ሰማዕኩ እዩ። ለምጻም እዩ ኣይትተንክዮ ርኹስ እዩ ደፋር በልዎ ኣርሕቕዎ ዝብልን ካልእ ናይ ኩነኔ ድምጽን ኣብ ኣእዛነይ ከቃልሕ ጅመረ።

ኣነ ናይ መወዳታይ እዛ ዕድለ ስለ ዝረኸብኩ ከተምልጠኒ ኣይደለኹን ዋላ ይጨፍሉቑኒ ምሟት ምሟቱ ኣብ ብርኩ ተንበርኪኸ ንረዲኤቱ ሓቲተ ሙሟት ይሕሸኒ ብምባል ኣብ እግሪ እቲ ቡርኽ የሱስ ተደፋእኩ። ንሱ ከም ካልእ ከም ዘይኰነ ተርድኤ እየ። ካብ የዒንቱ ንዓይ ፍቕርን ድንጋጸን ክወጽእ ከለኹ ርኤ ኣየ። ስለዚ ኸኣ እየ ትብዓት ሰኒቐ ሓቦ ተዓጢቐ ብዓውታ “እንተ ትፈቱስ ከተንጻሃኒ ትኽእል ኢኻ” ብምባል ለምንክዎ። ከም ዘየሕፍረኒ ይፈልጥ እየ። ፍታዉ እንተ ዀይኑ ኸኣ ከም ዘይከልኣኒ ይፈልጥ እዩ። ሰባት ካብ ዘይትንኩፉኒ ዓመታት ኣቑጺረ እየ። ምትንካፍሲ ይትረፈኒ በቲ ኣነ ዝዀዶ ገደና ዘይከዱ ማእለያ የብለሙን።

እዚ ፍቕሪ ዝዀነ መድሓኒ ግና ኣእዳው ዘርጊሑ ብፍሕሽው ገጽ ፈትየ ኣለኹ ንጻህ በለኒ ብቕጽበት ቆርበተይ ከም ናይ ቆልዓ ቀርበት ክኸውን ተረዳኣኒ። ለምጽይ ካባይ ክግፈፍ። ሕሰመይ ካባይ ክርሕቕ። ውርደተይ ካባይ ክሃድም። ሕፍረትይ ካብይ ክቕንጠጠ። ተፈለጠኒ። እንድዒ እንታይ እሞ ክብለኩም እየ ኣፈይ ብሰሓቕ መልሓሰይ ከኣ ብእልልታ መሊኡ ኣብ ቅድሚ እየሱስ ተደፍእየ ምምስጋን ሰኣንኩ ቃልት ሓጸረኒ።

ሰባት ኣስተንከሩ ናባይ ወረር ወረ ክብሉ ጀመረኡ። ንዓመትታ ዝሰኣንክዎ መጎስ  ብቕጽበት ዓይኒ ናባይ ክመጽእ ተፈለጠኒ ወይ መስትንክር ወዲ ኣምላኽ እንተ ኣኺብርካ ኩሉ እዩ ዘኽብረካ ኢለ ተደነቕኩ። እቲ ለውህ መድሓኒ ኣጆኻ ሕጂ ከም ዝነጻህካ ከይድካ ንካህን ኣርእይ በለኒ። ነጽህየ። ተሓጊሰ። ተለዊጠ። ክብሪ ንኣምላክ እስራኣኤል ይኹን።

ኣቱም ሰባት እዚ ለዋህ መዕረፊ መራገፊ ጾር የሱስ ሓድሽ ሰብ ጌሩኒ። ኣቱም ሰባት ኣነ ዝብለኩም ኣሎኒ ሎሚ ክንደይ ከምዚ ኸማይ ኮን ትኾኑ ተስፋኹም ተጸንቂቑ መወዳእታኩም ኣኽቲሙ ረድእይት ዘይብልኩም ዝመስለኩም ዘሎ ካባይ ተመሃሩ ኣብ እግሪ መድሓኒ ተንበርከኹ ሽዕ ምንጻህን ምኽባርን እንታይ ምኻኑ ክትፈልጡ ኢኺም ኣምላኽ እስራኤል ሰናይ እዩ እሞ ግብሪ ሰናይ ኣብኹም ክገብር እዩ። እቲ ፈውሰይ ፈውሲ ኰይኑ፡ ካብ ለምጸይ ነጺሄ  ከምቲ ኣምላኽ ክዀን ዝደሊዮ ኰይነ ኸኣ ይመላለስ እለኹ።

እዚ ታሪኽ ካብ ማቴዎስ 8 ምዕራፍ ካብ ጥቕሲ 1 ክሳብ ሰለስተ ብምውሳድ እየ ከም ታሪኽ ቐሪቡ ዘሎ።