ዳዊት ዝጸለዮ ጸሎት ክጽሊ ምደለኹ
ኣብታ ዝኾዓትዋ ጉድጓድ ይውደቑ
ኣብ ዝኾዓትዎ ዒላ ይጥሓሉ
ብዘጻወድዎ መጻወድያ ይተሓንኮሉ
ብዝኣጎድዎ ሓዊ ይጠበሱ
ብዝወልዕዎ ሕንፍሽፍሽ ይተሓመሱ
ብዝተኮስዎ ጥይት ይመንጠሉ
ብዝኸፈትዎ ኲናት ይቀተሉ
ብዝኣለምዎ ተንኮል ይተሓዙ
ብዝበጽበጽዎ ስሚ ይመረዙ
ብዝሓሰብዎ ጥፍኣት ይጥፍኡ
ብዝኣጎድዎ ውግእ ይወድኡ
ከም ዝነቐጸት ገረብ ይሞንቆሱ
ከም ዝዓነወ ገዛ ድማ ይፍረሱዳዊት ዝጸለዮ ጸሎት ክጽሊ ምደለኹ
ኣይገበርኩዎን
ኣብ ልቡ ዘሎ ክገብር
ኩሉ ነገረይ ን ኣምላኽ ሂበዮ’ለኹ።
ኣብርሃለይ ሃብተ
12 ጥሪ 2016
ኣይገበርኩዎን ብኣብርሃለይ ሃብተ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode