08
Mon, Sep
0 New Articles

ኣይገበርኩዎን ብኣብርሃለይ ሃብተ

Literature
Typography

ዳዊት ዝጸለዮ ጸሎት ክጽሊ ምደለኹ
ኣብታ ዝኾዓትዋ ጉድጓድ ይውደቑ
ኣብ ዝኾዓትዎ ዒላ ይጥሓሉ
ብዘጻወድዎ መጻወድያ ይተሓንኮሉ
ብዝኣጎድዎ ሓዊ ይጠበሱ
ብዝወልዕዎ ሕንፍሽፍሽ ይተሓመሱ
ብዝተኮስዎ ጥይት ይመንጠሉ
ብዝኸፈትዎ ኲናት ይቀተሉ
ብዝኣለምዎ ተንኮል ይተሓዙ
ብዝበጽበጽዎ ስሚ ይመረዙ
ብዝሓሰብዎ ጥፍኣት ይጥፍኡ
ብዝኣጎድዎ ውግእ ይወድኡ
ከም ዝነቐጸት ገረብ ይሞንቆሱ
ከም ዝዓነወ ገዛ ድማ ይፍረሱ

ዳዊት ዝጸለዮ ጸሎት ክጽሊ ምደለኹ
ኣይገበርኩዎን
ኣብ ልቡ ዘሎ ክገብር
ኩሉ ነገረይ ን ኣምላኽ ሂበዮ’ለኹ።
ኣብርሃለይ ሃብተ
12 ጥሪ 2016