ሩት ናብቲ ዝመጻ ፖስጣ ዝቕመጠሉ ሳንዱቓ ከደት እሞ ሓንቲ ደብዳቤ ረኸበት። ቅድሚ ምኽፋታ ኸኣ ገላቢጣ ረኣየታ። ቴምብር የብላን፣ ማሕተም እውን የብላን። ስማን ኣድራሻኣን ጥራይ እዩ ዘለዋ። ነታ ደብዳቤ ከፊታ ኸኣ ኣንበበታ
ናብ ዝኸበርኪ ሩት
ቀዳም ናይ ምሸት ኣብ ጐረቤትኪ ክመጽእ እየ እሞ ክበጽሓኪ ናብ ገዛኺ ከላግስ እየ።
ኩሉ ግዜ ዘፍቅረኪ የሱስ
ነታ ደብዳቤ ኣንቢባ ኣብ ጣውላ ከተቐምጣ ከላ ኣእዳዋን ኣእጋራን የንቐጥቅጥ ነበረ።
"ስለምንታይ እዩ ጐይታ የሱስ ክበጽሓኒ ደልዩ? ኣነ ተራ ሰብ እየ ምንም ኣይኰንኩን። ንዕኡ ዝበቅዕ ምንም ነገር ከኣ የብለይን።" ከምዚ እናሓሰበት ከላ ኸኣ ክሽንኣ ባዶ ምኻኑ ዘከረት።
"ኦ ኣምላኸይ ብርግጽ ዝወሃብ ምንም ነገር የብለይን።" ናብ እንዳ ዱካን ከይደ ንድራር ዝኸውን ክዓዳድግ ኢላ ኣብ ቦርስኣ ዘለዋ ገንዘብ ክትፈታትሽ ጀመረት። ሓሙሽት ዶላርን 40 ሳናቲምን ከኣ ነበርኣ። ድሓን በዚኣን ተዋሓደ ባንን ዝልከን ክገዝእ ይኽእል እየ ኢላ ካፖታ ተኸዲና ብጉያ ካብ ገዝኣ ወጸት። ባኒ፣ ሓደ እግሪ ደርሆ፣ ጸባ ገዝኣት 12 ሰናቲም ከኣ ማልስ ረኸበት። ዝገዛኣቶ ንብረት ሒዛ ኸኣ ብሓጐስ ናብ ገዝኣ ኣምረሓት።
"ኣቲ ጓል በጃኺ እባ ሓግዝና" ሩት ሓሳባ ኩሉ ብዛዕባ ነቲ ጓሻ እተዳልውሉ ድራር ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ መደብ ተውጽእ ስለ ዝነብርት ነቶም ኣብ መንግዳ ዝነበሩ ሰባት ኣይቅለበትሎምን። ሰብኣይን ሰበይትን እዮም። እዚዩ ዝበለየን ዝተቐዳደደን ክድን እዮም ተኸዲኖም። "ኣንቲ ሓፍትና ኣነ ስራሕ የብለይን ሰበይተይን ኣነን ከኣ ኣብዚ ጽርግያ ኢና እንሓድር። ኣዚና ቖሪርና ኣሎና እንበልዖ ስለ ዘይብልና ኸኣ ብጥሜት ክንመዉት ደሊና ኣሎና። ስለዚ እንተ ትሕግዝና ኣዚና ምተሓጎስና ኔርና"
ሩት ንኽልቲኣቶም ኣተኪራ ጠመተቶም። ኣዚዮም ረሳሓት እዮም። ሕማቕ ሽታ ኸኣ ኣለዎም። እንተ ዝደልዩ ገለ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝኽእሉ ርግጸኛ እያ።
"ኣቦ ክሕግዘክም ምፈተኹ ግና ኣነ ንባዕለይ እውን ድኻ ሰበይቲ እየ። ዘሎኒ ኸኣ እዚ ሒዘዮ ዘለኹ ቁሩብ ባኒን ጸባን እዩ ዘሎኒ። እዚ ኸኣ ሎሚ ምሸት ዝመጸኒ ሓደ ኩቡር ጋሻ ኣሎኒ ንዕኡ ኸኣ እየ ከዳልወሉ።
"ሓራይ እዛ ሓፍተይ ተረድኢኒ ኣሎ ብዝዀነ የቐንየለይ" እቲ ሰብኣይ ኣእዳው ናብ ዝባን ሰበይቱ ጌሩ ዝባኑ ሂብዋ ናብ ካልእ መንገዲ ክጓዓዝ ተበገሰ። ንድሕሪት ገጾም ክስጉሙ ከለዉ ምስ ረኣይቶም ሩት ልባ ብድንጓጽ መለኣ።
"ኣቦ ሓንሳብ ሓንሳብ" እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ደው በሉ እሞ ናብኦም ክትጐዪ ረኣይዋ። "ስለምንታይ እዚ ገዚኤዮ ዘለኹ ምግቢ ዘይትወስድዎ። ነቲ ጋሻ እንታይ ከም ዛድልወሉ ክሓስብ እየ ደሓን"
"የቐንየልና እዛ ሓፍተይ ብጣዕሚ ኢና ነመስግን"
።ብሓቂ የቐንየልና" በለት እታ ሰበይቱ ሩት ከኣ ብቑሪ ክተንቀጥቅጥ ረኣየታ።
"ኣነ ኣብ ገዛይ ካልእ ካቦት ኣሎኒ እዚ እንኪ ንዓኺ ውሰድዮ" ኢላ ሩት ነቲ መላጉም ካቦታ ፈቲሓ ነታ ሰበይቲ ከደነታ። እናሳሓቐት ከኣ ብዘይካፖታን ብዘይ እቲ ንጓሻ ኢላ ዝገዛኣቶ ምግቢ ናብ ገዝኣ ኣምረሓት።
ሩት ኣብ ኣፍ ገዝኣ ምስ በጽሓት ብቑሪ ተንቀጥቅጥ ነበረት። ኣዚያ ኸኣ ተጨኒቓ ኔራ። ጐይታ ክበጽሓ ክመጽእ እዩ ግና እተዳልወሉ ምንም ነገር የብላን። መፍትሓ ከተውጽእ ኣብ ቦርስኣ ሃሰስ ክትብል እንከሎ ኣብቲ መቐመጢ ሳጹን ናይ ፖስጣኣ ሓንቲ ደብዳቤ ረኣየት።
"እንታይ ዓይነት ዘገርም እዩ እቲ ፖስጣ ዘመላልስ በዓል ፖስጣ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ኣይመጽእን እዩ" ኢላ ነታ ፖስጣ ኣውጺኣ ከፊታ ኣንበበታ።
ዝኸበርኪ ሩት
ካልኣይ ግዜ ንዓኺ ብምርኣየይ ሕጉስ እየ። ስለቲ ዘዳለኽለይ ግሩም ምሳሕ የቐንየለይ። ስለ እታ ግርምቲ ካፖትኪ እውን ደጊመ የቐንየለይ ይብለኪ
ኩሉ ግዜ ዘፍቅረኪ የሱስ።
እቲ ኩነታት ኣየር ኣዚዩ ቆራሪ እዩ ኔሩ። ሩት ግና ነዚ ፈጺማ ኣየቕለበትሉን
ናብ ዝኸበርኪ ሩት
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode