08
Mon, Sep
0 New Articles

ንእሽቶ ማሕታ ገሃነም

Literature
Typography

ንድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ ካብ ዝኽእል፣ ኢድ ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ከም ዝነበረት እስማዓኒ። ገና ንእሽቶይ ቆልዓ ኮይነ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዛዕባ ሃይማኖት እግደስ ነበርኩ። ወለደይ ክምልስዎ ዘሸግሮም ብዙሕ ጊዜ ሕቶታት አቅርብ ኔይረ። ኣብ ዓሰርተ ሓደ ዓመተይ ዲሒነን ተጠሚቐን። ብጐይታ ሕጉስ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑውን ፈለጥኩ። ኣብ ፋሲጋ ሰንበት መዓልቲ ጐይታ ወንጌል ንኽሰብኽ ጸወዓኒ። ኣብ ጓል ፣3 ዓመተይ፣ ቀዳመይቲ መልእኽተይ ሰብኽኩ።


ኣብኡ ከኣ ትሽዓተ ነፍሳት ድሓና። ድሕርዚ ኣብ ዕድል ዝተዋሃብክዎ መልእኽቲ አቅርብ ነበርኩ። እታ እንኮ ድሌተይ ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር ነበረ፣ ብዛዕባ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት ከም እኒ ሳዕስዒት፣ ካርታ ምጽዋት ወይስ ምርኢታት ኣይተገደስኩን፣ናብ ቤተ ክርስትያን ምኻድ ሕሉፍ ድሌት ነበረኒ። ንትሽዓተ ዓመታት ዝኣክል ከኣ ትምህርቲ ሰንበት ኣምሊጡኒ ኣይፈልጥን'ዩ። ግናኸ ፍቓድ ኣምላኽ እገብር ስለ ዘይነበርኩ ዝነበረኒ ሓጐስ ካብ ነፍሰይ ጠፍአ። ንክሰብኽ ዝተዋህበኒ ጽውዓ ከኣ ከማልእ ኣይደሌኹን። ኣምላኽ ስቕ ኢለ ክጠፍእ ኣይሓደገንን ኣነ ግና ኣንጻሩ ካብ ምዕላው ኣይተቖጠብኩን። ኣብ ርትዒ በጺሐ ናብ ስፍራ መጸለዪ እኸይድ፣ ንጐይታ ክእዘዝ ፍቓደኛ ሰለ ዘይነበርኩ ግና ተንስኤ ናብ ስፍራ መቐመጥየይ ነፍሰይ ተደጊፈ እምለስ።

   መልእኽቲ ከየቕረብኩ ሰለስተ ዓመት ሓለፈ። ሕሰብ እሞ እተን ከየገልገልኩለን ዝጠፍኣ ሰለስተ ዓመታት ንኣምላኽ እንታይ ክገብረሉ ምኸኣልኩ ይመስለካ? ክንደይ ነፍስትከ ምድሓና ኔይረን። ሰይጣን ደለየኒ እቶም ናብ ክርስቶስ ክምጽኦም ዝግብኣኒውን። ኣምላኽ ግና ኣፍቂሩኒ ስቕ ኢለ ክጠፍእ ከኣ ኣይሓደገንን። ኣብ ቤተ ክርስትያንና ምንቕቓሕ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ኣብቲ ሓይሊ ኣምላኽ ብዓቢዪ ዝተገልጸሉ መንፈስ ቅዱስ ከም እንደገና ኣብ ውሽጠይ ሰርሐ። ምሸት የካቲት ፣938 . እዩ። እቲ ሰባኻይ ዘኽውስ መልእኽቲ ምስ ኣቕረበ ጓሳ ማሕበረይ መጺኡ ናብ ቦታ ጸሎት ክኸይድ ዓደመኒ፣ ኣነ ግና ርእሰይ ነቕኒቐ ኣይፋል በልኩ። ንሱ ብዛዕባይ ጾር ከቢድዎን ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኹን "ሎሚ ምሸት እንተድኣ ዘይወጻእኪ እፈርህ ኣለኹ፣ ኣብ ውሽጢ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ናብ ገሃነም ከይትወርዲ" በለኒ። ናብቲ ቦታ መሰውኢ ክኸይድ ተበገስኩ ኣብ ማእከል እቲ መተሓላለፊ ምስ በጻሕኩ ግና

ደው በልኩ። ንሱ ብዛዕባይ ይጽሊ ኔይሩ ነቶም ህዝቢውን  ክጽልዩለይ ሓተቶም።

   ናብቲ ቦታ መጸልዪ ቀጸልኩ ተምበርከኽኩ ከኣ። ገና ግና ዓላዊት ሕራይ ንምባል ከኣ ነጸግኩ። ናብ ቦታይ ክምለስ ከኣ ተንሲአ ተበገስኩ። ብድሕርዚ እግዚኣብሄር ወቕዓኒ እሞ ክድንዝዝ ጀመርኩ። ድሕሪ ሒደት ካልኢት ከኣ  ነዛ ዓለም እዚኣ ምውቲ ኮንኩ። ብጀካ ምዕልባጥዝርእዮ፣ ዝሰምዖ፣ ዝስማዓኒ ነገራት ኣይነበረን። መንፈሰይ ግና ኣብ ገሃነም ተበራበረት።

ከምቲ ኣምላኸ፣ ሰይጣንውን ንነፍሰይ ደለያ። ኣብ መንጎ ክርስቶስን ሰይጣንን ደው በልኩ። ኣእዳው የሱስ ከም ምስዮናዊት ከይደ ክሰብኽ ይሓታኒ። ኣነ ግና ኣብ ኣይፋል ጸናዕኩ።ኣም ላኽ ከኣ ናብቲ ማዕሙቕ ገሃነም ወሰደኒ። ነቲ ምርሖታት ከፊቱ ከኣ ገሃነም እንታይ ከም እትመስልን  እንተዘይተኣዚዘ ድማ ናብኡ ከም ዝወርድን ኣርኣየኒ። ኣብኡ፣ ገጽ ኲሎም ህዝብታት ብጫታት፤ጸለምቲ፤ ቀያሕቲ፤ ጽዓዱን ተመልከትኩ። ንክርእዩኒ ሕጉሳት ኣይነበሩን። እኳ ድኣ ኢዶም ዓሚኾም ብምሕንሓን ተቐባበሉኒ። ከርክቡኒ እንተዝኽእሉ ከኣ ምበጣጠሱኒ ኔሮም። ምኽንያቱ  ኣብ ገሃነም ምህላዎም ናተይ ጥፍኣት ስለዝነበረ። እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ገሃነም ኣብ ዙርያይ ተዘርግሐ  ዓበሰኒ ከኣ ማይ ደሌኹ ግናኸ ንከናፍረይ እኳ ዘጥልል ሒደት ኣይተረኽበን። እዚ  ጥራይ መዓስ ኮይኑ፣ ገለ ካብ መሓዙተይ ከኣ ኣብኡ ረኤኹ። ብስቓይን ጻዕረ ሞትን ይሓልፉ ምኽንያቱ እዚ ኩሉ ንኣምላኽ ምንጻገይ ነበረ። ነፍሰይ ኣብ መንጎ ሰማይን ገሃነምን ተንጠልጠለት። ደም እተን ነፍሳት ካብ ኢደይ ከንጠብጥብ ይርኣየኒ። ንኣምላኽ ተኣዚዘ  ኔይረ  እንተዝኸውን ከኣ ምድሓና ኔረን።

 እንተዘይእዘዝን ካብዚ ኣሰቃቒ ምርኢት  እንተ ኣድሓንካኒ ገለ ነገር ክገብር እየ  እንተዘይብልን ርግጸኛ እየ ምሞትኩ ኔይረ። ሰላም ናብ ልበይን ነፍሰይን መጸ፣ ሎሚ ኣነ ከም ዝደሓንኩ እፈልጥ። ካብ ንሱ ብዝደልየኒ ምኻድ ካልእ ፍሉይ ጽዋዓ የብልይን። ናብ ኣነ ዝደልዮ ክኸይድ ደስ ምበለኒ ግናኸ ኩሉ ሃቐናይ እግዚኣብሄር ክመርሓኒ እደሊ።

                              ኤልቫር  ግራንድስታፍ