08
Mon, Sep
0 New Articles

ታሪኽ ፍቕሪ

Literature
Typography

 ሓደ መዓልቲ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ክርእያ ኣንጌሄ ተንሳእኩ። ብርግጽ ፍጥረት ኣምላኽ ክንዮ ግምትናን ምርዳእናን እዩ። ነታ ትበርቕ ዘላ ጸሓይ ምስ ረኣኹ ከኣ ንኣምላኽ ኣመስገንክዎ። ኣብቲ ቦታ ንበይነይ ኮፍ ኢለ ከለኹ ከኣ ህላውነት ኣምላኽ ተሰማዓኒ እሞ ኣምላኽ

ከምዚ ኢሉ ሓተተኒ


 "ተፍቅረኒ ዲኻ?"

ኣነ ኸኣ "ብርግጽ ኣምላኽ! ንስኻ እኰ ጐይታይን ኣምላኸይን ኢኻ"

ደጊሙ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ሓተተኒ

"ኣእጋርካን ኣእዳውካን ስኢንካ እንተ ትስንክልከ ብርግጽ መፍቀርካኒ ዶ?"

ኣብዚ እዋን እዚ ኣዚየ ተደናገርኩ። ናብ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ከኣ ጠመትኩ። ብዘይብኦኦም ከኣ ቡዙሕ ነገር ከም ዘይገብር ኣስተውዓልኩ። ከምዚ ኢለ ግና መለስክሉ "ኣዚዩ ከቢድ እዩ ጐይታይ እንተዀነ ግና እወ የፍቅረካ እየ"

ደጊሙ ጐይታ ከምዚ በለኒ

"ዕውር እንተ ትኸውንከ ነዚ ኩሉ ፍጥረተይ መፍቀርካዮ ዶ?

ከመይ ጌረ እየ ንሓደ ነገር ከይረኣኽዎ ከፍቅሮ ዝኽእል? ኣብዚ እዋን እዚ ነቶም ኣብዘላ ዓለም ዘለዉ ዓይነስውራን ዘከርክዎም ካብ እዞም ሰባት እዚኣቶም ከኣ ማእለያ ዘይብሎም ንኣምላኽ ዘፍቅሩን ንፍጥረት ዘድንቑ ሰባት ከም ዘለዉ ዘከርኩ እሞ ከምዚ ኢለ መለስክሉ "ንኽትሓስቦ እኳ ከቢድ እዩ እንተዀነ እወ ከፍቅረካ እየ"

ጐይታ ኸኣ ደጊሙ ከምዚ ክብል ሓተተኒ

"ጸማም እንተ ትኸውንከ ቃለይ ምሰማዕካ ዶ?"

ጸማም እንተዀይነ ደኣ እሞ ከመይ ጌረ እየ ክሰምዕ? ግና ሓደ ነገር ተረዳእኩ ንቓል ኣምላኽ ምስማዕ ልብና እምብር እዝናን ከም ዘየድለየና። ከምዚ ኢለ ኸኣ መለስክሉ "ኣዚዩ ከቢድ እዩ ግና ንቓልካ ክሰምዖ እየ"

ጐይታ ኸኣ ደጊሙ ከምዚ ክብል ሓተተኒ

"ዓባስ እንተ ትኸውን ከኣ ንስመይ ምወደስካን መመስገንካን ዶ?

ብዘይ ድምጺ ከመይ ኢለ ክውድሰካን ከኽብረካን? ግና ሓደ ምርዳእ መጸኒ ኣምላኽ ካብ ውሽጢ ልብናን ነፍስና ክንዝምረሉ ከምዝደሊ። እቲ ጣዕሚ ድምጺ እንታይ ይመስል ብዘየገድስ ንኣምላኽ ምምስጋን ብመዝሙር ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ስደት ዝመጸና ግዜ ብቓላትና ኢና ንኣምላኽ ነመስግኖ። ከምዚ ኢለ ኸኣ መለስክሉ "ምንም እኳ ዓባስ ብምዃነይ እንተ ዘይዘመርኩ ገና ግና ንስምካ ከኽብሮ እየ"

ጐይታ ኸኣ ደጊሙ ከምዚ ክብል ሓተተኒ

"ናይ ብሓቂ ዲኻ ተፍቅረኒ"

ብትብዓትን ብርትዕን ከምዚ ኢለ መለስክሉ "እወ ጐይታይ የፍቅረካ እየ። ምኽንያቱ ንስኻ  በይንኻ ሓቀኛ ኣምላኽ ስለ ዝዀንካ"

ጹቡቕ ጌረ ዝመለስኩሉ ኸኣ መሰለኒ ግና

ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ሓተተኒ

"ስለምንታይ ደኣ እሞ ሓጢኣት ትገብር?"

ኣነ ኸኣ ከምዚ ኢለ መለስኩሉ "ምኽንያቱ ኣነ ሰብ እየ ፉጹም ከኣ ኣይኮንኩን"

"እንታይ ደኣ እሞ ኣብ ግዜ ሰላምካ ካባይ ኣርሒቕካ ትኸይድ? ስለምንታይ ደኣ ኣብ ግዜ ጸበባኻን መከራኻን ጥራይ ብልብኻ እትደልየኒ?"

መልሲ የለን እንትርፎ ንብዓት

ኣምላኽ ዘረብኡ ብምቕጻል

"ስለምንታይ ግና ኣብ ሕብረትን ቦታ ምዝንጋዕን ጥራይ እትዝምር?

ስለምንታይ ግና ኣብ ግዜ ኣምልኾ ጥራይ እትደልየኒ

ስለምንታይ ግና ናይ ስሰዐ ጸሎት እቲ ጽሊ

ስለምንታይ ግና ነቶም ዘየድልዩ ነገራት እትሓትት"

ንብዓት ካብ የዒንተይ ክውሕዝ ጀመረ።

"ስለምንታይ ኢኻ ብዛዕባይ እትሓፍር?

ነቲ ጥዑም ወንጌለይከ ንኻልኦት ዘይተካፍል

ዝባነይ ክሽከመካ ፍቓደና ከለኹ ስለምንታይ ኢኻ ኣብ ግዜ ስደት ኣብ ካላኦት እተጉረምርም

ንስመይ እተገልግለሉ ደገ ከፊተልካ ከለኹ ስለምንታይ ኢኻ ምኽንያታት እተብዝሕ"

ክምልሰሉ እኳ እንተደለኹ ግና ዝህቦ መልሲ ኣይነበረንን

"ህይወትካ ብበረኸት ተባሪኻ እያ

ነዚ ህያብ ከይትድርብዮ ኸኣ ነጊረካ።

ንዓይ ከተገልግለሉ ዘኽእለካ ህያባትን ክእለታትን ሂበካ

ግና ንድሕሪት ገጽካ ካብ ምኻድ ድሕር ኣይበልካን፣

ቃላተይ ንዓኻ ገሊጸልካ

ብፍልጠት ግና ኣይዓበኻን።

ንዓኻ ኩሉ ግዜ እየ ዝዛረበካ እዝንኻ ግና ኩሉ ግዜ ዕጽው እዩ።

በረኸተይ ኣርእየካ

ግና የዒንትኻ ናብ ካልእ ምስ ሸፈታ እየን።

ልኡኻተይ ሰዲደልካ

ንስኻ ግና ብትህኪት ንሶም እናዓየዩ ኢድካ ኣጣሚርካ ኮፍ ኢልካ።

ጸሎትካ ሰሚዔ ንኹሉ መሊሰልካ።

ብሓቂ ዲኻ ተፍቅረኒ?"

ክምልስ ኣይከኣልኩን። ከመይ ጌረኸ ክምልሶ? ካብ መጠን ንላዕሊ ሓፈርኩ። ዝዀነ ምኽንይት ከኣ የብለይን። ነዚ እሞ እንታይ እየ ክብሎ? ልበይ ናብኡ እናእወይ ካብ ኣዒነትይ ንብዓተይ ከም ዊሒዝ ፈሰሰ። "ኣምላኸይ ምሕረት ግበረለይ ኣነ ንዓኻ ዝበቅዕ ዉሉድ ኣይኮንኩን" ኢለ ተዛረብክዎ።

ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ

"እዚ ጸጋይ እዩ ወደይ"

ከምዚ ኢለ ሓተትክዎ "ስለምንታይ ኢኻ ብቐጻሊ ምሕረት ትገብረለይ? ስለምንታይ ኢኻ ተፍቅረኒ?'

ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ መለሰለይ

"ምኽንያቱ ንስኻ ፉጡረይ ኢኻ። ወደይ ኢኻ ፈጺመ ኸኣ ኣይክሓድገካን እየ።

ናባይ ከተእዊ ከሎኻ ልበይ ብድንጋጽ ይመልእ እሞ ምስኻ ይበኪ

ብሓጎስ ክትዘልል ከሎኻ ከኣ ኣነ ምሳኻ ይስሕቕ

ተስፋ ክትቆርጽ ከሎኻ ከኣ ኣነ የብርትዓካ

ክትወድቕ ከሎኻ ከኣ ኣነ የተሰኣካ

ክትደክም ከሎኻ ከኣ ይሽከመካ

ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻ እየ። የፍቅረካ ኸኣ እየ።

ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸኹ። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ፍቕሪ ዘይብለይ? ንኣምላኽ ስለምንታይ ጐዲኣዮ? ንኣምላኽ ከኣ ደጊመ ከምዚ ኢለ ሓተትክዎ "ክሳብ ክንደይ ኢኻ ተፍቅረኒ"

ጎይታ ኣእዳው ዘርጋሓለይ ኣነ ኸኣ ሽንካር ኣእዳዉ ረኣኹ።

ኣብ እግሪ መድሓኒ የሱስ ኸኣ  ተደፋእኩ ንፋለማ ግዜ ኸኣ ሓቀኛ ጸሎት ጸለኹ።