ሓደ ካብቲ ዝጸበቐ ቅብአ-ስእልታት ናይ ክርስቶስ እቲ ብ ጀርመናዊ ሰኣላይ ስቴይንበርግ ዝተሳእለ እዩ፣ ንሱ ንሓንቲ ንእሽቶ ብዓሌታ ጂፕሲ ዝኾነት ጓል ይረክብ እሞ። በቲ መልክዓን ጽባቔኣን ተደኒቑ ንክስእላ ፍቓደኛ እንተኾይና ይሓታ፣ እዛ ንእሽቶ ጓል። ኣብ ስቱዲዮኡ ምስ መጸት።ኣብቲ መንደቕ ሓደ ዘይተወድአ ናይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ቕብአ-ስእሊ ትዕዘብ፣ እታ ንእሽቶ ጓል። ካብ ዘይምፍላጥ። እቲ ዝተሰቕለ ሰብ መን ምዃኑ ትሓቶ፣ ስቴይንበርግ መንነቱ ምስ ነገራ። "ኣዝዩ ክፉእ ሰብ ኔሩ ክኸውን ኣለዎ እንድሕሪ ደኣ ኣብ መስቀል ብመስማር ክሽንከር ኣድልይዎ፣" ክትብል ትምልሰሉ፣ እቲ ስነጥበባዊ። እቲ ነገር በንጻሩ ምዃኑ። እኳደኣ ክርስቶስ ካብ ኩሎም ዝተወልዱ ሰባት እቲ ዝጠዓየ ከምዝነበረን ንሱ ኣብ መስቀል ዝሞተሉ ምኽንያት ካልኦት ብህይወት ምእንቲ ክነብሩ ከም ዝኾነን ነገራ፣
"ምእንታኻኸ ኢሉዶ ሞይቱ?" ብምባል እታ ገርሂ ቆልዓ ሓተተቶ፣
እዛ። "ምእንታኻ ኢሉዶ ሞይቱ?" እትብል ሕቶ ንልብን ሕልናን እዚ ንርእሱ ክርስትያን ዘይነበረ ዓቢ ስነጥበባዊ ሰኣላይ ተንከፈቶ፣
እዛ ሕቶ ኣብ ኣእምሮኡ ቦታ ሒዛ። ለይትን መዓልትን። ክርስቶስ ንዕኡ ኢሉ ከም ዝሞተ ስለ ዘዘኻኸረቶ። ኣብ መወዳእትኡ ንሱ ባዕሉ ናይ መስቀል መስዋእቲ ክርስቶስ ብምቕባል። ናይ ብሓቂ ሰዓቢ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኮነ፣
ሎሚ ክሓተካ/ኪ ዝደሊ ሕቶ እዚ'ዩ፦ "ክርስቶስ ምእንታኺ ኢሉዶ ሞይቱ?" ወንጌል ዮሃንስ 3።16 ከምዚ ይብል። "ኣምላኽ። በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዂሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር። ከይጠፍእሲ። ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ። ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ፣"
(ካብ ናይ ቢሊ ግርሃም ጽሑፍ ዝተተርጐመ፣)
ህያው ኣምላኽ
ሓደ ግዜ ብሓጢኣተይን ብናይ ዓለም ክፍኣትን በቲ ነታ ማሕበር ክርስቶስ በጺሕዋ ዝነበረ ድንገትን ኣዝየ ተስፋ ቘሪጸን ጉህየን ነበርኩ፣ ከምዚ ኢለ ከሎኹ በዓልቲ ቤተይ ሓደ ንግሆ ጸሊም ክዳን ሓዘን ተኸዲና ረኣኹ፣ "መን ሞይቱ ደኣ ክዳን ሓዘን ተኸዲንኪ?" ኢለ ከኣ ሓተትክዋ፣ ንሳ። "ኣይፈለጥካን ዲኻ። ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ሞይቱ፣" ኢላ መለሰትለይ፣ ኣነ ኸኣ እንታይ ክትብለኒ ትሓስብ ከም ዘላ ከይፈለጥኩ። "ኣምላኽ ኣይመውትን እዩ። ንሱ ንዘለኣለም-ኣለም እዩ ዚነብር፣ ብርግጽ ንሱ ንዘለኣለም ህያው እዩ። ከመይ ጌርኪኸ ከምዚ ክትሓስቢ ትኽእሊ፣" በልክዋ፣ ንሳ ኸኣ። "ሓቅኻዶ ኢኻ?" በለት፣ ብርግጽ ሓቀይ እየ ምስ በልክዋ ከምዚ ዝስዕብ በለትኒ። "ነዚ ኣዚኻ ዘይትጠራጠረሉ እኳ ክነስኻ። ጌና ግና ኣምላኽ ከም ዝሞተ። ኣዚኻ ተስፋ ቘሪጽካን ጕሂኻን ኣሎኻ፣" እቲ ዝበለቶ ኣስተብሂለ። ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጓህየይ ዓወት ረኸብኩ፣
-ማርቲን ሉተር
ፍቕሪ
...mk H}oñ ‰oL M]oñ e©öK§ ›{kS ¶\ †rM ...lEq ÏXfM M]„ê ÏXfM‘é} ...}ÄT oKdhchñD÷M a´X ²·ïMg ›{kSq kòo ‹X]q¥} }[é M] oÍ{‘ ...{ ‰²F´E LðS; †oñ |§ e©öM ...²F³Dï oÍ}£ ‰D÷ {rM ²Dï‡M ...lEq kòo ‹X]q¥}: <†sï o²óT sD÷ Šmk Ïd©ö ...ME‹ ‘Ä„ï †£; ¶\‰êM[ï ...{ †¢;> †|kD ‰¢²F²D÷M -aYM §†‹mk {kS; †rM HDÏoñ {oñ {²X M] kÃöJM ...{ ‹‰^ †N Šmk |§ ²é]{q ]XGê ‰lXXÈ Hooë{ð; ...{] {sï ©öY ...mk ´²é§ K²ªï sD÷] ...mk ›²©© ‘é©öcq ‹...oë ...§oHlkX} †¢: †sï mkM´lS§ ‘é} }[§¸} ...mk H‘§ ...Ï©² ...§‰Ïq} †¢ kF‰ê; ...{ M] ŠF‡q mkÏiU ...ME‹ †|[µM‰ê ¹-|§} K}Ê\gñ -mk¢o§} ‹IDê †¢ ›©Dï; }sD÷ ²ó³ {²X l-Dê ²÷§p ©... §X...¨} §...XN} „ïD ...k‰ê; ...ME‹ ‹S©ö‡ ©ö... mkÃD÷q §©ö´Ð kF‰ê; †´sï...mkAôX -©öF M] ‰ÊoD§‘é} ...mk ›[XJ ›{kS ²š mk‘Schq K}©i ‹aÏ{Dê ·¢i‹È _Ê}‰êDê ‰... ‹}©§ ‹‰ÏDŠ M] kD{ð ‘é} ...{ ...ME‹ ‹I´sŠ M] Hoo}] |§ ÏiS§ MF‹q ‹²FÃFŠ †¢ ²S¨ kF‹È; †sï M] ²kX‰ê }[é} k-Foñ kòoë} k‰£} {oñ ...mk K}µ †rM ...{ ›¶]¨M ...lEq ›Ê·XÈ l†]} ÏFF§} ‘é} ²ó³‡M o...K{ê} MISq‘é} ·¢cë{ð; M]rM ‰êD÷M ...lEq ‹-XfM‘é} -©M‹ÈM Ïd©pq ´} ...§{kT}; ŠmkrM ...lEq kòo ‹X]q¥} ´} H© †Šú mkš-mk‡M ‹Ë† ‹šSké ÊÃïK ...§Êch©ö‰êD÷M} M‹}¥oë ...}ÄX ...²F²Foñ ...ME‹ M›Vmk I²ï ÏiU ...ME‹ M¹H] ]D›Œ{;
ሓሰኻ ኣብ ውሽጢ ቱፋሕ
"እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ፣ ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ" ማር.7።20-21
ሓሰኻ ከመይ ጌሩ ኣብ ውሽጢ ቱፋሕ ይኣቱ? ምናልባት ካብ ደገ'ዩ በሲዑ ዝኣቱ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን፣ ስነፍልጠታውያን ግና። በንጻሩ። ካብ ውሽጢ ከም ዝመጽእ እዮም ተረዲኦም ዘለው፣ እሞ ብመጀመርታኡ ከመይ ኢሉ ኣብ ውሽጢ ክጸንሕ ይኽእል? ቀሊል'ዩ። ሓደ ሓሰኻ እንቆቕሕኡ ኣብ ዕንባባ ናይ ቱፋሕ የቐምጦ፣ ድሕሪ ግዜ (እታ ዕንባባ ናብ ፍረ ምስ ዓበየት) እቲ እንቆቕሖ ኣብ ውሽጢ ናይቲ ቱፋሕ ኮይኑ ይጫጭሕ እሞ። እግረመገዱ እናበልዐ ናብ ደገ ገጹ ይቕልቀል፣
ሓጢኣት። ብተመሳሳሊ። ካብ ልቢ ሰብ'ዩ ዚብገስ፣ እናኸደ ከኣ ብናይቲ ሰብ ሓሳባት። ቃላትን ተግባርን ጌሩ ናብ ደገ ይቕልቀል፣ ስለዚ ድማ'ዩ ሓደ ግዜ ዳዊት ከምዚ ክብል ዝጸሓፈ። "ዎ ኣምላኽ። ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ።"፣
እንታይ እንዳኸፈልካ ትጉዓዝ ኣለኻ?
"ንስብ። ብዘላ ዓለም ረቢሑ። ነፍሱ እንተ ኣጥፍኤ። እንታይ ይጠቕም?" (ማር.836)
ቅድሚ ሓደ ክፍለ ዘመን ዝነብር ዝነበረ ክሎቪስ ቻፕል እተባህለ ኣገልጋሊ። ዛንታ ናይ ክልተ ብፈሓም ዝሰርሓ መራክብ ደጋጊሙ የዘንቱ ነበረ፣ እተን ክልተ ጀላቡ ካብ መንፊስ ዝተባህለ ቦታ ዳርጋ ኣብ ሓደ እዋን እየን ነቒለን፣ በቲ ፈለግ ሚሲሲፒ ናብ ኒውኦርሊንስ ኣቢለን ኣንቆልቆላ፣ ጎኒ ንጎኒ እንዳተጓዕዛ ከለዋ ሓደ ካብቶም ባሕረኛታት። ናይታ ሓንቲ መርከብ ፍጥነት ክሳዕ ክንደይ ዝሑል ከምዝነበረ እናሽካዕለለ ብዛዕባ እቲ ከም ኣሳጉማ ኣሮነ ዝዓይነቱ ኣካይዳ እታ መርከብ ሓደ ክልተ በለ፣ ኣብ ክልቲአን መራክብ ዝነበሩ ባሕረኛታት ከኣ ቃላት ተመላለሱ፣ ተፎኻኸሱ ድማ እሞ። ቅድድም ጀመሩ፣ እቲ ውድድር ከኣ ህልኽ እናመልኦ ኸደ፣
ሓንቲ ካብተን መራክብ ድሕሪት እናተረፈት ከደት፣ እኹል ነዳዲ ኣይነበራን፣ ንጉዕዞ እኹል ነዳዲ ኔርዋ'ዩ፣ ንቅድድም ግና እኹል ኣይነበረን፣ እታ መርከብ ኣዝያ ምስ ደሓረት። ሓደ መንእሰይ ባሕረኛ ገለ ካብቲ ጽዕነት እታ መርከብ ወሲዱ ናብቲ እቶን እታ መርከብ ደርበዮ፣ እቶም ባሕረኛታት እቲ ኣቑሑት ልክዕ ከም ፈሓም ጌሩ ክነድድ ምስ ረኣዩ። እቲ ከጕዕዝዎ ዝተዋህቦም ኣቕሑት ነታ መርከብ ኣስነቑዋ፣ ኣብ መወዳእታ ተዓወትቲ ናይቲ ቅድድም ኮኑ፣ እንተቲ ናይ ጉዕዝኦም ቀንዲ ምኽንያት ዝነበረ ጽዕነት ኣቑሑት ግን ተሃሚኹ'ዩ ተሪፉ፣
ሎሚ ከኣ ሰባት ነታ ነቲ ናይ ዘልኣለም ህይወት ክትወርስ ናብ ሰማይ ከብጽሕዋ ዝተዋህበቶም ህይወት ደድሕሪ ሓላፊ ነገራት ክጎዩ የህልኽዋ ኣለዉ፣
ካብ ሓደ መጽሂት እተወስደ
ናይ ጽሑፍ ሓለፋታት
ዝተጻሕፈ ነገር ሰገጥ ኣይብልን'ዩ፣ ተወላዊሉስ ሕድገታት ክገብርውን ኣይፍትንን'ዩ፣ ኣይደክምን። ተስፋ ውን ኣይቆርጽን እዩ፣ ብሕሱር ይጕዓዝ። ኣዳራሽ ክካረ ኸኣ ኣየድልዮን'ዩ፣ ደቂስና ከለና'ዩ ዝሰርሕ፣ ኣየንጸርጽርን። ምስ ሞትናውን ንነዊሕ ግዜ'ዩ ዝዓዪ፣ ጽሑፍ ኣብ ገዛ ኣትዩ ኣብኡ ዝቕመጥ በጻሒ እዩ፣ ንሰብውን ኣብ ዝምችኦ ግዜ'ዩ ዝረኽቦ። ከመይሲ እቲ ሰብ ከንብቦ ከሎ ጥራይ'ዩ ዝዛረቦ፣ ጽሑፍ ኩሉ ግዜ ናብቲ ዝተዛረቦ'ዩ ዝጠብቕ። ተመሊሱ መልሲ ኣይህብን ከኣ'ዩ፣
ዲ.ኤም. ፓንተን
ኣገዳሲ ሕቶ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode