08
Mon, Sep
0 New Articles

ፊሎ

Literature
Typography

ፊሎ፡ 'ኣጵሎስ! ኣጵሎስ! ከመይ ትኸውን፡ ሎንግ ታይም ኖ ሲ'

ኣጵሎስ፡ 'ሓቕኻ። ብጸጋ ኣምላኽ  ንነብር ኣሎና፡ ንሱ ይመስገን። እዚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣይተረኣኣናን፡ ጌሽካ ዲኻ ነይርካ?'

ፊሎ፡ 'ኣይፋለይን ኣብዚ ከተማ እየ ዘሎኹ ናበይ ክንወጽእ። ኣነ ግን ብዙሕ ጊዜ ክረኽበካ እደሊ ነይረ'

ኣጵሎስ፡ 'ናይ ደሓን?'


ፊሎ፡ 'ደሓንዩ። ግን ደሓን ከኣ ኣይኰነን። ድሕርዚ ኣብ ነውዮርክ መስከረም 11 ዝዀነ ዘሰክሕ ነገር ኣነስ እፈርህ ኣሎኹ። መወዳእታ ዓለም ኰይኑ፡ ሰብ ንሓድሕዱ ከይባላዕ ዘፍርህ እዩ። ስለዚ ልበይ ከተህድኣለይ ምሳኻ  ከዕልል እየ ዝደልየካ ነይረ እምበር ካልእሲ ኣይኰነን። ኣነ ኸኣ ምሳኻ ምዕላል ከም ቀሊል ገይረ ኣይርእዮን እየ። ምኽንያቱ እቲ ንስኻ ትህቦ ትንታነ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዝዀነ'

ኣጵሎስ፡ 'እንታይሞ ክብለካ እየ፡ ሰባት ብብዙሕ ሸነኽ ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም።ንዓይ ግን እተን ኣብ ነውዮርክ ዝዓነዋ ማናቱ ርሻናት ናይ ዓለም ንግዲ ማእከል፡ ኣብ ራእይ ዮሃንስ 18 ዘሎ ናይታ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን ዝዀነት ዓባይ ከተማ ባቢሎን ምውዳቕ እዩ ኣዘኪሩኒ። ስለዚ እቲ ፍጻመ ንዅሉ ኣምላኽ ዘይብሉ ዝግበር ዓለማዊ ንጥፈታት ሓደ መዓልቲ ብሃንደበት ብሓንቲ ሰዓት ሃብቱን ትሕዝቶኡን ናብ ትክን ሓመዅሽትን ከም ዝቕየር ዘዘክርን ዘጠንቕቕን እዩ' (ኢሉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ምዕራፍ ኣንበበሉ)

ፊሎ፡ 'እዞም ነዚ ክራይም ዝፈጸሙስ ሰባት ድዮም ኣጋንንቲ? እቲ ሃልሃልታ እቲ ትኪ ክሳዕ ሕጂ ክዝክሮ ከሎኹ የስካሕክሓኒ

ኣጵሎስ፡ 'ሰባት ምበር ኣጋንንቲዶ ነፈርቲ ይዝውሩ ዀይኖም?'

ፊሎ፡ 'እሞ ዝዀነ ተቓውሞ ይሃልዎም እምበር ንጹሃት ሰባት ብሓደ ኣፊቱ ከምኡ ገይሮም ከጥፍ ኡ'

ኣጵሎስ፡ 'እንታይ ደኣ ኴንካ ክሳዕ ክንድዚ ትግረም። ሰባት ብዘይ ኣምላኽ ከም ናይ ሰይጣን ዝበለ ናይ ምጥፋእ ተኽእሎኮ ኣለዎም። ዳሕራይ ከኣ እቲ ፍጻመ ብስእሊ ዝተቐርጸ ድራማዊን ተገይሩ ዘይፈልጥ ብምንባሩን ኣብ ዓለም ዓቢ ምስንባድ ገዲፉ፡ ግን ብዝሒ እቶም ዝሞቱ ሰባት ጥራይ ወሲድካ (ኣስታት 6,000) ምስ ካልእ ባህርያዊን ሰብ ሰርሖ ሓደጋታት ኣነጻጺርካ ዝጋነን ኣይኰነን ንእሽቶ እዩ። ንዓለም ካብ ድቃሳ ብምብርባሩ ግን መዘና ዘይብሉ ንቕሓት ፈጢሩ እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ኣምላኽ ክፉኣትን ንእከይ ተባላሓትን ምዃኖም ከኣ ብጋህዲ ኣረጋጊጹ እዩ። ሰብ ቀደም ተተኳሲ ቦምብ ይሰርሕ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ባዕሉ ቦምብ ኰይኑ። ንቦምብን ብረትን ብኢድን ብኤክስ ረይን ፈቲሽካ ይርከብ እዩ፡ ንሰብ ግን ሓሳቡ/ልቡ ከመይ ጌርካ ትፍትሾ። ስለዚ እቲ ፍጻመ በዚ ሸነኽ እዚ ሓድሽ ኣፍ ደገ ከፊቱ እዩ። ደቂ ሰብ ኣብ ንሓድሕዶም ዝነበሮም ተዛማዲ ምትእምማን'ውን ፈጺሙ ኣጥፊኡ እዩ፡ ብፍላይ ምስ ገለ ዓሌታት'

ፊሎ፡ 'እዛ ኣብ ራእይ 18 ዘላ ዓባይ ከተማ ባቢሎን መን ኰን ትኸውን? ነውዮርክ?'

ኣጵሎስ፡ 'ነውዮርክ ርግጽ ትህሉ እያ። ግን ባቢሎን ክብል ከሎ ንኣምላኽ ወጊደን ንገንዘብ ዘምለኻ ኵለን ነፍሳትን ከተማታትን ሃገራትን ዓለም ይመስለኒ

ፊሎ፡ 'ኣሜሪካ እዚ ዅሉ ዝበጽሓ ፍርዲ ኣምላኽ ድዩ ወይስ ፍርዲ እዞም ኣሸበርቲ፡ እንታይ ይመስለካ?'

ኣጵሎስ፡ 'ኣምላኽ እዩ እቲ ዅሉ ዝፈልጥ። ግን ናይ መቕጻዕቲ ነገር ዘለዎ ይመስለኒ። ርግጽ እዩ ኣብ ኣሜሪካ ኵሉ እዩ ዘሎ፡ ጽቡቑን ክፉኡን። እዚ ኣብ ነውዮርክ ሓደጋ ዝተፈጸመሉ ዞባ ታይም ስኴር ብርኽሰትን ምንዝርናን ኣዝዩ ዝተፈልጠ ኰይኑ ደይቪድ ዊልከርሰን ዝበሃል ሰባኽ ጽድቂ ከም ኖህ ነውዮርክ እንተዘይተመሊሳ ፍርዲ ኣምላኽ ከም ዝወርዳ ኣቐዲሙ ተነብዩላ እዩ። ብኸምዚ ዓይነት ሓደጋ ይመጽእ እዩ ኢሉ ዝገመተ ግን ዋላ ሓደ ኣይነበረን። እዚ ፍጻመ ግን ንኣሜሪካ ጥራይ ዘይኰነ ንዅሉ ንኣምላኽ ዝረስዔን ምንሳሕ ዝኣበየን መጠንቐቕታ እዩ። ጐይታ የሱስ ኣብ ሉቃ 13 ዝበሎ ንዘክር፡ ' እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ'። ስለዚ ኵሉ በብሓጢኣቱ ክምለስ ከም ዘለዎ ንሱ እዩ መልእኽቲ ናይቲ ሓደጋ፡ ስግር ባሕሪ ዄንና ንኻልኦት ምፍራድናን ኣጻብዕ ምውጥዋጥናን ዘናግፈና ኣይኰነን።'

ፊሎ፡ 'ካልእ ኣውራ ዘቘጥዓኒ፡ እቶም ኮማንዶ ናይ ቢን ላደን ብረት ክዕለሙ ኸለዉ ናብ ናይ መስቀል ምልክት ምትኳሶም እዩ፡ ኣስተውዒልካላዶ ኣብታ ቲቪ?'

ኣጵሎስ፡ 'እወ ዘሕዝን እዩ። ናይ ሰይጣን ስራሕ እዩ፡ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ከምኡ ብምግባሮም ንኣስታት 2 ቢልዮን ዝኸውን ተኸታሊ እምነት ክርስትና ህዝቢ ዓለም እዮም ኣቘጢዖሞ። ግን እቶም ናይ ብሓቂ ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ጸላኢኦም መን ምዃኑ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ውግእና ምስ ስጋን ደምን ዝለበሱ ሰባት ኣይኰነን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝብሎ ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ። ስለዚ እቲ ግብሮም ናብ ጽልኢ ዝደረኾ ምስሓት ኣንፈትን ግብረ መልስን ከእትወና ኣይግብኦን እዩ። ንሰይጣን ግን ብመንፈሳዊ ኣጽዋር ጌርና ብዘይ ንሕስያ ክንቅጥቕጦ ኣሎና'

ፊሎ፡ 'ሕራይ ጽቡቕ ግን ንክርስትያን ከጥፍኡ  እንተ ተላዒሎም ስቕ ኢልና ክንርእዮም ማለት ድዩ?'

 

ኣጵሎስ፡ 'ክርስትያን ከም ምድራዊ ዜጋ ሃገራዊን ሰብኣዊን ሕልናዊን ነጻነቱ ብሓይሊ ሴፍ ሒዙ ክገፎ ንዝደሊ ዅሉ  በቲ ዘለዎ መንግስቲ ተጠርኒፉ ብሴፍ ክምክቶ ዜግነታዊ ግቡኡ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ግን ኣነ ክብለካ ዝደሊ ክርስትና እግዚኣብሄር ባዕሉ ዝተኸሎ ተኽሊ ስለ ዝዀነ ኣሽምባይዶ ሰባት ሰይጣን ብቀንዱ እኳ ክምንቍሶ ኣይክእልን እዩ። ጐይታ ኢሉ፡ 'ንማሕበረይ ኣብዛ ከውሒ ክሃንጻ እየ ደጌታት/ሓይልታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን'። ታሪኽ ዘረጋገጾ ነገር እንተልዩ እዚ እዩ። ኣምላኽ ክርስትያን ዋዛ ከይመስለካ ብርቱዕ እዩ። ስለዚ በዚ ኣይትስጋእ፡ ብኣምላኽን በቲ ስዒሩ ዝተንስኤ የሱስን እመን። ግን እቲ ናይ ክርስቶስ መገዲ ናይ መስቀል ስለ ዝዀነ ሓሓሊፉ ከም ፍቓድ ኣምላኽ መስዋእቲ እንተ ኣጋጠመ ኣይትሰምብድ።

ፊሎ፡ 'ብኻልእ ሸነኽ ኣነ ዝገረመኒ እዚ ናይ ዓለም ኢኮኖሚ ምስዘን ምዕናው ናይዘን ክልተ ርሻናት ነነይ ምባሉ እዩ'

ኣጵሎስ፡ 'ዓለም ኰነት ቁጠባኣ ሳንኩፍ ምዃና ብዅሉ ክፍለጥ ዘለዎ ጉዳይ እዩ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ጽኑዕ ከውሒ፡ ካልእ ኵሉ ሃደሽ ዝብል ዝበዅበኸ ጊድጊዳ እዩ። ስለዚ ንዓለም ወይ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ተጠቐም፡ ግን ኣብኡ ኣይትወከል ምኽንያቱ ሎሚ ኣሎ ጽባሕ ግን የለን።'

ፊሎ፡ 'ሕጅስ ነዚ ውግእ ኣንጻር ግብረ ሽበራ ኢሎም ኵሎም ተዓጢቖም ሒዞምዎ ዘለዉ ዝሰልጦም ዶ ይመስለካ?'

ኣጵሎስ፡ 'ከቢድ ዕማም እዩ። ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝተዓወቱ ይመስሉ። ግን እቲ ሕማም ቀሊል መድሃኒት ዘይርከቦ እዩ። ሰብ ዘ ሞስት ደንጀረስ ኣኒማል ስለ ዝዀነ ካብኡ ኵሉ ሳዕ ክትጥንቐቕ ዓቢ ብድሆ እዩ። እዚ ነገር ብዙሕ ጽልእን ዘይምትእምማማን ራዕድን ኣብ ህዝብታት ፈጢሩ ኣሎ። ቀደም ሰባት ናብ ኣሜሪካ እንተደኣ ኣትዮም ውሑስ ናብራ ዘሕልፉ ይመስሎም ነይሩ። ሕጂ ግና ሰባት ንኣምላኽ ረሲዖም ኣስተርሕዮም ክነብሩ ከም ዘይክእሉ ዘረጋገጸ ፍጻመ እዩ። 'እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዝናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ክሃድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። እቶም ረሲኣን ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ' ኢሳ 57፡20-21። ስለዚ ክሳዕ ራእ 21 ንበጽሕ እዚ ናይ ስቓይን ቃንዛን ሞትን ነገር ክህሉ እዩ። ምስቲ ኣረጊት ገበል ናይ ጥንቲ ተመን ተተሓሒዙ ዝመጸ ኣረጊት ሽግር እዩ። እዚ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ መስርሕ ካብ ጥንቲ ይንበር እምበር ዓቐን ዕንወቱ ድሩት እዩ ነይሩ። ኣብ ጊዜ ካልኣይ ኵናት ዓለም ናይ ጃፓን ኣብረርቲ ንኣሽቱ ነፈርቲ ውግእ ሒዞም ናብ ዓበይቲ መራኽብ ኣሜሪካ ጠኒኖም ኣትዮም የቃጽልወንን የጥሕልወንን ነይሮም። ከምዚ ናይ ሕጂ ዝረኤናዮ፡ ናይ ገያሾ ነፈርቲ ጠሊፍካ ምስ ሰማይ ጠንቍር ርሻናት ኣጋጪኻ ንኣሽሓት ንጹሃት ሰባት ኣጥፊእካ ምጥፋእ ግን ዛጊት ኣብ ታሪኽ መዘና ዘይብሉ እዩ። ሕጂ ከምኡ ዝበለ ዝድገም ኣይመስለንን፡ ብዙሕ ጥንቓቐታት ክወስዱ እዮም። ግን እከይ መልክዑ ለዊጡ ዝገደደ ጥፍኣትን ዕንወትን ምምጽኡ ኣይክተርፍን እዩ፡ ንኣብነት ምጥቃም ነውክሌራዊ ወይ ስነ ህይወታዊ ኣጽዋር ከም ኣንትራክስ ወይ ገለ ተገይሩ ዘይፈልጥ።'

 

ፊሎ፡ 'እነሄልካ ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሩ ኣሕዋተይ ስራሕ ወጺኦም ገንዘብ ኣይሰደዱልናን እዚ ሰለስተ ወርሒ...'

ኣጵሎስ፡ 'ዶ! ግሎባላይዘሽን በቲ ሕማቕ መልክዑ ተንኪፉካ ማለት እዩ። ስለዚ ከም ኣብ ኣምላኽካን ኣብ ገዛእ ርእስኻን ምውካል ዝመስሎ የልቦን እሞ ጊዜኻ ብኸንቱ ኣይተሕልፍ፡ ገለ ግበር፡ ይውሓድ ይብዛሕ ኣየገድስን እዩ። ርእስኻ ኽኣል። ሽዐው ኸኣ ሓራ ሰብ ክትከውን አïኻ። ኣብ ርእሲ እቲ ዘሎካ ካብ ስግር ባሕሪ ተወሳኺ ሓገዝ እንተተረኽበ ኣይጽላእን። ግን ከም ዘይነጽፍ ሩባ ጌርካ ኣይትውሰዶ። ሓደ መዓልቲ'ውን ንዅሎም ኣኪቦም ሕጊ ኣውጺኦም ውጹልና ይብልዎም ይዀኑ መን ይፈልጥ

ፊሎ፡ 'ግሎባላይዘሽን እንታይ ማለት እዩ?'

ኣጵሎስ፡ 'ግሎባላይዘሽንዶ? ዓለም ደጊም ሓንቲ ቁሸት ኰይና ማለት እዩ። ሓደ ክፍሊ ዓለም ገለ እንተ ዀይኑ እቲ ካልእ ክፍሊ ዓለም ኣይትንከፍን እየ ክብል ኣይክእልን እዩ፡ ከምቲ ኣፍንጫ ተሃሪሙ ዓይኒ ዝነብዕ ዝበሃል ደጊም ሓደ ስጋ ኢና ብፍላይ ብቁጠባን ብጸጥታን ብኣካባብን ኲላ ዓለም ተተሓሒዛ እያ፡ ማለት እዩ'

ፊሎ፡ 'እዚ ትብሎ ዘሎኻ ክኣምን የሸግረni ምኽንያቱ ኤርትራ ሕጅስ እንታይ ቁጠባ ኣለዋ?' ነተን ሓያላት ሃገራት እንተበልካስ ሕራይ

ኣጳለስ፡ 'ኖ ከምኡ ኣይኰነን። ሓያል ቁጠባ እንተሎካ ጽልዋኻ ዓቢ እዩ፡ ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ሰሪሕካ ተበርክቶ ኣቕሓ ድዩ ምህርቲ ኣሎካ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ ንድኻታት ሃገራት ብዝተፈላለየ መገዲ ተለቕሕ ትሕግዝ። ኣብዚ ንብሎ ዘሎና ዝስኵዓ ከም እኒ ኣሜሪካ ጃፓን ጀርመን ወዘተ እየን። ድኹም ቁጠባ እንተሎካ ግን ዳርጋ ዘየሎኻ ኢኻ። ኣብዚ ኸኣ ዳርጋ መብዛሕትኤን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ይኣትዋ። ግን እቶም ሓያላት ብውግእ ኰነ ብጥሜት ክትመውት ስቕ ኢሎም ኣይርእዩኻን እዮም። ካብ ዝተፈላለየ ምኽንያት ተበጊሶም፡ ካብ ሕልናዊ ወቐሳ ክዓርፉ ደንጊጾም ድዮም፡ ብስደተኛታት ከይውረሩ ፈሪሆም፡ ወይውን ንሸቐጦም ዕዳጋ ክረኽቡ ብብዙሕ መገዲ ምትእትታው ይገብሩ እዮም። ስርናይ ካናዳ ኣይበላዕካን ዲኻ ኣብ ሰማንያታት ኣብ ሰብዓታትሲ ኣይተወለድካን እኳ ትኸውን። ሕጂ ናይተን ሓያላት ቁጠባ ብሓደጋ ከምዚ ናይ መስከረም 11 ድዩ ብኻልእ እንተ ዝሒሉ ወይ ተሃስዩ እቲ ንሕና ድኻታት ንረኽቦ ዝነበርና ረዲኤት ፈጺሙ እንተ ዘይተቛረጸ እኳ ይጐድል እዩ። ስለዚ ንትንከፍ። ኣብ ወጻኢ ዘለዉ የሕዋትካ ስራሕ ስለ ዝወጹ ዶ ኣይኰንካን ዶላር ኣይሰደዱልናን ዝበልካ? እቲ ምትንካፍ እኮ ንሱ እዩ። ስለዚ ከምቲ ቀደም ኣሜሪካ  ቁሪ እንተ ወሰደት ካናዳ ዕንጥሸው ትብል ዝብልዎ ዝነበሩ ሕጂ ኣሜሪካ እንተ ቈሪራ ዓባይ ሰዓል ዝሕዘን ኵለን እዘን ድኻታት ሃገራት ኢና።'

 

ፊሎ፡ 'ዶድማ ኣንታ ክንደይ ትዛረብ ኢኻ። እዚ ኣስቤዛ እምብኣር ስቕ ኢሉ ዝኸብር ዘሎ ነዚ እዩ።'

ኣጵሎስ፡ 'ብዙሕ ምኽንያት ይህልዎ እዩ። ግን ድሕሪ ውግእ ኲሉ ሳዕ ቁጠባ ሃገር ከምኡ እዩ ዝኸውን። ገንዘብ ዋግኡ የጥፍእ፡ ኣቕሓ ይኸብር። ኣብ ጀርመን ድሕሪ ቀዳማይን ካልኣይን ኵናት ዓለም እቲ ማርክ ዝበሃል ገንዘቦም ካብ ቤት ማሕተም ስቕ ኢሎም እናባዝሑ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝቕባበ ገንዘብ ስለ ዘኸተሉ ንቕሩብ እዋን ማርክ ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ፈጺሙ ኣጥፊኡ ስለ ዝነበረ ኣዴታት ጀርመን ካብ ከይደን ላምባ ወይ ካልእ ነገር ክዕድጋሉ ነቲ ኣቕራሽ ከም መናኸሲን መብሰልን ኣብ ክሽንኤን ይጥቀማሉ ከም ዝነበራ ይፍለጥ። ስለዚ ውግእ ምክያድ ክቡር እዩ፡  እቲ ዘይትካእ ክቡር ነፍሲ ደቂ ሰባት ከይጸብጸብካ ኣዝዩ ዓቢ ዋጋ ዘኽፍል እዩ። ሓንቲ ቡምባ ታንክ ወይ መድፍዕ ናይ ነፋሪት እሞ ይጽንሓልና ኣሽሓት ዶላራት እዩ ዋግኡ። '

ፊሎ፡ 'ስለምንታይ እየን ግን ከምኡ ክነሱ ድኻታት ሃገራት ንሓድሕደን ዝዋግኣ?'

ኣጵሎስ፡ 'ውግእ እኳ ሃብታምን ድኻን ኣይብልን እዩ። ምናልባሽ ደዀን ትምህርቲ ቅሩብ ክትሓስብ ይገብረካ ይኸውን። ግን ውግእ ኣብ ደም ደቂ ሰባት ዝሰረጸ ነገር እዩ ካብ ውድቀት ኣዳም ጀሚሩ። እቲ ጽሑፍ "ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ። ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን" ይብል። ስለዚ ደቂ ሰባት ካብ ፍርሃት ኣምላኽን ጐደና ሰላምን ርሒቖም ጥበራን ጥልመትን ጽልእን ክሳዕ ዝመረጹ ውግእ ክህሉ እዩ። ብዓቢኡ ኸኣ እቲ ንህዝብታት ዘስሕቶም ናይ ጥንቲ ተመን ኣረጊት ገበል ዝዀነ ሰይጣን ውዲት ከኣ ኣሎ። ደቂ ሰባት  ከኣ ጥበብ ስለ ዝጐድለና- ንሱ ኸኣ ፍርሃት እግዚኣብሄር ማለት እዩ፡ ነገራት  ከይኣተናዮ እቲ ክፉእን መሪርን ሳዕቤኑ ዘይስቈረና እንድዩ ኰይኑ። ምስ ኣተናዮ እዩ ዘይወጽእ ጣዕሳ ዝዀነና። ግን ቱ ለይት።'

ፊሎ፡ 'እዞም ኤውሮጳውያንሲ ከማናዶ ይዋግኡ ነይሮም ይዀኑ?'

ኣጵሎስ፡ 'እውይ ዝገደደ። ታሪኽ ስለ ዘየንበብካ ኢኻ እምበር ናይ ሰላሳ ዓመት ውግእ ናይ ሚእቲ ዓመት ውግእ ዝበሃል ነይሩ ኣብ መንጐ ፈረንሳን ጀርመንን ... ኣብዚ ቀረባ ናይ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ከኣ ትዝክሮ ኢካ። ናይ ቦዝንያ ኮሶቮ

ሰርብያ ህውከት ከኣ ናይ ትማሊ እዩ።'

ፊሎ፡ 'ሕጂ ግና ዝበለየሎምዶ ይመስል?'

ኣጵሎስ፡ 'ከምኡ እዩ ዝመስል፡ ግን ኣይትእመን ኣብ ልዕሊ ዝደቀሰ እሳተ ጐመራ ቤትካ ኣይትስራሕ። ሓደ መዓልቲ ሂም ክብል እዩ። ኣብ ውሽጢ ናይ 20 ዓመት ፍልልይ 1ይን 2ይን ኲናት ዓለም ብርቱዕ ዕንወት ስለ ዘውረደሎም ምስሕሓባቶም ብዘተ ክፈትሕዎ መሪጾም ኣለዉ። እዚ ኮምፕሮማይዝ ዝብሃል ብልሓት ናይ 'ደሓን ኣነ እዚኣ ክገድፍ እየ ንስኻ ኸኣ እቲኣ ግደፍ' ዛጊት ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ ኣይረገጸን ዘሎ። ብሓፈሻ ግን ከምቲ ጐይታ የሱስ ኣብ ማቴ 24 ዝበሎ ዓለም ናብ ዝገደደ ውግኣት ክትኣቱ እያ።'

ፊሎ፡ 'ስለዚ ውግእ ከም መናብርትና ክንርእዮ ኣሎና ማለት ድዩ?'

ኣጵሎስ፡ 'የስ ኤንድ ኖ። ከምቲ ዝበልክዎ ውግእ ኣብ ዓለም ክህሉን ክበዝሕን እዩ። ግን ኣብ ዓለም ስለ ዘሎ ግድን ኣባኻ ክህሉ እዩ ማለት ኣይኰነን። ርግጽ እዩ እቲ ጽልዋን ስግኣትን ኵሉ ሳዕ ኣሎ። ብዛዕባ ኣብ መንጐ ሃገራት ዘሎ ርክብ ምስቲ ኣብ መንጐ ክልተ ውልቀ ሰባት ዘሎ ርክብ ብብዙሕ ይመሳሰል እዩ። ቅነዕን ሕያዋይን ንብጻየይ በሃልን እንተ ዀንካ ጐረቤትካ'ውን ከምኡ ክኸውን ዘለዎ ዕድል ዓቢ እዩ። ኣብ ናይ ሃገራት'ውን ከምኡ እዩ። እቲ ንሓቂ ክሳዕ ዘልኣለም ዝሕሉ ኣምላኽ ከኣ ንሓደ ህዝበï ምውሓዱን ዓቕሙን ብዘየገድስ ንስሙ ክሳዕ ዝፈርሆን ጽድቅን ፍትሕን ክሳዕ ዘውጽኤ ብሰላም ከንብሮ ይኽእል እዩ። ንስዊዘርላንድ ዓዲ ጆን ካልቪን ውሰድ፡ ኤውሮጻ ን500 ዓመት ብውግእ ክትሕመስ ከላ ሃዲኦም ብዲሞክራስን ብሰላምን ብብልጽግናን ክሳዕ ሎሚ ይነብሩ ኣለዉ። ኣባል ሕቡራት መንግስታትውን ኣይኰኑን። ኣብ ታሪኽ ከም እንነብቦ ግን መንግስታት ዓለም  መብዛሕትኡ ጊዜ ዘዋግኤን ስስዐን ዘይናትካ ምድላይን፡ ግጉይ ናይ ወጻኢ ዝምድናታትን፡ ብዛዕባ ርእሰን ወይ ህዝበን ዘለወን ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባን፡ ጠዋይ ዝዀነ ሓቂ ዘይብሉ ከም ብሓድሽ ዝተጻሕፈ ታሪኽን እዩ።'

ፊሎ፡ 'ውግእ ዘይብሉ ዘመን መዓስ ኰን ይመጽእ ይኸውን?'

ኣጵሎስ፡ 'ጐይታ የሱስ ኣብ ዓለም ምስ ነገሰ ውግእ ኣይክህሉን እዩ። ኣብ ኢሳ 2፡2-4 "ኣብተን ዳሕሮት  መዓልትታት ክኸውን እዩ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ኹድኹዶታት ድማ ልዕል ክብል ኵሎም ኣህዛብ ናብኡ ክውሕዙ እዮም። ሕጊ ካብ ጽዮን ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ክወጽእ እዩ እሞ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ ንዐêናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ናብ ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ ንሱ ጐደናታቱ ክምህረና ብመገድታቱ'ውን ክንመላለስ ኢና ድማ ክብሉ እዮም። ኣብ መንጐ ኣህዛብ ክፈርድ ንብዙሓት ህዝብታት'ውን ክዳንዮም እዩ ንሳቶም ከኣ ኣስያፋቶም ንማሕረሻታት ኲናውቶምውን ንገዞሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይከልዕልን እዩ ደጊምሲ ውግእ ኣይክመሃሩን እዮም' ይብል።

 ሽዑ ኸኣ እቲ መጣቘስን መጣፍ እን መዋግእን ዝዀነ ሰይጣን ክእሰር እዩ። ራእ 20፡ 1-3 "መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርኤኹ። ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሓዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዝፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ከየስሕቶም ኢሉውን፡ ዓጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ጊዜ ክፍታሕ ይግባእ እዩ'

ፊሎ፡' ስለምንታይ ግን ዝፍታሕ?'

ኣጵሎስ፡'ኣብቲ ጥቕሲ 7-10 እንተሪኢኻ '...ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዝነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ከስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ክእክቦም...' ምስ በለ ቀጺሉ ግን '... እቲ ዘስሓቶም ድያብሎስውን ናብቲ  እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ ...'ይብል። ኤንድ ኦፍ ሰይታን።

ፊሎ፡ 'ስለዝስ እግዚኣብሄር ብውግእ'ውን መደቡን ፍቓዱን ይገብር እዩ ማለት ድዩ?'

ኣጰሎስ፡ 'ኤግዛክትሊ። ኣስተውዕል ውግእ ካብ እግዚኣብሄር ኣይኰነን። ግን በቲ ሰይጣንን ደቂ ሰባትን ዝኣጐድዎ ውግእ ድዩ ኻልእ ክኸብርን ናብ ዕላምኡ ከውዕልን፡ ነዚ ከተስእ ነቲ ግን ከዋርድ

ይጥቀመሉ እዩ፡ ሃሌሉያ! ኣምላኽና ዓቢ እዩ። ''እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፡ ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ። ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘልኣለም እዩ፡ ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም''።