08
Mon, Sep
0 New Articles

ስሳን ሹዱሽተን ዓመታት ንሓንቲ መጽሓፍ

Literature
Typography

 

(ሓጺር ዛንታ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ትግርኛ)

  1. ጻዕሪ ዶ/ር ካርል ቪንኲስት፣ ቀሺ ማርቆስ ግርማይን ቀሺ ገብረታትዮስ ዘሚካኤልን - ናይ 1900 ኣርባዕተ ወንጌላት

ሀ. ድርኺት ዶ/ር ካርል ቪንኲስት

ብ1883፣ ዶ/ር ካርል ቪንኲስት (1847-1909) እተብሃሉ ሽወደናዊ ሓኪምን ቀሽን፣ ነቶም ኣብ እምኩሉ መደበር ወንጌል ተኺሎም ዚነበሩ ሽወደናውያንን ደቂ ሃገርን ወንጌላውያን ኪሕግዙ ናብ ምጽዋዕ ኣተዉ። ብዓልቲ ቤቶም እመቤት ኤልሲ ቪንኲስት (1863-1957) ከኣ ምስኦም መጻ። እዞም ክልተ ውፉያት ሰብ ሓዳር እዚኣቶም፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ንምትርጓም እተወፈየ ስሳን ሹዱሽተን ዓመታት በብወገኖም ብዙሕ እተቓለሱ እዮም።


 

ዶ/ር ቪንኲስት ናብ እምኩሉ ኣብ ዚኣተዉሉ እዋን፣ ቀሺ ዳዊት ኣማኑኤል (1862-1944) እተብሃሉ ብዓል ገለብ ሰብኣይ፣ ብምኽሪ እቶም ሽዑ ኣብ እምኩሉ ዚነበሩ ቀሺ ፒተር ሉንዳል (1840-1885) እተብሃሉ መራሕ ማሕበር፣ ወንጌል ማርቆስ ናብ ቋንቋ ትግረ ተርጒሞም ነበሩ። እቲ ትርጉም ወንጌል ማርቆስ ከኣ ብ1889 ኣብ እምኩሉ ተሓትመ። ድሕርዚ፣ ቀሺ ዳዊት ምስ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን (1860-1930) ኰይኖም ንዝተረፈ ወንጌላት ብቛንቋ ትግረ ኪትርጕሙ ጀመሩ። ኣብታ ዶ/ር ቪንኲስት ናብ ኤርትራ ዝኣተዉላ ዓመት (ማለት 1883) ድማ፣ እቲ ምትርጓም ክሳዕ ፍርቂ ወንጌል ዮሃንስ በጺሑ ነበረ።

ድሕርዚ፣ ቀሺ ተወልደመድህን ንትምህርቲ ናብ ሽወደን ተላእኩ። ቀሺ ዳዊት ከኣ ንበይኖም ንዝተረፈ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ምትርጓም ቀጸሉ። ቀሺ ተወልደመድህን ብ1887 ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ ኸኣ፣ ካልኣይ ሳዕ ንቀሺ ዳዊት ኣብቲ ዕዮ ሓገዙዎም። እቲ ዕዮ ምትርጓም ሓድሽ ኪዳን ናብ ቋንቋ ትግረ ኸኣ ብግንቦት 1890 ተዛዘመ። ድሕርዚ፣ ነቲ እተዳለወ ትርጉም ሓድሽ ኪዳን እትኽልስ፣ ብሰክረታርነት መምህር ይስሃቅ ሓምድ እትምራሕ ኮሚቲ ኸኣ ተመስረተት። ቀሺ ተወልደመድህን፣ ዶ/ር ካርል ቪንኲስትን ቀሺ ካርል ጉስታቭ ሮደንን (1860-1943) ድሕሪ ዚገበሩዎ ናይ 12 ዓመታት ናይ ምኽላስ ጻዕሪ ኸኣ እቲ ትርጉም ተጻፊፉ ብነሓሰ 1902 ኣብ ኣስመራ ተሓትመ።

ዶ/ር ቪንኲስት ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም፣ ቅዱስ ጽሑፋት ብቛንቋታት ደቀባት ኪትርጎምን ኪዳሎን ኣለዎ ዚብል ጽኑዕ እምነት ነበሮም። ንስራሕ ቀሺ ዳዊት ብዝረኣዩ ኸኣ፣ ንቀሺ ዳዊት ተወሰኽቲ ጽሑፋት ኬዳልዉ መኸሩዎም። ቀሺ ዳዊት ከኣ፣ ሓደ መጽሓፍ ስዋስውን ኣስታት 8,000 ቃላት ዝሓዘ መዝገበ-ቓላት ቋንቋ ትግረን ኣዳለ'። እተፈላለዩ ናይ ህዝቢ ትግረ ብሂላት፣ ግጥምታት፣ ድጕዓታትን፣ ምስላታትን ድማ ጠርነፉ።

ለ. ኮሚቲ ናይ 1891

ድሕርዚ፣ ዶ/ር ቪንኲስት ኣቓልቦኦም ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ገበሩ። ኣብቲ ቛንቋ ትግርኛ ዝዝረበሉ ቦታታት ቅዱሳት ጽሑፋት ብቛንቋ ትግርኛ ኽትርጐሙን ክዳለዉን ኣለዎም ኢሎም ከኣ ንስራሕ ተበገሱ። ብኣንጻር እዚ ተበግሶ እዚ ግን፣ ኣብቲ እዋን እቲ ገለ ሰባት፣ ትግርኛ፣ ናይ ጓሶትን ሰባት ከኣ ንመርገምን ንጸርፍን ዝጥቀሙሉን ቋንቋ እምበር፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ቋንቋ ኪኸውንሲ ኣይግባእን እዩ፣ ይብሉ ነበሩ። ገለ ኻብቶም ደቂ ሃገር ዓየይቲ ወንጌልውን እንተ ዀኑ ከምዚ እምነት እዚ ነበሮም።

ዶ/ር ቪንኲስት ግን፣ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቛንቋ ትግርኛ ኺትርጐሙ ኣለዎም ዝብል ድርኺት ነበሮም። ስለዚ ኸኣ ንርእሶም ጽሩይን መባእታውን ቛንቋ ትግርኛ ምእንቲ ኺምሃሩ፣ ናብ ሽማንጉስ ላዕላይ ደዪቦም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብኡ ጸንሑ። ምስ ተመልሱ ድማ፣ ኣብ ጽድያ 1891፣ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ትግርኛ እትትርጉም ኮሚቲ መስረቱ። ኣብታ ኮሚቲ ድማ፣ ሊቃውንቲ ቋንቋ ትግርኛ ንዚነበሩ በላሕቲ ደቂ ሃገር (እኒ ቀሺ ማርቆስ ግርማይን (1862-1924) ቀሺ ገብረታትዮስ ዘሚካኤልን (1865-1905)) ኣእተዉዎም። ኣብቲ እዋን እቲ ኸኣ፣ ብዘይካ እተን ብሓደ ደብተራ ማቴዎስ እተብሃለ ሰብኣይ ተተርጒመን ብ1866 እተሓትማ ኣርባዕተ ወንጌላት፣ ካልእ ብቛንቋ ትግርኛ እተዳለወ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበረን። እቲ ናይ ደብተራ ማቴዎስ ትርጉምውን እንተ ዀነ ንምርዳኡ ኣሸጋሪ ነበረ።

ንኣብነት ኣብ ናይ ደብተራ ማቴዎስ ትርጉም፣ እቲ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ምዕራፍ 3 ፍቕዲ 16 ዘሎ ጥቕሲ፣ ከምዚ ይብል፥

"ከይጠፍእ። ኵሌው። ዚአምን። ብኣኡ። ክትኾነሉ። ድኣ። ሕይወት። ዘለዓለም፣ ከምዚውማ። ፈትዎ። እግዚአብሔር። ንዓለም። ክሳብ። ዝሀቦ። ብሕቱ። ንዝተወለዴ። ወዴ። ከይጠፍእ። ኵሌው። ዚአምን። ብኣኡ። ኽትኮነሉ። እምበር። ሕይወት። ዘለዓለም፣"

ኣብቲ ኣስዒብና እንምልከቶ ናይ 1909 ትርጉም ግና ኸምዚ ይብል፥

"እግዚኣብሄር፣ ክሳዕ፣ ክንድዚ፣ ንዐለም፣ ፈትዩዋ፣ እዩ፣ እሞ፣ ሐደ፣ ወዱ፣ በጃ፣ ኽሳዕ፣ ዚህብ፣ መታን፣ ብኡ፣ ዝአመነ፣ ዅሉ፣ ናይ፣ ዘለአለም፣ ህይወት፣ ኪረክብ፣ እምበር፣ ከይጠፍእ።"

ኣብቲ ናይ 1957 ትርጕም ከምዚ ይብል፥

"ኣምላኽ፣ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፣ ከይጠፍእሲ፣ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፣ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።"

ኣብቲ ብ1998 እተመሓየሸ ትርጉም ድማ ኸምዚ ይብል፥

"በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር ከይጠፍእሲ# ኣምላኽ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።"

እምበኣር፣ ዶ/ር ቪንኲስት ብልቦም፣ ኣገልገልቲ ወንጌል ጥራይ ዘይኰነስ ህዝቢውን ንቕዱሳት ጽሑፋት ኬንብብ መዲቦም ስለ ዝነበሩ፣ ፈለማ መባእታዊ መጽሓፍ ቋንቋ ትግርኛ ኼዳልዉ ወሰኑ። እግዚኣብሄር ንሓሳቦም ኪፍጽመሎም ስለ ዝመደቦ ኸኣ፣ ሓደ ብምኽንያት ጥሜት ኣብ እምኩሉ ኪዕቆብ ዚመጸ ሩፋኤል እተብሃለ መንእሰይ ደብተራ ረኸቡ። ደብተራ ሩፋኤል፣ ሊቅ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ነበረ። ንዶ/ር ቪንኲስት ከኣ ስሩዕ ፍዴላት ትግርኛ ኣዳለወሎም። ቀጺሉ ድማ፣ ነዊሕ ተርታ ናይ መሰረታውያን ቃላት ቋንቋ ትግርኛ ሰሪዑ ኣዳለወ። ምስዚ ድማ፣ 55 ጽውጽዋያትን፣ 75 ሕቅሕቅሊቶያትን፣ 471 ምስላታትን ኣኪቡ ጸሓፈ። ዳርጋ ንብሙሉኡ መጽሓፍ ምሳሌን መጽሓፍ መክብብን ድማ ተርጒሙ ቐረበ። ዶ/ር ቪንኲስት ከኣ ነዚ ዅሉ ኣብ ሓደ ኣኪቦም ብ1896 Sillabrio nella lingua Tigrinja ዘርእስቱ መጽሓፍ ኣሕተሙ።

ሐ. ጻዕሪ ቀሺ ማርቆስ ግርማይን ቀሺ ገብረታትዮስ ዘሚካኤልን

ዶ/ር ቪንኲስት፣ ንኣባላት እታ ብ1891 ዚመስረቱዋ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ትግርኛ እትትርጉም ኮሚቲ፣ ኣዝዩ ጽዑቕ ናይ ስነ-ጽሑፍ  ስራሕ ኬስርሑዎም ጀመሩ። እቶም ኣብታ ኮሚቲ ዚነበሩ ደቂ ሃገር ከኣ (ብፍላይ ቀሺ ማርቆስ ግርማይን ቀሺ ገብረታትዮስ ዘሚካኤልን)፣ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ልዕል ዝበለ ምልከትን ተፈጥሮኣዊ መንፋዕትን ስለ ዚነበሮም፣ ምስናይ እቲ ኻልእ ናይ ወንጌል ኣገልግሎታቶም፣ ነቲ ናይ ስነ-ጽሑፍ ስራሕ ብውሕልነት ዓየዩዎ።

ኣቐድም ኣቢልና፣ እቲ ብ1866 እተሓትመ ደብተራ ማቴዎስ ዘዳለዎ ትርጉም ኣርባዕተ ወንጌላት፣ ንምርድኡ ኣሸጋሪ ምንባሩ ገሊጽና ነይርና። ኣብ ልዕልዚ ድማ፣ እቲ ትርጕም፣ ኣብ ኣብያተ ክርስትያንን ህዝብን ብብዝሒ ኣይተዘርግሔን ነበረ። ስለዚ ኸኣ ዶ/ር ቪንኲስት፣ ንኣባላት እታ ናይ 1891 ኮሚቲ፣ ነቲ ናይ ደብተራ ማቴዎስ ትርጉም ኼማሓይሹዎን፣ ነቲ ዝተረፈ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳንውን ኣልጊቦም ኪትርጕምዎን መዚ ሃብዎም።

ኰነ ድማ፣ ቀሺ ገብረታትዮስ፣ ምስ ቀሺ ማርቆስ ኰይኖም ምትርጓም ኣርባዕተ ወንጌላት ምስ ወድኡ፣ ነቲ ኻብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ሃረር ዚብሉዎ ዚነበሩ ናብ ምድረ-ኦሮሞ ኼድካ ወንጌል ናይ ምስባኽ ራእይ ኪፍጽሙ፣ ብ11 ለካቲት 1897 ናብ ምድረ-ኦሮሞ ኸዱ። ቅድሚ ምብጋሶም ግን፣ ባዕሎም ንመጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳዕ መጻሕፍቲ ሳሙኤል ተርጒሞም ነበሩ። ብተወሳኺውን፣ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሓዘ ጽሑፍ ኣዳለዉ። ነቲ ስርሖም ኪቕጽሉዎ ብጾቶም ብዙሕ እንተ ለመንዎምኳ፣ ንሶምሲ ናብ ህዝቢ ኦሮሞ ኸይዶም ወንጌል ኪነግሩን ዋጋ ኪኸፍሉን ደኣ ሓረዩ። ስለዚ ድማ ቦታኦም ቀሺ ግርማጽዮን ገብረ (1877-1953) ብእተባህሉ ምሁር ብ1897 ተተክኤ። ቀሺ ግርማጽዮን፣ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ግእዝ፣ ትግረ፣ ኣምሓርኛ፣ ዓረብ፣ ጣልያንኛን ስዊድንኛን ኪዛረቡ ዚኽእሉ ምሁር ነበሩ።

ንስነ-ጽሑፍ ብዝምልከት፣ ፍረ ጻዕሪ ቀሺ ማርቆስን ቀሺ ገብረታትዮስን እዚ ዝስዕብ ነበረ፥

•-    ብ1897 እተሓትመ መምሃሪ ቛንቋ ትግርኛ፣

•-    ብ1899 እተሓትመ ብሕቶን መልስን ኣቢሉ ንተመሃራይ ወንጌል ዜሰልጥን ጽሑፍ (catechism)

•-    ብሚያዝያ 1900 እተዳለወ ቀዳማይ ሕታም ናይቲ "የሰላም መልእክት" ዝስሙ መጽሄት (ድሓር "መልእኽቲ ሰላም" እተሰምየ)፣

•-    ብታሕሳስ 1900 እተሓትመ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ መዝሙር።

እቲ ንራእይ ዶ/ር ቪንኲስት ተስፋ ዝኾነ ፍረ ጻዕሪ ቀሺ ማርቆስን ቀሺ ገብረታትዮስን ግን፣ እቲ ብ1900 ኣብ ኣስመራ እተሓትመ ኣርባዕተ ወንጌላት ነበረ።

  1. ጻዕሪ ዶ/ር ካርል ቪንኲስት፣ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህንን ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩን - ናይ 1909 ሓድሽ ኪዳን

ዶ/ር ካርል ቪንኲስት፣ ድሕርቲ ብ1900 እተሓትመ ትርጉም ኣርባዕተ ወንጌላት ራእዮም መሊሱ ሓየለ። ክልተ ክኢላታት ቋንቋ ናብቲ ስራሕ ምስ ተጸምበሩ ኸኣ፣ እቲ ናይ ምትርጓም ዕዮ መሊሱ ደልደለ። እቶም እተወሰኹ ክልተ ሊቃውንቲ ድማ፣ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህንን ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩን (1869-1960) ነበሩ።

ቀሺ ማርቆስ ግርማይ፣ ድሕሪ ምኻድ ቀሺ ገብረታትዮስ፣ ነተን ዝተረፋ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ምትርጓም ቀጺሎም ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፣ ሓደ ንተወሳኺ ስራሕ መሰረት ዝኸውን ንድፊ ትርጉም ኣዳለዉ። ድሕርዚ፣ ዶ/ር ቪንኲስት፣ ንቀሺ ተወልደመድህን ካብ ግብሪ ሃዋርያት ክሳዕ ራእይ ዮሃንስ ንዘሎ መጻሕፍቲ ብዝሓሸ ደረጃ ኸም ዚትርጉምዎ ገበሩዎም። ብተወሳኺውን፣ ነቲ ብ1900 እተሓትመ ትርጉም ኣርባዕተ ወንጌላት ምስ ቋንቋ ጽርኢ እናኣነጻጸሩ ከም ዜማሓይሹዎ ገበሩዎም።

ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን፣ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ ናይ ቋንቋታት ምልከት ነበሮም። 12 ቛንቋታት (ማለት ትግርኛ፣ ትግረ፣ ግእዝ፣ ኣምሓርኛ፣ ዓረብ፣ እብራይስጢ፣ ጣልያንኛ፣ ስዊድንኛ፣ እንግሊዘኛ፣ ጀርመንኛ፣ ጽርኢ (ግሪኽ)፣ ከምኡውን ላቲን) ኪዛረቡ ወይ ኬንብቡ ይኽእሉ ነበሩ። ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩውን እንተ ዀኑ፣ ቋንቋታት ትግርኛ፣ ግእዝ፣ ኣምሓርኛ፣ ጣልያንኛን ስዊድንኛን ይመልኩ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ክልቲኦም ነቲ ናይ ምትርጓም ኰነ ንእተተርጐመ ጽሑፋት ናይ ምምሕያሽ ስራሕ ብጽፈት ኪሰርሑ ኸኣሉ።

ቀሺ ተወልደመድህን ንብምሉኡ ሓድሽ ኪዳን ኣጽፊፎም ምስ ተርጐምዎ ኸኣ፣ ዶ/ር ቪንኲስትን ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩን እናሓገዙዎም ነቲ ትርጉም ሓድሽ ኪዳን ደጋጊሞም ኣረሙዎ። ምስ ቋንቋታት ግእዝ፣ ጽርኢ (ግሪኽ)፣ እንግሊዘኛ፣ ስዊድንኛ፣ ኢጣልያንኛን ነምሳን ኣነጻጺሮምዎስ ምስ ዓገቡሉ ድማ፣ ብምሉኡ ሓድሽ ኪዳን ብ1909 ኣብ ኣስመራ ተሓትመ።

እቶም ኣብ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዜንጸፉን ብዙሕ ዚጸዓሩን ዶ/ር ቪንኲስት ከኣ፣ እግዚኣብሄር ፈትዩሎም፣ ሓድሽ ኪዳን ብቛንቋ ትግርኛ ምስ ተሓትመ ብኣዒንቶም ርእዮምዎስ፣ ድሕሪ ክልተ መዓልትታት ብምኽንያት ወቕዒ ልቢ ናብ ጐይታ ኸዱ። ስጋኦም ከኣ፣ ኣብ መካነ-መቓብር  መደበር ሚስዮን ኣብ በለዛ ዓረፈ። ነቲ ዶ/ር ቪንኲስት ንኣስታት 18 ዓመታት ዚጸዓሩሉ ስራሕ ዚቕጽሉዎ ቅዱሳን ስለ እተረኽቡ ድማ፣ ዶ/ር ቪንኲስት ካብ ዚዓረፉሉ ድሕሪ 48 ዓመታት፣ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ትግርኛ ተተርጒሙ ንህዝቢ ተዘርግሔ።

  1. ጻዕሪ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን፣ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩ፣ ቀሺ መዝገበ ወልዱ፣ እመቤት ኤልሲ ቪንኲስት፣ ቀሺ እምባየ ሃብተ-እግዚእ፣ ቀሺ ሚካኤል ሆልመርን ካልኦትን - ናይ 1928 ትርጉም ብሉይ ኪዳን

ዕዮ ምትርጓም ሓድሽ ኪዳን ብቛንቋ ትግርኛ እናቐጸለ ኸሎ፣ ጐድኒ ጐድኑውን ምትርጓም ብሉይ ኪዳን ተጀሚሩ ነበረ። ምስ ምብዛሕ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ከኣ፣ እቶም ተርጐምቲ በብጉጅለ ዀይኖም ነቲ ስራሕ ይዓይዎ ነበሩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ እቶም ኣውራ መራሕቲ ዚነበሩ፣ ቀሺ ተወልደመድህን ገብረመድህን፣ ሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩን ቀሺ መዝገበ ወልዱን (1878-1965) ነበሩ። እዞም ሊቃውንቲ እዚኣቶም፣ ኵሉ ተዛራቢ ቛንቋ ትግርኛ ኺርድኦ ዚኽእል ቃላት ትግርኛ ምእንቲ ኺመርጹ ይደልዩ ነበሩ። ስለዚ ድማ፣ ኣብ በበይኑ ዓድታት ከበሳ ኤርትራ ኣኣርባዕተ ኣዋርሕ እናተቐመጡ ነቲ ኣብተን ዓድታት ዝዝረብ ዓይነት ቋንቋ ትግርኛ የጽንዑ ነበሩ። ቃላት ኣብ ምምራጽ ብዙሕ ክርክር ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረውን ይዝረብ እዩ።

እንተ ዀነ ግን፣ ሽወደናውያን ልኡኻት ካብ ኤርትራ ምስ ተሰጉ እቲ ዕዮ ንገለ ዓመታት ተዓናቒፉ ነበረ። ብብዙሕ ጻዕርን ዓቕልን ናይቶም ደቀባት ሊቃውንቲ ግን፣ ኣብ ኣስታት 1928፣ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ተተርጒሙ ተወድኤ። ስለዝስ ብምሉኡ ብሉይ ኪዳን ተተርጒሙ ኽሳዕ ዝውዳእ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት ወሲዱ ማለት እዩ።

ድሕርዚ ድማ፣ እቲ እተተርጐመ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንኺጻፈፍ ኣብ ክልተ ተመቕለ። እቲ ቐዳማይ ምቃል ካብ ኦሪት ዘፍጥረት ክሳዕ መጽሓፍ ኣስቴር ነበረ። እዚ ኸኣ ንቀሺ መዝገበ ወልዱን ቀሺ ሚካኤል ሆልመርን ተዋህበ። እቲ ኻልኣይ ምቃል ከኣ፣ ካብ መጽሓፍ እዮብ ክሳዕ ትንቢት ሚልክያስ ነበረ። እዚ ኸኣ ንእመቤት ኤልሲ ቪንኲስትን ንቀሺ እምባየ ሃብተ-እግዚእን (1903-2000) ተዋህበ።

  1. ጻዕሪ እመቤት ኤልሲ ቪንኲስት፣ ቀሺ እምባየ ሃብተ-እግዚእ፣ ቀሺ ኣሌሳንድሮ ትሮን፣ ኣቶ ባይሩ ዑቕቢት ሃለቃ ገብረኽርስቶስን ካልኦትን - ናይ 1957 ምሉእ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ትግርኛ  

ቀሺ መዝገበ ወልዱ፣ ቀሺ ሚካኤል ሆልመር፣ እመቤት ኤልሲ ቪንኲስትን ቀሺ እምባየ ሃብተ-እግዚእን ንትርጉም መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ኣብ ክልተ መቒሎም ኣብ ከባቢ 1930 ኣጻፈፉዎ። እቲ ዝቕጽል ናይ ምእራምን ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣተዓራሪኻ ብስሩዕ ናይ ምድላውን ስራሕ ከኣ ንቀሺ እምባየ ሃብተ-እግዚእን ንእመቤት ኤልሲ ቪንኲስትን ተዋህበ። እዚ ስራሕ እዚ ኸኣ፣ ካብ 1932 ኣትሒዙ ክሳዕ 1957 ዝቐጸለ ናይ 25 ዓመታት ስራሕ ኰነ። ኣብዚ ብዙሕ ጻዕርን ትዕግስትን ዝሓተተ ስራሕ እዚ፣ ልዕሊ ዅሉ እተዋስኡ፣ ቀሺ እምባየን እመቤት ኤልሲን እንተ ነበሩኳ፣ ቀሺ ኣሌሳንድሮ ትሮን፣ ሃለቃ ገብረኽርስቶስን ኣቶ ባይሩ ዑቕቢትን እተብሃሉ ሓገዝቶምውን ኣብቲ ዕዮ ደጊፎምዎም እዮም።  

እቲ ጽቡቕ ዝጀመረ ዕዮ፣ ብምኽንያት እቲ መንግስቲ ጣልያን ዚኣዘዞ ምስጓግ ጸዓዱ ሚስዮናውያን ካብ ኤርትራን፣ ብምኽንያት ምውላዕ ካልኣይ ኲናት ዓለምን ንገለ ዓመታት ተዓናቐፈ። ብጻዕሪ እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ ቀሺ ኣሌሳንድሮ ትሮን ግን፣ እቲ ዕዮ መሊሱ ቐጸለ። በዚ ኸኣ፣ ቀሺ እምባየ ነቲ ስራሕ ኣብ ከተማ ሮማ ከይዶም ኪምልኡዎ ተፈቕደሎም። እተን ካብ ኤርትራ ተሰጒገን ኣብ ሽወደን ዚነበራ እመቤት ኤልሲውን፣ ንቀሺ እምባየ ኣብ ሮማ ኺጽምበራኦም ተፈቕደለን። ኽልቲኦም ከኣ ነቲ ስራሕ ንሾሞንተ ዓመታት ኣብ ሮማ ቐጸሉዎ።

ድሕርዚ፣ እቲ ስራሕ ካብ ኣስታት 1946 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ቐጸለን ተፈጸመን። ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ኸኣ፣ ኣብ መወዳእታ 1956 ብሓልዮት British and Foreign Bible Society ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተሓትመ። ክሳዕ 1,000 ዝኾና ናይ መጀመርታ ቅዳሓት ናይቲ ሕታም ድማ ኣብ ሚያዝያ 1957 ናብ ኤርትራ ኣትየን ንህዝቢ ተዘርግሓ። ብ13 ለካቲት 1957 እተፈረመ ናይ ጻዕሮም ምስጋና እተጻሕፈን ወርቃውያን መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ፣ ንእኒ እመቤት ኤልሲ ቪንኲስት፣ ቀሺ እምባየ ሃብተ-እግዚእ፣ ቀሺ መዝገበ ወልዱን ካልኦት ብዙሕ ዝደኸሙ ዓየይትን ተዋህባ።

እመቤት ኤልሲ፣ ከምቲ ብዓል ቤተን ዶ/ር ቪንኲስት ትርጉም ሓድሽ ኪዳን ምስ ተሓትመ ድሕሪ ክልተ መዓልትታት ዝዓረፉ፣ ንሰንውን እቲ ናይ ልዕሊ ስሳ ዓመታት ሃረርታኤን ዝነበረ ዕዮ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ትግርኛ ተፈጺሙስ ንህዝቢ ምስ ተዘርግሔ ድሕሪ ሾሞንተ ኣዋርሕ፣ ብ22 ታሕሳስ 1957 ናብ ጐይታ ኸዳ። ኣብ ጐድኒ ሰብኣየን ዶ/ር ካርል ቪንኲስት ከኣ ኣብ መካነ-መቓብር መደበር ሚስዮን ኣብ በለዛ ተቐብራ።

እቲ ብ1891 ብዝቘመት ኮሚቲ ዝጀመረ ስራሕ ምትርጓም መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ትግርኛ፣ ድሕሪ ናይ ኣስታት 66 ዓመታት ናይ ደቂ ሃገርን ጸዓዱን ጻዕሪ ብዓወት ተፈጸመ።

  1. ምድላው ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ትግርኛ - ናይ 16 ዓመታት ጻዕሪ

እቲ ናይ 1957 ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፣ ቋንቋ ትግርኛ ኼንብብ ናብ ዚኽእል ዘበለ ኵሉ ተዘርግሔ። ምስ ምምጻእ ሓድሽ ወለዶ ግን፣ እቲ ኣብቲ ናይ 1957 ሕታም ዘሎ ቓላት ኣሸጋሪ ኸይከውን ዝብል ሓሳብ እናማዕበለ ኸደ። ብተወሳኺውን፣ እቲ ናይ 1957 ትርጉም፣ ንብሉይ ኪዳን ብቐጥታ ካብ እብራይስጢ፣ ንሓድሽ ኪዳን ድማ ብቐጥታ ካብ ጽርኢ ስለ ዝወሰደ፣ ንኣገላልጻ ሓሳባት ናይቲ ቛንቋታት ከይተረፈ ከም ዘለዎ ኣስፊሩዎ ነበረ። ስለዚ ድማ፣ ኣብ ነበብቱ ናይ ምርዳእ ጸገም ኪህልዎ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት እናሰፍሔ ኸደ።

እምበኣር፣ ኣብ መጀመርታ 1982፣ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ፣ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፣ ንወንጌላዊት ቤተክርስትያንን ንካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ንመጽሓፍ ቅዱስ ነበብቲ ኺርድኡዎ ብዚኽእሉ ፍኹስ ዝበለ ቛንቋ ትግርኛ ኣብ ምትርጓም ዚሰርሑ ክኢላታተን ክሰዳ ጸውዔ። እቶም ብኣብያተ ክርስትያን ተልኢኾም ኣበየ እዋኑ ኣብቲ ዕዮ እተዋስኡ ሊቃውንቲ ቛንቋታትን ቅዱሳት ጽሑፋትን ከኣ፣ እኒ መልኣከ ገነት ሞጎስ ዑቕባጊዮርጊስ፣ መምህር ዓንደብርሃን ገብረማርያም፣ ኣቶ ትኳቦ ኣረስዕ፣ ሓው ሚካኤል ገብረማርያምን ኣባ ተኽልዝጊ ዑቕባጊዮርጊስን ነበሩ። እዞም ሊቃውንቲ፣ ቛንቋታት ትግርኛ፣ ግእዝ፣ ኣምሓርኛ፣ እንግሊዘኛ፣ ዓረብኛ፣ እብራይስጢ፣ ግሪኽ፣ ጣልያንኛን ዚመልኩ ነበሩ።

እቶም ክኢላታት፣ ትኽክል፣ ንጹርን መብዛሕቱ ነባቢ ድማ ኺርድኦ ብዚኽእል ኣገባብ ንመጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ ኼማሓይሹ ተመዘዙ። ካብ 10 ንሕዳር 1985 ኣትሒዞም ድማ፣ ንሓድሽ ኪዳን ብምምሕያሽ ስርሖም ጀመሩ። ኣብ 1991 ከኣ፣ እቲ እተመሓየሸ ትርጉም ሓድሽ ኪዳን ኣብ ህዝቢ ተዘርግሔ። ድሕርዚ ኸኣ ንብሉይ ኪዳን ኣማሓየሹዎ እሞ፣ ምሉእ እተማሓየሸ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ቛንቋ ትግርኛ ብ1998 ናብ ህዝቢ ተዘርግሔ።

ምንጪ፣

  1. Evangelical Pioneers in Ethiopia, ብጉስታቭ ኣረን (1977)
  2. Survey History of the Bible in Eritrea, unpublished paper, ብነጸረኣብ ኣዛዚ (2005)
  3. እተፈላለየ ቃለ-መጠይቓት

ኣዳለውቲ፣ ቦርድ መንእሰይ ወንጌላዊት-ሉተራዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ