ሓደ እዋን፡ ሓደ ኣማኒ ብሕልሙ ፡ ምስ ጎይታ ኣብ ገምገም ባሕሪ ክኸይድ ከሎ ረኣየ። ኣብቲ ሕልሙ ምስ ጎይታ ዘሕለፎ ዚሓለፈ ታሪኽ ህይወት፡ ኣብቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነበረ ሑጻ ብመልክዕ ኣሰር ኣእጋሩን ኣሰር እግሪ ጎይታን ተሳኢሉ ክርእዮ ጀመረ።
ኣብቲ መወዳእታ ትሪኽ ህይወቱ ንኽበጽሕ ቁሩብ ምስ ተረፎ ኣሰር፡ ምልስ ኢሉ ነት ኣብ ሑጻ ዝተቐርጸ ኣሰር ኣእጋር ብትኹረት ክምልቶ ጀመረ እሞ ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ጉዕዞ ተሪኽ ህይወቱ ኣሰር ኣእጋር ሓደ ሰብ ጥራይ ተመልከተ። እዚ ኣሰር ኣእጋር ሓደ ሰብ ዝረኣየሉ እዋናት ድማ ኣብቲ ኣሸጋሪን ሓዘን ዝመልኦን ግዚያት ናይ ህይወቱ ጥራይ ከም ዚነበረ ኣስተብሃለ።
እዚ ትዕዚብቲ እዚ ኣዝዩ ስለ ዘጨነቖ ምልስ ኢሉ ንጎይታ ከምዚ ኢሉ ሓተቶ። " ጎይታ! ከም መድሕነይ ተቀቢለ ክስዕብካ ካብ ዝጅምር ኣብ ኩሉ ጉዕዞይ ምሳይ ከም እትኾዉን ቃል ኣቲኻለይ ኔርካ። ኣብዚ ኣሰር ዚሓለፈ ታሪኽ ህይወተይ ከም ዘስተዉዓልክዎ ግና፡ ኣብቲ ኣሸጋሪን ተስፋ ዘቑርጽን እዋናት ናይ ጉዕዞይ ኣብ ክንዲ ኣሰር ኣእጋር ክልቴና ዝርኢ ኣሰር ኣእጋረይ ጥራይ ረኺበዮ። ኣብቲ ኣነ ኣዝየ ዝደልየካ ኣሸጋሪ እዋናት ንምንታይ ንበይነይ ገዲፍካኒ ትኸይድ ከምዚንበርካ ክርድኣኒ ኣይከኣለን?" ። ጎይታ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ " ዝኸበርካ ዉሉደይ! አፍቅረካ እየ! ፈጺመ ድማ ኣይክሓድከካን እየ። እቲ ኣብ እዋን ፈተናኻን ስቅያትካን ዝረኣኻዮ ኣሰር ኣእጋር ሓደ ሰብ ናትካ ኣይነበረን። ንስኻ ነቲ ኩነታት ተጻዊርካ ኣብቲ ጽንኩር ናይ ፈተናኻን ስቅያትካን ግዜ ብእግርኻ ንኽትኸይድ ብዘይምኽኣልካ ሓንጊረካ እጉዓዝ ነይረ። ንስኻ ኢቲ ኩሉ ኩፉእ ኩነታት ኣብ መንኩበይ ተሓንጊርካ ስለ ዘሕለፍካዮ እቲ ኣብቲ ሕማቅ ግዜ ናይ ጉዕዞ ህይወትካ ዝረኣኻዮ ኣሰር ኣእጋር ሓደ ሰብ ድማ፡ ኣሰር ኣእጋረይ ጥራይ እዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብኣዝዩ ጽንኩር ናይ ህይወት ፈተነታት ክንሓልፍ ኮለና፡ ጎይታ ፈጺሙ ዚጠንጠንነና ኮይኑ እዩ ዝስመዓና። እዚ ምናልባት ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ እንሓስቦ ሓሳባት ኢምበር እቲ ሓቅስ ከምኡ ኣይኮነን። ብእንሓልፎ ኩሉ ገለ ተመክሮታት ክንምሃር ኢሉ እምበር እግዚኣብሄር ዝኣተዎ ቃል ዓጺፉ ደቁ ብማእከል ጽዕጹዕ ፈተናን ሽግርን ክሓልፉ ከልዉ ልቡ ዘይትንከፍ ዘይድንግጽን ኣምላኽ ኣይኮነን። ንሱ ንደቁ ኣይሓድጎምን እዩ።
ኣሰር ኣእጋር !
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode