1. ልቢ ብስምዒታዊ መዳይ ክረአ ከሎ
ይሓዝን ። መዝ 13:2,38:8, ህዝ 13:22 ይሕጐስ ። መዝ 13:5,16:9-10
ይጒሂ ። ነህ 2:2 ይጭነቕ ። መዝ 25:17,55:4
ይምረር ። መዝ 73:21 ይስምብድ ። መዝ 143:4
ልቢ ይብኪ ። ኢሳ15:5,ኤር 48:36 የእዊ(ሓገዝ ብምድላይ) ። ድጕ 2:18
ይናወጸ ወይ ይሽበር ። እያ 14:8,ሆሴ 11:8 ይቈስል ። 1ነገ 8:38,መዝ 109:22
ልቢ ይስበር ። መዝ 109:16 ክጽምሉን ክንቅጽን ይኽእል ። መዝ102:4
ይፈቱ ። መሳ 19:3 ይከዖ(ኣብ ግዜ ንስሓ) ። ድጕ 2:19
ይግልበጥ(ብሰንኪ ስቓይን ሓዘንን) ። ደጕ 1:20 ይፈስስ(ጾር ንምርጋፍ) ። መዝ 62:8
2. ልቢ ብድሌታዊ መዳይ ክረአ ከሎ
ድሌት ኣለዎ ። ዘሁ15:39, መዝ 37:4, ምሳ 13:12,19, 2ቈረ 8:12,19
ሃረርታ ኣለዎ ። ሮሜ 9:1
ትምኒት ኣለዎ ። መዝ 10:2-3,20:4,21:2
3. ልቢ ብፍቓዳዊ መዳይ ክርአ ከሎ
ፍቓድ ኣለዎ 2ቈረ 8:12,19 ። ሰለዝዀነ ድማ ልቢ:
ንምሃብ ይሕልን 2ቈረ 9:7
ፈቲዩ ይህብ ዘጸ 35:5,22
ህያብ ንምሃብ ንሰብ ይለዓዕሎን ይደፍኦን ። ዘጸ 35:21,29
ንዕዮ ኣምላኽ ይድርኽ ። ዘጸ 36:2
ትሕት ክብል ይኽእል ። ዳኒ 5:22
ንድሕሪት ክምለስ ወይ ከይምለስ ይኽእል ። መዝ 44:18-19
ውሳኔን ክውስንን ኣብ ውሳኔኡ ክጽንዕ ይኽእል ። 1ቈረ 7:37
4. ልቢ ብፍልጠታዊ መዳይ ክርአ ከሎ
መገዲ ኣለዎ ። መክ 11:9,ኢሳ 57:18
ዝኸደሉ መገዲ ይምድብ ። ምሳ 16:8
ይኸይድ ። 2ነገ 5:26
ናይ ርእሱ ዝዀነ ሓሳብ ኣለዎ ። መዝ 33:11,49:3, 73:7, 1ዜና 22:7,
2ዜና 6:7-8, ኤር 23:20,30:24,ግብ 8:22
ሓሳባት የዳሉ። ምሳ 16:1
ይዛረብ ። ዘዳ 18:21, መዝ 27:8, 36:1,ምሳ 23:23,ኢሳ 40:2
የስተንትን ። መዝ 77:6
ይርስዕ ። መዝ 31:12
ይመርሕ ። መክ 2:3
5. ቃል ኣምላኻዊ መግለጺ ብዛዕባ ልቢ
ምንጪ ህይወት እዩ ። ምሳ 4 :23,20:5
ልቢ ዓሚቕ ኢዩ ። መዝ 64:6, ምሳ 20:5
ካብ ኩሉ ጐራሕን ኣዚዩ ሕሱምን እዩ ። ኤር 17:9
6. ልቢ ብታኣማንነት መዳይ ክርአ ከሎ
ኣብ እግዚኣብሄር ይጸንዕ ። መዝ 31 :24
ኣብ እግዚኣብሄር ይእመን ። ምሳ 3 :5
ይጠልም ። መዝ 40:12
እከይ ይሓስብን ሓሶት ይዛረብን ። ዳኒ 11:27
ይጠራጠር(ይወላወል) ። ማር 11:23
7. ግዳማዊ ኣካል ኣብ ልዕሊ ልቢ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ
7.1 እግዚኣብሄር ኣብ ልቢ እቲ ምኽሩ ንምፍጻም ዝሓረዮ ሰብ ሓሳብ ከአቱ ይኽእል ። ግብ 7:23
ንኣብነት: ሙሴ
7.2 ስይጣን እውን ነቲ ክፉእ ዕላምኡ ንምፍጻም ሓሳቡ ኣብ ልቢ ሰብ’ዩ ከአቱ ዝደሊ። ዮሃ 13:2
ንኣብነት: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ, ሃናንያን ስጲራን ግብ 5:3
7.3 ከምኡ’ውን በዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ምኽንያታትን ካልእን ንልቢ ናብ ሓደ ወገን
ክዘብል ይኽእል እዩ ።
• ብዝዝረብ ቃላት መሳ 9:3, 2ሳሙ15:6,13, እያ 14:8
• ብፍቕሪ(ወላዲ) 2ሳሙ14:1,መሃ 4:9
• ብኣንስቲ ወይ ሰበይቲ 1ነገ 11:3,ምሳ 7:25-27,ዘዳ 17:17
• ሃብቲ ዘዳ 17:17, መዝ 62:10
• ኣብዛ በቲ እኩይ ተታሒዛ ዘላ ዓለም ዘሎ ክፍኣት መዝ 141:4,1ዮሃ 5:19
• ስስዐ መዝ 119:36
8. ልቢ ነቲ ድሒሩ ብተግባር ዝፍጸም ጽብቕ ይኹን ሕማቕ ተግባር መበግሲ ኢዩ ።
• ንስሓ ኣብ ልቢ’ዩ ዝጅምር ። ሮሜ 2:5
• ናይ ቅድስና ሓሳብ ኣብ ልቢ’ዩ ዝሕለን ። 2ዜና 29:34, ዳኒ 1:8,1ጴጥ 3:15
• በደል ቅድም ኣብ ልቢ’ዩ ዝፍጸም ። መዝ 58:2
• ጌጋ መሰረቱ ኣብ ልቢ’ዩ ። መዝ 95:10, እብ 3:10(ስሕተት)
• እኩይ ኣብ ልቢ’ዩ ዝህቐን ። መዝ 140:1-2, ዳኒ 11:27(እኩይ ሓሳብ)
• ግፍዒ ኣብ ልቢ’ዩ ዝሕሰብ ። ምሳ 24:1-2
• ትዕቢት ኣብ ልቢ’ዩ ዝጅምር ። ዳኒ 8:25, ምሳ 18:12
• ረሲእነት ካብ ልቢ’ዩ ዝብገስ ። እዮ 36:13
• ኣምላኽ ዘይከብረሉ ሓሳብ ካብ ልቢ’ዩ ዝለዓል ። ሉቃ 24:38
ጐይታ የሱስ’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣስፍሕ ኣቢሉ ኣብ ማር 7:21 ተዛሪቡ ኣሎ ።
9. ፍሉይነት ናይ ልቢ
ኣዒንቲ ኣለዎ። ምሳ 27:19 ,ኤፌ 1:18
ህይወት ኣለዎ ። መዝ 22:26,69:32-33
ናይ ምስሓብ ሓይሊ ኣለዎ ። እዮ 15:12
ሰብ ክስሕቅ ከሎ ልቢ ክጕሂ ይኽእል’ዩ ። ምሳ 14:13
ሰብ ክሓዝን ከሎ ድማ ልቢ ክሕጐስ ይኽእል’ዩ ። መክ 7:3
ሰብ ዋላ እኳ እንተደቀሰ ልቢ ንቑሕ ኢዩ ። መሃ 5:2
10. ልቢ ከም ሕልና ክሰርሕ ከሎ
1. ሰብ ቅኑዕ ዘይኰነ ተግባር ክገብር ከሎ ልቢ ይሽበር(ይወቅዕ) ። 1ሳሙ 24:6,2ሳሙ 24:10,
2. ሰብ ኣብ ሓቅን ጽድቂ ኣምላኽን ከምዘሎ ልቢ ይምስክር ። እዮ 27:6,1ዮሃ 3:21
3. ከምቲ ዝግበኦ ንዘይነብር ሰብ ድማ ልቢ ይነቕፍ ። 1ዮሃ 3:19-20
4. ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ልቢ ይረትዕ ። ግብ 2:37
11. ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ዓይነታት ልቢ
• ጽጹይ ልቢ ዘፍ 20:5-6
• ፍታው(ፍቶት ዘለዎ ልቢ) ዘጸ 25:2,35:5,22,2ዜና 29:31
• ጥበበኛ ልቢ ዘጸ 35:10,36:8,መዝ 90:12,ምሳ10:8,11:29,15:14,16:21,23,
መክ 7:4,8:5-6,10:2
• ዝእዘዝ ልቢ ዘዳ 5:27-28,29,ሮሜ 6:18
• ርህራሄ(ደንጋጸ) ዝተመልአ ልቢ ዘዳ 15:7,10
• ጽቡቕ ልቢ ዘዳ 28:47
• ሕጉስ ልቢ 1ነገ 8:66,ምሳ 15:13,15,16:22
• ፍጹም ልቢ 1ነገ 11:4,15:14,1ዜና12:38,መዝ 101:2
• ቅኑዕ ልቢ 2ነገ 10:15,1ዜና29:17,2ዜና29:34,መዝ 32:11,36:10,64:10,94:15 97:11,125:4
• ልስሉስ ልቢ 2ነገ 22:19
• ዘይምቁል(ዘይጠራጠር) ልቢ 1ዜና 12:33, ማር 11:23
• እሙን ልቢ ነህ 8:9
• ንጹህ ልቢ መዝ 24:4,73:1,ምሳ 22:11,1ጢሞ 1:5, 2ጢሞ 2:22, 1ጴጥ 1:22-23
• ዘይፈርህ(ተባዕ)ልቢ መዝ 27:3
• ስቡር ልቢ መዝ 34:18,109:16,ኢሳ 61:1
• ጽሩይ ልቢ መዝ 51:10
• ቅጥቁጥ ልቢ መዝ 51:17
• ገፊሕ ልቢ 1ነገ 4:29, መዝ 119:12, ኢሳ 60:5, 2ቈረ 6:11,7:2
• ንቃል ኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ መዝ 119:161
• ትሑት(ዝደንን) ልቢ መዝ 131:1,ማቴ 11:29-30, መዝ 119:112,ምሳ 2:1-2
• ዓቃል ልቢ ምሳ 14:30
• ድቁስ ልቢ ኢሳ 57:15
• ግሩህ ልቢ ግብ 2:46,ሮሜ 16:17-18,ኤፌ 6:5,ቈሌ 3:22
12. ካብ እግዚኣብሄር ዝዓለዉ ዓይነታት ልቢ
• ጽንዓት ወይ ተሪር ልቢ ዘጸ 4:21,7:14,2ዜና 36:13, እዮ 11:20,ምሳ 28:14,
ኢሳ 46:12,ኤር 9:14,ህዝ 3:7,ማር 16:14, ኤፌ 4:18
• ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየድህብ ልቢ ዘጸ 9:21
• ጽልኢ ዝተመልአ ልቢ ዘሌ 19:17
• ዘይተገዝረ ልቢ ዘሌ 26:41,ኤር 9:25-26,ህዝ 44:7,ግብ 7:51
• ተጻራሪ ልቢ ዘዳ 2:30
• ካብ እግዚኣብሄር ዝርሕቕ ልቢ ዘዳ 29:18,19,(ኢሳ 29:17,ማቴ 15:8),ኤር 17:5
• ትዕቢተኛ ልቢ 2ነገ 14:10,ምሳ16:5,18:12,ኢሳ 10:12,ህዝ 28:2,5,17,31:10,ኦብ 1:3
• ዝንዕቕ ልቢ 1ዜና 15:29,ምሳ 5:12-14
• ዝተጠበረ ልቢ እዮ 31:27, ኢሳ 44:20
• ክልተ ልቢ መዝ 12:2,ያእ 1:7-8, 4:8, ምቁል ልቢ ሆሴ 10:12
• ውግእ ዘለዎ ልቢ መዝ 55:21
• ቀጥ ዘይበለ ልቢ መዝ 78:5-8, ዝናወጽ ልቢ ኢሳ 7:2
• ቄናን ልቢ መዝ 101:4,ምሳ12:8
• ኵሩዕ ልቢ መዝ 101:5,ኢሳ 9:9-10,ኤር 49:16, ኳዕናን ልቢ ኤር 48:29
• ስቡሕ ልቢ መዝ 119:70,17:10,ሆሴ 13:8,ዮኤ 2:13, ረጒድ ልቢ ማቴ 13:14-15,
ዮሃ 12:39-40,ሮሜ 1:21
• እኩይ ምኽሪ ዝፍሕስ ልቢ ምሳ 6:18,6:14,26:23
• ተንኰለኛ ልቢ ምሳ 7:10,6:14
• ዘይፈሪ(መኻን) ልቢ ምሳ 10:20
• ጠዋይ ልቢ ምሳ 11:20,16:20
• ጨካን ልቢ ምሳ 12:10
• እምቢተኛን ዓላዊ ልቢ ምሳ 14:14, ኤር 5:23
• ተጸባጻቢ ልቢ ምሳ 23:7
• ሕዙን ልቢ ምሳ 25:20 ?
• ሕሉል ልቢ ኢሳ 1:5
• ድፉን ልቢ ኢሳ 6:10,44:18,ማር 6:52, 8:17
• ፈራህ ልቢ 33:4
• ህልኸኛ ልቢ ኤር 7:24, ድርቕና ዘለዎ ልቢ ደጒ 3:64
• ዝሓረነ ልቢ ህዝ 2:4,3:7
• ዘማዊ ልቢ ህዝ 6:9, ማቴ 5:28
• ብልሽው ልቢ ህዝ 16:30-31
• ንምእማን ዝድንጒ ልቢ ሉቃ 24:25
• ዘይቅኑዕ ልቢ ግብ 8:21
• ሽፉን ልቢ 2ቈረ 3:15
• ጸቢብ(ዕጹው) ልቢ 2ቈረ 6:12
• እኩይ ዘይኣምን ልቢ እብ 3:12-13
13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ልቢ ኣዛሚዱ ንህዝቡ ዝሓቶ ነገራት
ብኹሉ ልብና ክንደልዮ ። ዘዳ 4:9,መዝ119:2
ብኹሉ ልብና ክንፈትዎን ክንፍቅሮን ። ዘዳ 6:5,30:6, ማቴ 22:37
ብምሉእ ልብና ከነገልግሎ ። ዘዳ 10:12-13,11:13,እያ 22:5,1ሳሙ 12:20
ነቲ ኣምላኽ ተዛሪቡ ኣብ ህይወትና ዝፈጸሞ ተስፋኡ ብኹሉ ልብና ክንፈልጦ ። እያ 23:14
ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልብና ኣሚና ከነገልግሎ ። 1ሳሙ 12:24,1ዜና 28:9
ብእምነትን ብምሉእ ልብን ኣብ ቅድሚኡ ክንመላለስ ። 1ነገ 2:4
ልብና ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ክኸውን 1ነገ 8:61
ብኹሉ ልብና ድድሕሪ እግዚኣብሄር ክንከይድ ። 2ነገ 23:3
ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈቲና ክንህቦ ። 1ዜና 29:9
ዕዮኡ ብምሉእ ልቢ ክግበር ። 2ዜና 31:21
ብምሉእ ልቢ ክምስገን ። መዝ 9:1,86:12-13
ብምሉእ ልቢ ክንጽሊ ። መዝ 119:145
ብምሉእ ልብና ብኣምላኽ ክንእመን ። ምሳ 3:5,ግብ 8:37,ሮሜ 10:9-11
ልብና ንቃሉ ኣጽኒዑ ክሕዞ ። ምሳ 4:4
ንልብና ክንሕልዎ ። ምሳ 4:23
ልብና ክንህቦ ። ምሳ 23:26
ልብና ክንገዝር ። ኤር 4:4, ሮሜ 2:29
ንክርስቶስ ብልብና ክንቅድሶ 1ጴጥ 3:15
ኣስተውዕል : ኣብዚ ተሰሚርሉ ዘሎ ሓረጋት ብምዕዛብ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ልቢ ካባና ከምዝጽበ ንምግማቱ ኣየሸግርን ።
14. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ልቢ ዝህቦ መጠንቐቅታታት
• ልቢ ከይዕበ ። ዘዳ 8:14,17, 9:4,5,17:19-20
• ልቢ ከይስሕት ። ዘዳ 11:16-17, 17:17
• ልቢ ሓሳብ ብልያል(ሰይጣን) ከይህልዎ ። ዘዳ 15:9
• ብልቢ ይቕረ ክንብል ። ማቴ 18:35
• ልቢ ርኹስ ነገር ከይምነ ። ምሳ 6:25-26, ማቴ 5:28
15. እግዚኣብሄር ብዛዕባ ልቢ ዝህበና ምኽሪታት
ልብና ከይሽበርን ከይፈርህን ። ዘዳ 20:3-4, ዮሃ 14:1,27
ልብና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ ። 1ዜና 16:10
ልብና ክንምርምር ። መዝ 4:4
ልብና ክብርትዕን ቀጥ ክብልን መዝ 27:14
ተስፋና ኣብ እግዚኣብሄር ብምግባር ልብና ክነጽንዕ ። መዝ 31:24
ኣብ ሃብቲ ልብና ከይነውድቕ ። መዝ 62:10
ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ኣብ ቅድሚኡ ልብና ከነፍስስን ። መዝ62:8
ልብና ንምዝራብ ከይቅልጥፍ ። መክ 5:2-3
ጓሂ ካብ ልብና ከነርሕቕ ። መክ 11:10
ብምሉእ ልብና ብጐይታ ጸኒዕና ክንነብር ። ግብ 11:23-24
ብልብና ንጐይታ ክንቕነየሉን ክንደርሰሉን ክንዝምረሉን ። ኤፌ 5:18-19,ቈሌ 3:16