07
Sun, Sep
0 New Articles

ኣገዳስነት ልቢ ብዓይኒ ቃል ኣምላኽ !

Cell Group Material
Typography

1. ልቢ ብስምዒታዊ መዳይ ክረአ ከሎ


  ይሓዝን ። መዝ 13:2,38:8, ህዝ 13:22          ይሕጐስ ። መዝ 13:5,16:9-10
  ይጒሂ ። ነህ 2:2                            ይጭነቕ ። መዝ 25:17,55:4
  ይምረር ። መዝ 73:21                       ይስምብድ ። መዝ 143:4
  ልቢ ይብኪ ። ኢሳ15:5,ኤር 48:36              የእዊ(ሓገዝ ብምድላይ) ። ድጕ 2:18
  ይናወጸ ወይ ይሽበር ።  እያ 14:8,ሆሴ 11:8       ይቈስል  ። 1ነገ 8:38,መዝ 109:22  
  ልቢ ይስበር ። መዝ 109:16                   ክጽምሉን ክንቅጽን ይኽእል ። መዝ102:4
  ይፈቱ ። መሳ 19:3                          ይከዖ(ኣብ ግዜ ንስሓ) ። ድጕ 2:19
  ይግልበጥ(ብሰንኪ ስቓይን ሓዘንን) ። ደጕ 1:20     ይፈስስ(ጾር ንምርጋፍ) ። መዝ 62:8      
           
 

2. ልቢ ብድሌታዊ መዳይ ክረአ ከሎ


  ድሌት ኣለዎ ። ዘሁ15:39, መዝ 37:4, ምሳ 13:12,19, 2ቈረ 8:12,19
  ሃረርታ ኣለዎ ። ሮሜ 9:1
  ትምኒት ኣለዎ ።  መዝ 10:2-3,20:4,21:2

3. ልቢ ብፍቓዳዊ መዳይ ክርአ ከሎ

  ፍቓድ ኣለዎ  2ቈረ 8:12,19 ። ሰለዝዀነ ድማ ልቢ:
  ንምሃብ ይሕልን 2ቈረ 9:7
  ፈቲዩ ይህብ ዘጸ 35:5,22
  ህያብ ንምሃብ ንሰብ ይለዓዕሎን ይደፍኦን ። ዘጸ 35:21,29
  ንዕዮ ኣምላኽ ይድርኽ ። ዘጸ 36:2
  ትሕት ክብል ይኽእል ። ዳኒ 5:22
  ንድሕሪት ክምለስ ወይ ከይምለስ ይኽእል ። መዝ 44:18-19
  ውሳኔን ክውስንን ኣብ ውሳኔኡ ክጽንዕ ይኽእል ። 1ቈረ 7:37

4. ልቢ ብፍልጠታዊ መዳይ ክርአ ከሎ


  መገዲ ኣለዎ ። መክ 11:9,ኢሳ 57:18
  ዝኸደሉ መገዲ ይምድብ ። ምሳ 16:8
  ይኸይድ ።    2ነገ 5:26
  ናይ ርእሱ ዝዀነ ሓሳብ ኣለዎ ። መዝ 33:11,49:3, 73:7, 1ዜና 22:7,    
                          2ዜና 6:7-8, ኤር 23:20,30:24,ግብ 8:22
  ሓሳባት የዳሉ። ምሳ 16:1
  ይዛረብ ። ዘዳ 18:21, መዝ 27:8, 36:1,ምሳ 23:23,ኢሳ 40:2
  የስተንትን ።  መዝ 77:6
  ይርስዕ ። መዝ 31:12
  ይመርሕ ። መክ 2:3
 

5. ቃል ኣምላኻዊ መግለጺ ብዛዕባ ልቢ


   ምንጪ ህይወት እዩ ። ምሳ 4 :23,20:5
   ልቢ ዓሚቕ ኢዩ ። መዝ 64:6, ምሳ 20:5
   ካብ ኩሉ ጐራሕን ኣዚዩ ሕሱምን እዩ ። ኤር 17:9

6. ልቢ ብታኣማንነት መዳይ ክርአ ከሎ


  ኣብ እግዚኣብሄር ይጸንዕ ። መዝ 31 :24
  ኣብ እግዚኣብሄር ይእመን ። ምሳ 3 :5
  ይጠልም ። መዝ 40:12
  እከይ ይሓስብን ሓሶት ይዛረብን ። ዳኒ 11:27
  ይጠራጠር(ይወላወል) ። ማር 11:23

7. ግዳማዊ ኣካል ኣብ ልዕሊ ልቢ ሰብ ዘለዎ ጽልዋ

 
 7.1 እግዚኣብሄር ኣብ ልቢ እቲ ምኽሩ ንምፍጻም ዝሓረዮ ሰብ ሓሳብ ከአቱ ይኽእል ። ግብ 7:23       
     ንኣብነት: ሙሴ
 7.2 ስይጣን እውን ነቲ ክፉእ ዕላምኡ ንምፍጻም ሓሳቡ ኣብ ልቢ ሰብ’ዩ ከአቱ ዝደሊ። ዮሃ 13:2
     ንኣብነት: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ, ሃናንያን ስጲራን ግብ 5:3
 7.3 ከምኡ’ውን በዞም ስዒቦም ተዘርዚሮም ዘለዉ ምኽንያታትን ካልእን ንልቢ ናብ ሓደ ወገን  
     ክዘብል ይኽእል እዩ ።
•    ብዝዝረብ ቃላት  መሳ 9:3, 2ሳሙ15:6,13, እያ 14:8
•    ብፍቕሪ(ወላዲ)   2ሳሙ14:1,መሃ 4:9
•    ብኣንስቲ ወይ ሰበይቲ 1ነገ 11:3,ምሳ 7:25-27,ዘዳ 17:17
•    ሃብቲ ዘዳ 17:17, መዝ 62:10      
•    ኣብዛ በቲ እኩይ ተታሒዛ ዘላ ዓለም ዘሎ ክፍኣት መዝ 141:4,1ዮሃ 5:19
•    ስስዐ መዝ 119:36

8. ልቢ ነቲ ድሒሩ ብተግባር ዝፍጸም ጽብቕ ይኹን ሕማቕ ተግባር መበግሲ ኢዩ ።


•    ንስሓ ኣብ ልቢ’ዩ ዝጅምር ። ሮሜ 2:5
•    ናይ ቅድስና ሓሳብ ኣብ ልቢ’ዩ ዝሕለን ። 2ዜና 29:34, ዳኒ 1:8,1ጴጥ 3:15
•    በደል ቅድም ኣብ ልቢ’ዩ ዝፍጸም ። መዝ 58:2
•    ጌጋ መሰረቱ ኣብ ልቢ’ዩ ። መዝ 95:10, እብ 3:10(ስሕተት)
•    እኩይ ኣብ ልቢ’ዩ ዝህቐን ። መዝ 140:1-2, ዳኒ 11:27(እኩይ ሓሳብ)
•    ግፍዒ ኣብ ልቢ’ዩ ዝሕሰብ ። ምሳ 24:1-2
•    ትዕቢት ኣብ ልቢ’ዩ ዝጅምር ። ዳኒ 8:25, ምሳ 18:12
•    ረሲእነት ካብ ልቢ’ዩ ዝብገስ ። እዮ 36:13
•    ኣምላኽ ዘይከብረሉ ሓሳብ ካብ ልቢ’ዩ ዝለዓል ። ሉቃ 24:38
  ጐይታ የሱስ’ውን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ኣስፍሕ ኣቢሉ ኣብ ማር 7:21 ተዛሪቡ ኣሎ ።

9. ፍሉይነት ናይ ልቢ


   ኣዒንቲ ኣለዎ። ምሳ 27:19 ,ኤፌ 1:18
   ህይወት ኣለዎ ። መዝ 22:26,69:32-33
   ናይ ምስሓብ ሓይሊ ኣለዎ ። እዮ 15:12
   ሰብ ክስሕቅ ከሎ ልቢ ክጕሂ ይኽእል’ዩ ። ምሳ 14:13
   ሰብ ክሓዝን ከሎ ድማ ልቢ ክሕጐስ ይኽእል’ዩ ። መክ 7:3
   ሰብ ዋላ እኳ እንተደቀሰ ልቢ ንቑሕ ኢዩ ። መሃ 5:2

10. ልቢ ከም ሕልና ክሰርሕ ከሎ


1.    ሰብ ቅኑዕ ዘይኰነ ተግባር ክገብር ከሎ ልቢ ይሽበር(ይወቅዕ) ። 1ሳሙ 24:6,2ሳሙ 24:10,
2.    ሰብ ኣብ ሓቅን ጽድቂ ኣምላኽን ከምዘሎ ልቢ ይምስክር ። እዮ 27:6,1ዮሃ 3:21
3.    ከምቲ ዝግበኦ ንዘይነብር ሰብ ድማ ልቢ ይነቕፍ ። 1ዮሃ 3:19-20
4.    ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ልቢ ይረትዕ ። ግብ 2:37

11. ንእግዚኣብሄር ባህ ዘብል ዓይነታት ልቢ

•    ጽጹይ ልቢ  ዘፍ 20:5-6
•    ፍታው(ፍቶት ዘለዎ ልቢ) ዘጸ 25:2,35:5,22,2ዜና 29:31
•    ጥበበኛ ልቢ ዘጸ 35:10,36:8,መዝ 90:12,ምሳ10:8,11:29,15:14,16:21,23,
   መክ 7:4,8:5-6,10:2
•    ዝእዘዝ ልቢ ዘዳ 5:27-28,29,ሮሜ 6:18
•    ርህራሄ(ደንጋጸ) ዝተመልአ ልቢ ዘዳ 15:7,10
•    ጽቡቕ ልቢ ዘዳ 28:47
•    ሕጉስ ልቢ 1ነገ 8:66,ምሳ 15:13,15,16:22
•    ፍጹም ልቢ 1ነገ 11:4,15:14,1ዜና12:38,መዝ 101:2
•    ቅኑዕ ልቢ  2ነገ 10:15,1ዜና29:17,2ዜና29:34,መዝ 32:11,36:10,64:10,94:15 97:11,125:4
•    ልስሉስ ልቢ 2ነገ 22:19
•    ዘይምቁል(ዘይጠራጠር) ልቢ 1ዜና 12:33, ማር 11:23
•    እሙን ልቢ ነህ 8:9
•    ንጹህ ልቢ  መዝ 24:4,73:1,ምሳ 22:11,1ጢሞ 1:5, 2ጢሞ 2:22, 1ጴጥ 1:22-23
•    ዘይፈርህ(ተባዕ)ልቢ መዝ 27:3
•    ስቡር ልቢ መዝ 34:18,109:16,ኢሳ 61:1
•    ጽሩይ ልቢ መዝ 51:10
•    ቅጥቁጥ ልቢ መዝ 51:17
•    ገፊሕ ልቢ 1ነገ 4:29, መዝ 119:12, ኢሳ 60:5, 2ቈረ 6:11,7:2
•    ንቃል ኣምላኽ ዝፈርህ ልቢ መዝ 119:161
•    ትሑት(ዝደንን) ልቢ መዝ 131:1,ማቴ 11:29-30, መዝ 119:112,ምሳ 2:1-2
•    ዓቃል ልቢ ምሳ 14:30
•    ድቁስ ልቢ ኢሳ 57:15
•    ግሩህ ልቢ ግብ 2:46,ሮሜ 16:17-18,ኤፌ 6:5,ቈሌ 3:22

12. ካብ እግዚኣብሄር ዝዓለዉ ዓይነታት ልቢ


•    ጽንዓት ወይ ተሪር ልቢ ዘጸ 4:21,7:14,2ዜና 36:13, እዮ 11:20,ምሳ 28:14,
   ኢሳ 46:12,ኤር 9:14,ህዝ 3:7,ማር 16:14, ኤፌ 4:18
•    ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየድህብ ልቢ ዘጸ 9:21
•    ጽልኢ ዝተመልአ ልቢ ዘሌ 19:17
•    ዘይተገዝረ ልቢ ዘሌ 26:41,ኤር 9:25-26,ህዝ 44:7,ግብ 7:51
•    ተጻራሪ ልቢ ዘዳ 2:30
•    ካብ እግዚኣብሄር ዝርሕቕ ልቢ ዘዳ 29:18,19,(ኢሳ 29:17,ማቴ 15:8),ኤር 17:5
•    ትዕቢተኛ ልቢ 2ነገ 14:10,ምሳ16:5,18:12,ኢሳ 10:12,ህዝ 28:2,5,17,31:10,ኦብ 1:3
•    ዝንዕቕ ልቢ 1ዜና 15:29,ምሳ 5:12-14
•    ዝተጠበረ ልቢ እዮ 31:27, ኢሳ 44:20
•    ክልተ ልቢ መዝ 12:2,ያእ 1:7-8, 4:8, ምቁል ልቢ ሆሴ 10:12
•    ውግእ ዘለዎ ልቢ መዝ 55:21
•    ቀጥ ዘይበለ ልቢ መዝ 78:5-8, ዝናወጽ ልቢ ኢሳ 7:2
•    ቄናን ልቢ መዝ 101:4,ምሳ12:8
•    ኵሩዕ ልቢ መዝ 101:5,ኢሳ 9:9-10,ኤር 49:16, ኳዕናን ልቢ ኤር 48:29
•    ስቡሕ ልቢ መዝ 119:70,17:10,ሆሴ 13:8,ዮኤ 2:13, ረጒድ ልቢ ማቴ 13:14-15,
   ዮሃ 12:39-40,ሮሜ 1:21
•    እኩይ ምኽሪ ዝፍሕስ ልቢ ምሳ 6:18,6:14,26:23
•    ተንኰለኛ ልቢ ምሳ 7:10,6:14
•    ዘይፈሪ(መኻን) ልቢ ምሳ 10:20
•    ጠዋይ ልቢ ምሳ 11:20,16:20
•    ጨካን ልቢ ምሳ 12:10
•    እምቢተኛን ዓላዊ ልቢ ምሳ 14:14, ኤር 5:23
•    ተጸባጻቢ ልቢ ምሳ 23:7
•    ሕዙን ልቢ ምሳ 25:20 ?
•    ሕሉል ልቢ ኢሳ 1:5
•    ድፉን ልቢ ኢሳ 6:10,44:18,ማር 6:52, 8:17
•    ፈራህ ልቢ 33:4
•    ህልኸኛ ልቢ ኤር 7:24, ድርቕና ዘለዎ ልቢ ደጒ 3:64
•    ዝሓረነ ልቢ ህዝ 2:4,3:7
•    ዘማዊ ልቢ  ህዝ 6:9, ማቴ 5:28
•    ብልሽው ልቢ ህዝ 16:30-31
•    ንምእማን ዝድንጒ ልቢ  ሉቃ 24:25
•    ዘይቅኑዕ ልቢ ግብ 8:21
•    ሽፉን ልቢ 2ቈረ 3:15
•    ጸቢብ(ዕጹው) ልቢ  2ቈረ 6:12
•    እኩይ ዘይኣምን ልቢ እብ 3:12-13

13. እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ልቢ ኣዛሚዱ ንህዝቡ ዝሓቶ ነገራት

    ብኹሉ ልብና ክንደልዮ ። ዘዳ 4:9,መዝ119:2
    ብኹሉ ልብና ክንፈትዎን ክንፍቅሮን ። ዘዳ 6:5,30:6, ማቴ 22:37
    ብምሉእ ልብና ከነገልግሎ ። ዘዳ 10:12-13,11:13,እያ 22:5,1ሳሙ 12:20
    ነቲ ኣምላኽ ተዛሪቡ ኣብ ህይወትና ዝፈጸሞ ተስፋኡ ብኹሉ ልብና ክንፈልጦ ። እያ 23:14
    ንእግዚኣብሄር ብምሉእ ልብና ኣሚና ከነገልግሎ ። 1ሳሙ 12:24,1ዜና 28:9
    ብእምነትን ብምሉእ ልብን ኣብ ቅድሚኡ ክንመላለስ ። 1ነገ 2:4
    ልብና ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ክኸውን 1ነገ 8:61
    ብኹሉ ልብና ድድሕሪ እግዚኣብሄር ክንከይድ ። 2ነገ 23:3
    ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈቲና ክንህቦ ። 1ዜና 29:9
    ዕዮኡ ብምሉእ ልቢ ክግበር ። 2ዜና 31:21
    ብምሉእ ልቢ ክምስገን ። መዝ 9:1,86:12-13
    ብምሉእ ልቢ ክንጽሊ ። መዝ 119:145
    ብምሉእ ልብና ብኣምላኽ ክንእመን ። ምሳ 3:5,ግብ 8:37,ሮሜ 10:9-11
    ልብና ንቃሉ ኣጽኒዑ ክሕዞ ። ምሳ 4:4
    ንልብና ክንሕልዎ ። ምሳ 4:23
    ልብና ክንህቦ ። ምሳ 23:26
    ልብና ክንገዝር ። ኤር 4:4, ሮሜ 2:29
    ንክርስቶስ ብልብና ክንቅድሶ 1ጴጥ 3:15
ኣስተውዕል : ኣብዚ ተሰሚርሉ ዘሎ ሓረጋት ብምዕዛብ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ልቢ ካባና ከምዝጽበ ንምግማቱ ኣየሸግርን ።


14. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ልቢ ዝህቦ መጠንቐቅታታት

•    ልቢ ከይዕበ ። ዘዳ 8:14,17, 9:4,5,17:19-20
•    ልቢ ከይስሕት ። ዘዳ 11:16-17, 17:17
•    ልቢ ሓሳብ ብልያል(ሰይጣን) ከይህልዎ ። ዘዳ 15:9
•    ብልቢ ይቕረ ክንብል ። ማቴ 18:35
•    ልቢ ርኹስ ነገር ከይምነ ። ምሳ 6:25-26, ማቴ 5:28

 
15. እግዚኣብሄር ብዛዕባ ልቢ ዝህበና ምኽሪታት

    ልብና ከይሽበርን ከይፈርህን ። ዘዳ 20:3-4, ዮሃ 14:1,27
    ልብና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ ። 1ዜና 16:10
    ልብና ክንምርምር ። መዝ 4:4
    ልብና ክብርትዕን ቀጥ ክብልን መዝ 27:14
    ተስፋና ኣብ እግዚኣብሄር ብምግባር ልብና ክነጽንዕ ። መዝ 31:24
    ኣብ ሃብቲ ልብና ከይነውድቕ ። መዝ 62:10
    ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ኣብ ቅድሚኡ ልብና ከነፍስስን ። መዝ62:8
    ልብና ንምዝራብ ከይቅልጥፍ ። መክ 5:2-3
    ጓሂ ካብ ልብና ከነርሕቕ ። መክ 11:10
    ብምሉእ ልብና ብጐይታ ጸኒዕና ክንነብር ። ግብ 11:23-24
    ብልብና ንጐይታ ክንቕነየሉን ክንደርሰሉን ክንዝምረሉን ። ኤፌ 5:18-19,ቈሌ 3:16