መእተዊ
ዝኸበርካ ኣንባቢ: መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ ንህይወት ክርስትና ኣዝዩ ዝጠቅም ገለ ኣገደስቲ መልእኽትታት ዝሓዘለት ጽሕፍቲ እያ። ፍልይ ብዝበለ መገዲ ብዛዕባ ሓድነትን ርእስኻ ምኽሓድን፡ ባህታን ሓጐስን ሰላምን፡ ምስ ሓድሕድና ዘሎና ሕብረትን፡ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ጸጋን ሞገስን ሓይልን ይዛረብ።እዚ መጽናዕቲ ድሕሪ መእተዊን መውጽኢን ብሕቶ መልክዕ ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ትምህርቲ ብዝግባእ ረብሓ ንኽህብ እቲ ተመሃራይ ኣቐዲሙ ክገብሮም ወይ ክለማመዶም ዝግባእ ነጥብታት ኣለዉ፡
• ነታ መጽሓፍ ብምልእታ ደጋጊምካ ምንባብ
• ብሓገዝ ናይቲ መውጽኢ፡ ናይ ነፍስወከፍ ክፍሊ ጽሑፍ ጥልቕ ዝበለ መጽናዕቲ ምግባር
• ነቲ ሕቶታት (ነንሰሙን 6 ሕቶታት) ብግቡእን ብምልኣትን ምምላስ
• ኣብቲ እዋን ትምህርቲ ዝግበር ምዝርራብ ምስታፍ
• ነቲ ዝተመሃርካዮ ምትግባር
• ነታ ሰሙን ዝወሃብ ዕዮ ገዛ (Activity) ፈጺምካ ምምጻእ
ከምዚ እንተገበርካ ንርእስኻን ነቶም ዝሰምዑኻን ከተድሕን ኢኻ፡ እናወሰኽካ ትኸይድ ከምዘሎኻ ከኣ ኣብ ኩሉ ክፍለጥ እዩ።
ሰብ ኮይኑ ዘይጋገ የልቦንሞ፡ ናይ ሓሳብ ወይ ናይ ኣጸሓሕፋ ጌጋ እንተርኤኻ፡ እርማትካ ነቲ ጸሓፊ ከተበርክት ሓደራ እብለካ። ጐይታ ይባርኽካ።
ብሩኽ መጽናዕቲ።{mospagebreak}ኣርእስቲ
ዓውደ ጽሑፍ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
መውጽኢ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
ቀዳማይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 1፡1-11) ናእዳን ጸሎትን ናይ ጳውሎስ ንሰብ ፊሊጲ
ካልኣይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 1፡12-30) ወንጌል ብመከራ ይሰፍሕ
ሳልሳይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 2፡1-11) ረቛሒታት ሓድነት
ራብዓይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 2፡12-18) ብፍርሃትን ራዕድን ምድሓንካ ፈጽም
ሓምሻይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 2፡19-30) ክርስትያናዊ ባህርይ
ሻድሻይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 3፡1-11) ንዕኡ ምእንቲ ክፈልጥ ንኹሉ ከም ወጽዓ እቖጽሮ
ሻብዓይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 3፡12-21) ናብ ቅድሚት ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ምጉያይ
ሻምናይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 4፡1-9) ብጐይታ ኩሉ ሳዕ ተሓጐሱታሽዓይ ትምህርቲ (ፊሊጲ 4፡10-23) ሽርክነት ኣብ ምሃብን ምቕባልን{mospagebreak}
ዓውደ ጽሑፍ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
1. ጸሓፊ
ናይዛ መልእኽቲ ጸሓፊ ሃዋርያ ጳውሎስ ምዃኑ ብዙሓት ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታት ቤተክርስትያን መስኪሮም ኣለዉ። እኒ ቅሌሜንጦስ ናይ ሮማ፣ ፖሊካርፕ፣ ኢግናጽዮስ፣ ኤረኖይስ፣ ከምኡውን ቅሌሜንጦስ ናይ እስክንድርያ ኣብተን ጽሑፋቶም ናይ ጳውሎስ መልእኽቲ ናብ ሰብ ፊሊጲ ጠቒሶም ኣለዉ።
2. እተጻሕፈሉ እዋንን ቦታን
እዛ መልእኽቲ ጳውሎስ ኣብ ሮማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ማለት ኣብ 60-63 ዓ.ም. ከባቢ እያ ተጻሒፋ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ምስ ኤፌሶን፡ ቄሎሴ፡ ፊልሞን ብሓንሳብ „መልእኽትታት ቤት ማእሰርቲ“ ተባሂለን ይጽውዓ። (ፊሊ 1:13; 4:22)
3. ተቐበልቲ
እዛ መልእኽቲ ናብ ኣብ ከተማ ፊሊጲ ዝነበሩ ቅዱሳንን ሽማግለታትን ዲያቆናትን እያ እተጻሕፈት። (ፊሊ 1:1) ይኹን ደኣምበር እቲ መልእኽቲ ንኹለን ኣብያተክርስትያናት ይምልከት እዩ።
4. ከተማ ፊሊጲ
ፊሊጲ ኣብ መቄዶንያ (ሰሜናዊ ክፍለ ሃገር ናይ ግሪኽ) ብ356 ዓ.ዓ. ብንጉስ ፊሊጶስ ኣቦ ዓቢይ ኣለክሳንደር እያ ተሰሪታ። ጽኑዕ ወተሃደራዊ ዕርዲ ኔርዋ። ብ168-167 ዓ.ዓ. ሮማውያን ንፊሊጲ ማሪኾማ። ነበርታ ድማ ብዙሓት ጥሮታ ዝወጹ ውተሃደራት ሮማ እዮም ኔሮም። በዚ ምኽንያት እዚ „ግዝኣት ሮማ“ (Roman Colony) ተባሂላ ተጸዊዓ ኣላ። ኣብኡ ዘሎ ሕግታት፣ ባህሊ፣ ቃንቋ፣ ኩሉ ነገር ልክዕ ከምቲ ናይ ከተማ ሮማ እዩ። ተቐማጦኣ በቲ ሮማዊ ዜግነቶም ብጣዕሚ ይኾርዑ ኔሮም፣ ብእኡ እዩ ጳውሎስ „ሃገርና ኣብ ሰማያት እዩ“ ኢሉ ጽሒፉሎም። እታ ኸተማ ብዙሕ ሮማዊ ጽልዋ ይሃልዋ ደኣምበር፣ ዝተፈላለየ እምነታት ከምኒ ናይ ግሪኽ፡ ናይ ግብጺ፡ ናይ ሮማ ኣማልኽቲን ይምለኹ ኔሮም። ውሑዳት ኣይሁዳውያን ኣንስቲ ከኣ ኣብ ገምገም ርባ ኮይነን ነቲ ልዑል ኣምላኽ ኣማልኽቲ ይሰግዳ ኔረን። (ግብ 16:13)
5. ማሕበር ፊሊጲ
እታ ማሕበር ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጉዕዞ ናይ ጳውሎስ ምስ ሲላስ ብ 49-52 ዓ.ም. እያ ተመስሪታ። እዞም ኣሕዋት ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ እዮም ናብ መቄዶንያ መጺኦም። በዚ እዋንዚ ወንጌል ንመጀመርታ ጊዜ ኣብ ኣውሮጳ ተሰቢኹ። ቅድም ሊድያ ብድሕሪኡ ከኣ እቲ ሓላው እሱራትን ስድራቤቱን ድሒኖም። (ግብ 16:6-40)
6. ዕላማ ናይቲ ጽሑፍ
• ንኤጳፍሮዲጦስ (ንጳውሎስ ንኸገልግል ካብ ፊሊጲ ዝተላእከ ኣገልጋሊ) ኣብ ሮማ ብምድንጓዩን ብምሕማሙን ሓሳብ ሰብ ፊሊጲ ንምሕላው (2:25-30)
• ጳውሎስ ንሰብ ፊሊጲ ሃለዋቱ ከፍልጦምን በቲ ዝተገብረሉ ደገፍ ከመስግን ስለዝደለየ (1:5; 4:15-16)
• ንሓሰውቲ መማህራንን ዓሌታውያንን ብዛዕባ ግዝረት ዝመሃርዎ ከፍሽል ስለ ዝደለየ (3:2)
• ኣብ መንጎ እቶም ኣመንቲ ዝነበረ ዘይምስምማዕ ንምፍታሕ (1:27; 2:2-4; 4:2)7. ፍሉይ መለለዪ ናይዛ መልእኽቲ
• ጳውሎስ ካብ ኩለን ካልኦት መልእኽትታት ንላዕሊ ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወቱ ብብዝሒ ዝጸሓፈላ መልእኽቲ
እያ።
• ንጳውሎስ ኣብቲ ናይ ወንጌል ኣገልግሎቱ ብንዋትን ብገንዘብን ብሰብን ደጋጊሞም ዝደገፍዎ ሰብ ፊሊጲ ጥራሕ እዮም።
• ልዕሊ 15 ጊዜ ምስ ሓጐስ ዝተታሓሓዘ ቃላት ይርከብዋ።8. ዓበይቲ ኣርእስትታት ናይዛ መልእኽቲ
• ባህታን ሓጎስን
ባህታ ካብ chara ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ዝመጸ። ትርጉሙ ደስታኻ/ሓጎስካ ምግላጽ ማለትዩ። ምስቲ charis „ጸጋ/ሞጐስ“ ዝብል ቃል ይዛመድ። ካብ ኣምላኽ ብዝርከብ ጸጋ/ሞጐስ ዝመጽእ ሓጐስ ማለትዩ። ገሊኣቶም ከምዘንጸባርቕዎ ክርስትና ናይ ጓሂ እምነት ኣይኮነን፡ ናይ ሓጐስን ፍቕርን እምነት ደኣምበር። (ሮሜ 14:17) ብዛዕባ ባህታ ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:3-4; 1:18; 1:25-26; 2:2; 2:17-18; 2:28-29; 3:1; 4:1; 4:4; 4:10;
• ሕብረት
ሕብረት ካብ Koinonia ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል እዩ ዝመጸ። ትርጉሙ ከኣ ቀረባ ዝምድና፡ ዝጠበቐ ዕርክነት፡ ንጡፍ ተሳታፍነት፡ ዘሎካን ዝስምዓካን ምምቓል፡ ሽርክነት እዩ። ብዛዕባ ሕብረት ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:5; 1:7; 2:1; 3:10; 4:14; 4:15;
• ሓድነትን ርእስኻ ምኽሓድን
ጳውሎስ ኣዝዩ ዘፍቅሮም ሰብ ፊሊጲ ኣብ መንጎኦም ገለ ዘይምስምማዕ ኔርዎም። ነዚ ናብቲ ቀንዲ ዕላማ ብምትኳር (ክርስቶስ ክስበኽ)፡ ርእስኻ ብምኽሃድ፡ ብትሕትና ብምምልላስ፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ብምቅዋም፡ ብዛዕባ ካልኦት ሰናይ ዘበለ ብምሕሳብ ከምዝፈትሕዎ ሓቢርዎም። ብዛዕባ ሓድነትን ርእስኻ ምኽሓድን ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:15-17; 1:27-28; 2:2-4; 2:5-11; 2:14-16; 2:19-21; 3:2; 3:3-8; 3:17-19; 4:2; 4:8-9;
• ብክርስቶስ/ብጐይታ
ጳውሎስ ከምኡውን ዮሃንስ ኣብ ጽሑፋቶም ብዙሕ ጊዜ ብክርስቶስ/ብጐይታ en Christo/ en kurios ይብሉ እዮም። እቲ „ብ“ „en“ ዝብል ፊደል ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር፡ ኣብ ትሕቲ ጽልዋ፡ ምስ … ብጥብቂ ብምትሕብባር ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ስለዚ ምፍጣርና፡ ምድሓንና፡ ብህይወት ምህላውና፡ ምግላጋልና፡ ዘልኣለማዊ ህይወት ምርካብና ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርን ጽልዋ ጐይታና የሱስ ኰንና ኢና ረኺብናዮ። ብዛዕባ ብክርስቶስ/ብጐይታ ዝዛረባ ጥቕስታት፡ 1:1; 1:14; 1:26; 2:19-20; 2:24; 2:30; 3:1; 3:3; 3:8-9; 3:14; 4:1; 4:2; 4:4; 4:7; 4:10; 4:21{mospagebreak}መውጽኢ ናይ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
I. ምልክት ናይ ኣምላኽ ሰባት (1:1-30)
ሀ. ሰላምታ (1:1-2)
1. ካብ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፡
2. ባሮት የሱስ ክርስቶስ
3. ናብ ቅዱሳን ኤጲስቆጵሳት ዲያቆናት ኣብ ፊሊጲ
ለ. ጸሎት ስለ ሰብ ፊሊጲ (1:3-11 )
1. ኣብኦም ዝነበሮ ኣረኣእያ (1:3-8)
ሀ) ምስጋና
ለ) ኣብኦም ዘለዎ ትብዓት
ሐ) ናፍቖቱ
4. ጸሎቱ (1:9-11)
ሀ) ብየሱስ ክርስቶስ ፍረ ጽድቂ ክመልኡ
ለ) ክሳዕ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ክኾኑ
ሐ) እቲ ዝሓይሽ ክምርምሩ
መ) እቲ ፍቕሮም ብፍልጠትን ምስትውዓልን እናበዝሐ ክኸይድ
ሐ. ናይ ጳውሎስ ናይ ግሊ ህይወት (1:12-26)
1. ወንጌል ንምዝርጋሕ ዝጠቐመ ኩነታት (1:12-19=
ሀ) ወንጌል ኣብ ኩሉ ሰፈር ዘብዔኛታት ከምዝተሰብከ
ለ) ኣሕዋት ብዘይፍርሃት ቃል ኣምላኽ ንምንጋር ደፊሮም
ሐ) ወንጌል ብዝተፈላለየ ድርኺት ከምዝተሰብከ
መ) ኣገዳሲ እቲ ወንጌል ምስባኹ እዩ
ረ) እዚ ኩሉ ብጸሎት ሰብ ፊሊጲን ብደገፍ የሱስ ክርስቶስን እዩ
2. ብስጋ ምንባርዶ ናብ ጐይታ ምኻድ (1:20-26)
ሀ) ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ዘሎ ፍልልይ
ለ) እንታይ ከም ዝሓሪ ተጨኑቑ
ሐ) ብስጋ ምጽንሑ ነቶም ኣመንቲ ይጠቕሞም
መ. ብመከራ ጽንዑ (1:27-30)
1. ካብ ተጻረርቲ ኣይትሰምብዱ
2. ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ ተጋደሉ
3. ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን
4. መከራ ንኽትጸግቡ ድማእምበር ንኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኮነን ጸጋ ተዋሂቡኩም
II. ናብ ሓድነት ዝመርሕ ስጉምትታት (2:1-18)
ሀ. ሓድነት ብሰማያዊ ባህርይ ይመጽእ (2:1-4)
1. ምጽንናዕ ብክርስቶስ
2. ደበሳ ናይ ፍቕሪ
3. ሕብረት መንፈስ
4. ሓንቲ ሓሳብ
5. ሓንቲ ፍቕሪ
6. ሓንቲ ነፍሲ
7. ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዘይምባል
8. ንውዳሴ ከንቱ ኢልካ ዘምግባር
9. ብትሕትና ንሓውካ ካብ ርእስኻ ኣብሊጽካ ምርኣይ
10. ንርእስኻ ጥራይ ዘይኮነስ ንብጻይካ ዜሕሾውን ምጥማት
ለ. ንትሕትና ብዝምልከት ሓሳብ ክርስቶስ ይሃልኹም (2:5-11)
1. ናይ ክርስቶስ ምትሓት (2:5-8)
ሀ) ማዕረ ኣምላኽ ምኻኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን
ለ) መልክዕ ባርያ ወሰደ
ሐ) ብንብረቱ ከም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ
መ) ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ
ረ) ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል ተኣዘዘ
2. ድሕሪ ትሕትናኡ ዝመጸ ክብሪ ክርስቶስ (2:9-11)
ሀ) ኩሉ ብርኪ ብስም የሱስ ኪንብርከኽ
ለ) ኩሉ ልሳን የሱስ ክርስቶስ ጎይታ ምኻኑ ክእመን
ሐ) ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ኩሉ ልዕል ኣቢልዎ
መ) ካብ ኩሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም ከኣ ሃቦ
ሐ. መንፈሳዊ ዕብየት ሓድነት የምጽእ (2:12-18)
1. ኣምላኽ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ይገብር
2. ኩሉ ሳዕ እናተኣዘዝኩም ምድሓንኩም ብፍርሃትን ራዕድን
ፈጽሙ
3. ቃል ህይወት ሓዙ
4. ግሩሃትን ሕፍቲ ዜሎምን ውሉድ ኣምላኽ ኮንኩም
ተመላለሱ
5. ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም ብርሁ
6. ንኹሉ ብዘይምጉርምራምን ምውልዋልን ግበርዎ
7. ኣብ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን
እንተተሰዋእኩ ባህ ይብለኒ
8. ምሳኹም እሕጎስ ኣሎኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ ተሓጎሱ
III. እሙናት መተዓይይቲ ጳውሎስ (2:19-30)
ሀ. ጢሞቴዎስ (2:19-24)
1. ብናይ ህልዋቶም ከም ጳውሎስ ብንጹህ ልቢ ዝሓሊ
2. ሃለዋቶም ንኽፈልጥ ዝለኣኽ
3. እቶም ካልኦት ናይ ርእሶም ይደልዩ፡ ናይ ክርስቶስ ኣይኮነን
4. ውሉድ ነቦ ከምዘገልግል ዘገልገለ ፍቱን ናይ ዓያዪ ወንጌል እዩ
5. ጳውሎስ ድሕሪ ጢሞቴዎስ ክመጽእ ተስፋ ኣለዎ
ለ. ኤጳፍሮዲጦስ (2:25-30)
1. ሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩምን ብዝደልዮ
ኣገልጋልን
2. ምሕማሙ ብምስምዖም ብዙሕ ጉህዩ
3. ምእንቲ ርእሱ ጥራይ ዘይኮነ ምእንቲ ጳውሎስ ኢሉ ኣምላኽ
ምሒርዎ
4. ነፍሱ ቀቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ናብ ሞት ቀሪቡ ኔሩ
5. ስለዚ ብሓጐስ ጐይታ ተቐበልዎ ኣኽብርዎIV. መጠንቀቕታታት (3:1-21)
ሀ. ካብ ሰበኽቲ ግዝረት ተጠንቀቑ (3:1-3)
1. ካብ ኣኽላባት፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ፡ ካብ ምቁርራጽ ተጠንቀቑ
2. መንፈሳዊ ሰብ እቲ ብስጋ ዘይእመን ግዝረት ንሱ እዩ
ለ. ጳውሎስ ብስጋ ክእመነሉ ዝኽእል ነገራት (3:4-6)
1. ብሳምነይቲ መዓልቲ ዝትገዝረ
2. ካብ ዓሌት እስራኤል
3. ካብ ነገድ ብንያም
4. እብራዊ ካብ እብራውያን
5. ብሕጊ ፈሪሳዊ
6. ብቕንኣት ሰጓግ ማሕበር
7. ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዜብሉ
ሐ. ነዚ ኩሉ ግን ከም ጐሓፍ ቆጺርዎ (3:7-11)
1. ብእምነት ክርስቶስ ካብ ኣምላኽ ንዝርከብ ጽድቂ
2. ንክርስቶስ ምእንቲ ክረብሕ ብእኡውን ክርከብ
3. ስለቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታ
4. ብሞቱ እንመስልኩ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተኣርከበ
5. ንዕኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ክፈልጥ
መ. ፍጽምና ካብ ሕጋውነት ንምምላጥ (3:12-16)
1. ንክርስቶስ የሱስ ንኽረክብ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ
2. ቅድሚ ሕጂ ከምዝረኸብክዎ ወይ ፍጹም ከም ዝኾንኩ ኣይኮነን
3. ኣብ ድሕረይ ዘሎ እርስዕ
4. ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እመጣጠር
5. ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ እጐዪ ኣሎኹ
6. ብዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ
ረ. ካብ ሓሰውቲ መማህራን ተጠንቀቑ (3:17-21)
1. ጠባዮም: ኣምላኾም ከብዶም ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ
2. መወዳእትኦም ጥፍኣት እዩ
3. ንሕና ግና ኣምላኽና/መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ: ሓሳብና ከኣ ና ሰማይ
እዩ
4. ኣምላክና በቲ ዘገርም ሓይሉ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ኪልውጦ እዩV. ምዕዶታት (4:1-9)
ሀ. ምዕዶ ንኤዎድያን ስንጥኪውን (4:1-3)
1. ዘፍቅረኩም ዝናፍቐኩም ሓጎሰይ ኣኽሊለይ ፍቑራት ኣሕዋተይ
ብጐይታ ጽንዑ
2. ሓሳብኩም ብጐይታ ሓንቲ ይኹን
3. ብወንጌል ምሳይ መዓይይተይ እየንሞ ኣታ ስሲጎስ ክሰማምዓ ደግፈን
ለ. ምዕዶ ንሓጐስን ሰላምን (4:4-7)
1, ብጐይታ ኩሉ ጊዜ ተሓጎሱ
2. ለውሃትኩም ኣብ ኩሉ ሰብ ይፈለጥ
3. ኣይትጨነቑ፡ እንታይ ድኣ ለምኑ ጸልዩ ኣመስግኑ
4. ሰላም ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ሓሳብኩምን ልብኹምን ክሕሉ እዩ
ሐ. ሰናይ ሓሳብ ይሃልኹም (4:8-9)
1. ሓቂ ዘበለ
2. ርዝነት ዘለዎ ዘበለ
3. ቅኑዕ ዘበለ
4. ንጹህ ዘበለ
5. ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ - ደግነት ወይ ንእዶ
6. ነቲ ካባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን
ዝርኤኹምዎን ግበርዎVI. ምስጋና ስለቲ ህያቦምን መደምደምታን (4:10-20)
ሀ. ናይ ዕጋበት ምስጢር (4:11-13)
1. ምስጋና ስለቲ ጽቡቕ ሓሳቦም
2. በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ
3. ኣብ ኩሉን ብኹሉን ልሙድ እየ
4. በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ንኹሉ እኽእሎ እየ
ለ. ፍረ ዝበዝሓሉ ምስጢር (4:14-20)
1. ኣብ ጸበባኡ ብምሕባሮም ንኢድዎም
2. ብዘይካኦም ካልኦት ማሕበር ኣብ ምድጋፍ ኣይሐበራን
3. ካባኽትኩም ምዑዝ ሽቱ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዜሐጉስ መስዋእቲ ተቐቢለ
4. ፍረ ንኣኻትኩም ክበዝሓልኩም እምበር ውህበትኩም ደልየ
ኣይኮንኩን
5. ኣምላኽ ድሌትኩም ዘበል ኩሉ ኪመልኣልኩም እዩ
ሐ. መደምደምታ (4:21-23)
1. ንኹሎም ቅዱሳን ሰላም በሉ
2. ኣብዚ ዘለዉ ኩሎም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ
3. ጸጋ ጎዝታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode