1. እቲ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል?
እቲ ልዕሊ ኹሉ መለበታዊ ድምጺ ኣምላኽ ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ እግሪ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኑ ዘይኮነስ፥ ኣብ ልዕሊ ቤተ-ክርስቲያን ርእሲ ወይ ኣእምሮ ኮይኑ፡ ንኽመርሓ ዝተዋህባ እስትንፋሳዊ ቃል እግዝኣብሄር እዩ፡፡ ቤተ ክርስቲያን፡ ንትምህርቲ ሓሶት ኮነ ንኻልእ ነገራት ከመይ ክትዞን ክትኣልዮን እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ከም ዝግብኣ ክነግራ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ መጽሐፍ ቅዱስ ጥራይ እምበር እቲ ልዙብን መርገጺኡ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝለዋወጥን ብሐጢኣት ዝተመረዘን ኣእምሮ ሰብ ኣይኮነን፡፡ "እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።" (2ጢሞ 3፡16- 17)።ስለዚ እቲ ዝተፈላለየ መምርሒን መርገጽን ዘለዎ ሰብ፡ ይቀበሎ ኣይቀበሎ፡ የሕምሞ ኣየሕምሞ፡ ብዘየገድስ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ግሉጽ ሓቂ ቃል ኣምላኽ ደው ኢላ ንኹሉ ውዲት ሰይጣን ክትብድህን ከተፍርስን ይግባእ። ከምዚ ዘይትገብር ቤተ ክርስቲያን ንቃል ኣምላኽ ከምድላይ ሰብ ተሽርፍ ባርያ ሰብን ቤት ንግድን እምበር፡ ብፍጹም ቤት ኣምላኽ ም ዘይኮት መጽሐፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ዝነግረና ሓቂ እዩ ፡፡ "ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ኮንና ወይስ መልአኽ ካብ ሰማይ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም ንሱ ውጉዝ (ርጉም) ይኹን፡፡ ከምቲ አቐዲምና ዝበልናዮ ሕጂ}ውን ከም ብሓድሽ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ ንሱ ውጉዝ (ርጉም) ይኹን፡፡ በዚ ሕጂኸ ንሰብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ? ወይስ ንሰብ ከሐጉስ ድየ ዝደሊ ዘለኹ? ገና ንሰብ ከሐጉስ እንተ ዝብልሲ፥ ባርያ ክርስቶስ ኣይምኮንኩን ነይረ፡፡" (ገላ 1፡8-9)፡፡ ስለዚ ሰብ ክዛረብ ከሎ፡ ካብቲ ጽሑፍ ከይሓለፈ ከም ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ይግባእ። ፍጹም ስልጣኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይገበረን ንሕግን ስርዓትን እግዝኣብሄር ብፍጹም ልቡ ዘይግዛእ ሰብ፡ ቤተ ክርስቲያን እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣ ክነግራ ብፍጹም ስልጣን ኮነ መሰል ከም ዘይብሉ ቃሉ ይነግረና፡፡
"ንረሲእ ግና ኣምላኽ ይብሎ፡- ኣታ ተግሳጸይ እትጸልእ፥ ቃላተይውን ንድሕሬኻ እትድርብስ፥ ከመይ ጌርካ ኢኻ ስርዓተይ (ቃላተይ) እትነግር? ንኺዳነይውን (ሕገይውን) ብኣፍካ እተውስኦ?" (መዝ 50፥16-17)። ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ዘሎ ኣዝዩ ዘሕምም መግናሕቲ ንሚዛን መጽሐፍ ቅዱስ ከም ዘለዎ ዝገልጽ እዩ፡፡ ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ሓሰውቲ መምህራንን ነብያትን ዘለዎ ዘየማትእ መርገጺ፥ ኣዝዩ ዘሕምም ይኹን እምበር ግሉጽን ኣዝዩ ተሪርን ዘየናሕስን ከም ዝኮነ እቲ ህያው ቃሉ ይነግረና። 'ንምንታይ ከምዚ ኮይኑ?" እንተበልና፡ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ሞት ዘሳግር ምህሮ ኣጋንንቲ ስለ ዝኾነ እዩ፡፡ ስለዚ እታ፡- "ናይ ሓቂ ኣካል ክርስቶስ እየ!' እትብል ቤተ ክርስቲያን ምእመናና ብመማህራን ሓሶት ናብ ዘለኣለማዊ ሞት ጊዒዙ ከይተወደአ ከሎ፡ ነቶም ናይ ሓሶት ማሕበራትን መማህራንን ኣሕሚማ ወይ ክሳብ ዝስምዖም ብምግናሕ፥ ነቲ መሰጋገሪ ዘለኣለማዊ ሞት ዝኾነ ጠዋይ ትምህርቶም ብቅንኣት ኣምላኽ ክትቃወምን ከተቃልዕን፡ እቲ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ንቤተ-ክርስቲያን ይእዝዛ እዩ። 'እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኺጥዕዩ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዝ እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባት ከየቕልቡ፥ ኣሕሚምካ ግንሓዮም (rebuke them sharply)። " (ቲቶ 1፡13-14)። " ነቶም ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማት ዝገብሩ ሰባት ግና ኣቃልዕዎም እምበር ምስኦም ሕብረት ኣይሃልኹም፡፡" (ኤፌ 5፡11)። ". . ገሊኦም ሰባት ንእምነቶም ከምታ ብማዕበል እትጠፍእ መርከብ ኣጥፊኦምዋ እዬም፡፡ ካባታቶም ከይጸርፉ ምእንቲ ኪቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፌኽዎም፥ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስ እዬም፡፡ .. . .ንሳቶም ካብ እምነት ዘምቢሎም "ትንሳኤ ሙዉታን ቕድሚ ሕጂ ኮይኑ እዩ፡፡" እናበሉ እምነት ብዙሓት ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ፡፡" (1ጢሞ 1፥19-20 2ጢሞ2፥18)፡፡ 'ነቶም ሓጢኣት ዝገብሩ ከኣ እቶም ካልኦት ምእንቲ ክፈርሑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ግንሓዮም፡፡ ብዘይ ኣፈላላይን ብዘይ ኣድልዎን ነዚ ምዕዶ}ዚ ክትሕሉ (ክትገንሕ)፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሑሩያት መላእኽትን አማሕጽነካ ኣሎኹ፡፡" (1ጢሞ 5፡20-21) ብምባል ንዝተጋገዩ ምግናሕ ዓብዪ ሐደራን ምሕጽንታን ዘድልዮ ሰማያዊ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያንን ወንጌልን ምዃኑ ነንብብ፡፡ ነዚ ሰማያዊ ሃብቲ ዘይትዕ ቅብ ቤተ ክርስቲያን ዝሞተትን ቀባሮ ዝደንጎይዋ ሬሳን እያ፡፡
ምናልባት "ሕጂ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስደትን መከራን ሽግርን ኣብ ዘላትሉ እዋን፡ ንሓድሕድና እንገናናሐሉ፡ እንነቓቐፈሉን ናይ ስነ-ስርዓት (መቅጻዕቲ) ስጉምቲ እንወስደሉን ጊዜ ኣይኮነን፡፡ ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ፡፡" ብምባል ነቲ ንድሕነት ህዝቢ ኣምላኽ ዝግበር ዘሕምምን ተሪርን መግናሕትን፡ ነቲ ፈጣሪ ኹሉ ዝኾነን ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር ቃል ኣምላኽ፡ "ጊዜ" ብዝተባህለ ፍጡርን መቑሕን ክኣስርዎን ብጊዜ ክድርትዎ ዝደልዩ ገለ የዋሃት ኣይስኣኑን ይኾኑ፡፡ እቲ ህያው ቃሉ ግና ግቡእ መግናሕቲ ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡን ክንገብሮ ዝግብኣና ክፋል ወንጌል ከም ዝኾነ እዩ ዝነግረና፡- "ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፥ ብትምኒት ርእሶም መማህራን ኪእክቡ እምበር፥ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፥ ብኹሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ ክትገንሕ ክትቀጽዕ ክትምዕድ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምውታንን ክፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስ በቲ ምግላጽን መንግስቱን ኤማሕጽነካ ኣሎኹ፡፡" (ጢሞ 4፥1-4)። "እንሆ እታ ቕብልቲ ጊዜ ሕጂ እያ፥ እንሆ እታ መዓልቲ ምድሓን እያ፡፡" (2ቄረ 6፥2)። (ብተወሳኪ ይሁዳ 23 ፤ ራእይ 2፥1-29, 3፥1-22 ፤ መዝ 32፥6 , 69፥13 , 95፥7 ፤ኢሳ 49፥8) ኣንብብ፡፡ ነዚ መለከታዊ ሓቂ እቶም መርገጺ ዘይብሎምን ሉኡማትን ( Liberal ) ኣገልገልቲ ብሓፋሻ እቶም ናይ ሓሶት መማህራን ከኣ ብፍላይ ክሰምዕዎ ዘይደልዩ እኳ እንተኾነ፡ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ትኹል ሓራ ዘውጽእ ቃል ሓቂ ከየጉደለት ከም ዘለዎ ክትሰብኽ መንፈሳዊ ግድነታዊ ሐላፍነታ እዩ።
"ከመይ ንሕና ንሓቂ ዚድግፍ እምበር ንሓቂ ዚጻረር ገለ እኳ ኽንገብር ኣይንኽእልን ኢና፡፡" ዝብል ልቢ ቅዱሳን ክህልወና ይግባእ (2ቆረ 13፥8)፡፡ ኣብ ዘመን ሃዋርያት ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ንጴጥሮስ ከም ፍሉይ ኣገልጋልን ከም መልኣኽን ትቖጽሮ ነበረት። ከማና ብዙሕ ግዜ ክስሕትን ክጋገን ዝኽእል ሰብ ስለዝነበረ ግና እዚ ኣባጊዕ ክሕሉ፡ ዕያውቲ ክምግብን ክጓስን ፍሉይ ሐላፍነት ካብ ኢድ ጐይታ የሱስ ዝተቐበለ፡ እወ! እዚ ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ሓደ ጊዜ ብጌጋ ኣካይዳ ኣይሁድ ተወስደ። ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ብድሕሪኡ ዳግም ልደት ዝረኸበ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ኣመንቲ ኣንጾክያ ኣብ መንጎ ዋዕላ ፊት ንፊት ክሳብ ዘሕምሞ ገንሖን ብግልጺ ተቓወሞን። ብምኽንያት እቲ ቅሉዕን ቅኑዕን መግናሕቲ ድማ ጴጥሮስ፡ በርናባስ ከምኡውን ካልኦት ኩሎም ኣመንቲ ብእምነት ከም ዝጠዓዩ ቃሉ
ይነግረና።
"ጴጥሮስ ኣብ ኣንጾኪያ ምስ መጸ ግና ኣብ ጌጋ ስለ ዝረኸብክዎ ገጽ ንገጽ
ተቓወምክዎ፡፡ ከምቲ ናይ ወንጌል ሓቂ ብቕኑዕ መገዲ ኸም ዘይተመላለሰ
ረኣኹ ..፡፡ " ይብል እቲ ጅግና መርገጺኡ ህያው ቃሉ ዝገበረ ናይ ኣምላኽ
ሰብ (ገላ 2፥11,14)፡፡
ንሕና}ኸ ነቶም "ከም ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍጹም ተቐባልነት ኣሎና!" ብምባል ብመንፈሳዊ ናይ ቴለቪዥ ቻነላት፡ ብጽሑፋቶም. . .ወዘተ ዝፍክሩ ዘለው ናይ ዘመንና መራሕትን ኣገልገልትን፡ ብጌጋ ትምህርቲ ተበኪሎም እናርአናዬም ብትብዓት ፊት ንፊት ንቃወሞም}ዶ ንህሉ? ብፍጹም ኣይመስለናን! ምኽንያቱ እቶም ዝበዝሑ ኣገልገልቲ ኣርሒቖም ዘይጥምቱ፡ ቦኽርነቶም ዝሸጡ፡ ሐላፍነት ዘይስምዖም፡ ግቡዛትን ንኽብረት ርእሶም ዝነብሩን ስለ ዝኾኑ እቲ ፍሬኦም ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ እዩ፡-
1. ቤት ኣምላኽ ብእምነት ክትጥዕይ ኣይከኣለትን፡፡
እቶም ቅኑዓት ኣመንቲ (ቤተ ክርስቲያን) ኣብ ርእሲ እቲ ምእንቲ ወንጌል ዝበጽሖም መከራ ግዳያት ፍረ ናይዚ ስሑት ትምህርቲ ኮይኖም እዮም። እዚ ማለት እቶም ስሑት ትምህርቲ ዝስዕቡ ሰባት ዝገበርዎ ጌጋ ንሳቶም ከም ዝገበርዎ ተቖጺሩ ተለኪሞም ማለትና እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ፡-
ሀ. ቤተ ክርስቲያን ናብቲ እግዚኣብሄር ቅድሚ ዘመናት ዝመደበላ ዘመን ምሕዳስን ምንቕቓሕን በቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ክትኣቱ ኣይከኣለትን፡፡
ለ. ናይ ብዙሓት መንፈሳዊ ጸጋ ብኸንቱ ጠፊኡ፡፡
ሐ. ግዜ፡ ንብረትን ገንዘብን ቅዱሳን ብኸንቱ ባኺኑ፡...ወዘተ።
እዚ ኹሉ መሪር ፍረ ብሰንኪ መማህራን ሓሶት ጥራይ ዘይሠላነ፡ ብሰንኪ ቃል ኣምላኻዊ መርገጺ ዘይብሎምን ፊት ንፊት ንሓሶት ክቃወሙ ዘይደልዩ ልኡማት ኣገልገልቲ ምዃኑ ኣጸቢቝ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ ድሕሪ ሕጂ ግን ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብህይወት ሰብ ዝጻወቱ መማህራን ሓሶት ፊት ንፊት ብምስጣሕ፡ ንትምህርቶም በቲ ቅኑዕ ትምህርቲ ሓቂ ከተፍርሶ ምዃና ኽፈልጡ ይግባእ፡፡ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ክትልወጥ፡ ክትዓቢ፡ንዘይተበጽሑ ዝብታት ከኣ ንበረኸት ክትከውን እንተኮይና፡ ነዚ ምግናሕ ዝብልዎ ሰማያዊ ሃብቲ ብጊዜኡን ብዘይ ጊዜኡ ክትዕቕቦ ክትትግብሮን ይግባእ (1ጢሞ 5፡20-21)፡፡
መግናሕቲ፡ ከምቲ መማህራን ሓሶት ዝገልጽዎ ንቕቡኣት ኣምላኽ ምዝንጣልን ከም ገሃነም ዝፍራህ መርገምን እኳ እንተ መሰሎም፡ እቲ ሓቂ ግን ብኣንጻሩ መግናሕቲ ምንጪ መንፈሳዊ በረኸት ከም ዝሠላነ ቃሉ ይነግረና እዩ።
መግናሕቲ ቅብኣት እዩ፡-
"ጻድቕ ይውቅዓኒ ለውሃት እዪ፥ ይዝለፈኒ (ይግናሐኒ) ዘይቲ ርእሲ እዩ፡፡" (መዝ 141፡5)።
መግናሕቲ መግለጺ ፍቕሪ እዩ፡-
"ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሓይሽ፡ ፈታዊ እንተ ጎድኣካ እኳ ንኽጎድኣካ ኢሉ ኣይኮነን፡፡" (ምሳሌ 27፡5-6)።
መግናሕቲ ህይወት እዩ፡-
"ተግሳጽ ህይወት እያ እሞ፡ ሓዛ ኣይትሕደጋ ከምኡውን ሓልዋ፡፡" (ምሳሌ 4፡13)።
ነዚ በረኸት ዝኾነ መግናሕቲ ዘይቅበል ሰብ መወዳእታኡ እንታይ ይኸውን?
"መገዲ ንዝሓድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዝጸልእ ከኣ ይመውት ፡፡" (ምሳ 15፡10)።
"ተግሳጽ ዝቕበል ብህይወት ይነብር ተግሳጽ ዝኣቢ ግና ይስሕት፡፡" (ምሳሌ 10፡17)።
"እቲ ብዙሕ ተገሲጹ ዘይሰምዕ ሰብ ሓደ መዓልቲ ብሃንደበት ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን የብሉን፡፡" (ምሳሌ 29፥1፤ ብተወሳኺ ት.ኤር 10፥24 ኣንብብ)
ኣብዛ ሓጻር፡ ብግልጺ ተጻሒፋ ዘላ መአረምታን መግናሕትን፡ ኣዝዩ ግሉጽን ዘሕምምን እዩ። እቲ ዝተጠቀምናሉ ቃላት ድማ ንኣብነት፡-"ብሃማት፡ ዝግብቱ፡ ማሕበር ኣጋንንቲ፡ ሓሳዊ ጸሓፊ .....ወዘተ " ዝብል ቃላት ብቐጥታ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ እምበር ሰብ ዝፈጠሮም ስለ ዘይኮነ ብጸጋ ክትቅበልዎ ቤተ ክርስቲያን ብስልጣን ቃል ኣምላኽ ትምሕጸን (ራእይ 2፡10፤ ራእ 3፡9)።
ከምኡ ድማ ከምቲ ጳውሎስ ኣመንቲ ካብቶም መስሓትቲ ምእንቲ ክጥንቀቑን ብእምነት ክጥዕዩን ስም ናይቶም ዝሰሓቱን ዘስሕቱን፡ ሄሜኔዎስ፡ እስክንድሮስ፡ ፊሌጦስ . . .ወዘተ ብምባል ብግልጺ ስሞም ከም ዝጸሐፈ፡ ኣብዛ ጽሕፍቲውን ስም ናይቶም ሓደገኛ ናይ እምነት ጉጅለታትን ወይ ማሕበራትን (dangerous religious groups or D.R.G) ስም ውልቀ ሰባትን ብግልጺ ተጻሒፉ ኣሎ፡፡ ስለዚ እዚ ስም ምጥቃስ ከም ስልጣን ቃል ኣምላኽ ቅንዑን ግቡእን ከም ዝኾነ ክፍለጥ ኣለዎ፡፡ ኣብዚ ግን ሓደ ክንፈልጦ ዝግብኣና፡ እቶም ዝበዝሑ ኣባላት ናይቶም ስሞም ዝተጠቕሱ ማሕበራት፡ ብየዋህነትን ብዘይ ኣፍልጦን ዝሰሐቱን ንኣምላኽ ፍሉይ ቅንኣት ዘለዎም ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃኖም ከነዘኻኽር ንፈቱ፡፡
እቶም ነተን ብጌጋ ትምህርቲ ዝተወስዳ ማሕበራት ዝመስረቱ መራሕትን ኣገልገልትን ዝሰሓቱን ዘስሕቱን ግና ብንስሓ ክምለሱ ዘይደልዪ፥ ስሱዓት፡ ደፋራትን ሓደገኛታት ተዃሉን ምዃኖም ቤተ ክርስቲያን ኣረጋጊጻ እያ፡፡ እዚ ከኣ ብመርትዖ ዝተደገፈ እምበር ብሃውሪ ስሞም ንምጽላም ትዛረብ ከም ዘየላ ክፍለጥ ይግባእ፡፡ ሕጂውን የሱስ ክርስቶስ ብማሕበሩ ገይሩ፡ እቶም ዝጠፍኡ ብንስሓ ብምምላስ ንኹልና ዘመን ምሕዳስ፡ ዘመን ምጽንናዕን ዕረፍትን ምእንቲ ክመጸልና ቅድሚ ኹሉ ክንገብሮ ዝግባኣና ነገር ይምዕድ ኣሎ።
" እምብኣርስከ ሐጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኺመጸልኩም፡. . . ተነስሑን ተመለሱን፡፡"(ግብ.3፥19-20)።
2. ንኣምላኽ ዝሓተተ መን እዩ?
" ስለዚ ሓደ እኳ ንሕና ዘይሰበኽናዮ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ ወይስ ንስኻትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ካልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ካልእ ወንጌል እንተ መጸኩም ጽቡቅ ትዕገስዎ አሎኹም፡፡"(2ቆሮ 11፡4)። " ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጵሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኩሉ መጓሰ ሐልው፡፡ ". . ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዚኣትውኹም እፈልጥ
ኣለኹ፡፡ ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኽስሕቡ ቄናን ነገር ዚምህሩ ኻባኻትኩም ኪትንሰኡ እዮም፡፡" (ግብ. 20፡28-30)። አብያተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ዝዕጸዋ እንሆ ዓመታት ንቖጽር ኣሎና፡፡ ከም}ቲ ህያው ቃሉ አብ ት.አሞጽ 3፡7፡ " እግዚአብሄር አምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም ገለ እኳ አይገብርን እዩ፡፡" ከም ዝብል፡ ነቶም፡- " ኣብ ቅድሜኹም ጽቡቕ ነገር ኣሎ!' ብምባል ግዜ ፈልዮም ዝተነበዩልና ወይ ዝተዛረቡና ሓሰውቲ
ነብያትን መምህራንን ንድሕሪት ሐዲግና፡ እግዚኣብሄር ነቶም ምስጢሩ ብምግላጽ ናይ ኤርምያስ ዓይነት ኣገልግሎት ዝሃቦም ሓቀኛ ነብያትን ኣቦታትን፡- " ብንስሓ እንተ ዘይተመለስና ኣብ ቅድሜና ሓደገኛ ጸልማትን፡ ናይ ምጽራይ መስርሕ" ከም ዘሎ ካብ 1999 ዓ.ም. -ሚሮም ይዛረቡ ከም ዝነበሩ፡ ንሕናን እተን ዝተቐድሓ ናይ ቪድዮ ካሴታትን ምስክር ኢና፡፡ እንተኾነ ግን እቲ ብጠበርቲ ነብያት ልቡ ዝሸፈተ ዝንጉዕ ኣገልጋልን ምእመንን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ነብያት ኣቦታቱ ዝነገርዎ ነገር ዘቕልበሉ፡ ብእንጻሩ ኣብ መድረኽ ከይተረፈ ምጽፋዕን ምጽራፍን ዝቐሎን ክሳብ ሕጂ ድማ ንነብያቱ ዘይግዛእ፡ ካብ ጌግኡ ዘይማሃርን ጠዋይን ወሎዶ ኮይኑ ኣሎ፡፡
ከምዚ ብምግባሩ ዘስለጦ ነገር እንተሎ ድማ፡ ከምቲ እንርእዮን ብሰንኮም ድማ እንሕመሎ ዘሎና ኣዝዩ መሪር ጽዋእ ምጭላጥ ምዃኑ ኩልና ምስክር ኢና፡፡ "ንሳቶም ካብ እግዚኣብሄር ዝዓለው ህዝቢ ፥ ሓሰውቲ ውሉድ ፥ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዝኣበዩ ውሉድ እዮም፡፡ ነቶም ራእይ ዚርእዩ " ራእይ ኣይትርኣዩ"፥ ንነቢያት ከኣ፡- " ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዩልና፥ ዜሐጉስ ደኣ ንገሩና፥ ጥበራውን ተነበዩልና፡፡ ካብ ጎደናና (መገድና) ኣልግሱ፥ መገዲውን ኣይትዕገቱና፥ ብዛዕባ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽኩም ክንሰምዕ ኣይንደልን ኢና ይብልዎም፡፡" (ኢሳ 30፡9-11፤ ብተወሳኺ ኢሳ 1፡22,25,27 ኣንብብ)።
ንምዃኑ ከምቲ እቲ ዘማሪ ኣብ መዝ 74፡1 " ዎ አምላኽ ስለምንታይ ንሓዋሩ ደርቤኻና፡ ንምንታይከ ነድርኻ አብ አባጊዕ መጓሴኻ ይተክኽ?" ኢሉ ዝሓተተ፡ ንሕናኸ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ብምስትውዓል ካብቶም ክንሓቶም ዝግባኣና ብዙሓት ሕቶታት፡ ብውሕዱ፡-
1. እቲ ካብ 1992 ዓ.ም. ጀሚሩ ብመንግስቲ ኣብ ቤት ትምህርታት ከይተረፈ ዝወሃብ ዝነበረን ብዙሓት ድማ ዝደሓኑሉ ኣፍ ደገ ትምህርቲ መጽሐፍ ቅዱስ፡ ንምንታይ ብ1999 ክቛረጽን እዚ ኣፍ ደገ ኽዕጾን ኽኢሉ? እዚ ኣምላኽ ዝኸፈቶ ኣፍ ደገከ ብሰንኪ መን ተዓጽዩ? ብሰንኪ ሐጢኣት ወይ ብሰንኪ ትምህርቲ ሐሶት? ወይ ብሰንኪ ካልእ . . .
2. አብያተ ክርስቲያናት ኤርትራ ክዕጸዋ እግዚአብሄር ንምንታይ ፈቒዱ? ብሰንኪ መንን እንታይን }ከ ኽዕጸዋ ክኢለን?
3. ብምንታይ ምኽንያት እዩ እዚ ማዕበል ማእሰርቲ መከራን ጸበባን ብልዕሌና ክውሕዝ ዝኸአለ? ቛንቛን ' ዕላማ ናይዚ መከራከ እንታይ እዩ? " ብምባል ብውሕድ ሓቲትና}ዶ ንኸውን? አብ ኤር 2፡8 " ካህናት" " ፡ እግዚኣብሄር ኣበይ ኣሎ? ኢሎም ኣይሓተቱለይን፡፡" ይብል፡፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዘዳግም 32፡28-29 " እስራኤል ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፥ ምስትውዓል ከአ የብሎምን፥ ስለምንታይ ለባማት እንተ ዝኾኑ ከም ዝተሳዕሩ መስተውዓሉ ነይሮም፥ መወዳእታኦምውን ምፈለጡ ነይሮም፡፡" ብምባል ነቶም ብሓቅን ብንስሐ መንፈስ ካብ ምሕታት ዓዲ ዝወዓሉ ክነቕፎም ከሎ ነንብብ፡፡ ብርግጽ ግን ንእግዚኣብሄር ብጠዋይ መንፈስ ዘኮነስ ብትሕትናን ብስቡርን ቅጥቁጥን መንፈስን ንዝሓትዎ ግሉጽ መልሲ ከም ዘለዎ እቲ ህያው ቃሉ ምስክር እዩ (ኢሳ 1፡18፤ ኤር 33፡3 ኣንብብ)። ምናልባት ገሌና ብዝተፈላለየ ሃቐናን መንፈስን ሓቲትና ክንከውን ዚከአል እዩ፡፡ እንተኾነ ግን " እቲ ሓቀኛ ምኽንያት እዚ እዩ!" ኢልና ካብ ኣፍ አምላኽ ሓቀኛ መልእኽቲ ተቐቢልና ብትብዓት ብዝርዝር ክንዛረብ እንኽእል ክንደይ ኮን ንኸውን? እቲ ህያው ቃሉውን ብኣፍ ኤርምያስ ከምዚ ይብል፡-
"ኣነ ድማ፡- "ኦ ጐይታይ፥ እታ ሃገር ሓደ እኳ ብእኣ ዚሓልፍ ዘየልቦ ኮይና፥ ከም ምድረ በዳ ነዲዳ ዝጠፍኦትሲ ስለምንታይ እዩ? እቲ ነዚ ዘስተውዕሎ ጥበበኛኸ መን እዩ? ነዚ ንኻልኦት ኪገልጾኸ ንመን ኢኻ ዝተዛረብካዮ? ኢለ ሓተትኩ፡፡ " (ኤር 9፡12)። እወ! ክሳብ ሕጂ ብዙሓት ብፍላይ ድማ እቶም ብሰንኮም እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ትሰትዮ ዘላ መሪር ጽዋእ ብቀጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ምኽንያት ዝኾኑ ኣገልገልትን ነብያት ሓሶትን፥ ነዘን ሕቶታት ዝተፈላለየ ዘይንጹር ናይ ሃተፍተፍ መልሲ ብምሃብ፡ ርእሶምን እቶም ዘስሐትዎም የዋሀት ሰዓብቶምን ሒዞም ጠፊኦም እዮም፡፡ ስለዚ ድማ እቶም ዘስሐትዎም ምእመናን፥ መገዶምን መሪር ፍሪኦምን መርሚሮም ብንብዓትን ብንስሓን ከይምለሱ እዞም ሐሰውቲ ኣገልገልቲ ንዓመታት ገዚፍ ዕንቅፋት ኮይኖም ጸኒሖም እዮም፡፡ ቃሉ ውን ከምዚ ይብል፡- "ነብያትኪ (ኣገልገልትኺ) ከንቱን ሓሶትን ጥራይ ነገሩኺ፥ ንሐጢኣትኪ ገሊጾም ብዘይ ምዝራቦም ብስብከቶም ጠበሩኺ፥ ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ ከም እትንስሒ አይገበሩኽን፡፡ " (ድ.ኤር 2፡14)፡፡ እወ! ከምቲ ጐይታ ንቅዱሳኑ ብቓሉን ብመንፈሱን ገይሩ ዝገለጸሎም፥ ናይ ኤርትራ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዘስደምም ዓዘቕቲ ክትወድቕ ዝገበራ፡ ብሰንኪ ኣብ ውሽጥና ሶሊኾም ዝኣተዉ ዝተበከሉ እምቢተኛታት መማህራንን ነብያት ሓሶትን ምዃኑ ዘየማትእ ሓቂ እዩ፡፡ ሓቂ ምዃኑ ድማ ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ሕጂ ርእሱ ብዝተፈላለየ መሪር ፍረ ይገልጽ ኣሎ፡፡
ትምህርቲ ሓሶት ዓብሊሉሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብፍልጠት ኮነ ብዘይ ፍልጠት ዝሰሓቱ ብንስሓ ምእንቲ ክምለሱ ነዘን ኣቐዲመን ዝተሐታ ሕቶታት ብትብዓት ግልጽን ሓቀኛን መልሲ ትህብ ነይራ እያ፡፡ እንተኮነ ግና እቶም ብመናፍቕነት ዝሰሓቱ ሰባት ብግዚኡ ጽን ክብሉን ከስተውዕሉን ስለ ዘይከኣሉ፡ ብእዋኑ እቲ ሓቂ ክቕበልዎ እኳ እንተ ዘይመረጹ፡ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ብመጠን ትሪ ልቦም፡ ነቲ ሓቂ ኣብ ግብሪ ሸውዓተ ዕጽፊ ምስቲ መሪር ፍሪኡ ይኹልዖ ስለ ዘሎ፡ ብዙሓት ከስተዉዕሉን ብምስክሕካሕ ብንስሓ ክምለሱን ዘየጸግሞም እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፡፡ "ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዚብሎ መን እዩ ? ካብ ሕጂ ብምስትውዓል ዚሰምዖኸ መን እዩ? ያዕቆብ ንወራር እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ? እቲ ከም ፍቓዱ ክንነብር ዘይፈተና ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዝና ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኮነን?! ስለዚ ቑጥዓ መዓቱ ሰደደልና፥ ነድሪ ውግእውን ከዓወልና፥ እዚውን ከም ሓዊ ኣብ ኩላ እስራኤል ነደደ ፥ ግናኸ እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈለጥናን፥ ካብኡውን ሓንቲ እኳ ኣይተምሃርናን፡፡ (ኢሳ 42፡23-25)።ኣብዚ ጹሑፍ ተጠቂሱ ዘሎ
ናይ መጽሐፍ ቅዱስ ጥቅስታት
ካብ ክልቲኡ ዓይነት ናይ ቀደምን
ሓድሽ ትርጉማት ዝተወስደ እዩ፡፡ይቅጽል!!
መልእኽቲ ንኹሎም ሰዓብቲ ጐይታ፡- ካብቶም ኣብ ርእሲ ጸበባና ጸበባ ዝውስኹና ዘለው ሃዋርያት ሐሶት ንጠንቀቕ !!!
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode