07
Sun, Sep
0 New Articles

እዋናዊ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ዜናታት ባንግላድሽ

Latest
Typography
 

ኣብ ባንግላድሽ ጓል ሓደ ማሕበር ጓሳ ወይ ፓስቶር ተዓሚጻ

ካምፓስ ዳይረክት ብዕለት 8 ግንቦት ብዘውጾ ጸብጻ ንፓስቶር ዳስ ዝተባህለ ኣገልጋሊ ንጓል 13 ዓመት ኢለና ዳስ ዝተባህለት ጓሉ ሓሙሸት ዑጡቓት ምስልምና ብጾታዊ ርክብ ዓሚጾማ።


 

እዚ ዝገበሩ ኸኣ ፓስተር ዳስ ነቲ ኣብ ላክስሚፑር እትብሃል ኣብ ግዝኣት ናይ ምይመስሲንግ እትርከብ ዓዲ ንዝገብሮ ዝነበረ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ደው ንኸብሎ ዝዓለመ እዩ። እቶም ናይ ምስልምና ዑጡቓት ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ እናተንቀሳቐሰት ከላ እዮም ንኤልን ጨውዮማ። ናብ ሓደ ቦታ ወሲዶም ከኣ ብተደጋጋሚ ዓሚጾማ። ፓስቶር ዳስ ሰዓት 3 ናይ ለይቲ እዩ ንጓሉ ኣእምሮኣ ሲሒታ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ተደርብያ ረኺብዋ። ምንም እኳ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክጠርዕ ናብ መደበር ፖሊስ ተኸደ እቲ ዘቕርቦ ዘሎ ክሲ ፈጠራዊ ምኻኑን ሓቅነት ከም ዘይብሉን ሓቢሮሞ። እቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዎ ተኸተልቲ ምስልምና ነቲ ጉዳይ እንተ ዘይሓዲግዎ ንዕኡን ንቤተሰቡን ከም ዝቐትልዎ ኣፋራሪሖሞ። በቲ ዝገብሮ ዘሎ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ብዛሓት ደቂ እቲ ሓደ ዝዀኑ ሰዓብቲ ምስልምና ሕጉሳት ከምዘይክኑ ፓስተር ዳስ ገሊጹ። ደቂ ክፍላ ንኢለና ዝዀኑ ኣውዳት ብተደጋጋዊ ኣብ ልዕሊኣ ጸቕጥን ዓመጸን ከም ዘውርዱላ ተረጋጊጹ ኣሎ፣ ኢለና ኣብ ክፍላ ንሳ ጥራይ እያ ሰዓቢት ክርስትና፣ ኣምላኽ ካብ ዝወረዳ ኣደራዕ ክፍውሳ ንኢለና ንጸልየላ። እቶም ሰበስልጣን እታ ሃገር ከኣ ነቶም ገበነኛታት ጉቡእ ዝዀነ መቕጻዕቲ ክብይነሎም ንጸሊ። ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓመጽቶም ዘፍቅር ልቢ ክህቦም ንጸልየሎም።

ምንጪ "The Voice of the Martyrs