እዚ ሕጂ ኣብዛ ቤተ ክርስትያን ብሓፈሻኣ ተላዒሉ ዘሎ ሽግር ኣብታ ናይ ሶርያ ኣንጾክያውን ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስ ተላዒሉ ነይሩ እዩ። (ገላ.2፡1-14)።
እቶም ኣመንቲ ኣይሁድ ብክርስቶስ ኣሚኖም እኳ እንተደሓኑ ገና ስርዓት ሕግን ግዝረትን ኣብ ምግባር ይቕጽሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ይእከቡ፡ መስዋእትታቶም የቕርቡን እቲ ናይ ምብላዕ ሕግታት ይፍጽሙን ነበሩ። እዞም ኣኽረኃቲ ኣይሁድ ኣመንቲ እዚኣቶም ከኣ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ኣመንቲውን ከምኡ ኪገብሩ ይደፋፍእዎም ነበሩ።
መእተዊ መልእኽቲ ገላትያ
ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ዝበጽሓ ግናኸ ቀልጢፋ ናብ ሽግር ዝኣተወት ቤተ ክርስትያን እዩ ዚጽሕፍ ዘሎ።
መሰረታዊ ሓሳባት መልእኽቲ ገላትያ
- 1.ጸሓፊመልእኽቲገላትያመንእዩ? ሃዋርያ ጳውሎስ እዩ ጽሒፍዋ። እዚ ገላትያ ተባሂሉ ዘሎ ቦታ ሓንቲ ኸተማ ዘመልክት ዘይኰነስ ስፍሕ ዝበለ ቦታ ዝጠቓልል እዩ። እዛ መልእኽቲ እዚ ቅልጥፍ ኢላ ዝተጻሕፈት ስለ ዝዀነት ካበይ ምዃናውን ርጉጽ ኣይኰነን። ግናኸ ምናልባት ካብ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ትኸውን ዚብል ሓሳብ ኣሎ።
- 2.መዓዝተጻሒፋ? ምናልባት ብ48 ዓ.ም. ቅድሚ እቲ ናይ የሩሳሌም ጉባኤ ትኸውን ዚብል ሓሳብ ኣሎ። እቲ ናይ የሩሳሌም ጉባኢ ብ49 ዓ.ም. እዩ ተፈጺሙ ዚብል ሓሳብ እዩ ዘሎ።
ግብሪሃዋርያት
ገላትያ
ቀዳማይ ወንጌላዊ ጉዕዞ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኢቆንዩም፡ ልስጥራን ደርቤን በጽሐ
ካብ የሩሳሌም ዝመጹ ኣይሁድ ሕጊ ኦሪት ኪፍጽሙን ኪሕልውን ነቶም ኣመንቲ ኣይሁድ ነገርዎም፡ ነቶም ኣህዛብ ከኣ እዚ ኪቕበሉ ኣገደድዎም (ገላ.1፡7 5፡10)።
ብ49 ዓ.ም. ጉባኤ የሩሳሌም ተፈጸመ። (ግ.ሃ.15)።
መልእኽቲ ገላትያ ቅሩብ እዋን እዚ ጉባኤ እዚ ከይተፈጸመ ነበረ። (ገላ.2፡1 ግ.ሃ.11፡29-30)።
እቲ ጉባኤ የሩሳሌም ብዝእዕባ እንታይ እዩ ተዘራሪቡ? (ግ.ሃ.15፡5)።
እቶም ቀደም ፈሪሳውያን ዝነበሩ ኣመንቲ ኣይሁድ ግዝረትን ካልእ ስርዓታት ሙሴን ይሕልው ነበሩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ካብ ኣህዛብ ዚዀኑ ኣመንቲውንነዚ ክስዕብዎ ከም ዘለዎም ኣጥቢቖም ኪእዝዙ ጀመሩ። ብዘይክኡ ኸኣ ኣብ ክርስትና ኣህዛብ ምስ ኣይሁድ ማዕረ ከም ዘይኰኑ ይሓስቡ ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ኣብታ ቤተ ክርስትያናንጾክያ ከቢድ ሽግር ተፈጥረ እሞ፡ በርናባስን ጳውሎስን ምስቶም ተቓወምቲ ንምርድዳእ ናብ የሩሳሌም ከዱ። (ግ.ሃ.15)። ኣብቲ ኣኼባ ኸኣ ሃዋርያ ጴጥሮስ ጐይታ ነህዛብ ኪምስክር ከመይ ገይሩ ከም ዝጸውዖ ብምግላጽ ንሃዋርያ ጳውሎስ ብምድጋፍ ተዛረበ። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንሃዋርያ ጴጥሮስ በቲ ዝነበረ ኲነታት ኣቢሉ ንሃዋርያትን ነቶም ኣይሁድ ኣመንትን ኣህዛብውን ምሳታቶም ኪሓብሩ ከም ዝሃቦም ኪነግሮም ይገብሮ። (ግ.ሃ.10፡43-48)። ያእቆብ ከኣ ተንሲኡ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኣህዛብ ናብ እምነት ከም ዝመጹ ከምም ዝተዛረበ ብምጥቃስ ይነግሮም። (ኣሞጽ 9፡9-12)።
ኣብ መውዳእታ ኸኣ እቲ ጉባኤ ኣህዛብ ናብ እምነት ክርስትና ኪመጹ ሕጊ ኦሪት ኪሕልው ከይግድድዎም ብምስምማዕ ተበተኑ። (ግ.15፡19-24)። ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ከኣ እዘን 4 ነገራት ኪገብሩ ጥራሕ ኣዘዝዎም።
- 1.ንጣኦታት ዝተሰውአ ስጋ ከይበልዑ። 2. ደም ከይበልዑ።
3. ሕቃêቕ ከይበልዑ። 4. ካብ ዝሙት ኪርሕቁ።
እዚ ሕጂ ኣብዛ ቤተ ክርስትያን ብሓፈሻኣ ተላዒሉ ዘሎ ሽግር ኣብታ ናይ ሶርያ ኣንጾክያውን ኣብ መንጎ ሃዋርያ ጳውሎስን ሃዋርያ ጴጥሮስ ተላዒሉ ነይሩ እዩ። (ገላ.2፡1-14)።
እቶም ኣመንቲ ኣይሁድ ብክርስቶስ ኣሚኖም እኳ እንተደሓኑ ገና ስርዓት ሕግን ግዝረትን ኣብ ምግባር ይቕጽሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ይእከቡ፡ መስዋእትታቶም የቕርቡን እቲ ናይ ምብላዕ ሕግታት ይፍጽሙን ነበሩ። እዞም ኣኽረኃቲ ኣይሁድ ኣመንቲ እዚኣቶም ከኣ እቶም ካብ ኣህዛብ ዝዀኑ ኣመንቲውን ከምኡ ኪገብሩ ይደፋፍእዎም ነበሩ።
ሃዋርያ ጴጥሮስ ናብ ኣንጾክያ ከይዱ ኸሎ፡ ገለ ኣይሁድ ኣመንቲ ካብ የሩሳሌም ክሳዕ ዚመጹ ምስቶም ኣህዛብ ይበልዕ ነበረ፡ ደሓር ግና ምሳታቶም ተፈልየ። ግናኸ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ፡ ﷽...ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ፡ ነቶምኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ኪህልው ብግዲ ትብሎም ኣሎኻ? ኢሉ ገሰጾ።
ሓፈሻዊኣስተዋጽኦመልእኽቲገላትያ
1. ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ወንጌሉን ስልጣኑን መብርሂ ይህብ (ገላ.1-2)።
- ሃዋርያ ጳውሎስ ወንጌል እግዚኣብሄር ብዝሃቦ ራእይ እምበር ሃዋርያት ምሂሮምዎ ኣይረኸቦን (ገላ.1፡11-24)።
- ወንጌል ጳውሎስ ሃዋርያት ዝተቐበልዎ ነበረ (ገላ.2፡1-10)።
- ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንወንጌል ተማጐተሉ (ገላ.2፡11-21)።
2. መለኮትዊ ትምህርቲ ሃዋርያ ጳውሎስ (ገላ.3-4)።
- ሰብ ብእምነት ብክርስቶስ እምበር ብግብሪ ኣይጸድቕን እዩ (ገላ.3፡1-24)
ሀ. ሕጊ ኦሪት ግዚያዊ እዩ ነይሩ (ገላ.3፡19-20)።
ለ. ሕጊ ኦሪት ሓጢኣት ኪገልጽ እምበር ንምድሓን ኣይተዋህበን (ገላ.3፡21-24)።
ሐ. ሕጊ ኦሪት ንክርስቶስ መግዲ ኣዳለወሉ (ገላ.3፡23-4፡7)።
- ህይወት ክርስትና ብጸጋ እምበር ብሕጊ ኣይምራሕን እዩ (ገላ.24-29)።
ሀ. ክርስቶስ ሓራ ስለ ዘውጽኣና ሓደ ኢና (ገላ.3፡25-29)።
ለ. ብክርስቶስ ኲላትና ውሉድ ኣምላኽን ወረስትን ኢና (ገላ.4፡1-7)።
ሐ. ሕጊ ኦሪትን ጸጋን ብሓደ ኪነብሩ ኣይኽእሉን እዮም (ገላ.4፡8-31)።
3. ሃዋርያ ጳውሎስ ወንጌል ኣብ ተግባር ኣውዓሎ (ገላ.5-6)።
- "ብሓርነትኩም ጽንዑ" (ገላ.5፡1-10)።
- "ብመንፈስ ተመላለሱ "(ገላ.5፡11-16)።
- "ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ" (ገላ.6፡1-10)።
ስእሊመልእኽቲገላትያ
መብርሂ ወንጌል (ገላ.1-2)
መልኮታዊ ትምህርቲ (ገላ.3-4)
ወንጌል ኣብ ተግባር (ገላ.5-6)
ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ ወንጌሉን ስልጣኑን ዝተላዕለ ሕቶታት ይምልስ። እቲ መሰረት ናይዚ ሕቶታት እዚ መለኮታውን ተግባራውን ትምህርትታት እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቅነት ናይ ወንጌልን ስልጣኑን ንምርግጋጽ ናቱ ምስክርነት፡ ካብ ቃል ኣምላኽ መረጋገጺ ናይ ኣብርሃምን ደቂ እስራኤልን ብምጥቃስ የረጋግጸሎም። ኣመንቲ ከም ይስሃቅ "ውሉድ ተስፋ፡ ወረስቲ ኣምላኽ" ዝዀኑ ሓራ እዮም። ስለዚ ስለምንታይ በርዑት ባርነት እንጽመድ?ሕጊ ኦሪት ኣብ ስድራ ቤት ኣምላኽ ቦታ የብሉን፡ ምኽንያቱ ንሕና ብክርስቶስ ንሕጊ ኦሪት ሞትና ኢና። (ገላ.2፡10-20)። ብሓጢኣት ከይንእሰር ክርስቶስ ሓራ ኣውጺኡና እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ወንጌል ንምቕባል ሕጊ ኦሪት ግድን ኣድላዪ እዩ ዝበሃል ዝተቓወመሉ ምኽንያት እንታይ እዩ? 2ቆረ.10-11)።
1. ሰብ ብክርስቶስ ኣሚኑ በቲ ንሱ ዝገበሮ ከም ዝድሕን ንዚምህር ትምህርቲ ዚቃረን ስለ
ዝዀነን እዚ ትምህርቲ እዚ ንሕግን ጸጋን ኣጣሚሩ ክሕዝ ስለ ዝደለን እዩ። ግናኸ ሰብ
ኣብ ምድሓኑ ኪውስኾ ዚኽእል ነገር የልቦን።
- 2.እዚ ትምህርቲ እዚ ንስልጣን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ጥርጥር ኣእትይዎ ስለ ዝነበረ።
- 3.ኣብ ቤተ ክርስትያን ምክፍፋልን ጥርጥርን ኣእትዩ ስለ ዝነበረ።
4. እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓንቲ ናይ ጉዕዞ መልእኽትታት ሃዋርያ ጳውሎስ እያ። እስከ እተን ናይ ጉዕዞ መልእኽትታት ጥቐስ። ተርታ ኣጸሓሕፋኦም ብቅደም ተኸተል ከኣ ገላትያ፡ 1ይቲን 2ይቲን ተሰሎንቄ፡ 1ይቲን 2ይቲን ቆረንቶስን ሮሜ እዩ። እተን መጻሕፍቲ ግና እዚኣተን እየን።
- ገላትያ 1ይቲ ቆረንቶስ 2ይቲ ቆረንቶስ
- 1ይቲ ተሰሎንቄ 2ይቲ ተሰሎንቄ ሮሜ
- ቀንዲ ትምህርቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ መጽሓፍ እንታይ እዩ?
ሀ. ገላትያ ምድሓብ ብጸጋ
ለ. 1ይቲ ተሰሎንቄ ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ
ሐ. 2ይቲ ተሰሎንቄ መዓልቲ ጐይታ
መ. 1ይቲ ቆረንቶስ ባህርይ ኣማኒ
ረ. 2ይቲ ቆረንቶስ ስልጣን ሃዋርያ ጳውሎስ
ሰ. ሮሜ ብእምነት ዚርከብ ጽድቂ
ኲልሳዕ ዝዀነ መልእኽቲ ከተጽንዑ ከሎኹም እቲ ቀንዲ ትምህርቲ ከተጽንዕዎ ጽቡቕ እዩ።
ሓፈሻዊመብርሂመልእኽቲገላትያ
1. መብርሂ (ገላ.1-2)፡- ሃዋርያ ጳውሎስ ንወንጌል ዝሃቦ ስልጣን ብ3 መረዳእታታት እዩ።
- ሃዋርያ ጳውሎስ ወንጌል ጐይታ ዝሃቦ ራእይ እዩ እምበር፡ ካብ ካልኦት ሃዋርያት ዝተቐበሎ ኣይኰነን። (ገላ.1፡11-24)።
- ሃዋርያ ጳውሎስ ድሕሪ 3 ዓመት ማን የሩሳሌም ከይዱ በጽሐ እሞ፡ እቲ ንሱ ዝሰበኾ ወንጌል ምስቲ እቶም ካልኦት ዝሰበኽዎ ከም ዘይጋጮ የረድአ። (ገላ.1፡18፣ግ.ሃ.11፡29-30)።
- እቶም ኣኽረርቲ ኣይሁድ ሃዋርያ ጳወፆቃ÷ስን ሃዋርያ ጴጥሮስን ዚሰማምዑ ኣይመሰሎምን ነይሩ፡ ግናኸ ሃዋርያ ጴጥሮስ ምስ ተጋገየ ሃዋርያ ጳውሎስ ገሰጾ እሞ ሰምዐ። (ገላ.2፡12-24)።
ስለዚ ሃዋርያ ጳውሎስ ሰብ ናብ ክርስቶስ ድሕሪ ምምጻኡ ንድሕሪት ተመሊሱ ብሕጊ ኪድሕን እንተደልዩ ክርስቶስ ኣየድሕንን እዩ ከም ዝበለ እዩ ዚቚጸር ይብል። ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ንሕጊ ኦሪት ሞትና ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ከኣ ንእግዚኣብሄር ክንነብር ሓራ ወጺእና ኢና።
- 3.መለኮታዊትምህርቲ (ገላ.3-4)፡- ምድሓን ብጸጋ እምበር ብሕጊ ኦሪት ኣይኰነን። እቶም ኣኽረርቲ ሕጊ ኦሪት ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ንሕና ንዓመታት ዝሓሎናዮ ሕጊ ኣነኣኢስዎ ኢሎም ከሰስዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ግና ምድሓን ሰብ ብጸጋ ብእምነት እምበር ብዚገበሮ ሕግን ስርዓትን ከም ዘይኰነ ኣረድኦም። ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነቶ ሰብ ገላትያ ብእምነት ጀሚሮም ብዙሕ ስደት ሓሊፎም፡ ሕጂ ደኣ እንታይ ኰይኖም ናብ ሕጊ ኦሪት ንድሕሪት ይምለሱ ኢሉ ይሓቶም። እምበራ ንኸንቱ ኢኹም መከራ ዝጸገብኩም? ይብሎም።
ነዚ መረጋገጺ ኸኣ ኣብርሃምውን ብእምነት ከም ዝጸደቐ ናይ ኣቦና ኣብርሃም ካብ ብሉይ ኪዳን ይጠቕሰሎም። (ዘፍ.15፡6)። ኣብ (ዘፍ.22፡18) ከኣ ኲሎም ደቂ እምነት ብምኽንያት እምነት ከምዚባረኹን ዚጸድቁን ነጊሩና ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ (ዘዳ.27፡26) ብምጥቃስ ከኣ ሕጊ ኦሪት ዘይፍጽሙ ዂላቶም ርጉማት ምዃኖም ይዛረብ። ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቶም ዝተቐበልዎ ዂላቶም ነቲ መርገም ሕጊ ብምሽካም፡ ካብ መርገም ሕጊ ሓራ ኣውጺእዎም እዩ። (ገላ.3፡3፡13-14)። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም መኽረርቲ ኣይሁድ ነቲ ዝመሃርዎ ብምጥቃስ ጌጋ ከም ዝዀነ ይገልጽ። በረኸት ኣብርሃም ንኣህዛብ ብእምነት ብክርስቶስ ጥራሕ እዩ ኪበጽሖም ዚኽእል። እግዚኣብሄር ኪዳኑ ኣይለወጦን፡ ስለዚ ኪዳን ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ሕጊ ኣይለወጦን። እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝተዋህበ ኪዳን ብክርስቶስ እዩ ዚፍጸም።
እግዚኣብሄር ደኣ ስለምንታይ ሕጊ ሃበ? ሕጊ ግዚያዊ ኰይኑ ሓጢኣት ምእንቲ ኪገልጽ እዩ ተዋሂቡ። (ገላ.3፡21-22)። እቲ ሽግር ሰብ ክንርድኦ ይግባእ እዚ ኸኣ፡ ሰብ ንጐይታ ቅድሚ ምቕባሉ ኣብ ቊጥዓ ኣምላኽ እዩ ዘሎ። ሕጊ ንክርስቶስ መገዲ ኣዳለወሉ እምበር ዘድሓኑ ሓደ እኳ ኣይሁዳዊውን እንተዀነ የልቦን። ግናኸ ሓጢኣቶም ፈሊጦም ናብ ክርስቶስ ኪመጹ ገበረ። ዋላ ኣብ ዘበን ብሉይ ኪዳንውን እንተዀነ ሰባት ብእምበት ብጸጋ እዮም ድሒኖም። (ዘፍ.6፡8 እብ.11፡7)። ንሳቶም ምምጻ ክርስቶስ ብእምነት ኪጽበዩ ከለው፡ ንሕና ኸኣ ነቲ ጐይታ ዝገበሮ ብእምነት ኢና እንርኢ ዘሎና።
ቀጺሉ ኸራ ሃዋርያ ጳውሎስ በቲ ንዓኣቶም ዘለዎ ፍቕሪ ይልምኖም። ካብ ፍቕሪ ዝተላዕለ ሓቂ ይነግሮም ከም ዘሎ ይገልጸሎም። ነዚ ከኣ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም 2 ደቂ ኣብርሃም ከም ኣብነት ብምጥቃስ ይገልጸሎም። እስማዔል ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሕጊ ዘለው ባሮት ኣብነት ኪኸውን ከሎ፡ ሳራ ንይስሃቅ ክትወልድ ብዙሕ ዓመታት ከም ዝተጸበየት፡ ኲሎም ኣይሁድ ከኣ ክርስቶስ ኪመጽእ ከም ዝተጸበዩን ሕጂ ኸኣ እቶም ዝኣመኑ ኣይሁድ ኰኑ ኣህዛብ ውሉድ ሓርነት ምዃኖም ይገልጽ።
- 4.ተግባራዊትምህርቲ፡- ሓድሓደ እዋን እቲ ናይ ኣማኒ ሓርነት ናብ ጌጋ መገዲ የምርሕ እዩ። እቲ ብጐይታ ዘሎ ብሓርነቱ ጸኒዑ ኪነብር ይግብኦ እዩ። ናብ ስርዓታት ኦሪት ምድሕርሓር ናብ ባርነት ምምላስ እዩ። ጐይታ ብመንፈስ ምእንቲ ክንመላለስ ናብ ሓርነት ጸውዓና፡ ብሓርነት ኪሕልወና ኸኣ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይህበና።
ኲሉ ዋጋ ሓጢኣት ኣብ መስቀል ተኸፊሉ እዩ። እቲ ኣረጊስ ሓይሊ ስጋ ነቲ ሓዲሽ ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ህይወት ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽሩ ኬእትዎ ብዙሕ ስለ ዚጽዕር ኣብ ውሽጢ እቲ ኣማኒ ዚካየድ ውግእ ኣሎ።
ስለዚ እቲ ኣማኒ ኣብ ዚገብሮ ዂሉ ምእንቲ ኪዕወትን ነቶም ድኹማት ክንረድእን ኲላትና ጾር ሓድሕድና ክንጸዋወር ስለ ሓድሕድና ክንሓስብ ብፍቕሪ ክንመላለስ ይግብኣና እዩ። እዚ ኸኣ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክመላለስ ዚገብረና ሕጊ ኸኣ ፍቕሪ ክርስቶስ እዩ።
ሃዋርያ ጳውሎስ እቶም ሓሰውቲ መምህራን ብግዝረት ብምምክሖም ይግስጾም። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልግሎት ክርስቶስ ኢሉ እቲ ዂሉ ቊስሊ ከም ዝቖሰለ፡ ብዘይ መስቀል ክርስቶስ ዚምክሓሉ ገለ ነገር የብሉን።
ሓርነትናብክርስቶስሓላፍነትየሸክመና
መልእኽቲ ገላትያ ብዙሕ እትጠቕመና ነገራት ኣለዋ።
1. ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ከም መልእኽቲ ገላትያ ገይሩ ምድሓን ብእምነት ብጸጋ ጥራሕ ምዃኑ ገሊጹ ዚምህር
መጽሓፍ የልቦን።
- 1.ምናልባት ክርስትናን ኣይሁድነትን ዚፈላስለዩሉ ኣብዚ መልእኽቲ እዚ እዮም።
- 2.እዛ መልእኽቲ እዚ ሕጂ ኣብ ዘበንና ንዘለው ናይ ሕጊ ኣኽረርቲ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ገለ ተግባር ኪውስኹ ዚደልዩ እትኸውን መጽሓፍ እያ።
ንድግምዚድግፉሕቶታት
1. እስከ እተን ኣብ ገላትያ ዚርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ዘርዚርካ ጽሓፍ።
2. እቲ ቀንዲኢ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ ዘተኲረሉ ሽግር እንታይ እዩ?
4.እግዚኣብሄር ንኣህዛብ ብዘይ ምሕላው ሕጊ ከም ዝተቐበሎም ዘርኢ ሓሳብ ኣበይ ንረክብ?
5.ኣብ ዘበንናውን ነቲ ብጸጋ ኢና እንድሕን ዚብል ሓሳብ ሰናይ ተግባራት ብምግባር እባ ዚብሉ ገለ ኣብያተ ክርስትያናት እዝከ ዘርዝር እሞ፡ ተመያየጡሉ።
6.እተን ቀንዲ ክፍልታት መልእኽቲ ገላትያ ጽሓፍ።
7.እቶም ኣኽረርቲ ሕጊ ኣይሁድ እንታይ ይምህሩ ነይሮም?
8.ቀንዲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኣብ መልእኽቲ ገላትያ እንታይ እዩ?
9.ሃዋርያ ጳውሎስ ስለምንታይ እዩ በቲ ሓሳዊ ትምህርቲ ዝተረበሸ?
10.እቲ ቀምዲ ትምህርትታት መልእኽትታት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣጽንዑ።
11. ሃዋርያ ጳውሎድ ብዛዕባ ስልጣኑ ዘቕረቦም 3 መረጋገጺታት እንታይ እዮም?
13.እቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ዝሃቦ ኪዳን ኣብ መን ተፈጸመ?12.ኣብ መልእኽቲ ገላትያ እቲ ቀንዲ መለኮታዊ ትምህርቲ እንታይ እዩ?
14.እቲብክርስቶስዝረኸብናዮሓርነትሓጢኣትክንገብርይፈቕደልናድዩ? ተመያየጡሉ።
15.ቀጺልናመልእኽቲኤፌሶንስለእንመሃርክብሕጂጀሚርካነታመጽሓፍከተንብባጀምር።
መልእኽቲ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode