መጽሓፍ ቅዱስ ንትምህርትና ስለ ዝተጻሕፈ ኣብኡ ካብ ዘለዉ ሰባት ክንመሃር ፍቓድ ኣምላኽ እዩ፣ ካብቶም ኣብኡ ዝተጠቕሱ ሰባት ገሊኦም ብጽቡቕ ዝወድኡ ክኾኑ ከለዉ ገሊኦም ግን ብሕማቕ ዝወድኡ እዮም፣ እቲ ኩሉ ንዓኣቶም ዝበጽሖም ንዓና መለበሚ ንክኸውን ስለ ዝተጻሕፈ (1ቆረ.10።6,11) ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ካብ ህይወት ሳኦል ክንመሃር ኢና፣ ህዝቢ እስራኤል እግዚኣብሄር ንጉሶም ክኸውን ስለ ዘይደለዩን ከምቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ንጉስ ክሸመሎም ስለ ዝደለዩን እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ንጉስ ክሸመሎም ኣዚዝዎ፣
እግዚኣብሄር ዝኾነ ሰብ መሪጹ ኣንግሶ ኢሉ ኣይሃቦን፣ እንታይ ደኣ ሳሙኤልን ሳኦልን ቅድሚ ምርኻቦም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ ሳኦል ንሳሙኤል ሓቢርዎ፣ ኣብታ ዝተራኸቡላ መዓልቲ ከኣ “ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ ኸኣ። እግዚኣብሄር። እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ። ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዚገዝእ እዚ እዩ በሎ፣” 1ሳሙ.9።17፣ ስለምንታይ እግዚኣብሄር ካብዚ ኩሉ ሰብ ንሳኦል መሪጽዎ? እንታይ ጽቡቕ ባህርያት ርእዩሉ ይኸውን? ገለ ካብቲ ጽቡቕ ባህርያቱ ቀጺልና ክንርእዮ ኢና።-
1. እዙዝን እሙንን ኔሩ 1ሳሙ.9።1-10
ሳኦል መንእሰይ ኮይኑ ኣብ ቤት ኣቡኡ ክቕመጥ ከሎ ንኣቦኡ ዝእዘዝ መንእሰይ ኔሩ፣ ሓደ መዓልቲ ኣእዱግ ምስ ጠፍእኦም ኣቦኡ ክደልየን ነጊርዎ፣ መጽሓፍ ቅዱስ “ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍኣኦ” ይብለና፣ ሳኦል ናይ ኣቦኡ ዝኾነ ናቱ ከም ዝኾነ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንምድላየን ኣይተወላወለን፣ ስለዚ ሓደ ካብቶም ግዙኣት ተማሊኡ ክደልየን ከደ፣ ኣእዱግ ክደሊ ዝበጽሖ ቦታታት እንተ ርኢናዮ (1ሳሙ.9።4-5) ኣእዱግ ክደሊ ክሳብ ክንደይ ከም ዝደኸመን ንርኢ፣ እግዚኣብሄር እዚ ናይ እሙንነት ባህርይ ከም ዝረኣየሉ ክንርዳእ ኣየጸግመናን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣቦኡ ኣእዱግ ምድላይ ዝነበሮ እሙንነት ነቲ ኣብ ብዙሕ ዘሽይም ኣብ ሒደት እሙን ምዃን ዝብል ናይ ጎይታና የሱስ ትምህርቲ የዘክረና፣ ንስኻኸ በዚ ነገር እዚ ከመይ ኮን ትኸውን? ብዛዕባ ናይ ኣቦኻ ኣእዱግ ይግድሰካዶ? ናይ ኣቦኻ ናትና ከም ዝኾነ ትፈልጥዶ? ክትደልየን ከሎኻኸ ንስለ ምድላይዶ ወይስ ንኽትረኽበን ኢኻ እትደልየን?
2. ቅድሚት ዝስራዕ ነገር ዝፈልጥ ምስትውዓል ዝነበሮ ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.9።5
ሳኦል ነተን ኣእዱግ ከይረኸብክወን ኣይምለስን እየ ዝብል ህልኽ ኣይነበሮን፣ ስለዚ ክገብሮ ዝኽእል ኩሉ ምስ ገበረ ኣቦኡ ብምጥፋእ ናይ ኣእዱግ ሓዲጉስ ብእኦም ይጭነቕ ከይህሉ ሓሲቡ ክምለስ ወሲኑ፣ ካብዚ እቲ ምስ ኣቦኡ ዝነበሮ ርክብ ኣብ ናይተን ኣእዱግ ምጥፋእን ምርካብን ከም ዘይምርኮስ ይርድኦ ከም ዝነበረ ንርዳእ፣ ቂስ ኣቦ ሳኦል ነተን ኣእዱግ ድለየን እምበር ነተን ኣእዱግ ከይረኸብካየን ከይትምለስ ኣይበሎን፣ ስለዚ ምስ ሰኣነን ከም ዝሰኣነን ንኽነግሮ ክምለስ ወሲኑ፣ ንሕናኸ እግዚኣብሄር ክልእከና ከሎ ክንገብሮ ካብ እንኽእል ንላዕሊ ክንገብር ዝሓተና ኮይኑዶ ይስምዓና? ኣምላኽ ካብ በተን ዝጠፍኣ ኣእዱግ ዝያዳ ብኣና ከም ዝግደስ ይርድኣናዶ? ጎይታ ምስትውዓል ይሃበና፣
3. ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘኽብር ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.9።7፣
ክምለሱ ምስ በሉ እቲ ምስኡ ዝነበረ ግዙእ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ንሳሙኤል ክሓትዎ ኣማኺርዎ፣ ሽዑ ሳኦል ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ዘኽብር ሰብ ስለዝነበረ ብዛዕባ ሒዝዎ ክኸይድ ዝነበሮ ህያብ ሓሲቡ፣ በዚ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝግባእ ክብረት ኣቕሪቡ፣ ናብ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ከሎኻ ከም ሰባትን ከም ኣገልገልትን ክብረት ከም ዝግብኦም ትፈልጥዶ? በቲ ናይ ወንጌል ዕዮ እንተ በልዑ ሓጢኣት ከም ዘይኮነን ከም ዝግብኦምንከ ተስተውዕልዶ?
4. ትሕትና ዝነበሮ ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.9።21 ። 1ሳሙ.10።14-16 ። 1ሳሙ.10።20-24
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ንእግዚኣብሄርን ንርእሶምን ስለ ዝርእዩ ንነፍሶም ከም ዘይብቕዕቲ እዮም ዝርእይዋ። ሳኦልውን ካብኦም ዝፍለ ኣይነበረን፣ ሳኦል ኣብ ምሉእ እስራኤል ካብኡ ዝምልክዕ ኮነ ካብኡ ዝነውሕ ሰብ ስለ ዘይነበረ 1ሳሙ.9።2 ‘ለካ እንዶ ግዳ ካብ ኩሉ ሰብ ዝጸበቕኩ/ዝነዋሕኩ ኮይነ’ ኢሉ ሃንደፍ ኢሉ ነዚ ናይ ንግስነት ሓሳብ ኣይተቐበሎን፣ እኳ ደኣ ንዓይ ብዛዕባ ንግስነት ትዛረበኒስ ኣነ መን እየ? ኢሉ ክሓትት ንርእዮ፣ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰውን ሓዎቦኡ ንዝሓተቶ ሕቶ እቲ ብዛዕባ ምርካብ ናይተን ኣእዱግ ዝምልከት ጥራይ ነጊሩ እቲ ብዛዕባ ንግስነት ዝበሎ ግን ኣይነገሮን፣ ደቂ እስራኤል ንጉስ ንኽሸሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ተኣከቡውን ኣብ ማእከል ኣቓሑ ተሓቢኡ፣ እዚ ኩሉ ሳኦል ክሳብ ክንደይ ትሑት ከም ዝነበረ የርእየና፣ ኣምላኽ ከኣ ነቶም ትሕት ዝብሉ ስለ ዘልዕሎም ንሳኦል ከንግሶ ከሎ ንርኢ፣ ብብልሕኻ ዝሓዝካዮ ዝመስለካ ነገርን ዝበጻሕካዮ ዝመስለካ ደረጃን ኣሎዶ? ብዛዕባ ሓደ ነገር ተስፋ ምስ ተዋህበካኸ ተቐዳዲምካዶ ርእስኻ ተላሊ ወይስ ምዱብ ጊዜ ትጽበ?
5. ዕጉስ ኔሩ፣ 1ሳሙ.10።25-27
ሳኦል ንጉስ ምስ ተሸመን ኩሉ እቲ ህዝቢ ምስ መረቖን ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ናብ በቤቱ ሰደዶ፣ ሳኦል ከኣ ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ከደ። ልቦም ዘንቅሐ ጀጋኑ ድማ ምስኡ ከዱ፣ እቶም ደቂ ብልያል ግን እዚ ደኣ ከመይ ጌሩ ከድሕነና እዩ ኢሎም ስለ ዝነዓቕዎ ገጽ በረኸት ኣይሃብዎን፣ ሳኦል ድሮ ንጉስ ስለ ዝኾነ ነዞም ሰባት ክቐጽዖም ኣይተሃንደደን፣ ንሱስ ከም ዘይሰምዐ ደኣ ኮነ፣ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ስልጣን ምቕባል ክኣብይዎ ከለዉ እንታይ ንገብር? ተቐቢእካ ክነስኻ ሰባት ክትንክዩኻን ስምካ ከጸልሙን ከለዉ እንታይ ትገብር? እቲ ንቕቡኣተይ ኣይትተንክዩዎም ዝበለ ኣምላኽ ክሳብ ዝሰርሕዶ ትጽበ ወይስ ብዛዕባ ርእስኻ ንምጥባቕ ባዕልኻ ስጉምቲ ትወስድ?
6. ተባዕን ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ ባህርይን ዝነበሮ ሰብ ኔሩ፣ 1ሳሙ.11።1-11
ሰብ ያቤስ ጊልዓድ ረድኤት ደልዮም ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ምስ ለኣኹ። እቶም ህዝቢ ክበኽዩ ምስ ረኣዮምን ክረድኦም ወሰነ፣ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፣ ናተይ ጉዳይ ኣይኮነን ክብል ይኽእል ኔሩ። እንተኾነ ግን ነቶም ህዝቢ ከድሕኖም ከም ዘለዎ ስለ ዝተረድኦ ቅልጡፍን ተባዕን ስጉምቲ ወሲዱ፣ ካብ ኢድ ጸላእቶም ከኣ ኣድሒንዎም፣ ሰባት ተጸጊሞም ክትርኢ ከሎኻ ይስምዓካዶ? ተባዕን ቆራጽን ስጉምቲኸ ትወስድዶ? ሰባት ብሰይጣን ክጭቆኑ ከለዉ ከማኻ ሓራ ክኾኑ ትደሊዶ?
7. ምሕረተኛ ኔሩ፣ 1ሳሙ.11።12
ኣብ ልዕሊ ዓሞናውያን ድሕሪ ምዕዋቱን ፋሕ ድሕሪ ምባሎምን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ነቶም ንግስነት ሳኦል ዘይተቐበሉ ሰባት ኽቐትልዎም ደልዮም፣ እዞም ክቕተሉ ዝበሃሉ ዘለዉ ሰባት ንሳኦል ዝነዓቑ። ሳኦል ከመይ ኢሉ ኣብ ልዕሌና ይነግስ ዝበሉ እዮም ኔሮም፣ እቲ ዝነዓቕዎን ዘነኣኣስዎን ሳኦል ግን ‘እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትን። በለ’፣ ኣምላኽ እናኣልዓለካ ምስ ከደ ነቶም ዝንዕቁኻ ዝነበሩ እንታይ ትገብሮም? ትቐትሎምዶ ትምሕሮም?
ይቕጽል . . .
መጽሄት መልእኽቲ ቁ.8