ኣታ ትኽ እንተ በልካ ከም ማዕጺድ
ንንጹሃት ከም ልምሉም ሳዕሪ ትዓጽድ
ሓሳባትካ፡ ከም ርሱን ዝውርወር መንትግ
ብኡኡ ድማ ሰባት ከም ፈትሊ ትበትኽ
ኣብዚ ግብሪ ትም ኢልካ ምጽናዕካ
መሲሉካ ድዩ ኣምላኽ ዘይርእየካ?
ወይስ፡ “ኣምላኽ ኣበይ ከይበጽሕ” ኢልካ?
***
ኣታ ትኽ እንተ በልካ ከም ማዕጺድ
ንጻድቃናት ከም ጭቃ መንገዲ ትረግጽ
ውጥናትካ ኣዝዩ ዓሚቑ ሰልሚ
ብኡኡ ኣቢልካ፡ ወሓጢ ቀታሊ ስሚ
ኣብዚ ውጥን ትም ኢልካ ምጽናዕካ
መሲሉካ ድዩ ኣምላኽ ዘይዕዘበካ?
ወይስ፡ “ኣምላኽ ፍትሒ የሎን” እዩ ምጉትካ?
***
ኣታ ትኽ እንተ በልካ ከም ማዕጺድ
ንድኻታት ከም እኽሊ ‘ተኽይድ
ናትካ ግብሪ - ርሱን፡ ጉሁር ሓዊ
ብኡኡ ድማ ትኸውን ቁስሊ ፍጹም ዘይሓዊ
ኣብዚ ግብርኻ ትም ኢልካ ምጽናዕካ
መሲሉካ ድዩ ኣምላኽ ዘይፈዲ ኢድካ?
ወይስ፡ “ኣምላኽ ኣበይ ከየረኻኽበለይ” ኢልካ?
ኣብርሃለይ ሃብተ
14 ለካቲት 2016
ኣምላኽ ኣበይ ከይበጽሕ ድዩ?
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode