እቲ ንስኻ ዝፈጠርካዮ
ብዕላማ ዝደኮንካዮ
ቅድሚ ምስራት ዓለም ዝሓሰብካዮ...
ቢእድካ ዝሰራሕካዮ
ምስትንፋሱ ምስትዉዓሉ
ክሉ ብጥበብካ ዝመልክዓሉ
ሕቁኡ ይህበካ
ካባኻ ዝፈለጠ ስለዝመስሎ
ካብኻ ዝጠበበ
ሑሉፍ ሓሊፍዎስ
ዋላ ብህላዉነትካ ኢዩ ዝተጣራጠረ።ቅልጹሙ ምስተዘርገሐ
ኣፍሉቡ ምስ ተነፈሐ
መልሓሱ መርገም ምስነዘሐ
ኣፉ ኣንጻርካ ምስ ነብሐ
መሓዉሩ ንኽፍ ኣት ምስ መጠጠ
ከብዱ እግሩ ኣብ ዓመጽ ምስ ለጠጠ
ኣእዳዉ ንኽፉእ ምስ ኣቃመታ
ኣጻብዕ ኣእዳዉ ሓጥያት ምስ ዓሞኻ
ንስኻ ካብ ላዕሊ ምስ ኣቆመትካ
ኣርኪቡ ከዉርደካ ዘይምስጸለ።መልሲ ሰማዕኩ፡
"እወ የፍቅሮ፡ እቲ እንኮ ወደይ ዝኾነ ክርስቶስ
ኣብ መስቀል ገንሸል ኮይኑ ክሳብ ዝሕምሸሽ የፍቅሮ።
እወ የፍቅሮ"ንስኻስ ፍቅሪ ኢኻ
ኢለ ይዛዝሞ ብዛዕባኻ።
ዘርኣይ ኪሮስ ኣብርሃም
ነዚስ ተፍቅሮ!
Typography
- Font Size
- Default
- Reading Mode