08
Mon, Sep
0 New Articles

ናይ ዘልኣለም ብርሃንኪ

Literature
Typography

ለይቲ ምስ፡መዓልቲ ክሓስብ ከስተንትን

ንስለ ጓል ህዝበይ እጽሊ እጸውም

ዎ እግዚኣብሄር ጽን በል ውሉዳትካ ጠምት

ንባሮትካ ኣክብ ግበረልና ምሕረት

  

   ናባኻ ክንምለስ ክንሕሉ ትእዛዝካ

       ካብ ምባል ንላዕሊ ክንነብረሉ ቃልካ

       ናብ ከተማ ሰላም ኣክቦ ህዝብኻ

       ጎይታየ ስምዓዮ ጸሎት ናይ ባርያኻ

ጓሂ ልበይ ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ

ምኽኣሉ ስኢነ ካብ ውሽጠይ ገብፊሉ

ከተማይ ፈሪሳ ህዝባ ፋሕ ፋሕ ኢሉ

ባዲማ ተራእያ መናድቓ ዓንዩ

          ኦ ህዝበይ! የሩሳሌም ምእንቲ ክትህነጽ

           ልብና ይንደድ ንስራሕ ዪጽዓት

           ንተንስእ ክንዓዪ መናድቓ ንጸግን

          ህያው ኣምላኽ ሰማይ ጥራይ ዩ ዘቕንዕ

ጭራሕ ምራሕ ሰይጣን ባጫ መላገጽቲ

ጽቡቕና ዘይደልዩ እኩያት ጸላእቲ

ኣዝኒ ኣይንሃቦ ንንቀል ፍሕሶታቶም

የሱስ ምሳናዩ ዘፍሽል ሓሳቦም

            ከተማ የሩሳሌም ጸሓያ በሪቑ

            ዝሰብሐ ብልዑ ዝጠዓመ ስተዩ

             ነቶም ዘይብሎም ዘለኩም ምቐሉ

            ሓጎስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም ከቶ ኣይትጉሃዩ

ናይ ሰላም ከተማይ መጺኡ ብርሃንኪ

ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ

ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ ነገስታት ናብ ምብራቕኪ

ተኣኪቦም ይምጽኡ ኣወዳት ኣዋልድኪ

ክርስቶስ ጥራይ ይኹን ንዘልኣለም ብርሃንኪ

ብሌንዓይኒ እስክንድር