Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home Witness ዜደንቕ ዛንታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ።
ዜደንቕ ዛንታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ። PDF Print E-mail
Article Manager - Witness
Written by Zerai Kiros   
Monday, 11 October 2010 14:26

እዛ ማሕበር እዚኣ ኽትውለድ ከላ ኣዝዩ ዜጨንቕ እዋን እዩ ዝነበረ። እቲ ሓያል ሃጸይ ናፖለዮን ኣብ ኤውሮጳ ብብርቱዕ ሓይሊ ይወርር ነበረ እሞ፣ ሃገር እንግሊዝ ተሸበረት፣ ሰራዊት ኣኽቲታ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ማኒካ ኣሰለፈቶም። ዕስራ ዚኣክል ወርሒ ንሓድሕዶም እናተሓላለዉ ጸንሑ። ኤውሮጳ ድና በቲ ውግእ ብርቱዕ ዕግርግርን ፍልስልስን ኣትይዎም ነበረ እሞ፣ ብርቱዕ ጥሜት ኮነ። እቶም ድኻታትሲ እኳ ዚገብርዎ ጠፊእዎም ነቲ ቕራፍ ኣእቃም ደቑሶም ምስ ሓሪጭ ሓዊሶም ይምገብዎ ነበሩ። ሳዕቤን እዚ ኹሉኸኣ ኣብ ኩሉ ሃገራት ኤውሮጳ ፌራ ኣተወ።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኩሉ ዓለም ኣዝዩ ሒዶት ነበረ። እቶም ሃብታማት እኳ ኣይነበሮምን። ሕጂ ንስኻትኩም፤ በዚ ክፉእ ዘበን እዝስ ከመይ ገይሮም እዮም ነዚ ዕዮ ኪጅምርዎ ዝኸኣሉ፣ትብሉ ትኾኑ። እዛ ማሕበር እዚኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣኼባ 700 ጅኔ (ሽሊንግ፣ 14000) ኣዋጽኤት። እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ዕዮ በቲ ዜሸግር እዋን እቲ፣ በታ ህያው ዝኾነት እምነት ብእግዚኣብሄርን ብሓይሉን እዩ ዝኾነ። ሽዑ ተቐላጢፎም ነዚ ቕዱስ ቃላት እግዚኣብሄር እናሓተሙ ነናብ ዜድልዮም ሃገራት ኪሰድዎ ጀመሩ። ኣቐዲሞም ናብ ወልስ፣ ደሓር ናብ ከተማታት ኢንግሊዝ፣ብድሕሪኡውን ናብ ስኮትለንድን ኣይርለንድን። ቀጺሎምውን ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘርግሕዎ።

ነዚ ግሩም ዝኾነ ዕዮ እዚ ዝሰምዑን ዝረኣዩን ድማ ቅዱስ ምቅጻጽ ተቓጺጾም ነንሃገሮም ዚኸውን ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ተከሉ። ኣዚ ኣብቲ ወንጌላውያን ዝደንፍዕሉ ሃገራት እናቐጸለ ኸደ። ግናኸ በቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኩሉ ሃገራት ገንዘብ ተሳኢኑ እዩ ዝነበረ እሞ፣ እታ ናይ ሎንዶን ማሕበር ንኹለን እተን ዚመስልኣ ማሕበራት ብገንዘብ ደገፈተን። ነንማሕበር ከከም ዚድልየን ካብ 100-1000 ጅኔ ሰደደትለን።

እታ ኣብ ሎንዶን ዝመደበራ ማሕበር ኩለን ኣብያተ ክርስትያን ሓቢረን ዚዓያላ ማሕበር ኣያ እምበር፣ ናይ ሓንቲ ፍላይ ቤተ ክርስትያን ኣይኮነትን። እቲ ጽሩይ ቃል ብሉይን ሓድሽን ካብቲ መሰረቱ፣ ካብ እብራይስጥን ግሪኽን እተተርጎመ ነንህዝቢ በብቓንቓኡ እናሕተመት እያ እትዕድል።

ተመክሮ ኸም ዝመሃሮምል ነቲ መጽሓፍቲ ብኸምኡ ኣብ ክንዲ ምሃብሲ ካብቲ ንምሕታሙን ንምጥራዙን ንምዝርጋሑን ባዕላቶም ዘጥፍኡሉ ዚውሕድ ገንዘብ ኣኽፊሎም ኪሸጥዎ መደቡ። ግናኸ ነቶም ኪኸፍሎም ኪሸጥዎ መደቡ። ግናኸ ነቶም ኪኸፍሉ ዘይክእሉ፣ ኣብ ሆስፒታላትን ኣብ ቤት ምእሰርትን ዚርከቡ፣ ህያብ ገይሮም ይህብዎም፣ ከምኡ'ውን ነቶም ባሕረኛታትን ወተሃደራትን ምሩኻትን ንገሊኡ ኣብያተ ትምህርትን፣ ከከም ዜድልዮ፣ ኣናርኣዩ ብኸምኡ ይህብዎም። እዚ መጽሓፍ ኣዚ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ኩሉ ተስፋን ምጽንናኦን ኣብጽሔ።

ኣብ መጀመርታ፣ ኩሉ እቲ ዕዮ፣ ብዘይ ደመወዝ ብፍቓደኛታት ሰብ ጥራይ ይዕየይ ነበረ። ኣብያተ ዕዮ ኣይነበሮምን እሞ፣ እቲ ዚጠቓለል መጻህፍቲ ኣብ ስድራ ቤት ይስደድ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ብስርዓት ኣዳልዮም፣ ነናብቲ እተመደቦ ሃገራት ይሰድዎ ነበሩ። ጸኒሑ ግና እቲ ዕዮ ስለ ዝነዝሔ፣ ከምቲ ቕድም ዚገብርዎ ዝነበሩ ጌርካ ምዕያይ ዘይኣክል ኮነ። ስለዚ ብመገዲ ንግድ ኣመሓደርዎ።

ኣቶም ኣመንቲ (ናይቲ ዕዮ ፈተውቲ) ካብ ከተማ ናብ ከተማ፣ ካብ ቁሸት ናብ ቁሸት እናገሹ ይሰብኩ፣ ገንዘብውን ይእክቡ፣ ነቲ ገንዘብ ድማ ናብ ሎንዶን ይሰድዎ። በዚ ኸምዚ ኣሽሓት  ዝኾኑ ሓገዝቲ ማሕበር ተረኽቡ። ኣንስቲውን ማሕበራት ተኺለን እቲ ፍረ ኦዮኤን ናብዚ ማሕበር እዚ ይሰድኦ። ቆልዑ ኸይተረፉ ማሕበራት ተኺሎም፣ ነዚ ብሩኽ ዕዮእዚ ዚሕግዙ ብዙሓት እዮም።

እቲ ዕዮ እናበዝሔ ብዝኸደሉ መጠን እቶም ዓየይቲ እናበዝሑ ኸዱ፣ እቲ ዚኣቱ ገንዘብውን እናበዝሔ ኸደ። እቲ ገንዘብ ካብ ድኻታትን ሃብታማትን እተዋጽኤ እዩ፣ ኪኣቱ ኸሎ ኸኣ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ልቡ ኸም ዝተንከዮ፣ በስራዝን ብብሩርን ብወርቅን ኣዩ ዚኣቱ። ከምኡ'ውን ብለበዋ ኣተወፈየ ብዙሕ እዩ።

እቶም ኣብ ኩላ ዓለም ዘለውፈተውቲ እታ ማሕበር፣ ብጸሎትን ምስጋናን ሞባእን ነቒሖም ዚውዕሉላ፣ ኣብ ዓመት ሓንቲ "ሰምበት መጽሃፍ ቅዱስ" እትብዓል ዓባይ በዓል ኣላቶም።

እዛ ማሕበር እዚኣ 1854 .. ማለት ድሕሪ ሓምሳ ዓመት በዓል ምስጋና ኣብዓለት፣ ካልኣይ ሳዕ ድማ 1904 .. ሚእቲ ዓመት ምስ ዓየየት ኣብዓለት። ቀጺሉ'ውን በዚ ዚመጽእ ዘሎ ዓመት 1954 .. ናይ መበል 150 ዓመት ዕዮኣ ኸተብዕል እያ። ነዚ በዓል ኣዚ ዓብዩ ምድላው ትዳሎ ኣላ።

ንሕና ኣብዚ ሃገር እዚ ዘሎና ኻብዛ ማሕበር እዚኣ ኸመይ ዝበለ ዓብዩ በረኸት ከም ዝረኸብና ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፣ ከዘክረኩም ዜድሊ ኣይኮነን። እምበኣርሲ በቲ ዝተቐበልናዮ ብግብሪ ሞሳና ኽንገልጽ ነዚ ዚመጽእ ዘሎ ዓመት ዓብዩ ምስ ንእሽቶ ነዚ ዚመጽእ ዘሎ ዓመት ዓብዩ ምስ ንእሽቶ ንዳሎ።

ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዘመልከትናዮ፣ ኣቲ ዕዮ ማሕበር መ፣ቅ፣ ካብ ዓዲ ኣንግሊዝ ናብ ማላእ ኤውሮጳ ተሰጋገረ።

እቲ ብብዙሕ ገንዘብ ኣኳ ዘይርከብ ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ በብቋንቋኦም ተትርጉሙ ብሒዶት  ገንዘብ ኪረኽብዎ ኸኣሉ። እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበቡ ኸኣ ኣዚ ነገርዚ ነንህዝቦም ከመይ ዝበለ በረኸት ከምጽኣሎም ከም ዚኽእል ተረድኡ ኣሞ፣ ኣብ ዓዶም ማሕበር መጽሕፍ ቅዱስ ተኸሉ። በታ ኣብ ሎንዶን ዘላ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ተደጊፎም ድማ፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሒዶት ገንዘብ ከም ዚረኽቦ ገይሮም ዘርግሕዎ።

ኣዚ መጽሓፍ ኣዚ እግዚኣንሄር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እተዛረቦ ቓሉ እዩ። እቲ ዜንብብ ብምድራዊ ነገር እኳ ምሁር ኣንተ ዀነ፣ ነቲ መንፈሳዊ ህይወቱ ብርሃን ዜብርሃሉስ ኣዚ መጽሃፍ ኣዚ ጥራይ እዩ።

እዛ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ክፋእ ጊዜ ስለ እተወልደት ተገሪምና። ካልኣይ ዜገርም ነገር ከኣ እተን ናብ ዅሉ ዓለም ወንጌል ንምዝርጋሕ ኢለን ዝቘማ ዓበይቲ ማሕበራት ወንጌላውያን ምስዮን ሽዑ እየን እተትኽላ። (ቃል እግዚኣብሄር ኣይእሰርን ዚብል የዘኻኽረና።) እተን ደቂሰን ዝነበራ ኣብያተ ክርስትያናት ተበራበራ። ካብቶም ቃል ኣግዚኣብሄር ዘንበቡ ኽርስትያን መንፈስ ቅዱስ ኣብርሃሎም፣ ነቲ ትእዛዝ መድሓኒና ኺፍጽሙ ድማ ደረኾም (ማቴ፣ßÜÞÜ-ß) ቤቶምን ስድራ ቤቶምን ሓዲጎም ናብቲ ዝጸልመተ ሃገራት ከይዶም ብርሃን ዝዀነ ቓል ወንጌል ነገሩ።

በቲ ጊዜ እቲ፣ ኸምዚ ናይ ሎሚ መኪናታት ኣይነበራን ኣሞ፣ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ሓደ ሃገር ኪገሹ ኸለዉ ኣብቲ ዝደለይዎ ዓዲ ኽሳዕ ዚበጽሑ ንሓንሳእ ኣዋርሕ የድልዮም ነበረ። ኣብቲ ዝኸድዎ ሃገር ከኣ እቶም ገዛእቲ ዀኑ እቶም ገባር ሓንጐፋይ ኢሎም ኣይተቐበልዎምን፣ ኤረ ንብዙሓት ልኡኻት ወንጌል ብሰማእትነት ኣኳ ደኣ ኣሕለፍዎም።

ኣብቲ መጀመርታ መላኽቲ ወንጌል ዝዀነ ሓንቲ ሓጻር ዛንታ ነዘንትወልኩም& ሓንቲ ሃገር ብዙሓት ሰብ ብባርነት ዚጭነቑላ ነበረት። ኣቶም ጐይተት እታ ሃገር ከኣ፣ ብዛዕባ ባርነት ዘይግባእ ከም ዝዀነ ኺሰምዑ ስለ ዘይደለዩ፣ ሓደ ልኡኽ ወንጌል እኳ ከያትዎም ከልከሉ። ሽዑ ገለ ልኡኻት ወንጌል ብገዛእ ፍቓዶም ባሮት ኰይኖም ተሸጡ እሞ፣ ናብታ ሃገር ኣተው፣ ምስቶም ባሮት ተሓዊሶም እናዓየዩ ኸኣ ነቶም ምስኡም ዝነበሩ ባሮት ብዛዕባ ክርስቶስ የዘንትውሎምን ይገልጹሎምን ነበሩ።

እቶም ልኡኻት ወንጌል ኣብ እስያን ኣፍሪቃን ደሴታትን ኣናኸዱ ብዛዕባ መድሓን ዓለም ኣበሰሩ መሃሩ። እዞም ልኡኻት ወንጌል ከኣ ምስ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣናተሰማምዑ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ በብቛንቋኡ ቃል እግዚኣብሄር ንምሃብ ክንደይ ከም ዞኣየዩን ዘስለጡን ቀጺልና ኸነስምዓኩም ኢና። ንሕጂ፣ ቃል እግዚኣብሄር ኣብ ልቢ ሰብ ምስ ኣተወ ዜስልጦን፣ ቃል ኣምላኽ ዝሰኣነ ልቢ ድማ ከመይ ኢሉ ኸም ዚቕነቕን ህጽር ዝበለት ዛንታ እንሃትልኩም።

ሓደ ልኡኽ ወንጌል ኣብ ደቡባዊ ኣፍሪቃ ኺዐዩ ኸሎ& ሓደ መዓልቲ ኣብ ሓደ ኣዝዩ ዝሸምገለ ሹም ኣተወ። እዚ ሹም እዚ ዓይኑ ዕውር ነበረ እሞ፣ ሓደ ቘልዓ ናብኡ እናመጸ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘንበበሉ ተረዲኡ ነበረ። እቲ ልኡኽ ወንጌል ናብኡ መጺኡ ስሙ ኺጽዋዕ ምስ ሰምዔ ተደፋኒቑ ኺበኪ ጀመረ፣ ኢድ እቲ ልኡኽ ወንጌል ሒዙ ኸኣ& ቃል እግዚኣብሄር ብቛንቋና ስለ ዝሃብኩምና ኤመስግነኩም ኣሎኹ፣ ኢሉ ኣማሰወ። ኣብ ምድሪ ዀፍ ኢሉ በጻብዕ ኢዱ መሬት እናተንከየ ኸኣ& ኣነ ድሕሪ ቕሩብ ጊዜ ኣብ መርየት ክምለስ እየ፣ ኣዒንተይ ዕውራት ስለ ዝዀና ኸኣ ብርሃን ጸሓይ ኣይክርእን ኣየ። ግናኸ ብብርሃን እምነተይ የሱስ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣግዚኣብሄር ኣቦ ኰፍ ኢሉ ይርእየኒ ኣሎ። ንሱ ንነፍሰይ ኪቕበላ እዩ።

እቲ ልኡኽ ወንጌል ነዚ ዘይተማህረ ሰብኣይ ሓደ ቘልዓ መጽሕፍ ቅዱስ ብዘንበበሉ እተረድኦን ዝኣመኖን ምስ ረኣየ፣ ልቡ ተተንከየ እሞ እቲ ኣብቲ ሽዑ ዚፍለጥ ዝነበረ ዓለም ዚገዝእ ዝነበረ ስሙይ ሮማዊ ሃጸይ ትራያኖ ኣብ ጥቓ ሞቱ ዝጸሃፎ ተዘከሮ፣ ሃጸይ ትራያኖ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ&

ሞት ቀሪባትኒ እያ እሞ፣ ርእሰይ ዘውዲ ኣይኪድፍኦን እዩ፣ ኣእጋረይ ከሳድ ነገስታት ኣይኪረግጽን እዩ፣ ኣእዳወይ ዘንጊ መንግስቲ ኣይኪጭብጥን እዩ፣ ኣእዛነይ ናእዳ ሰብ ኣይኪሰምዕን እዩ፣ ኣዒንተይ ጽቡቕ ነገር ኣይኪርእያን እየን። ነፍሰይ፣ ነፍሰይ፣ እንታይ ኰን ክትኰኒ ኢኺ?

ኣብዚ ናይ ሎሚ ኣንቀጽና ብዛዕባ እዛ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢትዮጲያ ዝገበረቶ ኸነመልክተኩም ንፈቱ። ኣብ ዛንታ ቤተ ክርስትያን ተረጋጊጹልና ኸም ዘሎ፣ ኢትዮጲያ ብራቦኣይ ዘመን ኣብ ግእዝ፣ ኣብቲ በቲ ዘመንቲ ህዝቢ ኢትዮጲያ ዝዛረበሉ ዝነበረ ቛንቋ ኸም እተተርጐመ ፍሉጥ እዩ። እዚ ዕዮ እዚ ብብዙሓት ከም እተገብረ፣ ካብኣቶም እኳ እቶም ተስኣቱ ቅዱሳት ኣውራታት ምዃኖም ርግጽ እዩ።

እዚ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብ ግእዝ ኣብቲ ንእኡ ኢሉ ብኸመይ ዝበለ ጥንቃቐን ብልሓትን እተዳለወ ብራና ብኢድ ተጻሒፉ እዩ ዚተሓዝ ዝነበረ። ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝነበረ ኸኣ፣ እንኳይርዶ ነፍሲ ወከፍሲ ሃብታም እተባህለ እኳ ኼጥርዮ ዘይክእል እዩ ዝነበረ። ኤረ እተን ዚበዝሓ ኣብያተ ክርስትያንውን ወንጌልን ዳዊትን እንተ ዘይኰይኑ ኣይነበረንን።

ቅድሚ ኵሉ ብዘረባ ግእዝ እተሓትመ መዝሙር ዳዊት እዩ። ንሱ 1513 . ኣብ ሮማ ተሓትመ። ካብቲ እተሓትመ ዳዊት ናብታ ሽዑ ርእሲ ኸተማ ዝነበረት፣ ናብ ኣኵስም፣ ነቲ ንጉስ 200 መጽሓፍ ሰደዱሉ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ኣውራታት ሊቃውንቲ ጸዊዑ ዓደሎም። እቶም ሊቃውንቲ ማሕተምን ወረ ማሕተምን ኣይረኣዩን ኣይሰምዑን ነበሩ እሞ፣ በቲ ሓደ ዝዓይነቱ ትኽክል ዝዀነ ጽሑፍ ተደኒቖም& ከመይ ዝበሉ ጸሓፍቲ እዮም ጽሒፎምዎ? በሉ ይበሃል።

ሕጂ ኣብቲ ቐንዲ ኣንቀጽና ንምምላስ& ቅድሚ 150 ዓመት ኣቢሉ ብሩስ ዚብሃል፣ ኰላል ሃገራት እንግሊዛዊ፣ ኣብ ኢትዮጲያ መጺኡ ነበረ እሞ፣ ኣብ ሮሚ ዚብሃሉ ኢትዮጲያዊ ሊቅ ምስኡ ተተሓሒዞም ግብጺ ኣተዉ። ኣብኡ ኸኣ ሓደ ቘንስል ፈረንሳዊ፣ ብቛንቋ ደቂ ምብራቕ ዚግደስ፣ ናብ ቤቱ ወሲዱ ዓሰርተ ዓመት ከኣ ኣባ ሮሚ በቲ ቘንስል እናተሓገዙ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ግእዝ ናብ ኣምሓርኛ ተርጐምዎ። ኣባ ሮሚ ናብ የሩሳሌም ምስ ከዱ ኣብኡ ሞቱ። ነቲ ንሶም ዝዓየይዎ ብሩኽ ዕዮኦም ድማ፣ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብሓደ ልኡኽ ወንጌል ኣብ እስክንድርያ ኸም ዘሎ ሰሚዓ፣ መጺኣ ተሻየጠቶ። ኣኣሪማ ድማ በብቕሩብ ካብ 1824 ክሳዕ 1840 ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕተመቶ።

እዛ ማሕበር ኣዚኣ ብትግርኛ ሂባትና ኸም ዘላ ትፈልጡ ኢኹም እቲ ነገሩ ድማ ዳሕራይ መዓልቲ ኸነዘንትወልኩም ኢና፣ በቲ ብጰንጠቆስጤ ዝዀነ ተኣምራት ኣግዚኣብሄር ኣንታይ ከም ዝኾነ ፍቓዱ ገሊጹልና ኣሎ። ኣብ ግብሪ ሃዋ.Ö&Ù-ÞÕ ኣንብብ። " በብዘረባኦም ኪዛረቡ ሰሚዕም ከኣ ዚብልዎ ጠፍኦም፣ ከምዚ ኸኣ በሉ& ከመይ ኢልና ደኣ ኵላትና በብቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ኺዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና?" እታ ማሕበር መጽሃፍ ቅዱስ በዚ ቓል ኣዚ ተመሪኻ እያ ትዓ¤ ዘላ።

መጽሓፍ ቅዱስ 1160 ቛንቋ ተትርጉሙን ተሓቲሙን ኣሎ። ካብዚ ተመልኪቱ ዘሎ 818 ብምህዞ እዛ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተተርጐሞ ቛንቃታት ድማ ካብ ሽሕ ዚበዝሕ ኣሎ። ግናኸ በዚ ጊዜ እዚ ንእስ ንእስ ዝበላ ዕስራን ኣርባዕተን ምሕበራት መጽሓፍ ቅዱስ ተተኺለን፣ ምስ እታ ኣብ ሎንዶን ዘላ ሓቢረን ይዓያ ኣለዋ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ& ሓድሽ ህይወት፣ ህይወት ዘልኣለም እንሆልካ፣ ይብሎ፣ ነፍሲ ወከፍ ኪቕበሎ ወይስ ኪኣብዮ ኸኣ ካብ ርእሱ እዩ። ግዳ ኣብዛ ምምዳብ እዚኣ ኺበጽሑ፣ ንሱ ንቓል እግዚኣብሄር በታ እተወልደላ ቛንቋ ኼንብቦ ግዲ ኣድላ¤ እዩ።

ሎሚ ክንምሃር ኢና፣ ዚብል መንፈስ ኣብ ብዓለሙ ተዘሪኡ ኣሎ። እቶም ክርስትና ዘይተቐበሉ እኳ መጽሃፍ ቅዱስ ኬንብቡ ይፈትዉ ኣለው፣ ስለዚ ኸኣ እታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ዝሓለፈ ዓመት ብብዙሕ ቋንቋታት ዕስራን ሰለስተን ሚልዮን (23.000.000) መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዘርግሔት ብሓጐስ ኣመልኪታትና።

ፍቁራት ኣንበብቲ፣ ብዛዕባ እዚ ቅዱስ ዕዮ ኣዚ ብዙሕ ከዘንትወልኩም ምፈተኹ። ግናኸ፣ ከይትደኽሙ፣ ብዛዕባ መበል 150 ዓመት እዛ ማሕበር እዚኣ ኣመልኪተ እድምድሞ።

እዛ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ 17 መጋቢት 1804 . ተወልደት። ከምቲ ዕላምኣ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ በበታ እተወልደላ ቛንቋን በበቲ ኪኸፍሎ ዚኽእል ገንዘብን መጽሃፍ ቅዱስ ኪረክብ ትራመድ ኣላ። ነዚ በዓል እዚ ብምስጋናን ብሞሳን ኬቦልዎ ኣብ ብዓለሙ ይዳለዉ ኣለዉ&

Õ- ምእንቲ እቲ ምስጋናን ቅቡልን ሓቅን ኪኸውንሲ፣ እታ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን፣ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ስድራ ቤት፣ ንዅለን ኣብያተ ክርስትያናት፣ ንዅሎም ክርስትያን ዝዀኑ ህዝብታት ቃል እግዚኣብሄር ኬንብቡን ኪምርምሩን ተዘኻኽር ኣላ።

Ö- ዕዮ እዛ ማሕበር እዚኣ ኣዝዩ ዓብ¤ እዩ& ቅድሚ ዅሉ ነዊሕ ዓመታት ዜድሊ ምትርጓም ኣሎ፣ ብድሕርዚ ንእኡ ዝኸውን ጽቡቕ ወረቐትምግዛእ፣ምሕታም፣ ምጥራዝ፣ ምጥቕላልን ኣብ ሳጹናት ምሕታምን፣ መጐዓዐዚ፣ምዝርጋሑ። ነዚ ዅሉ ብርቱዕ ገንዘብ ከም ዜድልዮ ኣይትስሕትዎን ኢኹም። እዚ ኽነሱ ግን እታ ማሕበር፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምእንቲ ኺረኽቦ፣ ብቐሊል ዋጋ እያ እትሸጦ። እቲ ነዚ እተጸብጸበ ዕዮ ዘጥፍኣቶ ሀንዘብ ሰኣ መን ይኸፍሎ? ነዚ ልቦም ዝተንከዮ ኣብ ብዓለሙ ዘለዉ ፍቓደኛታት ክርስትያን እዮም ዚኸፍልዎ።

እንሆ ድማ ሕጂ ንሕና መተዓይይቲ ኣምላኽ ክንከውን ባዕሉ መገዲ ሂቡና።

ፍቁር ኣንባቢ ነዚ ዕዮ ኣምላኽካ ኽንደይ ክትህብ ትኽእል?

ኤልሲ ዊንኩቢስት።

 

Last Updated on Tuesday, 21 December 2010 03:17
 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
445 0