| ውሕስነት ሓዳር (ሻሙናይ ክፋል) |
|
|
|
| Written by Haniba Daniel | |||
| Saturday, 10 April 2010 19:55 | |||
|
ብዳታን ወዳጁ ትርጉም ብሃ.ዳ
ናይ ጾታዊ ርክብ ኣጀማምራን ኣፈጻጽማን
ቅድመ ምድላው
1. ክልቲኦም እቶም ሰባት፣ ግብረ ስጋዊ ርክብ ናይ ፍቕሪ ዕድመ ምዃኑ ክርድኡ ኣለዎም።
2. ነዚ ድማ ጉልበትካን ጊዜኻን ምቑጣብ።
3. ኣብ መንጐ ክልቴኹም ዘይምርድዳእ እንድሕር ሃልዩ ኰይኑ ተባኢስካ ናብ ዓራት ምድያብ ንርክብ ዓቢ ዕንቅፋት ስለ ዝዀነ ኣቐዲምካ መፍቲሒ ምንዳይ።
4. ምሉእ መዓልቲ ከቢድ ስርሕ ክትሰርሑ እንተ ዊዒልኩም እኩል ዝዀነ ዕረፍቲ መታን ክትረኽቡ ስራሕኩም ቀልጢፍኩም ወድኡ።
5. እቲ ስራሕ ኣዳካሚ እንተ ዀይኑ እሞ ድማ ረሃጽ ዘርህጽ እንተ ዀይኑ ንጽህናኻ ንምሕላው ኣካላትካ ምሕጻብ።
6. መደቀሲ ክፍሊ ብዝግባኣ ከም ዝተታሕዘን ጽሬቱ ከም ዝሓለወን ድማ ምርግጋጽ።
7. መደቀሲ ክፍል ድምጺ ዘይእትው። ካብ ቆልዑን ኣጋይሽን ነጻ ምዃኑ ምርግጋጽ። እዚኣቶም ትኹረት ክንህበሎም ዝግብኣና ቅድመ ምድላዋት እዮም።
ምድላው
1. ዘዕግብ ናይ ግብረ ስጋ ርክብ ንምፍጻም ዝመቸኣ ጊዜ ድሕሪ ድራር ዘሎ ጊዜ እዩ። ስለዚ ክልቴኣቶም ስርሖም ቀልጢፎም ብምውዳኣ ከይደኸሙ ናብ መደቀሲ ክፍሊ ክኸዱ ይግባእ። ኣንስቲ ብዙሕ ጊዜ ብስራሕ ትሑዛት ስለ ዝዀና ስርሓን ከኣ ቀልጢፈን ወዲኤን ኣይድቅሳን፣ እዚ ኸኣ ንሰብኣይ እምብዛ እዩ ዘቖጥዖ። ልቡ እናደለየ ክድቅስ ስለ ዘይክእል ንትርኽ ይፈጥር። ብዛዕባ እዚ ኣንስቲ ጥንቃቔ ክገብሩ ሰናይ እዩ።
2. ብዙሕ ጊዜ ኣወዳት ብምርኣይ ስሚዒቶም ስለ ዝቕስቀስ ኣንስቶም ድማ ጥርሐን ኰይነን ክርእይወን ስለ ዝደልዩ ኣንስቲ ከምኡ ክገብራ ፍቓደኛታት ክዀና ይግባእ።
3. ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ናይ ኣዴታተን፣ ጥንስን፣ ምጥባውን፣ ናይ ገዛ ዕዮን ዝተላዕለ ከም ናይ ደቂ ተባዓትዮ ቀሊጡፉ ስሚዒተን ኣይለዓዓልን እዩ። ካብዝ ወዓለኦ ናይ ሓሳብ ጽዕነት ኣውጺኦም ናብ ፍቕሪ ዓለም ከእትውዎንን፣ ንናይ ግብረ ስጋ ርክብ ድማ ድልዋት ክገብርወንን ብዝሕ ጥንቃቐን ሓገዛን ክገብሩለን ይግባእ።
4. ናይ ደቀ ኣንስትዮ ናይ ጾታዊ ርክብ ስሚዒት ዝለዓዓል ብምርኣይ ዘይኰነስ ብምትንካፍ ስለ ዝዀነ፣ ሰብኡት ነንስቶም ሑቑፍ ኣቢሎም ብምስዓም፣ ነቲ ልሱሉስ ቆርበተን ድማ ብልሱሉስ ኣእዳዎም ብምድህሳስ፣ ናይ ፍቕሪ ዘረባ ብምዝራብ፣ ኣብቶም ኣዚዮም ስሚዒታውያን ዝዀኑ ጫፍ ኣጡባተንን፣ ኣብ ካልኣ ኣካላተን ቀስ ኢሎም ብምትንካፍ ክሕግዝዎን ይኽእሉ እዩም።
5. ናይ ኣካላት ምትንኻፍ ንምውዕዓይን ንስሚዒትካ ድማ ንምቕስቃስ ስለ ዝሕግዘካ ክልቲኦም ጥርሖም ኰይኖም ክተሓሓቖፉ ይግባእ።
6. ሰብኡት ከምዚ ክገብሩ ከለዉ ናይ ኣንስቶም ናይ ስብነተን ሙቑት ብምሕላውን ኣብ ገጸንን ዓይነን ዝረኣ ለውጢ ብምሕላው፣ ብልዕተን ብዝግባእ ፈሳሲ ከም ዘፍሰሰን ናይቲ ሰብኣይ ብልዕቲ ድማ ክኣቱ ድልዊ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጹ ርክብ ክፍጹም ይግባእ።
7. ደቀ ኣንስትዮ ካብ ምንቅስቓስ ንላዕሊ ዝፈትውኦ ጸወታ ስለ ዝዀነ ሰብኡት ቀስ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ተቖጻጺሮም ብምንቅስቓስ፣ ውሽጣዊ ድፊኢት ምስ ዘሸግሮም ንስሚዒቶም ከዛንይዎ ይግባእ። ብዝተኻእለ መጠን እቲ ርክብ ንንውሕ ዝበለ ጊዜ ተዀነ ይምረጽ።
8. እቲ ርክብ ባህ ዘብልን ዘዛንን ክኸውን እንተ ተደሊዩ ናይ ኣደቓቕሳ ማዕዝን ወይ ፖዝሽን ምቕያር ይከኣል እዩ። ከይብሉንን ምትሕፍፋርን ብፍጹም ክርሕቕ ኣለዎ።
9. ናይ ደቀ ኣንስትዮ ስሚዒት፣ ሕማም ወይ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ወይ ቅሬታ ከጋጥሞ ከሎ ልክዕ ከምቲ ናይ ሙቐት መዐቀኒ ቴርሞ ሜትር ክወርድን ክድይብን ስለ ዝክእል ሰብኡት ኣብ ዘረብኦም ይኹን ኣብ ተግባራቶም ብርቱዕ ምጥንቃቕ ክገብሩ ኣለዎም።
10. ናይ ክልቲኣቶም ስሚዒት ጠርዙ ምስ በጽሓ ንገዛእ ርእሶም ክቆጻጸሩ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃ ምስ በጽሑ፣ ነቲ ናይ መጨረሻ ኣፈጻጽማ ንኽዘራረቡ ክዳለዉ ይግባእ።
11. ናይ ክልቲኦም ስሚዒት ጠርዙ ምስ በጽሐ ብሓባር ብምንቅስቓስ ብማዕረ ከም ዝዓገቡ ምርግጋጽ። ድሕሪ ዕግበት ናይ ወዲ ስሚዒት ቀልጢፉ ናይ ምዝሓልን ምውራድን ባህሪ ስለ ዘለዎ፣ ናይ ደቀንስትዮ ስሚዒት ግና ቀልጢፉ ክዝሕልን ክወርዱን ግዜ ስለዘድልዮ ቀልጢፍካ ምውጻእ ንስሚዒት ደቀንስትዮ ስለ ዝጐድኦን፣ ንቑሩብ ደቓይቕ ተሓቛቒፎም ምጽናሕ ንመጻምድትካ ሓጐስ ይውስኸላ እዩ። ርክብ ምስ ወደኣ ድማ ትስዕዕም ኣቢሎም ንቑርብ ደቓይቕ ተሓቝቒፎም ምድቃስ ነቲ ሃዋህው ምልኣት ዘለዎ ይገብሮ እዩ። ቐልጢፎም እንተ ዘይደቂሶም ከኣ ብዛዕባ ኣብ ርክቦም ቅር ዝበሎም ነገር እንተ ሃልዩ ተዘራሪቦም ብምስትኽካል ንዝመጽእ ምድላው ክዳለዉ ይከኣል እዩ።
ድሕሪ ሾመንተ ዓመት
ብዛዕባ ኣብ ስኣሊ ኣርባዕተ ብዝምልከት ሓደ ጊዜ ኣብ ክፍለ ሃገር ብምኻድ ዝሰማዕክዎ ሓደ ዕላል ከዕልለኩም። “ጐሮቤት ክሕመ ናትየ ኢልካ ስማዕ” ከም ዝበሃል! ምስቲ ምሳይ ከፍ እሉ ዝነበረ ሰብ ከይተዘራረብና ከይተፋለጥናን ንነዊሕ ኪሎ ሜትራት ተጋዒዝና ኣብ ሓደ ከተማ በጻሕና። ካብኡ ቁርሲ ብልዑ ስለ ዝተባሃልና፣ እቲ ኣብ መኪና ዝነበረ ኩሉ ተጓዓዛይ ወሪዱ ናብ ዘዝጥዕሞ ቤተ ምግቢ ከደ።
ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት እቲ ጉዑዞ ምስ ተጀመረ ምስቲ ምሳይ ኰፍ ኢሉ ዝነበረ ሰበ ተላለና። ድሕሪኡ ቀስ ብቐስ ካብ ምፍላጥ ሓሊፍና ቋንቋና ሓደ ክኸውን ጀመረ። እቲ ዘገርም ንሱ እውን ክርስትያን ኔሩ ማለት እዩ። መንፈስ ምስ መንፈስ እናተወሃሃደ ምስ መጸ ልቢ ንልቢ እናተቀራረበና ስለ ዝመጻና ብዙሑ ከይጸናሕና ብዙሕ ዕላላትን ምስከርነታትን ከነውሪ ጀመርና። ናይ ራኢ ነገር ኰይንኒ ድማ ድነገት ብዛዕባ ሓዳርን እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝኣዘዘ በረኸታት ክዛረብ ምስ ጀመርኩ እቲ ብጻየይ ብተመስጦ ክሰምዓኒ ጀመረ። ብምርኻብና ድማ ንኣምላኽ ኣዚዩ ከመስግኖ ጀመረ።
ብምግራም ብዙሕ ምስ ሰማዓኒ ብተርኡ ሓደ ነገር ክምስክረልካ ስለ ዝበለኒ ብጽሞና ክሰምዖ ጀመርኩ። ድሕርዚ ከምዚ እናበለ ምስክረነቱ ክነግረኒ ጀመረ። “ሐደ ጊዜ ኣነን በዓልቲ ቤተይን ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተጓዓዝና ከሎና ስለ ዝመሰየና፣ ኣብ ሓደ ከተማ ዓራት ሒዝና ደቀስና። ድሕሪ ምድቃስና ድማ ኣብቲ ዝነበረና ናይ ፍቕሪ ጊዜ፣ ድሕሪ ሾመንተ ዓመት ንፈለማ ጊዜ እስከ ሕጂ ንሰዓዓም ምስ በልክዋ ብጣዕሚ ሓፈረት። እንተኸነ ፍቓደኛ ስለ ዝዀነት ተሰዓዓምና እታ ምሸት ድማ ኣዚያ ጽብቕቲ ናይ ፍቕሪ ጊዜ ኰነትልና” ብማለት ንኣምላኽ ኣመስገነ። ኣነ እውን ብወገነይ እዚ ብጣዕሚ ሰናይ እዩ ብምባል ብዛዕባ እታ ዝነበረቶም ፍሊቲ ምሸት ንኣምላኽ ኣመስገንኩ።
እንተዀነ “ሸሞንተ ዓመት” ዝብል ቃል ኣብ ኣእምሮይ ክቓጭል ጀመረ። ብልበይ ድማ ሸሞንተ ዓመት እንታይ ይገብሩ ኔርም ኢለ ሓሰብኩ? ብኸመይ ከ ኣሕሊፎሞ? ኢለ ክሓትት ጀመርኩ። ብዛዕባ እዚ ሕቶታት እዚ እቲ ሓው መልሲ ክህበኒ ደለኹ ግና ከይስከፍ ኢለ ስቕ በልኩ። ከም ዝነገረንን ዝረኣኽዎን እንተ ዀይኑ ዘመናውን ጽቡቕ ናብራ ዝነበሮ ወዲ ኸተማ እዩ ኔሩ። እቲ ዘገርም ግና ምስ ሰበይቱ ዝነበሮ ርክብ ከመይ ዘሕዝን ከም ዝነበረ ንምግማቱ ኣየሸግርን እዩ። እታ መስኪን ሰበይቱ ንሸሞንተ ዓመት እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዘሕለፈትን ዝነበራ ናይ ውሽጢ ጽማኣት ክትግምቶ ከለኻ ልኽዕ ከምቲ ንዘመናት ዝናብ ዘይሃረሞ ምድረ በዳ ትመስል።
ኣብ ሓደ ናይ ምምኻር ኣገልግሎት ነዚ ዝሰምዓት ሓንቲ ትርጉም ሓዳር ዝተረድኣ ሓፍቲ ከም ሓደ ንነዊሕ ጊዜ ቲኽቲክ ዘበልካያ ብርቱዕ ሰሓቕ እናሳሓቐት “ እዚ ድኣ መዓስ ሓዳር ኰይኑ ብህይወት ከለኻ ሞት ዘይኰነን?” ኢላ ብምግራም ተዛረበት። በዚ ዓይነት መንገዲ እንተ ርኢናዮ ናይ ብዙሓት ሓዳር ብናይ ሞት መግነዝ ዝተገንዘ ወይ ከኣ ናብ ሞት ገጹ ዝጓዓዝ ከም ዘሎ ንምግማቱ ኣየሸግርን እዩ።
ንብዙሓት ኣባይቲ ዘፍርስ ዘሎን ዓውደ ኩናትን ባእስን ከኣ ዝገብር ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ እንተ ተባህለ ብዝሓት ኣንስቲ፣ ብፍቕሪ ሰብኡተን ይዓግባ ስለ ዘየለዋ ጥራይ እዩ። እቲ መፍቲሒ፣ ዝሓለፈ ሓሊፉ እዩ እሞ፣ ከምቲ ማርያምን ማርታን ሓወን ኣልኣዛር ምስ ሓመም ናብ የሱስ ልኡኽ ዝለኣኻ እሞ የሱስ መጺኡ ነቲ ምውት ህያው ዝገበሮ፣ ሎሚ እውን ንሕና ነቲ ዝሞተ ሓዳርና ሒዝና ናብ የሱስ ንምጻእ እሞ ንሱ ድማ ነቲ ዝሞተ ህይወት ክዘርኣሉ እዩ
ናይ ደቀንስቶዮ ወርሓዊ ጽግያት ጥዕና ዘለዋ ጓለ ኣነስተይቲ ኣብ 28 መዓልቲ ኩሉ ጊዜ ጽግያት ወይ ማኒስትረሽን ይመጻ። ብገምጋም ድማ ንሓሙሽተ መዓልታት ይጸንሕ። ካብቲ ደም ምፍሳስ ዝጀመራ ቀዳማይ መዓልቲ ክሳብ እቲ ደም ዘቛርጻ ሓሙሻይ መዓልቲ ጹቡቕ ስለ ዘይስምዓ ንርክብ ድልውቲ ኣይትኸውንን እያ። እዚ እዋን እዚ ንጽሬት ተዀነ ኣውን ዝሰማማዕ ስለ ዘይኰነ እቲ ርክብ ምሉእ ብምሉ ክቋረጽ ጹቡቕ እዩ።
ኣብቲ ስእሊ ከም ዝርኣናዮ ካብ ሻዱሻይ መዓልቲ ክሳብ ዓስራይ መዓልቲ ዘሎ መዓልቲ ነጻ ጊዜ እዩ። ካብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ክሳብ መበል ዓሰርተው ሸውዓተ ዘሎ መዓልታት ሓደገኛ ጊዜ ወይ ዳንጀሮስ ፔሬድ ይባሃል። እዚ ድማ ጥንሲ ዝተሓዘሉ ጊዜ ስለ ዝዀነ እዩ። ናይ ጓል ኣንስተይቲ ዘራኢ ካብ እቲ መፈልፈሊ እንቃቑሖ (ኦቫሪ) ኣብ መበል 14 መዓልቲ ከም ዝወጽእ እዩ ዝግመት። ናይ ወዲ ተባዓታይ ዘርኢ ንሰለስተ መዓልቲ ወይ ን 72 ሰዓታት ናይ ምጽናሕ ተኽእሎ ስለ ዘለዎ እቶም ጥንሲ ክከላኸሉ ዝደልዩ ሰባት ኣብዘን ማዓልታት ማለት ካብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ክሳብ መበል ዓስርተው ሸውዓተ ዘሎ መዓልታት ክጥንቅቑ ይግባእ ማለት እዩ።
ካልእ ኣብዘን ሓደገኛ ናይ ጥንሲ ጊዜ ዝበሃላ መዓልታት እታ ጓል ኣንስተይቲ ፈሳሲ ስለ ዝፈሳ ኣብ ማሕጸናን ከባቢ ሕቖኣን ቃንዛ ይስምዓ። ንርክብ ዘለዋ ድሌት ድማ ዝሕይለሉ ጊዝያት እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዝግበር ስጋዊ ርክብ፣ ጥንሲ ከስዕብ ይኽእል ተባሂሉ ኣኳ እንተ ተፈርሐ ድሌት ናይታ ሰበይቲ ንምዕጋብን ነቲ ዝስምዓ ዘሎ ቃንዛ ድማ ንምጥፋእ ዝለ ዝሕግዝ ብዝተኻእለ መጠን ተዘራሪብካን ተረዳዲእካን እቲ ኣድላይ ነገር ምፍጻም ኣድላይነቱ ካብ ዝዀነ ንላዕሊ ዕዙዙ እዩ።
ጓለ ኣነስተይቲ ልክዕ ከምቲ ወዲ ተባዓታይ ክትዓግብ ትኽእል ዶ? እንተዀይኑስ ብኸመይ?
መልሱ እወ ትዓግብ እያ ዝብል እዩ። ብኸመይ? ንዝብል ሕቶ መልሱ ናይ ቅድመ ምድላውን ኩነታትን ምስ ዝምችኣላ ልኽዕ ከም ወዲ ክትዓግብ ትኽእል እያ። ወዲ ክዓግብ ኣብ ማህጸን ጓል ኣንስተይቲ ፈሳሲ የፍስስ ወይ ይኹዑ። ናይ ጓል ኣነስተይቲ ብልዕቲ ብፈሰስቲ ዝሓዙ ተረርቲ ሰራውር ዝተሓጽሩ ስለ ዝዀኑ፣ ኣብ ጊዜ ርክብ እቶም ሰራውር ይውጠሩ እሞ ኣብቲ ናይ መጨረሻ ደርጃ ስምዒት ምስ በጽሓት እቶም ሰራውር ተወጢሮም ፈሳሲ ይኽዕዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ብልዕቲ ናይታ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ምጽባብ ተርእዮ ብምርኣይ፣ ካብቲ ወዲ ናብ ማህጸን ዝፈሰሰ ዘርኢ ድማ ብኸፊል ናብ ውሽጢ ይስሕቦ። ኣብዚ ጊዜ እቲ ወድን ጓልን ኣብ ፍጹም ዝዀነ ናይ መንፈስን ኣእምሮ ዕረፍቲ ይኣትዉ።
ጓል ድሌታ ከይለዓዓልን ኣብ ርክብ ግብረ ስጋ ድማ ብንጥፈት ንከይትሳተፍ ከኣ ተጽዕኖ ዝገብረለን ነገራት ብሓፈሻ እኳ ርኢና እንተዀና እቶም መሰረታውያን ዝዀኑ ጸገማት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1. ምስ ሰብኣያ ዘለዋ ፍቕሪ ዝሑል እንተ ዀይኑን ብሓፈሻ ድማ ብናብራኣ ሕጉስቲ እንተ ዘይኰይና።
2. ጥዕና እንተ ጐዲልዋ።
3. ካብ ብዝሒ ስራሕ ዝተላዕለ ናይ ኣካልን ኣእምሮን ድኻም እንተ ሃልይዎ።
4. ርክብ ግብረ ስጋ ክንዲ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ከም ግዴታ ወይ ዕዳ ዀይኑ ክስማዓ ከሎ።
5. እቲ መደቀሲ ክፍሊ ምቹእ ምስ ዘይከውን።
6. ናይ ጥንሲ ፍርሒ እንተ ድኣ ሃልዩ ኰይኑ ናይታ ጓል ስሚዒት ክዝሕ ወይ ክጠፍእ ይኽእል እዩ።
ጓለ ኣንስተይቲ እንተ ዘይዓጊባ እንታይ ትኸውን?
1. ሰበይቲ ብርክብ ግብረ ስጋ እንተ ዘይዓጊባ ኣብ ጠርዚ ስሚዒት በጺሓ ካብ ውሽጣ እቲ ናይ መጨረሻ ፈሳሲ እንተ ዘያኣፍሲሳ ኣዚያ ስለ ትበሳጮ፣ ናይ ልቢ ዕረፍትን ሰላምን ኣይህልዋን።
2. ብዙሑ ጊዜ ንምዕጋብ ፈቲና እንተ ዘይተዓዊታ፣ ስሚዒታ ሙሉእ ብምሉእ ስለ ዝጠፍእ ንግብረ ስጋዊ ርክብ ግዲ ዘይብላ ትኸውን ወይ ድማ ፍትሕ ትመርጽ።
3. ኣብ ጊዜ ርክብ ተሳታፍነት ኣይህልዋን።
4. ብሰንኪ ኣብ ውሽጣ ዝፍጠር ጭንቀት ሕማም ርእሲ፣ ደም ብዝሒን ካልእ ሕማምን የጥቀዓ። ናይ ብዙሓት ደቀንስትዮ ጠንቂ ሕማምን ጭንቀትን ሳዕቤኑ ብዙሕ ጊዜ እዚ እዩ። ናይ ጭንቀት ቀንዲ ምኽንያት ብሰንኪ ስሚዒታዊ መጉዳእትን ናይ ኣእምሮ ዕረፍትን ሰላምን ምስኣን ምዃኑ እዮም ሰበ ምያ ሕክምና ዝዛረቡ። ስለዚ ሰብኡት ኣብዚ መዳይ እዚ ዓቢ ሓላፍነት ከም ዘለዎም እንተ ዘይዘንጉዑ ሰናይ እዩ።
ሰበይቲ ኣብቲ ጾታ ርክብ ትደልየሉ እዋን እንታይ ክትገብር ኣለዋ?
“ሰበይቲ ሰብኣያ ኣምበር ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ። ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ ሰበይቱ ደኣ እምበር ኣብ ገዛእ ስጉኡ ኣይመልኽን እዩ” 1ቆሮ 7፣4። ከም ኣበሃህላ መጽሓፍ ቅዱስ ክልቲኣቶም ክሓቱን ክሕተቱን ማዕረ ዝዀነ መሰልን ሓላፍነትን ስልጣንን ኣለዎም። ናብዚ ደረጃ ክበጽሑ ግና ኣቀዲሞም ንድሌታቶምን ሓሳባቶምን ከማዕብልዎን ከዕብይዎን ይግብኦም እዩ። ሰበይቲ ብቓል ጌራ ንምግላጽ እንተ ተሸጊራ ግና ንገዛእ ርእሳ ኣወቂባን ኣመልኪዓን ከተቕርባ ይግባእ። ካብ ቃል ዝገልጾ ንልዕሊ ኩነታት ዝዛረቦ ከም ዝዛይድ ተገንዚበን፣ ነዚ ሜላ እዚ ምጥቃም ከኣ ነቲ ዘለወን ሕቶ መልሲ ምዃኑ ክርደኣ ይግባእ።
ካብ ሕጸ ጀሚርና ክሳብ ኣብ ሓዳር ዘጋጥሙ ብድሆታትን ጸገማትን ብመጠኑ ክንድህስሶም ፈቲና ኣሎና። ብኣንጻሩ ኸኣ ንነፍስ ወከፍ ኣብ ሓዳር ንዝርኣዩ ጸገማት መፍቲሕታቶም ብውሕዱ ሪኢና ኣሎና።
ነዚ ዘመሓላለፍንዮ መልእኽቲ ተቐቢሎም ብመንፈስ ኣምላኽ ተደጊፎም ተግባራዊ ክገብርዎም እንተ ዘይፈቲኖም ግና፣ ፈትዮም ጸሊኦም ኣብ ቅድሚኦም ዝተደቀነ ሓደ ምርጫ ጥራይ እዩ ዘለዎም። እዚ ድማ ነቲ ብብዝሑ ጻዕርን ድኻምን ዝተመስረተ ሓዳር ኣብ ጸጣሕ ምድሪ ደርቢኻ ዘርሞ ዘርሞ ምትራፉ ጥራይ እዩ።
“ፍትሕ” ማለት ንባዕሉ ካብ ጻሕ ዝበለ መሬት ተፈልዩ ኣይረኣን እዩ። ርእሱ ዝኸኣለ ናቱ ናይ ህየወት ገጽታ ምዕራፍ ኣለዎ። ምናልባት ብሰንኪ ኣብ ወሽጢ ሓዳር ዘሎና ቑስልን ምረትን ዝተላዕለ ስለምንታይ ዘይንፈላለ ዝብል ቃል፣ ከምቲ ንሓስቦ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ ሓዳርና ናብቲ ዝፈረሰን ዝተበላሸወን ወገኑ ጥራይ ክንጥምት ኣብ እንፍትነሉ እዋን ከምቲ ሰይቲ ሎጥ ናብ ድሕሪት ጠሚት ዓንዲ ጨው ዝተለወጠት እሞ ብኡኡ ዝጠፈኣት፣ መወዳእታ ድማ ከም ናታ ኽከውን ከምዝኽእል ፈሊጥና ብኣግኡ እንተ ተጠንቐቕና ሰናይ እዩ። ከምቲ ብዛዕባ መርዓ ዝርኣናዮ ሕጂ ድማ ብዛዕባ ሳዕቤን ምፍራስ ሓዳር ክንሪኢ ኢና።
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...