Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home Social Issue Singles & Family ውሳኔ ዝመልኦ ሓዳር (ቐዳማይ ክፋል)
ውሳኔ ዝመልኦ ሓዳር (ቐዳማይ ክፋል) PDF Print E-mail
User Rating: / 0
PoorBest 
Written by Haniba Daniel   
Tuesday, 12 May 2009 12:04

 ህይወት ሰብ ኩሉ ብውሳኔ ዝተኸበን ዝተሓጽረን እዩ። ሰብ ኣብዛ ምድሪ ክንብር ከሎ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝውስኖ ውሳኔታት ኣሎ። ናብርኡ ኩሉ ዘመኑ ብምልኡ ኸኣ ውጺት ናይ ውሳኔኡ እዩ። ሰብ ካብቲ ዝወሰኖ ንላዕሊ ኮይኑ ክነብር ኣይክእልን እዩ። መምዘኒ ሰብ እቲ ዝገብሮን ዝፍጽሞን ውሳኔ እዩ። ካብ ፍጥረት ጀሚሩ እዚ ዓይነት መሰል ንሰብ ካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ህያብ እዩ። ሰብ ናይ ምውሳን ዓቕሙ ሙልኡ እዩ እንታይ ዓይነት ውሳኔ ይውስን ግና እቲ ምርጫ ናቱ ይኸውን ማለት እዩ። ሰብ ካብ እንታይ ይበልዕን ይሰርሕን ንላዕሊ ናይ ዝተፈላለየ ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ንምምራጽ ዓቢ ክእለት ዘለዎ ፉጡር እዩ። መሰረት ውሳኔና ኩሉ ግዜ  ንመጻኢ ህይወትናን ንውሕስነትናን ንድልዳለ መንፈሳዊ ህይወትናን ኣዚዩ ወሳኒ እዩ።

 

ሎሚ እምበኣር ንሰብ ሓዳር ዝምልከት ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ ናይ ሓደ ናይ ውሳኔ ህይወት ዝነበሮ ሰብ ክንሪኢ ኢና። ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎና ፉጡራት ኣብ ቅድሜና ዝተገተረ ናይ በረኸትን መርገምን ናይ ጽድቅን ሓጥያትን ናይ ምእዛዝን ምንጻግን ኮታ ክልተ ተቓራኒ ዝዓይነቱ ምርጫታት እዩ ተዳሊሉና ዘሎ። ሰብ ካብ ክልተ ነገር ሓደ ጥራይ እዩ ክመርጽ ዝኽእል። ሎሚ እንታይ ዓይነት ውሳኔ ንውስን ብኸመይ ንውስን እቲ ስልጣን ናትና እዩ።

ኣመንቲ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኩሉ ግዜ ክንፈልጦ ዘሎና ነገር እንተ ሃልዩ ውሳኔና ኩሉግዜ ካብዚ ናይ ምድሪ ዝሓለፈ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺኡ ኸኣ ንኣምላኽ ዘማእከለ ክኸውን ኣለዎ። ከም ቤተሰብን ሰብ ሓዳርን እውን እንተ ኾነ ውሳኔና ኩሉ ከመይን እንታይን ክኸውን ከም ዘለዎ ክንፈልጥ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። እምበኣር እስከ ናብቲ ሎሚ ክንርእዮ ዝሓሰብኩ ሰብ ክንከይድ።

ሎም ብዛዕባ ህይወቱ ኹሉ ብውሳኔ ዝተመልኣ ሰብ ክንሪኢ ኢና ንሱ ኸኣ ኣቦና ኣብርሃም እዩ። ኣቦና ኣብርሃም ካብ ዝተጠቕሰላ ምዕራፍ 12 ዘፍጥረት ጀሚሩ ክሳብ እታ ህይወቱ ኣብዛ ምድሪ ተብቃዓላ ኩሉ ናብርኡ ናይ ውሳኔ ህይወት እዩ ኔሩ። ኣብርሃም ኣብ ህይወት ዘመኑ ዝወሰኖ ውሳኔ እኳ ብዙሕ እንተ ኾነ ንሎሚ ግና ገል ሰለስተ ነጥብታት ክንሪኢ ኢና።

1 ኣብርሃም ክፍለ ወሲኑ

"እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ... ኣብራሃም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ..." ኣምላኽ ንኣብርም ምስ ጠመቶ ንበይኑ ክኸውን ደሊዎ። ብኣብርሃም ከኣ ክኸብርን ክዓይን ደልዩ። እዚ ቅድሚ ምኻኑ ግና ኣብርሃም ሓደ ነገር ክገብር ኔርዎ። ንሱ ኸኣ ካብቲ ዝነበሮ ምድርን ዓሌትን ክፍለን ክወጽእን ኣለዎ። እዚ ከተንብቦ ኢኻ ቀሊል እምበር ኣብ ህይወት ተግባራዊ ክትገብሮ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብራሃም ካብታ ምድሪ ክወጽእ ከሎ ወዲ 75 ዓመት ከም ዝነበረ እዩ ቃል ኣምላኽ ዝነግረና።

ንሕሰቦ እዚ ኣብርሃም ምስታ ምድሪ ምስቲ ዓሌት ምስቲ ህዝቢ ዝነበሮ ምቅርራብ ከመይ ዓቢ ከም ዝነበረ ፉሉጥ እዩ። ግና ኣምላኽ ካብኡ ክፍለ ደሊዎ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ጥራይ ከምኡ ይበሎ እምበር እዚ መልእኽቲ እዚ ንሳራ እውን ይምልከታ እዩ። ነዚ ነገር እዚ ግና ከመይ ኢሉ ክኸውን ኢሎም እምቢታ ኣይስምዑን። ኣብርሃም ክፍለን ክወጽእን ወሲኑ እዚ መንገዲ እዚ ኸኣ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ መዓረ ኽንደይ ዓርፋፍ ጎደና ከም ዝነበሮ ብዘየገድስ ግና ንበረኸትን ንምድሓንን ኮይኑ።

ሎሚ ከም ቤተሰብን ሰብ ሓዳርን ኣምላኽ ንልብና ካበይ ክንወጽእን ክንፍለን እዩ ዝነግሮ ዘሎ? ብዙሕ ግዜ ንዓና ባህ ዘብለና ንኣምላኽ ግና ባህ ዘየብል ነገር ኣብ ውሽጢ ቤትና ሓቒፍና ክንመላለስ ንኽእል ኢና እዚ መወዳእትኡ ዕንወት እዩ። ኣምላኽ ከኣ እዚ ስለ ዝፈልጥን ዝርድኣን ኣቐዲሙ ካብዚ ክንወጽእ ዝእዝዘና ዘሎ።

 ንኣምላኽ ምንባርን ንዕኡ ጥራይ ክትነብር ምውሳን ኣብዛ ምድሪ እቲ ዝበለጸ ውሳኔ እዩ። እያሱ እቲ ዓቢ ናይ ኣምላኽ ስብ ኣብ መደምደምታ ህይወቱ ዝወሰኖ ውሳኔ እዚ እዩ እቲ ቓል ከምዚ ይብለና "ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፍኡ ኮይኑ እንተ ተራእይኩምሲ ንመን  ከም እተገልግሉ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንይዉ ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘለኹም ኣሞራውያን? ሎሚ ሕረዩ ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል" እያሱ 24።15። ዘገርም ውሳኔ እያሱ። ንሱ ምስ ቤቱ ሓደ ውሳኔ ወሲኑ ንኣምላኽ በይኑ ክነብር ንዕኡ ከገልግል። እያሱ ነቶም ህዝቢ ምርጫ ሂብዎም እዩ።

እስከ ናብ ገዛእ ርእስና ንመለስ ብፍላይ ከም ሰብ ሓዳር ንህይወትና ንፈትሽ። ንመን ኢና ንነብርን ንገልግልን ዘሎና። ንሕና ንኣምላኽ ንፈልጥ ኢና እንብል ቤተሰብ ካብተን ኣብ ዙርያና ዘለዎ ቤተሰብ ብምንታይ ንፍለጥን ንፍለን? ኣብ መንጎ እተን ንኣምላኽ ዘይፈልጣ ቤተሰብን ስድራን እና ተቐመጠና ናብራና ከመይ ክኸውን ንውስን? ኣምላኽ ብኣብርሃምን ሳራን ንዓለም ንበረኸት ዝኾነ ንዕኡ ንበይኑ ስለ ዝተፈልዩ እዮም። ንሕና ኸኣ ንጎረባብትና ንቤት ኣምላኽን ንሃገርን ከም ቤተሰብን ሰብ ሓዳርን ንበረኸትን ንፈውስን ክንከውን ዝተጸዋዕና ሰባት ኢና ይኹን እምበር እዚ ነገር ክኸውን ከም ኣብርሃም ክንፍለ ከም እያሱ ኸኣ ንመን ከም እንነብር ክንፈልጥ ይግብኣና።

ናትና ናይ ኣመንቲ ስድራ ብኹል ኣካይዳናን ኣነባብራናን ፍልይቲ ክትከውን ኣለዋ። ኣብርሃም ኣብ ማእከል እቲ ጣኦታት ዘምልኽ ህዝቢ ኮይኑ ንኣምላኽ ከስምር ኣይክእልን እዩ ክፍለ ኣለዎ። ንኽፍለ ኸኣ ተበግሲኡ። ኣብ ሃገር ውድቅት ዝመጽኣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ከኣ መርገም ዝስዕብ እቶም ሰብ ሓዳር ንኣምላኽ ምንባርን ምፍላይን ሓዲጎም ኣብ ዋኒን ገዛእ ርሶም ከተኩሩ ከለዉ እዩ።

ሎሚ ደጊምና ንኣምላኽ ንሕተቶ ካብይ ክፍለ ትደልየኒ ኣለኻ? ምንላባት ኣብዚ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዘመን ከም ኣብርሃም ካብ ቦታ ናቦታ ተፈለዩ ከይንብሃል ይከኣል እዩ ግናኸ ካብቲ ኣብ ውሽጢ ልብና ተዶጊሉ ዘሎ ድጉል ባህግን ዊንታን ክንፍለ ግና ናይዚ ዘመን እዚ ሕጊ እዩ። ኣምላኽ ንኣብርሃም ካብ ኣዝማዱን ዓሌቱን ዘውጾ ንሓደ ምኽንያት እዩ። እሱ ኸኣ ንከገልግሎ። ንዓና ከም ሰብ ሓዳር ተፈለይለይ ዝብለና እውን ንኽብሩ ደው ኢልና ነቲ ሰማያዊ ሃብቲ ኣብዛ ትምሽምሽ ዘላ ዓለም ክብሪ ኣምላኽ መሊእና ከነዘንቱ መታን እንተ ዘይኮይኑ ንኻልእ መዓስ ኮይኑ?

ሎሚ ንሕተት ከም ሰብ ሓዳር ንኣምላኽ ንምኽባርን ንዕኡ ቀዳምነት ክንህቦ ክሳብ ክንደይ ኢና ህይወትና ቀቢጽና እንውስን? ከም ቤተሰብ ንዓቢ በረኸትን ምጽንናዕን ንተኣምራትን ክንከውን ናትና ቀዳምነታት ሓዲግና ነቲ ኣምላኻዊ ነገር ከነቐድም ሓላፍነትና እዩ። ኣምላኽ ከኣ ድሌት ልብና ይፈልጥ እንድዩ ነዚ ዓይነት እዚ ባህጊ እንተሎና ኣምላኽ ጸግኡ ከብ ዘሓልና ፍቓዱ እዩ። ዎ ኣምላኽ ከም ቤተሰብን ሰብ ሓዳርን ንዓኻ ዘይተፈለናዮ ነገር እንተ ኣሎ ኾይኑ ኣርእየና ካብኡ ክንፍለ ኸኣ ጸጋኻ ኣብዝሓልና እናበልና ንኣምላኽ ንሕተት።  ነቲ ዝጎተና ድሕሪት ሓዲግና ኣነ በተይን ንኣምላኽ ከነገልግል ኢና ኢልና ከም ኣብርሃም ብጨካን ውሳኔ ንላዓል ኣምላኽ ከኣ ብዘሎ ጸግኡ ኣፍሲሱ ንውሳኔና ከጽንዕ እዩ።

2 ኣብርሃም ምርጭኡ ናይ ላዕሊ ክኸውን ወሲኑ

ኣብርሃም ንኣምላኽ ክፍለ ጥራይ ኣይኮነን ወሲኑ። እንታይ ደኣ ምርጭኡ ኩሉ ነቲ ዝተጸወዓሉ ሰመያዊ ሓሳብ እምበር ነቲ ምድራዊ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ዘፍጥረት 13 ዝተፈጸመ ሓደ ዛንታ ኣሎ እሱ ኸኣ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ኣብርሃምን እቲ ምስኡ ሒዝዎ ዝወጸ ወዲ ሓዉ ሎጥ ብጥሪት ኣዚዮም ሃብቲሞም ነበሩ እሞ እታ ምድሪ ንኽልቲኣቶም ክትጸሮም ኣይከኣለትን። ኣብ መንጎ ጓሶት ኣብርሃምን ጓሶት ሎጥን ከኣ ብኣሲ ኮነ።

ኣብርሃም ነዚ ነገር እዚ ክጻወሮ ኣይከኣለን ስለዚ ኸኣ ንሎጥ ወዲ ሓዉ ከምዚ ክብል ተዛሪብዎ ንሕና ኣሕዋት ኢና ክንብኣስ ከኣ ኣይግብኣናን እዛ ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሜና እንሃ ስለዚ እቲ ምርጫ ንዓኻ ክበካ ንስኻ ናብ የማን እንተ ኣቢልካ ናብ ጸጋም ኣብል ናብ ጸጋም እንተ ኣቢልካ ኸኣ ናብ የማን ኣብል ኢሉ እቲ ምርጫ ነቲ ንእሽቶይ ወዱ ሓዉ ሂብዎ። ኣብርሃም እቲ መሰል ንዕኡ ይግብኣ እኳ እንተ ኾነ ናብቲ ምድራዊ ነገር ኣይተጋይየየን። ሎጥ ነቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣዚዩ ሃብታም ዝነበረ ከም ገነት ኤደን ዝመስል ዝነበረ ምድሪ ሶዶምን ጎመራን ሓርዩ። ኣብራሃም ግና ነቲ ሎጥ ዝሓረዮ ምድራዊ ዝኾነ ነገር ኣይበሃጎን ኣየተመነዮን። እቲ ሎጥ ዝመረጾ ቦታ ከመይ ሓላፍን በራስን ምኻኑ ኣይሰሓቶን። ኣብርሃም ንሰመያዊ ነገር እንተ ኣቐዲሙ ነቲ ናይ ላዕሊ ቀዳምነት እንተ ሂቡ ኣምላኽ ሓደ መዓልቲ ነቲ ዝደልዮ ነገር ከም ዝህቦ ይፈልጥ እዩ።

ኣብርሃም ነቲ ጎይታና የሱሱ ክርስቶስ ንደቂ መዛሙርቱ ዝሃቦም ምኽሪ ማለት ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ ሹዑ ኩሉ ክውስኸልኩም እዩ ዝበሎ ምሉኡ ብሙሉእ ሲዒብዎ እዩ። ክሳብ እዚ ዘመን እዚ ኸኣ ንበረኸት ኮይኑ ኣሎ።

ሎሚ ሰብ ሓዳር እስከ ነስተውዕል ሎሚ ነየናይ ኢና ኣብሊጽና ንመርጽ ዘሎና? ነቲ ኣምላካዊ ዝኾነ ሓሳብን ጽውዓን ከ ክሳብ ክንደይ ኢና ኣብ ልብና ቦታ ሂብናዮ ዘሎና? ብርግጽ እዚ ዘለናዮ ዘመን ኣዚዩ ሓደገኛን ናይ መወዳእታን ሰዓት ስለ ዝኾነ ብብዙሕ ነገር ኢና ንተሓዝ። ሰብኣይን ሰበይትን ዉሉዱን ናብራና ንምጥጣሕ ንጓየይ እሞ ነቲ ኣምላኻዊ ነገር ሸለል ንብሎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ በረኸት ኣምላኽ ብምልኣት ከይተለማመድና ንትርፍ።

ሎጥ ነቲ ሓላፊ ነገር መሪጹ ከሲሩ ኸኣ ተሪፉ ኣብርሃም ግና ሸውሃት ህርፋኑ ሰመያዊ ነገር ስለ ዝነበረ በረኸት ንበረኸት ኮይኑ ታሪኹ ኣብዛ ምድሪ ኣጸቢቑ። እቲ ዝርኣ ንግዚኡ እዩ እቲ ዘይረኣ ግና ዘልኣለማዊ እዩ እሞ ኣነ ንስኻትኩምን ከም ቤተሰብ ነቲ ኣምላኻዊ ነገር ክንመርጽ ክንውስን ናትና ሓላፍነትን ግዴታን እዩ። ልብና ኣበይ ኣሎ? ከም ሰብ ሓዳር ባህግና እንታይ እዩ።

ቤትና ክንመልእን ከነኻዕብትን ጥራይ ሓይልናን ግዜናን እናጥፋኣና ነቲ ኣምላኻዊ ነገር ሸለል ብምባልና ኣደዳ ክሳራ ዝኾና ክንደይ ኢና? እታ ንሰመያዊ ጽውዓ ቀዳምነት ዝሃበት ስድራን ምርጫኣ ኸኣ ንሱ ክኸውን ዝወሰነት ቤትን ስድራን ንቕዱሳንን ንምግልጋል ዘለዋ ተወፋይነት ከመይ ዓቢ እዩ። መርግጋአጺ ነቲ ሰማያዊ ነግር ምምራጻ ኸኣ እዚ እዩ። ከምዚ ዓይነት ቤተሰብ ምስቶም ንምድራዊ ነገር ሃነፍነፍ ኢሎም ንቤት ኣምላኽ ከኣ ዝርስዑ ሰባት ኣብ ውድድር ኣይትኣቱን እያ ስለዚ ሎሚ ምርጫና ነቲ ሰማያዊ ሃብትን ርስትን ይኹን።

3 ኣብርሃም ንኣምላኽ ንምእማን ዝወሰነ ሰብ

ኣምላኽ ንኣብርሃም ክጽውዖ ከሎ ንዓቢ በረኸትን ህዝብን ከም ዝኸውን እዩ ጸዊዒዎ። ኩነታት ኣብርሃም ኩሉ ግና ነቲ ኣምላኽ ዝበሎን ዝጸውዖን ዝጻረርን ዘይከውንን እዩ ዝመስል ዝነበረ። ኣብዚ ጊዜ እዚ ግና ኣብርሃም ኩነታት ሪእዩ ንድሕሪት ኣይተመልሰን ተስፋ ቖሪጹ ኣእዳዉ ናብ ካልእ ኣይኣልዓለን ብዘየገድስ ኩነታቱን ነገራቱን ንኣምላኽ ክኣምን ወሲኑ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ንጽድቂ ተቖጺሩሉ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣቦ እምነት ክብሃል በቒዑ።

ሎሚ ከም ቤተ ሰብን ሰብ ሓዳርን ኣብ ናብራና ዝገጥመና ላዕልን ታሕትን ብዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነገራትን ኩነታትን ኣብ ናብራናን ሓዳርናን ኣትዮም ብዙሕ ጋዕ ገልጠም ምፍጣሮም ኣይተርፍን እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ናትና ግደ እንታይ እዩ ክኸውን ዘለዎ? እቲ መልሲ ሓጺርን ቀሊልን እዩ ንሱ ኸኣ ንኣምላኽ ክንኣምን ንወስን።

በዚ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ቆፎ ቤትና ጎዲሉ ዓንዲ ኢኮኖሚና ተነቓኒቑ ኣብ ዓቢ ዓቕሊ ጽበት ዘሎና ቤተሰብ ክንህሉ ንኽእል ኢና። ብርግጽ ጽልዋ እዚ ኣብ ህይወትና ዘምጾ መዘዝን ሳዕቤንን ከመይ ከቢድን ዓብን ምኻኑ ዘይከሓድ ሓቂ እዩ። እዚ ከምዚ ኩነታት የጋጥም እምበር ንሕና ከም ኣመንቲ ንኣምላኽ ክንኣምን ክንውስን ኣሎና። ኣብርሃም ካብቲ ዝተባህሎ ቦታ ምስ ወጸ ዝገጥሞ ንገር እንተ ሃልዩ ጥሜት እዩ እዚ ኩነት እውን ናብ ስደት እዩ ኣምሪሕዎ ገና ከምዚ ከሎ እውን ንምእማን ኣይደኸመን።

ካልእ ተወሳኺ እውን እስከ ንርኣ። ኣብቲ ዘመን ኤልያስ ዝነበረሉ እዋን እሞ ኸኣ ህዝቢ ብሰንኪ ጥሜት ኣብ ዝረግፈሉ ዝነበረ ጊዚያት ኤልያስ ናብ ሓንቲ መበለት ሓደ ወዲ ዝነበራ ሰበይቲ ከደ። ኤልያስ ነታ ሰበይቲ ማይ ከተስትዮ እንጌራ ኸኣ ክትህቦ ሓቲትዋ። ንሳ ግና ከይሓበት ዘለዎ ኩነታት ኩሉ ማለት ዘለዋ ከም ዘይብላ ንሳን ወዳን ነቶም ዘለወኦም በሊዓም ከም ዝመቱ ነገረቶ። ኤልያስ ደሓን ኣይትሞቱን ኢኹም ጥራይ ሃብኒ በላ። ሰበይቲ ንኣምላኽ ምእማን እቲ ዝዓበየ ሃብቲ ምኻኑ ኣሚና እሱ ጥራይ ዘይኮነ ዘለዋ ኩሉ ዋላ እንተ ተወደኣ ካብ ነተን ዘለወኣ ሒደት በሊዓ ትመውት ንኣምላኽ ኣሚና ክትመውት መሪጻ። ኣምላኽ ኣየሕፈራን እተን ዘለውኣ ሒደት ሓርጭን መቐርሰሚቶ ዘይትን ንሰለስተ ዓመት ኣብሌዐንኣ።

ሎሚ እውን ንሕና ብዘየገድስ ዘሎና ትሕዝቶ ንኣምላኽ ምእማና ኣይነቃርጽ። ኣምላኽ ጎድሎና ዝምልእ ቀዳድና ዝሽፍን ጎይታ እዩ እሞ በዚ ተስፋ እናግበርና መሎሲና ንኣምላኽ እናርኣና ኣብ ቅድሚ እቲ ዝሓልየልና ኣምላኽ ንውደቕ። ካልእ እውን ኣብ ውሽጢ ሓዳርና ተስፋ ዝቖረጽናሉ ኣይከውንን እዩ ዝበልናሉ በቓ እሮማይ ሕጂ ኢልና ተስፋ ዝቖረጽናሉ ሃዋህው ክህሉ ይኽእል እዩ። ነዚ ቓል እሞ ነንብቦ "ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ ሙማት ስግኡን ሙማት ማህጸን ሳራን እናረኣየ ንምእማን ኣይደኸመን። ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርቴዔ እምበር ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተወላወለን። ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኺገብራ ክእለት ከም ዘለዎ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ኸኣ ጽድቂ ተቖጽረሉ" ሮሜ 4።19-22።

እዚ ቓል ሰሚዒናዮ ዶ? ሎሚ እምበኣር እቲ ኣብ ሕምብርቲ ቤትና ኮይኑ ዘሸግረናን ተስፋ ዘቑረጸናን ኩሉ መኸተመታን መወዳእታን ከም ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ መፈጸምታ ከም ዝገብረሉ ብልብና ኣርጊጽና ንምእማን ኣይንድከም። እዚ ክንገብር ከኣ ክንውስን ይግብኣና ከመይ ተበልና ንኣምላኽ ምእማን ምውሳን ስለ ዝኾነ።

እናኣመና ክነስና እውን እኒ ተስፋ ምቕራጽን ኩነታትን ኣጋንንትን ብዘለዎም ኩሉ ኣጽዋር ክዋግኡና ይኽእሉ እዮም ኩነታትና እውን እናገደድ ክኸይድ ይኽእል እዩ። ኣበይ ኣሎ ተስፋ ኣምላኽ እውን ከብለና ይኽእል እዩ ግናኸ እቲ ተስፋ ዝሃበና ኣምላኽ እሙን እዩ ነቲ ዝበሎ ኸኣ ክፍጽሞ እዩ ጥራይ ንሕና ካብ ብርኪ የሱስ ከይንፍለ ንውስን።

ፍቑራት ሰብ ሓዳርን ቤተሰብን ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ቤትና ዘሎ ኩነታት ይርድኦ እዩ። ምንም እኳ ሓንሳብ ሓንሳብ ልዕሊ ዓቕምና ኮይኑ ተጸበበና እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ከም ዘይጠልምና ፈሊጥና ንምእማኑ ንወስን። መቐርሰሚቶ ዘይትና ክመልእ ሓርጭና ከበርክት ዝሞተና እንደገና ህያው ክገብር ዝኸበደና ክቕንጥት እንታይ ይጨንቆ ንኣምላኽ? ስለዚ ከም ቤተሰብ ክንኣምኖ ንወስን።

 ብዛዕባ ውሳኔታት ኣብርሃም ቡዙሕ ክንዛረብ ንኽእል ኢና። ምስቲ ዘሎና ጊዜ ግና ኣብዚ ይኣኽለና። መልእኽተይ ንምጥቕላል ግና ንኣምላኽ ንዕኡ ጥራይ ክንፍለን ክንእዘዝን ንወስን። ከም ኣብርሃም ኣቕልቦና ካብ ምድራዊ ነገር ኣልዒልና ናብቲ ሰማያዊ ነገር ከነቕልብ ንወስን። ብዘየግድስ ኩነታትናን ናብራናን ከምቲ ኣብርሃም ንኣምላኽ ክኣምን ዝወሰኖ ንወስን። ኣምላኽ ብዛዕባ ሓዳርናን ቤተሰብናን ግዲ ይብሎ እዩ።

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
444 0