| Our Vision |
|
|
|
| Written by Zerai Kiros | |||
| Wednesday, 19 September 2007 17:33 | |||
|
ዕላማና ኸመዮ እቲ ጽሑፍ "ስለዚ ኣነ እጎዩ ኣሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጎይ ኣይኮንኩን፡ እምክት ኣሎኹ፡ ኸምቲ ንንፋስ ዝወቅዕ ግና ኣይኮንኩን" ከምዝብሎ፡ እዚ ሚኒስትሪ ድማ ዕላምኡ ኣነጺሩ ብምፍላጥ እዩ ንኸምዚ ዓይነት ኣግለግሎት መራኸቢ ብዙሓን ጀሚርዎ ዘሎ። ምስፋሕ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ፡ ክርስቶስ ዝጀመሮ፡ ሃዋርያት ዝቐጸልዎ፡ ኣንሕና ድማ ናብ መፈጸምታ እነብጽሖ ሕድሪ ወይ ተልእኾ ከምዝኾነ ብዙሓት እንፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ነዚ ተልእኾ ንምፍጻም ድማ፡ እዚ ሚኒስትሪ ነዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቂሶም ዘለዉ ኣውራ ዕላማታት ኣብ ቅድሚኡ ሰሪዑ፡ ኣገልግሎቱ ኣሃዱ ክብል ጀሚርዎ ኣሎ። ስለዚ ቐንዲ ዕላማ ናይዚ ሆም ፔጅና www.eriwongel.com እዞም ዝስዕቡ እዮም፡ ከመዮ እቲ ጽሑፍ "ደጊም ከምቲ ንጎይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፣ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ. ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፣ ከምቲ እተመህርኩምዎ ኼንኩም ብእምነት ጽንዑ" ከምዝብል፡ ህዝቢ ኣምላኽ'ዉን፡ ኣብ ክርስቶስ ክሰረትን ክህነጽን ክሳዕ መጨረሻውን ብእምነት ምእንቲ ክጸንዕ፡ ሃነጽቲ ዝኾኑ ትምህርትታት፣ ስብከታት፣ ምስክርነት፣ መንፈሳዊ ስነ ጽሑፍት፣ ከምኡውን ኣገደስቲ ሓበሬታት ምቅራብ. ነቶም ናብ ደምበ እግዚኣብሔር ዘይኣተው ዘለው ድማ፣ ኣሚኖም ናብ ምድሓን ኽበጽሑ፡ ነቲ ንምድሓን ሓይሊ ኣምላኽ ዝኾነ ቃል-መስቀል ትእውጀሎም። ከምኡ'ውን ናብ ሙሉእ ዝኾነ ርድኢት ክርስትና ንኽበጽሑ ዝሕግዝዎም ሃነጽቲ ሕቶታት፣ መልስታትን፣ ምስክርነታትን ተኣንግድ። "...እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ኩሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂዉን ክመጽእ ዝፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቅን ቅቡልን እዩ።'' 1 ጢሞ 2፡4። እግዚኣብሄርሲ ሞት ሓደ ሓጥእ እኳ ኣይፈትዉን እዩ። ንኹሉ ህዝቢ ኣምላኽን ንኻልኦት ተጠቀምትን ድማ ነንሓድሕዶም ካብን-ናብን ብጽሑፍ መልክዕ ዝገላገልሉ፣ ኣርእስቲ ጸሎት ዝወሃህብሉ፣ ሓሳባቶምን ርእይቶታቶምን ዝለዋወጡሉ፣ ከምኡውን ሃነጽቲ ዕላላት ዘዕልሉሉ ክፉት ናይ ዘተ ኣፍ ደገ (Chat Room/Forum) ትኸፍት።
"ብዝተረፈስ፣ ኣሕዋተየ፣ ሓቂ ዘበለ፣ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፣ ቅኑዕ ዘበለ፣ ንጹህ ዘበለ ፣ ተፈታዊ ዘበለ፣ ጽቡቅ ወረ ዘለዎ ዘበለ... ብእኡ ሕሰቡ."ሊጲ 4፥ 8 "ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሔር ዝፈርሑ ነንሓድሕዶም ተዘራረቡ፣ እግዚኣብሔር ሰምዔ ጽንውን በለ." ሚክ 3፥16
|
|||
| Last Updated on Wednesday, 19 September 2007 17:33 |
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...