| ኣገልግሎትና |
|
|
|
| Written by Zerai Kiros | |||
| Thursday, 16 August 2007 21:42 | |||
|
ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ዋና ቢትጽሕፈትና ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ኮይኑ ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና። ገለ ካብቲ ኣገልግሎትና እዞም ዝስዕቡ እዮም፡
· ክርስትያናዊ ጽሑፋት ብኢንተርነትን ብጽሑፍን ምዝርጋሕ (መጻሕፍቲ፡ መጽሄት፡ ትራክት) · ብዙሓት ዘበርክቱሉ ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ዝሓዙ ዓምድታት ምድላው (ትምህርቲ፡ ማሕበራዊ ናብራ ወዘተ.) · ግዱሳት ሓሳቦም ዘካፍሉሉ ናይ ዘተ ደንበ ምድላው (Forum) · ንውልቀሰባት ሓሳብ ትምህርቲ መልእኽቲ መመሓላለፊ ዝኸውን ቦታ ምድላው (Blog) · ንኣብያተ ክርስትያናት ንሕብረታት ንኣገልግሎታት ንዘመርቲ ደንበ ምኽፋት (Website) ነቲ ኣብዚ ቦታዚ ዝዝርጋሕ ጽሑፋት ሰባት በዚ ዝስዕብ መምርሒ ከበርክቱ ወይ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ፡ · ብኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ዝወጽእ ጽሑፋት ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንምስክርነት፡ ንስብከት፡ ንረድዮ ብኸምኡ ክትጥቀምሉ ይፍቀድ እዩ። ብጽሑፍ መልክዕ ብብዝሒ ኣራቢሕካ (መጽሓፍ መጽሄት ጋዜጣ) ንካልኦት ምሃብ ይኹን ምሻጥን፡ ካብዚ ቦታ ናብ ካልእ ናይ ኢንተርነት ደንብ ቀዲሕካ ምዝርጋሕን ብዘይ ፍቓድ ደራሲ ክልኩል እዩ። · ውልቀ ሰባት ጽሑፋት ከበርክቱ ከለዉ ቅኑዕን፡ ንኻልኦት ዝሃንጽን፡ ስርዓት ኣዘራርባን ስርዓት ምዝርጋሕ ጽሑፋትን (Copyright) ዝሓለወን፡ ናብ ዘየድሊ ክትዕን ድንግርን ዘየእቱን ክኸውን ኣለዎ። ኣገባብ ዘይሓለወ ጽሑፍ ንምድምሳስ ናይ ኩሎም ኣንበብቲ ምትሕብባር የድሊ። · ውልቀ ሰባት ዘበርክትዎ ጽሑፋት እምነትን መትከልን ናይ ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ዝውክል እዩ ማለት ኣይኮነን። · እቲ ብውልቀሰባት ይኹን ብኣገልግሎታት ዝቐርብ ጽሑፋት ይኹን ኣገልግሎት ልክዕ ከምቲ ራእይ ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ እዚ ኣገልግሎት በቲ ካብ ካልኦት ዝቐርብ ጽሑፋትን ኣበርክቶን እዩ ዕላምኡ ክሃርም ዝኽእል።
|
|||
| Last Updated on Thursday, 16 August 2007 22:12 |
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...