| ሕቶ: ስለምንታይ እዩ ብዙሕ ዘይሞራላዊ ነገራት ብናይ ቴለቪዥን አገልገልቲ ዝፍጸም? |
|
|
|
| Written by Zerai Kiros | |||
| Saturday, 08 January 2011 21:46 | |||
|
ምስ ቴለቫንጀሊዝም (ብቴለቪዥን ዝካየድ አገልግሎት) ዝተሓሓዘ ዝኾነ ይኹን መሰረታዊ ጸገም የለን:: ቴለቪዥን ልክዕ ከምተን ካልኦት መራኸቢ ብዙሃን (ከም እኒ ራድዮ: ኢንተርነት): ወንጌል ክርስቶስ ናብ ብዘሎ ዓለም ዝመሓላለፈሉ መሳርሒ እያ:: ብዙሓት ካብ ኣምላኽ ዝኾኑ አገልገልቲ ንቴለቪዥን ወንጌል ንምስፋሕ ይጥቀሙላ እዮም:: ቴለቪዥን ምኽንያት ነቲ አብ ቴለቫንጀሊዝም ዝርአ ብዙሕ ዘይቅቡል ነገራት ኣይኮነትን:: ምንጪ ናይቲ ኣብ ቴለቫንጀሊዝም ዝግበር ብዙሕ ዘይቅቡል ነገራት; እቲ ኣብቶም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዘሎ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣረዳድኣ ወይ እምነት እዩ:: ግናኸ; ወላኳ ቴለቪዥን ንባዕላ ጸገም እንተዘይኮነት: ነቲ ጸገም ግና ተጋድዶ እያ:: እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት; ክዳን አባጊዕ ዝተኸድነ ተኹላ ካብ ኣብ ናይ ቴለቪዥን ስክሪን ርኢኻ ብኣካል ኣጽኒዕካ ምፍላጡ ኣዝዩ ስለ ዝቐልል እዩ:: ቴለቪዥን: ነቲ ብድሕሪ መጋረጃ ዝካየድ ነገራት ንዘይምርምሩ ንጹሃት ተዓዘብቲ መዝማዚ ዝኾነ ምርኢት: ናይ ኣምላኽ ከምኡ ውን ህይወት ዝልውጥ መሲሉ ንኽቐርብ ስለ እትገብር:: ምንጪ ምኽንያት ናይቲ ብናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝግበር ዘይሞራላዊ ተግባራት; እቲ ብሓፈሻ ናይ "ጥዕናን ሃብትን" ወንጌል ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ:: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ቀንዲ ኣራባሕቲ ናይዚ ኩሎም ክርስትያናት ኩሉ ግዜ ብጥዕና ምሉኣትን ብሃብቲ ድማ ብልጹጋት ክኾኑ ናይ ኩሉ ግዜ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ ዝብል ትምህርቲ እዮም:: ቀንዲ ትምህርቲ ናይዚ ናይ "ጥዕና- ሃብቲ" ወንጌል ዝበሃል; ገንዘብ እንተድኣ ሂብካ ኣምላኽ ብጥዕናን ሃብትን ክባርኸካ ግዴታኡ እዩ ዝብል እዩ:: ገንዘብ ሂብካ ብጥዕናን ሃብትን እንተድኣ ዘይተባሪኽካ: እኹል ገንዘብ ኣይሃብካን ወይ ድማ ነቲ በረኸት ናይ ብሓቂ ክትቅበል እኹል እምነት የብልካን ማለት እዩ:: ከምዚ ብምባል; ናይ ቴለቪዥን ኣግልገልቲ ሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ንኽህቡ የተባብዑ: ቅድሚ ዝኣገረ ድማ ስለምንታይ እቶም ዝሃቡ ሰባት ከምቲ ዝተመባጽዑሎም ከም ዘይተባረኹ ይገልጽሎም:: እዚ ካልኣይ ስሙ ናይ "ብልጽግና ወንጌል" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብመሰረቱ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እዩ:: ሓቂ እዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ክንህብ የተባብዓና እዩ (1ቆረ 12: 2; 2ቆረ 9: 6):: ብተወሳኺ ውን መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ብልግሲ ዝህቡ ብኣምላኽ ከም ዝባረኹ ይምህረና እዩ (ሉቃ 6:38; 2ቆረ 9: 7):: ይኹንምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንኽንባረኽ ኢልና ክንህብ አይነግረናን እዩ:: መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ስለ ነፍቅርን ስለቲ ዝሃበና ድማ ከነመስግን ስለ ዝደለናን ክንህብ እዩ ዝምህረና:: ናይ ምሃብና ምኽንያት: ብምሃብና ኣምላኽ ክባርኸና እዩ ዝብል ክኸውን የብሉን:: ብኣንጻሩ: ናይ ምሃብና ምኽንያት ንኽብሪ ኣምላኽን ነቲ ዝሃበና በረኸት ድማ ንምምቓልን: ከምኡ ብምግባርና ድማ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕን መልእኽቲ ወንጌል ንምንጋርን እዩ:: መልእኽቲ: ኣድህቦ ከምኡ ውን ሃቐና ናይዞም አብ ቴለቪዥን ናይ ዘገልግሉ ናይ "ጥዕና ሃብቲ" ወንጌል ኣገልገልቲ ብንጹር ዘይመጽሓፍቅዱሳዊ እዩ:: ንምሃብ መጽሓፍቅዱሳዊ ብዘይኮነ ትምህርትታት ምትብባዕ ኩሉግዜ ጌጋ እኳ እንተኾነ: እቶም ናይ ቴለቪዥን አገልገልቲ ነቲ ገንዘብ ንኣምላኻዊ ዝኾነ ዕላማ ዝጥቀምሉ ኔሮም እንተዝኾኑ ግና ቁሩብ ምኽንያታዊ ምኾነ:: ካብቲ ዘሕዝን ግና ከምኡ ኣይኮነን:: ገለ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ናብ ኣማኢት ቋንቋታት ብፍጹም ተተርጉሙ ዘይቀረበ ክነሱ; እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ነቲ ኣብ ኣገልግሎቶም ዝእከብ ገንዘብ ኣዝዩ ውቁብን ዓብይን አብ ዝኾነ ገዛ ከጥፍእዎ ባህጊ ኣምላኽ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ላግጺ እዩ:: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ: ዋግአን ተተሚኑ ኣብ አፍሪቃ ብጥሜት ተጠቒዐን ንዘለዋ ዓድታት ንኣዋርሕ ክቕልበን ዝኽእል መካይን ክዝውሩ ክትርኢ ኣዝዩ ዘቖጥዕ እዩ:: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ልዕሊ እቲ ሓንቲ ስድራቤት ምሉእ ኣብ ዓመት ኣብ ክዳን እተጥፍኦ ገንዘብ ዝዋጋኡ ኣዝዩ ብልጹግ ክዳውንቲ ክኽደኑ ምርኣይ ነእምሮኻ ዘቖጥዕ እዩ:: ንኹሉኹም በዚ እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝገብርዎ ጽዩፍ ተግባራት ዝተበደልኩም: እዚ ነገር ክትርድኡ የድሊ: እዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ንእምነት ክርስትና አይውክሉን እዮም: ከምኡ ውን ነቲ የሱስ ክርስቶስ ዝመሃሮ ወይ ዝገበሮ ዝኽተሉ አይኮኑን:: እዚ ብናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝግበር ዘይሞራላዊ ተግባራት "ጸላእቲ ኣምላኽ ብኣምላኽ ንኸላግጹ ምኽንያት ኮይኑ ኣሎ" (2ሳሙ 12:14):: ወላኳ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ዘጽንዐ ሰብ ነዚ እዞም ናይ ቴለቪዥን አገልገልቲ ዝኽተሉዎ ናይ "ጥዕና ሃብቲ" ወንጌል ክኣምነሉ ዘይሕሰብ እንተኾነ: ገለ ገለ ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ግና እዚ ዝምህርዎ ትምህርቲ ሓቂ: ቅኑዕ: መጽሓፍቅዱሳዊን ከምኡ ውን ጽቡቕ ትምህርቲ ምዃኑ እዮም ዝርድኡ:: ይኹንምበር: ካብ ዘይምፍላጥ ይኹን ወይ ብፍላጥ ኮነ ኢሎም ነቲ ሰብ ንምምዝማዝ ይኹን ዕላማኦም እቲ ውጽኢት ሓደ እዩ; ሰባት ይታለሉ: ይስረቑን ይጉድኡን ኣለው:: ነቶም በዚ ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝፍጽምዎ ጽዩፍ ተግባራት ዝተጎዳእኩም ሰባት: በጃኹም እዚ ምስዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዘጋጠመኩም ተመኩሮ ምስ የሱስ ክርስቶስ ንዘለኩም ርክብ ክሽፍኖ ኣይተፍቅዱ:: ኣምላኽ እንታይ ይብል አብ ቃል ኣምላኽ አጽንዕዎ እሞ (2ጢሞ 3: 16-17): እቲ ሓቂ መልእኽቲ ወንጌል ክትርእይዎ ኢኹም:: ነቶም ክርስትያናት ዘይኮኑ: እዚ ብናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ዝፍጸም ጽዩፍ ተግባራት ምንጪ ምኽንያት ናይ ንክርስትና ምንጻግኩም እንተኾይኑ; ብሰንኪ እዚ ሓሶት: ምትላል: ዘይኣምላኻዊ ትምህርቲ ከምኡ ውን ዘይቅዱስ ናብራ ናይዞም ናይ ቴለቪዥን ኣገልገልቲ ንእምነት ብክርስቶስ የሱስ ኣይትንጸጉዎ:: ቃል ኣምላኽ ብገዛእ ርእስኹም መርምርዎ: ነቲ ሓቀኛ ወንጌል ክትነጽግዎ እንተ ኾይንኩም ድማ: እንተወሓደ ስለቲ ሓቀኛ እንታይነቱ ንጸግዎ:: The -End
|
|||
| Last Updated on Saturday, 25 February 2012 11:56 |
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...