| ተከታታሊት ዛንታ መበቆል ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ. part 1 |
|
|
|
| Written by Haniba Daniel | |
| Monday, 11 October 2010 23:16 | |
|
እቲ ዛንታ ብ1860 ዓ.ም. ኣቢሉ ኣብ ጸዓዘጋ ይጅምር። በቲ ጊዜ እቲ እቶም ካህናትን ዲያቆናትን ናይ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ናይ ቤተ ክርስትያኖም ይመራምርዎ። ብዛዕባ ትምህርቲ ስላሴ መታን ኪርድኡ ሃይማኖተ ኣበው (እምነት ኣቦታት) እቲ ናይ ተዋህዶ ሃይማኖት ልምዲ ብዛዕባ እት ምእመናን ኪገብርዎ ዚግብኦም ነገራት እንታይ ከም ዚብል ንምፍላጥ ድማ ሲኖዶስ ዚብሃል መጽሓፍ ይመራምሩ ነበር። መምህር ሓይልኣብ ተስፋይ መራሒ ናይቶም ካህናትን ዲያቆናትን ቅድስናን ዓሚቝ ሃይማኖታዊ ፍልጠትን ኪረኽቡ ብርቱዕ ጽምኢ ነበሮም።
እዚ ጽምኢ እዚ ድማ፣ ኣብቶም ብጾትውን ሓደረ። ኵላቶም ከም ሓደ ሰብ ብሓደ ሓሳብ ኰይኖም ነቲ ተዋህዶ ዜቖሞ ስርዓታት ብምክትታል ጽድቅ ኪረኽብ ጸዓሩ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ዲያቆናት ዘይተጸበዮ ኣገራሚ ነገር ተጓነፎ ኣብ መንደቕ እቲ ቤተ ክርስትያን ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ተሓቢኡ ረኸበ። እዚ መጽሓፍ እዚ ብኢድ ዘይተጻሕፈ ብራናውን ዘይኰነ ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ድማ እተፈልየ ነበረ። ዜገርም ድማ እቲ መጽሓፍ ብቛንቛ ግእዝ ዘይኰነስ ብኣምሓርኛ እተጻሕፈ ብሉይን ሓድሽ ኪዳን ኣብ ሓደ ዝጠርነፈ ሓደ ሰብ እኳ ቤተ ክርስትያን ከም እተሓብኤ ዚፈልጥ ሓደ ሰብ እኳ እንተ ዘይነበረ እቶም ናይቲ ቤተ ክርስትያን ካህናትን ዲያቆናትን ነቲ መጽሓፍ ብምርካቦም ካብ ልክዕ ንላዕሊ ተሓጐሱ። ነዚ መጽሓፍ እዚ ድሕሪ ምርካቦም እቶም ካህናትን ዲያቆናትን መጽሓፍ ኬንብቡ ዝነበሮም ጽምኢ ኪርውዩ ዕድል ረኸቡ። መዓልታዊ ማሕረሶም ኰነ ካልእ ዕዮኦም ምስ ወድኡ ነቲ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ኪምርምሩ ይእከቡ። ምድሪ ምስ ጸልመተ ሓዊ ኣጕዶም ብብርሃን እት ሃልሃልታ ተደጊፎም ንነዊሕ ጊዜ የንብቡ ነበሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣጸቢቑ ማረኾም። ካብ ካልኦት መጻሕፍቲ ንላዕሊ ንኣእምሮኦም መሰጦ፣ ንልቦም ኣሐጐሶ፣ ነቲ መንፈሳዊ ምስትውዓል ኪረኽቡ ዚድርኾም ዝነበረ ሃረርት ድማ ኣቃጸሎ። ድሕሪ ቅሩብ ጊዜ ፍልጠት ትምህርቲ ክህነት ኪድልቡ ንጐንደር ኪኸዱ መደቡ። ግናኸ እትም ብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ሓማሴን ሊቀ ካህናት ዝነበሩ ሃለቃ ኣፈወርቂ ደረጃ ትምህርቲ ናይቶም ዲያቆናት ምስ መዘኑ ካህናት ኪዀኑ ብቑዓት ኰይኖም ስለ ዝረኸብዎም መዓርግ ክህነት ኬልብስዎም ንዓድዋ ወሰድዎም። እቶም ሓድሽ ኣቡን ድማ ነቶም ካህናት ኣብ ዓዶም እንተ ተኻእለ ድማ ኣብ ኵኖኡ ወንጌል ኪሰብኩ ለኣኽዎም። ሃለቃ ኣፈወርቂ ነቶም ሓደስቲ ካህናት ምስ ሓደ ዮሃንስ ማየር ዚብሃሉ ኣብ ዓድዋ ዚቕመጡ ዝንበሩ ጀርመናዊ ልኡኽ ወንጌል ኣላለይዎም። ማየር እቶም ካህናት ባዕላቶም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኬውጽኡን ነቲ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፣ ብዘይ ሓደ ጸገም ኬንብብዎን ከለዉ ምስ ተዓዘብዎም በቶም ካህናት ኣዝዮም ተሓጐሱ። ሽዑ ወንጌላትን ምልእኽታት ሓድሽ ኪዳንን ዓደልዎም። ካብታ ኣብ ምጽዋዕ ዝነበረት መደበር መጽሓፍ ቅዱስ ድማ፣ ብርክት ዝብለ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪመጸሎም ኣዘዙ። ድሕሪ ቅርብ እዋን እዞም ካህናት ጸዓዘጋ ትሽዓተ መጽሓፍ ቅዱስን ብኣምሓርኛ እተጻሕፈ ካልእ መጻሕፍትን ተቐበሉ። እዘን ኣብ ኢዶም ዝኣተዋ መጻሕፍቲ ኣዝየን ለዋጣኦም። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምድሓን ዚምህሮ ትምህርቲ ንምፍላጥ ብርቱዕ ባህጊ ኣተንስኣሎም። እቶም ካህናት ወንጌል ማለት ጸጋ ኣምላኽ ብክርስቶስ ጥራይ ብኸምኡ ከም ዚወሃብ ዚነግር መልእኽቲ ከም ዝዀነ ተገንዘቡ። እዚ ርትዒ እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዘይብሉ ግዳማዊ ስርዓት ካብ ምሕላው ሓራ ኣውጽኦም። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተረድእዎ ኪምህሩ ነቶም ምእመናኖም ድማ እቲ ጽሩይ ቃል ኣምላኽ በይኑ ናብ ምድሓን ከም ዜብጽሕ ኬርድኡ ጀመሩ። ገለ ካብቶም ካህናት ዕሙቕ ዝበለ ትምህርቲ ክህነት ዚቐሰሙ ባህጊ ነበሮም። እቲ ባህጎም ድማ እናበርዔት ኸደ። ኣብ ሕዳር 1870 ዓ.ም. ቅኔ መታን ኪምሃሩ ተሓቢኦም ንጐንደር ኪኸዱ ተበገሱ። ክሳዕ ኣኽሱም በጽሑ። ግናኸ ብጾቶም ኣርከብዎም፣ ናብ ጐንደር ኪኸዱ ከም ዘየድልዮም ኣረዲኦም ንጸዓዘጋ ከም ዚምለሱ ገበርዎም። ቅድሚ እዚ ዅሉ ምፍጻሙ ቅሩብ ዓመታት ሓደ ስሙ ዘይተፈልጠ ገያሻይ ብጸዓዘጋ ኣቢሉ ኪሓልፍ ከሎ ሓደ ናይ ሃይማኖት ጽሑፋት ዝሓዘ ሳጹን ኣብ ኣጸድ ደጃዝማቕ ሃይሉ ተወልደመድህን ሓዲግዎ ኸደ። ካብቲ መጻሕፍቲ ዚበዝሕ ብግእዝ እተጻሕፈ ኽፍልታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪኸውን ከሎ ምስኡውን ብኣምሓርኛ እተጻሕፈ ትምህርቲ ክርስትና ዚገልጽ (ካቲኪዝም) ጽሑፋት ነበረ። እታ ትምህርቲ ክርስትና፣ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ሰብን ማእከላይ መተዓረቒ ክርስቶስ በይኑ ከም ዝዀነ ትምህር። ነቲ እትምህሮ ዘበለ ትምህርቲ ደገፍ ንምርካብ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድላዪ ዝዀነ ጥቕስታት ትህብ። እቶም ካህናት በቲ እታ መጽሓፍ እተቕርቦ መረድኢ ተረ ካብቶም ኣብ ሓማሴን ዚነበሩ ሰባት ብዕዮ እዞም ካህናት ዘይተሓጐሱ ነበሩ። ብሕልፊ እቶም ናይ ደብረ ቢዘን ፈለስቲ ኣብ እተገብረ ኣኼባ ነዞም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚዛረቡ ኻህናት እናተማጎቱ ኪረትዕዎም ጸዓሩ። ብዝጸዓሩሉ መጠን ግና ናይቶም ኻህናት ምንቅስቓስ እናበርዔ ኸደ። ኣብዚ ጊዜ እዚ እዮም 1872 ዓ.ም. እቶም ካህናት ጸዓዘጋ ምስ ላገርን ሄደንስትረምን እተባህሉ ካብ ሃገር ሽወደን ዝመጹ ልኡኻት እተራኸቡ። (ይቕጽል) SOLOMON AMANUEL WOLDEAB.
|
|
| Last Updated on Thursday, 01 March 2012 20:14 |
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...