| ታሪኽ ቤተክርስትያን (AD 29 – 500) መበል 12 ክፋል |
|
|
|
| Written by Haniba Daniel | |||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||
| Saturday, 10 April 2010 18:35 | |||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||||
|
ቀዳመይቲ
መጽሓፍ ብጆን ፎስተር
ትርጉም
ብይሳኮር
ምዕራፍ
ሸውዓተ
ጰርቴን/ፋርስ፡ ብስደት ናብ ምቕባል እታ ቀዳመይቲ ቤት ክርስትያን ኣብ ጰርቴን
ዘረኣስቶርያኒዝም ቀንዲ ሃይማኖት ነበረ። ሲርያክ ኸኣ ብሰፊሑ ዝዝረብ ዚነበረ ቃንቃ ነበረ። ይኹንምበር ኣብ ብዙሓት ከተማታት ሰባት ግሪኽ ይዛረቡን የንብቡን ነበሩ። ኣብ ገሊአን፡ ኣዝዩ ሓያል ማቕበረሰብ ኣይሁድ ነበረ። ብርግጽ ከኣ፡ ህይወትን ሃይማኖትን ብተራ ደረጃ ዝኸደሉ ዚነበረ ብዙሕ ቦታታት እውን ነይሩ እዩ። ድሮ ብዙሕ ዓይነት ሃይማኖትን ባህልታትን ኣብ ዚነበሮ ግዝኣት ከኣ ሃይማኖት ክርስትና ናብኡ ንኽኣቱ ከቢድ ኣይነበረን። ምናልባት እቲ ቀዳማይ ክርስትያናዊ ጽልዋ ካብ ኢደሳ ዝመጸ እዩ ዝኸውን። ኣብ ጰርቴን ብዛዕባኣ ኣጸቢቕና እንፈልጥ ቦታ፡ እታ ካብ ኢደሳ 300 ማይል ንፈለግ ጥግሪስ ሰጊርካ እትርከብ ኣድያበነ እያ (ካርታ 4)። ዩዘብዩስ ንኣድያበነ ኣብታ አክለስያስቲካል ሂስትሪ (ሕሕ 12) እትብል መጽሓፉ ይጠቕሳ እዩ። ንሱ፡ ንግስቲ ኣድያበነ፡ ናብ ኣይሁደነት ዚኣተወት ከም ዚነበረት፡ ኣብ ይሁዳ ንዚነበረ ጥሜት ኣብ ምቅላል፡ እኽሊ ካብ ግብጺ ገዚኣ ከም ዝለኣኸትን ንጆሰፉስ ይጠቅስ። እዚ ጥሜት እዚ ክርስትያናት ኣንጾክያ ገንዘብ ዘዋህለሉሉን ብኢድ በርናባስን ጳውሎስን ናብ የሩሳሌም ዝለኣኹሉ (ግብሪ ሃዋርያት 11፡ 29-30) እቲ ጥሜት እቲ ከም ዝኾነ፡ ዩዘብዩስ ይውስኽ። ዩዘብዩስ ኣብ ኣድያበነ ክርስትያናት ከም ዚነበሩ ኣይጠቅስን እዩ። ንሱ ኢደሳ ይብጻሕ እምበር ንኣድያበነ ኣይበጽሐን። ብሓቂ ግን ቅድሚ ዘበን ዩዘብዩስ፡ አረውን ቅድሚ 100 ዓመተ ምህረት ክርስትያናት ኣቐዲሞም ነይሮም እዮም። ሓደ ካብቲ ውሑድ ምንጭታት ታሪኽ ቤት ክርስትያን ኣብ ጰርቴን ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል እዩ። ኣርቢል ርእሰ ከተማ ኣድያበነ ነበረት። እዚ ዛንታ መዋእል እዚ፡ ዛንታ እዛ ቤት ክርስትያን ካብ 99 ክሳብ 540 ዓመተ ምህረት ዝሓዘ እዩ። ነቲ ክሳብ 150 ዓመተ ምህረት ንዘሎ ቀዳማይ እዋኑ፡ እቲ ጸሓፊ ንሃቢል እቲ መምህር ይጠቅስ። እቲ ሃቢል ዘመሓላለፎ ዛንታታት ሕልማዊ ኣይኮነን። ክዉን ዝመስል ዛንታታት እዩ። ኣብዚ ሰፊሕ ከባቢ እዚ ንካልኦት ቦታታት ክኸውን ዝኽእል ኩነታት ስለ ዘለዎ ኣድላዪነቱ ኣብ ንእሽቶ ቦታ ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል ብዛዕባ እዚ የዘንቱ፡ ብዛዕባ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣመንቲ ቀዳማይ ሰማእት ኣብ ቦታ ስልጣን ዝተቐመጠ ክርስትያን እዋናት ስደት ዝስርሓ ዚነበራ ኣብያተ ክርስትያናት ስፍሓት ቤት ክርስትያን ኣብ 225 ዓመተ ምህረት ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣመንቲ፡ ጳቂዳ፡ ኣብ 99 ዓመተ ምህረት ጳቂዳ ወዲ ሓደ ድኻ በሪ ዝብሃል፡ ጊልያ ሓደ ካህን ዘረኣስቶርያን፡ ዚነበረ ሰብኣይ ነበረ። (ያንግ 11) ጳቂዳ፡ በቲ ኣብቲ ሚስዮናዊ ኣዳይ ዚረኣዮ ተማረኸ። ስም እዚ ሰብኣይ፡ ምስ ስም እቲ ኣብ ኢደሳ ሚስዮናዊ ዚነበረ ሰብኣይ ሓደ ስም ከም ዚነበረ ኣስተብህሉ። ጳቂዳ ክርስትያን ክኸውን ወሰነ። ወለዱ ግን ኣብ ሓደ ጸልማት ክፍሊ ዓጸዉዎ። ካብኡ መሎቐ እሞ ነቲ ካብ ኣድያበነ ከይዱ፡ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ኣኽራን ዚነበራ ገጠራት ክሰብኽ ወጺኡ ዚነበረ ኣዳይ ሰዓቦ። ኣብ ዕዮኡ ኸኣ ወዲ መዝሙር ኣዳይ ኮነ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት፡ ኣዳይ ቀቢኡ ናብ ዓዱ ናብ ህዝቡ ከም ዝሰደዶ ይብሉ። ስለዚ ኸኣ፡ ... መሬት ኣድያበነ ዝረኸበቶ ቀዳማይ ኣቡን እምበኣር፡ ባዕሉ ሃዋርያ ኣዳይ ዝቐብኦ ነበረ። (ያንግ 11) ቀዳማይ ሰማእት፡ ሳምሱን፡ ኣብ 123 ዓመተ ምህረት ኣቡን ጳቂዳ ንሳምሱን ዲያቆን ገይርዎ ነበረ። ኣብ 114 ጳቂዳ ምስ ሞተ፡ ኣርቢል ብዘይ ኣቡን ንሽዱሽተ ዓመታት ጸንሐት። ኣብ 120 ዓመተ ምህረት፡ ኣቡን እታ ንሰሜን ምዕራብ ሚእቲ ማይል ርሒቓ ዚነበረት ቤት ዛብዲ፡ ገይሹ ምስ ሓደ ጉጅለ ነጋዶ ናብ ኣድያበነ መጸ። ኣብኡ ክርስትያናት ከም ዚነበሩ ሰሚዑ፡ ብሚስጢር በጽሖም እሞ እምነቶም ኸኣ ክረክብ ስለ ዝኸኣለ ከኣ ንሳምሱን ከም ጳጳሶም ክቕድሰሎም ሓተትዎ። እታ ክሮኒክል ትቕጽል። ሳምሱን ኣብ ከባቢ ዘለዋ ገጠራት ክሰብኽ ጀመረ። ከምቲ ሚስዮናዊ ኣዳይ ከኣ፡ ሳምሱን ኣብቲ ገጠራት ዝሓሸ ዕድል ረኺቡ ክኸውን ኣለዎ ማለትዩ። እቶም ህዝቢ ኣምለኽቲ ሓዊ ነበሩ። ዘረኣስቶራውያን እውን ንሓዊ ከም ቅዱስ ይርእዩዎ ነበሩ። ኣብዚ ግን ኣዝዩ እተፈልየ ነገር ኢና ንርኢ። ኣብ ናይ ጽድያ በዓል፡ ሓደ ቆልዓ፡ መስዋእቲ ሓዊ ኣምላኽ ፍርያምነት እቲ ከባቢ ክኸውን ናብ ሓዊ ተደርበየ። እዚ ልክዕ ከምቲ ነብዪ አርምያስ ዝኾነኖ ዓይነት ባህሊ እዩ ዝመስል (ኤርሚያስ 19፡5)። ነዚኦም ሳምሱን ንክልተ ዓመት ዚኣክል ሰበኸሎምን፡ ንብዙሓት ኣጠመቐን። እምነት ክርስትና ኸኣ ኣብቲ ከባቢ ገጠር ብሰፊሑ ተዘርገሐ። እቶም ዓበይትን ካህናት ዘረኣስቶርያንን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንሳምሱን ብመቑሕ ኣሰርዎ፡ ብጭካነ ኣሳቐይዎን ቀንጸልዎን። ... ሳምሱን ካብ ሃገርና ናብ ሰማይ ዝዓረገ ቀዳማይ ሰማእት ኮነ። (ያንግ 376) ኣብ ቦታ ስልጣን ዝተቐመጠ ክርስትያን፡ ራቅባኽት፡ ኣብ 140 ዓመተ ምህረት ራቅባኽት ስሙይን ሃብታምን ነበረ። ከም ኣማሓዳሪ ኣድያበነ ኸኣ ተመዚዙ ነበረ። ንሱ ኣብ ትሕቲ እቲ ዘጠመቖ ኣቡን ይስሓቕ (ብክርስትና) ክግደስ ጀመረ። ይኹንምበር፡ ቁጥዓ እቲ ንጉሰ ነገስት ስለ ዝፈርሐ እዚ ብሚስጢር ይገብሮ ነበረ። ከም ኣዳይን ጳቂዳን፡ እምነት ክርስትና ከስፋሕፍሕ ግዲኡ ክገብር ክሰብከሉ ዝኽእል ቦታ ራቅባኽት ናብቲ ኣብ ከባቢ ዘለዋ ዓድታት ኣበለ። እቶም ካህናት ቅድም ኣጠንቀቕዎ፤ ዳሕራይ ግን ክቐትልዎ ተማኸሩሉ። ብዙሓት ካብኣቶም ኸኣ፡ ከም ሮማውያን ገያሾ ተመሲሎም መጹዎ። ነቲ ሓድሽ ኣብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝረኸቦ እምነቱ ንከማቕል ዕድል ክረኽበሉ እኽእል እየ ኢሉ ብሓጎስ ኣአንገዶም። ንሶም ኸኣ ኣብታ ለይቲ እቲኣ ክቐትልዎ ዕድል ክረኽቡ ተስፋ ገበሩ። ሓደ ካብታ ርእሰ ከተማ እታ ግዝኣት፡ ካብ ተሲፎን እናጋለበ ዝመጸ ፈረሰኛ ግን ኣሰናኸሎም። ካብ ኣኽራናት ዝመጹ ነገዳት ኣብ ሰሜን ዝርከባ ከተማታት ወሪሮም ነበሩ እሞ እቲ ሃጸይ፡ ራቅባኽት ብህጹጽ ክመጽእ ትእዛዝ ለኣኸሉ። ስለዚ ኸኣ፡ ንስé ንኣጋይሹ ገደፎም። እዚ ካብቶም ቀተልቱ ኣምለጠ ማለት እዩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ እቶም ካህናት ንኣቡን ይስሓቕ ሓዝዎ እሞ ኣብ ሓደ ጸልማት ናይ ትሕቲ ምድሪ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎ። ንሳቶም ክቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። ይኹንምበር ዕግርግርን ተቓውሞ ህዝብን ፈርሁ። ... ኣብ ርእሲኡ ኸኣ ንጀነራል ራቅባኽት ፈርህዎ። (ያንግ 377) ክፈርሁ እኹል ምኽንያት ነበሮም። ራቅባኽት እቲ ዝኾነ ሰሚዑ ነበረ እሞ ኣቡን ይስሓቕ ክፍታሕ ኣዘዘ። ነዚ ትእዛዝ እዚ ንዝነጽግ ዘበለ ኩሉ ኸኣ ሞት ክስዕቦ ምኻኑ ኣጠንቀቐ። ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል፡ እዚ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኮንስታንቲን ጊዜኡ ኢሉ ይጽውዖ። ይኹንምበር፡ ራቅባኽት ሓቅዊ እምነት ክርስትና ክኸውን ተወሳኺ ዕድል ኣይተዋህቦን። ካብ ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል ክጠቅስ፡ ከም ይሁዳ መቃባዊ (ይሁዳ መቃባዊ ኣንጻር ሶርያውያን ክዋጋእ እንከሎ ኣብ ኩናት ዝተቐትለ ኣይሁዳዊ መራሒ ሰራዊት እዩ)፡ ንሱ ኣብቲ እቲ ንጉሰ ነገስት ዝለኣኾ ኩናት ምእንቲ ህዝቡ ህይወቱ ንጎይታኡ ሂቡ ነበረ። ንሱ ህይወቱ እንተ ዘይህብ ነይሩ፡ እቲ ሰራዊት ብምሉኡ ምሃለቐ ነይሩ፡ (ያንግ 377)። ጊዜ ስደት፡ ኣብ 160ን 179ን ዓመተ ምህረት ኣቡን ኣብርሃም ኣብቲ ኣኽራናት፡ (ኣብቲ ኣኽራን ኣብ ዚነበራ ዓድታት ማለት እዩ)፡ እምነት ክርስትና እናመሃረ ክነብር እንክሎ፡ ካህናት ዘረኣስቶርያኒዝም ኣንጻር ክርስትያናት ተላዕሉ። ንብረት እቶም ክርስትያናት ገበቱን ሳቐይዎምን። ኣቡን ኣብርሃም እዚ ምስ ሰምዐ፡ (ናብ ከተማ ኣርቢል) ወረደ። ነቶም ተኻሉ ነቲ መጋሰ ምሉእ ብምሉእ ከይውሕጥዎ ከልከሎም። (ያንግ 378) ክርስትያናት ብካህናት ዘረኣስቶርያኒዝም ከይጋፍዑ፡ ካብቲ ንጉሰ ነገስት ሓደ ኣዋጅ ክረክብ ኢሉ፡ ኣቡን ኣብርሃም ናብ ተሲፎን ከደ ተባሂሉ ኸኣ ብተወሳኺ ተገሊጹልና ኣሎ። ይኹንምበር፡ ብምኽንያት ምስ ሮማውያን ውግእ ክግበር እታ ከተማ ኣብ ዕግርግር ነበረት እሞ ኣቡን ኣብርሃም ሰማዒ ኣይረኸበን። እዚ ኣብ 160 ዓመተ ምህረት ነበረ። ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል፡ ድሕሪ 179 ዓመተ ምህረት፡ ንገለ ዓመታት ኣርቢል ብዘይ ኣቡን ነበረት። ኣሕዋትና ብዙሕ ተሳቐዩ። ብዙሓት፡ ኣባይቶም ክዝረፍ፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ክእሰራ ወይስ ክጭወያ ረኣዩ። ኣብ እምነት ነኣሽቱን ድኹማትን ዚነበሩ ንድሕሪት ተመልሱ። ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም እውን ተኸትከቱ። ዝህነጹ ዘለዉ ኣባይቲ ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል ኣብ ኣርቢል ብኣቡን ይስሓቅ (ኣብ 135-148) እተሃንጸት፡ ገና ብስሙ እትጽዋዕ፡ ገና ደው ኢላ ዘላ ቤት ክርስትያንን ካልእ ብድሕሪ ሞት ኣቡን ኖህ (ኣብ 179) ብስሙ እትጽዋዕ ካልእ ቤት ክርስትያን ትጠቅስ። ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል ሓቂ ተኾይና፡ እዚአን እተን ቀዳሞት ዚተመዝገባ ኣብያተ ክርስትያናት እየን። ይኹንምበር፡ ብዛዕባዚ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። እቶም ጸሓፍቲ ብሓቂ ድሓር ዚተሃንጻ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ዘበን እዞም ኣስማቶም ዝጸራ ጳጳሳት ከም ዝተሃንጻ ብጌጋ ሓሲቦምዎ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እታ ኣብ ዱራ ዩሮጶስ ዝተረኽበት ቤት ክርስትያን ኣብ 256 ዓመተ ምህረት ዝቆመት እያ። ምናልባትውን እተን ቀዳሞት ኣብያተ ክርስትያናት፡ ማለት ኣብያተ ክርስትያናት ቤት፡ ቤት ክርስትያን ከም ልምዲ እትእከበሉ ዚነበረት፡ ድሓር ናብ ቤት ክርስትያን እተቐየረት፡ ይኹንምበር ገና ናይ ቤት መልክዕ እምበር መልክዕ ቤት ክርስትያን ዘይሓዘት ህንጻ፡ ኣብያተ ክርስትያናት ከመይ ይመስላ ከም ዚነበራ፡ ኣብነት ኪትከውን ትኽእል እያ። ቤት ክርስትያን ኢደሳ ፍልይቲ ነበረት። እዛ ቤት ክርስትያን እዚኣ፡ ምስቲ ንጉሳዊ ቤት መንግስቲ ኣዝይ መሳጢ ህንጻ ምኻኑ ተገሊጹ ኣሎ። ሓቂ ብሓቂ ኸኣ ቤት መቕደስ፡ ቤት ክርስትያን (ጉባአ) ክርስትያናት ተባሂላ ኣላ። ስለዚ ኸኣ እዚኣ መልክዕ ቤት ዚነበራ ህንጻ ኣይነበረትን። ስፍሓት ቤት ክርስትያን ኣብ 225 ዓመተ ምህረት ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል፡ ቅድሚ ምምጻእ ጊዜ ጰርቴን ዓሰርተው ሸውዓተ ሲኖዶስ (ማለት መንበር ኣቡን ዚነብረን ቦታታት) ከም ዚነበራ ትጠቅስ። ድሕሪኡ ኸኣ እዚ ቃላት እዚ ይስዕብ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታትውን ጳጳሳት ነበሩ። ኒሲቢስን ተሲፎንን (እታ ርእሰ ከተማ) ግን ብምኽንያት ፍርሂ ኣህዛብ ክሳብ ሕጂ ጳጳሳት የብለንን። እዘን ዝተጠሕሳ ዓሰርተው ሸውዓተ ቦታታት ዳርጋ ብምሉአን ኣብ ውሽጢ መሰጶጣሚያ እየን። ሓንቲ ካብአን ግን ደቡብ ካብ ባሕሪ ካስፒያን ትርከብ፡ ሓንቲ ካልእ ከኣ ኣብ ማእከል ደቡብ ወሽመጥ ፋርስ ትርከብ። ኣብ 225 ዓመተ ምህረት ቤት ክርስትያን ክሳብ ኣብዚ በጺሓ ነበረት። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሳሳኒድ ፋርስ፡ ኣብ 226 ኣብ 225 ዓመተ ምህረት፡ ሰሜን ካብ ገማግም ወሽመጥ ፋርስ ዝርከባ፡ ብገዛእ ነገስታተን ከኣ ዝግዝኣ ዚነበራ ክፍለ ግዝኣታት ፋርስ፡ ኣብ ልዕሊ ጰርቴናውያን ገዛእቶም ተንስኣ። ኣብዚ እዋን እዚ ሰራዊት ጰርቴናውያን ምስ ሮማውያን ብዚተገብረ ውግኣት ተዳኺሙ ነበረ። መጽሓፍ ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል፡ ኣብታ ዓመት እቲኣ ፋርሳውያን ንመላእ ግዝ ኣት ጰርቴን ተቖጻጸዋ እሞ ንተሲፎን ርእሰ ከተማኦም፡ ነቲ ናይ ቅድም ንጉሶም ንኣርዳሺር ከም ቀዳማይ፡ እቶም ሓደስቲ፡ ብስም እቲ ሳሳኒድ ዝብል ናይ ቤተሰብ ስም ክጽውዑ ዝጀመሩ ንጉሰ ነገስታት ገይሮም ኣንገስዎ። ዘ ኮኒክል ኦቭ ኣርቢል ከምዚ ትብል፡
ኣብ መጀመርታ ክርስትያናትሰኣም ነበሮም፤ ... ወንጌል ከኣ ቅርንጫፋቱ ናብቲ ባሕሪ፡ ኣዕጫዉ ከኣ ናብቲ ሩባ ከስፋሕፍሕ ከኣለ። (መዝሙር 80) ኣብዚ እቲ ዘማሪ ሩባ አፍራጥስ ማለቱ እዩሞ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣዝያ ግብእቲ ጥቕሲ እያ።ሳሳኒድ ፋርሳውያን ግዝኣቶም ዳግም ምውላድ እቲ ቅድሚኡ ቅድሚ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ዚነበረ ክብሪ ጥንታዊት ፋርስ እዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ንጉሰ ነገስታት ሳሳኒድ ኣብ ታሪኽ ጥንታዊት ፋርስ ስሙያት ብዚነበሩ ስማት ይጽውዑ ነበሩ። (ስም እቲ ቀዳማይ፡ ኣርዳሺር፡ ኣርታሕሻስታ ማለት እዩ)። ሃይማኖት ፋርስ፡ ዘረኣስቶርያኒዝም ኣብ ትሕቲ ጰርቴናውያንውን ድሮ ጸላዊ ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ወግዓዊ ሃይማኖት እቲ ግዝኣት ገይሮም ኣቖምዎ። ብናይ ወጻኢ ፖሊሲኦም፡ ፋርሳውያን ንሮማውያን ከም ተካእቲ ግሪኻውያን፡ ማለት ናይ ጥንቲ ጸላእቲ ፋርስ፡ ገይሮም ይፈልጥዎም ነበሩ። ስለዚ ኸኣ ኣብ 225 ናይ ኣርባዕተ ዘበናት ቅልስ ፋርስን ሮማን፡ ዘቀራሕን ግዝኣት፡ ምዝምማት ኣብ ዶባት፡ ወራር፡ ኩናትን ጀመረ። ኣይደንጎዩን፡ ኣብ ፋርስ ዚነበሩ ክርስትያናት፡ ከም ሓደ ነቲ ወግዓዊ ሃይማኖት ኣፍልጦ ዝኸልእዎ ክፋል ህዝቢ ኸኣ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከም ዚነበሩ ክፍለጦም ጀመረ። ይኹንምበር፡ ክርስትያናት ኣብ ግዝኣት ሮማ ክሳብ ዝተሰጉ እዋን፡ መንግስቲ ፋርስ ንእሙንነቶም ክጠራጠረሉ ዝኽእል ምኽንያት ዳርጋ ኣይነበሮን። 312 ዓመተ ምህረት ነቲ ኩነታት ቀየረቶ። ኮንስታንቲን ምልክት ክርስትና (በዚ ምልክት እዚ ሰዓር ዝብል) ጸይሩ ሮማ ኣተወ እሞ፡ ኣብ ግዝኣት ሮማ ዚነበሩ ክርስትያናት ስደት ብመጎስ መንግስቲ ትለወጠሎም። ኣብ ፋርስ ንዚነበሩ ክርስትያናት እቲ ለውጢ፡ ሃይማኖር ፋርስ ምእማን ስለ ዝኣበዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይቲ ጸላኢ መንግስቲ ፋርስ፡ ናይቲ መንግስቲ ሮማ ዝሕብሕቦ ሃይማኖትውን ስለ ዝኾኑ ተጠርጠሩ። ነዚ ኮንስታንቲን ንባዕሉ ከይተፈለጦ ኣቓልቦ ክረክብ ክዓርፍ ገይሩ እዩ። ኣብ ፋርስ ዚነበሩ ገለ ክርስትያናትውን ንደጋፊት ክርስትና ዚነበረት ሮማ ዚነበሮም ኣድናቖት ክገልጹ ክብሉ ብዛዕባዚ ትም ክብሉ ኣይለበሙን። (ያንግ 386ን 387ን)። ኣብ 315 ኮንስታንቲን ነታ እቲ ሽዑኡ ዝረኸባ እምነት ንኢዱ ንናይ ፋርስ ንጉሰ ነገስት ነዊሕ ደብዳበ ክጽሕፈሉ እንከሎ ሓሳባቱ ጽቡቕ ነበረ። ንሱ፡ ጨኮንቲ መራሕቲ ክድርብን ሰላም ከምጽእን ኣምላኽ ክርስትያናት ከም ዝሓገዞ ተኣመነ። ቅድሚኡ ዚነበሩ መራሕቲ ሰጎግቲ ነበሩ። ይኹንምበር እቲ ጻድቕ ኣምላኽ ኣጥፍኦም። ኮንስታንቲን፡ ነቲ ሰጋጊ ክርስትያናት ዚነበረ፡ ኣብ ኢድ ፋርሳውያን ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዚሞተ ንንጉሰ ነገስት ቫለርያን ፈልዩ ይጠቕሶ። ስለዚ ኸኣ እቲ ናቱ ውርደት ንምውሳኽ ክብርኻ እጃሙ ኣበርከተ ኢሉ ኸኣ ይውስኽ። ደብዳበኡ ትቕጽል፡ እታ ዝበለጸት ኣውራጃ ፋርስ፡ በዞም ምእንቶም ዝሕቃቐሎም ዘለኹ ሰባት፡ ብክርስትያናት ከም ዝመለአት ምስ ሰማዕኩ ሓጎሰይ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ኸኣ ክልተኹም ንሳቶምን ንስኻን ክትባረኹ እልምን ኣለኹ። ... ስልጣንካ ዓብዪ እዩሞ ክትሕልዎም እልምነካ ኣለኹ። (ያንግ 385) ኣብዚ ሓደ ሮማዊ ሃጸይ፡ ብምኽንያት እቲ ዓብዪ ቁጽሪ ክርስትያናት ፋርስ ይሓጎስ፡ ሓለዋ ክረኽቡ ኸኣ ይጭነቐሎም። ስለዚ ኸኣ ሰብ መዚ ፋርስ ኣብ ፋርስ ዝርከቡ ክርስትያናት ሓለዋ እታ ጸላኢት ሮማ ክቕበሉ ይኽእሉ ይኾኑ እዮም ዝብል ጥርጣረ ይጀማምሮም። ኣብ ፋርስ ዚነበሩ ሰብ መዚ ንክርስትያናት ሽዑ ንሽዑ ክሰጉዎም ዘይምጅማሮም ይገርም እዩ። ኣብ 337 ኮንስታንቲን፡ ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ወፍሪ ክግበር ወሰነ። ምስኡ ጳጳሳት ክማላእ ኸኣ ቅኑዕ መሲሉ ተራእዮ። ... እቶም ጳጳሳት ኸኣ፡ ናብቲ ዓወት ዘበለ ካብኡ ዝመጽእ ኣምላኽ ብዘቕረብዎ ጸሎት፡ ምስኡ ኮይኖምን ምእንትኡን ክዋግኡ ኣወጁ። (38) ኮንስታንቲን እቲ ወፍሪ ቅድሚ ምጅማሩ ሞተ። ይኹንምበር እቲ ዝኾነ ኮይኑ ነበረ። ኣብ 339 እቲ ዓብዪ ስደት ክርስትያናት ኣብ ግዝኣት ፋርስ ጀመረ። እቲ ዓብዪ ስደት፡ ኣብ 339 ኣብዚ ሓድሽ ስደት እታ ቀዳመይቲ ስጉምቲ፡ ምትሓዝ ሺሙን፡ ኣቡን ኣብታ ርእሰ ከተማ ዚነበረ ነበረ። ኣብቲ ንናይ ሺሙን ናይ ምትሓዝ ትእዛዙ፡ እቲ ሃጸይ ፋርስ፡ ርእሲ እቶም፡ ኣብ ውሽጢ ግዝኣትና ዚነብሩ፡ ምድንጋጾም ግን ምስ ጸላኢ ዝኾኑ ናዝሬታውያን (ክርስትያናት) ኢሉ ይጽውዖ። እቲ ኣቡን እቲ ናቱ ማቕበረስብ ክርስትያናት ዕጽፊ ቀረጽ ከም ዝኸፍሉ ክሳብ ዝሰማማዕ ከም እሱር ክተሓዝ ተወሰነ። (ያንግ 388)። ብዛዕባ ምዕባለታት እቲ ስደት ኣብ ሶዞመን ክንምርኮስ ኢና። ሶዞመን መዛግብቲ ሰማእታት ፋርስ ኣንቢቡ ነበረ እሞ እዚ መዛግብቲ እዚ ኣዝዩ ከም ዝጸለዎ ምንም ዘጠራጥር የብሉን። ንገዛእ ርእሰይ ኣብ ግዝኣት ሮማ ክውስን ኣሎኒዶ ክውስን እደሊ ነበርኩ። ይኹንምበር ታሪኽ ሃይማኖትና ኣብ ማእከል ፋርሳውያንን ዘይ ግሪኻውያንን ክሕውሰሉ ጽቡቕ መሲሉ ተራእየኒ። (39) ሶዞመን ንገስጋስ ክርስትና ንምብራቕ ዓብዪ ኣቓልቦ ዝሃቦ ቀዳማይ ግሪኻዊ ጸሓፊ ታሪኽ ቤት ክርስትያን እዩ። ንሱ፡ እቲ ጸቓጢ ቀረጽ ፋርሳውያን ክርስትያናት እምነቶም ክሓድጉ ከገድዶም ኣይከለን ይብል። ድሕሪዚ እቲ ንጉሰ ነገስት፡ ካህናትን ኣገልገልቲ ኣምላኽን ክስየፉ ኣዘዘ። ህንጻታት ኣብያተ ክርስትያናት ፈረሰ፡ ናይ መስዋእቲ ብያታውቶም ናብ ቤት ንብረት ተወስደ። ኣቡን ተሲፎን ከኣ ከም ከሓዲ ግዝኣት ፋርስን ሃይማኖታን ተኣስረ። ብከምዚ ከኣ ካህናት ዘረኣስቶርያኒዝም፡ ብሓገዝ ኣይሁድ ኣብ ሓጺር ጊዜ ኣብያተ ጸሎት ኣጥፍእወን። (ያንግ 389) ኣቡን ሺሙን ብሰንሰለት ተኣሲሩ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉሰ ነገስት ቀረበ። ንሱ ኣብ ቅድሚኡ ጸንዐ። እቲ ንጉሰ ነገስት ናብ ስቅያት ውሰድዎ ኢሉ ክእዝዝ እንከሎውን ምንም ምልክት ፍርሂ ኣየርኣየን። ኣብ ቅድሚኡውን ኣይሰገደን። ከምቲ ቅድም እትገብሮ ዚነበርካ ንምንታይ ኣብ ቅድመይ ዘይሰገድካ? ኢሉ ከኣ እቲ ንጉሰ ነገስት ዓው ኢሉ ኣድሃዮ። ሺሙን ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ሽዑኡ ኣነ እሱር ኣይነበርኩን። ንስኻውን ንእምነት ኣብ ኣምላኽ ከተሕድገኒ ኢልካ ትፍትን ኣይነበርካን። ኣብ እምነትና እንተ ዘይኣቲካ፡ እቲ ንጉሰ ነገስት በለ። ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ ንብምሉኣቶም ክርስትያናት ከጽንትቶም እየ። ንጽባሒቱ ዓርቢ ስቕለት ነበረ። ነቲ ክኸውን ዚነበሮ ኣዝዩ ግቡእ መዓልቲ ነበረት። ኣቡን ሺሙን ካብ ቤት ማእሰርቲ ናብ ቤት መንግስቲ እንደገና ተወስደሞ ንእምነት ክርስትና ክከላኸለሉ ኢሉ ምስቲ ሃጸይ ተኸራኸረ። ኢዱ ከም ዘይህብ ከኣ ገዛእ ርእሱ ኣርኣየ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ (ይጽሕፍ ሶዞመን) ሚእቲ ሰባት ክቕተሉ ተኣዘዘ። ሺሙን ኣቀታትላኦም ክርኢ ተገደደ። ጳጳሳት፡ ሽማግለታት፡ ካልኦት ሰብ መዚ ቤት ክርስትያንን። ድሕሪ ኩሎም ከኣ፡ ንሱውን ተቐትለ። (ያንግ 389) እዚ ግን እቲ መጀመርታ ጥራይ ነበረ። ስደት ን ኣርብዓ ዓመታት ቀጸለ። ክልተ ኣብታ ርእሰ ከተማ ከም ጳጳሳት ንሺሙን ዝተክእዎ ተካእቲ ብመስዋእትነት ሓለፉ። ድሕሪዚ ኸኣ እቲ ጵጵስና ንዕስራ ዓመታት ባዶ ኮይኑ ጸንሐ። ሶዞመን ነቲ ስደት በዘን ቃላት እዚአን የጠቓልሎ፡ ኣብዚ ዘበን እዚ ስማት እቶም ብመስዋእትነት ዝሓለፉ ኣንስትን ሰብኡትን ሓድ ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ከም ዝተቖጽረ ኣሕጽር ኣቢለ ገሊጸ ኣለኹ። ይኹንምበር፡ ምንም እካ ፋርሳውያን፡ ሶርያውያንን ህዝቢ ኢደሳን ነዚ ጉዳይ ኣዝዮም ይጽዓሩሉ፡ ክንዮ እዚኦም፡ ስማቶም ዘይተመዝገበ፡ ክትቆጽሮም ዘይከኣል ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ ኣሎ። (ያንግ 390) እዚ ስደት እዚ፡ ኣብቲ ቅድሚኡ ዚነበረ መዋእል፡ ኣብ ግዝኣት ሮማ ንዚነበረ ንዝኾነ ስቓይ ቤት ክርስትያን ክሓልፍ ዝኽእል እዩ። ዘስርሕ ስምምዕ ካልኦት እዋናትውን ስደት ኣብ ፋርስ ነይሮም እዮም ብፍላይ ከኣ ኣብ ዘበን ንጉሰ ነገስት ቢህራም ሓሙሻይ (420-422)። ኣብ ፋርስ ዚነበሩ ክርስትያናት ስደቶም፡ እቲ ዓብዪ ስደታት 339ን 420ን ምስቲ ስደታት ሮማ 250ን 303 ዓመተ ምህረታት ተነጻጺሩ ድሕሪ እታ ኣብ ግዝኣት ሮማ ዚነበረት ቤት ክርስትያን ድሕሪ ሓደ መዋእል እዩ መጺኡ። ቤት ክርስትያን ፋርስ ንኮንስታንቲና ተጸበየቶ። ንሱ ግን ወይከ። ኣይመጸን። ኣብ ፋርስ ክርስትና ሃይማኖት እቶም ውሑዳት ኮይኑ ተረፈ። ይኹንምበር እቲ ውሑድ ክርስትያን ዝተፈልጠ ማቕበረሰብ ኮነ። እዚ ማሐረሰብ ውሑዳን ክርስትያናት ግን ምስቶም ሰብ መዚ መንግስቲ ፋርስ ፍጹም ነጻነት ዘይኮነስ ዘስርሕ ስምምዕ ጥራይ ክረክብ ከኣለ። ኣብ ፋርስ ዚነበረት ቤት ክርስትያን፡ ብቀጥታ ንፋርሳውያን ክርስትያናት ዝጽዋዕ፡ ካብቶም ኣብ ግዝኣት ሮማ ዚነበሩ ዓበይቲñ ጳጳሳት ቤት ክርስትያን ብዝያዳ ነጻነት ዘለዎ፡ ሓደ ካብቶም ጳጳሳታ መራሒኣ ኮይኑ ምስ ኣብ ርእሲኣ ምስ ረኣሰ፡ እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ርግኣት ኩነታት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ከኣለ። ስለዚ ከኣ ነዞም ዓበይቲ ጳጳሳትን ምትንሳእ እቲ ነቲ ኣብ ፋርስ ዚመርሕ ዚነበረ ኣቡን ቤት ክርስትያን ፋርስን ክንጥምቶም ከድልየና እዩ። እዚ ነቲ ናይ ቅድም ጉዳይና፡ ስደት፡ ንጎድኒ ዘጸግዕ ይመስል እዩ። ይኹንምበር ክርስትያናት ፋርስ ከመይ ምስ መንግስቲ ፋርስ ኣብ ዝሓሸ ዝምድና ክመጹ ከኣሉ ከርእየና ይኽእል እዩ። ካብ ጊዜ ቅዱስ ጳውሎስ ኣትሒዙ ካብ ዘሎ ጊዜ ኣብ ግዝኣት ሮማ ዚነበረት ቤት ክርስትያን ከተማ ማእከል ዚገበረት ነበረት። ካብ ካልኣይ ክፍለ ዘበን ካብ ዘሎ ጊዜውን ኣትሒዙ፡ ውዳበ ቤት ክርስትያን ብውዳበ መንግስቲ ክጽሎ እንከሎ ንርኢ። ንኣብነት፡ ኣብ ርእሰ ከተማ (መትሮፖሊስ) ወይስ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ዚነበረ ኣቡን ኣብቶም ኣብ ኣውራጃታት ዚነበሩ ጳጳሳት ኣብ ናይ ሓባር ጊዜኦም (ኣብ ሲነዶሶም) ይመርሖም ነበረ። በዚ ከምዚ ከኣዩ እቲ ፕሮቪንስን መትሮፖሊታንን ዝብል ኣብ ንመንግስትነት እቲ ግዝ ኣት ዘገልግል ዚነበረ ቃላት፡ ከምዚ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ዘሎ፡ ከም ቃላት ቤት ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ክውዕል ዚጀመረ። ኣብ 325 ዓመተ ምህረት፡ ጉባአ ኒቃያ ነዞም ናይ ራእስታት ጳጳሳት መትሮፖሊስ (ርእሰ ከተማን) ክፍለ ሃገራቶምን ፈለጦም። እዚ ጉባአ እዚ ሲነዶስ ኣብ ክልተ ዓመት ክካየድ፡ ኩሉ ጉዳያት ክፍለ ሃገር ከኣ ፍቓድ ኣቡን ርእሰ ከተማ ክህልዎ ከም ዘለዎ ወሰነ። ካብ ናይ ርእሰ ከተማ ኣቡን ዝሰፍሐ ስልጣን ዚነበሮም ገለ ጳጳሳት ነበሩ። ጉባአ ኒቃያ ከኣ፡ ቤት ክርስትያን ካልኦት ሰለስተ ዓበይቲ ጳጳሳት ክትፈልጥ ከም ዘለዋ ካልእ ውሳነ ኣሕለፈ። ኣቡን ኣለክሳንድርያ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ኣብ ግብጺ፡ ሊብያን ሰረናይካን ዚነበራ ኣብያተ ክርስትያናት ስልጣን ነበሮ። ኣቡን ሮማ፡ ነዚ ምንም ቦታ ስልጣን ኣይተወሰነሉን። ይኹንምበር እዚ ካብ ኢጣልያ ንምዕራብ ኣቢሉ ኣብ ዘሎ እቲ እንኮ ዓብዪ ኣቡን እዩ። ኣቡን ኣንጾክያ። ኣብዚውን ምንም ቦታ ስልጣን ኣይተወሰነን። ይኹንምበር እዚ ኣብ ምብራቕ ባሕሪ መዲተራንያን ዘለዉ ቦታታት ስልጣን ነበሮ። ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዘለዉ ክርስትያናት ደኣ እንታይ ይኹኑ ዝብል ሕቶ ይለዓል። ክርስትያናት ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ብዙሓት ናይ ምብራቕ ጸሓፍቲ ካብ መጀመርታ ምምጻእ ኣዳይ ኣትሒዙ ኣብ ክልቲኡ ጊዜ ጰርቴናውያንን ጊዜ ፋርሳውያንን፡ ኣብታ ርእሰ ከተማ፡ ኣብ ተሲፎን ኩሉ ጊዜ ኣቡን ከም ዚነበረ ይኣምኑ ነበሩ። ዘ ክሮኒክል ኦቭ ኣርቢል፡ ኣቐድም ኣቢልና ከም ዘስተብሃልናሉ፡ ኣብ 225 ዓመተ ምህረት ብምኽንያት ፍርሂ እቶም ኣረማውያን ተሲፎን ኣቡን ኣይነበራን ብምባላ ካብዞም ከምዚኦም ዚበሉ ጸሓፍቲ ዝያዳ ትኣማኒት ይገብራ። ብሓቂ መጺእካ ኣብቲ እዋን እቲ ተሲፎን ካህን እውን ኣይነበራን። ምንናባትውን ክርስትያናት ኣይነበርዋን ክኸውን ዝከኣል እዩ። ኣብ ከባቢ 270 ዓመተ ምህረት፡ መጽሓፍ ዘ ክሮኒክል ሓንቲ ንእሽቶ ጉጅለ ክርስትያናት ክትቅልቀል ጀሚራ ነበረት ትብል። ሓደ ካብኦም፡ ንኣቡን ኣርቢል ኣብ ተሲፎን ክበጽሖም ዝለመኖ፡ ሓደ ኣገዳሲ ወትሃደራዊ መኮነን ነበረ። እቲ ኣቡን ፈሪሁ ይንበር እምበር በጽሖም። ንሱ ነቶም ሒደት ክርስትያንናት ኣተባብዖም እሞ ሓደ ካህን ከኣ ቀብኣሎም። ድሕሪዚ ኣብ 291 ዓመተ ምህረት፡ ብዝሒ ክርስትያናት ኣዝዩ ምስ ዓበየ፡ እሞ ኸኣ እቶም ኣቡናት ኣብ ራሕቂ ኣብ ዚነበሩሉ ጊዜ ቤት ክርስትያን ተሲፎን ናታ ኣቡን ተቐበለት። እዚ ፓፓ ዝብሃል፡ ኣዝዩ ምሁር፡ መስተውዓሊ ሶርያዊ፡ ፍልይ ዝበለት ግን ከኣ ዝኾነትሉ ስም ዚነበረቶ ሰብኣይ ነበረ። ያንግ 382፤ ያንግ 383) ፓፓ ንሰብ መዚ እታ ከተማ ብምፍላጡን ንገዛእ ርእሱውን ኣብቲ ንጉሰ ነገስት ፍሉጥ ብምግባሩን በዚ ምስትውዓሉ ኣርኣየ። እቶም ካልኦት ጳጳሳት፡ ከመይ ከም ዝገብር፡ ንመን ከም ዝረክብ፡ ኣበይ ጽልዋኡ ክጥቀመሉ ይኽእል ዝፈልጥ ብጻይ ኣቡን ብምርካቦም ኣዝዩ ሓገዞም። ስለዚ ከኣ ናብ ፓፓ ክጥምቱ ጀመሩ። ፓፓ ንገዛእ ርእሱውን ኣብ ፋርስ ንዘላ ቤት ክርስትያን ንብምልእታ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ክርድኦ ጀመረ። ከምቲ ናይ ቅድም፡ ኣብ ግዝኣታት ሮማ ከም ዚነበረ ቤት ክርስትያን ብመንግስቲ ትጽሎ ነበረት፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ፋርስ ዚነበረ ኣቡን ከም ቀንዲ ኣቡን ይውሰድ ነበረ። ፓፓ ናብ ንጉሰ ነገስት ኮንስታንቲንን ኣብ ምዕራብ ንዚነበሩ መራሕቲ ቤት ክርስትያንን፡ ከምቲ ኣብ ኣለክሳንድርያ፡ ሮማን ኣንጾክያን ዓበይቲ ጳጳሳት ዚነበሩ ኣብ ግዝኣት ፋርስውን ከምኡ ከኣ ሓደ ዓብዪ ኣቡን ምፍላጥ ከም ዘድሊ ብምትንባህ ጸሓፈሎም። ብከምዚ እቲ ቀዳማይ ኣቡን ኣብ ተሲፎን፡ ፓፓ ምንም እካ ከምቶም ዓበይቲ ጳጳሳት (ወይስ ከምቲ ድሓር፡ ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ዘበን ክጽውዕዎ ጀሚሮም ዚነበሩ፡ ከም ፓትሪያርክ) ኣይፈለጥ እምበር ዳሕራዩስ፡ እንተ ወሓደ ከም ቀንዲ መራሒ ቤት ክርስትያን ኣብ ፋርስ ተፈላጥነት ረኸበ። ድሕሪዚ ከም ዚረኣናዮ፡ ሺሙን ኣቡን ቤት ክርስትያን እንከሎ፡ እቲ ካብ 339 ክሳብ 379 ዓመተ ምህረት ዚነበረ ስደት ኣርብዓ ዓመት ተላዕለ። ኣብ 410 ዓመተ ምህረት ዓብዪ ለውጢ ተጀመረ። ሓደ ማሩታ እተባህለ ኣርመንያዊ ኣቡን ናብ ተሲፎን መጸ። ማሩታ ብዓል ብዙሕ ተሞክሮ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ቅድሚዚ ኣብ ኣንጾክያ፡ ኮንስታንቲኖፕል፡ ጫልሲዶንን ተቐሚጡ ነበረ። ንጆን ክሪስቶቶም ብዓል ሎንስታንቲኖፕል ወሲኽካ ንብዙሓት ዓበይቲ ጳጳሳት ግዝኣት ሮማ ይፈልጦም ነበረ። ሕጂ ኸኣ ኣብ መንጎ ግዝኣታት ሮማን ፋርስን ስምምዕ ሰላም ንክገብሩ ንክሕግዝ ከም መንጎኛ ኮይኑ ክዓዪ መጸ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ፋርሳዊ ንጉሰ ነገስት፡ ያዝጋርድ ቅድም ንዚፈረሳ ኣብያተ ክርስትያናት እንደገና ክህነጻ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዚነበሩ ክርስትያናት ንክፍትሑ፡ ኣገልገልቲ ነጻነት ክረኽቡ፡ ፈለስቲ ኣብ ገጠራት ክንቀሳቐሱ ነጻነት ክህልዎም ያዝጋርድ ክእዝዝ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ያዝጋርድ ዚነበሮ ዕድል ንጽልዋ ተጠቕመሉ። ማሩታ፡ ኣቡን ይስሃቅ ሲኖዶስ እቶም ካልኦት ጳጳሳት ክጽውዕ ሕራይ ኣበሎ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እቲ ንጉሰ ነገስት ንይስሃቅን ንማሩታን ተቐበሎም። እዚኦም ክልቲኦም ካብ ምድሪ ሮማውያን ዝመጸት፡ ንጳጳሳት እዚ ቦታ ዝኸውን ደብዳበ ኣንበቡሉ። እዛ ደብዳበ እዚኣ፡ ኣብ ትሕቲ ጳጳሳቶም ዚነበረ ስሩዕ ህይወት ክርስትያናት ንኢዳ ከም ዚነኣደት ክንግመት ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲኡ እቲ ዚበለ መንገዲ ነዞም ጳጳሳትን ነቶም እተመርጹ ኣገልገልቶምን ኣፍልጦ ክትህቦምን ነቲ ንኡድ ስነ ስርዓቶም ክትኣምኖን እዩ። ከም ውጽኢቱ፡ እቲ ንጉሰ ነገስት ነቲ ኣዋጁ ንክሰምዑ ንኩሎም ጳጳሳት ናብ ቤተ መንግስቱ ጸውዖም። ንሱ፡ ይስሃቅን ማሩታን ሰላም ብምዕሳሎም ነኣዶም። ንይስሃቅ ከኣ ካቶሊኮስ ኢሉ ሰመዮ። (ካቶሊኮስ ምሉእ ማለት እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ቤት ክርስትያን ፋርስ ዝመርሕ ኣቡን ማለት እዩ።) ኩሉ ክእዘዞ ከኣ ኣዘዘ። እቶም ጳጳሳት ነዚ ከም እተቐበልዎ ክኽትሙሉ ተሓተቱ። ኩሎም ከኣ ብርግጽ ነዚ ንገብር፡ ብሓጎስ ከኣ ንፍርመሉ ኢሎም መለሱ። ብኹሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ኹሎም መካንንትን ... ጸሎት ኪግበር (1 ጢሞተዎስ 2፡1) ንኣብያተ ክርስትያናት ትእዛዝ ኣመሓላለፉ (ያንግ 392፡ ያንግ 393)። ሰላም ቀጺሉ፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ቤት ክርስትያን ፋርስ ንኡድ ስነ-ስርዓት ተራእዩ ኢልካ ክዝረብ እንተ ዝከኣል ክንደይ ሰናይ ነይሩ። ይኹንምበር ኣብ 420 ዓመተ ምህረት ዚነበረ ስደት ኣቐድም ኣቢሉ ተጠቒሱ ኣሎ። እዚ ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ጳጳሳት ዚመጸ ምፍልላይ ዘሰነዮ ነበረ። ይኹንምበር ኣብ 424 ሓደ ተወሳኺ ለውጢ ተቐልቀለ ዓ ቤት ክርስትያን ፋርስ ካብ ካብ ጳጳሳት ግዝኣት ሮማ ዝመጽእ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ምቁጽጻር ምሉእ ብምሉእ ነጻ ከም ዝኾነት ኣወጀት። ናይ ሰላሳን ሽዱሽተን ጳጳሳት ሲኖዶስ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፡ ካተሊኮስ ምብራቕ ኣብ ትሕቲኡ ብዘለዉ ወይስ ከምኡ ብዝመስሉ ዓበይቲ ጳጳሳት ክፍረድ ይኽእል እዩ ክብል ዝኽእል ማንም ሰብ የለን። ፍርዲ ናይቲ ዝመረጾን ኣብ ልዕሊ ቤት ክርስትያኑ ዘቐመጦን ክርስቶስ እዩ። እዚ መንገዲ ዚዓበየ ውሕስነት ነበረ። ኣብዚ ውሕስነት እዚ ከኣ እቲ ናይ ክርስትያን ውሑዳን ዓበየን ሰፍሐን። ድሕሪዚ ድሕሪ ክልተ ሚእቲ ዓመት፡ ካብዚ ካብ ፋርስ ፈለስቲ ንእምነት ክርስትና ብእስያ ጸይሮም ናብ ባሕሪ ቻይና ኣብጽሕዎ። ኣብዚ ጽሑፍ ዝተጠቕሰ ጽሑፋት ዳብልዩ ጂ. ያንግ፡ ሃንድቡክ ኦቭ ሶርስ ማቲርያልስ ፎር ስችዩደንትስ ኦቭ ቸርች ሂስትሪ ካልእ ጽሑፋት
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...