Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home
ሰማእታት ካታኮምብ (መበል 12 ክፋልን መወዳእታን) PDF Print E-mail
Written by Haniba Daniel   
Sunday, 27 December 2009 18:56

ምፍታን

 

ፍግም ኢልካ እንተሰገድካለይ እዚ ኩሉ ክህበካ እየ።

 

በታ መዓልቲ ምሸት፣ ሉኩሉስ ኣብታ ዓርኩ ዝተኣሰረላ ክፍሊ ኣምሰየ። ብዝተኸኣሎ መጠን ውሳኔኡ ንኸቐይሮ ፈተነ። እንተኾነ ግና ኩሉ ምቕብጣሩን ክትዑን ንብጻዩ ሓንቲ ስድሪ ምንቕ ከብሎ ኣይከኣለን። ናይ ማርሴሉስ እምነት ኣብ ጽኑዕ መሰረት ዝተሰረተ ስለ ዝነበረ ብናይ ጸላእቱ ምፍርራሕ ይኹን ብናይ ብጻዩ ልመና ክጸዓድ ኣይከአለን። ማርሴሉስ ከኣ በዘን ዝስዕባ ቃላት ገይሩ ሓሳቡ ንብጻዩ ገለጸ።

“ዝበጸሐ እንተበጸሓኒ ሓደ ግዜ ውዱእ ውሳኔ ወሲነ ኣለኹ። እዚ ዝወሰንኩ’ውን ነቲ ክበጽሓኒ ዝኽእል ነገር ዘንጊዐ ኣይኮንኩን። ዝኾነ ኮይኑ ግና ነዛ መሪጸያ ዘለኹ መንገዲ ገዲፈ ናብ ድሕሪት ዝምለሰሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የብለይን።” ሉኩሉስ ከኣ ከምዚ ክብል መለሰ “ኣነ ንግዚኡ ሓንቲ ነገር ጥራይ እየ ዝልምነካ። ሃይማኖትካ ፈጺምካ ግደፎ ኣይብለካን እየ። እንተኾነ ግና እዚ ናይ ሕጂ ስደት ንዋላ ሓደ ዘይምሕር ብምዃኑ ነፍስኻ ክተድሕን ክትብል ጥራይ “እምነተይ ገዲፈ ኣለኹ” እንተበልካ ጽቡቕ ኮይኑ ይረኣየኒ። ግዝያቱ ክፉእ ከም ዝኾነ ባዕልኻ ትርእዮ ኣለኻ። እንተዝከኣል ነይሩስ ፖሊዮ ክመውት ኣይነበሮን። ብምኽንያት ቁልዕነቱ ብዙሓት ከም ዝደንገጹሉ ዘየጠራጥር እዩ። እንተኾነ ግና ናይ ዕድሜኡ ምንኣስ ይኹን ናይ ዓሌቱ ካብ ዘርኢ መኳንንቲ ምዃን ከድሕኖ ኣይከኣለን። ትሪ ናይቲ ሕጊ ካብዚ ክትርድኦ ትኽእል ኢኻ። ከም ሲና ዝኣመሰለ ኣረጊት ሽማግለ ምቕታል ግቡእ ኣይነበረን። ብዘይካ’ዚውን ኩሉ ኩነታቱ ካብ ዝተጸለለ ሰብ ዋላ ሓንቲ ኣይሓይሽን እዩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ዝገልጸልና እንተልዩ ከኣ እቲ ኣብ ልቢ ሰባት ተፈጢሩ ዘሎ ጽልኢ ክርስትያናት ክንዲ ምንታይ ሱር ዝሰደደ ምዃኑ እዩ።”

 

“እዚ ኩሉ ጽቡቕ ጌረ እፈልጦ እየ ሉኩሉስ። እቲ ናይ ጸልማት ገዛኢ ነቶም ናይ ኣምላኽ ዘበሉ ንኸጥፋእ ጻዕሩ ሕጂ ኣይኮነን ጀሚርዎ። እንተኾነ ግና እቶም ናይ ኣምላኽ ዘበሉ ኩሎም ኣብቲ ጽኑዕ ዘኾነ ከውሒ  ዝተሰረቱ ስለዝኾኑ ደጌታት ሲኦል’ኳ ክሕይልዎም ኣይክእሉን እዮም። እቶም ቅኑዓት፤ ንጹሃት፤ ቅዱሳትን ገለ ገበን ዘይገበሩን፣ ክሳቐዩን ክሞቱንዶ ኣይረኣኻን ኢኻ? ንክርስትያናት ዋላ ሓንቲ ምሕረት ከምዘይግበር’ውን ኣዳዕዲዐ እፈልጥ እየ። እዚ ኹሉ ካብ መጀመርያ ጀሚረ ጽቡቕ ገይረ ዝተረዳእክዎ ጉዳይ እዩ። ንክርስቶስ ከም ጎይታይን ናይ ግሊ መድሓኒየይን ክቕበሎ ከለኹ ብዙሕ ሽግርን መከራን ከምዝበጽሓኒ ተረዲአዮ ነይረ እየ። ፈሊጠ ዝኣተኽዎ ጉዳይ ስለዝኾነ ከኣ ዋላ ሓንቲ ኣየስግኣንን እዩ።”

 

“ማርሴሉስ ስምዓኒ፣ ኣነ ዝሓተካ ዘለኹ ንእሽተይ ነገር እዩ። እዚ ክሳዕ ክንድዚ ትጭነቐሉ ዘለኻ ሃይማኖትካ ግደፍ ኣይብለካን እየ። እንተኾነ ግና ናይዚ ግዜ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዘዋጽኣካ መንገዲ ክትሕዝ ኣለካ። ኣቐዲመ ከምዝገለጽኩልካ እቲ ስደትን መከራን እናተጓሃሃረ እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ስለዚ ኣብ ከምዚ ዓይነት ግዜ ጥበብ እምበር ከም ዓሻ ነቃጽ ምዃን ኣየዋጽእን እዩ።”

 

“እሞ እንታይ ግበር ኢኻ ትብለኒ ዘለኻ?”

 

“ክትገብሮ ደልየካ ዘለኹ ነገር እዚ ዝስዕብ እዩ፣ ኣብ ውሽጢ ቅሩብ ዓመታት ሓደ ለውጢ ከይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ወይ እቲ ስደትን መከራን የቋርጽ ይኸውን ወይ ከኣ ናይቲ ህዝቢ ኣረኣእያ እንዳተለወጠ ይኸይድ ይኸውን። ብዘይካ’ዚውን እዚ ናይ ሕጂ ቄሳር ሞይቱ ካልእ ደሓን ኣረኣእያ ዘለዎ ቄሳር ይለዓል ይኸውን። ሽዑ ክርስትያን ንምዃን ከምዚ ናይ ሕጂ ኣየጸግምን ይኸውን። ምናልባት እዞም ሕጂ ነፍሶም ከድሕኑ ኣብ ካታኮምብ ተሓቢኦም ዘለዉ ክርስትያናት ኩሎም ብሓርነት ናብ ናይ ቀደም ቦታኦም ይምለሱ ይኾኑ። ነዚ ኩሉ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነዛ ንመንግስትኻን ንብጾትካን ዓቢ ኣገልግሎት ክትከውን እትኽእል ነፍስኻ ብገዛእ ኣእዳውካ ኣብ ሓደጋ ኣይተውድቃ። ስለዚ ናይዚ ግዜ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ እዚ ሓድሽ ሃይማኖትካ ገዲፍካ ናብቲ ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ክትምለስ እልምነካ ኣለኹ። ከምዚ ምግባርካ ድማ ንግዚኡ ጥራይ ምዃኑ ክትዝንግዕ የብልካን። ዝሓሸ እዋን ምስ መጸ ከኣ እንደገና ክርስትያን ክትከውን ትኽእል ኢኻ።”

 

“ዝኸበርካ ሉኩሉስ፣ እዚ እትብለኒ ዘለኻ ነገር ፈጺመ ክገብሮ ኣይክእልን እየ። እዚ ንስኻ እትብለኒ ዘለኻ ነገር ምግባር ናይ ግብዝ ግብዝ እዩ ዝገብረኒ። እቲ ኣብ ህይወተይ ዝተፈጸመ ነገር እንተትርዳእ ነይርካ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህያው ዝኾነ ኣምላኸይ ሓሶት ብምዝራብ ንነፍሰይ ንኽብድላ ኣይምሓተትካንን ነይርካ። ከምዚ ካብ ምግባር ድማ ዓቢ ስቓይ ተቐቢለ ሙማት እመርጽ።”

 

“ጽንዓትካን ትርኻን ክርእዮ ከለኹ ተስፋ የቑርጸኒ ኣሎ። እቲ ጉዳይ ብኣእምሮኻ እንተኣመዛዘንካዮ ጽቡቕ እዩ። ኣነ ዝሓተካ ዘለኹ ጥበበኛ ንኽትከውን እምበር ሓሳዊ ንኽትከውን ኣይኮነን። ብጥበብ ካብ ሓደጋ ምምላጥ ግብዝና ኣይኮነን።”

 

“እዚ ካብ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ይሰውረኒ።”

 

“እስከ እቲ ጉዳይ ኣስፊሕካ ጠምቶ። ኣነ ዝልምነካ ዘለኹ እንተጌርካ ንነፍስኻ ተጠቒምካ ንኻልኦት’ውን ክትጠቅም ኢኻ። ናትካ ብህይወት ምጽናሕ፣ ነቶም እተፍቅሮም ክርስትያናት ብብዙሕ መንገዲ ክጠቕሞም ይኽእል እዩ። ክሳዕ ሕጂ’ውን ክርስትያናት ክንቀሳቐሱ ዝኸኣሉ ብሓገዝ ናይቶም ብግልጺ ናይ መንግስቲ ሃይማኖት ዝድግፉ ሰባት እዩ። እሞ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባትከ ግብዛትን ሓሰውትን ክትብሎም ትኽእልዶ? ፈተውትኹምን ሓገዝትኹምንዶ ኣይኮኑን?”

 

“እዞም እትብሎም ዘለኻ ሰባት ብዛዕባ እምነት ክርስትናን ብዛዕባ እዚ እምነት ኣብ ልቢ ሰባት ዝፈጥሮ ተስፋን ክንድ’ቲ ናተይ ኣይተረድኡን። ብዛዕባ ዳግም ምውላድ፤ ሓድሽ ፍጥረት፤ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቢ ሰባት ምሕዳርን ምስጢር ናይቲ ምስ ወዲ ኣምላኽ ዘለና ሕብረትን ክንድቲ ናተይ ኣይተረድኡን። ምንጪ ናይቲ ሓድሽ ተስፋን ሓድሽ ጽምኣትን ኣብ ውሽጢ ልቦም ኣይተፈጥረን። ንሳቶም ንክርስትያናት ምርሕራሕን ምሕጋዝን  ጽቡቕ ነገር ከም ምግባር እዮም ዝቖጽርዎ። እቲ እምነቱ ንክኽሕድ መድሓኒኡ’ውን ንኸዋርድ ዝደፍር ክርስትያን ግና ነቶም ኣብ ሽግር ዝወደቑ ኣሕዋቱ ናይ ምሕጋዝ ድልየት ክህልዎ ከቶ ኣይክእልን እዩ።”

 

“ዝኸበርካ ማርሴሉስ፣ ሕጂ ሓንቲ ናይ መወዳእታ ፈተነ ጥራይ እያ ተሪፋትኒ ዘላ። ብድሕሪኡ መንገደይ ክቕጽል እየ። ከም ዝቐንዓንን ዘይቐንዓንን ኣይፈልጥን እየ። እቲ ዘቕርበልካ ሓሳብ ግና እዚ ዝስዕብ እዩ፣ ሃይማኖትካ ክተራኽስ ኣይትሕተትን ኢኻ፣ ንጣኦታት መስዋእቲ ክተቕርብ’ውን ኣይትሕተትን ኢኻ። ዘይትቕበሎ ዝኾነ ይኹን ነገር ንኽትገብር ዘገድደካ ኣይክህሉን እዩ። እቲ ዝሓለፈ ከም ዝሓለፈ ይቆጸር፣ እንተኾነ ግና ናብቲ ናይ ቀደም ዝነበርካዮ ዋላ’ኳ ካብ ልቢ እንተዘይኮነ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ተመለስ። ሽዑ ድማ ግቡእካ ንኽትፍጽም እትተግህ ወተሃደር ምዃንካ ዘይዝክር ሰብ ኣይክህሉን እዩ። ቀደም’ውን ብዛዕባ ሃይማኖት ዝነበረካ ዝንባሌ ክሳዕ ክንድዚ ኣይነበረን። ኣብተን ኣብያተ መቕደስ’ውን ሓልፍ ሕልፍ ኢልካ ኢኻ ትረአ ነይርካ። መብዛሕትኡ ካብ ግዜኻ ኣብዚ ሰፈርና ኢኻ ተሕልፎ ነይርካ። ዝኾነ ይኹን ናይ ሃይማኖት መጽናዕቲ ብምስጢር ኢኻ ተካይዶ ነይርካ። ዝኾነ ይኹን ፍልጠት’ውን ካብተን ፍላስፋታት ዝደረስወን መጻሕፍቲ እምበር ካብቶም ኣቕሽሽቲ ኣይኮንካን  ትቕስም ነይርካ። ዝኾነ ኮይኑ እዩ፣ ሕጂ ግና ትም ኢልካ ናብቲ ናይ ቀደም ዕዮኻ ተመለስ። ምሳይ ብጋህዲ እናተረኣኻ፣ ናይ ወትሩ ዕዮኻ እናሰራሕካን ምስቶም ዝተሓጎሱ እናተሓጎስካን ቅኑዕ ኣገልጋሊ ምዃንካ ኣርኢ። እዚ ከኣ ዘዋርድ ወይ ዘሕፍር ኣይኮነን። እቶም ሰበስልጣናት’ውን ጠፊእካ ምቕናይካ ሸለል ከምዝብልዎን ነዚ ሓድሽ ጠባይካ ድማ ብምሕረት ከምዝሓልፍዎን እምነት ኣለኒ። እቲ ናይ ቀደም ማዕርግካ እንተዘይመለሱልካ እኳ ካብ ናይ ኣዛዚ ጽፍሒ ከምዘየውርዱኻ ግና ርግጸኛ እየ። ብድሕር’ዚ ድማ ኩሉ ነገር ዝተቓነዐ ክኸውን እዩ። ብስቕታን ብጥበብን፣ ከምኡ’ውን ግቡእካ ብዝግባእ ብምፍጻም ነቲ ዝሓለፈ ኩሉ ነገር ከምዘይነበረ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሮማ እንተጸኒሕካ ናብ ሃይማኖት ክርስትና ናይ ምቕያርካ ወረ ሓሶት እዩ ክበሃል እዩ። ካብ ሮማ እንተወጺእካ ድማ ነቲ ዝሓለፈ ዘልዕሎ ኣይክህሉን እዩ።”

 

“ኣይከውንን እዩ ሉኩሉስ። ናትካ ሓሳብ ንኸይቅበል ዝገብሩኒ ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉኒ። ብዛዕባይ ኣዋጅ ከምዝተኣወጀን ነቲ ንዓይ ዝሓዘ ድማ ሽልማት ከምዝወሃብን ተስፋ ተዋሂቡ ኣሎ። ብዘይካ’ዚውን ኣብቲ ቄሳር ዝነበረሉ ኣብ ኮሎሲዩም ብግልጺ ስለዝተረኣኹ እዚ ኩሉ ካብ ምሕረት ወጻኢ ገይሩኒ ኣሎ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ናትካ ምኽሪ ብምቕባል ስም መድሓኒየይ ከዋርድ ኣይፍትንን እየ። ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ዘበሉ እምነቶም ብግልጺ ከፍልጡ ኣለዎም። ጎይታይ ባዕሉ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከምዚ ኢሉ ነይሩ፣ “ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝተኣመነኒ ኩሉ፣ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ።” ንመድሓኒየይ ብሕቡእ ምኽሓድ ብግህዶ ካብ ምኽሓድ ዋላ ሓንቲ ኣይሰንፍን እዩ። ነቲ ኣቐዲሙ ዘፍቀረንን፣ ህይወቱ’ውን ስለ ድሕነተይ በጃ ዘሕለፈን መድሓኒየይ ኣዝየ እየ ዘፍቅሮ። ኣብ ቅድሚ ሰባት ብዛዕባኡ ምምስካር ከኣ ከም ዓቢ ክብሪ እየ ዝቖጽሮ። ስሌኡ ካብ ሙማት ዝበለጸ ነገር ዘሎ ኣይመስስለንን እዩ። ኣኽሊል ህይወት ድማ ካብ ኩሉ ዝበለጸ ናይ ክብሪ ዋጋ እዩ።”

 

ሉኩሉስ ከኣ ጻዕሩ ኩሉ ፍረ ዘይብሉ ምዃኑ ብምግንዛብ ልመናኡ ኣቋረጸ። ዝተረፈ ግዚኦም ድማ ብዛዕባ ካልእ ጉዳያት ክዘራረቡ ኣሕለፍዎ። ማርሴሉስ’ውን ብወገኑ ነታ ምስ ሉኩሉስ ንኸሕልፋ ዝተወሃበቶ ግዜ ብኸንቱ ክትሓልፍ ኣይደለየን። ሉኩሉስ ንእኡ ንምድሓን ዘገብሮ ካብ ልቢ ዝነቐለ ጻዕሪ ብምግንዛብ ንሱ’ውን ብወገኑ ብዛዕባ እምነት ክርስቶስ እናተንተነ ብምምሳካር ብኸምዚ መልክዕ ውዕለት ናይ ብጻዩ ክኽሕስ ጸዓረ።

 

ሉኩሉስ ከኣ እቲ ዓርኩ ዝዛረቦ ዝነበረ ኩሉ ብዛዕባ ሃይማኖት ካብ ዝነበሮ ተገዳስነት ዘተለዓለ ዘይኮነስ ስለ ዕርክነቶም ክብል ጽን ኢሉ ይሰምዖ ነበረ። ካብተን ዝሰምዐን ቃላት ግና ገሊአን ኣብ ኣእምሮኡ ከይተቐረጻ ኣይተረፋን።

 

ንጽባሒቱ ንግሆ ማርሴሉስ ናብ ፍርዲ ቀሪቡ ኣብ ሓጺር እዋን ፍርዱ ተቐበለ። ማርሴሉስ ከኣ ከይተወላወለ እቲ ዝተወሃቦ ፍርዲ ብጅግንነት ተቐበለ። ክመውት ዝተወሰነሉ ከኣ ኣብታ መዓልቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኮይኑ፣ ኩነታት ኣማውትኡ ድማ ብኣራዊት ተመናጪቱ ወይ ከኣ ምስ ተቓለስቲ ተቓሊሱ ዘይኮነስ ብሓዊ ተቓጺሉ ንኽመውት እዩ ተፈሪድዎ።

 

ማርሴሉስ ህይወቱ ስለ እምነቱ መስዋእቲ ንኸቕርብ ዝተወሰነሉ ከኣ ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ክርስትያናት ናይ ሰማእትነት ክብሪ ዝረኸቡሉ ስፍራ ነበረ።

 

ኣብ ማእከል ሜዳ ኮሎሲዩም ናይ ዕንጸይቲ ኩምራ ተኾሚሩ ይረአ ነበረ። ማርሴሉስ ከኣ በቶም ጨካናት ዝኾኑ ዋርድያታት ተመሪሑ ኣተወ። ንሳቶም ብዘይ ምሕረት ይደፋፍእዎን ይጉንጽዎን ነበሩ። ግልጽ ግልጽ ብምባል ድማ ነቲ ጨካንን ርሕራሔ ዝጎደሎን ኣጠማምታ ናይቶም ነቲ ምርኢት ንምርኣይ ኣብ ዙርያኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ረኣየ። እቶም ኣብ እምነቶም ብምጽናዕ ኣብዛ ንሱ ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኮይኖም ብዙሕ መከራን ስቓይን ተቐቢሎም ምስ ናይ ሰማእታት ሰራዊት ዝተጸንበሩ ኣመንቲ ትዝ በልዎ። እቶም ብስቓይ ክሞቱ ከለዉ ዝረኣዮም ህጻናት ኣብ ኣእምሮኡ ተቐሪጾም ብግልጺ ክረኣይዎ ጀመሩ። ዜማ ናይ መዝሙሮም’ውን ናብ ኣእዛኑ መጸ፣

ንእኡ ነቲ ዘፍቀረና፣

ካብ ሓጢኣትና’ውን ብደሙ ዝሓጸበና

 

እቶም ወተሃደራት እንዳጋፍዑ ናብቲ ዕንጸይቲ ተኾሚሩሉ ዝነበረ ቦታ ወሰድዎ። ከይሃድም ብምባል ድማ ምስ ሓደ ጉንዲ ብሰንሰለት ኣሰርዎ።

 

ኣብዚ ግዜ’ዚ ማርሴሉስ ከምዚ ክብል ከሎ ተሰምዐ “ኣነስ እስዋእ ኣለኹ፣ እታ መዓልቲ ምስንባተይ’ውን በጺሓ እያ። ደጊምሲ ጎይታይ፣ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቒ ተነቢሩለይ ኣሎ።”

 

እቲ ዕንጸይቲ ተቓጸለ። ንቑሩብ ግዜ’ውን እቲ ጅግና ሰማእት ኣብ ውሽጢ’ቲ ትኪ ተሰወረ። እቲ ትኪ ምስ ተኣለየ ድማ ርእሱ ናብ ሰማይ ኣቕኒዑ ኣእዳው ጭብጥ ኣቢሉ ደው ኢሉ ከሎ ተረኣየ።

 

ሃልሃልታ ናይቲ ሓዊ እናቐረቦ ከደ። ሃልሃልታ ናይቲ ሓዊ ከበቦ። እቲ ትኪ ጸለመ። ሃፈጽታ ናይቲ ሓዊ ድማ ክወቅዖ ጀመረ።

 

እዚ ኩሉ ኸኸውን ከሎ ማርሴሉስ፣ እቲ  ሰማእት፣  ብጽንዓት ደው ኢሉ ይረአ ነበረ። ጸበባኡን መከራኡን ኣጸቢቑ ናብ መድሓኒኡ ከምዝጽጋዕ ገበሮ። ዋላኳ እቶም ሰባት ብግህዶ ክርእይዎ እንተዘይከኣሉ እቲ እሙን ዝኾነ መድሓኒኡ ግና ምስ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ነቲ እሙን ምስክሩ የጸናንዖ ነበረ።

 

ሃልሃልታ ናይቲ ሓዊ ንምሉእ ኣካላቱ ከደኖ። ህይወቱ’ውን እንዳደኸመት መጸት። መንፈሱ ከኣ ናብ ናይ ዘለኣለም ዕረፍታ ንኽትኣቱ ክትዳሎ ጀመረት።

 

ኣብ መወዳእታ እቲ ስቓይ ሓይሉ ከድክሞ ጀመረ። ስኑ ነኺሱ ግና ነቲ ናይ መወዳእታ ስቓዩ ክቕበል ቆረጸ። ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ሓፍ ኣቢሉ ብመጠኑ ኣወናጨፈን። ተበራቲዑ ድማ ሓንቲ ቃል ከውጽእ ከኣለ፣

 

“ዓወት!”

 

ምስዚኣ ቃል ድማ ነፍሱ ካብ ስጋኡ ተፈለየት። ኣብቲ ሃልሃልታ ሓዊ  ከኣ ብግምባሩ ተደፍአ። ናይ ማርሴሉስ ነፍሲ ድማ ምስቲ ካብ ኩሉ ዝበልጽ ክርስቶስ ንኽትነብር ናብ ሰማይ ዓረገት።

ሉኩሉስ

 

መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ።

 

በቲ ኣብቲ ምርኢት ዝረኣዮ ስቓይን ሞትን ዝጓሃየ፤ ኣዒንቱ ካብ ማርሴሉስ ንሓንቲ ካልኢት’ኳ ዘይነቀለ፤ ኩሉ ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ ኣብ ኣእምሮኡ ዘስፈረ፤ ኣብቲ ሜዳ ዝተዘርባ ቃላት ድማ ሓንቲ ከየትረፈ ዝሰመዐ ሓደ ተዓዛቢ ነበረ። ኩሎም እቶም ተዓዘብቲ ካብቲ ዓቢ ህንጻ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክወጹ ከለዉ ንሱ ጥራይ ንበይኑ ካብ መቐመጢኡ ከይተንሰአ ኣብቲ ዝነበሮ ጸነሐ። ነዊሕ ጸኒሑ ከኣ ተንሲኡ መንገዱ ቀጸለ።

 

ኣካይዳኡ ከም ናይ ኩሉ መዓልቲ ቅልጥፍ ቅልጥፍ ዝበለ ኣይነበረን። ብሓሳቡ ኣርሒቁ ተወንጪፉ ነበረ። ኣጠማምትኡ ድማ ሓሚሙ ቀንዩ ዝተንሰአ ይመስል ነበረ። ነቶም ጥቓኡ ዝነበሩ ሓለውቲ-ደገ ምልክት ምስ ገበረሎም ከኣ ናብቲ ሜዳ ዘእቱ ማዕጾ ከፈትሉ።

 

ንሓደ ካብቶም ዋርድያታት፣ ናይ ምውታት ሓምዅስቲ መትሓዚ ዝኸውን ኣቕሓ ንኸምጽኣሉ ድሕሪ ምእዛዝ ድማ ናብቲ ኣብ ምጥፋእ ገጹ ዝነበረ ሓዊ ተጸገዐ። ኣብኡ ብዘይካ ቕሩብ ካብ ሓዊ ዝተረፋ ኣዕጽምቲ ካልእ ዋላ ሓንቲ ኣይረኸበን። እቲ ዝተረፈ ናይ ማርሴሉስ ዓስከሬን ናብ ሓሙዅስቲ ተቐይሩ ነበረ።

 

ሉኩሉስ ከኣ ናይ ማርሴሉስ ተረፍ ዓጽምን ሓምዅስትን ወሲዱ ኣብቲ እቲ ዋርድያ ዘምጽኣሉ ኣቕሓ ብጥንቃቐ ኣቐመጦ።

 

ካብቲ ሜዳ ወጺኡ ክኸይድ ከሎ ከኣ ምስ ሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ተራኸበ። ሉኩሉስ ከኣ ትሕትና ብዝመልኦ ኣገባብ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” በሎ።

 

እቲ ሰብኣይ ከኣ “ኣነ ናይ ማሕበር ክርስትያናት ሽማግለ እየ። ስመይ ድማ ሆኖሪዮስ ይበሃል። ኣብዚ ቦታ ሓደ ናይ ቀረባ ፈታዊየይ ተቐቲሉ ኣሎ። ናብዚ መምጽእየይ ከኣ ናይቲ ዝሞተ ሓውና ተረፍ ሬሳ ንምውሳድ እዩ።”

 

ሉኩሉስ ከኣ “ምሳይ ብምርኻብካ ብጣዕሚ ዕድለኛ ኢኻ። ስምካ ንኻልኦት ሰባት ነጊርካ እንተትኸውን ነይርካ ብኡብኡ ምተተሓዝካ ነይርካ። ንዓኻ ሒዙ ዘቕረበ ሽልማት ከምዝወሃቦ ተኣዊጁ ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ፣ እቲ ዝለመንካዮ ክገብረልካ ዝኽእል ኣይመስለንን እዩ። ርግጽ’ዩ፣ ማርሴሉስ ሎሚ መዓልቲ ብሞት ሓሊፉ እዩ። ሓምዅስቱን ተረፍ ዓጽሙን’ውን ኣብ ኢደይ ኣሎ። እንተኾነ ግና ዓጽሙ ኣብ ማእከል ናይ ኣዝማዱ መቓብር ብኽብሪ ክዓርፍ ወሲነ ኣለኹ። ማርሴሉስ ናይ ልቢ ዓርከይ እዩ ነይሩ። ሞቱ ንምድሪ ባዶ፣ ንህይወተይ ድማ ከንቱ ገይርዋ ኣሎ” በሎ።

 

ሆኖሪዮስ ከኣ መሊሱ ከምዚ በሎ “ንስኻ ሉኩሉስ ክትከውን ኣለካ። ማርሴሉስ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ካብ ኣፉ ፈልዩካ ኣይፈልጥን ነይሩ። ናባኻ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣዝዩ ልዑል እዩ ነይሩ።”

 

“ብርግጽ ኣነ ሉኩሉስ እየ። ከምዚ ናይ ክልቴና ዝኣመሰለ ዕርክነት ቅድሚ ሕጂ ኣይነበረን። ብድሕሪ ሕጂ’ውን ክህሉ እዩ ኢለ ኣይኣምንን እየ። እንተዝከኣል ነይሩስ ንነፍሱ ካብ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ንኸድሕና ድሉው ነይረ። ገዛእ ርእሱ ንሕጊ ኣሕሊፉ እንተዘይህብ ነይሩ ኣይምተኣሰረን ነይሩ። ዘሕዝን ዕድል ኣጋጢምዎ። ንኸይተሓዝን ከይእሰርን ፍሉይ ጻዕሪ ኣብ ዝገብረሉ ዝነበርኩ እዋን ክሳዕ ኣብቲ ቄሳር ዝነበሮ ቦታ ብድፍረት መጺኡ። ኣነ ድማ ነቲ ዘፍቅሮ ዓርከይ ሒዘ ኣእሲረዮ። መወዳእትኡ ድማ ከምዚ ዘሕዝን ኮይኑ ተሪፉ።”

 

“እዚ ንዓኻ ዘሕዝን መሲሉ ዝረኣየካ ዘሎ ኣማውትኡ ንእኡ ግና ፍጹም ሓጎሱ እዩ ነይሩ። ንሱ ናይ ዘለኣለም ሓጎስ ወራሲ ኮይኑ እዩ።”

 

ሉኩሉስ’ውን “ሞቱ ናይ ዓወት ሞት ነይሩ” ክብል መስከረ። “ቅድሚ ሕጂ ብዙሓት ክርስትያናት ክሞቱ ከለው ናይ ዓይኒ ምስክር ነይረ እየ። እንተኾነ ግና ተስፍኦምን ትብዓቶምን ከም ናይ ሎሚ ገይሩ ንልበይ ኣይተንከፎን። ማርሴሉስ ንሞት ከም ሓደ ዓቢ በረኸት እዩ ቆጺርዎ ነይሩ።”

 

“ንሱ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብተን እንነብረለን ዘሰቅቓ በዓትታት ተቐቢሮም ዘለው ኩሎም ሰማእታት፣ ንሩባ ሩባ ድነ ሞት ብሓጎስን ምስጋናን እዮም ተሳጊሮሞ። ናይ ማርሴሉስ ተረፍ ሬሳ ከኣ ምስኦም ኣብ ናይ ክብሪ ቦትኡ ክዓርፍ ደልየ ኣለኹ እሞ ክትህበኒ ትፈቅድዶ ኢኻ?”

 

“ዝኸበርካ ሆኖሪዮስ፣ ዋላኳ እቲ ብጣዕሚ ዘፍቅሮ ዓርከይ ብሞት እንተተፈለየኒ፣ ዓስከሬኑ ግና እቲ ዝግባእ ስርዓት ብምፍጻም ኣብ መቓብሩ ንኸልቅስ ወሲነ ኣለኹ።”

 

“ዝኸበርካ ሉኩሉስ፣ ዓርክኻ ማርሴሉስ ስነስርዓት ቀብሩ ብመሰረት ሓድሽ እምነቱ እንተዝፍጸመሉን ስሙ ድማ ኣብ ጎኒ እቶም ዝሓለፉ ሰማእታት ተቐሪጹ እንተዝዓርፍን ዝመርጽዶ ኣይመስለካን?”

 

ሉኩሉስ ከኣ ዋላ ሓንቲ ከይተዛረበ ንቑሩብ ግዜ ጸነሐ። ኣብ መወዳእታ ድማ ከምዚ በለ። “እወ ነዚ ንስኻ ትብሎ ዘለኻ ከምዝመርጽ ኣይጠራጠርን እየ። ኣነ’ውን ንትምኒቱ ከሰናኽል ኣይደልን እየ። ስለዚ እቲ ሓሲበዮ ዝነበርኩ ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ይትረፍ። ኦ ሆኖሪዮስ፣ እነሆልካ ውሰዶ። እንተኾነ ግና ሓንቲ ዝልምነካ ነገር ኣላትኒ። ንሓደ ከም ጸላኢኹም እትርእይዎ ወተሃደር ነቲ ስነስርዓትኩም ክዕዘብ ተፍቅድሉዶ?”

 

“እወ ሉኩሉስ፣ ከምቲ ንማርሴሉስ ዝተቐበልናዮ ንዓኻ’ውን ብሰላም ክንቅበለካ ድልዋት ኢና። መን ይፈልጥ እቲ ማርሴሉስ ዝተቐበሎ በረኸት ንዓኻ’ውን ይበጽሓካ ይኸውን።”

 

ሉኩሉስ ድማ “ከምኡስ ከቶ ኣይምሰልካ። ኣነን ማርሴሉስን ሓደ ኣይኮንናን። ኣነ ካብኡ ብብዙሕ መንገዲ ዝተፈለኹ እየ። ምሳኻትኩም ብምርኻበይ ብዛዕባ ኩነታትኩም ብዝበለጸ ንኽርዳእን ንኽድንግጸልኩምን ይገብረኒ ይኸውን። ከም ሓደ ካባኻትኩም ንምዃን ግና ፈጺመ ኣይውዕሎን እየ” በሎ።

 

“ዝኾንካ ዓይነት ሰብ እንተኾንካ ኣየገድሰናን እዩ። ኣብቲ ንዓርክኻ እንገብረሉ ስነስርዓት ክትርከብ እንተኽኢልካ ግን ብጣዕሚ ደስ ይብለና። ጽባሕ ናብቲ ዘለናዮ ቦታ ዘምጽኣካ ሓደ ልኡኽ ክንሰደልካ ኢና።”

 

ሉኩሉስ ከኣ ናብቲ ክርስትያናት ዝነብሩሉ ቦታ ንምኻድ ፍቓደኛ ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላጽ፣ ዓጽሚ ማርሴሉስ ንሆኖሪዮስ ኣረኪቡ ናብ ሰፈሩ ተመልሰ።

 

ንጽባሒቱ ከኣ ሉኩሉስ ምስቲ ዝተለኣኸሉ ልኡኽ ኮይኑ ናብ ካታኮምብ ብምኻድ ናይ ክርስትያናት ህይወትን ኩነታት ናይቲ ዝነብርሉ ቦታን ብቐረባ ክዕዘብ ከኣለ። ናይቲ ቦታ ኩነታት፣ ናይቶም ክርስትያናት ሽግርን ስቓይን ከኣ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ማርሴሉስ ኣረዲእዎ ዝነበረ ኮይኑ ረኸቦ።

ኣብ ውሽጢ’ቲ በዓቲ ድማ ሓደ ኣማኒ ካብዛ ዓለም ብሞት ምሕላፉ ዝሕብር ናይ ብኽያትን ሓዘንን ድምጺ ተሰምዐ። ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባቲ ንነፍሲ ኣማኒ ኣብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝጽበያ ዘሎ ናይ ሓጎስን ክብርን ብስራት ብግልጺ ተኣወጀ። ሆኖሪዮስ ከኣ ነቲ ክቡር ዝኾነ ናይ ብራና ጥቕላል ኣልዒሉ ነታ ኣብ ግዜ ጸበባን መከራን ምንጪ ዓቢ ምጽንናዕ ዝኾነት ፍቕዲ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆረንቶስ ኣንበበ።

 

እዚኣ ፍቕዲ’ዚኣ፣ ወለዶ ሓሊፉ ወለዶ ክትካእ ከሎ፣ ብስራት ትንሳኤ ብምብሳር ንኣመንቲ ናይ ተስፋ መልህቕ ኮይናቶም እያ።

 

ሆኖሪዮስ ከኣ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣልዒሉ፣ ናብቲ በቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ኮይኑ ዘማልድ ክርስቶስ ገይሩ ንሞትን ሲኦልን ዝሰዓረ ህያውን ቅዱስን ኣምላኽ፣ ልባዊ ጸሎቱ ኣዕረገ።

 

ሉኩሉስ ብዛዕባ ዓርኩ ካብ ልቢ ከም ዝጓሃየ ይረአ ነበረ። ዋላ’ኳ ከም ሓደ ካብቶም ክርስትያናት እንተዘይኮነ፣ ነቲ ሰናይ ዝኾነ ትምህርቶምን ነቲ ዓቢ ተስፋኦምን ግና ከየድነቖ ኣይተረፈን። ናይ ማርሴሉስ ተረፍ ሬሳ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ቦትኡ ዘንበረን ነቲ ስሙን መዘከርታ ጽሑፍን ዝሓዘ ሰሌዳ ከኣ ኣብ ጥቓ እቲ መቓብር ዝሰቐለ’ውን ሉኩሉስ እዩ ነይሩ።

 

ሉኩሉስ ድማ ኩሉ ኩነታቱ ተለዊጡ ካብ ካታኮምብ ናብ ሰፈሩ ተመልሰ። ብሰንኪ ሞት ዓርኩ ዝተሰመዖ ሓዘን ከኣ ነቲ ብሩህ ገጹ ደዊንዎ ነበረ።

 

ሉኩሉስ ንሆኖሪዮስ “ክርስትያን ብፍጹም ኣይከውንን እየ” ክብል ዝተዛረቦ ዘረባ ካብ ልቡ እዩ ዝነበረ። ናይ ብጻዮ ሞት ንልቡ ብጓሂ እንተሰበሮ’ኳ፣ ብሓጥያቱ ናይ ምጥዓስ፤ ንስሓ ናይ ምእታው ይኹን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ናይ ምፍላጥ ዝኾነ ይኹን ድልየት ኣየሕደረሉን። ከምቲ ናይ ቀደሙ ብዓለማዊ ነገራት ምሕጓስ እንተገደፎ’ኳ፣ ሓጎስ ክህቦ ዝኽእል ናቱ መተካእታ ግና ኣይረኸበን ነበረ።

 

ዝኾነ ኮይኑ ግና ናይ ብጻዩ መዘከርታ ሓደ ስምዒት ከይፈጠረሉ ኣይተረፈን። ስለዚ ከኣ ነቶም ማርሴሉስ ዝተጸንበሮም፣ ኣብ መከራ ዝነበሩ ክርስትያናት ዝነበሮ ርህራሄ እንዳወሰኸ ከደ። ንጽንዓቶም ዝነበሮ ኣድናቖትን፣ ስለቲ ብዘይ ኣገባብ ዝወርዶም ዝነበረ ጭቆና ዝስምዖ ዝነበረ ጓሂን ሱር እንዳሰደደ ከደ። ኣብ ሮማ፣ ሓቂ፤ ሕያውነትን ጭዋነትን ምስዚኦም መሳኪን ጥራይ ከምዝተረፋ ኣስተውዓለ።

 

እዞም ስምዒታት ከኣ ቀንዲ ናይ ክርስትያን ደጋፊ ገበርዎ። ቅድሚ ሕጂ ንማርሴሉስ ሂብዎ ዝነበረ ተስፋ ብምዝካር ድማ ብዝተኻእሎ መጠን ክርስትያናት ንምሕጋዝ ቆሪጹ ተላዕለ ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ወተሃደራቱ ክርስትያናት ንኸይኣስሩ ኣዘዞም። ነቶም ዝተኣስሩ’ውን ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዘምልጡ ገበሮም። ክብሩ፤ ስልጣኑን ሃብቱን ናይቶም ክርስትያናት ሽግር ንምቅላል ተጠቀመሉ። እቶም ክርስትያናት’ውን ፈታዊኦም ምዃኑ ብምስትውዓል ንመንበሪ ገዝኡ ከዘውትርዎ ንስሙ’ውን ከኽብርዎ ጀመሩ።

 

መቸስ ኩሉ ነገር መወዳእታ ከም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ።

 

ማርሴሉስ ምስ ሞተ ኣብ ዓመቱ ቄሳር ዴኪዩስ ካብ ንግስነቱ ወሪዱ ብኻልእ ቄሳር ተተከአ። ናይ ክርስትያናት መከራን ስደትን ድማ መዕለቢ ረኸበ። ካብ በዓትታት ካታኮምብ ወጺኦም ከኣ ብሰላምን ህድኣትን፣ ንጹህ ኣየርን ናይ ጸሓይ ብርሃንን ኣብ ዘለዎ ቦታ ክነብሩ  ጀመሩ። ንመድሓኒኦምን ነቲ ሓላዊኦምን ዘዕርግዎ ምስጋና ድማ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ክስማዕ ጀመረ። ምስቶም መናፍስቲ እከይ ዘካይድዎ ውግእ ከኣ ብጋህዲ ቀጸልዎ።

 

ሓያለይ ዓመታት ሐለፋ። እንተኾነ ግና ኣብ ህይወት ሉኩሉስ ዋላ ሓንቲ ለውጢ ከይተረኣየ ተረፈ። ሆኖሪዮስ ካብ ካታኮምብ ምስ ወጸ ሉኩሉስ ተቐቢሉ ምስኡ ኣብ ገዝኡ እንዳኣለየ ኣቐመጦ። ሆኖሪዮስ’ውን ብወገኑ ብትግሃት ብዛዕባ እምነት ክርስቶስ የረድኦ ነበረ። እንተኾነ ግና ንሱ’ውን ንሉኩሉስ ናብ እምነት ክርስትና ከምጽኦ ከይከኣለ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈለየ።

 

እንተኾነ ግና ናይ ማርሴሉስን ሆኖሪዮስን ድኻም ንኸንቱ ኣይተረፈን። ሉኩሉስ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ኩነታት ናይ ዓለም እናተረደኦ ከደ። ክብረት፤ ስልጣንን ሃብትን፣ ምሉእ ዝኾነ ሓጎስ ክህብዎ ከምዘይክእሉ ድማ ተረደአ። ኣብ ዘመን እርጋኑ ከኣ ህይወቱ ንክርስቶስ ኣሕሊፉ ሃበ። እቲ ቅዱስ ዝኾነ መንፈስ ኣምላኽ’ውን ንልቡ ብድሕነት ክርስቶስ ከም ዝዓግብ ገበሮ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣዮ ኩሉ ነገር ከኣ ንልቡ ጽንዓት ሃቦ።

 

እቶም ቄሳራት ንክርስትያናት ኣብቲ ዘሰቅቕ በዓትታት ካታኮምብ ንኽነብሩ ካብ ዘገድድዎም ነዊሕ ዘመናት ሓሊፉ እዩ። ሎሚ ኣብቲ ታሪኻዊ ዝኾነ ጎደና ኣፒያ ኣንቲካ ኮይንካ ክትዕዘብ ከለኻ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መቓብራት ክሳዕ ጫፍ ናይታ ከተማ በጺሑ ይረአ። እዚ ኣብ ሓደ እዋን ናይ ሮማ ሓያላን መዕረፊ ስፍራ እዩ ነይሩ። ብህይወቶም ከለዉ ዝነበሮም ክብረትን ሃብትን ከኣ ብጽባቐ ናይ መቓብራቶምን በቲ ኣብ መቓብሮም ተጻሒፉ ዝነበረ ጽሑፋትን ክትርዳእ ይከኣል ነይሩ። ኣብ ትሕት’ዚ ቦታ ድማ ናይቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ንጹህ ኣየር ከየስተማቕሩ ዝተኸልከሉ ክርስትያናት መቓብር ይርከብ።

 

ሕጂ ግና ኩሉ ከም ዘይነበረ ኮይኑ እዩ። እቶም ቀደም ብግርማኦም ዝድነቑ ዝነበሩ መቓብራት ሕጂ ክብሮም ተዋሪዱ፤ ህንጻኦም ፈራሪሱን ምስ ሓመድ ተሓዋዊሱን እዩ። ደሮናኦም ብኣርባዕተ ማእዝናት በኒኑ ጠፊኡ እዩ። ናይ ብዙሓት ስም’ውን ተረሲዑ እዩ።

 

እቲ መስሪቶሞ ዝነበሩ ዓቢ መንግስቲ ወዲቑ፣ እቲ ዝእዝዝዎ ዝነበሩ ሰራዊት’ውን ኣብ ፈቐዶኡ ተበታቲኑ ተሪፉ እዩ። መዘከርታ ናይቶም ካብ ገጽ ምድሪ ተሰጕጎም ኣብ ከርሲ ምድሪ ከምዝዓርፉ ዝተገብሩ ክርስትያናት ግና ክሳዕ እዚ ዘለናዮ ዘመን ብዓቢ ኣኽብሮት ተዓቂቡ ይርከብ። ብዙሓት ምእመናን ካብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት ዓለም እናመጹ ይበጽሕዎ። የድንቕዎ ከኣ። እወ፣ እዚ ናይቶም ቀዳሞት ሰማእታት መዕረፊ ዝኾነ ስፍራ’ዚ ክሳዕ ካልኣይ ምጽኣት ጎይታ ተኸቢሩ፣ ወለዶታት ከኣ እናድነቕዎ ክነብር እዩ። እቶም ዝተናዕቁ፤ ዝተጸልኡን ዝተሰደዱን ኣመንቲ፣ ስሞም ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዘስፍር ዋላ ሓንቲ ዝና ኣይነበሮምን። እንተኾነ ግና እቲ ክቡር ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ከም ዝሰፈረ ፍሉጥ እዩ። ግዲኦም’ውን ምስቶም እዘን ዝስዕባ ቃላት ዝተባህለሎም ቅዱሳት ከምዝኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ይምስክረልና።

“እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፣

ንክዳውንቶም ከኣ

ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ።

ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን ኣምላኽ እዮም፣

ኣብታ መቕደሱ’ውን

ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለው።

እቲ ኣብቲ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ከኣ፣

ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ክተኽሎ እዩ።

እቲ ኣብ ማእከል ዙፋን ዘሎ ገንሸል ዝለዝጓስዮም፣

ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለዝመርሖም፣

ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም

ንብዓት ዘበለ ክደርዘሎም እዩ እሞ፣

ደጊምሲ ኣይክጠምዩን፣ ኣይክጸምኡን እዮም።

ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ።

 

 

 
 

 

 

 

 

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
444 0