Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home Articles Teaching ኣተኣታትዋ ሓጢኣት
ኣተኣታትዋ ሓጢኣት
Teaching
Saturday, 18 February 2012 23:23

1. መበቆል ሓጢኣት

ዝንበብ ጥቓታት፦ ህዝ. 28፡1-19, ኢሳ. 14፡12-15

     ኣብተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ጥቕስታት ከም እንርድኦ፡ እቲ ቐዳማይ ዝሓጥኤ ፍጡር ሉሲፈር (Lucifer) ዝተባህለ መልኣኽ እዩ። ዝፈጸሞ ሓጢኣት ከኣ ትዕቢት፡ ዘይምእዛዝ፡ ርእሱ ማዕረ ኣምላኽ ክኸውን ምድላይን ነበር፡ በዚ ምኽንያት ሓጥኤ። ምስ ሓጥኤ ድማ ሰይጣን ተሰምየ።

2. ትዕቢት ሱር ኩሉ ሓጢኣት ከም ዝኾነ

     "ብምኽንያት መልኽዕካ ልብኻ ተዓበየ፡ ብኽብረትካ ጥበብካ ኣበላሾኻ..." ህዝ. 18፡17 "ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮኾብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ካብ ሰማይ ውደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርበኻ። ንስካ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ከዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ከረን ማሕበር ክቕመጥ ኢየ። ኣብ ልዕሊ ርእሰ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ።" ኢሳ. 14፡12-14

     እቲ ብመልክዑ ፍጹም ዝነብረን ብጥበብ ዝተመልአን ሉሲፈር፡ ንኣምላኽ ክመስልን ማዕረ ኣምላኽ ክከውንን፡ እቲ ንኣምላኽ ዚግባእ ክብሪ ድማ ናብኡ ናብ ገዛእ ርእሱ ክኣልዮ ደለየ፡ ብኽብረቱ ተዓበየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ናብቲ መዓሙቕ ጉድጕድ ናብ ሲኦል ደርበዮ። ሕጂ ድማ ኣብ ደቂ ሰባት (ኣብ ኣዳምን ሄዋንን ይኹን ኣብ ዘርኦም) እታ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝሓደሮ ትዕቢት እናሓደረ ኣብ ሕጢኣት የውድቕ ኣሎ።

3. ኣተኣታትዋ ሓጢኣት ኣብ ዓለም (ዝንበብ ጥቕሲ ዘፍ.3፡1-13)

 

     ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጥቕሲ ከም እንምልከቶ ሰይጣን በቲ ጎራሕ ተመን ተመሲሉ ንሄዋን ከም ዘስሓታ ንርኢ። እቲ ዘስሓተስ ሰይጣን እምበር ተመን ኣይነበረን። ዲያቢሎስ ንደቂ ሰብ ንምስሓት ብእንስሳ ወይ ብሰብ ይጥቀም። መቴ. 16፡23

ንሄዋን ዘውደቑ ነጥብታት ብዝርዝር፦

ሀ. ኣንጻር ኣምላኽ ዝኾነ ዘረባ ስቕ ኢላ ሰምዔት

ለ. ኣብ ቃል እግዚኣብሄርን ፍቕሩን ተጠራጠረት

ሐ. ናብቲ እግዚኣብሄር ዝኸልከሎ ነገር ረኣየት (ተመልከተት)

መ. እግዚኣብሄር ዝኸልከሎ ነገር (ነቲ ዝረኣየቶ) ተመነየት 

ሰ. ሕጊ (ትእዛዝ) እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣፍረሰት

ረ. ትእዛዝ ኣምላኽ ብምፍራሳ ድማ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣእተወት

     ኣብ ኩሉ ዘመናት ሰይጣን ዝጥቀመለን ሰለስተ መሳርሒታት ኣለወኦ፡ ንዕኤን ኣብ ሄዋን ተጠቂሙለን ኣብ ክርስቶስውን ተጠቂሙለን፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዝደሓኑ ሰባት ይጥቀመለን።

     እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ከኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባ'ውን እተብህግ ኦም ምኻና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ከኣ ንሰብኣያ ሃበቶ፡ ንሱውን በልዔ።"ዘፍ. 3፡6   ሉቃ. 4፡1-13

     "ኩሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ካብ ዓለም እዩ እምበር ካብ ኣቦስ ኣይኮነን።" 1ዮህ. 2፡16

ሀ. ንምብልዓ ጥዕምቲ               ፍትወት ስጋ

ለ. ነዒንቲ ከኣ ጽብቕቲ             ፍትወት ስጋ

ሐ. ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ     ንብረት ትዕቢት

     እዘን ሰለስተ መሳርሕታት ናይ ሰይጣን እዚኣተን ኣብ ሕይወት ሄዋን ምስ ሰርሓ፡ ወሲዳ በልዔት፡ ምስኣ ከኣ ንሰብኣያ ሃበቶ'ሞ ንሱውን በልዔ። ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምጥሓሶም ድማ ኣበሱ፡ ሓጢኣት ከኣ ናብ ዓለም ኣተወት።

5.     ፍረሓጢኣት (ዓስቢ ሓጢኣት)

 

     "ዓስቢ ሓጢኣት'ሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጎይታና ናይ ዘልኣለም ሕይወት ኢዩ።" ሮሜ 6፡22

     "እንሆ ኩለን ነፍሳት ናተይ እየን፡ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ከምኡ'ውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ክትመውት እያ።" ህዝ. 18፡4

     ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ምኻኑ ኣብ ላዕሊ ዘለው ጥቕስታት የረድኡና። ብሓፈሽኡ ሞት ማለት ምፍላይ ማልት እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ዓይነት ሞት ከም ዘሎ የስተምህረና (ተጠቒሱ ይርከብ)

ሀ. መንፈሳዊ ሞት ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘይብልካ ምኻን ማለት እዩ። ወይ ምስ

                     ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ምቁራጽ፡ መንፈስካ ካብ ኣምላኽ ምፍላይ

                   ማለት እዩ። ኤፌ. 2፡1-2, 4:17-19   1ጢሞ. 5፡6-15

ለ.   ስጋዊ ሞት   መንፈስ ናይ ሰብ ካብ ስጋ ክወጽእ ወይ ክፍለ ከሎ፡ ስጋ ናብ

                     መሬት፡ መንፈስ ከኣ ናብቲ ወሃቢኡ ክምለስ ከሎ ማለት እዩ።

                     ያእ. 2፡26 ግብ.ሃ. 7፡59-60[SS1] 

 

ሐ.   ካልኣይ ሞት ወይ ዘልኣለማዊ ሞት፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ስጋዊ ሞት ምስ ተንስኤ

                    እሞ ናብ ፍርዲ ምስ ቀረበ ንዘልኣለም ኣብ ቀላይ ሓውን ዲንን

                     ንስቓይ ምእታው ማለት እዩ። ኣብኡ ድማ ዘይሞቱ ዝባልዑ

                     ሓሳኹን ዘይጠፍእ ቀላይ ሓውን፡ ነቲ ዘይመውት ስጋ እናንደዶን

                     እናበልዕዎን ዝነብር ናይ ስቓይ ናብራ ኢዩ። ራእ. 20፡14-15

                     ማር. 9፡44-45   ኢሳ. 66፡24

     ከምቲ ኣብ ዘፍ. 3፡14-24 እንርእዮ፡ ፍረ ሓጢኣት ሞት ጥራይ ዘይኮነስ መርገም'ውን እዩ። መርገም ውድቀትን መርገም ሓጢኣትን ተብሂሉ ከኣ ኣብ ክልተ ይኽፈል፦

ሀ. መርገም ውድቀት፦ እዚ መርገም እዚ ኣዳምን ሄዋን ኣብ ኤደን ገነት ሓጢኣት ምስ ገበሩ ዝተረገምዎ መርገም ክኸውን ከሎ ኣብዚ ጊዜ እዚውን እንተኾነ እቶም ብኽርስቶስ ዝኣመና ብእምነትን ብጸሎትን እዚ መርገም እዚ ኣባና ክቐልል ይኽእል እዩ እምበር ክሳዕ መንፈሳዊ ስጋ እንለብስ ካብኡ ሓራ ኣይወጻእናን።

 

ስእሊ

ኣብኡ ድማ፦

  • ንተመን ዝምልከት መርገም ዘፍ. 3፡14-15[SS3]
  • ንሄዋን (ንሰበይቲ)ዝምልከት መርገም ዘፍ. 3፡16
  • ንኣዳም (ንሰብኣይ) ዝምልከት መርገም ዘፍ. 3፡17-19

 

ለ. መርገም ሕጊድሕሪ መርገም ውድቀት ክሳዕ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ዚህቦ፡ ሕጊ ኣይነበረን፡ እንታይ ደኣ ሰብ ብሕልናኡ ተመሪሑ ይኸይድ ነበረ። እቲ ሕልና (ክፍሊ ናይ መንፈስና፡ ማለት ጽቡቕን ክፉእን እንፈልጠሉ) ካብ ኣማልኽ ዝተዋህበ ስለ ዝነበረ፡ ሕጊ ኣምላኽ ኣብ ሕልና ደቂ ሰባት ተጽሒፉ ነበረ። እዚ ዘበን ኢዚ ብዘበን ሕልና ይፍለጥ። ብብዝሒ ሓጢኣት ሰብ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሕግጋቱ ንህዝቢ እስራኤል ኣፍለጠ። እዚ ሕግታት እዚ ድማ ተጻሕፈ፡ ነዚ ሕግታት ኣማልኽ ዝጠሓሰ ዘበለ ድማ መርገም ሕጊ ተወሰኾ። ገላ. 3፡19

     እዚ መርገም ሕጊ እዚ ድማ ብሙልኡ ኣብ ዘዳ. 28 ተጻሒፉ ንረኽቦ። እዚ መርገም እዚ ድማ መንፈሳዊ ሞት፡ ድኽነት፡ ስቓይ፡ መግዛእትን ሕማምን እዩ።

   "ስለዚ ከኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓለፈ።" ሮሜ 5፡12

ካብ ሮሜ 5፡12 ኣርባዕተ ኣድለይቲ ነጥብታት ክንርኢ ኢና

 

  1. 1.ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ካብ ልቢ ሰይጣን ናብ ዓለም ኣተወ።
  2. 2.ሓጢኣት ምስ ኣተወ ከኣ ሰለስቲኡ ዓይነት ሞት ናብ ዓለም ኣተወ።
  3. 3. ኩላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ (ገና ኣብ ሕቖ ኣዳም ከሎና በዲልና ማለትዩ) ከምቲ

   ኣብ ዘፍ. 5፡3 . . . ከም መልክዑ ከኣ ንእኡ ዚመስል ወዲ ወለደ ዝብሎ፡

       ሓጢኣተኛ ኣዳም፡ መንፈሳዊ ሞት ዝሞተ ኣዳም፡ ከምኡ ሓጢኣተኛን መንፈሳዊ

       ሞት ዝሞተ ውሉድ ከም ዝወለደ የርእየና።

4.        ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓለፈ።" ሕጊ ኽሳዕ ዚመጽእ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡

   ኣብቲ ሕጊ ዜብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቁጸርን እዩ፡፡ ሞት ግና ካብ ኣዳም

   ጀሚሩ ክሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን

   ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዚመጽእ እዩ።" ሮሜ 5፡13-14 እምበር ኩሎም ስለ

   ዝሓጥኡ ክብሪ ኣምላኽ'ውን ስለ ዝሰኣኑ ሞት ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሰብ ሰልጠነ።

   ሮሜ 3፡23


 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
444 0