| መላእኽቲ፡ ኣገልገልቲ መናፍስቲ |
| Teaching | |||
| Thursday, 21 October 2010 14:02 | |||
|
1 . ህላውነት መላእኽቲ እዚ ሓደ ካብቲ ስነ-መለኮት ብንዕቀት ዚርእዮ ኣርእስትታት እዩ። ነዚ ክትርዳእ ቀሊል እዩ፡ ምኽንያቱ ብዛዕባ መላእኽቲ ዚወሃብ ኣርእስቲ ኣዝዩ ውሑድ እዩ።እዚ ምንዓሕ እዚ ብዙሕ ምኽንያታት ኪህልዎ ዚከኣል እኳ እንተዀነ ግናኸ ወይ ዘይምቕባል እቲ መሰረተ እምነት እዩ ወይ ከኣ ነቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ምንጻግ እዩ። ኣብ ዘበንና እቲ ብዛዕባ ህላውነት መላእኽቲ ዚነጽግ ኒዮ-ኦርቶዶክስ ናብ ኣጋንንትን ተግባራቶምን ጥራሕ ከነተኲር ይደፋፍኣና ኣሎ። ሰባት ህላውነት መላእኽትን ኣጋንንትን እንተኸሓደ እኳ እቲ መዓልታዊ ተግባራቶም ግና ክትክሕድ ኣይገብረካን እዩ። ሓደ ካብቲ ህላውነት መላእክቲ ክንነጽግ ዚደፋፍኣና ገለ ልዕሊ ሰብ ዝዀነ የልቦን ካብ ዚብል ሓሳብ ዝነቅል እዩ። ግናኸ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ዝዀነ ነገራት ኬጋጥመና ኸሎ ግና ህላውነቶም ክንቅበል ይገብረና እዩ። ፍልጠት ሰብ ሰብ ኲሉ ፍጥረት ዓብሊለ ዓለማት ወይ ኣድማስ ኪርዳእን ኣሎን የሎን ኢሉ ኪፈርድን ኬስተውዕልን ዜኽእል ዓቕሚ ፍልጠት የብሉን። መላእኽቲ ዝበሃሉ ፍጥረት ኣለዉዶ የለውን ኢሉ ኪዛረበሉ ዚኽእል ዓቕሚ ፍልጠት የብሉን። ንሱ ነቲ ህላውነቶም ኪፈልጥ ልዕሊ ዓቕሙ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኣብቲ ንሳቶም ዝተፈጥሩሉ ኣይነበረን። ከምኡውን ተመኲሮኡ ህላውነት መላእኽቲ ከም ዘሎ ኬሕስቦ ኣይኽእልን እዩ። ኲልሳዕ ኣእምሮኡ ኸኣ ንዝዀነ ይኹን ነገር መግለጺ ኪረኽበሉ እዩ ዚደሊ። በርናርድ ራም ዝተባህለ ሰብኣይ ኣብታ "መላእኽቲ" እትብል መጽሓፉ (ገጽ 64) ብዛዕባ ድሩትነት ኣእምሮ ሰብ ብኸምዚ ይገልጾ፡ "ሰብ ንዂሉ ፍጥረታት ዚኸውን ክእለታት እትብል መምርሒ መጽሓፍ የብሉን። ካብቲ ፈጣሪ ወጻኢ ብዛዕባ ፍጥረቱ ኪገልጸሉ ዚኽእል መግለጺ የብሉን።" ስለዚ እቲ ድሩት ፍልጠት ሰብ፡ "መላእኽቲ ዚበሃሉ ፍጡራት ኣለው ወይ የለውን።" ኪብል ዜኽእል ዓቕሚ የብሉን። መጽሓፍ ቅዱሳዊ መግለጺ
ሰብ ምግላጽ መጽሓፍ ቅዱስ እንተተቐቢሉ ህላውነት መላእኽቲ
ኪጠራጠር ኣይኽእልን እዩ። ብዛዕባ መላእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምግላጽ ክንዝክሮ ዚግባእ 3 ባህርያት ኣሎ።
እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ነገራት ምምርማሩ ኣገዳሲ እኳ እንተዀነ ነዘን 3 ነገራት ከነስተውዕለልን ግና ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ መጀመርታ እቲ ብዝሑ ኣብ ክልቲኡ ኪዳናትን ብዛዕባ ትምህርትታት ክርስቶስ ምሕሳብናን ክንርኢ ኢና።
ኣብ ግብሪ ሃዋርያት መላእኽቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ኪድግፉን ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኪኸፍቱን (ግ.ሃ.5፡19 12፡5-11)፡ ንፊልጶስን ንቆርኔሌዎስን ኪመርሕ (ግ.ሃ.8፡26 10፡1-7)፡ ንሃዋርያ ጳውሎስውን ኣብቲ እዋን ብርቱዕ ማዕበል ኬህድእ (ግ.ሃ.27፡23-25) እዮም ዚረኣዩ። ኣብቲ መልእኽትታትውን ሃዋርያ ጳውሎስ (ገላ.3፡19 1ጢሞ.5፡12)፡ እቲ ጸሓፋይ ናይ መልእኽቲ እብራውያን (እብ.1፡4)፡ ሃዋርያ ጴጥሮስን (1ጴጥ.1፡12) ይሁዳን (ይሁዳ 6) ኣብ ጽሑፋቶም ህላውነት መላእኽቲ ይኣምኑ ነይሮም እዮም። ኣብ ራእይ ዮሃንስ ከኣ ልዕሊ 65 ንጹር ጥቕስታት ልዕሊ ዝዀነት መጽሓፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ብዛዕባ መላእኽቲ ተጠቒሱ ኣሎ። ስለዚ ሓዲሽ ኪዳን ብንጹር፡ ዘየከራኽርን እንቕበሎን መረጋገጺ ህላውነት መላእኽቲ ገሊጹ ኣሎ።
መብዝሕትኡ እዋን እቲ ናይ መወዳእታ ነገር ተቓወምቲ ብዛዕባ መላእኽቲ ኪጥቀስ ዘይደልይዎ ነገር ቃላት ክርስቶስ እዩ። እሞኸ ደኣ ነዚ ክርስቶስ ህላውነት መላእኽቲ ይኣምን ነይሩ ዚብል ሓሳብ ብኸመይ ይቕበልዎ? ገሊኣቶም፡ "ጐይታና የሱስ ተጠቢሩ እዩ።" ይብሉ። ዘየለው ክነሶም ከም ዘለው ይመስሎ ነይሩ። ካልኦት ከኣ፡ "ንትምህርቱ ምስቲ ደንቆሮ ትምህርቲ ናይ ዘበኑ ኣተኣሳሰሮ።" ይብሉ። እዚ ማለት ከኣ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ህዝቢ ብመላእኽትን ኣጋንንትን ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ከም ዘየለው እኳ እንተፈለጠ፡ ከምኡ ኢሉ መሃረ። ግናኸ ገለ ካብቲ ጽሑፋት ከም (ማቴ.18፡10 26፡53) በዚ ክትርድኦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ሓድሓደ እዋንውን፡ "እቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕላቶም ከምኡ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ የሱስ ከም ዝበለ ገይሮም ኣቕሪቦምዎ እምበር ንሱስ ኣይበለን።" ይብሉ። ካብዚ ንላዕሊ ውድቀት ዚዕድም ትምህርቲ ክትምህር ኣይትኽእልን ኢኻ። ግናኸ ካልእ ቀሊልን ሓቀኛን ትምህርቲውን ኣሎ፡ "ጐይታና የሱስ ህላውነት መላእኽቲ ይኣምን እዩ፡ ንእምነቱ ኸኣ ብምምሃሩ ገለጾ።" ይብል። 2 . ፍጥረት መላእኽቲ ኣፈጣጥራ መላእኽቲ መላእኽቲ ፍጡራት እዮም። (መዝ.148፡5)። እዚ ማለት ካብ ካልኦት ዝተሓቱ ህያዋን ዝመጹ ኣይኰነን ማለት እዩ። ስለዚ መላእኽቲ ኣየእትውን ኣየተኣታትውን ወይ ኣይፋረዩን እዮም። (ማቴ.22፡30)። ኪፍጠሩ ከለው ከም መላእኽቲ እዮም ተፈጢሮም። መን ፈጢርዎም? ኲሉ ንክርስቶስ ብፍላይ ከኣ መላእኽቲ እዮም ተፈጢሮም። (ዮሃ.1፡1-3፣ቆሎሴ 1፡16)።
መዓዝ ተፈጢሮም?
መጽሓፍ ቅዱስ መዓዝ ከም እተፈጥሩ ኣነጺሩ ኣይነግረናን እዩ። ግናኸ ምድሪ ክትፍጠር ከላ ህያዋን ስለ ዝነበሩ ቅድሚ ምፍጣራ ስለ ዝነበሩ ቅድሚ ምፍጣር ምድሪ እዮም ተፈጢሮም። (እዮብ 38፡6-7)። ኲነታት ኣፈጣጥራኦም 1. ቅዱሳን፡- ኣብ መጀመርታ ኲላቶም መላእኽቲ ቅዱሳን ኰይኖም እዮም ተፈጢሮም። ኣብ መጀመርታ እግዚኣብሄር ንዂሉ ፍጥረቱ ምስ ረኣዮ ኲሉ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ ሓጢኣት ኣይፈጠረን (ዘፍ.1፡31)። ድሕሪ ምእታው ሓጢኣት ናብ ምድሪ ኸኣ እቶም ቅዱሳን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ዘይዓመጹ፡ መላእኽትስ ቅዱስን እዮም። (ማር.8፡38)። እቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ምስቶም ርኹሳት፡ ንሰይጣን ዝሰዓቡ መላእኽቲ ኪነጻጸሩ ኸለው ሕሩያት እዮም ዚበሃሉ። (ማቴ.25፡4፣1ጢሞ.5፡21)። 2. ፍጡራት፡- መላእኽቲ ፍጡራት እምበር ፈጣሪ ኣይኰኑን። ግናኸ ካብ ሰብ እኳ ፍሉያት ፍጥረት እዮም። (1ቆረ.6፡3፣እብ.1፡14)። ፍጡራት ስለ ዝዀኑ ብሓይሊ፡ ፍልጠትን ተግባራት ድሩታት እዮም። (1ጴጥ.1፡11-12፣ራእይ 7፡1)። ከም ኲሎም ሓላፍነት ዘለዎም ፍጡራት ከኣ መላእኽቲ ፍርዲ ይጽበዩ እዮም። (1ቆረ.6፡3፣ማቴ.25፡4)። 3 .ባህርያት መላእኽቲ ስብእና (ፐርሰናሊቲ) መላእኽቲ ስብእና ማለት ሰብኣዊ ህልውና ምህላው ማለት እዩ። ስለዚ መላእኽቲ ስብእና ኣለዎም ማለት እዩ። መለለዪ ስብእና እዞም ዚስዕቡ እዮም፡ ኣእምሮ፡ ስምዒትን ፍቓድን። ስለዚ ኸኣ መላእኽቲ እዞም ዝበልናዮም መለለዪታት ማለት ኣእምሮ፡ ስምዒትን ፍቓድን ስለ ዘለዎም ስብእና ኣለዎም። እዚ ንዂላቶም ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ሰይጣንን ኣጋንንትን ኣለዎም። ስለዚ ኲላቶም ቅዱሳን መላእኽቲ፡ ሰይጣንን ኣጋንንትን ኣእምሮን (ማቴ.8፡29፣2ቆረ.11፡5፣1ጴጥ.1፡12) ስምዒትን (ሉቃስ 2፡13፣ያእ.2፡19፣ራእይ 12፡17) ፍቓድን (ሉቃስ 8፡28-31፣2ጢሞ.2፡26፣ይሁዳ 6) ኣለዎም። ስለዚ ስንበእና ከም ዘለዎም ርጉጽ እዩ። ሰብኣዊ ኣካል ስለ ዘየብሎም ስብእና የብሎምን ማለት ኣይኰነን። ከምኡውን ፍልጠቶም ድሩት ምዃኑ ፍጡራት ስለ ዝዀኑ እዩ። ስለዚ ከም እግዚኣብሄር ኲሉ ይፈልጡ እዮም ማለት እኳ እንተ ዘይኰነ (ማቴ.24፡36)፡ ብ3 ምኽንያታት ልዕሊ ሰብ ከም ዚፈልጡ ርጉጽ እዩ። (1) መላእኽቲ ኣብ ዓብሊለ ዓለማት ወይ ኣድማስ ካብ ሰብ ንላዕሊ ኰይኖም እተፈጥሩ ፍጡራት እዮም። ስለዚ ልዑል ፍልጠት ኣለዎም። (2) መላእኽቲ ልዕሊ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘጽንዕዎ፡ ክብኡ ብዙሕ ፍልጠት ይቐስሙ እዮም። (ያእ.2፡19፣ራእይ 12፡12)። (3) ካብቲ ብዙሕ ምስ ሰባት ዝገበርዎ ርክባት ብዙሕ ስለ ዚሙከሩ ብዙሕ ይመሃሩ እዮም። ዘይከም ሰብ መላእኽቲ ሓሊፎምዎ ስለ ዝዀኑ፡ ነቲ ሕሉፍ ኣይመሃርዎን እዮም። ስለዚ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ኲነት ምስ በጽሐ እንታይ ከም ዚገብር ብዓቢ ግምት ኪፈልጥዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ብዕድመ ካባና ስለ ዝዓብዩ ዝዓበየ ተመኲሮን ፍልጠትን ኣለዎም። ናይ ገዛእ ርእሶም ፍቓድ እኳ እንተለዎም ከም ፍጡራት ንፍቓድ ኣምላኽ ግዙኣት እዮም። እቶም ቅዱሳን መላእኽቲ ንኣመንቲ ኪድግፉ ካብ እግዚኣብሄር ይለኣኹ እዮም። (እብ.1፡14)። ሰይጣንውን ኣዝዩ እኩይ ዝዀነ ፍቓድ እኳ እንተለዎ ብፍቓድ ኣምላኽ ድሩት እዩ። (እዮብ 2፡6)። ኣጋንንቲውን ንፍቓድ ጐይታና የሱስ ግዙኣት እዮም። (ሉቃስ 8፡28-31)። ስብእና መላእኽቲ፡ ሰይጣንን ኣጋንንትን ከምቲ ብዙሓት ዚሓስብዎ ናይ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ጭቡጥ ዘይኰነ ሓሳባትን ተግባራትን መግለጺታት ኣይኰነን። መላእኽቲ መናፍስቲ እዮም መላእኽቲ፡ ኣጋንንቲን (ዝወደቑ መላእኽቲ ስለ ዝዀኑ) ሰይጣንን መናፍስቲ እዮም። መላእኽቲ ከም ዘገልግሉ መናፍስቲ እዮም ዚፍለጡ። (እብ.1፡14)። ኣጋንንቲ ኸኣ ከም ርኹሳትን ዘይንጹሃትን መናፍስቲ እዮም ዚፍለጡ። (ሉቃስ 8፡2፣11፡24,26)። ሰይጣንውን ከም ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ መንፈስ እዩ ዚፍለጥ። (ኤፌ.2፡1-2)። ከም መናፍስቲ ቊስ-ኣካላዊ (ማተሪያል) ስጋን ኣካልን የብሎምን። ሰብ ብዛዕባ እዚ ሓሳብ እዚ ብዙሕ እዩ ዚበኣስ። ገለ ኣይሁድን ቀዳሞት ክርስትያናት ኣቦታትን ከም ድላዩ ዚንቀሳቐስን ነበልባልታውን ኣካል ከም ዘለዎም ይገልጹ። ኣብ ማእከላይ ዘበን ግና መናፍስቲ ምዃኖም ብዕሉል ይንገረሉ ነይሩ።እቲ ቊስ-ኣካላዊ ኣካል ከም ዘለዎም ጌርካ ንመላእኽቲ ምሕሳብ ካብቲ ክትርእዮ ዘይትኽእል ነገር ዚሕሰብ ኣይኰነን ዚብ ሓሳብ ዚነቅል እዩ። መላእክቲ ኣብ ኲሉ ዚርከቡ ስለ ዘይኰኑ ብቦታ ድሩታት እዮም። ሓድሓደ እዋን ብሰባትውን ይርኣዩ እዮም። እዚ ዂሉ ኸኣ ናብቲ መላእኽቲ ኣካል ኪህልዎም ኣለዎ ዚብል መደምደምታ የምርሓካ። ግናኸ ጽሑፋት መላእኽቲ መናፍስቲ ምዃኖም እዩ ዚምህር። (ማቴ.8፡16፣ሉቃስ 7፡21፣8፡2፣11፡26፣ግ.ሃ.19፡12፣ ኤፌ.6፡12፣እብ.1፡14)። እግዚኣብሄርውን መንፈስ እንተዀነ እኳ መላእኽቲ ኲሉ ዚኽእሉ መናፍስቲ ዘይኰኑስ ድሩታት መናፍስቲ እዮም። መናፍስቲ ስለ ዝዀኑውን ፈጺሙ ኣይርኣዩን እዮም ማለትውን ኣይኰነን። ምናልባት እኳ እተን ኣንስቲ ናይ (ዘካ.5፡9) መላእኽቲ እየን እንተበልና እኳ ዳርጋ ኲሉ እዋን ከም ደቂ ተባዕትዮ እዮም ዚግለጹ። ብሕልምን ብራእይን (ማቴ.1፡20፣ኢሳ.6፡1-8)፡ ብግሉጽ ዘይተሸፈነ ምግላጽ (2ነገ.6፡17)፡ ከም ልክዕ ሰብ ብዚርአ ኲነታት (ዘፍ.19፡1-8፣ማር.16፡5፣ሉቃስ 2፡13) ይግለጹ። ብሰማያዊ ኣገላልጻ ከም ልዕሊ ሰብን ካብ ኣገላልጻ ሰብ ዝተፈልየን ከም ዝዀኑ እዮም ዚግለጹ። (ዳን.10፡5-7፣ራእይ 10፡1-3፣15፡6፣18፡1)። ገለ መላእኽቲ ክንፊ ኣለዎም። (ኢሳ.6፡2,6፣ህዝ.1፡5-8)።
መላእኽቲ ዘይሞቱን ዘይፋረዩን እዮም
ቊጽሪ መላእኽቲ ፈጺሙ ስለ ዘይልወጥ ኲልሳዕ ሓደ እዩ። ጐይታ መላእኽቲ ቆልዑ ከም ዘይወልዱን (ማቴ.22፡30) ከም ዘይሞቱን (ሉቃስ 20፡36) ምሂሩ ኣሎ። ግናኸ እቶም እኩያት መላእኽቲ ካብ እግዚኣብሄር ተፈልዮን ንዘለኣለም ኪቕጽዑ እዮም። (ማቴ.25፡41፣ሉቃስ 8፡31)።
መላእኽቲ ልዕሊ ሰባት እዮም እቲ ጸሓፋይ ናይ መልእኽቲ እብራውያን ጐይታና የሱስ ስጋ ሰብ ብምልባሱ ቊሩብ ካብ መላእኽቲ ከም ዝነኣሰ ይዛረብ። (እብ.2፡7-9)። እቶም ጸሓፍቲ (መዝ.8) ንክርስቶስ ቊሩብ ካብ መላእኽቲ ከም ዚንእስ ምግላጹ ከም ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ሽግራት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግለጽ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ክሳዕ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ዚውድእ ዝነበረ ግዚያዊ ነበረ። እዚ ኸኣ ሰብ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከም ሓያል ባህርያቶም፡ ሙማቱን ካልእ ነገራትን ካብ መላእኽቲ ይንእስ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዚገልጹ ብዙሓት መጻሕፍቲ ኣለው እሞ፡ ከተንብቦም ፈትን። እስከ ገለ ክንዝርዝር፡ ብሲ.ፍረድ ዲካሶን ዝተጻሕፈት "ኤንጅልስ፡ ኤለክት ኤንድ ኢቭል" እትብል መጽሓፍ ገጽ 53-57፡ ከምኡውን ዶናልድ ኣር. ግለን "መዝሙር 8ን እብራውያን 2ን" ኣብታ "ዋልቩርድ፡ ኤ ትሪቡት" እትብል ብዶናልድ አይ. ካምፕቤል ዝተሰናደወት መጽሓፍ ገጽ 39-51። ካብ መበቆሉ መላእኽቲ ቅዱሳን እዮም ምንም እኳ መጽሓፍ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኲሉ ምስ ገበረ ጽቡቕ ምዃኑ ከም ዝርኣየ እንተ ገለጸልና፡ ብዛዕባ መላእኽቲ ንጹር ዝዀነ ኣፈጣጥራ ዚገልጽ ጽሑፍ የብልናን። (ዘፍ.1፡31)። (ይሁዳ 6) ኣብ መጀመርታ ኲላቶም መላእኽቲ ቅዱሳን ኰይኖም ምፍጣሮም እዩ ዚሕብር። ግናኸ ገለ ሕሩያት ኰኑ (1ጢሞ.5፡21)፡ ገለ ኸኣ ሓጥኡ (2ጴጥ.2፡4)። ብርግጽ ኲላቶም ቅዱሳን ኰይኖም ኪነብሩ እዮም ተፈጢሮም፡ እንተ ዘይሓጥኡውን ከምኡ ኰይኖም ምነበሩ ነይሮም። ስለዚ እቶም ዘይወደቑ መላእኽቲ ነቲ ናይ ፈተና እዋን ስለ ዝሓለፍዎ ንዘለኣለም ከም ሕሩያትን ቅዱሳንን መላእኽቲ ኰይኖም እዮም ዚነብሩ። እቶም ዝወደቑ እኩያት ከኣ በቲ እኩይ ዝወደቐ ኲነታቶም ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። መደምደሚ ሓሳብ፡- ኣብ መንጎ መላእኽቲን መለኮትን፡ መላእኽትን ሰብን ተመሳስልነት እንተሎ እኳ፡ መላእኽቲ ፍሉያት ፍጥረት እዮም። ከም መለኮት ከም ሰብ ዘይኰነ ኣይሞቱን እዮም፡ ኲሉ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዘይኰኑ ካብ ሰብ ንላዕሊ ሓያላት እዮም። (2ጴጥ.2፡11)። ከም መለኮትን ሰብን ስብእና ኣለዎም። ኣብ ኲሉ ዘይርከቡ እኳ እንተዀኑ ከም መለኮት መናፍስቲ እዮም። ሰብ ግና ብቊስ-ኣካላዊ ኣካልን ብመንፈስን ዝሖበ እዩ። (ያእ.2፡26)። መላእኽቲ ከም ሰብ ኣይፋረይን እዮም። (ማቴ.22፡30)። ሰብ ካብ መላእኽቲ ቊሩብ ይንእስ እዩ። ድሕሪ ትንሳኤ ግና ሰብ ንመላእኽቲ ኪፈርዶም እዩ። (1ቆረ.6፡3)።
4 . ኣሰራርዓ መላእኽቲ ቊጽሪ መላእኽቲ መላእኽቲ ኣዝዩ ዓቢ ቊጽሪ ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እቲ ኣእላፋት ዚብል ቊጽሪ ኣዝዩ ዓቢ እዩ። (እብ.12፡22፣ራእይ 5፡11)። ገለ ሰባት እኳ ኣብ (ማቴ.18፡10) ተወኪሎም፡ ቊጽሪ መላእኽቲ ክንዲ ቊጽሪ ሰባት ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ እዩ ኪኸውን እንተበሉ፡ እቲ ቚጽሪ ብርግጽ ፍሉጥ ኣይኰነን። ሓደ ነገር ግና ርጉጽ ኣሎ፡ ቊጽሩ ብዘየገድስ ቊጽሮም ኣይውስኽን እዩ።
ርግጽነት ስርዓታቶም (ምውዳቦም) መጽሓፍ ቅዱስ "ማሕበር" "ምኽሪ" ብዚብል ቃላት ከም እኩባት(መዝ.89፡5,7)፡ከም ንውግእ ዝተዳለውን (ራእይ 12፡7) ከም ንጉስ ዘለዎምን (ራእይ 9፡11) ገሊጽዎም ኣሎ።። ከም መንግስታዊ ምልክታት ስልጣንን ሽመትን ዘመልክት ከኣ ተዋሂብዎም ኣሎ። (ኤፌ.3፡18)። እዚ ነቶም ቅዱሳን መላእኽቲ (ኤፌ.6፡11-12) ኰነ ነቶም እኩያት መላእኽቲ ዚምልከት እዩ)። እግዚኣብሄር ነቶም ቅዱሳን መላእኽት ሰይጣን ከኣ ነቶም እኩያት መላእኽቲ ከም ዚሰርዖም ርዱእ እዩ። ሓደ ርዱእ ነገር ንርአ፡ ቅዱሳንን እኩያትን መላእኽቲ ዝተሰርዑን ብስርዓት ዚመላለሱን እዮም፡ ኣመንቲ ግና ብውልቅን ብጉጅለን ብምክፍፋል ኪስርዑ ኣይደልዩን እዮም። እዚ ምስራዕ እዚ ኸኣ ብፍላይ ነቲ እኩይ ንምቅላስ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ኣመንቲ ብዙሕ እዋን ባዕላቶም ንበይኖም ከም ዚኽእልዎን፡ ሓደ ውዱብ፡ ዝተዳለወን ስርዓት ዘለዎን ኣካል ከም ዘየድልዮምን እዩ ዚመስሎም። እዚ ሰናይ ንምግባርውን ኣድላዪ እዩ። ኣመንቲ ሓድሓደ እዋን ገዛእ ርእሶም ሰኣን ምውዳብ ሰናይ ተግባራቶም ኪፈርስ ይርአ።
መዓርግ መላእኽቲ 1. ሊቀ መላእኽቲ፡- እዚ ቦታ እዚ ንሚካኤል ጥራሕ ዝተዋህበ እዩ። (ይሁዳ 9፣1ተሰ.4፡16)። ብዙሓት ልዑል ስልጣን ዘለዎም መላእኽቲ እንተለው እኳ (ዳን.10፡13)፡ ሊቃነ መላእኽቲ ዚብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንክብን ኢና። ስለዚ ሓደ ሊቀ መላእኽቲ እዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ እዋን ምንጣቕ ቤተ ክርስትያን ድምጺ ሊቀ መላእኽቲ ኪስማዕ እዩ ኪብል ከሎ ስሙ ኪነግረና ኣድላዪ ኰይኑ ኣይተሰምዖን ምኽንያቱ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ብሉይ ኪዳን ሚካኤል ከም ኣብ እዋን ሽግሮም ዚድግፎም ሓላው መልኣኽ ናይ እስራኤል ተገሊጹ ኣሎ። (ዳን.10፡21፣12፡1)። ነቶም ሰራዊት ሰማይ ኣንጻር ሰይጣንን ሰራዊቱን ኪመርሖም እዩ። (ራእይ 12፡7)። እቲ ኣብ (ይሁዳ 9) ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ሰይጣን ዝገበሮ ክርክርን ንሰይጣን ኪፈርዶ ናይ ባዕሉ ስልጣን ከም ዘየብሉን ንሱ ከም ፍጡር ስልጣኑ ድሩት ምዃኑን ሓይሊ ኣምላኽ ከም ዘድለዮን ክንርኢ ከሎና ንሙሴ ዚቐበሮ ንሱ ምዃኑ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። 2. ኣውራታት መሳፍንቲ፡- እቲ ቓል ንገለ ልዑላን መላእኽቲ ዘመልክት ኰይኑ ሚካኤል ሊቀ-መላእኽቲ ስለ ዝዀነ ሓደ ካባታቶም እዩ። ኣብታ ሓንቲ ካብተን ትሩፋት መጻሕፍቲ ዝዀነ መጽሓፍ ሄኖክ እቶም 4 ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዚቖሙ ዓበይቲ መላእኽቲ ሚካኤል፡ ገብርኤል፡ ሩፋኤልን ኡርኤልን ምዃኖም ንርኢ። (ሄኖክ 9፡1፡40፡9)። እታ መጽሓፍ ካልኦት 7 መላእኽቲውን ከም ኣውራታት ጠቒሳ ኣላ። (ሄኖክ 20፡1-7፣ጦቢት 12፡15)። 3. መንግስታዊ መሪሕነት፡- · ጉይትነትን ሽመታትን፡- እዚ ስርዓት እዚ ብሃዋርያ ጳውሎስ 7 እዋን ተጠቒሱ ኣሎ። ኣብኡ ኸኣ ክልቲኦም ወገናት ማለት እቶም ቅዱሳንን እኩያትን መላእኽቲ ዘለዎም ስልጣን እዩ። (ሮሜ 8፡35-39፣እቕቅቆቕቅ.1፡21፣3፡10፣6፡12፣ትተባተዘቕቅ 1፡16፣2፡10,15)። · ስልጣናትን ሓይልታትን፡- እዚ እቲ ልዕለ-ሰብ ዝዀነ ብዛዕባ እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎም ስልጣንን ሓላፍነትን መላእኽትን ኣጋንንትን ዚምልከት እዩ።(ኤፌ.1፡19-21፣3፡10፣6፡11-12፣ቆሎሴ1፡16፣ 2፡10,15፣1ጴጥ.3፡22)። · ሓይልታት፡- እዚ መላእኽትን ኣጋንንትን ካብ ሰብ ዝያዳ ሓይሊ ከምዘለዎም ዘረጋግጽ እዩ። (2ጴጥ.2፡11፣ኤፌ.1፡19-21፣1ጴጥ.3፡22)። · ኣበይ ይገዝኡ? ኣብ ሓደ ጽሑፍ ኣጋንንቲ ከም ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ተባሂሎም ኣለው። (ኤፌ.6፡11-12)። · ዝፋናትን መንግስታትን፡- እግዚኣብሄር ኪጥቀመሎም ከሎ ዚርከቡሉ ስልጣናት ዚሕብር እዩ። (ኤፌ.1፡19-21፣ቆሎሴ 1፡16፣2ጴጥ.2፡10፣ይሁዳ 8)።
ፍሉያት መላእኽቲ
5. መልኣኽ እግዚኣብሄር፡- ኣብ መጻኢ ከም እንርእዮ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተባሂሉ ዘሎ፡ ንክርስቶስ ቅድሚ ስጋ ምልባሱ ዚምልከት እዩ። እቲ መልኣኽ ንገዛእ ርእሱ ከም ኣምላኽ ይዛረበላን ምስ ኣምላኽ ይመሳሰልን። (ዘፍ.16፡7-12፣21፡17-18፣22፡11-18፣ዘጽ.3፡2፣መሳ.2፡1-4፣5፡23፣6፡11-24፣ 13፡3-22፣2ሳሙ.24፡16፣ዘካ.1፡12፣3፡1፣12፡8)። ድሕሪ ክርስቶስ ስጋ ምልባሱ ኣይተራእየን።
5 .ኣገልግሎት መላእኽቲ ብመሰረቱ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣገልገልቲ እዮም። (እብ.1፡14)። እግዚኣብሄር ንኣገልግሎትን ደገፍን ኣመንቲን እዚ ብምግባር ከኣ ከም ካህናት ኣብ ቤት መቕደስ ዚገብርዎ እዮም ዘገልግሉ። ኣገልግሎት መላእኽቲ ንእግዚኣብሄር ብዚምልከት ንእግዚኣብሄር ብዚምልከት መላእኽቲ ብቐዳምነት ኬምልኹን ኬመስግኑን እዩ ዚግብኦም።
ኣገልግሎት መላእኽቲ ንሓዲሽ ዘበናይ ብዚምልከት እግዚኣብሄር ኣብ ታሪኽ ሓዲሽ ዘበን ወይ ኲነት ኪፍጽም ከሎ ብመላእኽቲ ይገብሮ።
ኣገልግሎት መላእክቲ ንኣገልግሎት
ክርስቶስ ብዚምልከት
· መጠንቀቕታ፡- መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማርያምን ዮሴፍን ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ምእንቲ ከይቀትሎ ሒዞምዎ ናብ ግብጺ ኪኸዱ ነገሮም። (ማቴ.2፡13-15)። · መርሖም፡- ሄሮዶስ ምስ ሞተ ኸኣ ናን ናዝሬት ኪምለሱ ነገሮም። (ማቴ.2፡19-21)። · ኣገልግሎቱ፡- ድሕሪ ፈተናኡ መላእኽቲ ኣገልገልዎ። (ማቴ.4፡11)። ኣብ እዋን ጭንቀቱ ኣብ ጌተሴማኒውን ኣገልገልዎ። (ማቴ.22፡43)። · ኪከላኸሉሉ ይኽእሉ ነይሮም፡- እግዚኣብሄር እንተ ዚፈቕዶስ ለጌዎን መላእኽቲ ሰዲዱዶ ኣይመድሓኖን? (ማቴ.26፡53)።
· ነቲ እምኒ ፈንቀልዎ፡- መልኣኽ እግዚብሄር ነቲ እምኒ ገልበጦ። (ማቴ.28፡1-2)። · ኣወጁ፡- በታ ዝተንስኣላ እዋን መላእኽቲ ነተን ኣንስቲ ነገርወን።(ማቴ.28፡5-6፣ሉቃስ 24፡5-7)። · ኣብ እዋን ዕርገቱ፡- መላእኽቲ ኪምለስ ምዃኑ ነገሩ። (ግ.ሃ.1፡10-11)።
· ኣብ እዋን ምንጣሕ ቤተ ክርስትያን፡- ኣብ እዋን ምንጣቕ ቤተ ክርስትያን ድምጺ ሊቀ-መላእኽቲ ኪስማዕ እዩ። (1ተሰ.4፡16)። · ኣብ እዋን ምግላጽ ክርስቶስ፡- ኣብ እዋን ምግላጽ ክርስቶስ ኣመንትን መላእኽትን ኬዐጅብዎ እዮም። (ማቴ.25፡31፣2ተሰ.1፡7)። · ኣብ እዋን ፍርዲ፡- ኣብ እዋን ካልኣት ምጽኣት ክርስቶስ መላእኽቲ ነቲ ስርናይ ካብ ክርዳድ ኪፈልይዎ እዮም። (ማቴ.13፡39-40)።
ኣገልግሎት መላእኽቲ ንህዝብታት ብዚምልከት 1. ንህዝቢ እስራኤል ብዚምልከት፡- ሚካኤል እቲ ሊቀ-መላእኽቲ ይሕልዎም። (ዳን.12፡1)። 2. ንኻልኦት ህዝብታት ብዚምልከት፡-መላእኽቲ ንመራሕትን ህዝብታተንን ይሕልውዎምን ኪመላለሱሉ ዚግባእ መገዲ ይሕብርዎምን። (ዳ.4፡17፣10፡21፣11፡1)። ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ መላእኽቲ ኣብ ምፍጻም ፍርድታት እግዚኣብሄር ኪሳተፉ እዮም። (ራእይ 8-9,16)።
ኣገልግሎት መላእኽቲ ንዘይኣመንቲ ብዚምልከት 1. መላእኽቲ ፍርዲ ኣምላኽ ይእውጁ። (ዘፍ.19፡13፣ራእይ 14፡6-7፣19፡17-18)። 2. መላእኽቲ ፍርዲ ናብ ዘይኣመንቲ የምጽኡ። (ግ.ሃ.12፡23፣ራእይ 16፡1)። 3. መላእኽቲ ነቶም ጻድቃንን ሓጥኣንን ኪፈላልይዎም እዮም። (ማቴ.13፡39-40)።
ኣገልግሎት መላእኽቲ ንቤተ ክርስትያን ብዚምልከት
1. መሰረታዊ ኣገልግሎቶም፡-
ብመሰረቱ መላእኽቲ ንኣመንቲ ይድግፍዎም እዮም። (እብ.1፡14)። እዚ ኸኣ ትርጉም ሓቅ ብምግላጽን ብምትሕልላፍን ክሳዕ ሕጂ
ዚጠቕመና መልእኽትታት ኣብ ምትሕልላፍ የገልግሉ ኣለው። (ዳን.7፡15-27፣8፡13-26፣9፡20-27፣ራእይ 1፡1፣22፡6,8)። 2. ፍሉይ ኣገልግሎታት መላእኽቲ ንቤተ ክርስትያን፡- · መልሲ ጸሎት የምጽኡ። (ግ.ሃ.12፡5-10)። · ኣብ ምድሓን፡- ምድሓን ሰብ ኣብ ምምጻእ ይድግፉ። (ግ.ሃ.8፡26፣10፡3)። · ይምልከቱ፡- ክርስትያናዊ ስርዓታት፡ ዕዮን ስቓይን ይምልከት። (1ቆረ.4፡9፣11፡10፣ኤፌ.3፡10፣ 1ጴጥ.1፡12)። · የተባብዑ፡- ኣብ እዋን ሓደጋ ወይ ዘይተሓስበ ነገር የተባብዑ። (ግ.ሃ.27፡23-24)። · ኣብ እዋን ሞት ምሳና ይዀኑ፡- ኣብ እዋን ሞት ነቶም ቅዱሳን ምሳታቶም ይዀኑ። (ሉቃስ 16፡22)። መላእኽቲ ኣብ ኲሉ እዋንን ብዘበንናን ከምዚ ኣገልግሎታት እዚ ይፍጽሙ ድዮም ኣይኰኑን ርጉጽ ኣይኰነን። ግናኸ እንተ ዘየስተውዓልናዮውን ቅድሚ ሕጂ እዚ ከም ዝገበሩ ሕጂውን ከም ዚገብሩ ኣይንጠራጠር። እግዚኣብሄር እዚ ነገራት እዚ ኪገብር መላእኽቲ ኪጥቀም ናይ ግድን ኣይኰነን፡ እዚ ነገራት እዚ ብሰባትውን ኪገብሮ ይኽእል እዩ። እዚ ብመላእኽቲ ዀነ ብሰብ ዚገብሮ እግዚኣብሄር ምዃኑ እቲ ኣማኒ ይፈልጦ ኣዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጸ እግዚኣብሄር ከም ዝገበሮ ጠቒሱ ኣሎ። (ግ.ሃ.12፡7-10,11,17)። ነዚ ሓሳብ እዚ ምናልባት ሓደ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ስኮትላንድ ተጻሒፉ ዘሎ ጽሑፍ ብዝያዳ ይገልጾ ይኸውን። "እኹል እኳ እንተዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ንዂሉ ኣገልግሎትና፡ ድኻምና ርእዩ፡ ምእንቲ ምሳና ኪዓዩን ኪሕልውናን መላእኽቲ ሃበና።" ስለምንታይ ግና መላእኽቲ ብዛዕባ ዝደሓኑ ኣመንቲ ክንድዚ ዚግደሱ ዚብል ሓሳብ የገርመና ይኸውን። ምናልባት እዚ ሓሳብ እዚ ግሩም ሓሳብ ይኸውን እዩ። መላእኽቲ ምድሓን ስለ ዘይተሞከርዎ፡ እቲ ጥቕሚ ምድሓን ኪርድኦም ዚኽእሉ ብኣና በቶም ዝደሓንና እዩ። ንሕና ዓለም፡ ኲሎም ሰባትን መላእኽትን ኣትኲሮም ዚጥምትዎምን ዚሰምዕዎምን መድረኽ ትያትር ኢና። (1ቆረ.4፡9)። ስለዚ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ኲሉ ቅሉዕ ዝዀነ እግዚኣብሄርን ንዂላቶም መላእኽትን ሰባትን ዚከኣለና ንግበር።
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...