Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home Articles Message ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ
ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ PDF Print E-mail
Article Manager - Message
Sunday, 19 February 2012 01:43

frends1ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ። ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዓርኪ ኣምላኽ ብዝብል ቅጽል ስም ዝፍለጥ ኣብርሃም እዩ። ኣብርሃም ንልቢ ኣምላኽ ዘዕርፍ ሚስጥር ኣምላኽ ዝፈልጥ ናይ እምነት ኣቦ እዩ። ኣብርሃም ካብታ ድምጺ ኣምላኽ ሰሚዑ ንኣምላኽ ዝሰዓበላ እዋን እሙን ኰይኑ ብተኣማንነት ንኣምላኽ ኣስሚሩ ኣቦ እምነት ተባሂሉ ሓደጊ በረኸት ሓዲጉ ዝሓለፈ ኣቦ እዩ። ካብ ህይወት ኣብርሃም እንምሃሮ ምህሮ እምብዛ ብዙሕ እዩ። ንሎሚ ግና ካብቲ ዓርኪ ኣምላኽ ዘበሎ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

ንሕና ኣብዚ ዘመን ዘሎና ኣምንቲ በዚኦም ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሓርበኛታት ሰባት ተኸቢብና ብምህላውና ዕድለኛታት ኢና። ነዚ እዩ መጽሓፍ ቁዱስ ብኽንድዚ ዝኣክል ምስክር ደበና ተኸቢብና ኸሎ እናበለ ዝተዛረበና። ስለዚ ወትሩ ካብ ህይወቶም ክንመሃር ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። እስከ ቐጺልና ነቶም ነጥብታት ንርኣዮም

1 ኣብርሃም መዓልታት ክርስቶስ ሃረር ዝብል ዝነበረ ኣቦ

ኣብርሃም ኣቦና ንምድሓን ክርስቶስ ክርኢ ሃረር ዝብል ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣእምሮ ሕቶ ዝፈጥር እዩ ንፈርሳውያን ከይተረፈ ዓቢ ሕቶ ዝዀነሞ ነገር እዩ። ግና እዚ ኣልዕሊናዮ ዘሎና ኣርእስቲ ዝተዛረቦ ባዕሉ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እዩ እስከ እቲ ቓል ነንብቦ “ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሐጐሰ ረኣያ እሞ ባህ በሎ ኢሉ መለሰሎም። ኣይሁድ ከኣ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ ኣነ ኣብርሃም ከይተወልደ ከምዘሎኹ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ በሎም።” ዮውሃንስ 8፣ 56-59 እዚ ኣብርሃም ሓጐሱ ኩሉ ብኣምላኽ ድሌቱ ኩሉ ድማ ንምድሓን ኣምላኽ ክርኢ እዩ ሃረርታ ልቡ። ብሕጽር ዝበለ ኣብርሃም ብኣምላኽ ጥራይ ዝሕጐስ ዝነበረ ኣቦ እዩ። መጽሓፍ ቁዱስና ብኣምላኽ ክንሕጐስ ከም ዘሎና ብንጹርን ኣርጊጹን እዩ ዝነግረና። ንኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምልኣት ክርኣ ሃረር ክሳብ ዘይበልና እዋን ድማ ብኣምላኽ ክንሕጐስ ሓጐስ ኣምላኽ ኣባና ክገሃድ ኣይክህልን እዩ። ኣብ መዝሙር ዳዊት ከምዚ ይብል “ዎ እግዚኣብሄር፣ ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ፣ብምድሓንካኸ ክንደይ ኣዝዩ ዘይፍሳህ።” መዙ 21፣1 እቲ ንህምያ እውን ነቶም ህዝቢ እስራኤል ክዛረቦም ከሎ “ሓጐስ እግዚኣብሄር ሓይሉኹም እዩ እሞ ኣይትጉሃዮ” ይብሎም ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ተዀነ ንሰብ ኢሊጲ ክጽሕፈሎም ከሎ “ብጐይታ ተሓጐሱ ደጊም ተሓጐሱ” ይብሎም

እምብኣር ሎሚ ንሕና እቲ ቐዳማይን ናይ መጨረሻ ክንሕጐሰሉ ዘሎና ነገር እንታይ እዩ እንድሕር ኢልና ብኣምላኽ ምሕጋስን ብእኡ ብምድሓኑ ምፍሳህን እዩ። ኣብ መዝሙር ዳዊት ደጊምና እንተ ኣንበብና ድማ “ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።” መዝ 37፣4 እምብኣር ብኣምላኽ ከይተሓገስካ ዝደለኻዮ ምርካብ የሎን። እቲ ብኣምላኽ ዝሕጐስ ሰብ ወትሩ ከም ኣብርሃም ንኣምላኽ ከሕጉስ ጥራይ እዩ ዝጋደል ካብ ኣምላኽ ድማ እቲ ዘሕጉስ ባህ ዘበለ ተፈታዊ ነገር ይመጾ። ብኣምላኽ ምሕጋስ ማለት ድማ ንዕኡ ባህ ዘብል ምምርማር ኣብ ፍቓዱ ምኻን ማለት እዩ። እቲ ናተይን ናታትኩምን ጸገም ብዙሕ ግዜ ቕድሚ ብኣምላኽ ምሕጓስና ብነገራት ክንሕጎስ ስለ እንደሊ እዩ። ደቂ እስራኤል በቲ ምድሓኖም ዝዀነ ኣምላኽ ክንዲ ዝሕጐሱ ብነገራት ነፍሶም ክትጸግብ ስለ ዝደለዩ ኣምላኽ ዕብራን ለኣኸሎም። ሎሚ ብመን ንሕጐስ መዓስ ንሕጎስ ስለምንታይ ንሕጐስ ዝብሉ መልስታት ምስ መለስና ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ከመይ ምኻኑ ክንፈልጥ ኢና።

ኣብርሃም ናይ እምነት ኣቦና ግና ንክርስቶስ ክርእዮ ሃረር ይብል ኔሩ። ሎሚ ንኣምላኽ ንምርኣይ ሃረር ክንብል እንኰሎና ኣይንሓፍርን ኢና ኣብቲ መዝሙር ዳዊት 34 “ናብኡ ዚጥምቱ የንጸባርቑ፣ ገጾምውን ከቶ ኣይሐፍርን።” ይብል ካብ ፍጹም ፍርሕን ሕረትን እንላቐቐሉ መንገዲ ንኣምላኽ ሰማይ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ክረኣ ሃረር ክንብል እንኰሎና ጥራይ እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ ድሕሪኡ ኹሉ ክውሰኸልኩም እዩ ክብል ከሎ ብኻልእ ኣዘራርባ ምጀመርያ በቲ ኣምላኻዊ ነአግር ባህ ይበልኩም ብኡኡ ዕገብ ማለት እዩ። ስለዚ ሎሚ እቲ ቐዳማይ ሓገስና መን እዩ? ሃረርታ ልብና ብመን እዩ? ኣብርሃም እቲ ዓርኪ ኣምላኽ ግና ሃረርታ ልቡን ድሌት ውሽጡን ኩሉ ብምድሕና ኣምላኽ ኔሩ ስለዚ ድማ ሓጐሱ ምልኣት ዘለዎ ዀይኑ። ብኣምላኽ ዘይሕጐስ ሰብ ብኻልእ ብማንም ክሕጐስ ኣይክእልን እዩ። ሎሚ ብኣምላኽ ዶ ወይ ብህያቡ ንሕጐስ?

 

2 ኣብርሃም እቲ ኣምላኽ ዝርኣየሉ ዝረኣየ ኣቦ።

ኣብርሃም ካብ ኣምላኽ ጻዊዒት ምስ መጸሉ ምስ ኣምላኽ ብዙሕ ኣይተኻትዐን፣ ኣምላኽ ንዕኡ ዝሓይሽን ዝበልጽን ቦታ ከም ዘዳለወሉ ኣይተጠራጠረን ኣምላኽ ካብ ቤት ኣብኡ ኣውጺኡ ድማ ኣብ መንገዲ ከም ዘይሓድጐ ተኣማሚኑ እዩ ወጺኡ። ኣምላኽ ይምርሓዮ ጥራይ እምበር ናበይ ከም ዝወስዶ ንዕኡ ዘገድሶ ኣይኰነን ስለዚ ድማ እዩ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈለጠን፣ ነዚ እዩ ጸሓፊ ናይ እብራውያን “ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ኪቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ኺወጽእ ምስ ተጸውዔ ብእምነት ተኣዘዘ ናበይ ከም ዚኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። 9 10 - ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ።” ብምባል ኣብ 11፣9-10 ዝተዛረበ። ኣምላኽ ዝረኣየልካ ምርኣይ እቲ ዝበለጸ መንገዲ ዓወት እዩ። ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብጐይታና ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዩ ግሩም ራኢ ዝርየልና ነዚ ኢና ክንኣምኖ ዝግባእ። እቲ ናትና ጸገም እሞ ድማ ምስ ኣምላኽ ከይንሰማማዕ ዝገብረና ከምቲ ኣምላኽ ዝርኣየልና ስለ ዘይንርኢ ኢዩ። ኣምላኽ ብሓደ ጐደና ክወስደና ከሎ ናብ ሓደ ሕረፍቲን በረኸትን ይወስደና ከምዘሎ ንርስዕ። ኣቲ ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ዝርእይ ሰብ በቲ ኣምላኽ ዝወሰዶ ጐደና ክኸይድ ከሎ ኣሚኑ ይገዓዝ እምበር ተሓሊሉ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ። ኣብርሃም ናብ ዘይፈልጦ ቦታ ኽኸይድ ፍቓደኛ ዝዀነ ኣምላኽ ነቲ ዘዳለወሉ ቦታ ኣርጊጹ ከም ዝፈልጦን ከም ዘየጋግዮን ኣሚኑ እዩ። ኣብርሃም ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ጥራይ ንምርኣይ ስለ ዝተማህረ እዩ ኣብቲ ሎጥ ብምርጭኡ ዝተጋገየሉ እዋን ዘይተጋገየ ናብቲ ዝርኣ ዘይኰነስ ናብቲ ዘይርኣ ዘልኣለማውነት ዘዋዕደወ። ከምቲ ኣምላኽ ዝርኣየልካ ምርኣይ ጥራይ እዩ ናብ ሓደ ዓቢ ጐደና ህይወት ዝመርሓኻ። ኣምላኽ ንኤርሚያስ ከምዚ ኢልዎ “ድሕሪ እዚውን፣ ኣታ ኤርምያስ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፣ ዚብል ቓል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ ኣነ ድማ ጨንፈር ኦም ለውዚ እርኢ ኣሎኹ እርኢ ኣሎኹ በልኩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንቓለይ ክተግሃሉ እየ እሞ ጹቡቕ ርኢኻ” ኤር 1፣19

ካልእ ኣብርሃም ንነገራት ብዓይኒ ኣምላኽ ክርእዮም ብምጅማሩ ኣብ ህይወቱ ዝተለማመዶ ነገር እንተ ኣሎ ዀይኑ ኣብ ከኣልነት ኣምላኽ ብምልኣት ምውካል እዩ ነዚ እዩ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ብዛዕባ ኣብርሃም ክዛረብ ከሎ “ከምቲ ብሁል ድምእ ዘርእኻ ኸምዚ ኪኸውን እዩ ተስፋ ኣብ ዜብሉስ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸውን ብተስፋ ኣመነ።ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ ንምእማን ኣይደኸመን ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሀበ ንምእማን በርትዔ እምበር ነታ ተስፋ እምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይ ተዋላወለን። ነታ ዝሀቦ ተስፋ ኺገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። ብመጠን እቲ የዒንትኻ ዝተኸፈተ ብኡ መጠን ናይ ኣምላኽ ሓይሊ ትርኢ እሞ እምነትካ እናዓበየ እናገጀፈ ይኸይድ ስለዚ ኣምላኽ ናብ ዝመርሓና ክንምራሕ ፍቓደኛታት ምዃና ጥራይ እዩ ኣብኡ ዘሎና እምነት ርግጽነትን ዕቤትን ዝህልዎ። ኣብርሃም ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ሕንጹጽ ዕላማን ኣጀንዳን ክኣቱ ፍቓደኛ ኔሩ ንሕና ኸ ሎሚ? ኣብርሃም ብኣምላኽ ተመሪሑ ናብዘይፈልጦ ቦታ ክኸይድ ከሎ ንኣምላኽ ከም ሰብ ማእለያ ዘይብሉ ሕቶታት ክሓቶ ይኽእል ኔሩ ግና ኣምላኽ ክንዮ ሕቶታቱ ምኻኑ ፈሊጡ ተኣሚኑ ተኣዚዙ እዚ መንፈስ እዚ ኣባና ክዓዝዝ ኣምላኽ ይርድኣና።

3 ኣብርሃም እቲ ዝበለጸ መስዋእቲ ዘቕረብ ሰብ

ኩሉትና ታሪኽ ኣቦና ኣብርሃም ንፈልጥ ኢና። ኣብርሃም ካብ ሳራ ብተኣምራታዊ መንገዲ ዝረኸቦ እሞ ኣብ ቤቱ ሰሓቕ ዘምጸ ኢሳቕ ዉሉድ ክስውኦ ብኣምላኽ ተኣዚዙ። ኣብቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ስሚዒታት ኣብርሃም እንታይ ከም ዝመስል ንምግማቱ ኣይንሽገርን ኢና። ኣነ ከምዚ መስለኒ ኣብራህም ነዚ ነገረ እዚ ብእምነት ክገብሮ ይተኣዘዝ ደኣ እምበር ኣብ ውሽጡ ኩቱር ቃንዛን ሓዘንን ከስምዖ ከም ዝኽእል ኣይጠራጠርን ግና እብርሃም ክንዮ ዝስምዖ ክንዮ ሕትኡ ክንዮ ኣብ ኣእምርኡ ዝመላለሰ ነገራት ዝዓበየ ድማ ክንዮ ዉሉድ ብፍቕሪ ኣምላኽ ተታሒዙ ንምስውኡ ፍቓደኛ ንምዃን ወሲኑ ብዛዕባ እዚ ጸሓፊ ናይ እብራውያን ክዛረብ ከሎ “ኣብርሃም ምስ ተፈተነ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ ብይስሃቅ ዘርኢ ኺጽወዓልካ እዩ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። 19 - ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከኣሎ ሐሲቡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ።” ኣብርሃም ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ኣምላኽ ኢሉ እዩ ኣሚኑ እሞ ተመሊሱ ከም ዝህቦ ኣይተጠራጠረን ኣምላኽ እኳ ክምስክረሉ ኸሎ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ሰማይ ጸዊዑ ኣብርሃም ኣብርሃም በሎ። ንሱውን እኔኹ በለ። 12 - ንሱ ድማ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ ገለውን ኣይትግበሮ በለ 13 - ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ ኣንሆ ኽኣ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ ኣተታሕዘ ድዑል ረኣየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ ነቲ ድዑል ወሲዱ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዝሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። 14 - ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ እግዚኣብሄር ይርኢ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ ዚብሀል ዘሎ እዩ።” ዘፍጥረት 22፣13-14 ኣብርሃም መስዋእቲ ብምስውኡ ሓልዮት ኣምላኽ ዝተማህረ ኣቦ።

ሎሚ ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ መስዋእትንተ እውን ኣሎ። ኣምላኽ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ነቲ ሓደ እንኰ ወዱ እዩ መዋእቲ ኣቕሪቡልና እሞ ካባና ዝድለ መስዋእቲ ድማ እቲ ናትና እንኰ እንብሎ ክንስውኣሉ ይደሊ። እቲ ንሕና እንስዎኦ ወስዋእቲ ድማ እንታይ ምዃኑ ብዓቢኡ ኣብ ሮሜ 12፣ 1-2 ተጻሒፉ ኣሎ ከምዚ ድማ ይብል “እምብኣርሲ ኣሕዋተየ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ ብምሕረት ኣምላኽ ኣምዕደኩም ኣሎኹ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።” ሮሜ 12፣1-2 እምብኣር ንሕና ገዛእ ርእስና ብምልኣት ንኣምላኽ ምድስ እንውፊ ካልእ ንኣምላኽ ክንህቦ ኣይንጽገምን ኢና። መስዋእቲ ምሳእ ቀሊል ኣይኰነን ወይ ተመቺእካ ባህ ኢልካ እትገብሮ ኣይኰነን የሕምም እዩ ግና እብኡ ኢኻ ነቲ ዝሓሊ ዝርኢ ዝባርኽ ዝጽውዕ እግዚኣብሄር እትርእዮ። ብመጠን ብመንፈስ ቁዱስ ተደሪኽና እንስውኦ መስዋቲ ኢና ንኣምላኽ እንፈልጦን እንቐርቦን። ዳዊት ነዚ ፈሊጡ እዩ ንኣምላኽ ወስዋእቲ ከቕርብ ምስ ደለየ “ዎ ንጉስ እዚ ዂሉ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ በለ። ኣራውና ድማ ንንጉስ እግዚኣብሄር ኣምላኽኻ ደኣ ይቀበልካ በሎ። ንጉስ ግና ንኣራውና ኣይፋል ዋጋ ዜብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዚሐርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ ብዋጋኡ ደኣ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ ኣሎኹ በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዐደጎም።2ሳሚ 24 23-24 ንኣምላኽ ኢልና ዋጋ እንኽፈሎ ዘበለ ኹሉ ኣብ ኣምላኽ ናእዳን ዓስብን የውህበና እዩ። በረኸት ኣምላኽ ብዋጋ እዩ ተረኺቡ እሞ ዋጋ ክትከፍለሉ ድማ ናይ ግን እዩ። ክንዮ ሰሓቅናን ሓጐስናን ኣምላኽ ክሳብ ዘይኰነ ንኣምላኽ ድማ ክሳብ ዘይሰዋእናዮ ዕዉት ክርስትና ንምሕላፍ ኣይንኽእል ኢና። ክርስቶና እንተ ብዉሑድ ወይ ብንእሱ መስዋእቲ እናሰዋእካ ትጓዓዞ ናብራ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ንኣምላኽን ንወንጌል ክርስቶስ የሱስን ክብሉ ኣዚዩ ኩቡር መስዋእቲ እናሰውኡ ኣብ ፈቐዶ ማእሰርትን መከራን ዘለዉ ኣሕዋትና ካብ ኣምላኽ ዝረኽቦ ዓስቢ ክንደይ ዓቢ ምኻኑ እዚ ናይ ኣብርሃም ህይወት መርኣያ እዩ እቶም ስለ ጽድቒ መከራ ዝጸግቡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዋረዱ ዘለዉ ብጹኣት እዮም።

እቲ ዘገርም ብዙሕ ግዜ እቲ ክንስውኦ ዝግብኣና ነገር ስለምንታይ ኢና ክንስውኦ ፍቓደኛታት ዘይኰና እንተ ኢልና እቲ ነገር ኣብ ልብና ሒዝዎ ዘሎ ኣዚዩ ዓቢ ካብ ምዃን ዝተላዕለ ነቲ ኣምላኽ ንዕኡ ብምድርባይና ዝርከብ በረኸት እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይንፈልጥ እዩ። እቲ ንኣምላኽ ክስዋእ ዘለዎ ነገር እንስውኦ መታን ክምቅርን ክጽብእን እዩ። ኣብርሃም ኣብቲ ንኢሳቕ መስውእቲ ጌሩ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን ኣምሳይኡ ድዑሉ እዩ ጸኒዕዎ። እቲ ዝገርም ኢሳቕ ንኣብኡ ቐሊል ሕቶ ኣይኰነን ሓቲትዎ ኣበይ ደኣ ኣሎ? ከቢድ ሕቶ እዩ። ንኣምላኽ ኢልካ እቲ ዝስዋእ ክትስውእ ከሎኻ ኣበይ ደኣ ኣሎ ሕጂ ዝብል ሕቶ ንኣእምሮ የጨንቖ እዩ መልስና ግና ኩሉ ግዜ ከም መልሲ ኣብርሃም ክኸውን ከሎ ከመይ ልቢ ኣምላኽ ይዓርፍ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓሊ እዩ። ኣምላኽ ስርሑ ዝገብር ንዓና ኢሉ ዘይኰነስ ንስሙ ስለ ዘኽብር እዩ ነዚ እዩ ብዙሕ ግዜ ኣነ ንስመይ ኢለ ዝብል ተጻሒፉ ንረኽቦ ሰይጣን ብዘይመሳእቲ ጽድቂ ኮፍ ኢልና ክንበር እምበር መስውእቲ ሰዊኢና ናብ ኣምላኽ ክንቅቀረብ ኣይደልየናን እዩ። ኣምላኽ ንኽብሩን ምስጋንኡን ዝዀነ መሳእቲ ክንስውእ ኣዚዩ ይደግፈና። እቶም ናይ ቐደም ናይ እምነት ኣቦታትናን ኣብ ታሪኽ ዝተርኣዩ ኣመንትን ዝሰውኦ መስውእቲ ኣብ ሃዋህው ዘይኰነስ ፍረ ዘለዎ እዩ። ዝሓይሽ እናረኣዩ ድማ እዮም ንኣምላኽ ዝኸውን መኣዛ ዘለዎ ኩቡር መስውእቲ ዘቕሩቡ ዝነበሩ ኣምላኽ ይርድኣና።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንሃዋርያት ክዛረቦም ከሎ ደጊም የዕሩኽተይ ኢኹም ኢሉዎም ኣሎ። ስለዚ የዕሩኽቲ መድሓኒ ካብ ኰና ባህታና ኩሉ ብጐይታ ይኹን ንሱ ክመርሓና ኰሎ ናብቲ ዝሓሸ እበር ናብቲ ዝኸፈኣ ከም ዘይኰና ፈሊጥና ኣብ ፍቓዱ ንምንባር ንወስን እቲ እኰ ሓደ ወዱ እዩ እሞ በጃና ሰዊእዎ ህየትና ብጸግኡ ተደጊፍና ንዕኡ ንሰዋኣያ። ኣምላኽ ብዘድልየና ዘበለ ኹሉ ይደግፈና።

 

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
444 0