Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home Articles Message "እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27
"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27 PDF Print E-mail
Article Manager - Message
Sunday, 04 September 2011 21:51

Men Iyu Simkaሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እትደልዮ ስለዘመልክት ድማ ኣብ ኣወሃህባ ኣስማት ኣዚና ጥንቁቓት ንኸውን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ንስም ጽቡቕ ሚዛን ስለዝህቦ እግዚኣብሄር ነቲ መጀመርያ ዝፈጠሮ ሰብ ባዕሉ ስም ከምዘውጽኣሉን (ኣዳምን ሄዋንን ከምዝበሎም) ነቶም ዝተረፉ እንስሳታት ከኣ ሰብ ባዕሉ ኣስማት ከውጽኣሎም ሓላፍነት ከምዘሰከሞን ነንብብ፣ ስም ኣብ ሰባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ተራ ስለዘለዎ እግዚኣብሄር ትርጉም ዘለዎ ኣስማት ከምዝህብን ንብዙሓት ህይወቶም ዝለወጦም ሰባት ድማ ኣስማቶምውን ከምዝለወጠሎምን ንርኢ፣ ንኣብነት ካብ ኣብራም ናብ ኣብርሃም። ካብ ሳራይ ናብ ሳራ። ካብ ያእቆብ ናብ እስራኤል። ካብ ስምኦን ናብ ጴጥሮስ። ካብ ሳውል ናብ ጳውሎስ ወዘተ . . . ብዙሓት ክንጠቅስ ንኽእል፣

 

ኣብ ህይወት ናይ ኩሎም እዞም ሰባት እንተርኢና እግዚኣብሄር ኣስማቶም ቅድሚ ምልዋጡ ህይወቶም እዩ ለዊጡ፣ ንኣብነት ኣብ ህይወት ኣብርሃም። ነቲ ኣብራም (ዕዙዝ ኣቦ) ዝነበረ ሰብኣይ ብዘርኡ ዓሌታት ኩላ ምድሪ ከምዝባረኹ ምስ ኣተስፈዎን እቲ ተስፋ ብናይ ግዝረት ኪዳን ከጽንዓሉ ከሎን ስሙ ናብ ኣብርሃም (ኣቦ ብዙሓት) ለዊጥዎ፣ ህይወት ደቂ ያእቆብ እንተርኢናውን ኣዴታቶም መምስ ህሉው ኩነታተን ዝኸይድ ኣስማት የውጽኣሎም ከምዝነበራ ነንብብ፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከምዚ ጌሩለይ እዩ እሞ ስሙ ከምዚ ክብሎ እየ ዝብል ብዙሕ ጥቕስታት ነንብብ፣ ገለ ሕማቕ ኣስማት ዝነበሮም ሰባትውን ብቐደሙውን ስሙ እገለ እዩ ይበሃሉ ምንባሮም ነንብብ፣ ኣብ ባህልናውን ‘ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ’ ዝብል ምስላ ካብ ዘየለ ዝተመሰለ ኣይኮነን፣ ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ኣወሃህባ ኣስማት ኣዚና ጥንቁቓትን ገለ ዘይንፈልጦ ሓድሽ ስም ክንሰምዕ ከሎና ትርጉሙ ወይ ምንጩ ምሕታት ዘገድሰናን፣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰዓብቲ ኣምላኽ ንዝነበሩን ንእግዚኣብሄር ከምቲ ዝግባእ ንዝፈለጥዎን ሰባት ኣምላኽ ክውለዱ ከለዉ እዩ ኣስማት ዝሓርየሎም ኔሩ፣ ነቶም ምስ ዓበዩ ህይወቶም ክመርሕ ዝፈቐድሉን ቅድም ብታህዋኽ ባዕላቶም ዝመረጽዎ ስም ዘውጽኡን ድማ ኣብ ህይወቶም ክሰርሕ ምስ ፈቐዱሉ ህይወቶም ለዊጡ ኣስማቶምውን ይልውጥ ኔሩ፣ ኣብዚ ኣርእስትና ኣብ ሓደ ካብቶም ምስ ዓበዩ ህይወቶምን ስሞምን ዝተለወጡ ሰባት ከነተኩር ኢና፣ ኣብ መብዝሕትኦም እንርእዮ ነገር እንተሎ ህይወቶም ቅድሚ ምልዋጡ ኩነታቶምን ህሉው ኣስማቶምን ይሕተቱ ምንባሮም እዩ፣ ናይዚ ምኽንያት እግዚኣብሄር ካብ ህሉው ኩነታትካ እምበር ካብ ዝመስለካ ወይ ካብ ትምነዮ ኩነታት ተበጊሱ ስለዘይሰርሕ እዩ፣

ብዙሕ ጊዜ እንታይ ክንከውን ከምዘሎና ምስፈለጥና ተቐዳዲምና ክንገብሮ እንደሊ ኣስማትና ምቕያር እዩ፣ እንተኾነ ግን ከምቲ ኣብ ዝኾነ ኣነባብራና ነገራት ብኣገባብ ዝኸይድን ነናቱ ሕጊ ዘለዎን ከምኡ ከኣ ኣምላኽ ዝሰርሓሉ ኣገባብ ኣለዎ፣ ኣብቲ ዘሎኻዮ ኩነታት መጺኡ ስምካ ይሓተካ። ኩነታትካ ይልውጥ። ኣብ መወዳእታ ምስቲ ንሱ ዘጸበቖ ኩነታትካ ዝሰማማዕ ስም ይቕይረልካ፣ ስለዚ እቲ ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ስምና ከምቲ ዝኾኖ ምንጋሩ እዩ፣ ሓደ ክንስሕቶ ዘይብልና ነገር እግዚኣብሄር ስምና ዝሓተና ስለዝጠፍኦ ኣይኮነን፣ ከመይ ንሱሲ ከይተማህረ ኩሉ ዝፈልጥ። ከይተራእየ ኣብ ኩሉ ዝነብርን። ከይተዓበየ ኩሉ ዝኽእልን እዩ፣ ንኣዳም ኣበይ ከምዘሎ ዝሓተቶ ኣዳም ኣበይ ከምዘሎ ጠፊእዎ ዘይኮነስ ኩነታቱ ንኸረድኦ እዩ፣ ንያእቆብ። ጴጥሮስ ወዘተ . . . ኣስማቶም ዝሓተቶምውን ንገዛእ ርእሶም ባዕላቶም ክገልጽዋ ስለዝደለዮም እምበር ኣስማቶም ጠፊእዎ ኣይኮነን፣ ኣብዚ ኣብ ኣርእስትና ጠቒስናዮ ዘሎና ጥቕሲ ከምዘሎ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ስሙ ዝሓተቶ ቅድሚኡ መንዩ ስምካ ምስተባህለ ዝመለሶ መልሲ ስለዝፈልጥ እዩ፣ ያእቆብ ምርቓ ናይ ምውሳድ ክቱር ድሌት ስለዝነበሮ ምርቓ ክወስድ ዝኾነ ዋጋ ክኸፍል ፍቓደኛ ኔሩ፣ ስለዚ ድማ መጀመርያ ብቀይሕ ጸብሒ ብኹርነት ካብ ሓዉ ገዚኡ፣ ብድሕሪኡ ድማ ንኣቡኡ ይስሃቕ ብምትላል ምርቓ ኤሳው ሓዉ ወሲዱ፣ ምርቓ ክወስድ ከሎ ኣቡኡ ኣዝዩ ኣሪጉ ስለዝነበረ ኣነ ኤሳው በኹርኻ እየ ዘፍ.27።19 ኢሉ ብምትላል እዩ ምርቓ ናይ በኹሪ ወሲዱ፣ ይስሃቕ ኣዝዩ ኣሪጉ። ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ስኢኑ ስለዝነበረ ብምስማዕ። ምሽታትን። ምርምሳስን (ምድህሳስ) ጥራይ እዩ ሰባት ከለሊ ዝኽእል ኔሩ፣ ያእቆብ ከኣ ብኹርና ናይ ምውሳድ መደብ ስለዝነበሮ ክዳን ኤሳው ተኸዲኑ። ኤሳው ሓዉ ጸጓር ሰብኣይ ስለዝነበረ ድማ ኣብቲ ክዳን ዘይሸፈኖ ኣካላቱ ጸጉሪ መሓስእ ጠምጢሙ። ንኣቡኡ ንምድንጋር ኣትዩ፣ ኣቡኡ ይስሃቕ ብምሽታትን ምድህሳስን ኤሳው ምዃኑ ደምዲሙ። ድምጹ ግን ድምጺ ያእቆብ ስለዝነበረ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ። ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው። በለ፣ ዘፍ.27።22 ስለዘየለለዮ ከኣ መረቖ፣ ያእቆብ ክሳብ ሽዑ መደቡ ጽቡቕ ይኸይደሉ ከምዘሎ እዩ ዝግምግም ኔሩ፣ ኤሳው ሓዉ ምስ ፈለጦን ክቐትሎ ምስ ደለየን ግን እቲ ዘቕረቦ ዝመሰሎ ተስፋኡ ክርሕቕ ከሎ ርእዩ፣ ነቲ ኩሉ ብዘይ መገዱ ዝኸዶ ጉዕዞ ከዐሪ ከኣ ነዊሕ ዓመታት ከምዝወሰደሉ ነንብብ፣

እግዚኣብሄር እምበኣር ነዚ ብኸምዚ ኩነታት ዝሓለፈን ያእቆብ ክነሱ ረብሓ ንኽረክብ ኤሳው ዝኸውን ሰብኣይ እዩ ስሙ ሓቲትዎ፣ ያዕቆብውን ብብዙሕ ናይ ህይወት መስገድላት ምስ ሓለፈ ስለዝተሓተተ ስመይ ያእቆብ ማለት መታለሊ ወይ ጠባሪ እዩ ኢሉ መሊሱ፣ ስመይ ያእቆብ እዩ ብምባሉ። ንስኻ ኩሉ ስለ ትፈልጥ ህይወተይ ክትልውጦ ትኽእል ኢኻ እዩ ዝብል ኔሩ፣ እግዚኣብሄር ከም ይስሃቕ ከምዘይኮነን ኣዒንቱ ጽሩያት እምበር ድኹማት ከምዘይኮናን ፈሊጡ። ስለዚ ድማ ንኣምላኽ ኤሳው እየ ምባል ትርፉ ድኻምን መርገምን ጥራይ ምዃኑ ተገንዚቡ፣ በዚ ድማ ንምጥዓይ ከምቲ ዝኾንካዮ ምቕራብ ይሓይሽ ናብ ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐ ይመስል፣

ንሕናኸ ስምና እንተንሕተት?

መ ል እ ኽ ቲ  ቁ.5ኣብዚ ዘመን ዘለና ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ከምቲ ያእቆብ ብኹርና ዘሳድደሉ ዝነበረ ዘመን ንነብር ዘሎና ንመስል፣ ብዙሕ ቃል ኣምላኻዊ ዝኾነ ተስፋታት እኳ ተዋሂቡና እንተኾነ ከምቲ ያእቆብ ዝገበሮ ብዘይ ቃል ኣምላኻዊ መንገዲ ስለንደልዮ። ነቲ ዝተዋህበና ተስፋ ብዝቀረብናዮ መጠን ይርሕቀና፣ ከምቲ እቶም ኣብ ስፍራ መቀዳደሚ ዝቀዳደሙ ከምቲ ሕጉ ጌሮም እንተዘይተቐዳዲሞም ኣኽሊል ዓወት ዘይጭብጡ ከምኡ ከኣ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ በቲ ኣምላኽ ዝበሎ መንገዲ እንተዘይደሊኻዮ ኣይትረኽቦን ኢኻ፣ ብዙሓት ካባና ክርስትያናት ክነስና ካብቲ ኣምላኽ ነቶም ዝሕግዝዎ’ዩ ዝሕግዝ ዝብል ዘይኣምላኻዊ ብሂል ስለዘይተገላገልና ነቲ ኣምላኽ ዝበለና ተስፋ ንምፍጻም ብርእስና ብዙሕ ጻዕሪ ንገብር፣ ኣብ መስርሕ ናይዚ ንተስፋ ኣምላኽ ብጻዕርኻ ናይ ምፍጻም ስራሕ ከኣ ሓደ ሓደ ጊዜ ያእቆብ ክነስኻ ኤሳው ክትከውን ዝሓትት ኩነታት የጋጥም እዩ፣ ኣብዚ ብርእስኻ እትኸዶ መንገዲ እግዚኣብሄር ክሳብ ኣይከኣልኩን ኢልካ ኢድካ ትህብ ካብ ክተሓበበረካ ጸግዑ ሒዙ ክዕዘብ ስለዝመርጽ እቲ ስምካ ምስ ተሓተትካ እትምልሶ መልሲ ‘ኤሳው’ እየ ዝብል እዩ፣ ብጉርሒን ብምትላልን ዝገበርካዮ ነገር ንሰብ ኣምላኽ ዘገባገበልካ (ዘፍ.27።20) እኳ ክመስሎ ዝኽእል እንተኾነ ንኣምላኽ ግን ዘይክዳንካ ተኸዲንካን ቆርበት ማሕስእ ተጠምጢምካን ከምዝመጻእካ ኣይስወሮን እዩ፣ ከም ያእቆብ ኣዚኻ ዝጠበብካን ዝጎራሕካን እንተመሲሉካ እግዚኣብሄር ኣብ ርእስኻ ምውካል ክሳብ ተቋርጽ ካባኻ ዝጎርሑን ዝበልሑን ሰባት ይሰደልካ እዩ፣

ክንደይ ካባና ኢና ዘይንጽሊ ክነስና ጸለይቲ። ዘይዕጉሳት ክነስና ዕጉሳት። ዘይቅኑዓት ክነስና ቅኑዓት። ዘይንሕና መሲልና ንቀርብ፣ ከም ናይ ያእቆብ ዓይነት ኣካይዳ ንሰብ ከተታልል የኽእለካ እዩ። ከይተፈለጥካውን ዓመታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ፣ ከምቲ ኣብ ትንቢት ኤርምያስ ዝብሎ ግን ኣብ ርእስኻ ብምውካልካን መገዲ ገዛእ ርእስኻ ብምምራጽካን ኣብቲ ሓደኳ ዘይነብሮ ምድሪ ጨው ትነብር እምበር ጥዑም ምስ መጸስ ኣይትርእዮን ኢኻ (ኤር.17።6)፣ ስለዚ ኣምላኽ መን ኢኻ ስምካ ኢሉ ክሓተካ ከሎ ኣነ ያእቆብ እቲ መታለሊ። እቲ ብቀይሕ ጸብሒ ብኹርና ካብ ሓዉ ዝገዝአ ዘፍ.25።31-33። እቲ ነቦኡ ብምትላል ምርቓ ዝወሰደ ዘፍ.27።14-29። እቲ ምስ ኣምላኽ ናይ ንግዲ ዓይነት ዝምድና ክገብር ዝደለየ ዘፍ.28።20-22 ወዘተ . . . ኢልካ ምቕራብ የድሊ፣

ብዙሕ ጊዜ እቲ ሱር ናይ ሽግርና ከይፈለጥና ላዕለ ላዕሊኡ ጥራይ ብምዕራይ ነገራት ዝዕረ ይመስለና እዩ፣ ኣምላኽ መንገድኻ ክሳብ ተዐሪ ንራሄል ተመርዒኻ ከሎኻ ሊያ ክህቡኻ ከለዉ ስቕ ኢሉ ክርኢ ይኽእል እዩ፣ ክሳብ መገድኻ ዝርድኣካን ናብ ጎይታ እትምለስን ከኣ ዓስብኻ ዓሰርተ ሳዕ ክለዋውጡልካ ከለዉ ጣልቃ ኣይኣቱን እዩ፣ ህይወት ካብ መግቢ ስጋውን ካብ ክዳን ከምዝዓቢ (ሉቃ.12።22-23) ክሳብ እትፈልጥ እግዚኣብሄር ተዓዛባይ ጥራይ እዩ ዝኸውን፣ ብገዛእ ርእስኻ ንስራሕ ኣምላኽ ክትሰርሕ ከሎኻ ሓይልኻ ክሳብ ትውድእን ፈጺምካ ክሳብ ትደክምን ስቕ ኢሉ ይርእየካ እሞ ኩሉ እቲ ናይ ተዋስኦ መንነትካ ምስ ኣውጻእካዮ ሽዑ ኣባኻን ብኣኻን ክሰርሕ ይጅምር፣ ዝበዝሐ ካብቲ ኣብ ጉዕዞ ህይወትና ዝገጥመና ንሰይጣን ነሳብበሉ ዕንቅፋታት ብሰሪ ቅኑዓት ዘይምዃንናን ያእቆብ ክነስና ኤሳው እየ ብምባልናን ዝመጽኣና እዩ፣ ሰይጣን ጸላኢ ስለዝኾነ ብዘይካ ክቐትል። ክሓርድን ከጥፍእን ንኻልእ ኣይመጽእን እዩ ዮሃ.10።10 ኣብ ኩሉ ንምውዳቕናን ምጥፋእናን ዝእለም ውዲት ከምዝህሉ ክንስሕቶ የብልናን። ኩሉ ዝገጥመና ዘይጽቡቕ ኩነታት ንእኡ እናላገብናሉ ግን ካብ ብቕንዕና ምምልላስ ክንበኩር ኣይግብኣናን እዩ፣ ስምካ ምስ ተሓተትካ ሰይጣን ሕሹኽ ኢሉ ‘ኤሳው እየ በል’ ክብለካ ይኽእል እዩ። ሓቀኛ ስምካ ናይ ምንጋር ውሳኔ ግን ናትካ እዩ፣ ኤሳው ቦኽሪን ምርቓ ዝግብኦን ስለዝነበረ ኤሳው ክትከውን ምድላይ ጌጋ የብሉን፣ ያእቆብ ከሎኻ ኤሳው እየ ምባል ግን ሓሶትን ንእግዚኣብሄር ምብዳልን እዩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንበዳሊ ከም ንጹህ ስለዘይርእዮ ዘጸ.34።7 እንተ ዘይተመለስካ ዋጋ ትኸፍል ኢኻ፣

ኣብ ሃገርና ናይ ቤት ትምህርቲ። ናይ ገዛ። ናይ ክርስትና (ብልምዲ ሽም ቀሺ ዝበሃል) ኣስማት ኣሎና፣ እዚ ኣብ ጊዜ ንእስነትና እኳ ብዙሕ ሽግር እንተዘይብሉ እናዓበና ምስ ከድና ግን ስም ካብ ካልኦት እንፍለየሉ መለለይና ስለዝኾነ ናይ ገለ ፊደላት ምዝንባልውን ክሳብ ክንደይ ኣሸጋሪ ከምዝኾነ ኣይስሕቶን ኢና፣ ካብዚ ብዝበልጽ ከኣ እቲ ሓቀኛ መንነትና ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፣ ስለዚ እቲ ኩሉ ዝኽእል ዓቢ ኣምላኽ እግዚኣብሄር መን ወይ እንታይ እዩ ስምካ ይብል ኣሎ እሞ እቲ ንምልሰሉ መልሲ ከምቲ ሓቀኛ መንነትና ይኹን፣ ኣምላኽ ስምካ ዝሓትት ንዝሓይሽን ንዝበልጽን ንኽብሪ እምበር ንኸነኣእስ ወይ ከዋርድ ስለዘይኮነ ከምቲ ዘሎናዮ ንምጽኣዮ፣ ካብቲ ዝገደፍናዮ ዝመሰለና ግናኸ ገና ተኸዲንናዮ ዘሎና ካባ ሃይማኖታውነት ንውጻእ እሞ ነዚ ህይወት ዘይኮነና ስርዓታውነት። ምምሳል እምበር ምዃን ዘይብሉ ባዶነት። ከርተትካ ዘብዝሕ እምበር ናብ ራህዋ ዘየብጽሕ ኮለል። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣይፈልጠኩምን’የ ዘብል ናይ ስምዒት ምምልላስ ከምዘይንደልዮ በቲ ዝርድኣና መንገዲ ንንገሮ፣ ሓቀኛ መንነትና ንጎይታ ምስ ነገርናዮ ከኣ ንሱ ካብቲ ዝነበርናዮ ‘ናብ ከምዚዶ ክብጻሕ ይከኣል እዩ’ እንብለሉ ክንሓስቦን ክንግምቶን ዘይንኽእል ክብሪ ከምዘብጽሓና ቃሉ ይነግረና ኤፌ.3።20-21 እዚ ክሳብ ዘይገበርና ግን ኣስማትና ናብ እስራኤል ክልወጥ ስለዘይክእል ወይ ያእቆብ ኮይንካ እስራኤል ምዃን ወይ ድማ ኤሳው እየ እናበልካ ልብኻን ግብርኻን ግን ያእቆብ ምዃን ናይ ነፍሲ ወከፍና ምርጫ እዩ

ጎይታ ይደግፈና

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
443 0