Forgot your password? Create an account
  • Increase font size
  • Default font size
  • Decrease font size
  • default color
  • green color
  • red color

Eriwongel.com

Monday
May 21st
Home Articles Message ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ
ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ PDF Print E-mail
Article Manager - Message
Tuesday, 15 March 2011 05:33
How-Your-Heartምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እንሆ ጐሊሖም ብድምቀት ይረኣዩ ኣለዉ። እዚ ከምዚ ዓይነት ሕማም ዝተራእያ ሓንቲ ማሕበር ኔራ እያ።ኣብ መጽሓፍ ቁድስና ብፍላይ ከኣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብርክት ዝበላ መልእኽታት ኣለዋ። ካብኣተን እተን 13 መልእኽታት ብኢድ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝተጻሕፋ እየን። ካብተን ጳውሎስ ዝጽሓፈን መልእኽታት ድማ ናብ ሰብ ቖሮንጦስ ዝተጻሕፋ መልእኽታት የጠቓልል።

ቖሮንጦስ ኣብ ግዝኣት ግሪኽ እትርክበ ዝነበረት ከተማ እያ። ኣብ ቖሮንጦስ ዝነበረት ማሕበር ኣብ ካልኣይ ሚሰንያዊ ጉዕዞ ዝተምሰረተት ማሕበር እያ። እዛ ቖሮንጦስ ዝተባህለት ወደባዊት ከተማ ብዙሕ ዝዓይነቱ ኣምልኾ ጣኦትን ምንዝርናን ዝግበረላ ዝነበረ ቦታ እያ። እዛ ማሕበር እዚ ኣብቲ ፈለማ ጹቡቕ ክትስጉም እኳ እንተ ጀመረት ዳሕራይ ግና ኣዚያ ዓለማውነት ዘጥቕዓ ካብቲ ዝነበረ ናይ ከተማ ቆሮንጦስ ባህሊ ምፍላይ ዝተሳእና ማሕበር እያ ኰይና። ነዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ክልተ መልእክታት ዝጸሓፈሎም። ነዛ መጽሓፍ ንኹላ ኣብዚ ሓጺር ግዜ ንምትንታትን እኳ እንተ ዘይከኣልና ግና ገለ ገለ ኣገደስቲ ነጥብታት ብምውሳድ ክንርኢ ኢና።

1 ኣብ መንጐ እታ ማሕበር ዝነበረ ምፍልላይ

ሃዋራያ ጳውሎስ ካብቲ ሓደ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝጸሓፈሎም ምኽንያት ብሰንኪ እቲ ኣብ ምንጐኦም ዝነበረ ምፍልላይ እዩ። ነዚ ድማ እዩ “ግናኸ ኣሕዋተየ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ እዚ ማለት ነፍሲ ወከፍኩም ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ ኣነ ናይ ኬፋ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ ከም እትብሉ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር ምፍልላይ ከይህልወኩም እምዕደኩም ኣሎኹ።” ብምባል ኣብቲ ቐዳማይ ምዕራፍ ዝጸሓፈሎም። ኣብ ማሕበር ቖሮንጦስ ዝንበረ ምግምማዕ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣይሐጐሶን። ደጊሙ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ ክጽሕፈለም ከሎ ድማ “ኣሕዋተየ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም ጸባ መገብኩኹም ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዚህልወኩምሲ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧እቲ ሓደ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ ካብ ዚብል ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧እምብኣርከ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሀቦ እዩ።” ብምባል እቲ ዝንበሮም ምፍልላይ ክሳብ ክንደይ ዘሕፍር ምኻኑ ይነግሮም። እዚ ኩነታት ወይ ሃዋህው ሰብ ቆሮንጦስ ግና ኣብቲ ዘመን እቲ ዝነበረ ተርእዮ ጥራይ ዘይኰን ሰይጣን ኣብ ዘዘመኑ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዝፈጥሮ ዝነበረ ነውጺ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዘመን እዚ ኸኣ እሞ ሰፊሑን ዓብዩን ይርከብ።

ማሕበር ኣምላኽ እታ ብደም የሱስ ክርስቶስ ዝቐመትን ብኡ ድማ ትነብር ዘላ ነቲ ሓደራ ኣምላኽ ማለት ተስፋ ናይቱ ቡሩኽ መድሓኒ ወንጌል ሒዛ ንቕድሚት ንኸይትሕንበበ ዝገብራ ዘሎ ሓደ ዕንቅፋት እዚ ኣብ ማእከል ዝረኣ ዘይምስምማዕ ወይ ምፍልጫል እዩ። እዚ ምፍንጫል ወይ ተፈሊኻ ናትካ ካልእ ማሕበር ንምምሳርት ዝግበር ጉያ ካብ ስጋውነት ሓሊፉ ሰይጣን ዘዋደዶ ውዲት ምኻኑ ትንተናን መርትዖን ዘየድልዮ ጩቡጥ ሓቒ እዩ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንማሕበሩ ብሓድነት ፍጽምቲ መታን ክትከውን እዩ እቲ ኣቦ ዝሃቦ ክብሪ ብምልኡ ሂብዋ ዝኸደ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ዝተጻሕፈ ዝነወሐ ጸሎት መድሓኒ ኣብ ወንጌል ዮውሃንስ 17 ተጻሒፉ ዘሎ ብዛዕባ ሕብረትን ሓድነትን ዝገበሮ ጸሎት እዩ። ኣብ ማእከል ማሕበር ኣምላኽ ምፍልላይ ምምጻእ ማለት ድማ ነቲ መድሓኒ ኣብ መስቀል ዝገበሮ ግብሪ ምንቁሻስ ከም ማለት እዩ።

ብዙሕ ግዜ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዝረኣ ምፍልላይን ምብትታንን መሰረቱ ምፍልላይ ወይ ዘይምርድዳእ ናይ መሰረት እምነት ዘይኰነስ ስጋውነት ወይ ከኣ ናይ መሪሒነት ውድቀት እዩ። ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ መሰረት ዘይገበረ መሪሒነት ሓደ ሰብ ዝዓብለሎ ኣካይዳ ንማሕበር ኣዚዩ ይሃስያን ናብ ዘይተደልየ ኣንፈት ይመርሓን ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ እዩ ስጋውያን ምኻንኩም ዶ ኣይኰነን ብምባል ዝወቐሶም። ብሰንኪ ኣብ ልቢ ዝተደጐነ ቅንእን ጥቕምን ህርፋን ስልጣን ዝመጽእ መንፈስ እዩ። እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ሰይጣን ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ዝሰረጸ እዩ። ኣብዚ ዘመን እዚ ድማ ምስትዋዓልና ስለ ዝተደፈነ እንሆ ሰይጣን በዚ መንፈሲ እዚ ይሰርሕ ኣሎ።

ንሓድነት ማሕበር ክርስቶስ ምትንካፍ ማለት ከም ንብሌን ዓይኒ ኣምላኽ ምትንካፍ ማለት እዩ። ኣካል ክርስቶስ ኣብቲ ርእሲ ማእዝን ክርስቶስ ተሰሪታ ዘላ ኣካል ክርስቶስ እያ። ንሕና ድማ ኣካላታ ኢና። ነዚ እዩ ሃዋራያ ጳውሎስ “ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ ብዙሕ ክነሱስ ሓደ ስጋ ዝዀነ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ ሓደ መንፈስ ሰቴና።” ብምባል ንሰብ ቆሮንጦስ ብዛዕባ ትርጉም ሓድንት ይዛረቦም።

እቲ ካብ ኣካል ክርስቶስ ተፈልዩ ናይ ገዛእ ርእሱ ጐጆ ክፈሊ ዝደሊ ሰብ ትምኒት ገዛእ ርእሱ ይደሊ ከም ዘሎ ክዝንግዕ የብሉን። ኣምላኽ ናይ ሰላም ኣምላኽ እምበር ናይ ምፍልላይ ኣይኰነን። መለለይቲ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ሓድነት እምበር ዝተፈላለየ ጐጀለታት መስሪትካ ምጭዳርን ምዝማርን ኣይኰነን። ሓድነት ማሕበር ክርስቶስ ብሕጂ ዝመጽእ ዘይኰነስ ድሮ ብደም መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ዝተረጋገጸ እዩ። የግዳስ ምዕቃቡ ክንክእል ግና ካብ ሻራን ምፍልላይን ነጻ ክንወጽእ የድልየና። ሎሚ ብዝሒ ሰባት ሒዝካ ምኻድ ዘይኰነስ ሓድነት ቤት ኣምላኽ ተዓቒቡ ንኣምላኽ ከተኽብር ምጉያይ እዩ እቲ በረኸት።

ሎሚ ካብየናይ ወገን ኢና? ሓድነት ቤት ኣምላኽና ክሕሎ መታን ካብቶም መስዋእትንተን ንወስድ ሰባት ዲና ወይ ከም ሰብ ቆሮንጦስ ወገንን ሻራን እናፈለና ንሓድነት ማሕበር ክርስቶስ ንሓማምስ? ኣምላኽ ይርድኣና። ማሕበር ክርስቶስ እታ ኣካሉ ሓንቲ እያ ኣይትምቀል ኣይትመቓቐልን እያ። ስለዚ ከም ሰብ ቆሮንጦስ ንምፍልላይ ዘይኰነ ንሓድነት ንጋደል።

2 ኣብታ ማሕበር ዝንበራ ተጻውርነት ሓጥያት

ማሕበር ቆሮንጦስ ካብቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝወቐሰላ ካልእ ምኽንያት ድማ ንሓጥያት ዝነበራ ተጻዋርነት ልዑል እዩ ኔሩ። ተጻዋርነቶም ሃዋርያ ጳውሎስ ክገልጾ ከሎ ኣብቲ ሓሙሻይ ምዕራፍ “ምንዝርና ብሱሩ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዜልቦ ማለት ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ ይውረየኩም ኣሎ።ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኸêም እሞ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ኺርሕቕ ኢልኩም ከቶ ኣይጒሄኹምን።” ብምባል ይዘብሖም፣ እዛ ማሕበር እዚኣ ኣብ ማእከላ ንኣምላኽ ዘጉይ ነገር ተፈጺሙ ክነሱ ግናኸ ገለ ከም ዘይኰነ ኣምልኾኣ ትቕጽል ነብረት። ንሓጥያት ተጻዋርነት ክንብል እንከሎና ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ኣበሳ ምንም ዝዓይነቱ ርትዒ ክይተሰማዓካ ከም ሓደ ባህ ዘበል ጌርካ ተሸኪምካዮ ክትከይድ ኣሎካ። ሓደ ሓው “ሓደ ኣማኒ ሓጥእያት እንተ ጌሩ ብዉሑድ ድቃስ ክስእን ኣለዎ” ብምባል ንሓጥይት ክሳብ ክንደይ ክንጻውሮ ከም ዘይብልና ይዛረብ። ካብቲ ቀንዲ ጸገምና ከም ማሕበር እቲ ክእለ ዘለዎ ነገራት ብኣግኡ ስለ ዘይንኣልዮ ዳሕራይ ከም ሓደ ቁኑዕ ልምምድ ሒዝናዮ ንተርፍ በዚ ከምዚ ዝመጸ ድማ እቲ ድኻምን ዕንወትን ዓቢ ይኸውን። ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ብሃዋርያ ዮውሃንስ ንማሕበር ቲያትራ ክግስጻ ከሎ “ግናኸ ነታ ነብዪት እየ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ኪምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውኤ ኪበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ ኣሎኹ።” ብምባል ኣብ ራእይ 2፣20 ይዛረብ።

ሎሚ ንዝዀነ ኣንጻር ቃል ኣምላኽ ንዝትስእ ዘሎ ሓይሊ ስቕ ኢልና ንርእዮ ስለ ዘሎና እቲ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ዝረኣ ዘሎ ዘይተደልየ ኣካይዳን ኣብ ገዛእ ርእስና እንመጾ ዘሎና መዘዝን ይዓቢ ኣሎ። ምንልባት ኣብ ሓጥያት ዘይምሕባርና ሰናይ እዩ ግና ንሓጥእያት ካልኦት ብፍላይ እኳ ነቲ ከም ቃል ኣምላኽ ዘይኰነ ኣካይዳ ስቕ ኢልና እንተ ሪእናዮ፣ ነቲ ኣንጻር ምህሩ እቲ ትኽል ቃል ስቕ ኢልና እንተ ሰሚዒናዮ ንሕና እውን ንገዛእ ርእስና ካብ ዘመጽእ ዝዀነ ዓይነት መዘዝ ነጻ ከም ዘይንኸውን ዘይኰን ክነስተውዕል ይግባኣና። ነዚ ኣዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዜብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ገንሸል ፋስጋና ማለት ክርስቶስ ተሰዊኡ እዩ እሞ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። ብምባል ዝመዓዶም። ኣብ ማሕበር ገለ ኣብሳ ምስ ዝፍጸም እቲ ሱር ኣብ ኩሉ ዀይዱ ስለ ዝልሕም ኢና ብኣግኡ ከነውጾን ክንገንሖን ዘሎና።

ፊንሃስ ወዲ ካህን ኣሮን ኣብ ማእከል ህዝቡ ሓደ ከቢድ ንኣምላኽ ዘሕዝን ናይ ምንዝና በደል ምስ ተፈጸመ ኣዚዩ ተናደደ። ኣብቲ እዋን እቲ እቶም ህዝቢ ብዛዕባ ኣብ ማእከል ግባኤ ኣምላኽ ንዝዀነ ፍጻሜ ግዲ ኣይበሉሉን። ፊንሃስ እቲ ኻህን ግና ሰይፉ መዚዙ ነቲ ዝንበረ ርኽሰት ንኽእሊ ብነድርን ፍርድን ብቕንኣን ተላዒሉ ነቲ ቑጡዓ ኣምላኽ ኣዝሒልዎ። ሎሚ ንሕና ቕጥዐ ኣምላኽ እንህድእ ሰባት ክንከውን ኣምላኽ ይደግፈና። ኣምላኽ ንሓጥያት ክሳብ መወዳእታ ክንቃለሶ ፍቓዱ እዩ። ነዚ እዩ ኣብ እብራውያን ንሓጥያት ክሳብ ደም ኣይተቓለስክምዎን ብምባል ንሰብ እብራውያን ይዛረቦም። ሎሚ ንሓጥያት ዝጻወር መንፈስ ክህልወና የብሉን።

3 ማሕበር ቆሮንጦስ ብስርዓት ዘይትመላለስ ማሕበር

ካልእ ጸገም ቆሮንጦሳውያን ኣብ ማእከሎም ስርዓት የግዱሉ ኔሮም ብፍላይ እዚ ነገር እዚ ኣብ 1ቆሮ 11, 12 ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ብዙሑ ክፋል ህይወቶም ስራዓትን ኣገባባትን ዘጥፍእ ምእምነ ኔሮም። ኣብ ምዕራፍ 11 ብዛዕባ ድራር ጐይታ ዝነበሮም ኣካይዳን ኣብ ምዕራፍ 12 ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህበት ዝነበሮም ኣጠቓቕማ ስራዓት ዝጐደሎ ኔሩ። ከም ዝመስሎምን ከም ዝርድኦምን ጌሮም ይጥቅመሉ ነበሩ። ነዚ ድማ እዩ ኣብ 1ቆሮን 13, 14 መምሪሒ ሂብዎም። ኣምላኽ ኣብ ማእከል ማሕበሩ ስርዓትን ኣገባብን ክህሉ ይደሊ እዩ። ብፍላይ እዚ ዘመን እዚ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ኣምላኽ ከም ድላይ ልብኻ ምምልላስ ዝረኣየሉ ዘሎ ሰዓት ከመይ ከም ለባማት ክንመላለስ ከም ዝግብኣና ከነስተውዕል ኣሎና። ጳውሎስ ንሰብ ተስሎንቄ ክዛረቦም ከሎ “ማለት ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዚመላለሱ ዙረት እምበር ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዐዩ ንሰምዕ ኣሎና።’ ብምባል ይምዕዶም

ሰበ መዓስ እዩ ብዘይስርዓት ዝመላለስ እንት ኢልና ፍልጠት ምስ ዝውሕዶ ጥራይ እዩ። ካብቲ ሓደ ሰብ ቆሮንጦስ ኣገባብን ስርዓትን ዝሰኣንሉ ግዳይ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ ኣምላኽ ንማሕበሩ ክሃንጸላ ብመንፈሱ ዝሃቦ ውህበት መንፈስ ቁዱስ እዩ። እዚ ብነጻ ዝተዋህበ ብነጻ ማለት ብጸጋ ክዕየየሉ ዝተዋህበ ውህበታት ግና ኣብ ማሕበር ቆርንጠስ ቅጥዒ ሲኢኑ ኩሉ ብዘይፍልጠት ይግበር ነበረ ነዚ እዩ ሓው ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣሕዋተየ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።ኣረማውያን ከሎኹም ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሐብኩም ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዚዛረብ የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል መንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ የሱስ ጐይታ እዩ ኺብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ ኤፍልጠኩም ኣሎኹ።” ኢሉ ኣብ 12፣1-3 ይዛረቦም። ሎሚ እዚ መንፈሳዊ ፍልጠት ስለ ዝወሓደና እዩ ኣብ ዘይተደለየ ሃተውተው ንኣቱ ኣሎና። ኣብዚ እዋን እዚ ብዛዕባ መንፈሳዊ ውህበታት ዘሎ ምድንጋር ብዙሕ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ናብ ገዛእ ርእስናን ብገዛእ ርእስ ኣብ እንጥቀመልኡ ዘሎና እዋን ኢና ዘሎና። እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ወሃቢ ዘለና ፍልጠት ሒደት ካብ ምኻኑ ዝተላዕለ ኣተኩረና ናብቲ ውህበት ይኸውን። ጸገም ሰብ ቆሮንጦስ እዚ እዩ ኔሩ። ዋላ ብዛዕባ እቲ ድራር ጐይታ ተመጻና እውን ሰብ ቖሮንጦስ ሰራዒ እዚ ትእዛዝ እዚ መን ምዃኑ ስለ ዘይፈለጡ ኣተክርኦም ናብቲ ንመዘከርታ ግበርዎ ዝተባህለ ብልዒ ኰይኑ። ብሰንኪ እዚ ድማ ኣብታ ማሕበር ድኻም ሕማም ካብኡ ሓሊፉ እሞን ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣስዒብሎም። ነዚ እዩ ቃል ኣምላኽ ህዝበይ ግና ሰኣን ፍልጠት ይጠፍኣ ኣሎ ዝተባህለ። ብኣንጻሩ ከይንጠፍእ ንኣምላኽ ንፍለጦ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ ተባሂሉ ኣሎ።

እምብኣር ሎሚ ስርዓት ጐዲልና ብብዝመስለና መንግዲ ምልላስና ፍልጠት እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጐዲልና ከምዘሎ ምልክት እዩ። ንቓል ኣምላኽ ምፍላጥን ቃል እቲ መንፈስን ምፍላጥ በበይኑ እዩ። ብዛዕባ መንፈስ እቲ ቓል ዝፈልጥ ሰብ ኣካይድኡ ዝፈልጥ ስርዓት ዘለዎ ኣማኒ እዩ ዝኸውን። ዘለዎ ውህበት ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ይጥቀመሉ።እቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተሓጊጉልና ዘሎ ስርዓታት ከኣ ብፍርሓት ኣምላኽ ተደሪኹ ይጓዓዝ። ኣብ ዘመን መሳፍንቲ ዝነበሩ እስራኤልውያን ከም ዝመስሎምን ዝተረድኦምን ዝመላለሱ ዝነበሩ ነቲ ስርዓት ዝሃቦም ኣምላኽ ስለ ዘይፈለጡ እዩ። ሎሚ ኣምላኽ እታ ንኸደላ መንገዲ ከርእየና ንዓና ዝጠቅም ክምህረና እሞ ብስርዓታቱ ብስርዓት ክንመላለስ ክንክእል ንኣምላኽ መንፈሳዊ የዒንትና ክኸፍተልና ንጸሊ።

ኩቡራት ኣንበብቲ ሎሚ ንሻራን ምፍልላይን ኣፍ ደገ ከይንኸውን እሞ ዝገደደ ፍርዲ ከይነምጽእ ንጠንቀቕ። ንሓጥያት ከም ሓደ ንቡር ወሲድና ምሳና ሓንጊጥናዮ ከይንውዕልን ከይንሓድርን ንኣምላኽ ንፍራሕ፣ ፍልጠት ጐዲልና ስርዓት ከይነጉድል እሞ ካብ ኣብ ኣምላኽ ንላዕሊ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣቶኪርና ከይንመላለስ ንኣምላኽ ክንፈልጦ ንጋደል። ሰብ ቆሮንጦስ ድሕሪ ናይ ሃውርያ ጳሎስ መልእኽቲ ናብ ኣምላኽ ምምላሶም ዘመልክት ጥቕሲ ኣብ መጽሓፍ ቁዱስ ተጻሒፍሉና ኣሎ እምብኣር ሕጂ በዛ ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንጦስ ዝበሎም ጥቕሲ ክፋነወኩም “በታ ደብዳበይ ኣጒህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ ተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዐስን እየ። እታ ደብዳበ እቲኣ ንጊዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ ከም ዘጒሀየትኩም እርኢ ኣሎኹ እሞ ካባና ገለ ጒድኣት ምእንቲ ኸይትረኽቡስ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጒሄኹም ንንስሓ ስለ ዝጒሄኹም እምበር ሕጂ ስለ ዝጒሄኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ። ማለት ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዚኸውን ዘይትጠዐሰሉ ንስሓ የምጽእ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዜምጽእ። እንሆ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጒሄኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዝየምጽኣልኩም ክንደይ ምምጽራይ ክንደይ ምንጽርጻር ክንደይ ፍርሃት ክንደይ ናፍቖት ክንደይ ቅንኣት ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብዂሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም። እምብኣርሲ እንተ ጸሓፍኩልኩም ከኣ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኺግሀድ እምበር ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሐፍኩ። ስለዚ ድማ ተጸናናዕና።” 2ቆሮ 7 ኣምላኽ እዚ ልቢ ይሃበና።”

 
Well come !!!
Latest Message

EGMM

ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ  ወንጌል ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ንመላእ ዓለም ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብዝተፈላለየ መገዲ መራኸቢ እንዝርግሕ ክርስትያናት ኢና።

Social Web

Share to Facebook Share to Twitter Share to Google 
ካብ ሎ-ድባር…፣

ካብ ሎ-ድባር…፣

(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....

መልእኽቲ ፋሲካ

መልእኽቲ ፋሲካ

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላ....

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

እቲ መቕሰን ኣገልጋሊ

ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ ....

እቲ ፉንፉን

እቲ ፉንፉን

ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ....

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን ክትዓግብ እያ፧

ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብርሃም ብሉጽ ዓርኪ ኣምላኽ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦ....

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት....

ምእንቲ ክንስማዕ

ምእንቲ ክንስማዕ

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣምላኽ ካብ መንእሰይ እንታይ እዩ ዝደሊ

ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....

ስምብራታት ህይወት

ስምብራታት ህይወት

ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላ....

"እንታይ እዩ ስምካ"  ዘፍ.32።27

"እንታይ እዩ ስምካ" ዘፍ.32።27

ሰባት ኣብ ምድሪ ካብ ዝፍጠሩ ንነገራት ንምልላይ። ምፍላይን ምግላጽን ስም ይጥቀሙ፣ ስም ዝኾንካዮ ወይ ክትኮኖ እት....

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

እቲ ሓታቲ ባዕሉ መላሲ

መቸም ቡዙሕ ግዜ መልሲ ፈሊጡ ዝሓተካ ሓታተይ ብድሕሪ ሕትኡ ገለ ግብረ መልሲ ከም ዘለዎ ፉሉጥ እዩ....

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ሕማም ሰብ ቆሮንጦስ ሕማም እዚ ዘመን እዚ

ምፍልላይ፣ ሓድሕዳዊ ዘይምስናይ፣ ክብረት ርእስኻ ምድላይ፣ ንሓጥያት ምምኽናይ ኣብ እታ ኣካል ክርስቶስ ክርኣዩ ዘይግብኦም ባእታታ ይኹኑ እምበር ግና እ....
 ፍርዲ ኣንበሳ

ፍርዲ ኣንበሳ

ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ሰባኺ ዝሰማዕክዎ ምሳሌ ንዓይ ኣዝዩ መሃሪ ዀይኑ ስለዝረኸብክዎ ከካፍለኩም፡- ሓደ ግዜ ኣብ ሓደ ከባቢ ሓደ ግርጉር ኣንበሳ ነበረ። ኣብ መ....
ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ብግዚኡ ንኹሉ ክምልሶ እዩ

ኣብ ህይወትናዘድልዩና ነገራት ኣዝዚዮም እኳ ቡዙሓት እንተኾኑ ሓንሳብ ሓንሳብ ግና ካብ ድሌታትና ዝበለጸን....

MINISTRIES

Bible.org
Joyece MeyerWe exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.

 

Father's Love Letter
Beauty Spring 2007Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.

Copy of MINISTRIES (B)

Christianbook.com
christianbook.comChristianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.

Streaming Faith
Beauty Spring 2007Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...

Last Message

17 May 2012, 21.44lemlem0
kab-lo-dibar(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ።...
18 0
06 April 2012, 02.29hanidani
afasgaየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ።...
375 0
29 March 2012, 05.46hanidani2
2012-03-29-05-59-10ንሕናደቂ ሰባት ካብዚ ኸማና ዝዀነ ሰብ ናእዳ ክንቅበል ከሎና ዝስምዓና ሓበንን ሞራልን ኣዚዩ ሓፍ ዝበለ ልዕሉ እዩ። ነዚ ዀይንኮነ...
279 0
15 March 2012, 08.32hanidani
2012-03-15-08-34-59ከም ሰባት ኣዚና እንጸልኦን እንፍንፍኖን ነገር ኣዚዩ ብዙሕ እዩ። ብፍላይ ድማ ኩሉሳዕ ምስ ሞራላዊ ህይወት ሰብ ዝጻረር ነገር ክንርኢ...
294 0
13 March 2012, 22.51lemlem0
there-is-hopeመ እ ተ ዊ  ብዙሕ ግዜ ሃንደበት ብዘጋጥሙኻ ነገራት ጸቕጢ ይፈጥረልካ፣ኩሉ ግዜ ንግሆ ተመሲጠ ጋዜጣ እንዳምበብኩ ከለኹ...
209 0
10 March 2012, 23.12lemlem0
worthyጸጋን ሰላምን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ንኹላትኩም ይኹን። ክቡራትን ቅዱሳንን ኣሕዋትን ኣሓትን፡...
284 0
29 February 2012, 08.28hanidani
heaven-1ቀደም ዝፈልጣ ሓንቲ ዓለመይ ዓለመይ መን ኣሎ ብኣኺ ዘይሓመመ ዓለምይ ብሓቂ መራር ኢኺ ትብል ደርፊ ኔራ እያ። እዚ ሰብ ከምዚ ኢሉ...
177 0
27 February 2012, 21.06lemlem0
metshaf-efeson   እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ቦታ ነቲ ብክርስቶስ እንረኽቦ መንፈሳዊ በረኸት ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ክንነብሮ ከም እንኽእል...
319 0
25 February 2012, 00.37lemlem0
2012-02-25-00-41-09ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ ሓደ መዓልቲ ደኾን...
428 0
19 February 2012, 01.43hanidani
2012-02-19-01-49-47ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ማእለያ ዘይብሎም ዘድንቑና ሰባት ብዙሓት እዮም። ካብኣቶም ሓደ ኩላትና ከም እንፈልጦ ኣቦና ኣብርሃም እዩ።...
443 0