| ስምብራታት ህይወት |
|
|
|
| Article Manager - Message | |||
| Friday, 21 January 2011 22:59 | |||
|
ቅድሚ ሒደት ዓመታት። ኣብ ሓደ ምውቕ ናይ ሓጋይ ቀትሪ
ኣብ ፍሎሪዳ ሓደ ንእሽቶ ቆልዓ ኣብ ድሕሪ ገዝኡ ኣብ ዝርከብ ቀላይ
ክሕንብስ ወሰነ፣ ብታህዋኽ ኩሉ ክዳዉንቱ። ሳእኑን ካልሱን ኣዉጺኡ ድማ ዘሊሉ ናብቲ ዝሑል ማይ ኣተወ፣ ሓርገጽ ናብኡ ገጹ ይመጽእ ከምዘሎ
ከየስተውዓለ ድማ ናብ ማእከል እቲ ቀላይ ኣቢሉ ገስገሰ፣ ኣብቲ ከባቢ እቲ ቀላይ ኣብ ሕርሻ ዝዓይይ ዝነበረ ኣቦ እቲ ቖልዓ ኣማዕድዩ ክልቲኦም ኣዝዮም ይቐራረቡ ከምዘለዉ ርኣየ፣ ብኣዝዩ ዓቢይ ስንባድ ከኣ ብኹሉ ሓይሉ ዓዉ ኢሉ እናጨደረ ናብቲ ማይ ገጹ ጎየየ፣ ድምጺ ኣቡኡ ደንጉዩ ዝሰምዐ ወዲ ድማ ነቲ ኩነታት ተረዲኡ ብቕልጡፍ ተጠዉዩ ናብ ኣቡኡ ገጹ ክሕንብስ ጀመረ፣ ግን ኣይተዓወተን፣ ናብ ኣብኡ ብጽሕ ክብልን እቲ ሓርገጽ ብእግሩ ክሕዞን ሓደ ኮነ፣ ኣቦ እቲ ቖልዓ ኢድ ወዱ ቖብ ኣቢሉ ኣብቲ ገምገም ኮይኑ ክስሕብ ከሎ እቲ ሓርገጽ ድማ ብእግሩ ሒዙ ክስሕቦ ጀመረ፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ቅልስ ተኸፍተ፣ ሽሕ እኳ እቲ ሓርገጽ ካብቲ ሰብኣይ ዝሕይል እንተነበረ እቲ ኣቦ ግን ፍቕሪ ወዱ ስለዝዓዘዞ ንወዱ ክፍንዎ ኣይፈቐደን፣ ኣብ ሞንጎ እዚ ከቢድ ወጥሪ ግን ብኣጋጣሚ ብእኡ ዝሓልፍ ዝነበረ ሓደ ሓረስታይ ኣዉያት ሰሚዑ ተቐላጢፉ ካብ መኪንኡ ብምውራድ ነቲ ሓርገጽ ቶኪሱ ቐተሎ፣
እቲ ንእሽቶ ወዲ ድሕሪ ነዊሕ ሰሙናት ብዘደንቕ ኩነታት ኣብ ሆስፒታል ተዓቑቡ ድሕሪ ምጽንሑ ካብ ኣፍ ሞት ወጸ፣ በቲ ሓደገኛ መጥቃዕቲ ናይቲ ኣራዊት እግሪ እቲ ቆልዓ ገዚፍ በሰላ ኣትረፈ፣ ኣብ ኢዱ ድማ ብምኽንያት ኣቡኡ ነቲ ዝፈትዎ ወዱ ከድሕን ብዝገበሮ ጻዕርታት በጽፋር እቲ ኣቦ ዝተፈሓንጨረ ዕሙቕ ዝበለ ቑስሊ ነበረ፣
ካብ ሕማሙ ምስ ተገላገለ ሓደ ጋዜጠኛ በሰላ ናይ ቁስሉ ከርእዮ ሓተቶ፣ ስረኡ ሓፍ ኣቢሉ ድማ ኣርኣዮ፣ ቀጺሉ ድማ ብዓቢ ሓበን ነቲ ጋዜጠኛ ከምዚ ኢልዎ። "ኣብ ኢደይ ዘሎ ስምብራት ግን ርኣዮ፣ ኣቦይ ንከድሕነኒ ኣትሪሩ ስለዝሓዘኒ ዝወጸኒ ስምብራት እዩ፣"
ኣነን ንስኻትኩምንውን ንርእስና ምስዚ ንእሽቶ ቆልዓ ከነመሳስላ ንኽእል ኢና፣ ንሕናዉን ስምብራታት ኣሎና፣ ብምኽንያት ሓርገጽ ዘይኮነስ ብምኽንያት ሕሉፍ ተዘክሮ በሰላ ይህልወና እዩ፣ ገሊኦም በሰላታትና ዘይረኣዩን ዓሚቕ ጣዕሳን ዘስዓቡልና እዮም፣ ኣሕዋተይ ገሊኦም ስምብራታትና ግና ኣምላኽ ክፍንወና (ኣሕሊፉ ክህበና) ስለዘይደሊ ዝመጽኡ እዮም፣ ኣብ ማእከል ግድልካ ንሱ ኣብኡ ንዓኻ ዓትዒቱ ሒዙካ ይርከብ፣
መጽሓፍ ቕዱስ ኣምላኽ ከምዘፍቕረና ይምህረና፣ ንስኻ ዉሉድ ኣምላኽ ኢኻ፣ ኣብ ኩሉ ኩነታት ክሕልወካን ዘድልየካ ክህበካን ይደሊ እዩ፣ ንሕና ግን እንሓንሳብ ብዛዕባ ኣብ ቅድሜና ተጻዊዱልና ዘሎ መፈንጠራ ከየስተውዓልና ብዕሽነት ናብ ሓደገኛ ቦታታት ንኣቱ፣ ናይ ህይወትና መሐንበሲ ብጎዳጉዲ ዝመልአ ክነሱ። ንሕና ግን ጸላኢ ኣብኡ ኣድብዩ ከምዝጽበየና ኩሉ ግዜ ምስ ዘንጋዕና ኢና፣ ሽዑ እዩ ኹናት ዝጅምር - ሽዑ ስምብራት ናይ ፍቕሩ ኣብ ኣእዳዉካ እንተወጸካ ኣዚኻ ኣዚኻ ተሓጎስ፣ ንሱ ቅድሚ ሕጂ ገዲፉካ ኣይፈልጥን ብሕጂዉን ፈጺሙ ኣይክገድፈካን እዩ፣ ከምኡዉን ፈጺምካ ኣብ ልዕሊ ናይ ሰባት ስምብራት ኣይትፍረድ፣ ምኽንያቱ እቲ ስምብራት ብኸመይ ኣብ ህይወቶም ከምዝመጸ ኣይትፈልጥን ኢኻ፣
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...