| ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ምርኣይ |
|
|
|
| Article Manager - Daily devotion |
| Thursday, 08 April 2010 22:07 |
|
ሓሳቡ ካብ ሓሳብና ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝበለ ብምዃኑ ብምሕዳስ ሓሳብና ከይተለወጥና ከምቲ ንሱ ዝርእዮን ነቲ ንሱ ዝርእዮን ክንርኢ ኣይንኽእልን ኢና። ብጎይታ ድሕሪ ምእማንና ኣተሓሳስባና ቀስ ብቐስ እምበር ብቕጽበት ስለ ዘይልወጥ ንነገራት ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮ ጌርና ዘይክንርእዮ ይከኣል እዩ። ጎይታ የሱስ ኣብቲ ናይ ከረን ስብከቱ (ማቴ.5-7) ንኣምላኽን ንገንዘብን ክንግዛእ ከም ዘይንኽእል፣ ካብ መብልዕ ህይወት ስለ እትበልጽ ብእንበልዖን እንሰትዮን ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ከምኡውን ስጋ ካብ ክዳን ስለ ዝበልጽ ብእንኽደኖ ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ምሂሩ ኣሎ። ናይ ከረን ስብከት ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ምስ ቀረቡ ንዓኣቶም ዝመሃሮም ትምህርቲ ስለ ዝኾነ ንኣመንቲ እምበር ንዘይኣመንቲ ዝተማህረ ትምህርቲ ኣይኮነን። ኣማኒ ኮይንካ እምበኣር ንነገራት ከምቲ ኣምላኽ ዝርእዮም ዘይክትርእዮም ትኽእል ኢኻ። ስለዚ ድማ ብምሕዳስ ሓሳብካ እናተለወጥካ ብምኻድ ንነገራት ከምቲ ኣምላኽ ክትርእዮ ዝደልየካ ክትርኢ የድሊ።
እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ካብ ዝተዛረቦ ዘረባ እንወስዶ ቀንዲ ሓሳብ ኣምላኽ ከም ሰብ ከም ዘይርኢ እዩ። ኣምላኽ ብመምዘኒ ሰብ ኣይመዝንን እዩ። ስለዚ ንነገራት ከም ኣረኣእያ ሰብ እናረኣኻ ንኣምላኽ ባህ ዘብል ህይወት ክህልወካ ኣይክእልን እዩ። ንነገራት ከምቲ እግዚኣብሄር ዝርእዮ ክትርእዮ እንተ ክኢልካ ነቶም ንነገራት ከም ኣረኣእያ ኣምላኽ ክርእዩ ዘይከኣሉ ስጋውያን ክርስትያናትውን ጽላለ ዝመስሎም ስጉምቲ ክትወስድ ኢኻ። ብዙሓት ኣመንቲ ነቲ ጎይታ ዝመሃሮ ‘ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ’ ዝብል ትምህርቲ ከም ዝኸብዶም ካብ ዝገብር ነገራት እቲ ቀንዲውን ንነገራት ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ክትርእዮ ካብ ዘይምድላይ ወይ ካብ ዘይምኽኣል እዩ። ሓደ መዓልቲ ጎይታ እናመሃረ ከሎ ሓደ ሰብኣይ “መምህር፣ ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ፣” ኢሉ ሓቲትዎ። ጎይታ ግን “ኣታ ሰብኣይ፣ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፣” ድሕሪ ምባል “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኮነትን እሞ፣ ተጠንቀቑ፣ ካብ ኩሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሓልዉ፣” ኢልዎም (ሉቃ.12፣13-15)። ክንደይ ካባና ኾን ሓውና ርስቲ ክመቕለና ወይ ድማ ስለ ርስቲ ካልኦት ብስም የሱስ ጸሊና ንኸውን? እቲ ብስሙ እንጽሊ የሱስ ግን ንሓዉ ዘይኮነስ ነቲ ሰብኣይ እዩ ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ከም ዘይኮነትን ርእሱ ካብ ኩሉ ስስዐ ክሕሉን ነጊርዎ። ሰብ ህይወት ብብዝሒ ገንዘብ ከም ዝኾነት ስለ ዝሓስብ ዋላ በቶም ኣመንቲ ዝበሃሉ ሰባት ገንዘብ ንምርካብ ዝግበር ሃለኽለኽ ንርኢ ኢና። እግዚኣብሄር ግና ንገንዘብ ከምቲ ሰባት ዝህብዎ ሚዛን ስለ ዘይህቦ ጎይታ ካብ ንሓዉ ናይቲ ሰብኣይ ነቲ ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርቱ ኮይኑ ዝመሃር ዝነበረ ሰብኣይ ክዛረቦ እዩ መሪጹ። ሎሚውን ነቶም ሰዓብቱ ዘበልና በተሓሳስባና ክንልወጥ እሞ ንነገራት ከምቲ ንሱ ዝርእዮ ጌርና ክንርእዮ ይደልየና። ከም ሰብ እንተ ርኢናዮ ዝግብኣካ ርስቲ ክትምቀል ምሕታት ዋላ ሓንቲ ዘይክመስለና ይኽእል እዩ፣ ጎይታ ግን ስስዐ ኢልዎ። ምኽንያቱ ‘እግዚኣብሄር ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን እዩ፣ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፣ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ’። |
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...