| ቕንያቱ ኽፉእ እዩ'ሞ ... |
|
|
|
| Article Manager - Daily devotion |
| Thursday, 08 April 2010 16:52 |
|
እቲ ኣጸቢቁ ዘሰክፈካ ከኣ፡ ውግእን ምትንኻይን ከምቲ ኣብ ማቴ 24፡7 ዝብሎ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጥራይ ዘይኰነ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማለት 'ዓሌታዊ ምጽራይ' ብዘፍርህ መገዲ ንዓለም የንጸላልዋን ይትንክፋን ኣሎ። ዓመጽ እናበዝሐ ጽልኢ ኣብ መንጐ ህዝብታት እናጎልሐ ይመጽእ ኣሎ። ነቲ መስፍን ሰላም ዝዣነ የሱስ ክርስቶስ ወጊዶም ሰባትን ህዝብታትን መንግስታትን ብሰላም ክነብሩ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ይብል 'እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን ይብል ኣምላኸይ' ኢሳ 57፡21። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ እቲ እናጸንከረ ዝመጽእ ዘሎ ቁጠባዊን ክሊማውን ምምዝባላት፡ ናይ ቀዛፊ ሕማም ኤይድስ ወራር ተወሲኹ" ንዓለም ኣብ ዝዓበየ ደረጃ ስግኣት ኣእትይዋ ኣሎ። እቶም ካብ ተስዓታት ጀሚሮም ኣብ ዓለም ሓድሽ ቁጠባዊ ስርዓት ይኣቱ ምህላው ዝሓበሩ ሎሚ ብምኽንያት እቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ (ኮርያ ታይላንድ ኢንዶነዝያን ማሌዝያ ጃፓን) ከምኡ ድማ ሩስያ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ቁጠባዊን ፊናንስን ጸገማት፡ ንርእሶም ፈሪሆም ኣጽቂጦም ኣለው። እዚ ኵሉ ንውልቀ ሰባትን ኣህዛብን መንግስታትን ዘናውጾም ዘሎ ኩነታት ርኢኻ ከም ካብ ብርቱዕ ማዕበልን ሃጽፊን፡ ንርእስኻ መዕቆቢ ክትደሊ ሃሰውሰው ከብለካ እዩ። ገለ ሰብ፡ ኣፍሪቃ ተስፋ ስለዘይብላ ዝሃብካ ሂብካ ዝገበርካ ጌርካ ናብ ኣሜሪካ ወይ ኤውሮጳ ምኻድ እዩ ዝዋጽእ ዝብል ይህሉ። ገለ ኸኣ ገንዘብን ስንቅን ኣብዚሕካ ምእካብን፡ ኣብኡ ጸግዒ ምግባርን እዩ ዝሓይሽ ዝብል ይህሉ። ገለ ኸኣ ኣብ ሰብን መሳፍንትን ደኣ ምውካል ይሓይሽ ዝብል ኣይስኣንን። ነፍሲ ሰብ ግን ኣብዚ ኹሉ ዑቕባ ክትረክብ ኣይትኽእልን እያ። ነፍሲ ሰብ ኣብ ኣምላኽ ጥራይ እያ ዓሪፋ ከተዕቑብ እትኽእል። እስኪ ነዚኤን ጥቕስታት ነድህበለን። 'ስም እግዝኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቑብ።' ምሳ 18፡10 'ብዘይ እግዝኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ ብዘይ ኣምላኽና' መን እዩ ከውሒ።' መዝ 18፡31 'ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ ሰናይ ድማ ግበር፡ ኣብታ ሃገር ተዋመጥ እምነት ከኣ ድለ።' መዝ 37፡3 እምብኣርከስ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ጸሎትን ናብቲ ቃልን ንእቶ። ሽዑ ንየሱስ ኣብ ዝፋኑ ተዋሚጡ፡ ኣኽሊል ክብሪ ተኸሊሉ ንኹሉ ወኻዕታ ኣብ ትሕቲኡ ኣግዚኡ፡ ብኽብሪ ክንርእዮ ኢና። መዝ 46 ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ ጊዜ ዓዲግኩም ከም ለባማት እምበር ከም ዓያሱ ዘይኰነ ከመይ ብጥንቃዋ ከም እተመላለሱ ተመልከቱ። ኤፈ 5፡ 15-16
|
Well come !!!
Latest Message
(2ሳሙ9፣ 2ሳሙ4) ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መ....
ህይወትና ትዓግብ ዶ፧ እዛ ለይትን መዓልትን ደስ ከነብላ ኢልና ላዕልን ታሕትን እናበልና እንሃልከላ ህይወትናስ....
ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ “እዚ እባ ግበረለይ?”፡ “ከምዚ እባ ተማልኣለይ?”፡ “ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?....
ኣብ መንፈሳዊ ንስጋውን ዓለም ዓቢ ኣበርክቶ ዘለዎን ናይ ለውጢ ሞተር ከኣ ዝኾነ መንእሰይ እዩ። መንእሰይ ዘለዋ ሕብረተሰብ ውሕስነት ....
We exist to freely share the good news from God to the entire world so you can KNOW the Truth about life and eternity. We provide free access on the Internet to the finest, most trustworthy biblical truths and materials.
Father's Love Letter is a compilation of bible verses from both the Old & New Testaments that are presented in the form of a love letter from God to the world.Christianbook.com
Christianbook.com is the online home of Christian Book Distributors (CBD), the world's largest distributor of Christian resources.
Streaming Faith
Streaming faith, the world's largest faith based broadcasting portal, allows Christian ministries to spread the gospel by delivering their live or video on ...